ተጻባኢን ወገናዊን መስመር ዓብደላ እድሪስ


ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተሰለፈ ዓብደላ እድሪስ፣ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዙርያ ኣብ ሶርያ እዩ ተዓሊሙ። ኣብ 1967 ኣቢሉ ድማ ንሜዳ ኣትዩ። ዓብደላ ፈለማ ኣብ 5ይቲ ክፍሊ ተ.ሓ.ኤ. እዩ ተመዲቡ። ኩልና ገዳይም ተጋደልቲ ከምእንፈልጦ፣ 5ይቲ ክፍሊ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ቁርቁስ፣ በቲ ናይ ሽዑ ፖለቲካ ንደቂ ከበሳ ተባሂላ ዝቘመት ክፍሊ እያ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ መምርሒ (ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ማለት እዩ) ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ፣ ኣባላታ ሓደ ሲሶ ደቂ ዞባኣ ኪኾኑ፣ እቶም ካልኦት ግን ተወልድቲ ካልእ ከባቢታት ኪኾኑ ዝብል እዩ። ግን ብግብሪ ከምኡ ኣይተሰርሓሉን። ኣቋውማ ናይተን ክፍልታት ወገናዊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ እድሪስ ገላውዴዎስ ን5ይቲ ክፍሊ ብመገዲ 2ይቲ ክፍሊ ክቈጻጸራ እዩ ዝፍትን ነይሩ። 5ይቲ ክፍሊ ዓቕሚ ስለዘይነበራ 2ይቲ ክፍሊ እያ ትምውላ ዝነበረት። እቲ ድሓር ብዙሓት ተጋደልቲ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ ምክትል ወልዳይ ካሕሳይ ዝነበረ ሕሻል ንኣብነት ካብ 2ይቲ ክፍሊ ዝመጸ እዩ። ብሓጺሩ ን5ይቲ ክፍሊ መቐጸልታ 2ይቲ ክፍሊ ንምግባራ እዩ ዝፍተን ነይሩ።


ኣብ 5ይቲ ክፍሊ ዝነበረ ዓብደላ እድሪስ፣ ስለስቲአን ክፍልታት ማለት 3ይቲ፣ 4ይቲን 5ይቲን ሰሚረን ን”ዋሕዳ ስላስያ” ኣብ ዘቘማሉ ጉባኤ ዓንሰባ፣ ኣባል መሪሕነት ስሉሳዊ ሓድነት ኮይኑ ምምራጹ ዝፍለጥ እዩ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ እዩ፣ ወገናዊን ትሕተ ሃገራዊን ኣመለኻኽታኡ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ዕሱብነት ባህርያቱ ክግሃድ ዝጀመረ። ነዚ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ ኣሎ። ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ሱሉሳዊ ሓድነት፣ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዓንሰባ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት፣ ዑማሮ፣ ኢሳይያስ፣ ኣቡጥያራ፣ ንሱዳን ብምኻድ፣ ነቲ ዝተወስደ ናይ ስምረት ስጉምቲ ደገፍ ንምርካብ ንሓደ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ሱዳን ኣኼባታት እናካየዱ የጓሳጉሱ ነይሮም እዮም። ዓብደላ እድሪስ ጎስጓስ ከካይድ ዝመዘዞ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ደድሕሪኦም፣ ብሕማም ኣመሳሚሱ ንሱዳን ብምኻድ፣ ኣንጻሮም ከጎሳጒስ ጀሚሩ። ምስተን ዘይሰመራ ወገናት ማለት 1ይቲን 2ይቲን ክፍልታት ኪዳን መስሪቱ፣ ንባዕሉ ኣብ ውሽጢ ስሉሳዊ ሓድነት እናሃለወ፣ ኣንጻር መሪሕነት ስሉሳዊ ሓድነት ክንቀሳቐስ ተራእዩ።


ዓብደላ እድሪስ፣ ከም ጉሉሕ ፖለቲካዊ ባእታ ዝተቐልቀለሉ፣ ኣብቲ ብድፍኢት መሰረታውያን ተጋደልቲ ሓሙሽተአን ክፍልታት ተ.ሓ.ኤ. ዝሰመራሉ ጉባኤ ኣዶብሓ እዩ። ኣብ መስርሕ’ቲ ጉባኤ፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝሰመረ ሓይሊ፣ ማለት ስሉሳዊ ሓድነት (ዋሕዳ ሰላስያ) ብርኡይ ኣብ ክልተ እዩ ተገዚዑ። ዓብደላ እድሪስ ዝነበሮ ሓደ ወገን ምስ ርእይቶ 1ይቲን 2ይቲን ክፍሊ ወጊኑ። ኣብኡ ዝተጋህደ ገዛዛዒ ውዲትን ጸይቂን ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ገዲፍና ግን፣ ኣብቲ ጉባኤ ሓድሽ ኪዳን ተመስሪቱ፣ ዓብደላ እድሪስ ድማ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኮይኑ ብጉባኤ ተመሪጹ። ሓዮቲ እውን ናይ ጸጥታ ሓላፊ ኮይኑ ተመዚዙ ክልቲኦም ወሰንቲ ቦታታት ሒዞም።

Source ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ተኽሎም ንርኣዮ