 ኣብ አርትራ ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዜሞቱ እሱራት ጃምላዊ መርድእ ተነጊሩ
ብክውንን ዗ይክውንን ምኽንያት ካብ ብዘሕ ዒመታት ኣትሒዝም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዜተኣስሩ ካሳብ ሎሚ ኣለው እናተባህለ ስልጣንያን ክዲውንትን ዜበጽሓሎም ዜነበረን ኤርትራውያን፡ ኣብ ዜሓለፈ ሰሙን ስርዒት ህግዯፍ፡ ንቤተሰቦም በብሓዯ ጸዊዐ ብህይወት ከምየለው ጃምላዊ መርድእ ኣርዱኡ።
ቤተሰብ እሱራት ኣብ ዜሓለፈ ሰሙን ‚እከለ.... ዜተባህለ እሱር ሞይቱ እዩ! ሬሳ ኣይወሃብን እዩ! ናይ ግፍዑ ዲስን ቴንዲን ፡ ኣይፍቀድን ! ንክትፈልጡ ኢልና ኢና! ሓ዗ን ኣምሲልካ ምትእኽካብውን ኣይፍቀድን እዩ! ድሕሪ ሕጂ ስልጣንያ ወይ ክዲን ከይተምጽኡ‚ ብምባልን ነዙ መርድእዙ ብምስጢር ክሕዜዎ ከም዗ለዎም ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃብን፡ ንብዘሓት ስድራቤታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንዜርከቡ ኣፋንዩ። እዝም መርድኦም ዜተነግረ እሱራት ዙኣቶም እቶም ብፖለቲካዊ ሕቶ ዜተኣስሩ ዗ይኮኑ፡ ብኻልእ ብዜተፈላለየ በብዒይነቱ ምኽንያታት ዜተቐየደ ኢዮም።
እዝም መርድኦም ዜተነግረ እሱራት፡ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዜነበሩሉ እዋናት፡ ካብ ቤተሰቦም፡ ምግቢን ክዲንን ምእታው ይፍቀዯሎም፡ እቲ ዜኣተወ ክዲን ወይ ስልጣንያ ግን ናብ ቤተሰብ ኣይምለስን፡ ናብቲ ዜምልከቶ እሱርውን ብሓቅዶ በጺሑ ወይስ ኣይበጽሐን ኣይፍለጥን።
ኣብ ቤትማሕቡሳት ሃገርና፡ ኩሉ ኩሉ ክሳብ 30 ሽሕ ዜኣኽሉ እሱራት ክህልው እንከለዉ ፡ ካብ 350 ክሳብ 400 ዜኣኽላ ፡ ናይ ፖሊስ፡ ናይ ህግዯፍ፡ ናይ ፕረሲዯንት ቤት ጽሕፈት፡ ናይ ሰራዊት፡ ተባሂለን ዜጽውዒ ቤት ማእሰርቲ ኣለዋ።
ስርዒት ህግዯፍ ነዙ መርድእዙ ሎሚ ዗ካየዯሉ ምኽንያት ፍሉጥኳ እንተ዗ይኮነ፡ ነዙ ናይ ልብያ ሓ዗ን ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንቡር ናይ ግፍዑ ምትእኽኻባት ንኸይህሉ ተባሂሉ ዜተማህ዗ ከይኮነ ኣይተርፍን ተባሂሉ ይግመት።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዗ጋጠመ ህልቀት ኤርትራውያን ኣብ ህዜቢ ኤርትራ ዒቢ ቁጥዏን ምዕዜምዚማትን ብምፍጣሩ ንስርዒት ህግዯፍ ዒቢ ስግኣት ፈጢሩሉ ይርከብ። ነቲ ኩነታት ንምህዲእ ድማ ካብ ወለዱ ወይ በዒልቲ ቤት ምስ ስግረ ዶብ ብምትሕሓዜ 50,000 ናቕፋ መቕጻዕቲ ዜጥቀመሉ ዜነበረ ስርቒን ዗ረፋን በቲ ኩነታት ተዲሂሉ ብ዗ይ እውጅ ንግዜይኡ ጠጠው ከም዗በሎን፣ ካብ መገሻ ተኸልኪሎም ዜነበሩ ገያሾ ድማ ነዙ ዕድል‘ዙ ተጠቒሞም መገሽኦም ከምዜኸደ እሙናት ምንጭታት ካብ ውሽጢ ይሕብሩ።

 

ኣብ ሱዲን ዜርከቡ ብዘሓት መንእሰያት ተዒፊኖም ይውሰደ።
ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዗ይፈልጥ ዒቐን፡ ኣብ ሃገር ሱዲን፡ ብዘሓት ኤርትራውያን መንእሰያት መንነቶም ብ዗ይተፈልጡ ኣካላት ተጨውዮም ይውሰደ ከም዗ለው ተፈሊጡ።
ናይ መንእሰያት ምጭዋይ ዜያዲ ዜረኣየለን ከተማታት፡ ከሰላን ስዋኪንን ካርቱምን ኮይነን፡ ኣወዲት ምሸት ካብ ጽልምት ዜበለ ጎዯናን ቤት መ዗ናግዕን ክውሰደ ከለዉ፡ ዯቀንስትዮን ድማ፡ ምሸት ወይ ቀትሪ ዯገ ንክወጻ ኣብ ጽምው ዜበለ ቦታ ምስከዲ ከምዜጭወያ ተፈሊጡ።
ነዙ ዗ስካሕክሕ ፍጻሜ ዗ካይደ ኣካላት ብዘሕ ጨናፍር ዗ለዎም ናይ ማፍያ ጉጅለ ይኹኑምበር ኣብ ክልተ ዒበይቲ ጉጅለ ይምቀሉ።
እቲ ቀዲማይ ጉጅለ ብሓፈሻ ብሄረ ራሻይዲ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ብምትሕብባር ዗ካይድዎ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ እዝም ኣባላት ብሄረ ራሻይዲ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ካብ መዯበሮም ካብ ወድ ዑሎን ( 30 ኪሜ ሰሜን ባጽዕ) ፡ ጉልጅን፡ ዒሊግዯርን ይብገሱ። ነጋዶ ተመሲሎም ክሳብ ሲናይን ጫድን ሊብያን ዯቡብ ሱዲንን እናተጓዕዘ ንገለ ከነብጽሓኩም እናበሉ ንገለ ድማ ካብ ማእከል ኤርትራ ከተረፈ ጨውዮም ብምውሳድ፡ ብዘሕ ብዘሓት መንእሰይ ለኪሞም። ቀንዱ ተልእኮ ናይዝም ነጋዶ ራሻይዲ ከኣ ስለያዊ ጸብጻብ ንህግዯፍ ንምውፋይ ስለዜኾነ ፡ እዝም ጨወይቲዙኦም ብ዗ይ ገለ ስክፍታ ኣብ ማእከል ኤርትራ ይንቀሳቐሱ፡፡ ከም መርዲእታ ናይዙ፡ ቅድሚ ዒመትን ፈረቓን ካብ ባጽዕ ወዱ 12 ዒመት ቆልዒ፡ ወዱ ሓዯ ካፕተን ናይ ሓይሊ ኣየር፡ ጨውዮም ወሲዶም። ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ የለን።
እቲ ካልኣይ ጉጅለ ከም እኒ ተኽለ ወዱ ሰንዒፈን ቴድሮስን ዜተባህሉ ሕልና ዗ይብሎም ውልቀሰባት፡ ንቑሩብ ገን዗ብ ክብሉ ኮነ ኢሎም ኣሕዋቶም ብምትላል ንሸቃጦ ዗ረክቡን፡ ኢዮም። እዝም ሸቃጦዙኦም ድማ ብወገኖም ኩሊት ምስዜዕድጉ ጉጅለ (Organ Procurement & Transplantation Network OPTN) ብሓባር ይሰርሑ ተባሂሉ ይጥርጠር። ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ሓንቲ ኩሊት ብ75,000 ዶላር ንተጠቃሚ ትሽየጥ።

source EPM