ድሕሪ ሞት ንቐብሪ ታሪኽ ከኣ ንነባሪ ካልኣይቲ ክፋል

http://www.jeberti.com/index.php?option=com_content&view=article&id=1134:2011-01-14-01-10-35&catid=58:tigrina

ብወደባት፡

ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ሚላኖ-ኢጣል

ክቡራት ክቡራን

ሎሚ ብዛዕባ እንታዋይነት ስውእ ጅግና ስዒድ በሺር (ገሲር) እየ ንመዘከርን ጽንዓት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ተጋደልቲ መመስከሪን ኢለ ዘቕርበልኩም ዘሎኹ እሞ፡ ኤርትራውያን እዞም

ሎሚ ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ቅድድም ዝቀዳደሙ ዘይኮንና ትርጉም ሃገርን፣ ክብሪ ስድራቤታት ልዑል ምንባሩ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብ ረብሓኻ ጥራሕ እትጥምተሉ ዘይኮነ ብመስዋእተይ ክብሪ መንነተይ ይብጸሓዮም ንወርስተይ ተባሂሉ ንምንባር ዘይኮነ ንመስዋእቲ ትቀዳደመላ እዋን ከም ዝነበረት መስዋእቲ ጅግና ስዒድ በሺር ፈጺማ ክትሃስስ ዘይትኽእል ምስክር ምዃና ንምሕባር እየ፡፡

ኤርትራ ሃገርና!

ክቡርን ሙውቕን ደም ዝፈሰሰላ፡ ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሰላ ልዕሊ ዓቕማ መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ክብርቲ ሃገር ምዃና ንኣብ ዓለምን ልዕሊ ዓለምን ኣለው ዝበሃሉ ግሉጽ እዩ፡፡ ስውኣታ ኸኣ ሕድሮም ድኣ ንግዜኡ ይጠለም እምበር ክቡርን ልዑልን ኮይኑ ሸፊኑዎ ዘሎ ዘይኤርትራዊ ባህርያት ናይ ተበለጽቲ ወጠምጠማት ተገሊሁ ክበርህን ክደምቕን ከም ዝኾነ ፍጹም ጥርጥር የልቦን፡፡

ንመዓስ እሞ?

ኢሎም ተመነይቲ ብውሻጠኦም ዝሓቱ ከም ዘለው ባህርያዊ ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ እሞ፡ በዛ ኣጋጣሚት ወሳን ግዜ ከካብ ነብስና እዩ፡፡

ከመይ ምስ ዝበሃል ከኣ!

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሽፍትነት መን እዩ? ብኸመይ ሸፊቱ? ንኽስፍት ንመንን እንታይን ዓሚቱ ምስ እንብል ቅድም ቅድም ንሓድነትናን ምትሕልላይናን በቲኹ ኣብ ነንሕድሕድና ምትፍናንን ምትሕንሓንን መርዝታት ሓሊኹ፡ ሓንቲ ቃል ማለት ንበሎ ንሓግሕጎ ብኣፍ ይበሃል ብግብሪ ግን ንግሆ ንግሆ ከም ጸምቕቲ ስዋ! ሜስ! ናተይ እባ ናተይ እባ ይምቅር ኢለን ዝወዳደራ ንሽፍታ ንቃወም ዝብል ውድባት ሰልፍታት ማሕበራት ክፍጠራ፡ በየን ኣብ ስልጣን ንሓኩር ክጸናተዋ፡ ንክዝበጥ ዘለዎ ሽፍታ መሓውር ኮይነንኦም ስለ ዘለዋ፡ እዚ ሕማማት እዚ ክፍወስ ናየ ግድን እዩ፡፡

እዘን ውድባት

መን እየን መን ይመርሐየን፡ ስለምንታይከ ተራቢሔን ንመንከ ኣርቢሔን ምስ እንብል ካብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝተኣታተወ ቅልጽ ምልጽ ሎሚ ኣብናይስልጣንሸሃኒዘልምጽምኩራትተበለጽቲወዮባህሪኤርትራውያንብመስዋእተይክብሪመንነተይይብጸሓዮምንወረስተይ፡ዝነበረጅግንነትብመስዋእትኹምብመንነትኩምብጽሒትናእዩክንወርስክንመርሓኩምዕላማስለዘትከሉእዩእሞ!

"እታንመዓስእትብልሕቶሎሚእንተተበራቢርናላሎሚኸኣኣብኢድናኣላ"

ስውእጀግና

ስዒድበሺር (ገሲር)

ድሕሪእቲኣብረጽሚኵናትወተጊኡእሞ፡ኣበይኮይኑይሕከምከምዝነበረተሓሲውሉምስተታሕዘ (1968) ኣብቤትፍርዲቀሪቡንሞትድኣይፈረድእምበርምሕረትሓቲቱናጻክኸውንማዕጾዕድልተዋሂቡዎነይሩእዩ፡፡

እታኩነት!

ኣብቲእዋንእቲብሓድሓደሓለምቲራእስነትንናይኢምበራጦርያሃይለስላሴወይጦታትንንሃይለስላሴይኹንንዓንገልቱኣርዒድዎምዝነበረሓይሊገድሊኤርትራኣብቅልውላውስለዘእተውዎብዙሓትተጋደልቲብኣዋጅስርዓትሃይለስላሴምሕረትክግበረልኩምብረትኩምኣኪብኩምእተውዝብልምስተዘርገሔንኢትዮጵያኢዶምዝሃቡነይሮም፡፡ካብኣቶምሃይለወልደሚካኤል (ሃይለጀብሃኣብሻዕቢያሓላፊሓለዋሰውራዝነበረነይሩ) ኣብቲኣዋጅሃይለስላሴንእቶምኢዶምዝህቡብደምማለትብሰብቅትለትውልቃዊይኹንከም (ናይጃሱስኢሳያስመስፍንሓጎስ) ወይመርትዖዘለዎናይፈዳኢንዕማምዝዓመመግንብሕጊኣብፍርዲክቐርብይብልነይሩ፡፡

ኣብታእዋንእቲኣ!

ስውእጅግናስዒድበሺር (ገሲር) ምስሃይለወልደሚካኤልኣብብሎኮመንገዲከረንኣብልዕሊሓደትራፊክፖሊስዝፈጸምዋዓመልያ (ዝብጣ) ብገሊኦምተነጊሩሎምስዒድንሃይለንኣብመዝገብክሲተመዝጊቦምስለዝነበሩጅግናስዒድምስተታሕዘሃይለመእተዊኡጠፊኡዎብዙሕኣንፈጥፍጡነይሩ፡፡

ስውእስዒድበሺር (ገሲር)

ኣብዘእትውዎቤትማእሰርቲክፍሊመርመራስእሊሃይለወልደሚካኤልምስኣርኣዩዎንሃይለከምዘይፈልጦነቒጹኣቕቢጽዎም፡፡

እዚሰብእዚ!

ምሳኻነይሩእዩ፡ሎሚንስኻኣብቤትማእሰርቲንሱኸኣምሕረትሓቲቱነጻኾይኑዝነብርዘሎእዩምስበልዎ፡ምሕረትዝሓትትመፋልጥትንመጋድልትንየብለይንንሕናተጋደልቲሰብዕለማ "ኤርትራወይሞትኢና" ብወረእንሰምዖምሕረትዝሓቱእቶምከምናይቀደምማሕበርኣንድነትኢትዮጰያበለከይትሕመላእናበሉሸፊቶምንኤርትራውያንዘሳቕዩዝነበሩንሶምወይደቆምይኹንእሞካብኣቶምዘመድእንተኣለውዎዝፈልጥዎሕተቱእንተኣነኣይፈልጦንእየኢሉኣቕበጾም፡፡

ተዓዘቡእሞ!

ኣብቲዘመነቅልውላውስዒድተወጊኡክትሓዝመታዓምልቱሃይለኸኣናብኢትዮጵያኢዱዝሃበ፡ካልእባህሪወይናይሕርቅምታሓሳብንሕኒንንእንተዝህልዎስዒድንሃይለኣሸንኳይዶኣብቲጉዳይምስኡዝወዓለቦታንገድሊጠሊሙኢዱምሃብኣሕሊፉክህቦእወነይሩኢሉኽርክስስኣይምኸኣለንዶ?

ዘይባህሩን ዘይልምዱን ኣሕሊፍካ ምሃብ ኮይኑዎ ግን ወላ እኳ ሃይለ ይጥለም እምበር ስዒድ ንጥልመት ስለ ዘይፈልጣ ኣይተጠቕመላን፡፡

ስዒድ በሺር (ገሲር)

ኣብ ቤት ፍርዲ

ፈራዶብሃይለስላሴዝተመልመሉ

ደድሕሪምዕማትሃገርኤርትራምፍራስፈደረሽንኣብኤርትራተማዒዶምዝተላእኩፈራዶነይሮም፡፡እዞምፈራዶኸኣ፡ነቲሰውራኤርትራኣብገድሊሃይማኖታውንንኤርትራኣብዓረባዊሃገርንምሻጥንከምበዓልጠላምኢሳያስመመልሚሎምከዋፍሩእንከለውእዞምፈራዶኸኣኣብከተማታትምእመናምስልምናዘለዎኣሸንኳይዶኣብገድሊተሳቲፉ፡ደርሆሰሪቑተጠርጢሩእንተመጸኦምእውንብዘይሕቶንሞትክፈርድዎእቲገድሊሰዓባይንኸይረክብዝሓለንዎጠቓሪቶንኮልዝተቐብኡእዮምነይሮም፡፡

"ስውእጅግናኢብራሂምዓፋእውንኣብልዕሊሓውዝተፈጸመገፋዒ፡ፍርዲበዚኦምተተግቢሩእዩ፡፡ (ኣብካልእኣጋጣሚከዕልለኩምእየ)

ስውእጅግና

ስዒድ በሺር (ገሲር)

ኣብ ቤት ፍርዲ!

ፈራዳይ ኣቶ በላቸው ይበሃል፡ ብዝገብሮ ዝነበረ ገፋዒ ፍርድታት ከኣ እቲ ስሙ በላቸው ኣቶ ለስቅላት ኢልና ክንጽውዖ ጀሚርና ኔርና፡፡

ስዒድ!

ኣብ መጋባእያ ፍርዲ እትው ምስ በለ፡ ኣቶ ለሰቅላት (በላቸው) ንስሙ ጽውዕ ኣቢሉ ንስኹም ዓዲ የብልኩም ዓውዲ ደቂ ጀበርቲ፡ ካብ ወዲ ኸቢረ ጀሚርኩም ንኢትዮጵያዊት ኤርትራ ብምስልና እምነትኩም ኣወሃሂድኩም ናብ ዓረብ ክትሸጥዋ ትጽዕሩ ዘለኹም ልዕሊኡ ስለ ዘየሎ እምበር ፍርዲ ሞት እውን እናወሓደኩም እዩ እሞ ንሞት ፈሪደካ ኣሎኹ በሎ፡፡

ቅጽል ኣቢሉኸኣ!

መንእሰይኢኻ፡ዕድልካኾይኑኸኣክቡርንቅዱስንጃንሆይኣብዚእዋንእዚንከምዚከማኹምተዓሲቦምኣንጻርኢትዮጵያኣዲኦምዝሸፈቱምሕረትይገብሩሎምስለዘለውምሕረትሕተትበሎ፡፡

ስዒድከኣ!

ነቲቃላትኣቶስቅላት (በላቸው) ሰሚዑ፡ኣነስዒድበሺርይበሃልጽሩይሰረወታይ (ሰራዮ) ኤርትራዊእየ፡፡ኢትዮጵያትበሃልኣደየብለይን፡፡ኣይሸፈትኩንከኣ፡ሸፊቱብሒቱንውዕልሕቡራትመንግስታትጠሊሙዘሎጃንሆይካእዩ፡፡ዝዘመተድኣምሕረትይሕትትእምበር፡ዝተዘምተምሕረትኣይሓትትንእዩ፡፡ንኤርትራኣደይከኣእትርእዩዘሎኻ (ንማህረምቱማለትእዩ) ክሳዕሩሔይ (ህይወተይ) ትሓልፍካብኢድሸፋቱጎይታኻነጻከውጽእዝመሓልኩእየእሞጨሓምሰራቒ (ጃንሆይማለትእዩ) ካብኤርትራትወጽእወይሳዕቤንተመጽእ? በሎ፡፡ ነታ ዝተወፈየትሉ ናይ ምሕረት ምሕታት ኣብዩ ብ1972 ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ከብቲ ዕዳጋ ሓሙስ ብዝተወሰኖ ፍርዲ ሞት ተሓኒቑ፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ንመጀመርያ ብፍርዲ ጸላኢ ዝተሓንቀ ጅግና ክቡርን ስውእና እዩ፡፡ እቲ ከምዚታት ዓይነት ጅግንነት ከኣ እዩ ኤርትራውያን ኣቢሉ ዘሔብነና ዝነበረ፡፡

ኩሉ ግን፡

ኣብ ናይ ዘመንና እንዕዘቦ እቲ ቀደም ህርፋን መስዋእቲ ንታሪኽ ዝነበረ ኣብ ከመይ ኢለ ኣብ ኮረሻ እውጣሕ ቅድድማት ውድድራት ክኹመር ክትርእዮ እንከሎኻ ምግራም ዘይኮነ ንነብስኻ ባዕልኻ ምኽዓባ ዘብጽሕ እዩ፡፡ ናበይ ንምብጻሕን እንታይ ታሪኽ ንምሕዳግን እንተተባህለ ኣዕጋቢ መልሲ እውን ኣይርከቦን፡፡

እቶም ዝዓበና፡

ዝተዋህበና፡ ዝተረከበና ሕድሪ ብምርሳዕ ኣብ ናይ ውልቀ ረብሓ ምስሳዕን ንህዝቢ ዘይኮነ ንሃገር እውን ኣብ ምጽልማታ ንዋሳእ ምህላውና ኣይንዘንግዓዮ፡፡ ነዚ ዘንጊዕና ኣብ ልዕሊ ወለዶታት ምሕማይን ሕምቀት ምልላይን መሰረት እቲ ሕሜት ንሕና እቶም ሕድሪ ዝረሳዕና ከም ዝኾንና ታሪኽ ባዕሉ ክኸሽሓና እዩ፡፡

እሞ!

ንሓደ ጸላኢ ከም ህዝባዊ ጸላኢ ነለልዮ እንተኼንና ብሓደ በትሪ ብሓደ ትሪ ንዝበጦ፡፡ እንተድኣ ንጸላእ ህዝቢ ብትንካፈ ረብሓና ንኸሶ ኬንና ኸኣ ሓቂ ንዛረብ ህዝቢ ነፍልጦ ኣይንቀሽሾ ንዳሕራይ ከይከፍኣና፡ ንሕና ኣብዘየለናሉ ኸኣ መሕነኺ ታሪኽ ኣይንግደፈሎም ንደቅና፡፡

ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡

ዘይተራእየ ሕሰም ምረት ሎሚ ኣብ ዘመነ ናጽነት ክረኤ ክፍልፍል እንከሎ እሞ ነዚ እናረኣዩ ብስም ህዝቢ እናእወዩ ነታ ኮረሻ ከማዕድው ክጠዋወዩ እንከለው ክትዕዘብ ጽልኣት መፋጥሮኻ ዘመኒ እዩ እንተተባህለ ኣጋንኖ ኣይኮነን፡፡

እቲ ሓይሊ እክብካብ ሸፋቱ ኸኣ፡

ኣብ ኣስመራ ዘይኮነ ይፈተው ኣይፈተው ኣብ ውሻጠ ደምበ ተቓውሞ ከም ዘሎ ሕልና ዘለዎ ሓቂ ይእመን፡፡

ነዚ ፈሊጥካ ኸኣ፡

ይፈተው! ይጸላእ፡ ውሻጠኻ ኣጽሪኻ፡ኣኣብገዛኻዘሎሕማምኣሕዊኻሓድነትምዕባሌምስዓንድኻዓውድኻጠቓምንኣኽባርንእዩንታሪኽካእሞ፡

ኢብራሂምንመብራህቱንእንታይኣበለኩምገብገብ

ተሓላሊኻተፋቒርካእናሃለወመኽሰብ

እንታይኣድለየስልጣንሰሲዕካዘይጽገብ

ታሪኽኣቦታትኩምከይብለኩምዓገብ

ኣሕዋትኩምኣክቡ፡በልዎምንቀራረብ

ኣብቀጻሊትክፋልክሳዕእንራኸብ

ሰናይቅነ

ብወዳብት፡ግርማይኪዳነ (ወዲፊሊፖ)

ሚላኖኢጣልያ

ይቕጽል

ድሕሪ ሞት ንቐብሪታሪኽ ከኣ ንነባሪ ካልኣይቲ ክፋል.pdf