ኣደቡሓ ኣብ (ሃዋሳ) ክድገም !

Posted on March 6, 2012 by http://assenna.com/ኣደቡሓ-ኣብ-ሃዋሳ-ክድገም/

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራሲን ለውጥን

  ሓጺር መግልጺ ዳግማይ ኣደቡሓ፡

ኣቐዲመ ነቲ ዝተገብረና ክብርን ልግስን፡ ብህዝቢን ብመንግስትን ኢትዮጵያ ከመስግን ይፈቱ፡ ዝተገብረ ኣገባብ ጭዉነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ምቕሉልነትን፡ ትሕትናን፡ ፍቅርን፡ ፍሽኽታን፡ ንኸተመስገን ቃላታት ዘይርከቦ ሕውነት ዝመልኦ ብምንባሩን መሰታ ዘይብሉ ከበሬታ ንኣንበብቲ ክገልጽ ይፈቱ፡ ናይ ሕዝቢ ሃዋሳ ጉባኤ ተፈጺሙ ክንወጽእ ከሎና፡ ብጣቓዒትን ዕልልታን ኣፈነዉና፡  ኣመስጊነ ንኣመስገንቲ ከመሓላልፍ  ታሪኻዊ ስል ዝኾነ።

ባይቶ ኣብ ሃዋሳ ኣቑምና ክንመጺእ ከለና ምእንቲ ሓድነት፡ ሞራል ከየውድቕ ህዝብና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ጉዕዞ እናተኣረመ ክኽይድ ይኽእል ይኸውን፡ ብማለት ኢና “ጨጓሩ ንውሽጢ” ጌርና ዝመጻእና፡ እንተኾነ ካብ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን፡ ኣዳላውቲ ጉባኤ ናይ ህዝብና ሚዛን ዘይሓለወን ብዞና ኮነ፡ ብሃይማኖት፡ ዘይድለየካ ሕቶታት ዘልዕለልካን፡ ኣብ ዘየድሊ ጥርጠራታት ዘእቱን እዩ ነይሩ።

ኣባላት ኪዳን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይኖም ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ድዮም ዝቃልሱ ዘለዉስ ወይስ መነባብሮኦም እዮም ዘጣጥሑ ዘለዉ? ሕጂ ድማ ኣብ ክንዲ መግዛእቲ ህግደፍ ንገደል ዘጽድፉ ከድሕንዎ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ይመስሉ።

ጉባኤ ሃዋሳ ብሹድሽተ ኣባላት ኪዳን ዝተወነነ ነበረ፡ ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዞም ሽዱስተ ዉድባት ኪዳን ንሓደ ወርሒ ክነዋሕ ዝገበሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ንድፊ ጉባኤን፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶን 127 ክኸውን፡ ፈጻሚ ሽማግለ 21 ክኾኑ፡። 4 ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኽህልዋ ከም ዘለወን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝወዲእዎ፡ ቅዲሚ ሓደ ሰሙን ምስ ካብ ወጻኢ ኪዳን፡ ውዕል ንኽገብራ ሓቲተን ከምዝነበራ ብጭብጢ ዝረጋገጽ እዩ። ኣቐዲሞም ንጉባኤ ዝኸዱ ሰሚዖሞ ምንባሮም ዝዝከርዩ።

ኣብ ሃዋሳ ዝተረኽበ ጉባኤኛ ቁጽሩ 594 ነበረ፡ ብሃይማኖት ኣስማት  እስልምና 70% ክኸውን እንከሎ፡ ኣስማት ክርስትና ድም 30% እዩ፡ ብስም ህዝቢ ዝመጸ ድማ ካብ 30% ንታሕቲ እዩ ክባሃል ዝካኣል፡ ህዝቢ ማለት ዉድብ ዘይብሉ ማለትዩ። ዉድባት ዝወከሉን፡ ብስም ህዝቢ ተባሂሎም ዝመጸን ዉድብ ዘለዎም ድማ 70% እዩ፡ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ኣይረሓቅኩን።

ሓፈሻዊ መግለጺ ጉባኤኛ ብብዝሒ ኣባላት ዉድባት እዮም ክትብል ግን ሓቂ እዩ፡ ብስም ህዝቢ ዝመጻእና ኢሎም ድማ ክምድሩን፡ ክዘርጉን፡ ክምጉቱን ተራእዩም።

ኣንባቢ ዝርዝሩ ተዓዘብ፡

1.     ኾምሽን ኣብ ኣዋሳ ጉባኤኛ ምስ ተኣከበ እንኳዕ ብሰላም ኣብ ኣብዚ ኣብ ቅዓና ድሕሪ ምባል ጉባኤ ተኸፍተ፡ እዚ ተኣኪቡ ዘሎ መልክዕን፡ ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝመስልን ዝውክልን እዩ ኢላ ገለጸት።

2.     ብግቡእ ድማ፡ ናይ ሓድ ዓመትን ፈርቃን ጸብጻብ ኣየቕረበትን ቀጺላ ባዕላ ንዝፈጠረቶ ሕማም ናይ ኣቶ ዳናኤል ተወልደን፡ ኣቕሪባ ናብ ዕንክሊል ከትእቱ ጸዓረት።

3.     ኮሚሽን፡ ኣጀንዳ ኣብዘይ ሓላፍነታ ኣቕረበት፡ ተቓውሞ ንኮምሽን እኳ እንተነበረ ብዕብጥብጥ ኣሕልፈቶ።

4.     ሰክረታርያ ንኽትቀውም ድሕሪ ምክታዕ ቁጽራ 27 (ዕስራን ሸውዓተን) ተወሰነ።

5.     ሰክረታርያ ምስ ተመርጸት መልክዕን ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ  ዘይተሓለወ ነበረ፡ ሓሙሽተ ናይ ክርስትና ስም ዝሓዙ፡ ዕስራን ክልተን ድማ ስም እስልምና ዝሓዙ ኮይና ተመርጸት።

6.     ሕቶ፡ ብኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ራድዮ ኣሰና ቐረበ “እዛ ሰክረታርያ ከምቲ ብኮሚሽን ዝተነግረና፡ መልክንዕን ሚዛንን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ሰክረታርያ ንርኢ የለናን….” መልሲ ኣይተዋህቦን።

7.     ብድሕሪዚ ምጉርምራምን ቲሒም ቲሒምን ቀጺሉ መልክንዕን ሚዛን ህዝብና ኣይተሓለወን ምስ በዝሔ፡ ኣባልት ኪዳን ቀልጢፎም ንኮሚሺን ወቐሳኦም ዘርግሑ…… “እዛ ኮሞሽን ዘይግባእ ጌራ ብብዝሒ ሰባት ካብ ሱዳን ስለ ዘምጽኤት ሚዛን ስለ ዘይተሓለወ ….ኣብቲ ዝመጽእ ምሕራይ ኣባላት ባይቶ ብብዝሒ ክርስትያን ካብ ኣመሪካን ኤውሮፓን ኢትዮጵያን ክኣትዉ ኣለዎም…ሚዛን ህዝብና ክሕሎ ኣለዎ.”( ሑሰን ከሊፋ፡ በሺር ኢስሓቕ፡ ተወልደ ገብረስላሴ…ተዳሙ ንምጥቃስ)።

8.     ለባማት፡ ሽማግለታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዘለዉሉ ህዝብና ንብዙሕ ዘመናት ብሓደ ዝነበረዩ፡ ሕጂ ድማ ተኻባቢርካ፡ ተካኣኢልክን፡ድኣ ምበር ክምዚ ንርእዮ ዘለና ኣይጽቡቕን፡ በብወገና ንሕሰብን ንመኻኸርን ዝብል ኣባታውን ለባምን መተሓሳሰቢ ፈልፈለን ተነዝሔን።

9.     ኣባላት ሰሜን ኣመሪካ ፍሉይ ኣኼባ ገበሩ፡ ሰለስተ ሽማግለ ኣውጺኦም፡ ርእይቶን ለበዋን፡ ንኹሎም ኣባላት ኪዳንን ንዘይኣባላትን ከምዚ ዝስዕብ ኣቕረቡ፡ ኣብዚ ዝመረጽ ባይቶ 25 መንበር ብስም ህዝቢ ክወሃብ።  ምኽንያቱ ድማ፡1. ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዙሕ ህዝብና ተጣራጠርን ናይ ህግደፍ ሰዓብን ስለዘሎ ናብ ደምበ ተቓውሞ ከንምጽኦ የኽእልና 2. መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓዎሞ እምነት ክሕድር የቃልጥፎ 3. ካብ ሰሜን ኣመርካን ከምኡ ድማ ካብ ኤውሮጳን ኣውስትራያን ማእከላይ ምብራቕን ክንድኦም፡ ብትምህርትን፡ ተመኩሮን፡ ክእለትን፡ ክርከቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ነዚ ባይቶ የሔይሎን የምዕብሎን ኢልና ንኣምን።

ዝብል ምስቀረበ “ኣመሪካ ወርቂ ዝኾነ ሓሳብ ኣቕሪቦም ተባህለ”

እዚ ግን መጠበሪ ኾይኑ ረኸብናዮ።

10.                       ጉባኤ ተወዲኡ ኣመዳዳብ መናብር እትምድብ ሓንቲ 17 ዝኣባላታ ሰክረታርያ ተመርጸት፡ እዚኣ የማናይ ኢድ ናይ ኪዳን እያ፡ ኣከራኻሪ ነጥቢ ኣምጽእት፡ 60% ንዊድባት 40% ንህዝቢ ኢላ መጎተት፡ ድሕሪ ላዕልን ታሕትን 52%ንዊድባት=66 መናብር 48% ንህዝቢ ድማ 61 መናብር ተመደበ፡ ኣንባቢ ልቢ ግበር፡ ካብዘን 61 መንብር 20% ንመንእሰያት 20% ንደቂ ኣንስትዮ 10% ንሲቪክ ማሕበራት ዝተረፈ ድማ ንህዝቢ ውድባት ዘይብሎም ተባህለ።

11.                       ሰሜን ኣመሪካ 13 እዩ ዝተዋህባ እንተኾነ ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ካብ ሱዳን ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ሓደ ንኣመሪካ ተዋህበ 15 ኮነ፡ ካብዚ ስዒቡ ብኸምዚ ተምቃርሔ።

12.                       ካናዳ ሓሙሽተ (5) ሒዞም ከዱ፡

13.                       ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USA) ድማ 10 ተዋህባ፡ ካብዚኤን ዲማ 20% መንእሰያት 2 መንበር ወሰዱ፡ 20% ደቂ ኣንስትዩ 2 መንበር ወሰዳ (ንሳተን ከኣ ናይ ዉድባት እየን)፡ 10% ዝተመደበ ድማ ንሲቪክ ማሕበራት እዩ፡ ናይ ሲቪክ ማሕበራት ወከልቲ ኣብቲ ምርጫ ክኣትዉ ንሕጸ ምርጫ ተሓጽዩ፡ እንተኾነ ወከልቲ ሲቪክ ማሕበራት የቐንየልና፡ ንሕና ኣብዚ ኣይንምረጽን ኢና ኢሎም ወጹ፡ ከምቲ ዝተመደበሎም ንዝደለዩዎ ሰብ መሪጾም ወካሊኦም ክሰዱ መሰሎም እዩ፡ በቲ ዝተመደበ (11/2) ሓደን ፈርቃን መንበር ንስቪክ ማሕበራት ካብ ሰሜን ኣመሪካ መንበር ናታቶም እዩ።

ብ4 መጋቢት 2012 ኣቦ መንበር ባይቶ ንደሞክራሲን ለውጥን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሲቪካዊ ማሕበራት ወኪል ክም ዘደስክሉ ተኣወጀ፡

መጀመርያ ከመይ ጌሮም ንሲቪክ ማሕበራት ተቐበሉ? ቀጺሎም ሕጂ በየናይ ሕጊ እዩ ንሓደ ኣባል፡ ካብ ባይቶ ከደስከሉ ኣዋጅ ዘውጽኡ? መን ከ እዩ ሓልፍነት ዝሃቦም? ብቕዓት ኣልቦ’ዶ ኣየምስሎምን?

1. ኣቦ መንበር ጸጋይ ዮሃንስ ኮነ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃነ መን ሓልፍነት ዝሃቦም እዩ ከይ ኣጻረዩ ከደስክሉ ዝወሰኑ? ባይቶ’ውን ከደስክል መሰል’ውን የብሉን ከደስክል ከኣ ኣይክእልን እዩ።

ሲቪክ ማሕበራት ናይ ሰሜን ኣመሪካ 10% ክውሃቦም ከሎ ኣበይ ኣለዉ

ኣይባሃልን ድዩ ወይስ እንኳዕ ተረስዑ፡ ንሕና’ውን ኣይንደልዮምን ማልት ድዩ? ኣበይ ኣተወ ናይ ሲቪክ ኣባላት ወኪል ዘየብልስ እንታይ ኣሎ፡ እቲ (1 ½) መንበር ናበይ ኣበለ? ብጽሒቱ ንመን ይምድቡ ንዓኣቶም ይምልከት።

2. ባይቶን ፈጻሚትን መምርሒ ካብ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ (ዓሊ ሳልም) ከማኡ ድማ ካብ ዉድብ ሳግም ወሲዶም ንዝብል ዘረባ ብከመይ ክንጸግ ይኽእል?

3. ኣቶ በሽር ኢስሓቅን፡ ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪክ ማሕበራት ስለዘይፈትዉዎን ድዩ ኣቶ ጸጋይን ዶር ዩሱፍን ንባሎም ከደስክሉ ተገዲዶም? ኣየ ብኸምዚስ ኣስመራ ደኾን ይእቶ ይኸውን?

4. ንምዃኑ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣንፎቱን ዕርበቱን እናሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ንገደል ዘጽድፍዎስ፡ ከድሕንዎ ዝመጣጠሩ ኮይኑ ይረ ኣየና? ስለምንታይ እዚ ኹሉ ሸበድበድ ኣብ ዘይሰዓቱ?

ሕዝቢ ኤርትራ ጸገምካ ገና ኣይተውዲኤን ዘሎ፡ ልቢ ኢልካ ተዓዘብ፡ እዞም ዉድባት በዞም ዝስዕቡ ዝምርሓ ትሕዝቶኤንን ዕላምኤንን  ደጋጊምካ ተመልከቶ፡ ንረብሓኤን ድየን ዝቃለሳ ዘልዋስ ወይስ ንህዝቢ? ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቀጺሉ ሓንጎሎም ብዘበን ኣድቡሓ ጥራይ ዝሓስብ ኮይኑ ይራኣየና።

ኣስማት ገበርትን ሓደግትን ኣብዚ ባይቶን ተመልከት፡

1. በሺር ኢስሓቅ

2. ተወልደ ገብረስላሴ

3. ኣድሓኖም ገብረማርያም፡

4.ሑሰን ከሊፋ

5. ሸንገብ

6.ቱርኪ

 

እዞም ሓለፍቲ እዚኣቶም ልቢ ኢልካ ተኸታተሎም ተመልከቶምን፡

ጉባኤ ኣደቡሓ ብ1969 ዝተገብረ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ፈሊጥካ ንኽትመራመር ይላቦ! ከመይ ነይሩ፡ ውጺኢቱ ድማ ብኽመይ ተዛዘመ።

ከምቲ ቐዳማይ ንክኸውን ኣይምነይን፡ እንተኾነ መንገዱ ናብኡ ገጹ ይመስል።

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ዉድቀት ንመንድዓት ተቓለስትን

ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍን

 

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

5 መጋቢት 2012

ኣዶብሓ እንታይ ኣራክቡዋ ምስ ኣዋሳ

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/3427-2012-03-24-21-09-56

Last Updated on Saturday, 24 March 2012 21:10 Written by ክብሮም ግረነት Saturday, 24 March 2012 21:08

ዝከበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ ሎሚ ርእይቶይ ከስፍረሉ ዝደለኩ ኣርእስቲ ፡ እቲ ብኣቶ ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ተሳታፊ ጉባኤ ኣዋሳ “ ኣዶብሓ ኣብ ኣዋሳ ክድገም” ብዝብል ኣርእስቲ ብዕለት 3/6/12 ኣብ መርበብ ኣሰና ሰፊሩ ዝነበረ ጽሑፍ እዩ። ኣቶ ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ብዛዕባ እቲ ዝተዓዘብካዮ ናይ ምስከርነት ቓልኻ ክትህበና ምውሳንካ ከየመስገንኩካ ክሓልፍ ኣይድልን ። እንተኾነ እቲ ክተዛምዶ ዝፈተንኻ ክልተ ፍጻሜታት  ብፍጹም ዘራክብ የብሉን። ብተወሳኪ ኣብ ኣዶብሓ እንታይ ጉድለት ከም ዝተፈጸመ ንኣንበብቲካ መብርሂ  ከይሃብኻ ሓሊፍኻዮ ። እታ ቁሩብ ዝተንከፍኻያ ኣብ ክልቲኡ  ፍጻሜታት ሃይማኖት  ዓብላሊ ተራ ነይሩዎ ክትብል ዝሓሰብካ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ። ኣየናይ ሃይማኖት ምዃኑ ግን ብንጹር  ንነበብቲ  ኣይገለጽኻዮን ።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፡ብቀዳምነት  ኣዶብሓ ኣብ ታሪኽ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ናጽነት ንምውሓስ እንታይ ግደ ተጻዊታ ድሕሪ ምግላጽ  ምስ ጉባኤኛታት ኣዋሳ ብሃገራውነት ይኩን ብሓርበኛነት ፍጹም ርክብ ከምዘይብላን ከብርህ ክፍትን እየ።

ኣዶብሓ ።

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብድልየት ናይቶም ላዕለዎት መራሕቲ ዝነበሩ ፡ኣብ ወርሒ  መስከረም 1965 ኣብ ክፍልታት ድሕሪ ምክፍፋሉ ፡ግዜ ከይወሰዳ ፡ እተን ዝቆማ ክፍልታት ኣብ ውድድር ኣትየን ፣ኣብ ዝተወሃበን ክልላት መሬት ናይ ካልኦት ክፍልታት ዜጋታት ኣብ ምኽልካልን ምቅታልን በጺሔን ነይረን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝኮነ ሰራዊት መግዛእቲ እውን ብሓባር ናይ ምጥቅዑ ጉዳይ ተዳኺሙ ነይሩ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ፡ጸላኢ ሐይሉ ንምድልድል ኮማንዶስ ዝቆጸረሉን ኤርትራውያን  ዝቀትለሉን ዓድታት ዘንድደሉን ግዜ ነይሩ ። እዚ ዝጠቀስኩዎ ኩነታት ተደማሚሩ ነቶም ተጋድልቲ (መሰረታት) ጉዳይ ሓድነት ብቀዳምነት ክሰርዑዎን ክዛረቡሉን ካብቲ ናይ ንእስነት ተዘክሮይ እዩ።

ስለዚ እቶም ተጋደልቲ ንጉዳይ ስምረት ብምድፋእ ፡ ብ1968 ጉባኤ ናይ ሰለስተ ክፍልታታ (3ይ. 4ይ. 5ይ) ክዕውቱ በቂዖም እዮም ። ቀጺሎም ከይተሓለሉ  ነተን ተሪፈን ዝነበራ ቀዳመይትን ካልኣይትን ክፍልታታ ብሓይሊ ዘይኾነ ብዘተን ምርድዳእን ብ1969 ጉባኤ ኣዶብሓ ብምእንጋድ እቲ ዕላማ ናይ ዝጀመሩዎ ሓደነታዊ  ጎዑዞ ፈጺሞም  እዮም ። እዚ  ዝሕብን ኤርትራዊ ታሪኽ ኣዩ።እወ ፣ ጉባኤ ኣዶብሓ ደምክራሲያዊ ኣይነበረን ዝብሉ ወገናት ኣለዉ ። ብወገነይ ብመንጽር እዚ ሕጂ ዝግበርን ዝፍጸመን ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፡(ጉባኤ ዝመረጾ ብውንታኦም ዝሰጉ ፣ ድሕሪ ጉባኤ ምውድኡ ፡ ዝተመርጸ ኣባል ባይቶ ኣባሪርካ ንዘይተመርጸ ሸምካ እንደገና  ምብራሩ ክጥቀስ ይኸኣል)፡ እወ ኣዶብሓ ፣ ደሞክራሲያዊ ነይሩ!  እቲ ኣገዳሲ ክዕውቶም ዝኽእል ኣገባብ ኣሰራርሓ ተጠቂሞም መርሕነቶም መሪጾም  እዮም።

ዝከበርኩም ኤርትራውያን እቶም ኣብ ኣዶብሓ እተሳተፉ ተጋድልቲ ብኤርትራዊ ሓቦን ንሒን እንተ ዘይኾይኑ፡ካብ ናይደገ ሓይልታት ብእተወሃቦም መምርሕን ትእዛዝን ዝዋስኡ ኣይነበሩን  ። እቶም ተጋደልቲ ዘቅረቡዎ ደሞክራሲያዊ  ሕቶ ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ዝነበሩ ባእታታት ዝነቅፍ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቀረብ  ዕጥቅን ስንቅን ከም ድላዮም ዘይረክቡሉ ግዜ ንጥሜትን መኸራን ተጋፊጦም እንከለዉ ፡ ንቅድሚት ዝመረሹ  ጀጋኑ እዮም ነይሮም ። ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ጠለባቶም ላዕለዎት መራሕቲ ካብ ወጻኢ ምቅማጥ  ፡ኣብ ሜዳ ኤርትራ  ኣትዮም ክቅመጡን  ፡ ነቲ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብን ተጋደልትን  ክዕዘቡን ክፈልጡን ዝጠልብ ነይሩ።

ኣዶብሓ ቦታ ጽንዓትን ቓልሲን ምዃና ክነግሩላን ክሕበኑላን ዝግብኦም ረሲዖማ ጥራሕ ዘይኮነ ክድምስስዋ ዝፈታተንዋ ዘለዉ ኣይውሓዱን። ግን ከኣ ኣይክዕወቱን እዮም ። ኣዶብሓ ቦታ ሓድነት እምበር ቦታ ምብትታን ሃገረነት ኣይነበረትን ። ዝተበደለን ዝተጨቖነን ክቓለሰ ብህርያዊ ስለ ዝኮነ ፡ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣዶብሓ በቲ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ድሩት ንቅሓት ፈተውቶምን ጸላእቶም መዚኖም እዮም ቓልሶም ኣበጊሶም ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣዶብሓ ርእሶም ትክ ኣቢሎም ፡  ንዝኮነ ወጻኢ ሓይሊ ከይሰገዱ  ጉባኤኦም ኣሰላሲሎም ኣዮም። እዚ ከኣ ንውሉድ ወሎዶታታ ክመሓላለፍ ዝግብኦ ታሪኽ እዩ።

ጉዳይ ሃይማኖት ።

ዝከበርኩም ኤርትራውያን ጉዳይ ሃይማናት ኣብ ኣዶብሓ እንተ ኾይኑ ፡ ኣመንቲ ምስልምና ዝበዝሑ ስለ እተመርጹ ሃይማኖታዊ ነይሩ ዘብሎ የብሉን ። ምኽንያቱ ብዝኮነ ስነ ሞጉታዊ ዓይኒ ክርኤ እንተ ኾይኑ ፡ እቲ ቓልሲ ዝጀመሩን ብቀዳምነት ዝተሰለፉን ደቂ ምዕራባዊ ቆላታት ስለ ዝነበሩ ክገርማና የብሉን ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድ ሓደ ሃይማኖታዊ ስሚዒታታ ዝነበሮም ኣይነበሩን እንተ ዘይተባህለ ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ብዕሊ እስላማውያን ሰልፍታታ ዝኣወጁ ኣይነበሩን። እቲ ክብን ለጠቅን ናይ ተሳታፍነት ኣብቲ ቓልሲ ውጺት ናይ  ደሞግራፊካዊ ምንቅሳቃስ ወይ ምግዓዝ ናይ ሓደ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ዝነበር ህዝቢ ዝፈጥሮ ሃጓፍ እውን እዩ ። ኣብ ተሓኤ ካብ 1974 ንድሓር ኣመንቲ ክርስትና በዚሖም ነይሮም እዮም። እዚ ብዝሒ እዚ ደስ ዘይበሎም ሰባት እውን ነይሮም ፡ ብዝነበሮም ስልጣንን ጸቢብ ኣታሓሳስባን ነቲ   ኤርትራዊ  ህዝባዊ ዓቅሚ ኣብ ክንዲ ምሕብሓብ ከምዝብተን ገይሮም ። ሕጂ ከኣ እቲ ከባሰ ስለ ዝኮብለለ እቲ ናይ ቆላ ህዝቢ ብዚሑ ይብሃል ኣሎ ። እዚ ይኩን እቲ ዝኮነ ሰብ ሃይማኖቱ ዘክብረሉ ስርዓት ክሳብ ዝረክብ ምቅላስ ዘቛርጽ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ኣዶብሓ ሃይማኖታዊ ነይሩ ዝብሃል ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ክንፍልጦን ክንግንዘቦን ዘሎና ሓቂ ግን ኣሎ ።ገለና ሃይማኖትና ቅድሚ ኩሉ ንሰርዕ ፣ ገለና ከኣ ሃገርና ቅድሚ ኩሉ ንሰርዕ። ኣምላኽ ንህዝብና ሰላም የውርደሉ!

ኣዋሳ።

ኣቶ ሃይለ ገብረ ትንሳኤ “ ኣባለት ኪዳን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኾይኖም ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ድዮም ዝቓለሱ ወይስ መነባብሮኦም እዮም ዘጣጥሑ ዘለዉ ? ይብል”። ቀጺሉ ከኣ ኣሽማት ናይቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ጉባኤ ኣዋሳ ዘርዚሩልና ፡ እወ ፣ ዝበዝሑ ንዳርጋ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቀመጡ እዮም  ፡ ሰንዓ ፎርም ድሕሪ ምቛሙ ፍሉጥ ዶሞስ ዝወሃቦም ኣለዉ። ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኮይኖም ዳርጋ ናይ ሚኒተራት ናብራ እዮም ዝነብሩ ። እዚ ክኾነሉ ዝክኣለ ከኣ ፡ እቶም ዝበዝሑ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ብምእማን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ  ምሕደራ ናይ ብሔራት ክተኣታትዉ መሓላ ዝፈጸሙ እያቶም ። ንኣብነት ኣብ ዋዓላ መቀለ 2009  ስኢሎም ዘውጽእዋ ካርታ ኤርትራ  ሓደ መርኣያ ናይቲ  ንሓድነት ኤርትራ ተጻባኢ ዝኮነ ተዋፊሮምሉ ዘለዉ ዕላማ እዩ።

ዝከበርኹም ተቃለስቲ  ፡ጉባኤ ኣዋሳ ነቲ ቀቅድሜኡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ብምሁራንን ፡ናይ ውድባት ለዓልዎት ካድረታትን ዝተኻየደ፡ ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ውጽእት እዩ። ጉባኤ ኣዋሳ ሓድነት ኤርትራውያን ኣመዝጊቡ እናበሉ ዝምድሩ ኣይተሳእኑን ። ንሳቶም ከኣ እቶም ብዓሊ ሳልም ዝውኸሉን ሓደ ክልተ ዝተደናገሩ ሰዓብቶምን  እዮም ። እንተኮነ ከምዚ ሕጂ እንሰምዖ ዘሎና  ኣገላልጻ ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ናይቲ ከበሳዊ ሕብረተሰብ ሚዛን ዝጎድሎ ብሓደ ሃይማኖት እተዓብለለ ምንባሩ ቅሬታኦም ዝገልጹ እናበዝሑ ይመጹ ኣለዉ። እቲ ዝገርም ገሊኦም ካብዞም ተሳዒርና ዝብሉ እቲ ስንፍንኦም ኣብ ክንዲ ምእማን፡ ሰልፊ ደሞክራሲ  ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ከበሳ ወጺዕዎ ይብሉ። እዞም እተደናገሩ ኣሕዋት ብግቡእ መርገጽ ሰደህኤ ዝተረደኦም ኣይመስለንን ። ሕጅ እውን መርገጽ ሰደህኤ እንተ ገለጽናሎም ወሰኽ እምበር ስለ ዘይጉድኦም  ምግላጹ የድሊ ።ሰደህኤ ናይ ሓደ ብሔር ውድብ ኣይኾነን ። ሰደህኤ ሕብረሰልፋዊ ውድብ ኾይኑ ፡ ብቀዳምነት ንሓድነትን ልዑላውንትን   ኤርትራ ይቓለስ ፡ ብዘይ ምእኩል ምሕደራ ከኣ ይኣምን። እዚ መስመር እዚ ዘይተወሓጠሎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገ ሓይልታት ነዚ ሰልፊ እዚ ንምብታን ድርድሪት ተዓጥቆም ኣለው። ኣብ ጉባኤታት ንከይሳተፍ ከኣ በቶም ሙራስሊን ናቶም ከም ዝርሕቅ ገይሮሞ። ብሓጺሩ ጉባኤ ኣዋሳ ብዝኮነ ሃይማኖታዊ ወገን ይተዓብለል  ንህዝቢ ኤርትራ  ዘበርክቶ  ኣውንታዊ ለውጢ የለን።

ለበዋ

ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን እትቓለሱ  ኣሕዋት ፡ ናብዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ምትእክካብ ናይ ደምክራሲያውያን ሓይልታት ግንባር  ተሳተፉ ፡ ልዑላውነትን ሓድነትን ሃገርኩም ኣውሕሱ።

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !

ክብሮም ግረነት

3/24/12