ተኽለእዝጊ ኣሻዕል


  · 
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣስመራ
ኣሻዕል ሓደ ዓጽሙ፡ተባዕ ተጋዳላይ፡ባዓል ቤት መኽአ መን እዩ?
ሂወት ንእስነቱ
ተኽለእዝጊ ኣሻዕል ካብ ኣቡኡ ዘርአ ወልደማርያምን፡ኣዲኡ ወይዘሮ ሚዛን ግላሚካኤል ኣብ 1932 ኣብ ኣስመራ ቤት-መኽአ ተወሊዱ፡፡ዕድሚኡ ዋላ እኳ ንትምህርቲ እንተአኸለ ስድርኡ ሓረስቶት ብምንባሮም፡ብቆልዑኡ ኣብ ማሕረስን፡መጓሰ ጥሪትን እዩ ዓብዩ፡፡ድሒሩ ኣብ ናይ ክህነት ትምህርቲ ኣትዩ ፊደል ቆጺሩ፡ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጥላያን ድማ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ በጸሐ፡፡ካብ መዘንኡ ጸለል ዝበለ ጉብዝና ስለዝነበሮ፡ወናን ሓደ ዓጽሚ እዉን ስለዝነበረ፡ኣብ በረኻታት ሕርሻ ቤት መኽአ ምስ ወፈረ ምስ መዘናታቱ ደቂ ዓዱ ቅልስ ገጢሙ ንኽሎም ሰማይ ኣብጺሑ ኣብ ባይታ ይጥቕልሎም ነበረ፡፡
ፈለማ ጉብዝና ኣሻዓል
ኣሻዕል ኣፍላ በጽሒ ምስ ኮነ ኪንዮ ዓዱ ብምስጋር ናብ ኣስመራ ብምእታው ክሳብ ኣባሻዉል፡ጸሃይቱ በራኺ ሒዛቶ ዝነበረት እንዳ ስዋ ብምኻድ እናተባእሰ ኣብ ኣባ-ሻዉል አሻዕል አሻዕል ኣበለ።ጎበዝ ዘበለ ምስ ኣሻዕል ገጢሙ ዘዉድቆ ተሳእነ፡፡ምድሪ ኣይትጽርኒ ይብላ ስለዝነበረ፡ክንደይ ጎበዝ ኣሻዕል ክርእዩ እንከለዉ፡ብሽርጓናታት ሻዉል ተጠዋዉዮም፡እግረይ ኣዉጽእኒ ብምባል፡ብጭራ ቁረጽ ጽርግ ይብሉ ነበሩ ኣሻዕል ከይሕዞም፡፡ኣሻዓል ኣብ ስኑ ፍሉይ ሓይሊ ስለዝነበሮ ክሓርቕ እንከሎ፡ኣስናኑ ሓጨምጨም ከብሎ እንከሎ ገዛእ ሙሉእ ዘሎ ሰብ እዩ ዝሰምዖ ኔሩ፡፡ጥቓ ባር ሊኖ ዝነበረት ቤት ቁርሲ ኣህለን፡ወሳህለን ትባሃል ናይ እንዳ ሓጎስ ኣብአ ኣትዩ ቁርሲ ይበልዕ ስለዝነበረ፡ነቲ ጣዉላ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብስኑ ንላዕሊ የልዕሎ ነበረ፡፡ኣብ እንዳ ባ ሞሻ እንዳ ሻሂ እዉን ነተን በራድ ኣሰንየን ዝመጻ ናአሽቱ ብኬሪ ብስኑ ይቑርጥመን ከም ዝነበረ፡ንሻሓኒታት ቤት ቁርሲ ኣህለን ወሳህለን፡ብስኑ ጌሩ ይቐዶ ምንባሩ እዩ ዝንገር፡፡የእዳዉ ዳርጋ ኢድ ናይ ሰለስተ ሰባት እዩ፡ቀላጽሙ በረኾዳ ኣንበሳ ዝሰብር፡ከም ንፋስ ዝጎዪ፡ጉብዝና ዝተዓደሎ፡ወናን ሕጽብቲ ማዓንጣ፡ፍጹም ድምብርጽ ዘይብሎ፡ኣዝዩ ተባዕ በጽሒ ነበረ፡፡ኣብ ኣስመራ እቶም ኣዝዮም ሓያላት ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ሓምሻዮም ስሙ ዘይረኸብኩ፡አሻዓል ወዲ ዘርአ፡ገብረዝጊ ዓረጅ፡ጸጋይ ቸንቶ፡ጎርዞ፡ሓምሻዮም ሽሙ ዘይረኸብክዎ እቶም ንአስመራ ብሓይሊ ፈጥፈጥ ዘብልዋ ዝነበሩ እዮም፡፡ሓደ ግዜ አሻዓል ቁሩብ ጉብዝ ምስ በለ፡ኣብ ጎዳይፍ ነይሩ ጓይላ፡ክጻወት ኢሉ ምስ ኣተወ ዉዑይ ድማ ስለዝነበረ፡ሓይሊ ፈለማ ድማ ከም ተፊን ፉፍ ፉፍ ስለዘብለካ ኣብቲ ጓይላ መን ከማይ ኢሉ እንዳሳዕሰዐ፡እቲ ጸወታ ብእምብልታ እተሰነየ ጸወታ ስለዝነበረ፡እቲ ደባይ እምብልታ ሒዙ ዝነበረ፡ኣዘንጊዑ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓጺን ኣብ ገጹ ምስ ሃረሞ፡ናይ ሓደ ሸነኽ ገጹ ኣስናኑን፡ኮራርምቱን ረጊፉ ኣብ ባይታ ዘግ ይብል፡፡ኣሻዕል ምስ ደሙ ንቤት-መኽአ እንተመጸ ኣቡኡ ኣቦይ ዘርአ ቁጥዕ ኢሎም፡" ወደይ ወዲ ዘርአ ተሃሪምካ ክትአትዉ ኪድ ዉጻእ ብምባል ሰጎግዎ፡ድሕሪ እዚ እዩ አሻዓል ሃሪሙ እምበር ተሃሪሙ ንኸይአትው ከም መትከል ሒዙ፡ተባአሳይን ሃሪሙ ዝአትው ዝኾነ፡፡ብድሕሪ እዚ እዩ ምስ ባዓል ገብረዝጊ ዓረጅ ዝተላለየ፡፡ትኽ ትንፋስ የዕሩኽ ምስ ኮኑ፡ገብረዝጊ ዓረጅ እዩ ነቲ ዝተሰብረ ኣስናንን፡ኮራርምትን ኣሻዓል ገንዘብ ከፊሉ፡ኣስናንን፡ኮራርምትን፡ዝገበረሉ፡፡ሓደ ግዜ ገብረዝጊ ዓረጅ ንአሻዓል ንምንታይ ሰባት ካባና ይሃድሙ በሎ፡ኣሻዓል ድማ ስለእንሃስዮም እዮም ካባና ዝርሕቁ በሎ እሞ፡ኣስዕብ ኣቢሉ እስከ ኣነን እስኻን ንፈታተን በሎ ኣሻዓል ንገብረዝጊ ዓረጅ፡ሕራይ በሎ እሞ ቅልስ ተፋተኑ፡፡ኣሻዓል ደጋጊሙ ኣብ ባይታ ንገብረዝጊ ዓረጅ ብምስንዳው ግምጥልጥል ምስ ኣበሎ፡ኣታ ሃሲኻኒ ሓቆም እዮም ሰባት ክርሕቁና ስለንሃስዮም እዮም ብምባል ገብረዝጊ ከምዝተዛረበ እዩ ዝዕለል፡፡
ኣሻዓል ዝብል ሳጓ ብኸመይ ወጸ?

ተኽለዝጊ ኣብ ናይ ቅድሚት ጸጉሪ ርእሱ ካልእ ጸጉሩ ጸሊም እንከሎ እተን ቅድሚት ግና ሻሽ እየን ዝመስላ፡፡ንብዕራይ ኣሻዓል ክትብሎ እንተኼንካ ሙሉእ ነብሱ ጸሊም ኣብ ግንባሩ ጻዕዳ እንተልይዎ ኣሻዓል

ትብሎ፡በዚ ድማ ካልእ ጸጉሩ ጸሊም እተን ናይ ቅድሚት ግና ሻሽ ዝመስላ ስቤት ምስ ረአዩ ኣሻዓል ዝብል ሳጓ ኣዉጸእሉ፡፡
ኣብ እዋን ሙሉእ ጉብዝና
ኣሻዓል ወዲ ዘርአ ኣብቲ ጥቓ ዓዱ ማለት ቤት-መኽአ፡እንዳ ሩፉኤል ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ፡በይኑ ኣብ ጽምዋ ደው ምባል ይፈቱ ነበረ እሞ፡ሓደ ግዜ ሓደ ሰብአይ ኣምስዩ በቲ መቓብር ክሓልፍ፡ኣሻዓል ኣቡኡ ኣቦይ ዘርአ ምዃኖም ፈለጠ እሞ፡ኣቦይ ዘርአ ወዲ ወልደማርያም ኢሎም ደንጎላ ኣልዓሉ፡አሻዓል ስሓቐ ወይለይ ኣቦይ ማዓንጣ እባ ኣለኪ እዩ ኢልዎም ናብቲ መቓብር ገጹ ሽርብ በለ፡፡ኣቦይ ዘርአ ድማ ንስኻ ዲኻ ኣታ ርጉም ዘርኢ ብምባል መንገዶም ቀጸሉ፡፡ኣሻዓል እዋን ዘይብሉ ድሕሪ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ኣብቲ መቕብር ኮይኑ ይደርፍ እሞ፡ጥቓ እቲ መቓብር ሓንቲ ኣደይ ሰንበቱ ዝባሃላ ጓል ብዳማ ነበራ እሞ፡ዉላድ ስለዘይነበረን፡ከም ወደን ይፈትዎኦ ስለዝነበራ፡"ኣሻዓል ወደይ እዋን ዘይብሉ እባ ኣብዚ መቓብር ዘወር ኣይትበል ሸይጣን ከይረኽበካ ምስ በለኦ፡ኣደይ ሰንበቱ ማዓረይ ደሓን ኣጆኽን፡ሎሚ ኣብዚ መቓብር እየ ዝሓድር ምስ ሸይጣን ድማ ሕንቆ ብስኖ ክንገጥም ኢና"ኢልዎን ናብቲ መቓብር ኣትዩ ኣብኡ ከም ዝሓደረ ፈለጥቱ የዘንትዉ፡፡
ኣሻዓል ምስ ሓደ ትኽ ትንፋስ ዓርኩ ባዓል ካሮሳ መስተ ስትይ ዉዒሎም ሰኸሩ እሞ፡ኣብታ ዓረብያ ተሰቒሎም እናኸዱ ዋና ፈረስ ብስኻር ተሰኒፉ ስለዝነበረ፡ኣሻዓል ልጓም መንጢልዎ ነዚ ፈረስ ዘዊሩ እንተሓደጎ ማይበላ ሒዝዎም ድርግም በለ፡እቲ ዓርኩ ኣመና ተሃሰየ፡ኣሻዓል ግና ሕንጣጥ ዘይብሉ መሰስ ከምዝበለ እዩ ዝዕለል፡፡
ኣሻዓል ኣብ ኣባ-ሻዉል ኣትዩ ብዙሕ ናይ ዕዉልና ሂወት እናሕለፈ፡ዉባ ወንድራስ ትባሃል ባዓልቲ ስዋ ኣማኒት ነበረቶ እሞ፡ካብአ ሳባ ት ባሃል ጓል ወለደ፡፡ምስ ፋና ወልደየሱስ ትባሃል ኣብ ቤት መኽአ ዝተላለያ፡ብስብእነቱን፡ሓይሉን፡መልክዑን ትፈትዎ ዝነበረት ተላልዩ ሃይለ ዝባሃል ቆልዓ ወሊዱላ እዩ፡፡ንሃይለ ወዱ ኣሻዓል ኣብ ክሳዱ ሓንጊሩ፡ናብ ቪላጆ እንዳ ሳልሕ ጀበሊ እንዳ ድዃን ይወስዶ እሞ፡ብሓይሊ ባኒ ሃቦ እዚ ሃቦ እንዳ በለ ንወዱ የዉህቦ።ካልእ ኣስፔዛታት እዉን ካብ ሳልሕ ሰልዲ ከይከፈለ ብሓይሉ ይወስድ ነበረ እሞ፡ሳልሕ ዓቕሉ ሕንስስ ኢሉ፡ፋስ ኣልዒሉ ናብ አሻዓል ጎየየ፡ኣሻዓል ደው ኢሉ ተጸበዮሞ፡ሳልሕ ነታ ፋስ ዊጥ ዊጥ ኣበላ፡ኣሻዓል ብቕጽበት ነታ ፋስ መንጢሉ፡ነቲ ብልሒ ናይታ ፋስ ትንክፍ ኣበሎ እሞ፡ዋይ ሳልሕ እዛ ፋስ ዳአ ኣይጎዳም እንድያ፡እንካ ኣብሊሕካዮ ጽንሓኒ ክምለሰካ እየ ኢሉ ከምዝኸደ እዩ ዝንገር፡፡
ኣሻዓል ብፍላይ ነቶም ሓያላት ኢና ዝብሉ ንሓፋሽ ዘበሳብሱ ዝነበሩ ስሞም እዩ ዝነበረ፡፡ሓደ ትግራዋይ ዘርአይ ዝባሃል ኣብ ባጽዕ ትስክም ድርብይ ዝሰርሕ ዝነበረ ገዛዉቱ ዕዳጋ ዓርቢ ኣስመራ ነበረ፡ኣብ ባጽዕ እንከሎ ሓደ አሻዓል ዝባሃል ሓያል ኣብ ኣስመራ ተፈጢሩ ኣሎ ምስ ሰመዐ፡ኣስመራ መጸ እሞ ናብቲ ኣሻዓል ዝርከበሉ ቦታ ከደ፡፡እስኻ ሓያል እዩ እናተባሃልካ ተወሪዩልካ እሞ ናዓ ምሳይ ግጠም በሎ፡፡ኣሻዓል ተሰኪሙ ብምዕላው ንየማነይቲ እዝኑ ብስኑ ብምንካስ ቦርቂቑ ኣዉጽአ እሞ፡ምስተሳዕረ ዘርአይ ናብ ፖሊስ ከሲስዎ ክልተ ዓመት ተፈሪዱ፡ማእሰርቱ ወዲኡ ወጸ፡፡
መኩርያ ዝባሃሉ ሓለዋ ናይ ከተማ ኣስመራ ድሕሪ ሕላፍ ሰዓት ዝአስሩን፡ዝሃርሙን ፡ዝርሹኑን ወታሃደራት ነበሩ እሞ፡ንአሻዓል ሓዝዎ፡፡ኣሻዓል ከምዘይምሕርዎ ፈሊጡ ምስ ብረቶም ኮሎዉ ብኢዱ ተሳህሎም እሞ ክምብል ክምብል በሉ፡ብረቶም ኣግዲፉ ንበረኻታት ቤት መኽአ ብምኻድ ኣብ ምቕታል ዓጋዤን ዝናሃል በረኻ ቤት መኽአ ሓበኦ፡፡ብድሕሪ እዚ ተደልዩ ተአሲሩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸጸራት ኣተወ፡፡ኣበይ ሓቢእካዮ እቲ ብረት ኢሎሞ መሪሕዎም ከይዱ ካብቲ ዝሓበኦ ሃቦም፡፡ብድሕሪ እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸጸራት ኣዛዚ 30ኛ ክፍለ-ጦር ኮሎኔል ኣበበ ገመዳ ነዞም ወታሃደራት ሃሪሙ ብረቶም ዘግደፎም ኣርእዩኒ በሎም እሞ ንአሻዓል ኣምጽእዎ፡፡ክዳንካ ኣዉጻአዮ ኢሉ ጥራሕ ዝባኑ እንተራአዮ ገለ ዓይነት ኣካላት ዘለዎ፡ሽዑ እቲ ኮሎኔል እዚ ፍሉይ ናይ ኣንበሳ ሓይሊ ዝተዓደለ እዩ ጽቡቕ ጌርኩም ሓዝዎ ኢልዎም ከደ፡፡
ኣብ 1960 ዓመተ-ምህረት ፈረንጂ፡ዋና ባር ኣመሪካ ዝነበረ ኢጣልያዊ ንሰራሕተኛታት ኤርትራዉያን ዘጋፍዕን፡ዘበሳብስን ኣዝዩ ሕሱም ኢጣልያዊ ነበረ፡፡ሰራሕተኛታት ናብ ኦፍቾ ላቨሮ ጥርዓነን እንተቕረባ፡ኣብኡ ዝነበረ ሓላፊ ጉቦ ይቕበል ስለዝነበረ ካብቲ ዋና ባር ኣመሪካ ጥርዓነን ሰማዒ ሰአነ፡፡እዚ ግፍዒ እዚ ናብቲ ድኻ ክብደል ዘይፈቱ፡ቦቕቧቕ ኣሻዓል ወዲ ዘርአን፡ናብቲ ዓርኩ መጣፍእቱ ዝነበረ ገብረልኡል በጽሐ፡፡ናብቲ ትካሉ ብምኻድ ድዕምስ ድዕምስ ምስ ኣበልዎ ኣብአ እንከሎ ዕጽፍ ኢሉ ወደቐ፡ንሳቶም ሃዲሞም ከዱ፡፡ፖሊስ መጺኦም ኣልዒሎም ነቲ ጥልያን ወሲዶሞ፡ብዓል መን እዚ ተግባር ክፍጽምዎ ከምዝኽእሉ ፖሊስ ጥርጣረ ስለዝነበሮም፡ናብቲ አሻዓል መስተ ዝሰትየሉ ቦታ ከይዶም፡ኣሻዓል ናዓ ትድለ ኣለኻ ምስ በልዎ፡ኣሻዓል ትቕብል ኣቢሉ"እታ ትማል ዝወቓዕናያ ጥልያን ሞይታ ድያ"ብምባል ኢዱ ንመቑሕ ሂቡ፡ምስ ገብረልኡል ናብ ማሕቡስ ኣተዉ፡፡ክልቲኦም ፍቕሪ ስለዝነበሮም፡ገብረልኡል ኣነ እየ ቐቲለዮ ኣሻዓል ኣይኮነን ብምባል ከድሕኖ ፈተነ፡ኣሻዕእል ድማ ኣነየ ቀቲለዮ ገብረልዑል ኣይኮነን ቀቲልዎ ኣነ እየ ቀቲለዮ ንደቂ ዓድና ፋሹሽቲ ኮይኑ ከበሳብስን፡ከጋፍዕን ምስ ራአኽዎ ኣነየ ቀቲለዮ በለ፡፡ምርመራ ተወዲኡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ ንፍርዲ፡ንገብረልኡል ብሞት ክቕጻዕ ፍርዲ ተዋህበ፡፡ንአሻዓል ድማ 25 ዓመት ንማሕቡስ ተፈርደ፡፡ናይ ሽዑ ዳኛ ዝነበረ ዮዉሃንስ ብርሃነ ዝባሃል እዩ፡፡ኣሻዓል ሓሪቑ ዉሒዱ በሎም ነቶም ደያኑ፡ዋላ ይዉሓድ እሱ እዩ ፍርድኻ በልዎ እሞ፡ሞቑሕ ተሞቒሑ እንዳ ወጸ እቶም ፖሊስ ክደፍእዎ ዝፈተኑ በቲ ተአሲርዎ ዘሎ ሞቑሕ ጌሩ ነው ኣበሎም ንድሕሪት ተዓለዉ፡፡ብድሕሪኡ ክልቲኦም ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዓዲ ኳላ ኣተዉ፡፡ገብረልኡል ብዝተዋህቦ ናይ ሞት ፍርዲ መሰረት ሽዑ ንሽዑ ብማሕነቕቲ ቀተልዎ፡፡ኣሻዓል ምሒር ሓዘነ፡፡
ማሕቡስ ዓዲ ዃላ፡ወንጀል ምርመራ ካልአይ መደበርን፡ኣሻዓልን
ፖሊስ ናይ ዓዲ ዃላ ንአሻዓል ብጉልበት ዝዳረጎ ከምዘየለ ምስ ኣስተዉዓሉ ካቦ ናይቲ ሙሉእ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዃላ ገበርዎ፡፡መብዛሕትኦም ቀተልቲ ነፍሲ ኣብኡ ይእሰሩ ስለዝነበሩ ነቶም ፖሊስ ካብኡ ኣይሕለፉ ኢሎም ይሃርምዎም ስለዝነበሩ፡ኣሻዓል ካፖ ምስ ኮነ ባዕሉ እዩ ነቶም ነቶም ቀተልቲ ነፍሲ ካብ ቛሓይን፡ደምበላስ፡ዛይደኮሎምን፡ካልኦት ከባቢታትን ዝመጹ ገበነኛታት ፖሊስ ክሓትዎም ዝደልዩ ካብቲ ዘለዉዎ ባዕሉ ኣሻዓል እዩ ዘዉጽኦም፡ክሳብ ታሓቲቶም ዝዉድኡ ምስ ፖሊስ ደው ይብል፡ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዓመጽ ክገብር ዝፈተነ እሱር ኣሻዓል ብኢዱ እዩ ዝአትዎም፡ኩሎም እሱራት ንአሻዓል ምሒር ይፈርህዎ ነበሩ፡፡
ካብ ዓዲ ዃላ ናብ ካልአይ መደበር ወንጀል ምርመራ ምስ መጸ ሕክምና ክርአ ኢሉ ምስ ሓተተ ተፈቐደሉ እሞ፡ኣብ ግዳም ናይ ፖሎቲካ እሱራት ከም ባዓል ተኺአ በየነ ምስ ራአየ እቲ ሞራሎም ድማ ጽቡቕ ከምዘየለ ተገንዚቡ ከምዚ በሎም፡"ኣትን ደቂ ደምበር ዶ ኒሕ ኣለክን!ከምቲ ዕፉን ከም ሰብአይ ይጭሕም፡ከም ቆልዓ ይሕዘል ዝባሃል ምስላ እምበር ኮንክን፡ናይ ሰብኡት ስራሕ ሰሪሕክን ተአሲርክንሲ ሕጂ ካልአይ ሰለስተ ወርሒ ማሕቡስ ይደግሙና ኣሎዉ ኢልክን ትኹርያ፡ኣነ እኮ እዚ ትርእየኦ ዘለኽን ሰንሰለት ካብ እግረይ ከዉጽኦ ተስፋ ዘለኒ፡ኣጆኽን ሸኻሉ ወይ ወኻሩ ኢልዎም ንሕክምና ከደ፡፡ሓቁ እዩ ኢሎም ሞራሎም መሊሶም ጓይላ ጌሮም ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ እናበሉ ክስዕስዑ እንከለዉ ካብ ሕክምና እናተመልሰ ሰመዖም እሞ፡ሕጂ ሰብኡት ኮንክን ኢሉ እናሰሓቐ ናብ ሸልኡ ኣተወ፡፡እዚ ባዕሉ ተኪኤ በየነ ኣብታ ካብ ሪቕ ሕፍንቲ እትብል መጽሓፉ ጠቒስዎ ዘሎ እዩ፡፡

ምፍታሕ ኣሻዓልን፡ድሕሪ ማሕቡስ ዝቐጸለ ሂወትን
አሻዓል ወዲ ዘርአ 12 ዓመታት ምስ ተአስረ፡ብግዜ ሃይለስላሰ ምሕረት ተገይሩሉ ካብ ማሕቡስ ወጸ፡፡ብዓመተ-ምህረት ክጥቐስ እንከሎ ኣብ 1972 ፈረንጂ ነበረ፡፡አሻዓል ድሕሪ ምዉጽኡ ኣብ ቪላጆ ዝነበረት ቤት-መስተ ምስ ኣተወ ኣምሓሩ ጸንሕዎ እሞ፡ነዚአን በይነይ ገጢመ እንተዘቢጠየን ክጋደል ይኽእል እየ፡ነዚአን ክሃርመን ዘይክእል እንተኾይነ ግን ንኽጋደል ዓቕሚ የብለይን ብምባል ተዛረበ እሞ ብኡ ንብኡ ባዓሉ ንኹሎም ንባእሲ ዓዲምዎም፡ምድረ-ሰማይ ናብ ህንክያ ሃብያ ተቐየረት እሞ፡ህልም ዝበለ ጋሮ ተላዕለ፡ኣዉያትን፡ሜላትን ንላዕሊ ሃመመ፡አሻዓል ንኹላቶም ኣብቲ ባር ሎዃሲስዎም ከደ፡፡ሽዑ በቶም አዘዝቶም ነቶም ቪላጆ ዝነበሩ ወታሃደራት ብለይቲ ኣይትንቀሳቀሱ ሓደ ቀታሊ ነፍሲ ኣሎ ብለይቲ ዝዛወር በልዎም እሞ ለይተ-ለይቲ ካብ ኣምሓሩ ሰላም ትሓድር ነበረት ቪላጆ፡፡ኣሻዓል ነቶም ወታሃደራት ኣብ ባር ምስ ሰባበሮም ሓጎስ ተሰመዖ፡እምባአር ክጋደል ይኽእል እየ ኢሉ ንኽጋደል ኣብ ወርሒ 06/1972 ዓመተ-ምህረት ንሜዳ ወረደ፡፡ግቡእ ወታሃደራዉን፡ፖሎቲካዉን ትምህርቲ ድሕሪ ምቕማስ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ካብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ንፉሉይ ስራሕ ተመሪጹ ከደ።ካልኦት ካብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት ከምኡ ተመሪጾም እዉን መጹ፡፡
ኣሻዓል ከም ፈዳይን
ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነቶም ከካብ ኣሃድኦም ተመሪጾም ዝመጹ ኣኼባ ገበረሎም እሞ፡ኣብ ዉሽጢ ጸላኢ ማለት ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ፈዳይን ክሰርሑ ምዃኖም ምስ ነገሮም፡ኣሻዓል ብታሕጓስ ኣብዚ እነሀልካ ወግዒ፡ዓርከተ!ኢሉ ኢዱ ዓሚኹ ሰለፉ ወቕዐ፡፡ተጋዳላይ ኢሰያስ ዘረብኡ ምስ ወደአ፡ከምቲ ልሙድ ሕቶ ርእይቶ ዘለኩም ኢሉ ዕድል ምስ ሃበ፡ኣሻዓል ትቕብል ኣቢሉ ሃየ ጥራይ እቲ ዝዋሃብ ሃበና ናብ ስራሕና ክንብገስ ብምባል ተዛረበ፡፡ብድሕሪ እዚ ንፉሉይ ታዕሊም ንሰሙናት ናብ ሳቡር-ሰጊ ንከላሽንን፡ቡንባን፡ድምጺ ዘለዎን፡ድምጺ ዘይብሉን ሳይለንሰር ሽጉጥ ብግቡእ ተማህሩ፡፡ክልተ ብዕድመ ዝናአሱ ኣማኒኤልን፡ሓለፎምን ዝባሃሉ ኣባል እዛ ፍልይቲ ጋንታ ኣሻዓል ለይተ-ለይቲ ከም ደቁ ሓቁፍዎም እዩ ዝድቕስ፡ንግሆ ለይቲ ተስእ ታርዛን ብምባል ንክልቲኦም ንኡሳት ሒዙ በረኻ ብምዉሳድ ስፖርት የስርሖም ነበረ፡፡ነዞም ክልተ ንኡሳት ብስሞም ፈጺሙ ጸዊዕዎም ኣይፈልጥን እዩ፡ታርዛን እናበለ እዩ ዝጽዉዖም፡፡እቲ ኣጻድፍ ናይ ዓዲ ንፋስ ናይዛ ፍልይቲ ጋንታ ወይ ሓይሊ መዕቆቢ ዝነበረ ብስም ሳጓ ዘዉጸአሎም ነቶም ንኡሳት እንዳ ታርዛን እንዳ ተባህለ ክጽዋዕ ጀመረ፡፡ፈዳይን ኮይኑ ንኽዓዪ ናብ ኣስመራ ተላእከ፡፡
ፈዳይን ኮይኑ ኣብ ኣስመራ ብዙሕ ዕዮታት ይሰርሕ ኔሩ፡፡ሓደ ግዜ ንሓወልቲ ኢተገመነን ንምዕናው ኣርብጂ ሒዞም ኣትዮም፡፡ነታ ኣርብጂ እዉን ሒዝዋ ዝነበረ፡ኣሻዓል ነበረ እሞ፡ክወቕዕዋ ተኪሶም እንተሓደጉ፡ኣርቢጂ ዓኪሳ ቂም ኢላ ኣበየቶም፡ብጾቱ ብአንጎሎታት ሃደሙ፡ኣሻዓል ግና ነታ ኣርብጂ ሒዙ ብማእከል ጽርግያ ከደ ብጾቱ ናዓ ካብ ማእከል ጽርግያ ተአለ፡ ጸላኢ ከይረኽበና በልዎ እሞ፡እታ ሓወልቲ ዘይምዕናዋ ሓሪቑ ስለዝነበረ ኪዱ እስኹም ኣነ ከርክበኩም እየ ኢሉ ኣብ ዓዲ ንፋስ ከም ዘርከቦም የዘንትዉ፡፡ሓደ እዋን እዉን ኣብ ዓዲ ንፋስ ክበጽሑ ኣምሓሩ ኣድብዮም ይጽበይዎም ነበሩ፡ቆልዑ ዓዲ ንፋስ ንአሻዓል ዝፈልጡ፡ኣቦይ ኣሻዓል ኣምሓሩ መጺኦምኹም ኣለዉ ምስ በልዎም፡መንገዲ ቀይሮም ካብቲ ድብያ ከምዝዳሓኑ እዩ ዝዕለል፡፡ዝተፈላለየ ስርሒታት ምስ ብጾቱ ኮይኑ ምስ ዓመመ፡፡ኣሻዓል ኣባል እታ ብደቂ-ኣራዎት እትጽዋዕ፡ንጸራ ሰዉራ ዝኾኑ እትቕንጽል ዝነበረት ጉጅለ እዩ ኔሩ፡፡ንአሻዓል ወረቐት መጸቶ እሞ፡ካብ 06 ናብ ኣባል ሓለዋ ሰዉራ ከምተቐየረ ተነግሮ፡፡ብድሕሪ እዚ ዳዊት ፍሳሃየ ወዲ ፖሊስ ክልተ ዓይኑ ተሃሪሙ ኣብ ሳሕል ምስ ረኸቦ፡ጉህዩ ኣታ ወዲ ፖሊስ ክልተ ዓይንኻ እንተዓዊርካ ብጥይት ነብስኻ ዘይትቐትላ ምስ በሎ፡ዝሓዊ መሲሉኒ ኢሉዎ ወዲ ፖሊስ ተታሓሒዞም ናብ ሰሓቕ ኣተዉ፡፡ንንጥፈታት ፈዳይን ብዛዕባ ኣሻዓል ዝምልከት ብዝርዝር ኣብ ደቂ-ኣራዊት እትብል ብዳዊት ፍሳሃየ እተጻሕፈት ስለዘለኩም ንዕኡ ምዉካስ ይካአል፡፡
ካብ ናይ ፈዳይን ሂወት፡ናብ ሓላፊ ጨንፈር ምሩኻት

አሻዕል ኣብ ፍልፍል ኣቡሕቴት ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ ሰዉራ እንከሎ፡ብበርሀ ጻዕዳ ረድዮ ተገብረ እሞ፡ኣሻዓል ኣባላቱ ሓደ 30 ዝኾኑ ሒዙ ንዝባን ክድይብ ትእዛዝ ተዋህቦ፡፡ምስ ቦጦሎኒ ሰለስተ ናይ በርሀ ጻዕዳ፡ኮሚሽነር ናቱ ድማ ስብሓት ኤፍሬም ኮይኖም፡ንአብ ሃብረንጋቓ ዝዓረደ ጸላኢ ክድምስስዎ ተበገሱ፡ከም ዉጥኖም ድማ ንጸላኢ ሓመድ ገበርዎ እሞ፡ሓደ 51-52 ዝኾኑ ምሩኻት ኣምሓሩ ማረኹ፡፡በርሀ ጻዕዳን፡ኣሻዓልን ኣብታ ኣብ ሃብረንጋቓ እትርከብ ቢንቶ ነቶም ኣምሓሩ ኣብአ የእተዉዎም፡ወዲ ኤፍሬም እንታይ ክገብሩ ከምዝደለዩ ስለዝፈለጦም፡እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ኣታ ምስ በሎም፡ፈሊጡና ኢሎም ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ፡ወዲ ኤፍሬም ትቕብል ኣቢሉ፡ዝሓሰብኩሞ ፈሊጠዮ እንዴ፡ዕላማ ዉዱብና፡ናይ ኲናት ምሩኻት ብአጋባብ ምሓዝ እዩ፡እዚ ክትገብርዎ ዝሓሰብኩም ናይ ዉድብና ዕላማ ኣይኮነን ምስ በሎም፡ኣሻዓል ከምዚ በለ፡ባዓል እስኻ ቅድሚ ሜዳ ምዉራድኩም ገዛ ሙሉእ መጻሕፍቲ ኣንቢብኩም ዝወጻእኩም ኢኹም በሎ እሞ፡ምስ በርሀ ጻዕዳ ተታሓሒዞም ከዱ፡ወዲ ኤፍሬም ንኻልኦት ታሕተዎት ሓለፍቲ ትእዛዝ ብምሃብ፡ነቶም ምሩኻት ናብ ዝተዳለወሎም ሓለዋ ሰዉራ ሳሕል ከም ዝኸዱ ገበረ፡፡ኣሻዓል ኣብ ከረን እንከሎ ወዲ ሓፍቱ መብራህቱ ዮሴፍ ወይ ጆን ካርሎ፡ካብ ማሳዋ ኲናት ስለዝኾነ ናብ ከረን ምስ ከዱ፡ንአሻዓል ረኸቦ እሞ፡ኣሻዓል ቀዳመይቲ

ሕትኡ ኣቦኻ ኣበይ ኣሎ በሎ፡መብራህቱ ተቐቢሉ፡ኣቦይ ሓፋሽ ዉድባት ኢኻ ኢሎም ኣሲሮሞ በሎ፡፡ኣሻዓል እሞ እንታይ እዩ መደብካ በሎ፡መብራህቱ ክጋደል ኢለ መጼ ግና መሊእና ኢና ኢሎምኖ፡ኣሻዓል ትቕብል ኣቢሉ መን እዩ ከምኡ ዝብለካ፡እስከ ናዓናይ ኢሉ ወሰዶ ናብቲ ዝምዝግብ ዝነበረ፡፡ከምዚ ድማ በሎ፡እዚ መጺኡካ ኔሩ ዶ በሎ፡መዝጋባይ እወ መጺኡ ኔሪ በሎ፡ኣሻዓል ቁጥዕ ኢሉ፡እዚ ሕነ ኣቡኡ ዘይፈደየ ዳአ መን ክፈዲ መዝግቦ በሎ እሞ፡እቲ መዝጋባይ ሕራይ ኢሉ መዝገቦ፡ጆን ካርሎ ድማ ንታዕሊም ከደ፡፡
ኣብ ሕሽክብ
ኣሻዓል ኣብ ሕሽክብ ቤት ጽሕፈት ብምሓዝ ከም ሓላፊ ጨንፈር ሓለዋ ሰዉራ ኮይኑ ክዓዪ ጀመረ፡፡ምሩኻት ብአተሓሕዝኡ ይግረሙ ነበሩ፡፡ለዉሃት ዘለዎ፡መሃሪ ብዝኾነ ኣጋባብ ይመርሖም ስለዝነበረ ኣብ ልዕሊኡ ክብሪ ነበሮም፡፡መደረ ክገብር እንከሎ ብትግርኛ እዩ መደረ ዝገብር፡ነቲ ዘስምዖ ዘረባ ድማ ብአምሓርኛ ተርጉሙ ዘቕርቦ ካልእ ተጋዳላይ ኣሎ፡፡ንአብነት ኣብ 1979 ሓንቲ ሰበይቲ ብረት ዝተዓጥቀት ኣርሆ ምስ ካልኦት ኣምሓሩ ኣብ ማዓሚደ ተማረኸት እሞ፡ኣሻዓል እንታይ ከም ዝገብራ ጨነቖ፡፡ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክትቕመጥ ስለዘይትኽእል፡ሓኪም ናይቲ ሓለዋ ሰዉራ ዝነበረት ፋና ብምጽዋዕ እታ ምርኽቲ ኣምሓረይቲ ዘዉዲቱ ዝስማ ምስአ ዋላ ጸብሒ እናሰረሐትን፡ቅጫ ንሕሙማት እንዳቐጭቐጨት ምስአ ክትቕመጥ ሓተታ፡ፋና ፍጹም ኣይደልያን እየ ብምባል ሓንገደት።ኣሻዓል ዋላ እኳ ንፋና ሓላፊአ እንተኾነ ከገድዳ ግን ኣይደለየን፡፡እታ ምርኽቲ ዘዉዲቱ ግን ንአሻዓል ክትርኢ እንከላ፡ለዋህ ምዃኑ ፈሊጣ ትበኪ፡ደጊሙ ንፋና ጸወዓ እሞ፡ከም ሓላፊ ዘይኮነ ከም ብጸይቱ በጃኺ ኢሉ ለሚኑ የእመና እሞ ፋና ሕራይ ኢላ ንዘዉዲቱ ምስአ ክተቐምጣ ጀመረት፡፡ንሕሙማት መግቢ ብምስራሕ ተገልግል ነበረት፡፡ንአባላት ሓለዋ ሰዉራ ድማ እዞም ምሩኻት የሕያዎት እዮም፡ማአስ ትሕልዉዎም ኣለኹም ብኽቢ ሓጹር ተኸቢቦም ዘይባዕሎም እዮም ዝሕለዉ ዘለዉ፡ኤርትራዊ እንተዝኸዉን ኣብዚ ክቢ እዚ ሓደ ለይቲ ኣይምሓደረልካን፡ኣይትህረምዎም ብግቡእ፡ብኽብረት ሓዝዎም ብምባል ይምዕዶም ነበረ፡፡ኣብ 1981 ኣቢሉ ንዘዉዲቱ ምስ ካልኦት ኣምሓሩ 30 ዝኾኑ ናብ ዓዓዶም ሰደድዎም እሞ፡ናብ ዓዳ ምስከደት ዘዉዲቱ ተራ ናታ ኣዝዩ ልዑል ነበረ፡፡ዝኾነ ዝተማረኸ ወታሃደር፡ኣፍልጥኡ ብዛዕባ ሻዕብያ ምስ ተሓተ፡ዘዉዲቱ እያ ሻዕብያ ስልጡናት እዮም ኣይቐትሉኻን እዮም፡ኢድካ እንተሂብካ ምሂሮም፡ሓብሒቦም እዮም ዘፋንዉኻ ብምባል ከም ካድር ናይ ህዝባዊ ግንባር ኮይና ክትሰርሕ ጀመረት እሞ፡ዘዉዲቱ እያ ነጊራትና እናበሉ ብብዝሒ ኣምሓራ ኢዶም ዝሃቡ ስማ እናልዓሉ ይጠቕስዋ ነበሩ፡፡ኣሻዓል ዉድብና መንግስቲ ኣኺላ እያ፡ኩሉ በብኽእለቱ ከምዝሰርሕ ጌራቶ፡ዘረባ ዝኽእሉ ነቶም ፖሎቲከኛታት ማለቱ እዩ ብዘረባ፡ነዞም ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ድማ ብዓቕሞም ከምዝሰርሑ እዩ ዝገብር ዉድብና፡በቃ መንግስቲ ኣኺላ ይብል ነበረ፡፡
ጓል ዝደፈረ ኣብ ገድሊ ኸ?
ጓል ኣንስተይቲ ምድፋር ኣብ ሜዳ ከም ዓቢ ገበን ይረአ ስለዝነበረ ናብ ኣሻዓል እዮም ዝመጹ ኔሮም ክቅጽዑ ተጋደልቲ።ሓደ ንሓንቲ ተጋዳሊት ዝዓመጸ ናብ ኣሻዓል ኣምጽእዎ እሞ፡እቶም ኣባላቱ እንተመርመርዎ ፍጹም ኣይዋዓልክዎን ኢሉ ሓንገደ፡፡ኣባላት ሓለዋ ሰወራ ንአሻዓል መጺኦም ኣብዩና ኢሎም ሓበርዎ፡፡ኣምጽእዎ እስከ በሎም እሞ፡ኣምጽእዎ፡ኣሻዓል እጅግኡ ክስብስብ ምስ ራአዮ፡ከይተንከፍካኒ ኣሻዓል ዉዒለዮ እየ ከምዝበሎ ይገልጹ፡፡
ኣሻዓል ከም ሓላፊ ጨንፈር ምሩኻት ኮይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ብጾቱ ዘፍቕር፡ዓመጽ ዘይፈቱ፡ፍትሓዊ ዝኾነ ኣመራርሓ ዝኽተል፡ኣዝዩ ተባዕ፡ኣብ ሰዉራ ምስተሰለፈ ባእሲ ዝባሃል ፈጺሙ ዝገደፎ፡ዕሉም መራሒ ነበረ፡፡ሓሶት ፍጹም ይፈትዉ ኣይነበረን፡ዋላ ኣዀባ ዉዒሉ፡ብጾቱ ከመይ ከመይ እኼባ ወዓለ ክብልዎ ከለዉ፡ዋላ ዘረባ ሂቦምና ዘረባ ሂብናዮም ብምባል እዩ ንዝመጾ ሕቶ ምላሽ ዝህብ፡፡ንጓሉ ክርእይ ንሱዳን ኣብ ዝኸደሉ፡ጓሉ እንተረአያ ልክዕ ንዕኡ እያ ትመስል፡ኣዝያ ምልክዕቲ ጓል ኮይና ጸነሐቶ፡ቴብ ዓዲጋ ሂባቶ፡ቴብ ሒዙ ንሜዳ ምስ ኣተወ ጓልካ ከመይ ጸኒሓትካ ምስ በልዎ፡ልክዕ ናዓይ ትመስል ቀሺ ተጋጊ ኢሉ ከም ዘስሓቖም፡፡ብድሕሪ መስዋእቱ ጓሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ኣብ ሱዳን መጺአ ንሓኪም ሓለዋ ሰዉራ ዝነበረት ፋና ገብረሂወት ረኺባ ናብ ኣቦይ ክዳን ተማልእለይ ኢላታ፡ፋና ሕማቕ እናተሰመዓ ኣቦኺ ካባና ኣርሒቑ ኣሎ ክዳዉንቲ ምሳኺ ይጽናሕ ኢላ ተፈልያታ፡፡
ገዲም ተጋዳላይ ተኽለዝጊ ዘርአ ብዕለት 30-05-1985 ኣብ ሕሽክብ ተሰወአ፡፡
ነዚ ጽሑፍ ንኸዳልው ዝተሓጋገዙኒ፡ወዲ አሻዓል ሃይለ ተኽለዝጊ፡ኣቦይ ሓጎስ ገብረስላሰ፡ተጋዳሊት ፋና ገብረሂወት፡ሌተናል ኮሎኔል ተኽለ ገብረአምላኽ፡ሙሉጌታ ወዲ ጎቦዛይ፡መብራህቱ ዮሴፍ ጆን ካርሎ፡መድሃኔ ወዲ ሓፍቲ፡መጻሓፍቲ ደቂ ኣራዊት ብወዲ ፖሊስን፡ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ናይ ተኪኤ በየነ ስለዝተወከስኩለን ኣዝየ የመስግን፡፡
ኤፍሬም ካሕሳይ ኳዳ
ዕለት፡23-09-2022
ኣስመራ