ሙሴ ተክለ (መሓሪ ተኽለ)

ሙሴ ተክለ (መሓሪ ተኽለ) ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝጋደል ዝነበረ ትግራዋይ ጸኒሑ ናብ ተሓሕት (ሕወሓት) ዝከደ ላዕለዋይ ናይ ወተሓደራዊ ሓላፊ ነበር ንዝኽሪ ሙሴ ተስፋምካኤል ኢሊ ሽሙ ካብ መሓሪ ተኽለ ናብ ሙሴ ተኽለ ዝቅየረ ተባዕ ተጋዳልይ እዩ ነይሩ፡ እቲ ዘገርም ግን ኣማውታ ሙሴ መሓሪ ካብ ናይ ሙሴ ተስፋሚካኤል ኣይፍለን እዩ ። ሙሴ መሓሪ ኣብ 1976 ብ ወያነ ከም ዝተቀንጸለ እዩ ዝፍለጥ፡ Source from  Daniel Merhawi facebook


Compiled by Resoum Kidane 10/09/2021

ክልተኦምትኽትንፋስየዕሩኽነይሮምመሓሪዕባይኣስመራወዲኣክሱምእዩኣምህዝባዊሓይልታትዲማተዘልፉይጋደልነይሩኣብቅድሚዓይኑነቶምንመንነቶምህወቶምክከፍሉዝዋፈሩበቶምሸፋቱክሕነቁምስረኣየነቲውዲብራሕሪሑናብወያነቀየረግንነቲዝፈትዎዓርኩክርሰዖስለዘይከኣለስሙናብ ሙሴቀየረ፡ግንእንታይሞንኡኡዊንኣራኺቦምሉቀንጺሎሞ።ማለለልትዲማነዚከተደናግርንዝክሪናይቀዳማይወያነክብልዩቀይርዎእሎምሓፋሽኣጽሚሞምተጋዳላይግደይዘርኢጽዮንግንእቲሓቂደርጉሑዎየቀንየልና። ንምሉእትሕዝቶ VOA Tigrigna 30 ሰነ 2017። source facebook .:: አብድተስፋይብዛዕባሙሴተክለ (መሓሪተኽለ) ከምዚይብል :መሓሪተኽለ (ሙሴ) 1976 እዩተሰዊኡ፡ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ደቂ ጋንታ ስለዝነበርና ንፋልጥ ኢና፣ኣብወርሒ 4-1976 ኣነ ኣብ ዓደረሶ ተወጊአ እናተሓከምኩ ከለኹ መጺኡ ርእዩኒ ንትግራይ ምስ ተመልሰ ኣይደንጎየን ኣብ ናይ ኢድዩ ኲናት ተሰዊኡ ሰሚዐ።እቲ ድሒሩ ዝስማዕ ዘሎ ብብጾቱ ተወቒዑ'ዩ ተሰዊኡ ዝብል፡ኣብ መጽሓፍ ተስፋይ ገብረኣብ '' ማስታወሻ'' ትባሃል ኣንቢበ።ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ፡ንባሃልቲ ይምልከት። source from Abede Tesfay comment on facebook

1. Background information: Origins of the Tigray People's Liberation Front

In February 1974, the Marxists within TUSA welcomed the Ethiopian Revolution but opposed the Derg (the military junta that ruled Ethiopia from 1974 to 1987) as they were convinced that it would neither lead a genuine socialist revolution nor correctly resolve the Ethiopian nationality question. Three days after the Derg took power, on 14 September 1974, seven leaders of this trend established the Association of Progressives of the Tigray Nation (Tigrinya: ማሕበር ገስገስቲ ብሔረ ትግራይ, Mahbär Gäsgästi Bəher Təgray), also known as Tigrayan National Organization (TNO): Alemseged Mengesha (nom de guerre: Haylu), Ammaha Tsehay (Abbay), Aregawi Berhe (Berhu), Embay Mesfin (Seyoum), Fentahun Zere'atsion (Gidey), Mulugeta Hagos (Asfeha) and Zeru Gesese (Agazi). TNO was to prepare the ground for the future armed movement of Tigray.[30] It secretly approached both the Eritrean Liberation Front (ELF) and the Eritrean People's Liberation Front (EPLF) for support but the ELF already had relations with the TLF. In November 1974 the EPLF agreed to train TNO-members and allowed EPLF-fighters from the Tigrayan community in Eritrea, among them Mehari Tekle (Mussie), to join the TPLF. The first batch of trainees was sent to the EPLF in January 1975.[31] SOURCE  https://en.wikipedia.org/wiki/Tigray_People%27s_Liberation_Front

2. ኣብነታዊ መራሒ


ስዉእ ተጋዳላይ ሙሴ (መሓሪ ተኽለ)

  · 

Written by: Haben Fantay Gebru Source ፈንቅል ትዩብ Fenql - Tube

ኣቦይ ብስራት ተኽለ ኣቦኦም ንኣቦ ሓጎ መሓሪ ቅድም ክብል ኣብ ኣስመራ ንዝነብሩ ኣዝማዶም ክጥይቁ ካብ ኣኽሱም ናብ ኤርትራ ከይዶም። እዞም ኣቦ ናብ ኣስመራ እንትኸዱ ምስ ሓደ ወዶም ተድላ ዝተብሃለ እዮም ነይሮም። ኣቦይ ብስራት በቲ እዋን ብዓልቲ እንደኦም ኣብ ኣኽሱም ዓሪፈን ስለዝነበራ ኣብ ኣስመራ ካሊእ ጎጆ መስረቱ። ኮይኑ ግና ነዚ ካብ ትግራይ ሒዞሞ ዝኸዱ ወዶም ክንድዝግባእ ከየዕበዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለዩ። ተድላ ዘኽታም ኮይኑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚሶናዊያን ተማሂሩ ምስ ወደአ ግደይ ዝተብሃለት ትግራወይቲ ተመርዒዉ ንተኽለ ወለደ። ተኽለ እውን ቃል ናይ ወላዲኦም ሓሊዎም ንትግራወይቲ ብርኽቲ ተመሪዒዎም መሓሪ ወለድዎ። መሓሪ ድማ ካልኣይ ውላዶም ነበረ። እምበኣርከስ ትውልዲ ሓረግ ናይ መሓሪ ተኽለ ካብ ትግራይ/ኣኽሱም/ እዩ።
መሓሪ ልክዕ ከም ኣቡኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚሶናዊያን እዩ ተማሂሩ። እቲ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተማሂሩ ወደአ። በቲ እዋን ኣብ ትምህርቲ ዓለም እንዳሃለወ ንንበዓል ስብሓት ኤፍሬም ኣዕርኽቲ መሓሪ እዮም ነይሮም። መሓሪ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ወዲኡ ፅቡቕ ነጥቢ ብምርካብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ክኣትው ከኣለ። መሓሪ ጎና ጎኒ እቲ ትምህርቲ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፍታት እውን ክሳተፍ ጀመረ። ዳሓር ድማ ኣብ ጎንደር ልኡኽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ኣብ ህንፃ ኮሌጅ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ዶክተር ራስ ወርቅ ቀፀላ/ኣታኽልቲ/ ተላሊዩ። ዶ/ር ኣታኽልቲ ቀፀላ ፈለማ ኣባል ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ/ግገሓት/ ዝነበረን ብ1968 ዓ/ም እቲ ውድብ ኣብ ከባቢ ኢሮፕ ብህወሓት ምስ ተጨፍለቐ ፅንሕ ኢሉ ናብ ህወሓት ዝተፀምበረን ብ1971 ዓ/ም ምኽትል ወታደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ህወሓት እንከሎ ኣብ ከባቢ ወርቃምባ ዝተሰወአ ጅግና ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ብ1965 ዓ/ም ድማ ንሰላምን ዲሞክራሲን ክብል ናብ በረኻ ብምውፃእ ምስ 3 ኣሕዋቱ ናብ ህዝባዊ ግንባር/ሻዕብያ/ ተሰለፈ። ታዕሊም ወዲኡ ምስ ሓይልታት ተፀምቢሩ እንዳተቓለሰ ከሎ ልክዕ ብ1966 ዓ ም ንወድባዊ ዕማም ናብ ከተማ ኣስመራ ተላኢኹ መፀ። እቲ ፈላሚ ዕማሙ ናይ ሻዕቢያ ልእኽቶ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ግና ተጋሩ ተማሃሮ፣ ሰራሕተኛታት፣ ነጋዶን ገባራትን ወዲብካ ቃልሲ ንኽጅምሩ ምልዕዓልን ምውዳብን ነይሩ። በዚ መሰረት ድማ ክሳብ 1967 ዓ/ም ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ኾይኑ እንዳተንቀሳቐሰ ከሎ ካብ መስረቲ ማገብት ምስ ኣረጋዊ በርሀን ስዩም መስፍንን ተራኸበ። ብወገን እንበዓል ኣረጋዊ ዝቐረበ ዋና ኣጀንዳ ካብ ህዝባዊ ግንባር ናይ ታዕሊምን ኣፅዋርን ክረኽቡሉ ዝኽሉ መንገዲ ከመቻችወሎም ነይሩ። መሓሪ ድማ ነቲ ዝብልዎ ኩሉ ከተግብር ከምዝኽእል ቃል ኣተወሎም። ንንብዓል ኣረጋዊን ስዩምን መደባቶም ወዲኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትምለሱ መሓሪ እውን ደድሕሪኦም ስዒቡ ንተወሳኺ ስራሕቲ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ዕማም ወዲኡ ናብ ጎንደር ብምምላስ ዝተወሰኑ ተጋሩ ድሕሪ ምውዳብ ማልሳይ ጉዕዞ ናብ ኣስመራ ክገብር ኣብ ሓጂ ዓብዱ ኣውቶብስ ኣስቀለ። ጉዕዞ ካብ ጎንደር ናብ ደባርቕ። ኣብ መንገዲ ኣብታ ኣብቶብስ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ብፉሉይ ይጠማመትዎ ነይሮም። ምኽንያቱ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ጎንደር እንዳሃለወ ብደንቢ ገይሮም እዮም ዝፈልጥዎ ብተወሳኺ ድማ ናብ ሻዕቢያ ከምዝተፀምበረ ኣብ ሙሉእ ጎንደር ተወሪዩ ነይሩ። ዳሕር ደባርቕ ምስ በፅሑ እቶም ዝጠማመትዎ ዝነበሩ 2 ሰባት ወረዱ። እታ ኣውቶብስ ካብ ደባርቕ ተበጊሳ ኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ምስ ከደት ኣብ መንገዲ ብዕስለ ፖሊስ ተኸበበት። እቶም ፖሊሳት ዓው ብምባል “ መሓሪ ብህፁፅ ኢድካ ሃብ” ብምባል ጨደሩ። ተሳፋራይ ኩሉ ደንገፀ። ካብታ ኣውቶብስ ግና መሓሪ ዝበሃል ሰብ ኢዱ ንላዕሊ ገይሩ ዝወርድ የለን። ዳሓር ግና እቶም ፖሊሳት እንዳፈርሑ ንማዕፆ እታ ኣውቶብስ ብምኽፋት ሓደ ብሓደ ውረዱ ክብሉ ኣዘዙ። እቲ ሰብ ኩሉ ካብ መቐመጢኡ እንትለዓል ቀዲሙ መሓሪ ናብቶም ፖሊሳት ውክፍ በለ። እቶም ፖሊሳት ድማ ቁሩብ ፍትሽ ኣቢሎም መንዩ ስምካ በልዎ። ኣብ ኣፉ ዝፀነሐ ካሊእ ሹም ነገሮም። በል ናብዚ በል ኢሎም ንዕኡ ገዲፎም ካሊእ መሓሪ ዝበሃል ጥይትን ብረትን ዝሓዘ ፈቲሾም ክሓንቁ ነቲ ተሳፋራይ ምጉስቃል ቀፀሉ። መሓሪ ግና ነታ መኪና ብድሕሪት ዘይሩ ናብቲ ገደል ኣንቆልቊሉ ካብ ኢዶም ኣምለጠ። ናብ ኣሰመራ ድማ ምስ ተመልሰ ካሊእ ተጓንፎ ኣጋጠሞ። ካብቲ ግዚያዊ መዋፈሪ ሻዕቢያ ዝነበረ ድርፎ በረርቲ ወረቓቕቲ ኣብ ሰብነቱ ሓቢኡ ጃኬት ደሪቡ ሓንቲ ሽጉጥ ተዓጢቑ ብሽክሌታ እንዳዘወረ ናብ ኣስመራ የምርሕ። ሃንደበት ድማ ኣብቲ ናይታ ከተማ መእተዊ ፖሊሳት ተር ኢሎም ይፀንሕዎ። ኣብዚ እዋን መሓሪ እንተይ ኣማዕደወ እዩ ህሩግ ኢሉዎም ዘሎ። እቶም ፖሊሳት ድማ ብቁልጡፍ “ደው በል” በልዎ። መሓሪ ደው በለ። ብረቶም ኣዐሚሮም እንትፅግዕዎ መሓሪ ድማ ሓውሲ ዝፈርሐ መሲሉ ኢዱ ናብታ ሽጉጡ ዝሓበላ ብምእታው ንምትካስ እንትዳለው ሃደበት ሓንቲ መኪና ብናህሪ መፂኣ ፍሬን ብምሓዝ ሕጭጭ እንትትብል ኩሎም እቶም ፖሊሳት ቀልቦም ክሉ ናብኣ ገይሮም እንትኸዱ መሴ ድማ ነታ ብሽክልታ ክንዲዝኸኣለቶ ረጊፁ ኣምለጠ። መሓሪ ካብ ከብዲ ፀላኢ ብዙሕ እዋን እዩ ኣምሊጡ።

ኣብ ወር ጥሪ 1967 ዓ/ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕቢያን ከምኡ ድማ ደርጊ ከቢድ ግጥም እዩ ዝካየድ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕግርግር ድማ ንታዕሊም ዝመፁ 9 ኣባላት ማገበት ኣብ ሓንቲ ገዛ ተዓቊቦም ኣለው። እዞም ስባት እቲ ኹነታት እንዳበዝሐ እንትኸይድ እቶም 3 ካብታ ገዛ ወፂኦም በብኣንፈቶም ንብፆቶም ሓዲጎም ከዱ። እቶም ዝተረፉ 6 ግና ኣብ ሓንቲ ዓላማ ዝሰመሩ ስለዝነበሩ ንኹሉ ብትዕግስቲ ፀይሮም ንልእኽቶ ይፅበዩ ነይሮም። እው ስየ፣ ኣውዓሎም፣ ሃይሉ መንገሻ፣ ኣባይ ፀሃየ፣ ኣፅብሃ ዳኘው/ሸዊት/፣ ዋልታ ገ/መድህን ነይሮም። ነዞም ሰባት ካብቲ ተኸቢቦሙሉ ዘለው ዕሙር ኩናት ጥሪ 28 1967 ዓ/ም ልኽዕ ድሕሪ ስዓት ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ኣስመራ ወፂኦም ናብ መዐለሚ ህዝባዊ ግንባር ዓዲ ራእሲ ጉዕዞ ቀፀሉ። ኣብዚ ጉዕዞ ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ማገብት ደኺሞም እዮም። መሓሪ ግና ቅድም ክብል እተን በረኻታት ለሚዱወን

እዩ ፀኒሑ። ሕጂ ድማ ኣጆኹም እንዳበለ ከተባብዖም ጀመረ። ብፍላይ ኣብታ ዓቐብ ናይ ዓዲ ራእሲ ስየ ኣብርሃን ኣባይ ፀሃየን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ደኺሞ እንተብቅዑ ሙሴ ንኽልቲኦም እንዳባረየ ክሕግዝ ጀመረ። ሓንሳብ ንስየ ይሽክሞ መሊሱ ናብ ኣባይ ከይዱ ንኣባይ ይሽከም ከምኣ እንዳበለ ሒዙዎም ዓዲ ራእሲ ኣተወ። ናይ መሓሪ ሃረርታ ድማ ኣብ ትግራይ ቃልሲ ክጅመርን ንሱ እውን ካብ ብቁልዕነቱ ጀሚሩ ብዛዕባ ዘለዎ ናይ ትግራዋይነት ሓቦን ድልየትን ኣብ ዓዱ ምስ ህዝቡ ክቃልስን ብምሕሳብ ዘይሕለል ፃዕሪ ገበረ። ምስዞም ተጋሩ ተዓለምቲ ድሕሪ ምፅናሕ ኣባል ህዝባዊ ግንባር/ሻዕቢያ/ ዝነበረ ካሊእ ትግራዋይ ወዲ ይሓ ዝኾነ የማነ ኪዳነ/ጀማይካ/ ሙሴ ኣዘራሪቡ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝጅመር ዘሎ ቃልሲ ተጋሩ ንኽፅምበር ሓቲቱ ሒዙዎ ናብ ትግራይ ኣተወ። እወ ሙሴ ሕጂ እውን ነቶም ተዓለምቲ ኩሎምን ነቶም ካብ ውድባት ኤርትራ ዝተረኸቡ ተጋሩ ተጋደልትን ካብ ኤርትራ መሪሑ ናብ ደደቢት ዘብፀሐ ጅግና ነይሩ። ውድብ ኣብ ደደቢት ምንቅስቓስ እንትትጅምር ሹማ ካብ ማገብት ናብ ተሓህት /ህዝባዊ/ ዝብል ቀየረቶ። ብተወሳኺ ድማ ፈላሚ ኣኼባ ብምክያድ 3 ሰባት ናብ መሪሕነት እንትትመዝዝ ንመሓሪ ምኽትል ኣቦ ወንበር፣ ሱሑል ኣቦ ወንበር፣ ስዩም መስፍን ፅሓፊ ገይራ መረፀት። መሓሪ ናብ ተሓህት/ህዝባዊ/ ተፀምቢሩ እንትንቀሳቐስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ ሹም ክቕየር ግድን ነይሩ። በዚ መሰረት ድማ ካብቶም ምንቅስቃስ ቓልሲ የጎሃህሩ ዝነበሩ ሓደ ዝኾነ መስራቲ ውድብ ግገሓት ሙሴ ኪዳነ ንምዝካር ተባሂሉ ሽም መሓሪ ናብ ሙሴ ተቐየረ።

ተሓህት/ህዝባዊ/ ዝተወሰነ ሓይልሰብ ምስ ረኸበት ናብ ታዕሊም ኣተወት። ግን ድማ ነዞም ሓደሽቲ ተዓለምቲ ዕጥቂ የድልዮም እዩ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ውድባት ኤርትራ ንምዝርራብ መደብ ይወፅእ። በቲ መደብ መሰረት መሴ፣ ጀማይካ፣ ስዩም ናብ ወፍሪ ተዳለው። ካብ ደደቢት ድማ ኣድላይ ዝበሃል ምምስሳል ገይሮም ዕለት 24/11/1967 ዓ/ም ናብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣተው። ሙሴ ጨጉሩ ሰንቲሩ ፀቢብ ቁምጣ ስረ ገይሩ ጎበዝ ጓሳ መንእሰይ መሰለ። ስዩም መስፍን እውን ልክዕ ከምቲ ናይ ሙሴ ቁምጣ ስረ ገይሩ ጓሳ መሰለ። ጀማይካ ግና ካብ ናይ ክልቲኦም ፍልይ ብዝበለ መገዲ ክዳውንቲ ካህን ለቢሱ ብተወሳኺ ድማ ጋቢ ተሸፊኑ ኣብ ርእሱ ጥምጣም ገይሩ ኣብ ኢዱ ድማ መስቀል ሒዙ ምዕሩግ ቀሺ እዩ ኾይኑ ዘሎ። እዞም ተጋደልቲ ኣብ መገዲ ስለዝፀንሑ ናብ ሓንቲ ቤት ብልዒ ኣትዮም ምግቢ ግጥም ኣቢሎም በልዑ። ኣብዚ እዋን ፍሉይ ወልፈኛ ሽጋራ ዝነበረ ሙሴ ግና ከብዱ ዋላ እንተፀገበ ነቲ ወልፊ ሽጋራ ክፃወር ኣይከኣለን። በዚ መሰረት ድማ ካብታ ቤት ብልዒ ምስ ወፁ ካብኣቶም ቁሩብ ፍንትት ኢሉ ናብ ሓንቲ እንዳ ሹቕ ተፀጊዑ ሽጋራ ሓተተ። እቶም ስብ ሹቕ ድማ ሽጋራ ወዲና በልዎ። መሊሱ ናብታ ኣብ ጥቐኦም ዘላ ብኣብረሀት ጓል ሰብዓ ትውነነ ሓንቲ ቤት መስተ ከይዱ ብምእታው ናብታ ኣብቲ ባንኮኒ ዝነበረት ሰበይቲ ተፀጊዑ ሽጋራ ክብል ተዳሃየ። ሰበይቲ ድማ እወ ኣሎ ኢላ ክንዲ ድላዩ ሃበቶ። ሙሴ ነተን ሽጋራ ኩለን ናብ ጅቡኡ እንተእቱ ሓንቲ ግና ፈልዩ ብኽርቢት ወሊዑ ክስቲ ጀመረ። ኣብቲ ሆቴል ውሽጢ ፍሉጣት ናይ ደርጊ ካድረታት ከም ዘለዉ ኣይስተባሃለን ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ካብ ነጭለባሻት ደርጊ ከምኒ ሓጎስ በርሀ/ወዲ ስእለይ/ ተር ኢሎም መስተ ዓቲሮም ይዕዘብዎ ነይሮም። በቲ ተግባር ሙሴ ድማ ዓብይ ጥርጣረ ሓደሮም። ሓደ ገባር ጓሳ ከመይ ኣቢሉ ሽጋራ ይሰቲ? እዚ ናይ ጀብሃ ኣባል ክኸውን ኣለዎ በለ ሓጎስ። ተዛሪቡ ድማ ሱቕ ኣይበለን ትኽ ኢሉ ናብ ሙሴ ብምኻድ እንታይ ኢኻ ንስኻ? በሎ ብቁጥዐ። ሙሴ ድማ ትቅብል ኣቢሉ ሓላዊ ከፍቲ እየ። ናብዚ ድማ ጨው ክገዝእ እየ መፂአ በለ። ሓጎስ ግና እቲ ዘረባ ስለዘይጠዓሞ ብረቱ ብምዕማር ምስቶም ካልኦት መሓዙቱ ብሙዃን ንሙሴ ናብ እንዳዳፍኡ ናብ ደገ በሪ እቲ እንዳመስተ ኣውፅእዎ። ሙሴ ብፆቱ ጀማይካን ስዩምን ብቲ ኩነታት ተደናጊፆም ገዲፎም ከም ዝኸዱ ምስ ኣረጋገፀ ኣብ ጅብኡ ንዝሓበኣ ቡንባ ኣፈንጂሩ መስዋእቲ ንምኽፋል ኢዱ ሃሰስ በለ። ግን ድማ ኣዒንቱ ነቶም ነጭላባሽ ናይ ደርጊ እንዳጠመታ ፀኒሐን መሊሱ ነቲ ህዝቢ እንተጠመተ ሓንቲ ህፃን ጓል ታደለ ፀሃየ እውን ኣብቲ ማእኸሎም ሕልኽልኽ ክትብል ተዓዘበ። ብሓውሲ ሕርቃን ዓኽ ኢሉ ከንፈሩ ነኸሰ። በቃ ንህዝቢን ህፃውንቲን ካብ ምምልላእ ርእስኻ ምሃብ ይሓይሽ ኢሉ ኢዱ ካብታ ጅብኡ ኣውፂኡ ተትሓዘ። ሳንጥኡ እንተተፈተሸ ድማ ቡንባ ተረኸቦ። ነጭለባሻት ደርጊ ድማ ናይ ብሓቂ ጀብሃ ሒዝና ኢሎም ብተሓጓስ ሰኸሩ። ሒዞሞ ድማ ናብቲ ናይ ከተማ ጣብያ ፖሊስ ወሲዶም ነቶም ሓለፍቲ ዝነበሩ ሓለቓ ዓሰርተ ተኽሉ እምባየ፣ ሓለቓ ዓሰርተ ገ/ስላሰ፣ ሓለቓ

ዓሰርተ ኣስፋ ኣረከብዎም። እዞም ሓለፍቲ ፖሊስ ዝተወሰነ ምርመራ ድሕሪ ምግባር ነቶም ነጭለባሻት ዝነበሩ ንሓጂ ኑር ዓይኒ፣ መሓመድ ስዒድ፣ ሓጎስ በርሀ፣ ተወለ ተስፋይ ዝበሃሉ ንሙሴ ናብ ሽረ ከብፅሕዎ ገበሩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሙሴ ዝቐረበሉ ሕቶታት ድማ
ጀብሃ ዲኻ?
ኣይኮንኩን
እንታይ ድኣ ኢኻ?
ናይ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ተጋዳላይ ኣባል እየ።
ጎስጓሲ እንዳሃለኻ ድኣ እንታይ ኢኻ ጓሳ እየ ትብል?
ንሱ ዕላማ እዩ! እወ ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስ ዕላማ ዝሕሉ ጓሳ እየ
ክትሰርቁ እምበር ንስኻትኩም ታይ ትሕልው?
ስርቂ እኳ ኣይንሰርቕን!
ኣብ በረኻ ዳኣ ታይ ትበልዑ? ስንቂ ዘምፅአልኩም መን እዩ?
ግዜ ፍራምረ በረኻ ንበልዕ፣ ንዓዲ እንተመፂና ግና ኩሉ ህዝቢ ምግቢ ይቕርበልና ንበልዕ!
እዚ ኩሉ ፀገም መን እዩ ተቐበልዎ ኢልኩም?
ፀላእትና ፀገም ዕድልኩም ኢሎም ስለዝዓደሉና!
መን እዩ ፀላኢኹም?
መስፍንነት፣ ሃፀይነትን ቢሮክራሲያዊ ርእሰ ማልነትን ደርግን።
በዓል መን ትበሃሉ ኣብ በረኻ ዘለኹም?
ህዝባዊ ሓይሊ ንበሃል

ዝርዝር ኣባላትኩም በዓል መን እዮም
ኣነ ተራ ተጋዳላይ ስለዝኾንኩ ዝሓዝኩዎም ሽም ዝርዝር የብለይን። ገሰሰ ጥራይ እየ ዝፈልጥ
እቲ መርማሪ ፖሊስ ነቲ ናይ ሙሴ ድፍረትን ፅንዓቱን ተዓዚቡ ብምድናቕ ብሞቑሕ ተኣሲሩ ብጥብቂ ክሕሎ ኣዘዘ።
ተጋደልቲ ተሓህት/ህዝባዊ/ ንማስርቲ ሙሴ ፈለማ ካብ ስዩም ዳሓር ድማ ቁሩብ ዝንግዕ ኢሉ ካብ ዝመፀ ጀማይካ ሰሚዕም ኩሎም ብሕርቃን ጉሃዩ። ኣብ መወዳእታ ኦፕሬሽን ጌርካ ንሙሴ ካብ ምንጋጋ ፀላኢ ምውፃእ ዝብል ትልሚ ተታሒዙ ብተግባር ድማ ሓምለ 29/1967 ዓ/ም ንሙሴ ካብ ምንጋጋ ፀላኢ ክወፅእ ተገብረ። ድሕሪ ቁሩብ መሓልታት ውድብ ካልኣይ ኦፕሬሽን ሓንፀፀት። በቲ ትልሚ መሰረት ወርሒ ነሓሰ 1967 ዓ/ም ሙሴ ካብ መፅናዕቲ ጀምሩ ኣብቲ ኣብ ኣኽሱም ዝተገበረ ስርሒት ዕዙዝ ተራ ነይሩዎ። ብፍላይ ኣብቲ ኦፕሬሽን ምስ ኣረጋዊ በርሀ፣ ቀለበት፣ ሃፍቶም፣ ኣሕፈሮም፣ ቆቃሕ፣ ኣውዓሎም ተመዲቡ ናይ ዕድገት ብሕብረት ወፈርቲ ክዳን ገይሮም ናብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ብምእታው በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ታሪኽ ሰሪሖም እዮም።

ብድሕሪ እዚ ውድብ መዋፈሪኣ ናብ ከባቢ ምብራቕ ትግራይ ብ1968 ዓ/ም ኣሰጋገረት። ኣብቲ ዓመት ድማ ፈለሚ በዓል ለካቲት 11 ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ እዩ። ቀፂሉ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ ሙሴ ሕዚ እውን ኣባላ መሪሕነት ኮይኑ ተመዚዙ። ድሕሪ መረፃ ድማ ልክዕ ሰነ 12/1968 ዓ/ም ደርጊ ኣብ እስራኤል ብሰልጠኑ ተዋጋእቲ ሰራዊት ዝተወደበ ነበርልባል ዝበሃል ሰራዊት ናብ ከባቢ ሴሮ ኣዋፈረ። ኣብዚ ውግእ እዚ ላዕለዋይ መራሒ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሙሴ ነይሩ። እቲ ውግእ ምስ ሰራዊት ተሓህት/ህዝባዊ/ ኣስታት 2 ስዓታት መሪር ግጥም ምስ ተገብረ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር/ሻዕቢያ/ ኣርኪቡ ሓገዝ ገይሩ። እቲ ግጥም ስዓት ሽድሽተ ናይ ቀትሪ ዝተጀመረ ክሳብ ስዓት 9 ብዙሕ ለውጢ ኣየመፅአን። ነዚ መፍትሒ ድማ ሙሴ 7 ብሉፃት ዝበሎም ተጋደልቲ ሓሪዩ ባዕሉ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ እንዳመርሐ ናብ ናይ ደርጊ ዕርዲ ጨበጣ ኣተወ። ፈለማ ቡንባ ታት ደርበየ ብድሕሪ ኣብ ዕርዲ ፀላኢ ኣትዩ ክተሓናነቕ ጀመረ። ሴሮ ብትክን ድምፂ ቡምባታትን እሳተጎመራ ኾነት። እቲ ምትሕንናቕ እንትቕፅል ሰራዊት ነበልባል እግረይ ኣውፅእኒ ኢሉ ምህዳም ይጅምር። ብርክት ዝበሉ ዕርድታት ድማ ተመንዝዑ። ግና እቶም ምስ ሙሴ ህጁም ዝኣተው ተጋደልቲ ኩሎም ብዘይ ሙሴ ተሰዊኦም። ሙሴ ግና እኒሀ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ፀላኢ ኮይኑ ንዝሃድሙ ወታደራት ይቕሽምድ። ሓይልታት ተሓህት/ህዝባዊ/ን

ሻዕቢያን ስዒበን ዝወደቐ ዕጥቂ ክኣርያን ጀመራ። ኣብዚ እዋን ብኮነሬል ብሽኡ ዝምራሕ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ደርግ ካብ መንደፈራ ተበጊሱ ብራማ ገይሩ ንእንትጮ ሓሊፉ ናብ ሴሮ ይግስግስ ከምዘሎ ሓበሬታ ተረኽበ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለው ግና ሰነ 12/1968 ዓ/ም ሓደ መርድእ ተሰምዐ። እወ እቲ ንውድብ ካብ ምምስራት ጀሚሩ ዝመርሓ ዝነበረ ስሑል ኣብ ዓዲ ነብሪ ኢድ ሰራዊት ኢድዩ ተቐቲሉ ዝብል መርድእ። ነዚ ድማ ኣድላይ ዝበሃል ምድላዋት ድሕሪ ምግባር ሓምለ 1968 ዓ/ም ብሙሴ መሪሕነት ሓይሊ 21ን ሓይሊ 11 ናብታ ብሰራዊት ኢድዮ ተታሒዛ ዘላ ዓዲ ነብሪ ኢድ በፅሑ። ቅድም ክብል ብስየ ኣብርሃ ትምህራሕ ሓይሊ 41 ኣብቲ ኸባቢ ነይራ እያ። በዚ መሰረት ድማ ኣድላይ መፅናዕቲ ተገይሩ ሓምለ 14/1968 ዓ/ም በርቃዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢድዩ ብምፍናው ናብ 125 ተማሪኾም ዝተረፉ ኣባላት ጠርናፊት ድማ ተበታቲኖም ናብ ሱዳን ኣተው። ሰራዊት ጠርናፊት ብሓዱሽ ኣወዳድባን ዘመናዊ ዕጥቕን ተጣይሹ እንደገና ናብ ትግራይ ብምእታው መጥቃዕቲ ፈፀም።

እዋኑ ወርሒ መስከረም 1969 ዓ/ም እዩ ነይሩ። ሽሾ ሰራዊት ኢዱ ኣብ ጥቃ ከተማ ሸራሮ ኣደመይቲ፣ መንጠብጠብ፣ ከምኡ ድማ ጨዓመስከበት ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህወሓት ዂናት ይኸፍት። እቲ ውግእ ኣዚዩ ከቢድ ንመሪርን ነይሩ። ህወሓት ብዱሑር ብረታትን 3 ሓይልታት/41፣ 11፣ 21/ ኢዲዩ ድማ ብዘመናዊ ብረትን ናብ 3000 ሰራዊት ኣዝሚቱ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ኒሕን ቆራፅነት ተጋደልቲ ህወሓት ነቲ ወራር ኢዲዩ መኪቶሞ እዮም። ኣብዚ ግጥም ፈልማ ሙሴ ንሓይሊ 21 መሪሑ ናብ ከባቢ መንጠብጠብ እዩ ኣቲዩ። ኮይኑ ግና ሓይሊ ፀላኢ ኣብ መንጠብጠብ ብዙሕ ኣይነበረን። ዳሕር ግና ብሃይለ ትምራሕ ሓይሊ 11 ፈሊማ ናብ ጨዓ መስከበት ተማዲባ ስለዝነበረት እቲ ገዚፍ ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ከበባ ኣእቲዮ ነዛ ሓይሊ ክጭፍልቃ ተጓየየ። መራሒ ሓይሊ 11 ሃይለ ንብፆቱ እንዳመረሐ ከሎ ኣብ ኢዱ ተወቒዑ ይወድቕ። ነቲ ሓላፍነት ንንብዓል ፃድቃን ኣውዓሎምን ተረኪቦም ከተሓባብሩ ጀመሩ። ግን ሰራዊት ኢዱ ምስ ጠያይቲ ፉኮራን ማዓት ፀርፍታትን ከም እንዳጋወሐ ክዓብጦም ተፀገዐ። ብሱሩ እውን ሃይለ ምውዳቑ ምስ ራኣዩ ብኢዶም ክሕዝዎ እንትህንደዱ ሙሴ ንሓይሊ 21 ሒዙ ካብ መንጠብጠብ ዝተወንጨፍ ናብቲ ናይ ጭዓመስከበት ውግእ ሁሩግ በለ። ወያ ንሓንቲ ሓይሊ ውድብ ኣብ ከባቢ ኣእቲዮም ክውድእዋ ቀሪቦም ዝነበሩ ሰራዊት ኢድዩ ራዕዲ ኣቲዩዎም ኣንሳሓቡ። እቲ ውግእ ግን እኒሀ ከም ሓዊ ይባራዕ። እዘን ሓይልታት ብሓደ ሰሚረን ንሰራዊት ኢድ ፋሕ ብትን ኣበለኦ። እዚ ሺሾ ሰራዊት ዝመርሑ መሳፍንቲ ኢድዩ ኣብ ህድሞ ኮይኖም ብብሉፅ ሰራዊት ተኸቢቦም ይሕለው ከም ዝለዉ ሙሴ ሓበሬታ ረኸበ። ኣብዚ ግጥም ከም መራሒን ተዋጋኣይን ዝነበረ ሙሴ እቲ ውግእ ብውሕሉል ጥበብ ተጠቒሙ ናብ ዓወት ንብፃሕ መይላ ገበረ። ዝተወሰኑ ተጋደልቲ መሪፁ ነቲ ብሉፅ ሰራዊት ፈንፂሑ ነቶም መራሕቲ ኢድዩ ክማርኽ። እቲ ሕቶ ናብታ ብዓል ኣውዓሎም ዘተሓባብርዋ ሓይሊ ኣቕረበ። በቲ ግዘ ሓየሎም ኣርኣያ፣ ንርአን ኣውዓሎምን ብሓደ ድምፂ “ንስኻ ኣይትኣቱን ኢኻ” ብምባል መለስሉ። ሙሴ ናይ ግድን ኣነ እየ ክኣቱ ዝግበአኒ ኢሉ ንርእሱ ሓዊሱ 7 ተጋደልቲ መረፀ። ንሳቶም ድማ ባሃበሎም፣ ኣብርሃ ማንጁስ፣ ኣሕፈሮም፣ ሓየሎም ኣርኣያ፣ ሰመረ፣ ምሕረትኣብ፣ ብድሕሪኡ ንርእሱ ሓንቲ ብሬን ሒዙ ነቶም ካልኦት 2 ብሬንን ዝተረፋ ድሓን ዝበሃላ ብረታት ኣትሒዙ ናብቲ ዕርዲ ናይ ኢድዩ ክሃጅም ጀመረ። እዞም ጀጋኑ ተጋደልቲ ጦጒጎም ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ፈለማ በሃበሎም ተወቒዑ ወደቐ። ቀፂሉ ድማ ኣብርሃ ማንጁስ ወደቐ። ክልቲኦም ድማ ሻቡ ብሻቡ ተሰውኡ። እቲ ግጥም ከም ሓዊ ረሲኑ ሙሴ ኣብ ባሕሪ ውግእ ኣቲዩ ንሰራዊት ኢድዩ ይዓፅድ ኣሎ። ብየማኑ ገፅ ዝነበረ ኣሕፈሮም እውን ኣጆኹም ብፆት ቀሪብና ኢና እንዳበለ ብሬን ሒዙ እና ተኮሰ እዩ። ግን ኣይፀነሐን ኣሕፈሮም እውን ተወቒዑ ወደቐ። እቲ ግጥም ግና ቀፀለ ወያ ብሉፅ ሰራዊት ሓላዊ ጎይቶቱ ዝነበረ ሰራዊት ኢድዮ ሙቱን ቁሱልን ኮይኑ ፋሕ ብትን በለ። እቲ ውግእ ድማ ቁሩብ ህድእ በለ። ነዚ ተጠቒሙ ሙሴ ነታ ብሬኑ ኣቐሚጡ ሽጉጡ ኣውፂኡ ናብቲ ህድሞ ተፀጊዑ ነቶም መራሕቲ ሰራዊት ኢድዩ ኢድኩም ሃቡ በሎም። እቶም መራሕቲ ኢዱ ድማ ንሙሴ ጥራይ ኢና ኢድና ንህብ በሉ። ሙሴ ድማ ንሱ ሙዃኑ ገለፀሎም። ካብኡ ካብታ ህድሞ ኢዶም ንላዕሊ ገይሮም ሓደ ብሓደ ኣንዳበሉ መብራህቱ ኣርዓዶም፣ ግደይ ባህረሹም፣ ብላታ ኣድማሱ ስላሰ፣ ኣለምሸት፣ ገ/መስቀል ካሕሳይ ተር ኢሎም መሰስ በሉ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሰላማዊ ናይ ምምራኽ ስራሕ ግና ዘይተሓስበ ነገር ተፈፀመ። እወ ሓንቲ ጥይት ኳሕ ኢላ ድምፃ ተጋዊሑ ከይወደአ ሙሴ ዋይ ኢደይ በለ። ኣብዚ

ቅፅበታዊ ትርኢት ካብቶም ኢዶም ኣልዒሎም ዝነበሩ መራሕቲ ኢዱ ኣምሊጦም ብዜካ ገ/መስቀል ካሕሳይን ብላታ ኣድማሱን። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ግና እታ ንሙሴ ዝወቐዕት ጥይት ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ዘይምርካባ እዩ። ሙሴ ግና ነቲ ኣብ ውድብ ዝፍጠር ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ መበገሲኡ ኣውራጃነት፣ ናይ ስልጣን ምሓዝ ፅምኢን ጉድለት ፖለቲካዊ ብስለትን ከምዝነበሩ ብጣዕሚ ተረዲኡ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንባዕሉ ዋና ወታደራዊ መራሒ ውድብ ኮይኑ እንዳሃለወ ንኻልኦት መርኣያ ንሙዃን እንትውስን ከምዚ በለ “ ክስዋእ እየ! ብድሕሪኡ እቶም ብፆት ብዛዕባ ምእንቲ ህዝቢ ዓርስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ እኹል ትምህርቲ ክረኽቡ እዮም” ኢሉ ተንቢዩ ዝነበረ ጅግና ተጋዳላይ እዩ ነይሩ ኣብ መፅሓፍ ተጋድሎ ገፅ 208።
እስቲ ሕዚ ድማ ሙሴ ተወቒዑ እንትወድቕ ዝበሎን እቶም ምስ ሙሴ ዝነበሩ ዝተሰውኡ ተጋደልቲን ካብ ዝበለዎ ቃል ሕድሪ ገለ ክብል እሞ ክውድእ
ኣብ ዉግእ ጨዓመስከበት ህወሓት ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ግጥማት ምሩፃት ደቃ ዘወፈየት ሕጂ እዉን ካብቶም መራሕቲ ህወሓት ሃናፂ ብፆቱን ፍሉይ በዓል ቅያ ዝኾነ መሓሪ ተኽለ/ሙሴ/ ብመስዋእቲ ተመንጢላ እያ። ሙሴ ተወቒዑ እንትወድቕ ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሓየሎምን ፀሃየን ብቓሬዛ ኣልዒሎም ካብ መሰመር ውግእ ከውፅእዎ ከለው ደም ሙሴ ከም ማይ እንትፈስስ ልቢ ሙሴ ግን ኣብቲ ግጥም ውዕሎ ኵናት ስለዝነበረ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ከምዚ
በለ
“ብፆት! ንብረት ፀላኢ ኣክቡ። ብረታት፣ ሬድዮታት ብጥንቃቐ ሓዙ። ንዝተሰውኡ ተጋደልቲ ቅበሩ” በለ ። ቁርብ ፅንሕ ኢሉ እቲ መውጋእቲ እናከበዶ ደሙ እንዳፈሰሰ ድማ ወሲኹ ከምዚ በለ “ኣይዘኹም በርትዑ! ቃልሲ ክቕፅል እዩ። ንግዚኡ እውን ይኹን ፈፂሙ ጠጠው ኣይኽብልን እዩ።” እቶም ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ብፆት ናብታ ካብ ሸራሮ ዝተላአኸት መኪና ምስ ኣደየብዎ ናይ ሙሴ ምኽሪ ሕዚ እውን ብዝደኸመ ድምፂ ቀፀለ “ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እኹል ግንዛበ ንክረክብ ብርቱዕ ናይ ፖለቲካ ስራሕቲ ስርሑ። እቲ ኣፀጋሚ ግዜ ሓሊፉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ዓለም ዝሰጋገረሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን።” ኢሉ ሒቅ ሒቕ በለ ሰዉነቱ ዝሒሉ ኣብ ኢድ ብፆቱ ተተርኢሱ ክቡር መስዋእቲ ኸፈለ።
ኣብርሃ ማንጁስ
“ኩሉ ንምስራሕ ዘይሳኣነካ ጅግና ሰራዊት ህ.ወ.ሓ.ት. ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብህይወትካ ዘለኻ እዚ ዓብዪ ዕድል እዚ ከየምልጠካ፡፡ ቀይሕነትካ ብግብሪ ኣረጋግፅ፡፡ ብመስዋእትነት ዝተፈለናካ ብፆት ንብርቱዕ ቀላፅምካን በሊሕ ሓንጎልካን ሓደራ ሓደራ ... መትከልና ሓደራ ህ.ወ.ሓ.ት.
ንገድፈልካ ኣለና፡፡ ”
ስውእ ተጋዳላይ ኣሕፈሮም
“ ስምዑ ብፆት! ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብዙሓት ርኡያት ተጋደልቲ ክወድቁ እዮም። ኣነ እዉን ይስዋእ ኣለኹ ንዓና ዘፍረዩ ብፆት እዉን ይሓልፉ ኣለዉ። ንቕድሚት እውን ካልኦት ክሓልፉ እዮም። ፍርያቶም ዉን ንሓልፍ ኣለና። እዚ ሰብ ናይ ምፍራይ ዋሕዚ ከይዛሪ ግን ተረፍቲ ብፆት ብሓደራነት ክትቅበልዎ ዘለኩም እዩ። ኣጆኹም ብፆት! ጊዜ ይነውሕ እምበር ዓወት ውድብና ፈፂሙ ኣይተርፍን። ክንዕወት ኢና። ብዝተረፈ ኣነ ኣብ ዉግእ ፀረ-መሳፍንቲ ምስወአይ ክብሪ ይስመዐኒ። ግና ………” ብምባል ዘረብኡ እንተይመለአ እዩ ኣብ ኢድ ብፆቱ ተተርኢሱ ዝሓለፈ። ብርግፅ ትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ ኣሕፈሮም። ኣብ ዉግእ ጨዓመስከበት ህወሓት ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ግጥማት ምሩፃት ደቃ ዘወፈየት ሕጂ እዉን ካብቶም መራሕቲ ህወሓት ሃናፂ ብፆቱን ፍሉይ በዓል ቅያ ዝኾነ መሓሪ ተኽለ/ሙሴ/ ብመስዋእቲ ተመንጢላ እያ። ሙሴ ተወቒዑ እንትወድቕ ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሓየሎምን ፀሃየን ብቓሬዛ ኣልዒሎም ካብ መሰመር ውግእ ከውፅእዎ ከለው ደም ሙሴ ከም ማይ እንትፈስስ ልቢ ሙሴ ግን ኣብቲ ግጥም ውዕሎ ኵናት ስለዝነበረ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ከምዚ በለ

ኣብዚ ናይ ጨዓመስከበት ግጥም ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ከምኒ ባሃበሎም፣ ኣብርሃ ማንጁስ/ኣበበ ገ/መድህን/፣ ዑመር/ፋንታሁን ወ/ስላሰ/፣ ኢዮብ /ወዲሃይለ/፣ ሰመረ/ገ/መድህን ተፈሪ/፣መርሃዊ ኣስረሱ ዝርከብዎም 18 ተጋደልቲ ተሰዊኦም። እቲ ዉግእ ድማ ኣብ ከባቢ ዓዲ ነብሪ ኢድ፣ ፀሓዮን ሸራሮን ቀፂሉ ድሕሪ ከቢድ ዝተኸፍለ መስዋእትነትን መዉጋእትን ብዓወት ተጋደልቲ ህወሓት ተዛዚሙ ሰራዊት ኢዱ ዉን ናብ ሱዳን ሂዲሙ ይወፅ። ሓበን ፍረ ቓልሲ


3. ተዘክሮ ወየንቲ ኣድያቦ ኣብ ጨዓመስከበት

ተሓህት ንምጭፍላቕን ንተሓህት ረጊፆም ናብ ማእኸል ዓዲ ብምግስጋስ ስልጣኖም ክመልሱ ዝተሃንደዱ ሰራዊት ኢድዩ ኣብ መንጠብጠብ፣ ኣድመይትን ጨዓ መስከበትን ተሃድሶ ኣካየዱ።ኢድዩ ብዘበናዊ ኣፅዋርን በዝሒ ሰራዊትን ተፀንቢሉ ንተሓህት ከጥፍእ ተበጊሱ ከም ዘሎ ድማ መሪሕነት ተሓህት ነቲ ኩነታት ገምጊሙ ተዳለወ። ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ተሓህት ተጋዳላይ ሙሴ፣ ሰራዊት ኢድዩ ብዝተጠናኸረ መልክዑ መፂኡ ስለዘሎ ክምከት ከም ዝግባእ ንሰራዊቱ ኣፍለጠ። ኣብታ ሓይሊ ህወሓት ወያናይ ኣረጋይ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወየንቲ ኣድያቦ ምስቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተሰሊፎም መጥቃዕቲ ንምፍናው ተዳልዮም ኣለዉ። ኣብ ማእኸል ትግራይ ከባቢ ፃዕዳ ላኻ ዝነበሩ ተጋደልቲ እውን ናብ ከባቢ ሸራሮ ክምለሱ ብምግባር ሓይልታት ተሓህት ተኣኻኺበን ምስቲ ብኣሽሓት ዝቑፀር ዘበናዊ ኣፅዋር ዝዓጠቐ ፀረ-ህዝቢ ሰራዊት ኢድዩ ንምውጋእ ተዳለዋ።

ሰራዊት ኢድዩ ኣብ ማይ ኩሕሊ፣ መንጠብጠብን ጨዓመስከበትን ዓሪዶም እዮም ዝብል መፅናዕቲ ስለዝነበረ ክልተ ሓይልታት ተሓህት ኣብቶም ከባብታት ተፀጊዐን መጥቃዕተን ከጠናኽራ ተገብረ። ዝዓበየ ሓይሊ ኣብ ጨዓመስከበት ከም ዘሎ ስለዝተረጋገፀ ሓይልታት ተሓህት ናብ ጨዓ መስከበት ኣቕንዑ። ኣብ ኩጀት ጨዓ መስከበት ርክብ ሬድዮ ሒዙ ይከታተል ዝነበረ ተጋዳላይ ኣውዓሎም ብሰራዊት ኢድዩ ተኸቢቡ ንሕንጢጥ ብምምላጥ ናብ ኣባላቱ እንትሕወስ ውሑዳት ጀጋኑ ተጋደልቲ ህወሓት ነዚ ኣጋጣሚ እቲ ኲናት ንምጅማር ከም ናይ ደወል ምልክት ገይሮም ድፋዖም ኣፅንዑ። ወየንቲ ሸራሮን ኣድያቦን ነቶም ከባቢታት ኣፀቢቖም ስለዝፈልጥዎም ምስ መራሕቲ ሓይሊ ዓይነ ብርኪ ኮይኖም ነተን ቁልፊ ከባቢታት ንምሓዝ ዝከኣለሉ ኣንፈት ቀየሱ።

ኣብቲ ዳህሪ ፀሓይ ኣብ ጨዓ መስከበት መሬት ዘንቀጥቅጥ ኲናት ተጀመረ። ኣብ በረኻታት ኣሰገደ፣ ኣድያቦን ፅምብላን ሸፊቶም ዝነበሩን ደሓር ምስ ኢድዩ ዝዓጠቑን ዓሊሞም ተኮስቲ ኣብ ልዕሊ ተሓህት ጨሚቶም ክትኩሱ ጀመሩ። ወዲ ሃይለ ዝመርሓ ዝነበረ ሓይሊ ብየማንን ፀጋምን ፀቕጢ ኢድዩ በፂሕዋ ፈለኽ መበሊ ሰኣነት። ወዲ ሃይለ ነቲ ኩነታት ንምትዕርራይ ኣመራርሓ እናሃበ እንከሎ እንትስዋእ ፃድቃን ገብረትንሳኤን ዘርኡ በዛብህን ነቲ መሪሕነት ተቐቢሎም ምስቲ ሰራዊቶም ዘይመጣጠን ምስ ሽሾ ሰራዊት ኢድዩ ኲናት ቀፀሉ።ብኣውዓሎም እትምራሕ ሓይሊ ብወገና ብርክት ዝበሉ ወየንቲ ኣሰሊፋ ኣንፃር ዕስለ ሰራዊት ኢድዩ እናተዋግአት ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣተወት።

ሰራዊት ኢድዩ ሓይሎም እናተጠናኸረ ኸደ። እታ ብእኒ ፃድቃን እትምራሕ ሓይሊ ብየማንን ፀጋምን ንዝመፃ መጥቃዕቲ ምፅዋር እንትኣብያ ናይ ምክልኻል ስራሕ እናሰርሐት ኣብ ክባ ሰራዊት ኢድዩ ኣተወት። ኣብዚ ቅፅበት ብሙሴ ዝምራሕ ሰራዊት ካብ መንጠብጠብ ንጨዓመስከበት ኣትዩ ነታ ዝነበረት ሓይሊ ኣድሓና። ካብ ክባ ወፂኣ ድማ ተወዲባ ክተጥቅዕ ጀመረት።

ሰራዊት ተሓህት ብሓዱሽ ሓይልን ውዳበን ብዋና ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ተጋዳላይ ሙሴ እናተመርሐ ኣብ ልዕሊ ኢድዩ ናይ ምክልኻልን ምጥቃዕንኲናት ከፈተ። ይኹን እምበር ሰራዊት ኢድዩ ብቐሊሉ ዝኽበስ ሓይሊ ኣይነበረን። ስለዝኾነ እቲ ኲናት ፃዕፀዐ። ብኽልቲኡ ወገን ህይወት ሰባት እናበልዐ ኸደ። ኣብቲ ቅፅበት ኣውዓሎም ሽም ዝርዝር መሪሕነት ኢድዩን ኣበይ ኮይኖም ነቲ ኲናት ይመርሕዎ ከም ዘለዉን ንሙሴ ሓበረሉ። ኣብዚ ኩነት ብዝተገበረ ምትዕርራይን ብዝነበረ ርሱን ወነን ሰራዊት ኢድዩ እናዘሓለ ብኣንፃሩ ጀግንነት ተጋደልቲ ተሓህት እናጎልሀ እንትኸይድ ተርኣየ። ድሕሪ ግዜ ውቅዒት ሓይልታት ህወሓት እናበርተዐ እንትኸይድ ሰራዊት ኢድዩ ብረቶም እናደርበዩ ክሃድሙ ጀመሩ። ኣብ መዓንጣኦም ኣትዩ ሓመዶም ዘውፀኦም ጅግና ተጋዳላይ ተወሓት ፋሕ ጭንግራሕ ኣበሎም። ኣብ ተጠባባቒ ሓይሊ ዝፀንሓ ከራቢትን ምልሻን ድማ ነቲ ዝነበረ ሓይሊ እናኸርተማ፣ ክማረኽን ቁሱልን ምውትን ክኸውንን ወያናይ ብፅሒተን ወሰዳ። እቲ ፈኸምታ ኩናት ናብ ሃልሃልታ ባርዕ ተቐይሩ። ሓይልታት ተሓህት ነቲ ርሱን ወነ ጨቢጠን ነቲ ኲናት ቀፀላሉ። ኣብቲ ዝተኻየደ ውዕዉዕ ኲናት መሪሕነት ኢድዩ ኣይነበሩን። ካብቶም ዝተማረኹ ይኹን ዝሞቱ ኣይተረኸቡን።

ሙሴ ኣሰላልፋ ሰራዊት ኢድዩ ኣፀቢቑ ተገንዚብዎ ኣሎ። እቶም ንሰራዊት ተሓህት ዝመርሑ መሪሕነት ምስ ሰራዊቶም ኮይኖም እንትዋደቑን እንትመርሑን ባላምባራስን ደጃዝማችን ነበር መራሕቲ ኢድዩ ግና ኣብ እንዳ ፀሃየ ዝተብሃለ ዓሙይቕ ቦታ ኾይኖም እዮም ዝዋግኡ ነይሮም። ዘይተረኸብሉ ምኽንያት እውን እተን እንዳ ደጃዝማች ፀሃየ ዘለዋ ሃዳሙ ኣፅሊለናሎም እየን። ተጋደልቲ ተሓህት ናብተን ህድሞታት ተፀጊዖም መጥቃዕቲ እንትፍንዉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰራዊት ኢድዩ ግና ከፀግዕዎም ኣይከኣሉን። ነቶም መራሕቲ ምድምሳስ ወይ ምቁፅፃር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ሙሴ ገለ ተጋደልቲ ሒዙ ናብተን ሃዳሙ ክኸይድ ወሰነ። ሓየሎም፣ ኣውዓሎምን ንርአን ድማ ተቓወምዎም።

ሙሴ “እቲ ዝተበታተነ ሰራዊት ከም ብሓዱሽ ክውደብ ይኽእል እዩ፤ መሪሕነት ኢድዩ ድማ ከምልጡ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ስግኣት ስለዘሕደረ ንገለ ተጋደልቲ ሒዙ ናብተን መሪሕነት ኢድዩ ዝዓረዱለን ሃዳሙ ክኸይድ ዳግም ሓተተ። ግን ሐዚ እውን ብብፆቱ ሓያል ተቓውሞ ገጠሞ። ሙሴ ነቲ ብብፆቱን ተጋዳላይ ሓየሎምን ዝቐረበሉ ተቓውሞ ጥሒሱ ሸውዓተ ተጋደልቲ ሒዙ ኸደ። ነቲ ኩነታት ዘፅንዑን ሓበሬታ ዝምግቡን ወየንቲ እውን ብቅድሚት ኣለዉ።

ሰራዊት ኢድዩ ንሙሴን ብፆቱን ብተኹሲ ተቐበልዎም። ሙሴ ብሬን ሒዙ ዓፀፋ መለሰሎም። ድሕሪ ውሱን ልውውጥ ቶኹሲ ምስ ሙሴ ዝነበረ ባህኣበሎም ተወጊኡ ወደቐ። ብዙሕ እንተይፀንሐ ድማ ተሰውአ። ብመስዋእቲ ባህኣበሎም ቁጠዐኡ ዝበርተዐ ሙሴ ብፅዑቕ ቶኽሲ ብሬን መሬት ዕንፅራር እንትገብራ ሰራዊት ኢድዩ ዓቕሎም ኣፅበበሎም። እቶም ቶከስትን ዓለምትን ኢና ዝብሉ ስራዊት ኢድዩ ብድንጋፀ ርእሶም ኣድነኑ። ነዛ ኣጋጣሚ ንምጥቃም ካልእ ሓይሊ ከይተጠናኸሩ ሓየሎም ዝሓዞም ተጋደልቲ ቡምቧ እናቶኮሱ ነቲ መሪሕነት ኢድዩ ዝዓረድሉ ቦታ ክድምስስዎ ሙሴ ኣዘዘ። ሓየሎምን ካልኦትን ነዚ መደብ ተቐቢሎም ድማ ፈፀምዎ።

ኣሕፈሮም ንኻልኦት ተጋደልቲ እናመርሐ ናብ ድፋዕ ኢድዩ ጠበቐ። ኣሕፈሮም ዝትኩሶ ዝነበረ ብሬን ንሰራዊት ኢድዩ ኣርዓዶም። ይኹን እምበር ብሬን ኣሕፈሮም ብቕፅበት ኣፅቀጠት። ኣሕፈሮም ተወጊኡ ተሰውአ። እኒ ሓየሎም ኣብ ድፋዕ ኢድዩ ክሳብ ዝበፅሑ ሙሴ ብሬን እናተኮሰ ከውሊ ኾኖም። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቆፎ ንህቢ ስለዝተወቕዐ ኣናህብ እናዘለሉ ንሰራዊት ኢድዩ ክናኸሱ ጀመሩ። ድሕሪ እዚ ሰራዊት ኢድዩ ብረቱ እናደርበየ ከምጋላባይ ፈረስ ሃደመ። እቶም ምስ ሓየሎም ኮይኖም ዝሃጅሙ ዝነበሩ ሸውዓተ ተጋደልቲ ኣብቲ ዓውደ ውግእ ብኽብሪ ተሰዊኦም ሓየሎም ጥራሕ ተረፈ። እቲ ኲናት ፈታንን ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፈለሉን ኮነ።

ልዕሊ 700 ሰራዊት ኢድዩ ብሓይልታት ተሓህት ተረፍረፉ፣ 100 ኢዶም ሃቡ። ኣስታት 300 ብረት ተመንዘዐ፣ እቶም ዝተረፉ ሰራዊት ኢድዩ ባህሪሮም ተበታተኑ። እዮብ፣ ፋንታሁን፣ ሰመረ፣ ኣበበን ብርሃነ ሽውሽውን ዝተብሃሉ ተጋደልቲ ተሓህት ከምዝተሰውኡ ተረጋገፀ። ካልኦት ተጋደልቲ እውን መስዋእትን መውጋእትን ኣጋጠሞም። እቲ ኲናት ህድእ ዝበለ እዩ ዝመስል፣ መሪሕነት ኢድዩ ግና ኢዶም ኣይሃቡን። ዋላ እቶም መውጋእቲ ዘጋጠሞም እውን ኣብ ድፍዖም እዮም ኣፅቂጦም።

ኩሉ ከባቢ ጨዓመስከበት ብጨና ባሩድ ተዓፊኑእቲ ብተኹሳ ረሲኑ ዝነበረ መሬት ዝሕል እንትብል ኣብ ድፋዕ ዝተሸጐጡ መሪሕነት ኢደዩ “ሙሴ ባዕሉ ኢድኩም ሃቡ እንተዘይኢሉና ኢድና ኣይንህብን” ክብሉ ተሰምዑ። ስሕት ኢሉ ኳሕ! ተርኳሕ! ዝብል ድምፂ ጥይት ግና እኒሀ። ሙሴ ብሬኑ ኣቐሚጡ ሽጉጥ ኣዐሚሩ እናተንቀሳቐሰ ተዂሲ ጠጠው ክብል ንተጋደልቲ ኣዘዘ። እቶም ተጋደልቲ ትእዛዝ መራሒኦም ኣኽበሩ። ገለ ተጋደልቲ ግና ኣብቲ መሪሕነት ኢድዩ ዝዓረድሉ ብረቶም ብምዕማር ድፋዕ ሒዞም ኣለዉ፤ ሙሴ ተፀገዖም።

ሙሴ ናብኣቶም ከምዝቐረበ ዝፈለጡ ብፆቱ መሪሕነት ኢድዩ ሙሴ ባዕሉ ኢድኩም ሃቡ እንተይበሎም ኢዶም ከምዘይህቡ ምዝራቦም ንሙሴ ሓበርሉ። ሙሴ ናብቲ መሪሕነት ኢድዩ ዝተሓብእሉ እንዳ ኣድማሱ ፀሃየ ተፀገዐ። ተኹሲ ምሉእ ብምሉእ ዓሪፉ እዩ። ብዘይካ እቶም ኣብ ህድሞ ዝተሸጐጡ መሪሕነት ኢድዩ ካልእ ሰራዊት የለን። እቶም ንሰራዊት ተሓህት ናብቲ ህድሞ ምቕራብ ከሊኣምዎ ዝነበሩ ኣባላት ኢድዩ ተረፍሪፎም እዮም።

ሙሴ ኣብ ጥቓ እቲ መሪሕነት ኢድዩ ዝዓረደሉ ህድሞ ምስበፅሐ ሽጉጡ ኣዐሚሩ ነቶም መሪሕነት ኢዶም ንክህቡ ሓተተ። ብድሕሪ ሙሴ ሓንቲ ጋንታ ተሓህት ሓለዋ እናካየደት እያ። ድምፂ ሙሴ ዘድምፁ መሪሕነት ኢድዩ ኢዶም ንዓቐብ ገይሮም ሓደ ብሓደ ካብታ ህድሞ ወፁ። እኒ በዓል ኣድማሱ ፀሃየ፣ ገ/መስቀል ካሕሳይ፣ መብራህቱ ኣርዓዶም፣ ግዳይ ባሕሪ ሹምን ካልኦት ዓሰርተ ክልተ ቀንዲ መሪሕነትን ኢዶም ሃቡ።

ኣብዚ ኸምዚ ዓይነት ኩነት ድምፂ ጥይት ተሰምዐ፤ ሓንቲ ጥይት ኤም ዋን ኣብ ፀጋማይ ኢድ ሙሴ ዓረፈት። ነዚ ዝረኣዩ ተጋደልቲ መራሒኦም ስለዝተወግአ ኸበብዎ። እታ ጥይት ኤም ዋን ካብ ቀረባ ስለዝተሓንበበት ንኣዕፅምቲ ሙሴ ፈንፂሓ ኣተወት። ነዚ ስዒቡ መሪሕነት ኢድዩ ክሃድሙ ፈተኑ፤ ገለ ተጋደልቲ ምስ ሙሴ እንትቐርዩ ገሊኦም ድማ ነቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ተዅሲ ኸፈትሎም። ኣድማሱ ፀሃየን፣ ገ/መስቀል ካሕሳይ ጥራሕ እንትተሓዙ ካልኦት ኣምለጡ።

ካብ ፀጋማይ ኢድ ሙሴ ደም ወሓጀ። ኩሎም ተጋደልቲ ደንጊፆም ፈዘዙ። ኣጋር ሓኪም ለምለም ሰሑል ንሙሴ ንምሕካም ፀዓረት፣ ዋሕዚ ደም ሙሴ ግን ብቐሊሉ ጠጠው ክብል ኣይከኣለን። ደም ሙሴ ከም ጋሻ ውሕጅ ኣብ ዝጋልበሉ እዋን ሙሴ ብሰላሕታዊ ድምፀት፣ “እቲ ፀላኢ ዝደርበዩ ኣቑሑ ኣኻኸብዎ፣ ብረትኩም ብጥንቃቐ ሓዙ ሸለል ኣይትብሉ፣ እቶም ዝተሰውኡ ብፆት ቅበርዎም” ብምባል ተዛረቦም። ገለ ተጋደልቲ ነቲ ሙሴ ዘውረደሎም መደብ ንምፍፃም ተንቀሳቐሱ። መወዳእታ ዕፃ ኣመራርሓ ኢድዩ እንታይ ይኸውን? መውጋእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ተሓህት ተጋዳላይ ሙሴ መወዳእታኡ እንታይ ኮነ? ኣብ ዓወት እቲ ኲናት ዘለዎ ፅልዋ ኸ ከመይ ይኸውን? ዝብል ብኣንደበት ወያናይ ኣረጋይ ተዘንትዩ ኣሎ። ኣብ ቀፃሊ ክፋል ክንምልሶ ኢና።
ፍልፍል፡- (ወያናይ ኣረጋይ ገብረመድህን፣ መፅሄት ወይን ሕታም ለካቲት 2000 ዓ/ም) ንሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ፅሑፍ፡ www.woyengazeta.org ይጠቐሙ፡፡Email: Admin@woyengazeta.org 


4. Operation Shire 1967

 

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 1967 ዓ.ም ሸሞንተ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ህ.ት ተልእኾ ሒዞም ኣብ ጥቓ ደደቢት ካብ ዝርከባ ምስቃል ቋንጣን ዓዲ ፀሓይን ተባሂለን ዝፅዋዓ ቁሸታት ተበገሱ::

እቲ ጉዕዞ ሰለስተ ተግባራት ንምፍፃም ዝዓለመ ነይሩ:: ሙሴ፣ስዩም፣ጃማይካ ኣብ ሞንጎ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተጀመረ ርክብ ንምስላጥ ናብ ኤርትራ ንቕሎ ገበሩ:: ብካልእ ገፅ ድማ ስሑል ፣ ኣውዓሎም ፣ ንርአ ፣ ገረንችአልን ሓየሎምን መዋፈሪ ዝኸውን ቦታ ናይ ምፅናዕን ካብ ህዝቢ ድጋፍ ዝርከበሉ ኩነታት ናይ ምምችቻውን ተልእኾ ሒዞም ተጓዓዙ::
ሙሴ ፣ ስዩምን ጃማይካን ብኣባልነት ዝሓዘት ኣሃዱ ኣብ ጉዕዞ ዕንቅፋት ከይገጥማ ኣድላዪ ምምስሳል ገይራ እያ ትጓዓዝ ነይራ:: ሙሴን ስዩምን ሓለውቲ ከፍቲ መሲሎም በትሪ ጥራሕ ሒዞም ፣ ጃማይካ እትሰርሕ ምዃና ዘይተፈተነት ሽጉጥ ሒዙ ቀሺ ኮይኑ እናተጉዓዙ እዮም:: ዓዲ ፀሓይ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ደደቢት ተበጊሶም ትጉዕዝ ውዒሎም መሬት ፅልግልግ እንትብል ዓዲ ዳዕሮ ኣተዉ:: ዓዲ ዳዕሮ ዝኣተዉሉ ቀዳማይ ምኽንያት ምስቲ ቃልሲ ርክብ ዝጀመሩ ስሩዓት ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ስለዝነበሩ ምስኣቶም ንምርኻብ እዩ ነይሩ::
ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ምግቢ ስለዝወዓሉ ጠምይዎም ነይሩ:: ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ቤት ብልዒ ኣትዮም እናተመገቡ እንተለዉ ሙሴ ንእሽተይ ጥዕም ኣቢሉ ተልዓለ:: ንጉዕዞኦም ዝኸውን ሸቐጥ ክገዝእ ኣብ ጥቓ’ታ ቤት ብልዒ ናብ ዝነበረት ሹቕ ኣተወ:: ስዩምን ጃማይካን ኣብቲ ቤት ብልዒ ኮይኖም እናተፀበዩዎ እንተለዉ ኣብ ደገ ጫው ጫው ዝብል ናይ ብዙሓት ሰባት ድምፂ ተሰምዐ:: ስዩምን ጃማይካን ካብቲ ቤት ብልዒ ወፂኦም ናብቲ ጫው ጫው ዝተሰምዐሉ ቦታ እንትፅግዑ ሙሴ ብነጭለባሽ ተታሒዙ ፀንሖም ሽዑ ድማ “ በይኑ ኣይኮነን …ቀሺ ነይሮም ምስኡ…” ዝብል ድምፂ ሰምዑ:: ጃማይካ ስለዝተኸሸፈ ስዩም ነታ ምስ ጃማይካ ዝፀንሐት ሽጉጥ ሒዙ ናብቲ ቦታ ተፀጊዑ ክትኩስ’ሞ ሙሴ ናይ ምምላጥ ዕድል ክረክብ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም ተፈላለዩ:: ስዩም እትሰርሕ ምዃናን ዘይምዃናን ዘይተፈተነት ሽጉጥ ሒዙ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ቅፅበት ሓጎስ በርሀ ዝተብሃላ ነጭለባሽ ንሙሴ ሒዙ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ፖሊስ ጣብያ ኣእተዎ::

ኣብቲ ምሸት ሓያል ዝናብ ይወቅዕ ስለዝነበረ ስዩምን ጃማያካን በብወገኖም እናተዳለዩ ከይተራኸቡ ሓደሩ:: ምስ ወግሐ ጃማይካ በቲ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ዝኣተወሉ መንገዲ ገይሩ ናብ ደደቢት ተመለሰ:: ስዩም ኣብ ሓደ ፀግዒ ናይታ ከተማ ኣብ ዝነበረ ፍራስ ቤት ትምህርቲ ተኸዊሉ ምስኣርፈደ ኣብ ዓዲዳዕሮ ምስ ዝነበሩ ኣባላት ስርዒት ተራኺቡ ሓበሬታ ኣከበ:: ንሙሴ ናብ ሽረ ክወስድዎ ከምዝተዳለዉ ምስፈለጠ ናብ ደደቢት ተመሊሱ ምስቲ ኣብ ደደቢት ዝፀንሐ ኣመራርሓ መኸረ:: ኦፕሬሽን ኣካያድና ነፍትሓዮ ዝብል ውሳነ ተወሰነ::
ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ በሪሁ፣ ስዩም፣ቀለበት፣ዋልታ፣ ተኽለ ሸሪፎ ፣ ሰመረ ፣ ኣስገደ ፣ ሕሉፍ ፣ ኣረጋይ መፍቱሕ ፣ ብርሃነ ሸውሸው፣ገብረዝጊሄር ገብረ ነተን ኣብ ሜዳ ዝነበራ ውሑዳት ብረት ሒዞም ተበገሱ::
ስሑል ፣ ኣውዓሎም ፣ ንርአ፣ ሓየሎምን ገረንችአልን ዝተዋፈርሉ ተልእኾ ንምፍፃም ኣብ ማይ ሓራ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እናተንቀሳቐሱ እንተለዉ ሙሴ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ሸረ ከምዝተወሰደ ስለዝሰመዑ ንርአ ነቲ ሓበሬታ ከጣልል ብማይን በረድን እናተቐጥቐጠ ናብ ከተማ ሽረ ተበገሰ:: ንርአ ለይትን ቀትርን ተጓዒዙ ሙሴ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ እኳ እንተተመለሰ እቲ ሓያል ማይን በረድን ስለዘድኽሞ ክንቀሳቐስ ኣይካኣለን:: ሓየሎም ናብ ካልእ ገድላዊ ውራይ ስለዝተላኣኸ ምስኣቶም ኣይነበረን:: ምስተመለሰ ይስዓበና ዝብል መልእኽቲ ሓዲጎም ስሑል ካርባይን ሒዙ : ኣውዓሎምን ገረንችአልን ጥራሕ ኢዶም መጥቃዕቲ ኣካይዶም ንሙሴ ሓራ ከውፅኡ ተንቀሳቐሱ::

ኣብ ጉዕዞ ውዒሎም ንምሸቱ ሩባ ጨዓመስከበት እንትበፅሑ ሩባ መሊኡ ፀንሖም:: ሩባ ኣይንሰግርን ኢሎም ጉዕዞኦም ኣየመናገዉን ፣ ለይቲ እዩ ኢሎም’ውን ሰጋእ ኣይበሉን:: ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንምስጋር ብጋድም መስርዕ ናብ ሩባ ጨዓመስከበት አተዉ::
መሊኦም ክሰግሩ ቁሩብ ምስተረፎም ጋሻ ውሕጅ ኣርከቦም:: ሕጊ ተፈጥሮ ሓያል ምዃኑ ዝተራኣየ’ውን ሽዑ’ዩ:: ሓዊ ብማይ ተሰኲኑ:: እቲ ካብ ከውሒ ዝተረረ ሓቦ ዘለዎ ተጋዳላይ ዕድመ ከምዝደፈአ ተፈለጦ:: ጉላጉል ዝጥሕሳ ፣ እምባታት ዘርዕዳ ዝነበራ ኣብራኽ ብማይ ተሰኮና:: ስሑል ካብ ብፆቱ ተፈልዩ ፣ ጋሻ ውሑጅ እናጋፍዐኣርሒቑ ወሰዶ:: ብኣጋጣሚ ግና ካብ ሞት ተሪፉ:: ኣዝዩ ታሃስዩ ስለዝነበረ ጉዕዞ ክቕፅል ኣይካኣለን:: በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ጉጅለ ዝሓሰበቶ ከይፈፀመት ተረፈት::

በሪሁ፣ ስዩም ፣ ዋልታ ፣ቀለበት፣ሰመረ፣ተኽለ ሸሪፎ፣ኣስገደ፣ሕሉፍ ፣ኣረጋይ መፍቱሕ፣ብርሃነ ሸውሸው፣ ገበረእግዚኣብሄር ገብረ ዝተብሃሉ ተጋደልቲ ብኣባልነት ዝሓዘትን ሰለስተ ኤምዋን፣ሓደ ክላሽንኮቭ፣ሓደ ማስ፣ ሓደ ካርባይን ፣ ሓደ ጓንዴ ፣ሓደ ሽጉጥ ፣ ሰለስተ ቦምብ ኢድ ዝዓጠቐትን ኣሃዱ ካብ ምስቃል ቋንጣ ተበጊሳ ኣብ ከባቢ ሽረ በፅሐት:: ኣብ ካልእ ውድባዊ ውራይ ተዋፊሩ ኣብቲ ከባቢ እናተንቀሳቐሰ ዝፀንሐ ኣግኣዚ’ውን ናብታ ኣሃዱ ተፀምበረ::እታ ኣሃዱ ኣብ ወሰን ከተማ ምስበፅሐት መቐሎ ዕዮ ገበረት:: ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ ነናይ ባዕሉ ስራሕ ተውሃቦ:: ገሊኡ ኣብ ከተማ ኣትዩ ሓበሬታ ክእክብ፣ ገሊኡ ድማ ንመቐለ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣኻሲዱ ኣብ ወሰን ከተማ ክፀንሕ ተመደበ::ከተማ ሽረ በቲ ብዘይምቁራፅ እናዘነበ ዝወዓለ ዝናብ ሓምለ ጠልቅያ ነይራ:: ነባሪ እታ ከተማ ካብ ዝናብ ክሃድም ፀሓይ ቅድሚ ምፅዳቓ በብገዝኡ ሰፊሩ’ዩ:: ንጀመርቲ ቃልሲ ናብ ደደቢት ምስናይ ጀሚሮም ምስገድሊ ዝተዛመዱን ኣብ ምቕባል ስንቂ ርኡይ ተራ እናተፃወቱ ዝመፁን ኣይተ ገ/መድህን መሰለ ዝተብሃሉ ነባሪ እታ ከተማ መሾምቦባ ዝሓወሰ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዛሓሊ ስለዘቋረሮም ሓዊ እንዳሳሓኑ ኣብ ገዝኦም እዮም ነይሮም:: ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ምስ ኮነ ካብቶም ናብ ደደቢት ዝሰነዩዎም ተጋደልቲ እቶም ሰለስተ ጨጉሪ ለወጥ ኮይኖም ኣተዉዎም:: በሪሁ ፣ ስዩምን ቀለበትን እዮም:: ዝተጎሳቐሉ መሲሎም ተረኣዮዎም:: ኣብ ግንባሮም’ውን ኣይካኣሉን:: <<ሙሴ ብፖሊስ ተታሒዙ ስለዘሎ ፣ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኪድ’ሞ ኩነታት ኣፅኒዕኻ ምፃእ>> በልዎም::ኣይተ ገ/መድህን ኣብ ዙርያ ፖሊስ ጣብያ ዛዊኖም ኩነታት ኣጨናጪኖም ጥሉል ዘረባ ሒዞም ተመለሱ:: ሙሴ ኣብ ኢዱን እግሩን መቑሕ

ኣትይዎ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ንብሕቱ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም ነገርዎም:: ስዩም ዕቡድ መሲሉ ፣ በሪሁ ቀሺ መሲሉ ፣ ኣግኣዚን ቀለበትን’ውን ኣድላዪ ምምስሳል ገይሮም በብወገኖም ኣብ ዙርያ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮሊሎም ዝኣከቡዎ ሓበሬታ’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ኣይተ ገ/መድህን እዩ ነይሩ:: ንፅባሒቱ ኣብ ዝነበረ ወጋሕታ ኣይተ ገ/መድህን ናብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ከዱ:: ሰበስልጣን ፖሊስ ጣብያ ሽረ ንሙሴ ናብ መቐለ ክወስድዎ’ዮም ዝብል ሓበሬታ ተረኺቡ ስለዝነበረ ነዚ ንምፅራይ’ዩ ነይሩ ኣካይድኦም:: በቲ ዝገበርዎ ምክትታል ኣዘዝቲ ፖሊስ ጣብያ ንሙሴ ናብ መቐለ ናይ ምልኣኽ ሓሳብ እኳ እንተሃለዎም በቲ ዕለት ከምዘይለኣኽዎ ፈለጡ:: ቀለበትን ኣግኣዚን ዝኣከብዎ ሓበሬታ’ውን ከምኡ’ዩ ነይሩ:: ኣይተ ገ/መድህን ካብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ተመሊሶም ናብ ፖሊስ ጣብያ ከዱ:: አዒንቶም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ እንተይነቐሉ ኣብ ምክትታል ወዓሉ:: ስዩም ተመሳሳሊ ተግባር እንትፍፅም ሪኦም”ዮም:: ይኹን’ምበር ምፅንታው ኣይገደፈን:: ብናይ ባዕሎም መንገዲ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ሒዞም ምሸት ንምሸቱ ናብ ገዝኦም ተመለሱ:: ክልተ መዓልትን ለይትን ምግቢ ዝበሃል ንዓይኖም ዘይራኣዩ ተጋደልቲ ኣብ ወሰን ከተማ ከምዘለውን ቤት ማእሰርቲ ኣጥቂዖም ንሙሴ ሓራ ከውፅኡ ምዃኖም ዝፈለጡ’ውን ሽዑ’ዩ:: ነቶም ኣብ ወሰን ፅርግያ ኣብ ከውሒ ተፀጊዖም ዝነበሩ ተጋደልቲ ድራር ከብፅሕሎም ደለዩ:: ገዝኦም ግና ምሉእ ኣይነበረን:: ፀብሒ ድኣ ኣይነበረን’ምበር እንጀራ ግና ነይሩ’ዩ:: ሕሩጭ ሽሮ ብማይ በፅቢፆም ኣብ ልዕሊ እንጀራ ኣፍሲሶም ወሰድሎም:: ዝጠመዩ ተጋደልቲ ተዓንገሉ::

ንመፅናዕቲ ዝተዋፈሩ ስዩም፣በሪሁ፣ ቀለበት፣ ዋልታን ኣግኣዚን መፅናዕቶም ወጊኖም ነቶም ኣብ ከተማ ዝገደፉዎም ተጋደልቲ እንትምለሱ ሓደ ተጋዳላይ ጎዲሉ ፀንሖም:: ገረዝጊሄር ገብረ ምስ ብረቱ ከተማ ኣትዩ ተሰወረ:: ሓይሊ ሰብ ነከየ::እተን ዝነበራ ውሑዳት ብረት’ውን ወሓዳ:: ናይ ገረዝጊሄር ምጥፋእ ዓቢ ስግኣት ፈጠረ:: ናብ ደርጊ ኢዱ እንተሂቡ እታ ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክተናግፍ ዝተበገሰት ኣሃዱ ብምልእታ ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ’ያ:: በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ወፍሪ ተደናጎየ:: እታ ኣሃዱ’ውን ኣብ ኣርዕተ ተመቒላ ክትሓድር ተገበረ::ብመሰረት’ዚ ድማ ስዩም ኣብ ከተማ ኣትዩ ተወሳኺ ሓበሬታ ክእክብ፣ ኣግኣዚ፣ ቀለበትን በሪሁን ድማ ሓደ ሽጉጥን ቦምብን ሒዞም ኣብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ኮይኖም ክከታተሉ ፣ ሙሴ ናብ መቐለ ዝውሰድ እንተኾይኑ ከም መንገደኛታት ምስኡ በታ ኣውቶብስ ተሳፊሮም ክኸዱ’ሞ ኣብ ዝምቹ ቦታ ምስበፅሑ ዓጀብቲ ወቒዖም ከፍትሕዎ:: ኣረጋይ መፍቱሕ ንዋልታን ሰመረን በርሀ ሸውሸውን ሒዙ ካብ ከተማ ኣብ ናይ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ተሓቢኡ ክውዕል:: ሕሉፍ፣ ኣስገደን ተኽለ ሸሪፎን እውን ብተማሳሳሊ ኣብ ወሰን ከተማ ሓዲሮም ክውዕሉ::

ንፅባሒቱ ምሸት ዝራኸቡሉ ቦታ ኣነፂሮም ተፈላለዩ::ቀፂሉ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ሙሴ ናብ መቐለ ኣይተልኣኸን:: ስዩም፣ ቀለበት፣ኣግኣዚን በሪሁን ድማ ተወሳኺ መፅናዕቲ እናካየዱ ወዓሉ:: እቲ ዝኸድዐ ንደርጊ ኢዱ ከምዘይሃበ ኣረጋገፁ:: ሙሴ ዝተኣሰረሉ ቦታን ኣብ ሓለዋ ሓይሊ ፀላኢን እናፅነዑ ምስወዓሉ ንምሸቱ ናብቲ መራኸቢ ቦታ ከዱ:: ኣስገደ ፣ተኽለ ሸሪፎን ሕሉፍን ኣብ ዝተመደበሎም ሰዓትን ቦታን ተረኸቡ:: ዋልታ፣ሰመረ፣ ብርሃነ ሸውሸው ፣ ኣረጋይ መፍቱሕ ዝርከቡላ ጉጅለ ግና ጠፍአት:: ዝሐሸ ብረትን ዝበዝሐ ሓይሊ ሰብን ዝሓዘት ድማ ንሳ እያ:: ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ተፀበዩዋ:: ከይመፀት ምስተረፈት ፀገም ከምዘጋጠማ ገመቱ::ጊዜ ብዝኸደ ቁፅሪ ሓደሽቲ ፀገማት እናጋጠሙ’ዮም :: እታ 11 ኣባላት ሒዛ ዝተበገሰት ኣሃዱ ሽዱሽት ጥራሕ ሒዛ ተረፈት:: እቲ ዝነበረ 9 ብረት’ውን ናብ 4 ወረደ:: በቲ ዝርከቡ ሓይሊ ሰብን ብረትን ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምንጋፍ ወፍሪ ከካይዱ ወሰኑ::ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይ ነተን ዝነበራ 4 ብረታትን 3 ቦምብን ሒዙ ገሊኡ ሃጂሙ፣ ገሊኡ ጎልባቢ፣ ገሊኡ መዛብዒ ኮይኑ ብዝላዓለ ጅግንነትን ቆራፅነትን ካብ 30 ደቓይቕ ኣብ ዝወሓደ ጊዜ ተልእኽኡ ብዓወት ዛዘመ:: ሙሴ ብጅግንነት ብፆቱ እንዳተሓበነ ናብ ውድቡ ተፀምበረ:: ተጋደልቲ ተ.ሓ.ህ.ት ነዚ ወፍሪ’ዚ እንትፍፅሙ ፍርቆም ዕጡቓት ፍርቆም ዘይዓጠቑ ሽድሽተ ተጋደልቲ ጥራሕ’ዮም ነይሮም:: ብወገን ደርጊ ግና 80 ፈጥኖ ደራሽ፣ 100 ዝኾኑ ፖሊስ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ነጭለባሽ ኣብታ ከተማ ነይሮም:: እዝ ወፍሪ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ብፍልማዊነቱ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፅንዓት ቃል ኪዳን መትከል ዝተርኣየሉ ትእምርቲ ቃልስን ዓወትን ኮይኑ ኣብ ማህደር ተጋድሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ::
ፍልፍል:- ቅያ ተጋድሎ source https://bahrena.blogspot.com/

 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com