Sourceትውልዲ “ኣለና”፡ ኣሎ ከይትብሎ የልቦን: የልቦን ከይትብሎ ኣሎ። 1ይ ክፋል by ኣራራት ኢዮብ on 16 November 201 http://asmarino.com/tig/articles/4056-2014-11-16-01-31-43

ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ከም ኣባል ማሕበር ኣንድነት መጠን ንጃንሆይ ኣገልጊልዎም እዩ። ናይ 1960 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፈሸለ እሞ ኃይለ ሥላሴ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እንከሎ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ እዩ ዓሪፉን ካብኡ ንኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ። ኣብ ኣስመራ ባዕሉ ተድላ ዑቕቢት እዩ ተቐቢልዎ። ሽዑ ዝሃቡዎ ገጸ በረከት ሽጉጥ ክሳብ ዝመውት ኣብ ኢዱ ኔራ ይበሃል። ንሱ እውን ብግዲኡ ንብዙሓት ሰባት ከም ሓላፊ ናይ ፖሊስ መጠን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉኑን ኣሳቕዩን እዩ። ግንከ ኩነታት ሃገር ናበይ የምርሕ ከምዘሎ ምስተረድኦ፡ እሞ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሓገዝ ምስሓተተ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ “በዲልካና ኢኻ” ብምባል ናብ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣሕሊፎም ብምሃብ እቶም ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ባእታታት ሱቕ ብምባል፡ ናብ በይኑ ምኻንን ንባዕሉ ከምዝጠፍእን ተጌሩ። እዚ ሰብ እዚ ግን ካብቶም ካልኦት ዝፈልዮ እንተኔሩ ብቑዕ ሓይልን፡ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ክእለትን፡ ወሳንነትን ዝኣመሰሉ ናይ መሪሕነት ጠባያት ዝነበሮ ውልቀ ሰብ እዩ። ደቅሰብ እንተዝሕግዝዎ ኔሮም እቲ ኩነታት ኣበይ ምበጽሐ ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ኣብ ዓለም እምበኣር እቶም ናይ መሪሕነት ጠባይ ዘለዎም ሰባት ክጠፍኡ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እዩ ዝህሰ። ንኣብነት እዚ ክሳብ ሎሚ ወሪዱ ዘሎ ርግኣት ግብጽን እስራኤልን እቶም ዲቕ ዝበሉ ወተሃደራት ነበር መራሕቲ፡ ኣንዋር ሳዳትን ይስሓቕ ራቢንን ዝገብርዎ ናይ ሰላም ስምምዕ እዩ ንክልቲኡ ኣሕዛብ ጠቒምዎም። እዚኣቶም ክንደይ ረጽምን ዝረኣዩ ግንከ ሕብረተ ሰቦም ምስ ድኽመታቶምን ዝገብርዎን ከይረስዐ ግንከ ናይ መሪሕነት ጠባያቶም ደጊፉ ሰላም ንኸውርደሎም ዝኣክል ደገፍ ስለዝገበረሎም ኣብ መወዳእታኡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላም ክነብራ ኣኽኢልወን። ስለዚ ንንፉዓት ሰባት ምድላው ዝጠቅም ኣይኮነን።

ኣለኹ እናበልካ ከምዘይትህሉ ዝገብር ውድባት ምፍጣር ንባዕሉ ታሪኽ ክሳብ ክንደይ ዝተኣሳሰረን ናይ “ንእስነት ዕዳ” ዘብል ኩነት ከምዝነበረ ይግልጽ። ንእስነት ዕዳ ማለት ኣብዚ ፍሉይ ጉዳይ እዚ፡ ካብቶም ናይ ኣሽሓት ዓመታት ፍልጠትን ታሪኽን ተመኩሮን ዝነበሮም ወለዲ ኣብ ኣስታት 17 ክሳብ 20 ዝኸውን ዕድመ ተፈሊኻ፡ እሞ ኣብ በረኻ፡ ሰብ ዘይፈልጠካ እዝግ’ውን ዝረሳዓካ ቦታ፡ ናይ ባርካን ሳሕልን መሪጽካ ክትነብር እንከለኻ፡ ሓደ ፉሉይ ጠባይ ክትሕዝ ይድርኸካ። እረ እግዚሔር እውን ኔሩ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሓደ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኣወዳት ኣብ ሓንቲ ደሴት ንበይኖም ምስተረፉ ዘጋጠሞም ናይ ጭካኔን ስነ ሰርዓት ኣልቦ ኩነት እንተዝረኽቦም እንታይ ምበልና? (The Lord of the Flies) እዚ ዛንታ እዚ ብሓቂ ሓደ መንእሰይ ወይ ቆልዓ ካብ ሕብረተ ሰብ ወጻኢ ምስዝርከብን ምስዝዓብን ስርዓተ ኣልቦ ክኸውንን፡ ንቡር ክስእንን ናይ ሕውነት መንፈስ ከጥፍእን ከምዝኽእል ተመራመርትን ሓኻይምን በጺሖሞ እዮም። ንዝያዳ ሓበረታ ኣብዚ ተመልከት። ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ ሓደ ጉጅለ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓንቲ ደሴት ንበይኖም ይድሕኑ። ኣብኡ ብዘይ ናይ ወለድን ሕብረተሰብኣዊ ተዓዘብነትን ሓልዮትን ኣመልክቶን፡ ነንሕድሕዶም ክባልዑን ክቃተሉን ክወዳደሩን ክጫኻኸኑን ዘርኢ ናይ ሓደ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኸደ ጉጅለ ክስተት የርኢ።

ትውልዲ “ኣለና” እምበኣር ምእንቲ ዝለዓለ ሽቶ ማለት ነጻነት ኤርትራ ክብል ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ማለት ናይ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕይወት ክጠፍእ እንከሎ ሸለል ብምባሉ ኣብ ተሓታትነት ይወድቕ። ግንከ ንባዕሉ ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከምዝበጽሐን ናይ ምንቅስቓስ ተኽእሎኡ ድኹም ከምዝኾነ ዝሕብሩ ክስተታት ከጋጥሙ እንከለዉ ገለ ገለ ሰባት ክገርሞም ይኽእል። ግንከ ካብ ሓደ ካብ ናይ መንእሰይ ዕድመ ከይዓኾኸ ትኽ ኢሉ ናብ እርጋን ዝኸደ ኣካል እሞ ብዘይ ናይ ዕብየትን ፍልጠትን ተርድኦን ናይ ግዜን ዕድመ ዝህበካ ጸጋን እንታይ ክንጸበ? እዚ ክፋል እዚ እቲ ሕብረተ ሰብ ብልሙድ ዝሓዞም ነገራት ከምዘለዉ ንኽርድኦ ግዜ ይወስድ። ምኽንያቱ ትውልዲ “ኣለና” ብድልድል ናይ “ገድሊ” ነቲ ንቡር ናይ ደቅሰብ ዕድመ ሰጊሩ እዩ ወይ ኣብ ስልጣን ወይ ኣብ ስደት ዝርከብ ዘሎ።

ስለዚ ትውልዲ “ኣለና” ንባዕሉ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ “ኖርማል” ሕብረተ ሰብ ንኽርዳእን ንከረድእን ባዕሉ ንባዕሉ ክመራመር ይግባእ። “ዝገብርስ ነዲኡ ነይነግር” ከምዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ሞት፡ ሕይወት፡ ኣብ ክንዲ ግዳይነት ንጡፍነት፡ ኣብ ክንዲ ብድዐ፡ ትሕትና፡ ኣብ ክንዲ “ኣነ እፈልጥ”፡ መን ኣሎ ካባይ ንላዕሊ እሞ ካብኡ ክፈልጥን ክመሃርን፡ ኣብ ክንዲ ንጽባሕ፡ ንሎሚ፡ ኣብ ክንዲ ንወጻኢ ንውሽጢ፡ ኣብ ክንዲ ንዕቐት ሃገር፡ ክብሪ ንኣቦታትን ኣደታትን፡ ዝኣመሰለ ሱር ነቀል ለውጢ ኣብ ኣመለኻኽታ እንተድኣ ኣምጺኡ፡ እቲ ሕይወት ናብ እንግድዑ ክስቀልን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ክርከብን ይኽእል እዩ። 

 

ናይ ተድላ ዑቕቢት ዘሕዝን ኣማውታ ዘውደ ረታ ኣብ መጽሓፎም


"የኤርትራ ጉዳይ 1941 - 1963" ከም ዘዘንትውዎ ተርጓሚ ሰመረ ገብረ ትንሳኤ Semere.gebre@gmail.com


ኣብ ግዜ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ናይ ኤርትራ ፖሊስ ብእንግሊዛውያን እዩ ዝምራሕ ዝነበረ፡ ኣብ መስከረም 1955 ኣስፍሃ ወደሚካኤል ቺፍ ኤክሰኩቲቭ ምስ ተሸመ ግና ኣብ ክንዲ ኮሎኔል ራይት ናይ ሽሕ ሓላቓ ተድላ ዑቕቢት ንመሪሕነት ፓሊስ ተመዘዘ።
ተድላ ዑቕቢት ኣባል ማሕበር ኣንድነት ብምንባሩ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኣስፍሃ ወልደሚካኤል እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።
ጃንሆይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋናት ጽቡቕ ኣቀባብላን ሓለዋን ስለ ዝገብረሎም ከኣ ተፈተውነት ረኺቡ ክሳብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤተ መንግስቲ ናይ ምዕዳም ክብሪ ረኸበ። ብስም ወዶም ልዑል መኮንን ዝተሰምየት ሽጉጥን ክፍትቲ ናይ ወተሃደር መኪናን ከኣ ከም ሽልማት ተዋህበ።
ኣብ 1962 ጃንሆይ ናብ ኣስመራ ንምብጻሕ ኣብ ዝገሹሉ እዋን ንተድላ ናይ ብርጋዴር ጀነራልነት መዓርግ ክህቡ መዲቦም ብመልክዕ ናይ ኢትዮጵያ ጀነራላት ፖሊስ ዝተዳለወ ክዳን ወተሃደር ሒዞሙሉ መጹ።
ስልማትን ሽመትን ንምሃብ ከኣ ኣብ ኤርትራ ምስሌነኦም ንዝነበረ ጀነራል ዓብይ ዘድሊ ምቅርራባት ክፍጸም ኣዘዙ።
ጀነራል ዓብይ ከኣ ንምኽትሉ ዝነበረ ን ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ትእዛዙ ኣመሓላለፈ። ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ኣብ ኤርትራ ናይ ጃንሆይ ምኽትል ምስሌነን፡ ቺፍ ኤክስኩቲቭ መንግስቲ ኤርትራን ግና እዚ ሽመት እዚ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ኣንጸርጸረ ተቓውመኡ ንጃንሆይ ክገልጽ ከም ከም ዝደልይ እውን ነገረኒ። ኣነ ምስ ሓላፊየይ ብላታ ግርማቸው ተክለሃዋርያት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጃንሆይ ስለ ዝነበርኩ ቢትወደድ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ንዝተሓስበ ናይ ጀነራልነት ሽመት ኣብ ናይ ኤርትራ ምምሕዳረይ ኣይቅበልን እየ ኢሉ ኣንጻር ጃንሆይ ክማጎት ናይ ምርኣይ ዕድል ከኣ ኣጋጠመኒ።
ኣቀራርባን ድፍረትን ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ብምርኣይ፡ ዋላውን እኳ ጃንሆይ ናይ ኤርትራ መራሕ መንግስቲ ንምስዓር ስልጣን ኣይንበሮም እምበር ንኣስፍሃ ወልደሚካኤል ናይ ቢተወደድነት ሽመት ኣግዲፎም ናብ ኣቶነት ከይመልስዎ ፈሪሐ ነይረ።
ኣስፍሃ ተድላ መዓርግ ሽመት ብሪጋደር ጀነራልነት ክወሃብ ከም ዘይግብኦ ንምርዳእ ሰለስተ ምኽንያት ረቑሐ
• ናይ ኤርትራ ናይ ፖሊስ ኣዛዚ ብመዓርግ ኮለነል ንክኸውን ብባይቶ ዝጸደቀ ስለ ዝኾነ፡ ጃንሆይ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ዘየፍቅዶ ኢዶም ብምምላስን ጥሕሰት ብምፍጻም ግርጭታት ዝፈጥርን ንተቓወምቲ ሓይሊ ዝህብን ብምዃኑ።
• ተድላ ካብ መዓርግ ሓላቓ ሽሕ ናብ ኮሎኔል ኣድዪበ ኣዛዚ ፖሊስ ዝገበርክዎ ቅልጡፍ ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ሽመት ጀነራልነት ክድረቦ ስለ ዘይግባእ።
• ግርማውነትኩም ናይ ግድን መዓርግ ብሪጋደር ጀነራል እሰለም ትብሉ እንተ ደኣ ኴንኩም ከኣ መዓርጉ ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ይኸይድ እምበር ኣብ አርትራ ኣየገልግልን እዩ።
ጃንሆይ ብወገኖም ቅድሚ ሕጂ ንኣባላት ባይቶ ንስኻ ዘሎኻሉ ራእሲ፡ ደገዝማቲ ፊተውራሪ ቀኛዝማች እናበልና ክንሸይም እንዶ ኣይጸናሕናን!!! እዚ ደኣ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ?? እዚ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ዋጋ ዘይብሉ ምኽንያት ኢዩ ኢሎም ብሕርቃን ተቓወሙ። ነቲ ነገር ንምርስራስ ጀነራል ዓብይ ንኣስፍሃ ነዚ ነገር ንኣባላት ባይቶ ብጥበብ ከተረድእዶ ኣይምከኣልካን? በልዎ። ጃንሆይ ተቐቢሎም እዚ ናይ ባይቶ ምስምስ ባዕሉ ዝፈጠሮ ነገር እዩ፡ እቲ ጽምብል ሽመት ክጅመር ኣለዎ በሉ።
ኣስፍሃ እቲ ነገር ከም ዘየዋጽኦ ምስ ተረድአ ሰምቢዱ ነዚ ሕቶ የብሉን። ኣነ እሙን ኣገልጋሊኹም እየ። ሓሳበይ ገሊጸ ንኽዛረብ ስለ ዘልመድኩኑኒ ደኣ እምበር ዝቃወም ኣይኮንኩን። ይእዘዝ ኢሉ ሰገደ።
ብድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኮሎኔል ተድላ ተጸዊዑ መዓርግ ብሪጋደር ጀነራል ከም ዝተዋህቦ ተነግሮ። ዝተዳለወሉ ክዳን መዓርግ ከኣ ካብ ኢድ ብላታ ኣድማሱ ረታ ተቀቢሉ ለበሰ። ንጃንሆይ ኣብ ሳእኖም ወዲቑ ምስ ሰገደሎም ብጉያ ሓቝፉ ዝሰዓሞ ንኣስፍሃ ወልደሚካኤል እዩ። እዚውን ዋላኳ እቲ ሽመት ካብ ጃንሆይ ይወሃበኒ እምበር ናብዚ መዓርግ እዚ ንኽበጽሕ ዘብቅዓኒ ኣስፍሃ እዩ ኢሉ ብምእማን ነበረ።
ተድላ ዑቕቢት መዓርግ ብሪጋደር ጀነራል ለቢሱ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ ተደጋጋፊ ኣስፍሃን ኣባል ማሕበር ኣንድነትን ብምንባሩ ዝተሰምዖ ሓጎስ ደረት ኣይነበሮን።
እንታይ ደኣ እዩ ንምውህሃድ ኤርትራ ብዓቢ ታሕጓስ ድሕሪ ምቕባሉ ናብ ርእሰ ቅትለት ዘውደቖ?
ነዚ ብዝምልከት ቁሩብ ኣዋርሕ ድሕሪ ሞቱ ካብ ቢትወደድ ኣስፍሃ ዝረከብክዎ መልሲ ክህበኩም።
"ተድላ ትንፋሱ ዘሕለፈ ብሰሪ ተስፋዮሃንስ እዩ።" ኣስፍሃ ወደሚካኤል
20 ጥቅምቲ 1963 ናይ ፍርዲ ሚኒስትርነት ስላጣን ተዋሂቡኒ ካብ ቤተ መንግስቲ ክወጽእ ከለኹ ናይ ኤርትራ ኣዛዚ ፖሊስ ጎፍ ኢሉኒ ዝሑል ሰላምታ ሃበኒ
እንታይ ደኣ እዩ ጀነራል እንቋዕ ሓጎሰካ ዘይትብለኒ? በልክዎ።
ፈሊጡ ኸሎ፡ እንታይዶ ተረኺቡ እዩ? በለኒ።
ናይ ኢትዮጵያ ንጉሰ ነገስት ናይ ፍርዲ ሚኒስተር ተሸይመ በልክዎ።
እናሰሓቐ ንሕና ኢና ደኣ ሃገርና ዝበልና እምበር ንሳቶም፡ ኣምሓሩ ማለት እዩ ንሳቶም ደኣ ደይ መንበረ ስልጣነይ መንበረ ስልጣነይ እዮም ዝበሉ። ስራሕና ኸኣ ኣርእዮሙና በለኒ።
ከምዚ ዝበለ ቃላት ካብ ልሳን ተድላ ክወጽእ ስለ ዘይተጸብኹ ሰንቢደ ከህድኦ ፈተንኩ። ንምስማዕ ግና ቅሩብ ኣይነበረን። በል እስከ'ባ ነዚ ኣል ራቢጣ ተስፋዮሃንስከ ንስኻ ዶ ኢኻ ምኽትል ምስሌነ ጌርካዮ? ከኣ በለኒ።
ኣንታ ተድላ እንታይ እዩ ወሪዱካ? ወዮ ደኣ ብልሳን ንጉስ ዝዝረብ ኮይኑ እምበር ስልጣን እኮ ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዝወሃብ በልክዎ።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ገዛይ መጺኡ ብህድኣት ኣዘራረበኒ። ንስኻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምቕያርካ ሰብ ሽዋ ዓቢ ጌጋ ገይሮም። ንስኻ ንውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘዐውትካዮን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ዝበለ ተፈታዊ ምዃንካን ጃንሆይ ዝተረድእዎ ይመስለኒ ነይሩ። ተጋግየ። ጃንሆይ ብስልጣን ሰኺሮም እዮም ዘለዉ። ናይ ፈደረሽን ሕጊ ስለ ዝተቐደ ኩሉ ዝተወድአ መሲልዎም ኣሎ። እዛ ሃገር እዚኣ ግና ድሕሪ ሓደ ዓመት ሃገር ኣይትኸውንን ኢያ በለኒ። ከህድኦ ፈቲነ። እንተ ሸጊሩካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጻእ፡ ምስ ጃንንሆይ እውን ከራኸበካ በልክዎ።
እምነትን ትግሃትን ኣብ ኣዒንቲ ሰብ ሽዋ ዋጋ ከም ዘይብሉ ርኢና ኢና። ናብ ኢድ ኣል ራቢጣ ደርቢኹሙና ኬድኩም። ድሕሪ ሕጂ ዘበን ኣል ራቢጣ'ዩ ክኸውን። ሕብረታውያን ከኣ ክጽልምተና እዩ ኢሉ ካብ ቤተይ ወጸ።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምኻደይ ምስሌነን ተድላ ብምትህልላኾም ሰጊአ ነይረ። ግዜ ከይጥፋእኩ ኸኣ ምስ ጀነራል ዓብይ ተራኺበ ተድላ ዝስምዖ ዘሎ ገሊጸ፡ ተድላ ካብ ተስፋ ዮሃንስ ትእዛዝ ክቕበል ከም ዘይደልይ ኣረዲአ፡ ተድላ ንውህደት አርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ኣብርክቶ ዝፈጸመ ስለ ዝኾነ ከምዚ ንዓይ ዝተገብረለይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክቅየር ዘይከኣል እንተ ደኣ ኮይኑ ኸኣ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርኩም ይገበር ኢለ ተማሕጸንክዎ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምቕያር ከም ዘይቅበሎ ኣመልክቱ ዘሎ ጸገም እናፈለጠ ገለ ለውጢ ኣይገበረን።
ተድላ ኣብ ርእሲ ተስፋዮሃንስ ዘለዎ ጽልኢ ኣነጺሩ ኣርኣየ፡ ምስሌነ ኸኣ ተድላ ካብ ዲሲፕሊን ይወጽእ ኣሎ በለ።
ንተድላ ኩሉ ጸልመቶ። ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ዝገበርክዎ ቃልሲ ኣብ ኢድ ጸላእተይ የውድቐኒ ኣይበልኩን እናበለ እውን ኣስቆርቆረ። ፈደረሽን ድሕሪ ምፍራሱ ኸኣ ኣብ ሻብዓይ ወርሑ ሰነ 1963 ርእሰ ቅትለት ፈጸመ።
ኣነ ናብ ጃንሆይ ቀሪበ ተድላ ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመ ንመንግስቲ ክቃወም ኢሉ ዘይኮነ ምስ ተስፋ ዮሃንስ ዝነበሮ ግርጭት ስለ ዝመረሮ እዩ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽቅየር ኢለ ዘቕረብክዎ ሓሳብ እንተ ዘይንጸግ ከምዚ ኣይምኾነን፡ ሕጂ ኸኣ ብመዓርድ ጀነራል ይቀበር ኢለ ለመንኩሉ። ጃንሆይ ግና ተድላ ብዘይካይ በዓል ስልጣን የለን ኢሉ እዩ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ እሞ ኣይከውንን እዩ ኢሎም ተቓወሙ።
ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ኣማውታ ብሪጋደር ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ክልተ ዓይነት ወረ ይንዛሕ ነበረ። እቲ ሓደ ፌደረሽን ብምፍራሱ ጉህዩ ርእሰ ቅትለ ፈጺሙ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ድማ ክኣስርዎ ወተሃደራት ምስ ተላእኩ ቀዲምዎም ነፍሱ ኣጥፊኡ ኢዩ።
ቅድሚ ሞቱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጊናዮ። ዝሰራሕናዮ ኩሉ ጌጋ ኢዩ። ዝብል ቃል ምዝራቡ ተፈሊጡ። ነፍሱ ዘጥፍኣሉ ምኽንያት ምፍራስ ፌደረሽን እዩ ክበሃል ግና ኣይከኣልን።
ካብ ምኽትል ምስሌነ ትእዛዝ ኣይቅበልን እየ ብምባሉ። ን ኣዲስ ኣበባ ተቐዪርካ ኢኻ ምስ ተባህለ። ምስ ዝኾነ ሰብ ምዝርራብ ኣብዩ ቤት ጽሕፈቱ ዓጸወ። እዚ ስጉምቲ እዚ ከም እምቢታ ተቖጺሩ ኸኣ ንኽኣስርዎ ወተሃደራት ተላእኩ።
ኩነታቱ ኣስጊእዎም ግና ዝተኣዘዝዎ ከይፈጸሙ ተመልሱ። ጀነራል ዓብይ ብምድግጋም ብስልኪ ክአዘራርቦ ፈቲኑ ከይተዓወተ ተረፈ።
ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኮሎኔል ከበደ ያዕቆብን፡ ኮሎኔል ዘርእማርያም ኣዛዚን ምስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተድላ ዑቕቢት ክንፈ ተስሃጋብርን ኮይኖም ምዝርራብ ንኽፍትኑ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ከይቀረቡ ብርቱዕ ናይ ተኹሲ ድምጺ ተሰምዐ።
ተድላ ዑቕቢት እቲ
• ንውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባር ብዙሕ ዝጸዓረ
• ንቀዳማዊ ሃይለስላሴ ምስ ፈጣሪ እናኣነጻጸረ ዘኽብር ዝነበረ
• ተቓወምቲ ውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወረጦ እናኣረየን እናቐጥቀጠን እናሳቕየን ዘብረሰ
ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት ዕድሜኡ ሾብዓተ ወርሒ ድሕሪ እቲ ባዕሉ ዝጸዓረሉ ፍርሰት ፈደረሽንን ውህደት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሞተ።
ንርእሰ ቅትለቱ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ተስፋዮሃንስ በርሀ ግና ኣብ ዘበነ ሃይለስላሴ ብምኽትል ምስሌነነት ከመሓድር ኣሕሊፍዎ፣ ኣብቲ ፈለማ እዋን ምምሕዳር ደርግ እውን ንቑሩብ ኣዋርሕ ደኣ እዩ እምበር ኣብ ትሕቲ ሚካኤል እምሩ ከም ሚንስቴር ማዕድን ኮይኑ ኣገልጊሉ ።
ተርጓሚ ሰመረ ገብረ ትንሳኤ
Semere.gebre@gmail.com
https://www.facebook.com/I.Love.U.ol/videos/715904131934979/?hc_ref=ARTVjCcDiiwRkm_DPX3tXQ_McS45qRK8vuGMutkt07fIxKfScH-NTqj3PeCl1VBu8EQ

<
  • ehrea
     
     

                          ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com