<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document
ome English News ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ብሕማም ምኽንያት ዓሪፉ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ንዝተላእከ ዜጋ ኣብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ከምዝተኸልከለ ተፈሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ብሕማም ምኽንያት ዓሪፉ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ንዝተላእከ ዜጋ ኣብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ከምዝተኸልከለ ተፈሊጡ።

Friday, 02 July 2010 00:40
Print PDF

ኣቶ ዓንዱ ብርሃነ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብ18 ሰነ ብሕማም ዓሪፉ ሬስኡ ብ23 ሰነ ናብ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ኣብ ዓደቡኡ ኣምሁር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ድሕሪ ምኽልካሉ ንቡር ፍትሓት ከይረኸበ ከምዝተቐብረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ነፍሲሄር ኣቶ ዓንዱ፡ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሂነኣለም ቤተክርስትያን ፍትሓት ስለዝተገብረሉ ‘ሞ፡ እቶም ኣብታ ቤተክርስትያን ዘገልግሉ ኣቕሽሽቲ ኸኣ፡ ነቶም ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ካብ መንፈሳዊ ስልጣኖም ንሓይሊ ኣውሪዱ ዝሓየሮም ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቦና እንጠንዮስ ብምድጋፎም በቲ ስርዓት ስለዝተወገዙ እዩ እቲ ምኽንያት።

ኣቕሽቲ ኣምሁር ፈለማ ፍትሓት ክገብሩሉ ተበጊሶም ኳ እንተነበሩ፡ ደሓር ግን “ካብ ዓዲ ቐይሕ ፍትሓት ከይንገብረሉ ዝእዝዝ ህጹጽ መልእኽቲ መጺኡና” ኢሎም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝኣበዩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

ነፍሲሄር ኣቶ ዓንዱ ብርሃነ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ኣትሒዙ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝተሓባበር፡ ኣባል ኤናስአ ዝነበረ፡ ግዱስን ፍቱውን ዜጋ እዩ። ኣብቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዘካየዱዎ ንእገዳ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ከይተረፈ ውዒሉ ነይሩ። እቲ ብምክንኻን ናይቲ ብልሹው ስርዓቱ ኣእምሮኡ ዝዓወረ ስርዓት ግን፡ ምስ ዝዓረፈት ትንፋስ ከይተረፈ ክከራኸር ሓጥያትን ዒብን ዝስምዖ ስርዓት ኣይኮነን።