Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow በታ ብውልቀመላኺ መላኺ ኢሳይያስ ብቐጥታ እትእዘዝ ዓፋኒት ጉጅለ፡ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ ሰዓት ተረሺኖም።
በታ ብውልቀመላኺ መላኺ ኢሳይያስ ብቐጥታ እትእዘዝ ዓፋኒት ጉጅለ፡ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ ሰዓት ተረሺኖም። PDF Print E-mail
Sunday, 01 February 2009
ውልቀመላኺ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብመንግዲ ‘ታ ብቐጥታ ዝእዝዛ ዓፋኒት ጉጅለ፡ የማነ በራኺ፡ ሄለን በራኺ፡ ተመስገን በራኺ ዝብሃሉ ደቂ ስውእቲ ተጋዳሊት ዝፋን ሓጎስን ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቀ ዘሎ ተጋዳላይ በራኺ ሃብተማርያምን ብሓደ ግዜ ብተመልከተለይ ኣብ ታላታ ዓሸር ከምዘረሸኖም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትያ ዎች ሓቢራ።

እቲ ቦኽሪ ናይታ ገዛ የማነ፡ ብ1975 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ሄለን ብ1984 ኣብ ሳሕል ተወሊዳ፣ ተመስገን ብ1988 ኣብ ዒታሮ (ሳሕል) ተወሊዱ። የማነ ኣዲኡ ምስ ወለደቶ ብቐጥታ ናብ ህዝባዊ ግምባር ስለዝተሰለፈት ምስ ኣቦሓጎኡ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ቤት ትምህርታት ባናን ፍኖተ ጥበብን ይመሃሩ ኔሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣቦ እዞም ሰለስተ ደቂ ሓደ ከብዲ፡ ተጋዳላይ በራኺ ሃብተማርያም ብ1976 ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ክኸውን ከሎ፡ ህግደፍ ኣንጻር ‘ቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጥላብ ዝተንቀሳቀሱ ሚኒስተራት ብ2002 ኣብ ከረን ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ‘’እዚ ትብሉና ዘለኹም ክንኣምኖን ከይንኣምኖን ንጊዜ ዝግደፍ እዩ። እንተኾነ ነዚ ጉዳይ’ዚ እተጻሪ ካብ ህዝቢ፡ ሰራዊትን ዓበይቲ ዓድን ዝተዋጽአት ኮሚቴ ክትቀውም ኣለዋ። እዞም ሚኒስተራት ድማ ጉዳዮም ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክረአ ኣለዎ እምበር ንዖኦም ኣሲርካ ከምዚ’ባ በሉ ከምዚ’ባ ገበሩ ምባል ፍትሒ ኣይኮነን’’ ኢሉ ድሕሪ ምቅዋሙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ይሳቀ ‘ሎ። ኣዴኦም ስውእቲ ተጋዳሊት ዝፋን ሓጎስ ከኣ ብ1990 እያ ተሰዊኣ።

ነቲ ኤርትራ ዎች ዘረጋገጸቶ መቕዘፍቲ ናይ ምልእቲ ስድራቤት ተጋዳላይ በራኺ ሃብተማርያም ዝወዓሎ ተኽለኣብ መሓረና ተኽለሃይማኖት ዝብሃል ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ግዜን ንብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምርሻንን ምእሳርን ካብ ዝተዋፈሩ ዕሉላት ሓደ ምዃኑ፡ ብጀካ ብተኽለኣብ መሓረና ብሳምሶም ተመልሶ ዝብል መጸውዒ ስም 'ውን ዝጥቀም ኮይኑ ቀንዲ መሳርሒ ሃገራዊ ድሕነት ወተሃደራዊ ስለያ ህግደፍ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና በዚ ኣጋጣሚ ትሕብር።

ኣሰና ንኹሎም እቶም ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም በዚ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ዝምልዓሱ ዘለዉ ግዳያት መንግስተሰማያት የዋርስኩም ትብል።


ማዕረማዕሪኡ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ‘ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ’ ብምባል ንስድራቤታትካን መንእሰያትካን ናይ ምጽናት ቅሉዕ ዘመተ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ኢድካ ኣጣሚርካ ኣፍካ ዓቢስካ ስቕታኻ እንተቐጺልካ ኣብ ገገዛኻ ክመጸካ ምዃኑ ከነዛኻኽረካ ንደሊ። ከምዚ ሎሚ ብትማሊ ትጠዓሶ ዘለኻ ጽባሕ ከኣ ብሎሚ ክትጠዓስ ኢኻ ‘ሞ፡ ኣብ ናይ ሕልና ደልሃመት ክይትነብር ምእንቲ፡ ነዚ ህድግለነ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ሓሕ ኢልካ ከም ኣንበጣ እትጸርገሉ ሰዓት ሕጂ ኢዩ።


ነዚ ብዝምልከት ዝርዝር ትሕዝቶ ንምንባብ መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ተወከሱ።   


Last Updated ( Thursday, 05 February 2009 )
 
< Prev   Next >

Loading...