4. “ዓወትና ግድን ክኸውን ናይ ግድን ድዩ?
ዘይትርሳዕ ጥቕሲ
ኣቐዲሙ ከምእተገልጸ፣ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ.፣ ነቶም ሃረርታ ናጽነት ደሪኽዎም፣ መስዋእቲ ክኽፍሉ ናብ ደምበኡ ዝተጸምበሩ ሃገራውያን መንእሰያት፣ ብዓንተቦኡ ብዓይኒ ጽልኢ ስለዝጠመቶም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዘካይዶ ሓያልን ጸላዊን ፖለቲካዊ ስራሕ ኣይነበረን። እቲ መሪሕነት ካብቲ ዝብድሆ ዝነበረ ሓድሽ ሓይሊ ክሃድም ጥራይ እዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ነይሩ። በዚ ድማ፣ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ስትራተጂ ሓንጺጹ፣ ብስርዓት ወዲቡ ኣንጻር ጸላኢ ከቃልሶም ኣይከኣለን። ብሓጺሩ መሪሕነት ጀብሃ፣ ዓቢ ሃገራዊ ዓቕሚ ዘባኸነ ልሙስ መሪሕነት እዩ።
ነቲ ኣብ መሪሕነት ጀብሃ ዝነበረ፣ ፍጹም ልኡምነትን ድኻምን ዘይፈልጡ ሰባት፣ ኣብቲ ውድብ ቅሩብ ሓሳብካ ንኽትገልጽ ዘፍቅድ ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ከምዝነበረ ገይሮም ይርድእዎ ይኾኑ። የግዳስ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሃዋህው መርኣያ ግሉጽነትን ደሞክራሲን ዘይኮነ መርኣያ ስንፍናን ልምሰትን ናይቲ ውድብ እዩ። እቲ መሪሕነት ንጹር ፖለቲካዊ መስመር ከይሓዘ፣ በብዝመጸ ሓሳባት እናተገፍዐ፣ ኣብ ድንጉር ሃዋህው
24
እዩ ዘዕገንግን ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ኣከያይዳ ሒዝካ ድማ ክትዕወት ዝሕሰብ ኣይኮነን። ከም መርኣያ ድኻም ናይቲ ውድብ፣ ኣብ ጀብሃ ዝዕቈር ምስጢር ኣይነበረን። ሓደ ኣብ ኲናት ዝርከብ ውድብ፣ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ባህሊ ክህልዎ ዝግባእ እዩ። ኣብ ጀብሃ ግን ከምኡ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ዲሲፕሊን ኣዝዩ ዝሉቕ እዩ። ውሽጣዊ ኩነታት ጀብሃ ዝኾነ መልክዕ ናይ ደሞክራሲ ኣይነበሮን። በዚ ድላይካ ትዛረብ፣ በቲ ካልእ ድማ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጉዳያት ብህልኽ ሰባት ይእሰሩን ይቕተሉን ነይሮም። ኩሉ’ዚ መትሓዚ ዘይብሉ ፍኑውነት መርኣያ ውድባዊ ድኻም እምበር መርኣያ ደሞክራሲ ኣይነበረን። ሕግን ስርዓትን ኮነ ኣባላትካ ዝምርሕሉ ዲሲፕሊን ኣብ ዘይብሉ ድማ፣ ኣይኮነን ኲናት ከተካይድ፣ ዝኾነ ካልእ ቀሊል ዕማም እውን ክትፍጽም ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ እንተመጺኻ እውን፣ ጀብሃ ንጸላኢ እትምክተሉ ፍሉጥ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ኣይነበራን። ዝተወሃሃደን ቀጻልነት ዘለዎን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ተካይድ ኣይነበረትን። ኣብ ገሊኡ ዝካየድ ውግኣት፣ ናይተን ኣበየ ከባቢኡ ዝነበራ ሓይልታት በይናዊ ተበግሶ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ምዝላቕ ኣብ ከባቢ መረብ ዝተኻየደ ውግእ ነይሩ። ሓይልታት ጀብሃ ንወርሒ መመላእታ ኣበርቲዐን መኪተን እየን። ገለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፣ መካይንን ታንክታትን እውን ማሪኸን። እዚ ፍጻመ’ዚ፣ ብጀብሃ ካብ ዝተኻየደ መኸተ እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር እውን ድሓን መኸተ ተኻይዱ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ብጀብሃ ዝተኻየደ ዝጠቅም መኸተ ኣይነበረን። ድሕሪ’ዚ ሓጺር ግጥም፣ ጀብሃ ብኡ ኣቢላ እያ ፋሕፋሕ ኢላ። ዋላ እቲ ምንስሓብ እውን ውዱብ ኣይነበረን። ዛሕዛሕ እዩ። ምኽንያቱ መሪሕነት የለን፣ ዘወሃህድ የለን፣ ብኸመይ እቲ ወራር ይምከት? ኣበይ ቦታ እንታይ ይግበር? ዝኾነ ወተሃደራዊ ውጥን ኣይነበረን።
ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፣ ኣብ ሰራዊት ጀብሃ ሓደ ፍቱው ሰብ እዩ ነይሩ። ምስ ዓብደላ እድሪስ ድማ ኣንጻር እዮም ነይሮም። ኢብራሂም ዝሓሸ ኣመለኻኽታ፣ ኣብ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ብመጠኑ እምነት ዝነበሮ ሰብ እዩ። እቲ ካድር ኮነ እቲ ተጋዳላይ ንዓብደላ እድሪስ ከም ሓደ ኣድሓርሓሪ ሰብ ክጥምቶ እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ንኢብራሂም ከም ሓደ ገስጋሲ መራሒ እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ዳርጋ ዕውር እምነት ዝነበሮም ካድረታት ነይሮም እዮም። ብሓቂ ድማ ኣብ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጉዳያት ምትእትታው ዝገብር ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ኢብራሂም፣ ኣብ 1979 ኣብ ኣኼባ ዝተዛረባ፣ ተጋደልቲ ወትሩ ዝዝክሩዋ ዘይርትሳዕ ዘረባ ኣላ። ኢብራሂም “ቃልስና ነዊሕ እዩ፣ ዓወትና ናይ ግድን እዩ ዝብል ጭርሖ ኣለና፦ ግን ዓወትና ናይ ግድን ክኸውን ግድን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል፣ “ንዓወት ዘብቅዕ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን እንተለና ጥራይ እዩ ዓወትና ግድን ዝኸውን እምበር፣ ዕላማና ቅኑዕ ስለዝኾነ ጥራይ ቃልስና ክዕወት ይኽእል እዩ ማለት ኣይኮነን። ዘይብቑዓት እንተዄንና ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና። ጀብሃ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መካነክ-ረውሕ እያ ዘላ፣ ጋም ማን እያ ትብል ዘላ” ኢሉ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ንዝነበረ ኩነታት ጀብሃ ብልክዕ እተንጸባርቕ መግለጺት እያ። ኢብራሂም ግን ነዛ ርእይቶ’ዚኣ ድሕሪ ምዝራቡ፣ ነቲ ዝነበረ ድንጉር ሃዋሃው ንምቕያር ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። ነቲ ጀብሃ ዝነበረቶ ተስፋ ዝተሳእኖ ሃዋህው ንምልዋጥ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክመራሳሕ ክጨማለቕ ክጓነጽ ኣይደለየን። ከምኡ ዓይነት ሰብ እውን ኣይነበረን። ኣብቲ ዝቐጸለ ኩነታት እውን ተራ ኣይነበሮን። ልክዕ ከም ጲላጦስ ኢዱ ሕጹብ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ኩነታት ጀብሃ ኣብ 1979 ናይ ዲሞራላይዘሽን ኩነታት እዩ
25
ነይሩ። ዓብደላ ድማ ንውሽጣዊ ኩነታት ጀብሃ ከዕሪ ድሌት ኮነ ሓሳብ ኣይነበሮን። ንሱ ሓንቲ ሓሳቡ፣ እቲ ምስ ሻዕብያ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሓድነት መስርሕ ከምዘይዕወት ምግባር ጥራይ እዩ። ነዛ ዕላማ’ዚኣ ድግድጊት ተዓጢቑ ሒዙዋ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱላ።
ብኣንጻር ዓብደላ እድሪስ፣ እቲ ካልእ ሰብ፣ ተራ ተጋዳላይ ይኹን ካድር፣ ኣብቲ ውድብ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽን ልምሰትን ክዕረ ካብ ልቢ እዩ ዝምነ ነይሩ። ገለ ጽገናታትን ለውጢን ክግበር ከምዘለዎ ድማ ይሰማማዕ ነይሩ። እንታይ ክግበር ይከኣል ግን ብንጹር ይፈልጥ ኣይነበረን። መሪሕነት ጀብሃ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብግብሪ ህላወ ኣይነበሮን። ካብኡ ዝገደደ ጸገም ድማ፣ ኣብቲ ውድብ መሪሕነት ከምዘየለ ዝፈልጥ ዳርጋ ኣይነበረን። እቲ ዝበዝሕ ተጋዳላይ መሪሕነት ዘሎ እዩ ዝመስሎ ነይሩ። ብሓጺሩ ናይ ምኽርዛዝን ልምሰትን እዋን እዩ። ካልእ ኣብ ፖለቲካ ናይ ጀብሃ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኸውን ዝነበረ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ዕርቂን ዋጋ ዕዳጋን (ኮምፕሮማይዝ) ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ፣ ኣብ ገለ እዋን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከምቲ ጀብሃ ዝነበረቶ ሕንፉሽን ልሙስን ሃዋህው ግን ክሰርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ጀብሃ ሱር በተኽ ለውጢ ብምምጻእ ጥራይ እያ ክትዕረ ትኽእል ዝነበረት። የግዳስ ኣብቶም ደለይቲ ለውጢ ከምኡ ዝዓይነቱ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓሳብን ቅሩብነትን ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ “ጀብሃ ኣደ ሰውራ እያ፣ ናይ ሓድነት ሕላገት እያ፣ ደሞክራቲክ እያ፣ ናይ ሻዕብያ ኣቃውማ ሰክታርያን እዩ” እናተባህለ ብዘይ ቁም ነገር ሓሽውየ ጥራይ ኮይኑ። እዚ ህውተታ’ዚ ድማ፣ መወዳእታኡ ንጀብሃ ብዓባያ ለኪምዋ ጠፊኡ።
ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ዓቕሚ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብቲ ውድብ ንሃገራዊ ናጽነት ክጋደሉ ኢሎም ብልዑል ወኒን ስምዒትን ብንጽህና ዝመጹ ኣሽሓት መንእሰያት እዮም ነይሮም። ግን ሓያልን ውፉይን መሪሕነት ኣይረኸቡን። መሪሕነት ክኸውን ዝኽእልን ዝግብኦን ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን። እቲ ክመርሕ ዝኽእል ግን ዕድል ኣይረኸበን። ኣቦ-መንበር ጀብሃ ኣሕመድ ናስር ኣዝዩ ድኹም ሰብ እዩ ነይሩ። ዓብደላ ብፍላጥ እዩ ንዕኡ ኣብ ቅድሚት ኣቐሚጡ ነቲ ውድብ ከም ድላዩ ዝገናዘየሉ ዝነበረ። ኣዜን ያሲን፣ ጥዑይ ሰብ እኳ እንተነበረ፣ ነብሱ ዝገትእ ሰላማዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ምሁር እዩ፣ ክትንትን ይኽእል፣ ክጽሕፍ ይኽእል። ግን ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ኣትዩ ክጓነጽ፣ ላዕልን ታሕትን ክብል ዝኽእል ኣይነበረን። ተስፋማርያም ከኣ ካብ ኣዜን ዝገደደ። ንሱ’ውን ክጽሕፍ ክትንትን እንተዘይኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ካብቶም ዝነበሩ መራሕቲ ንዓብደላ ቅሩብ ክብድህዎ ዝኽእሉ ኢብራሂም ቶቲልን መልኣከ ተኽለን እዮም ነይሮም። ንሳቶም እውን ነቲ ተራ ኣይበቕዕዎን።