Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ ( 2ይ ክፋል)
ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ ( 2ይ ክፋል) PDF Print E-mail
Sunday, 03 May 2009

MAD1

 

 

ኣብ ዝሓለፈ ቕነ፡ "ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ" ብዝብል ኣርእስቲ ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ብትሕዞ ናይ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ናይ ምርሻን ስጉምታት ዝምስክር ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ጭቡጥ ሰነዳት፡ ንግዳያት ርሸና 1.  ኣብርሃለይ ተኽለ ኣስፍሃ  2.  ሃይለ ብስራት ጋሎ 3.  ስዩም ተስፋማርያም ተወልደ ብምጥቃስ ኣቕሪብናልኩም። ሎሚ ኣብ 2ይ ክፋል ድማ፡ ናይ ካልኦት ኣርባዕተ ዜጋታት ማለት 1. ምኪኣኤል ኣድሃኖም ደስታ 2. ዮሱፍ ኢብራሂም ኣደም 3. መኮነን ሽዋየ ወልዱ 4. ሰለሙን ጉዕሽ ሕሉፍ መቕዘፍቲ ብህግደፍ ምስናይ ሰነዳቱ ከነቕርበልኩም ኢና።

ነዚ ሰነዳት'ዚ ኣነቕርቦ ዘለና፡ ቀንድን እንኮን ዕላማና ነቲ ጭካኔ ዝመልኦ ኣነዋሪ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕ ጥራይ እዩ። እቶም ተኣዚዞም ቃታ ዝስሓቡ ተደፊኦም ነቲ ገበን ስለዝወዓሉዎ ንርእሶም ግዳያት እዮም። ቀዳማይ ተሓታቲ እቲ ነቲ ኣረሜናዊ መምርሒ ዘመሓላለፈ ስርዓት 'ኳ እንተኾነ፡ እቶም ነቲ ቄናን መምርሒ ተቐቢሎም፡ ናብ ታሕቲ ብትእዛዝ ኣውሪዶም ዘፈጸሙዎን ንላዕሊ ብጸብጻብ ዘሕለፉዎን ከኣ ከከም ደረጃኦም ተሓታትነት ኣለዎም። ተሓታትነቶም ግን ኣብ ቅድሚ ፍትሓዊ ሕጊ እምበር፡ በብኢድካ ዝውሰን ኣይኮነን። ዋላ'ኳ ሕርቃንን ቂምታን ባህርያዊ እንተኾነ፡ ብኢደወነንካ ስጉምቲ ምውሳድ ገበን ኣብ ርእሲ ገበን ምድራብ እዩ። ሕጊ ጥራይ እዩ፡ ነባርን ዘይንቕነቕን ፍርዲ ናይ ምርግጋጽ ሓይሊ ዘለዎ።

ኣሰና

1.   ሚኪኤል ኣድሓኖም ደስታ

2.   ዮሱፍ ኢብራሂም ኣድም

3.   መኮነን ሽዋየ ወልዱ

4.   ሰሎሙን ጉዕሽ ሕሉፍ


 

Last Updated ( Sunday, 03 May 2009 )
 
< Prev   Next >

Loading...