አብ ከባቢ1983 ጀብሃ ናብ ሰልስተ ትምቀል። ጉጀለ ራሳይ (ናይ ሎሚ ተዳሙን) ሰውራዊ ባይቶ፡(ናይ ሎሚ አብ ሰዲህኤ ዝአተዉ)  ሳግም (ናይ ሎሚ አ/ወ ኪዳን ተወልደ ገብረስላሴ ዝመርሖም) ፡ ተባሂሎም ከአ ተጸውዑ። ሳግም ምስ ህግ ስምምዕ ብምግባር ንሜዳ ይአቱ፤ አብ ሓድሕዶም ምስምማዕ ይስአን፤ በዓል ቶቲል፡ ዘምህረት፡ ስውእ ብርሃነ ሃይለ፡ አብርሃለይ ፡ ገበሬ..ዘለዎም ናብ ህግ ይኸዱ፡፡ እዚ ሕጂ አቦ ወንበር ኪዳን ዘሎ፡ ተወልደ ገብረስላሴ ዝመርሖም ክፋል ሳግም፡ ምስ ወያነ ስምምዕ ብምግባር አብ ከባቢ1983-1984 ናብ ትግራይ ይሶልኩ። ሰውራዊ ባይቶ አብ ሱዳን ይንቀሳቐሱ፡ ብኽሲ አንዳ ዓብደላ ኸአ ብዙሓት ካድራቶም ብመንግስቲ ሱዳን ይእሰሩ። እንዳ ዓብደላ፡ ደቂ ከበሳ ዘይብላ ጽርይቲ ጀብሃ ፈጢርና ኢሎም አምባሕ በሉ። ንይምሰል ግን፡ ነዞም ተዳሙን ክምስርቱ ኸለዊ ዝሰጎጉዎምን ከምኡ እውን ስዉእ ወልደ-ዳዊት፡ ተስፋይ ገብረመደህን ይሳቕን ካልኦትን ሒዞም ገጾም ማስከራ ኽገብርሉ ፈተኑ። መስዋእቲ ወልደ-ዳዊትን ካልኦትን ይስዕብ። ቅንጸላ ወልደ-ዳዊት፡ ምስ ኩነታት ናይቲ አብ ራሳይ ዝተቐትለ ጦፉ ዘተአሳሳርዎ አይሰአኑን። እወ። እቲ ጦፍ ናይ ወልደ ዳዊት፡ ካብ ራሳይ ክሃደም ተረኺቡ ተባሂሉ፡ ብጥይት ተዅሲ ከይስማዕ ብእምኒ ጨፍጪፎም ዝቐተልዎ እዩ ኢሎም አብ ራሳይ የዕልሉ ከም ዝነበሩ ይጽወ። ስዉእ ወልደ-ዳዊት በዚ ጉዳይ ጉህዩ ከም ዝነበረ አውን ይዕለል እዩ። እዚ ኹሉ ኣብ ራሳይ። ዘተሓትት ነገር ዘለዎ ይመስል። አብ ጊዚኡ።

ኣሕመድ ናስር ምስ ሰውራዊ ባይቶ ይውግን። መራሒ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኸአ ንነዊሕ ይጸንሕ። ድሕሪ ስደት፡ ንቑሩብ ጊዜ ካብ ቃልሲ የዕርፍ። ጸኒሑ ናብ ቃልሲ ይምለሰ። ደጊሙ ኸአ አቦ ወንበር ሰውራዊ ባይቶ ይኸውን። ድሕሪ 5ይ ጉባኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰውራዊ ባይቶ ይፍንጨል። ኣሕመድናስር ምስ’ታ ደሓር ተ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ገባኤ ተባሂላ ዝተሰምየት ክፋል ሰውራዊ ባይቶ ይውግን። ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ባይቶ ውድቡ ኣፍሪሱ አካል ናይቲ ዝሰመረ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ይኸውን። አብዚ ቀረባ ጊዜ፡ እቶም ብብርሃነ ሃንጀማን ዓብደላ ሱለማንን ዝመርሑ ዝነበሩ አካላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ እንተ ብኸፊል አንተ ብምልአቶም ካብ ድሕነት ግንባር ይፍለዩ እሞ ብተግባር ግንባር ድሕነት በቶም መሪሕነትን አባላትን ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ግንባር ዝቐመት ኰነት። ከም ኣቦ ወንበራ ኸአ ኣሕመድ ናሰር ተመርጸ። ኣሕመድ ናስር፡ ካብ 75 ኣተሒዙ፡ ኣቦ ወንበርነት ከይተፍልዮ፡ ሎሚ ንድሕነት ግንባር ከም ኣ/ወ ክመርሕ ይርከብ።

Source ጥልመት መራሕትን ካድራትን ጀብሃ