ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ጅግና ስውእ:
ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ)
(1950 – 1975)
Martyr Woldetnsae Berhe, Brief life history
ጽሑፍ ብ'ሓርበኛ ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ: ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ) (1950 – 1975)። ብ'ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ።
Martyr Woldetnsae Berhe, Brief life history, by Veteran Girmai Bokre Kahassai.

ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ኣብ ጽሑፍ እንተ ዘይሰፊሩ፡ ናይ ኣፍ ዛንታ ወይ ዕላል ኰይኑ ጥርሕ'ዩ ዝተርፍ። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ጅግንነት ውልቀ ሰባት ምጽሓፍ ይትረፍ ብኣፍ ምዝንታው ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።

እዚ ስቕታ’ዚ ብኸምኡ እንተ ድኣ ቀጺሉ፡ ታሪኽ ጀጋኑ ስውኣትና ተረሲዑ ከይተርፍ ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ።

ታርኽ ጀጋኑ ከዘንትዉን ክምስክሩን ዝኽእሉ ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብሂወቶም ከለዉ ንመጻኢ ወለዶታት እንተ ዘየመሓላሊፎሞ ግን ከም ዘይተነበረ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ።

እዚ ኣብ ኣብ ታሕቲ ብዓቕመይ ብቐጻሊ ከቕርቦ መዲበ ዘለኹ ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጀጋኑና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ብመልክዕ መጽሓፍ “ሌላ ምስ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብክዎ ኮይኑ፡ ንሕጂ ኣብ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ) ዘተኮረ’የ ከዘንቱ።

ጅግና ስውእ ወልደትንሳኤ በርሄ ሓደ ካብ’ቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ እሙን መማኽርቲ ጅግና ስውእ መልኣከ ተኽለ ዝነበረ ኣዝዩ ፍቱው መማህርትና ኮይኑ፡ መልኣከ ተኽለ ንዝኾነ ሰብ ከይሓበረ ንሜዳ ምኻዱ፡ ኣሰሩ ክሳብ ዝስዕብ ንሓንቲ ለይቲ ውን ቀሲኑ ክሓድር ዘይከኣለ እሙን ዓርኩ’ዩ። መዓልቱ ቆጺሩ ድማ ምስ ዓሰርተ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ብጾቱ ኣብ መጀመርያ ዓመት 1972 ናይ ካልኣይ ዓመት ትምህርቱ ጠንጢኑ ናብ ህዝባዊ ግንባር (ኣብ’ቲ እዋን እቲ ሰልፊ ነጻነት) ዝተሰለፈ ጅግና መማህርትና’ዩ።

ጅግና ወልደትንሳኤ በርሀን ብጾቱን ካብ ኣዲስ ኣበባ ነቒሎም ብኣውቶቡስ ብሓባር ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምእታዎም፡ ምስ ቤተሰቦም ይኹን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተራኸቡ ብሕቡእ ብዓዲ ንፋስ ጌሮም ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተጸንበሩን ኣብ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ዓቢ መቐይሮ ካብ ዝፈጸሙ ተባሂሉ ዝዝንተወሎም ናይ’ቲ እዋን’ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ ዝነበሩ እዮም። ዝርዝር ኣስማቶም (በቲ ናይ’ቲ እዋን’ቲ መጸውዒኦም) እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎ።

1) ብርሃነ ገረዝጊሄር
2) ተስፋይ ተምነዎ
3) ሃ/ሚካኤል ወ/ገርጊሽ፡
4) ስብሓት ኤፍሬም፡
5) በራኺ ገ/ስላስ፡
6) ኣድሓኖም ገ/ማርያም፡
7) ተኪኤ ተስፋልደት፡
8) ኣፎወርቂ ተኽሉ፡
9) የማነ ዳዊት፡
10) የማነ ኣስገዶ።

ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ ካብ’ቶም ብመንገዲ ሶማል ኣቢሎም ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተሰለፉ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ይርከብዎም።

1) ጴጥሮስ ሰለሙን፡
2) ተኽለ ዓንደ (ወዲ ልቢ)
3) ወልደስላሰ እስቲፋኖስ፡
4) ብርሃነ መስፍን
5) ግርማይ ባህረ
6) መለስ ገብረማርያም
7) ተስፉ ኪዳነ

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት (National Service) ተመዲቦም ኣብ ኣስመራ ዝምህሩ ካብ ዝነበሩ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጀጋኑ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ (1972) ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተጸንበሩ’ዮም።

1) የመነ ሓይሊንኪኤል
1) ኣብርሃም ተስፋማርያም
2) ተወልደ ግደ

ብሓፈሻ ቁጽሮም ብኣሽሓት ዝግመቱ ተምሃሮ፡ ካብ ህንጻ ኮለጅ (Building College)፡ ካብ ኣለማዮ ኮለጅ (Alemayehu Aggricultural College)፡ ካብ ፈረንሳ ኮለጅ (Lise Gebremariam French College)፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መማህራን ምድላው ኮለጃት፡ ካብ ናይ ባህርዳር ፖሊተክኒክ ኮለጅ (Politechnic and Phedogogy Collegs)፡ ካብ ጎንደር (Public Health)፣ ብዓቢኡ ድማ ብብዝሒ ካብ ሳንታፋሚልያ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮን ከምኡ ውን ብዙሓት መማህራንን፡ ወትሃደራት ሰራሕተኛታትን ናብ ክልቲኡ ውድባት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝተሰፉ ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።

ጅግና ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ ድማ ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፡ ግቡእ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ምስታ ኣብ 1973 ካብ ሳሕል ንከበሳ ዝደየበት ሓይሊ ናይ ህ/ግንባር፡ ኮሚሽነር ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ኣንጻር ጸላኢ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ወርሒ ጥቕምቲ 1975 ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ ዓዲ ንፋስን በለዛ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ብጅግንነት ተሰዊኡ።

ቅድሚኦም ሹዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ (1971)፡ ናይ’ቲ እዋን’ቲ መሪሕን ኣብነትን ኮይኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ዝተሰለፈ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ’ዩ።

ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኸለ ዋላ’ኳ ነቲ ዝኣምኖን ዝፈትዎን ወዲ በርሀ ከይሓበሮ ናብ ተሓኤ ስለ ዝነቐለ ድኣ እምበር፡ ብሓባር ክነቕሉ መደብ ከም ዝነበሮም’ዩ ዝፍለጥ። በቲ ኮይኑ በቲ ግን፡ መልኣከ ናብ ተሓኤ፡ ወዲ በርሀ ድማ ናብ ሰልፊ ነጻነት ተጋዲሎም፡ ነታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ብጅግንነት ተሰዊኦም።

ከም'ቲ ድሒረ ክርድኦ ዝኸኣልኩ፡ ኩነታት ወዲ በርሀ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ከሎና ክለዋወጥ ጀሚሩ። ትኩር ኣቃልቦ ብዘይ ምግባረይ ድኣ’ዩ እምበር፡ ኩሉ ቀልቡን ሓሳቡን ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ስለ ዘዘንበለ፡ ናይ ትምህርቲ ተገዳስነት እናዛሕተለ’ዩ ክመጽእ ጀሚሩ። ንኣብነት ሓደ መዓልቲ ኣነን ንሱን ኣብ ሓደ ጽምዋ ቦታ ብሓደ ኮፍ ኢልና ጉዳይ መጽናዕትና እናገበርና ከሎና፡ ብዙሕ ካብኡ ዘይጽበዮ ዘረባታት ክድርብየለይ ጀሚሩ። "ስማዕ ግርማይ፡ ኣነ እዚ ንመሃሮ ዘሎኒ ትምህርቲ ጨሪሹ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ። ስለዚ ንስኻ ነዛ ትመጽእ ዘላ ፈተና ተማዊትካ ክትሓልፋ ኣለካ። ብዛዕባ ናተይ ኣይተሸገር። ንስኻ ጥራሕ ዝከኣለካ ጽዓር።” ምስ በለኒ፡ ኣነ ኸኣ ዝዋዘየኒ ዘሎ መሲሊኒ፡ "ኣንታ ወዲ በርሀ ተላግጸለይ ዲኻ ዘሎኻ?" ምስ በልክዎ፡ "ብልበ'የ!" ኢሉ ምስ መለሰለይ፣ ካብ ምግራም ዝኣክል፡ ደጊመ "ኣይተረድኣንን እንታይ ማለትካ ኢኻ!" ምስ በልክዎ፡ "እንድዒ እንታይ እሞ ክብለካ’የ" ምስ በለኒ፡ ምእማኑ ጨኒቑኒ ብዙሕ’የ ሰንቢደ። ምኽንያቱ ወዲ በርሀ ብትምህርቲ ዝመጸ ሓደ ካብ’ቶም መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንፉዕ ተማሃራይ ምዃኑ’የ ዝፈልጦ።

እቲ ምኽንያት ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተንከፍክዎ ኮይኑ፡ ኣነ ድኣ’የ ዘይተረዳእክዎ እምበር፡ ንሱስ ኣንፈቱ መንገዱ’ዩ ዝጸርግ ነይሩ። ብሓሳቡ ድሮ ንሜዳ ተጸንቡሩ፡ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር ጸላኢ ተዋጊኡ ዝፈትዋ ሃገሩ ካብ መግዛእቲ ነጻ ከውጽእ’ዩ ዝርኣዮ ነይሩ። ድሒረ ከም ዝበጻሕክዎ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንሱን ብጾቱን ናይ ጉዕዝኦም ምድልዋቶም እዮም ዘጻፍፉ ነይሮም። ከም’ቲ ዝመደብዎ ድማ ጌሮም።

ኣብ ቀጻሊ የራኽበና እናበልኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእቲ’ዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ጅግና ስውእ ወልደትንስኤ በርሀ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ልክዕ ከም’ታ ናይ ጅግና መልኣከ ተኽለ ምሉእ ታሪኽ ሂወቱ ዘጠቓለለት መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ ዘቕረብክዋ፡ ዕድመን ጥዕናን እንተ ሂቡኒ፡ ኣብ መጻኢ እዋን “ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ መጽሓፍ ከዳሉ እምንቶይ’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ተዘክሮታት ይኹን ስእልታት ከካፍለኒ ዝኽእል ሰብ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣድራሻይ ክራኸበና ብትሕትና እናሓተትኩ፡ ብወገነይ ውልቃዊ ተዝክሮታተይ በብእዋኑ ከካፍለኩም ክፍትን’የ።

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ: ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ) (1950 – 1975)። ብ'ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ።
2ይ ክፋል
Martyr Woldetnsae Berhe, Brief life history, by Veteran Girmai Bokre Kahassai (Part-2).

እዚ ኣብ ታሕቲ ቐሪቡ ዘሎ ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ)፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓሰ ዕለት 28 ኣብ Snitnal.com ናብ ኣንበብቲ ዘቕረብክዎ ጽሑፍ እዩ።

ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ ኣብ መጀመርታ ዓመት 1972 (ወርሒ ክልተ) እዩ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ምስ ጉጅለ 11 ተማሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብጾቱ ናብ ሰልፊ ነጻነት ተሰሊፉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብዝሒ ተጋደልቲ ሰልፊ ነጻነት፡ ካብ ሓደ ሚእቲ ዘይሓልፍ ምንባሩ’ዩ ዝጥቀስ። ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (E.L.F. ጀብሃ) ንዓመታት ክጋደሉ ጸኒሖም ካብቲ ውድብ ዝተፈልዩ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ እዋን ምጅማር ናይ’ቲ ሰልፊ ዝተጸንበርዎም ሓደስቲ ተጋደልቲ እዮም። ጉጅለ ብዓል ወዲ በርሀ ውን፡ እቲ ሰልፊ እግሪ ዝተኽለሉ ኣብ ዝነበረሉ ዓመት ብምጽንባሮም፡ ነቲ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ተደራቢ ሓይሊ ክኾንዎ ከም ዝኸኣሉ ንምግማቱ ዘይከኣል ኣይኮነን።

እዞም ከም መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ እዚ ጌረ ወሲደዮም ዘለኹ፡ ወዲ በርሀ ዝርከቦም ጉጅለ 11 ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ነቒሎም ናብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ብሕቡእ ብመንገዲ ዓዲ ንፋስ ጌሮም’ዮም ናብ ሜዳ ኣትዮም። መጀመርያ ኣብ ባሕሪ ባራ ዝተባህለ ቦታ ምስ ካልኦት ሓደስቲ ተሰለፍቲ ወትሃደራዊ ስልጠና ወሲዶም። ኣብ’ቲ ታዕሊም፡ ኣብ ሓደ እዋን ብርክት ዝበሉ ድሓን ትምህርቲ ዝቐሰሙ ተማሃሮ ምጽንባሮም፡ ነቲ ሰልፊ ሓዲሽ ተርእዮ እዮም ነይሮም ከበሃል ይከኣል። ታዕሊም ወዲኦም ኣብ ሰራዊት ምስ ተጸንበሩ፡ ኣብ ጉዕዞ ናይ’ቲ ሰልፊ፡ ከሕድርዎ ዝኽእሉ ጽልዋታትን ለውጥታትን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለንን።

ጉዕዞ ናይ’ዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናብ ሰልፊ ነጻነት ብሓባር ዝተሰለፉ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ብሓደ ምዝርዛሩ ተደላይነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ እኳ እንተኾነ፡ ጉዕዞ ናይ’ቶም ክሳብ ነጻነት ብሂወቶም ዘርከቡ ብጾት እንተውሓደ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋትን ቃለ መሓትትን በብእዋኑ ዝሰማዕናዮን ገና ንሰምዖ ዘሎና’ዩ። እቲ ኣውራ ዘሰክፍ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ጉዕዞ ናይ’ቲ ቃልሲ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ብጾቶም ታሪኾም ተቐቢሩ ከይተርፍ’ዩ። ዓመት ካብ ዓመት “ስዉኣትና ይዘከሩ” ካብ ምባል ሰጊርና፡ ታሪኽ ጅግንነቶም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ ክፍጠር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስምዓኒ።

እንሆ እምበርኣር ካብ’ዚ ስክፍታ’ዚ ብምንቃል፡ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ጉዕዞ ቃልሲ ስዉእ ጅግና ወልደትንሳኤ በርሀ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ንምድላው ተበግሶ ወሲደ ኣለኹ። እዚ ኣብ ታሕቲ ከቕርቦ ዝፍትን ዘለኹ ጽሑፍ እምበኣር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ ኩልና መማህርቱ ኣዚና ንፈትዎን ነኽብሮን ጅግና ስዉእ ወዲ በርሀ ዝምልከት ሓጺር ታሪኽ ሄውቱ እዩ።

ወዲ በርሀ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ለባማት መራሕትና እዩ ነይሩ። ወዲ በርሀ ኣዝዩ ብኹልና ፍቱው ዓቢ ሰብ፡ ዝምዕደናን ኣዝዩ ዝሓልየልናን እዩ ነይሩ እንተ በልኩ ዘጋንን ዘለኹ ኣይመስለንን።

ጉዕዞ ቃልሲ ወዲ በርሀ ኣብተን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ብጅግንነት ዝተቓለሰለን ዓመታት (1972-1975)፡ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ንምግማቱ ሓደ ካብ’ቲ ብወገነይ ዘይጠራጠረሉ ነገር ኮይኑ፡ ባህሪኡ ካብ’ቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘርእዮ ዝነበረ ዝበለጸ እንተ ዘይኮይኑ ዝወሓደ ክኸውን ከም ዘይክእል ርዱእ’ዩ።

ምስ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወዲ በርሀ ኣብ ቃልሲ ብሓባር ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብሂወቶም ዘለዉ ምስክርነቶም ከመሓላልፉልና ብተስፋ እናተጸበኹ፡ ኣካል ናይ’ዚ ጽሑፍ እዚ ኮይኑ ክቐርብ ዘሎኒ ህርፋን ዓቢ’ዩ። ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ብምንቃል ድማ’የ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ጽሑፋትን ዝኣኻኸብክዎ መበገሲ ንኽኸውን ናብ ኣንበብቲ ዘቕርቦ ዘለኹ። እዚ ብወገነይ ዘቕርቦ ዘለኹ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዘዕግብ ደረጃ እንተ ድኣ በጺሑ፡ ልክዕ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ “ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ” ብዝብል ኣርእስቲ መዘከርታ ንጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ ብደረጃ መጽሓፍ ኣዳልየ ናብ ኣንበብቲ ዝዘርጋሕክዎ፡ ናይ ጅግና ስዉእ ወዲ በርሀ ውን ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ’ቲ ዝድለ ከብጽሖ ጻዕርታተይ ቀጻሊ’ዩ።

ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ ወርሕታት ናይ 1972 ጉዕዞ ቃልሲ ጅግና ወዲ በርሀን ብጾቱን እንታይ ይመስል ነይሩ? ሰልፊ ነጻነት ኣብ’ቲ እዋን እቲ ከመይ ጸኒሓቶም? ኣብ መሳርዕ ናይ’ቲ ሰልፊ ምስ ተጸንበሩ’ኸ እቲ ቃልሲ እንታይ ይመስል ነይሩ? ጅግና ወዲ በርሀ’ኸ ብኸመይ ተሰዊኡ? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ኢና ክንድህስስ።

ወዲ በርሀን ብጾቱን ናይ ባሕሪ ባራ ወትሃደራዊ ስልጠና ስም ወድኡ፡ ናብ ግርግረት ዝተባህለ ቦታ እዮም ተጓዒዞም። ኣብ’ቲ ጉዕዞ ንኹሎም ዘጠቓለለ ናይ ሓባር ኣኼባ ከም ዝተኻየደሎም ይፍለጥ። ሓደ ካብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታ ዝተመርኮሰ ምንባሩ ይሕበር። እቲ ኣኼባ በቶም ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈልዩ ነቲ ሰልፊ ካብ ዝመስረቱ ገዳይም ተጋደልቲ ከም ብዓል ተጋዳላይ ሰለሙን ወልደማርያምን ተጋዳላይ ተወልደ እዮብን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ምንባሩ ይሕበር።

ኣብ ግርግረት ናይ’ቲ ውድብ ምትሕንፋጽ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ እቶም ሓደስቲ ተጋደልቲ ብሙልኦም ናብ መሳርዕ ተመዲቦም። ወዲ በርሀ ድማ ናብ ሓንቲ ካብ’ተን መሳርዕ ከም ዝተመደበ ይፍለጥ። ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ እታ ዝዓበየት ኣሁዱ “መስርዕ” ክትከውን ከላ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይ ምሉእ እቲ ውድብ መሳርዕ ካብ 10 ዘይሓልፍ ምንባሩ’ዩ ዝፍለጥ። ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ብ12 ተጋደልቲ ዝቖመት እንተ ድኣ ኮይና፡ ጠቖላላ ብዝሒ ናይ’ቲ ሰራዊት 120 ኣቢሉ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ብጠቕላላ ክርአ ከሎ፡ ብዝሑ ሰራዊት ተጋደልቲ ሰልፊ ነጻነት፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ሓንቲ ሓይሊ ጥራሕ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኩለን መሳርዕ ተተሓሒዘን ካብ ገረግር ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ እናተጓዕዛ ከለዋ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ተጋዳላይ ኢሳያስን ብጾቱን ካብ ናይ በይሩት ኣኼባ ንሜዳ ስለ ዝተመልሱ፡ ንኣኼባ ስለ ዝተጸውዑ፡ ካብ ዓዲ ሹማ (ከባቢ ማይ ውዑይ) ናብ’ቲ ብዓል ኢሳያስ ዝነበርዎ ቦታ (ውሽጢ መሬት ሱዳን) ክምለሱ ተገዲዶም።

ኣብ ደምበቤት ዝተባህለ መሬት ሱዳን ምስ በጽሑ፡ ተጋደልቲ ጀብሃ ኣድብዮም ጸኒሖሞም። ዝበዝሓ ካብ’ተን መሳርዕ ኣቐዲመን ብሰላም ክሓልፋ እኳ ዕድል እንተ ረኸባ፡ ሓንቲ ካብተን ዳሕረዎት መሳርዕ ግን፣ ገና ኣብ’ቲ ሰጣሕ ጎልጎል ከላ ቶኽሲ ተኸፊቱዋ። መራሒ ናይ’ታ መስርዕ ዓብደልቓድር ኖራይ፡ ምክትሉ ከኣ ተጋዳላይ ተኪኤ ቐሺ’ዩ ነይሩ። እታ መስርዕ በተን ዘለውኣ ውሑዳት ብረት ነብሳ ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ተጋዳላይ ዓብደልቓድር ኖራይ ንብጾቱ መካላኸሊ መዝገብ (ድፋዕ) ክሰርሑ የማን ጸጋም ኢሉ እናሓገዞም ከሎ፡ ንነብሱ ዝኾኖ መከላኸለ መዝገብ ገና ከየዳልወ ከሎ ብጥይት ተወጊኡ ተሰዊኡ። እቲ ኲናት ግን ክሳብ ምድሪ ዝጽልምት ደው ኣይበለን።

እዚ እቲ ኣብ መጀመርያ ዓመቶም (1972) ዘጋጠሞም ሕድሕድ ኲናት ኮይኑ፡ ቦኽሪ ተሞኲርኦም’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ኲናት ደው ምስ በለ ጉዕዝኦም ብምቕጻል ናብ ርባ ኣቦ ዝተባሀለ መሬት ሱዳን ኣምሪሖም። ኣብቲ ርባ ምስ’ቶም ካብ ኣኼባ በይሩት ዝተመልሱ ሓለፍቲ ብዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መስፍን ሓጎስን መሓሪ ደበሳይን ተራኺቦም። ምስኣቶም ኣብ’ቲ ቦታ ብዓል ተጋዳላይ ዮውሃንስ ስባህቱ፡ ሙሴ ተስፋንኪኤል፣ ደበሳይ ትኪን ኣማኒኤል ዮውሃንስን ጸኒሖሞም።

ተጋዳላይ ኢሳያስ ነቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝመጹ ሓደስቲ ተጋደልቲ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ኣኼባ ምስ ኣካይደሎም፡ ንብሙልኦም ሓደስቲ ከላሽናትን ሲማኖፋትን ተዓዲልዎም ናብ’ቲ ኣቐዲሞም ንኣባላት ህዝባዊ ሓይልታት ዝገደፍዎም ናብ ዓየት ዝተባህለ ቦታ ተመሊሶም።

ኣብ ርባ ዓየት ምስ በጽሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሕድሕድ ኲናት ከቢድ ሕድሕድ ኲናት ኣጋጢምዎም። ኣብ’ዚ ኲናት እዚ፡ ናይ መስርዕ ፖለቲካዊ ኪሚሽነር ጅግና ተጋዳላይ ኑርሑሰን ኣሕመድ ተስዊኡ። እንደገና ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ውን ኣብ ሓወልዕ ዝተባህለ መሬት ሱዳን ዳግማይ ከቢድ ሕድሕድ ኲናት ከጋጥሞም ከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተኻየደ ኲናት፡ መሳርዕ ሰልፊ ነጻነት፡ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታትን ብሓደ ኮይኖም እዮም ኣንጻር እቲ ዝተዓጻጸፎም ሓይሊ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተዋጊኦም።

ካብ ወገን ሰልፊ ነጻነት ኣብ’ዚ ኲናት’ዚ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ፡ መራሕቲ መስርዕ ተጋዳላይ ስዩም ኪዳነን ተጋዳላይ ቀልኣብ ረዳን ክኾኑ ከለዉ፣ ምክትል መራሕ መስርዕ ተጋዳላይ ኣሽመላሽ ኣስካለ፣ ኮሚሽነር መስርዕ ተጋዳላይ መዓሾ እምባየን ውን ኣብ’ዚ ኲናት እዚ ተሰዊኦም።

ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ እተን መሳርዕ ካብ ሰሜናዊ ባሕሪ ንመሬት ሱዳን ኣብ ዝነቐላሉ ዝነበራ እዋን፡ ውሑዳት ካብቶም ተጋደልቲ ንፍሉይ ውድባዊ ስራሕ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝተረፉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። እዞም ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝተረፉ ውሑዳት ብጾት፡ ነቲ ብወገን ጸላኢ ዘጋጥሞም ዝነበረ ሓደገኛ ተጻብኦታት ብኸመይ ይጻወርዎ ከም ዝነበሩ ምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለንን። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጸላኢ ምስ ዝርከብ ህዝቢ ጽኑዕ ውሽጣዊ ርኽክባት መስሪቶም ሓደስቲ መንእሰያት ናብ ሰውራ ከሰልፉ ክኢሎም’ዮም። ካብቶም ንሶም ዘሰለፍዎም ሓደስቲ ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ሓጺር ኣዋርሓት ምስ’ተን ኣቐዲመን ኣብ ገረግር መሬት ሱዳን ዝነበራ መሳርዕ ተወሳኺ ሓይሊ ክኾኑ በቒዖም’ዮም።

ብጀካ እዞም ካብ ከበሳ ዝመጹ ሓደስቲ ተሰለፍቲ፡ ብዙሓት ካልኦት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብመንገዲ ዓደን (ደቡብ የመን) ኣቢሎም ብመራኽብ ባሕሪ ሰጊሮም ዝተጸንበሩ ምንባሮም ውን ይፍለጥ። ካብኣቶም ብዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ተኽለ ዓንደ (ወዲ ልቢ)፣ ተስፉ ኪዳነ፣ ወልደስላሰ እስቲፋኖስ፣ ብርሃነ መስፍን፣ ግርማይ ባህረ፡ መለስ ገብረማርያም ይርከብዎም። ከምኡ ውን ካብ ኤውሮጳን ካብ ኣሜሪካን ዝመጹ ከም ብዓል ወልደማርያም ኣብርሃ (ተቐማጣይ ጀርመን)፣ ኣፈወርቂ ሞጎስ (ተቐማጣይ ስዌደን) ይርከብዎም።

እቶም ኣቐዲሞም ዶብ ሱዳን ዝሰገሩ ተጋደልቲ ኣብ ገርግር ሱዳን ምስ በጽሑ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ከበሳ ዝገደፍዎም ብጾቶም ዘሕዝን ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ይሕበር። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓበሬታ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ናይ ሓሙሽተ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንሳቶም ድማ፡
1. ስዉእ ብርሃነ ሃብተ 2. ስዉእ የማነ ኣስጎዶም 3. ስዉእ ዘርኣይ ተስፋጼን 4. ስዉእ እያሱ ዘርኣይ 5. ስዉእ ዘወንጌልን እዮም።

ስውእ ብርሃነ ሃብተ ገዲም ተጋዳላይ ክኸውን ከሎ፡ ስዉእ የማነ ኣስጎዶም ሓደ ካብ’ቶም ብጉጅለ 11 ዝፍለጡ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ ኣብ መጀመርያ ዓመት 1972 ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተሰለፉ ክኸውን ከሎ፡ ስዉእ ዘርኣይ ተስፋጺንን ስዉእ እያሱ ዘርኣይን ግን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክስለፉ ዝመጹ ሓደስቲ ተጋደልቲ’ዮም። ስዉእ ዘወንጌል ድማ ካብ’ቶም ኣብ ቻይና ዝተማህሩ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስቱር ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ እንደገና ዳግማይ ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተሰለፈ’ዩ። ። ምሉእ ዝርዝር ኣስማቶም ኣብ’ታ “ሌላ ምስ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ” እትብል መጽሓፍ ስለ ዘሎ፡ ዝኾነ ግዱስ ኣንባቢ on line from “ ክረኽቦ ይኽእል’ዩ።

ግርማይ ቦኽረ
Girmai Bokre Kahassai
Email address: bokrila@gmail.com


source https://snitna.com/articles/Martyr-Woldetnsae-Berhe-Brief-life-history-Part-2.php

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com