ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ 8 ሽማግለ ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

Tuesday, 29 June 2010 00:55
Print PDF
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ሽማግለ ዓዲ፡ ምስቲ ዓዲ ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሉ ሓደ ኮለኔል ዝመዓርጉ ኣባል ስርዓት ህግደፍ፡ ዊን ኢሉዎ ንዘቕረቦ ጠለብ መሬት ስለዝነጸጉዎ እዮም ተኣሲሮም።

እቲ ኮሌኔል ስልጣኑ ተጠቒሙ ብመንገዲ ‘ቲ ብመንግስቲ ዝእዘዝ ስማዊ ‘ቤትፍርዲ’ መሬት ክወሃቦ ዝእዝዝ ውሳኔ ኳ እንተምጽኣሎም፡ እቶም ሽማግለታት “ካብ ዓድና ኣይተወለድካን ጓል ዓድና ኣይተመርዓኻን፡ ስለዚ መሬት ኣይግብኣካን እዩ፡ እዚ ውሳኔ ‘ዚ ኸኣ ምስ ዓዲ መኺርና ዝወሰድናዮ እዩ” ኢሎም ኣብ ስጉምቶም ስለጸንዑ ኸኣ እዮም፡ መታን ክንብርከኹ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ተቐይዶም ዘለዉ።

እቶም ሽማግለታት ፈለማ ኣብ መንደፈራ ኳ ተኣሲሮም እንተቐነዩ፡ ህዝቢ ቅነሓየላ ናብቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቦታ ብምኻድ እኽለ-ማይ ብምቕባል ደገፉ ስለዝገለጸሎምን ሞራል ስለዝሃቦምን፡ እቲ ስርዓት ናብ ዝረሓቐ ቦታ ኣግዒዙዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ገለ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ግዳያት ድሮ ብሕማም ክጥቅዑ ጀሚሮም ከምዘለዉ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ።

http://assenna.com/2009-05-31-15-35-36/%E1%8B%9C%E1%8A%93/2772-------8-----