Skip to content
You are here: Home
ጆሽዋ፡ ቅያኻ ንዘልኣለም ክነብር’ዩ! Print E-mail
Written by ብኣሮን ብርሃነ   
Friday, 16 February 2007

ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝሰማዕክዎ ሞት ጆሽዋ ዝገልጽ መሪር ዜና ክኣምኖ ኣይደለኹን። ሓሶት ክኾነለይ ብዙሕ ተተምንየ። ግን ትምኒተይ ማይ ዝዓሞኸ ጓንጓ ትምኒት ኮይኑ ተሪፉ። ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝስዕብ ዜና ንስቅያታዊ ኣማውታ ጀሽዋ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጠቕሱ ጋዜጠኛታት መድሃኔ ሃይለ፡ ዮሱፍ መሓመድዓሊን ስዒድ ዓብደልቃድርን ሞት ውን ዕረ እናጣዓመኒ ንክኣምን ዝድርኽ’ዩ ኮይኑ።

ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ) ብ27 መስከረም ብኢድ ጎሓላሉ ካብ ሕቑፊ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ዘይዓኾኹ ህጻናት ደቁን ተመንጢሉ ናብዛ ዳስ ሓውያ ዝኾነት ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ካብ ዘምርሕ፡ ግፍዓዊ ኣመራምራ ኣይተፈለዮን። ብዱላ ርእሱን ዝባኑን ተቐጥቂጡ፡ ፍርቂ ኣካላቱ ለሚሱ። ብጉጤት ኣጽፋሩ ተማሕዩ፡ ኢደ ድውያን ለቢሱ። ብሰንሰለት ምናቱ ተሓርሒሩ፡ ዙረት ደም ኣካላቱ ተሰናኺሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ትልኽ ትብል ዝነበረት ትንፋሱ ተመንዚዑ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፈሊና።

ንምዃኑ እንታይ’ዩ ኣበስኡ? ሕፍረት ኣልቦ ጉጅለ ህግደፍ ብክድዓት’ዩ ከሲስዎ። ጆሽዋ፡ ብክድዓት ሃገር ክኽሰስ ግን ንኩሉ ታሪኹ ዝፈልጥ የስደምሞ’ዩ።

ጆሽዋ፡ ጌና ወዲ 19 ዓመት እንከሎ ኣብ መጀመርታ 1978 ልኡላውነት ሃገሩ ከረጋግጽ ናብ በረኻታት ሳሕል ሳጊሙ። ዘይ ከምዞም መንነቱ ዝኽሕዱ ዘለዉ መዳኸርቲ ህይወቱ ከድሕን ወይ መነባብርኡ ከጣጥሕ ናብ ዓዲ ስደት ኣየምርሐን። ንሱ ኣብ ጎድኒ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ብዘይተጉላባነት ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ኣባይ ትውልዲ ሃገሩ ክደፍን ብጅግንነት ተዋጊኡ።

ንሱ፡ መሬት ካብ ኢድ ጸላኢ ጥራሕ ነጻ ምውጽኡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይወሰዶን። ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ከባራብር ሓጸርቲ ድራማታትን ልቢ ወለዳትን ብቀጻሊ እናበርከተ ንሃገሩ ንምግልጋል ተታሓሒዝዎ። ኣወንታዊ ኣጠማምታ ስለዝነበሮ፡ ኣብታ ድሮ ጀሚርናያ ዝነበርና ፈላሚት ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ጋዜጣ ሰቲት፡ ዓቕማ ንምሕያል ክጽንበረና ዕድመ ኣብ ዘቕረብናሉ እዋን ብዓቢ ሃንጎፍታ ተቐቢሉ ኣብ መወዳእታ 1997 ተጸንቢርና። ኣይደንጎየን፡ ሓንቲ ‘ኣደይ ቅርጣሽ’ ትብል ተኸታታሊት ልቢ ወለድ ዛንታ ብምጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ 90ታት ዝነበረ ቅሉውላው ዝምድና ተኻረይትን ኣካረይትን ብውሕልነት ናብ ነበብቲ ጋዜጣ ሰቲት ኣቕሪብዎ። እታ ጽሕፍቲ፡ ንዝርጋሐ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ምዕባይ ዓቢ ተራ ተጻዊታ። ህቡብነት ናይታ ዛንታ ካብ ጻት ናብ ጻት ስለዘቃልሐ፡ ድምጺ ሓፋሽ ሸውሃት ሰማዕታ ንምዕጋብ ኣብ ናይ ሰንበት መደባ ብተኻታታሊ ተቕርባ ኔራ።


ኣበርክቶ ጆሽዋ፡ ግጥሚ ወይ ልቢ ወለድ ጽሑፋት ኣብ ምብርካት ጥራሕ ዝተደረተ ኣይነበረን፡ ንማሕበራዊ ጸገማት ህዝቢ ፍታሕ ክናደየሉን ብልሹው ኣመሓዳድራ ክመሓየሽን ንዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣናት ቃለ-መጥይቕ እናግበረ ንነበብቲ የቕርብ ኔሩ። ብሓያል ብርዑ ሃገር ክሃንጽ ብዙሕ ሓርኮት ኢሉ። ብውሕሉል ኣጸሓሕፍኡ ኣቓልቦ ዝተነፍጎም ጉዳያት ኣባይቲ፡ ቆላሕታ መንግስቲ ከምዝወድቆም ጌሩ።

ኩሉ’ዚ ኣብ ትርፊ ግዚኡ’ዩ ዝገብሮ ኔሩ። ምሉእ ግዚኡ ኣብታ ምስ ገለ ብጾቱ ኮይኑ ዝጀመራ ናይ ቆልዑ ትያትር ሸዊት’ዩ ዝሰርሕ ኔሩ። ቀንዲ ሞተረ ናይዛ ማሕበር ከኣ ንሱ’ዩ ኔሩ። ንህጻናት ተዋስኦ ይዕልም፡ ብኣክሮባት ንክስልጥኑ ባይታ የጣጥሕ። ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ጉጅልኡ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ ንህዝቢ ከዘናግዕን ክምህርን ይፍትን ኔሩ። ኩሉ ሰናይ ግብሩ ተረሲዑ ግን፡ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዕድመ ህላውኡ ከምዘኸትም ጌርዎ።

ናይ ብሓቂ የሕዝን’ዩ። ሞት ጆሽዋ፡ ነቲ ብጥርጣረ ክሪኦ ዝጸናሕኩ ሞት መድሃኔ ሃይለ፡ ዮሱፍ መሓመድዓሊን ስዒድ ዓብደልቃድርን ዘርግእ’ዩ። እዞም ትጉሃት ዜጋታት፡ ብዘይካ ሞያ ጋዜጠኛ ምሕንጋር ካልእ ገበን ዘይብሎም፡ ኣብ ዒራዔሮ ህላውኦም ኣብቂዑ’ዩ። እቶም ዝተረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ዝበልዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ከ ብህይወት ኣለዉ ዶ? ሕጂ እቲ ሕቶ መን ሞይቱ ኣይኮነን ክኸውን ዝግብኦ፡ መን ብህይወት ኣሎ?

ህግደፍ፡ እዞም ፈተውቲ ሃገር ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብወለዶም ከይብጽሑ፡ ብተጣበቕቲ ማሕበራት ኩነታቶም ከይድህሰስ ምኽልካሉ፡ ወረ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ከምዚ ዝበሃል ሰብ ኣይንፈልጥን ኢና ምባሉ፡ ነዚ ነፊሱ ዘሎ ወረ ሓቅነት ዘልብስ’ዩ። ብመርትዖ ህላወ ናይዞም ጋዜጠኛታት ከረጋግጽ ስለዘይክእል፡ ልቦና ዝጎደሎ መልሲ ክስንዱ ይድረኽ ኣሎ። ብልክዕ ህላወ ናይዞም ጀጋኑና ንፈልጦ የብልናን። እንተኾነ እዛ ህግደፍ ተኾልኪልዋ ዘሎ ናይ ሓሶት ድርዒ ድሮ ተተርቢዓ ስለዘላ፡ ህላወ ናይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሓርበኛታትና ምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓጺር ምዃኑ ዝእንፍት ምልክታት ውን ተርእየና’ላ።

ደም ናይዞም ንጹሃት ዜጋታት ኣብ መሬት ዙዒጉ ኣይተርፍን’ዩ። ነዞም መንሽሮ ዕቤት ሃገር፡ ነጻነት ፕረስን ውሕስነት ሰላምን ኮይኖም ዘለዉ ባእታታት ውሕጅ ኮይኑ ክብቁጾም’ዩ! ዕላማን ራእን ጆሽዋ፡ ስዒድ፡ መድሃኔን ዮሱፍን ድማ እናሓደረ ክጋሃድ’ዩ። ብብርዖም ዝተሳሕሉ፡ ብጽሑፋቶም ዝነቕሑ ዜጋታት ክቕጽልዎ’ዮም።

ጽንዓት ንስድራቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ዝሓለፈ ጀጋኑ ጋዜጠኛታትና!

ኣሮን ብርሃነ

 

ንጆሽዋ ካብ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ጆሽዋ

ክኣስሩኻ ከለው
ስምካ ውን ኣሕዲጎሞኻ
ቁጽሪ ኣርባዕተ ኢሎሙኻ

ፍስሃየ ብፍስሃየኻ
ጆሽዋ ውን ይብሉኻ

ኣብዛ ዓይነይ ኣለኻ

ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ንኤርትራ
ሎሚ ንዓለም መምህራ
ሕልናኻ ክም ምዓር ተበርቢራ

ኣነ ርእሶምየ ሓውኻ
ኣብ ኤክስፖ ምሂረ'የ ምሳኻ
ኣብ ኤክስፖ ተማሂረ'የ ካባኻ

ዶ/ር ርእሶም ሃይለ
ታሕሳስ 3 2003

Login Form






Lost Password?
No account yet? Register
joshua01.jpg

Metkel wrote

ጆሽዋ ንዓ መልስ
ሓቂ ድዩ ዋላ ሓሶት
እዚ ዝነፍስ

እቶም በደልትኻስ
ከመይሎም እድቅሱ
ይብሉ ትኽስ

እንታዩኸ 'ቲበደልካ
ሓቢረሙኻዶ
'ታይ ከምዝኣበስካ

በል ብሂወት ሃሉ ኣይትሃሉ
ዓባይ ተስፋ ክህበካ
ታሓዚ መዝግብሲ - እዝጊ እንዳኣሉ