-->

ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ጻዕዳ ክርስትያን

ካፒታኖ ሙዘትቲ ንዓድዋ ከይዱ ኪፍጽሞ እተመዘዞ ዕዮ ፈጺሙ ንኣስመራ ተመሊሱ ጸብጻብ መገሽኡ ከቕርብ ከሎ ገብረእዚአብሔር ኣብ ዓድዋ ኪፍጽሞ እተዋሃበ ስራሕ ኣይፈጸመን። እብ ቃሕ ዝበሎ እናኸደ ምስ ሰበስልታን ኢትዮጵያ ከም ልቡ ይዘራረብ ነይሩ። እዚ ጥራይ ከይአክል ከኣ ምስ ቤተ ክህነትን ዘይእሙናት ዓበይቲ ሰባትን ኣብ ጸልማት ኮይኑ ኪዝትን ኪእንገድን ከአንግድን ይርኤ ነይሩ ብማለት ኣቕሪበ።

ካብ`ዚ ዕለት`ዚ ጀሚሩ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጊላይ ጠርጠራ ኣሕደረ። ሰለይትን ወቀርትን እናሰዓቡዎም ከለዉ ገብረእግዜኣብሔር ምስ በዓል መን ከም ዝኾኑ፡ ከም ከመይ ዝበለ ፖሎቲካዊ ኣረአእያ ከም ዘሎዎ ይፈለጥ ዚብል ስቱር መምርሒ ተመሓላለፈ።
በዚ ከም`ዚ ዝበለ ምኽንያት ከኣ ንመእሰሪ ዝኽውን ምኽንያት ግዛእቲ ኢጣልያ ኣቐርቡ።

1.ኣብ ውግእ ዓድዋ ኣስተርጋሚ ኮይኑ ምስ ወዓለ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብምስጢ ተራኺቡ ሰነዳት ስለ ዘመሓላለፈ።
2.ምስ ፈታውራሪ ኣባታቦር ፍሉጥ ናይ ሓጸይ ምነሊክ ዓቀይታይ ብምስጢር ስለ ተራኽበ ኢሎም ኣመሓላለፉ እሞ።

ንወዲ ጊላይ ናብ ናዅራ ወስዶም ኣሰሩዎም። በቲ ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ናኵራ ዝአተወሉ ጊዜ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዝበዝሑ እሱራት ፖሎቲካ ከም ዝነበሩ እቶም ንሕና ዘርከብናሎም በቲ ጊዜ`ቲ ብህይወት ዝነበሩ ኤርትራውያን ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ።
ብዙሓት ካብ`ዞም እሱራት እዚኣቶም ብሕማምን ጥሜት ካልእ ስቓይን ኣብ`ቲ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም ዝተረፉ ክህልዉ ከለዉ፤ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ብጥበብ ብዓል ብላታ ገብረእግዚአብሔር ወዲ ጊላይን ዕስማን ቡሪን ደግያት ማሕራይን ምስ ብጾቶምን ካብ ማእሰርቲ ናዅራ ሰቢሮም ዝወጽኡ ነበሩ። ዝኾነ ኮይኑ ብላታ ገብረ እግዚኣብሔር ጊላይ ምስ መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ናኹራ ምስ ወጽኡ ድሕሪ ክንደይ ድኻምን ጽምእን ደንከል ሰንጢቆም ዓድዋ አትዮም ምስቶም ሽዑ አማሐዳሪ ዝነበሩ ራእሲ መኮነን እተባህሉ አቦ ሃጽይ ሃይለስላሴ ተራኺቦም ተላለዩ፡ ብዝነበሮም ፍልጠትን ብልሕን ከአ ብራእሲ መኮነን ተፈታዊ ኮይኖም ተረኸቡ። ቀጺሎም ካኣ ምስ ራእሲ መኮነን ሐቢሮም ንሽዋ ማለት ንአዲስ አበባ ከዱ።

ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ዝደረስዎም መጻሕፍቲ ተበለጽቲ ከም እተበለጹሎም ርኡይ ኪኸውን ከሎ፤ ብፍላይ (አእምሮ) እተባህለ ቀዳማይ ጋዜጣ ኢትዮጵያ መስሪቶም ብኢዶም እናጻሐፉ ኣብ ቀጽሪ ቤት መንግስቲ ሃጸይ ሚሊክ ይዝርግሑ ነበሩ። እንተኾነ ግን ብቕንእን ካልእ ሻርነትን እተላዕሉ ጸላእቲ ከበብዎም። ሐንሳእ ሃይማኖት ዘይብሎም ኮተሊኽ ኢዩ። ሐንሳእ ከአ ከም ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናአቕረቡ ከምርርዎም ስለ ዝጀመሩ፡ ዝርድኦም ሰብ እናወሓደ ከደ በብቕሩብ ከአ ስደት እናኸበዶም ብስጭት ከኣ እናገዘኦም ከደ`ሞ እቲ ዝዘርእዎ ዝነበሩ ፍርያም ዘርኢ ኣብ ከውሒ ከም እተዘርኤ እናበነነ ኣሳቐዮም።

ብላታ ገብረእግዚአብሔር ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝደረሱ ደራስን ጋዜተጤኛን ከም ዝነበሩ`ውን ብድሕሪኦም እተረቡ ጽሑፍቶምን ድርሰታቶምን ይምስክሩሎም። ብላታ ገብረ እግዚአብሔር ጊላይ ብ1888 ብ1889ዓ.ም. ሓደ ጋዜጣ ኣስመራ እተባህለ ጋዜጣ ፈጢሮም፡ ብኢዶም እናጻሓፉ ይዝርግሑ ነበሩ። ጋዜጣ ኣስመራ እቲ ቀዳማይ ብቋንቋ ሃገር፡ ብወዲ ሃገር እናተጻሕፈ እተዘርግሔ ጋዜጣ ኢዩ።

ብላታ ገብረ እግዜአብሔር ኣብ ክንዲ ስሞም ዘዘውትሩዎም ናይ ብርዒ ስም እውን ነይሮዎም ኣብ`ቲ ጽሑፋቶም ከኣ ብላታ ገብረእግዜአብሔር ጊላይ መፍቀሬ ሃገሩ ሓማሴናይ እናበሉ ይፍርሙ ነበሩ።

ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ምስ ዓረፉ፤ ድሕሪ ነዊሕ እዋን መርድእ ሞቶም ኣብ ዓዶም ጻዕዳ-ክርስትያን በጽሔ እሞ ካልኣይ ቀብሪ ተጌሩ መጐበር ኣብ ጐልጐል ወሪዱ ህዝቢ ምስ ተኣከበ ሓደ ኣልቃሳይ፤

ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ
ወዲ ጊላይ ወዲ መርከብ ዓባይ
ወዲ ገብረክርስቶስ ወዲ መርከብ ዓባይ
ወዲ ተሽም ወዲ መርከብ ዓባይ
ጅነራል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግናይ
ኮሎኔል ዝፈረዶም ናባኻ ይብሉ ይግባይ
ኵሉ ድኣ ይውዕሎ ባይቶ ኣደባባይ እቲ
ገሊኡ ኣብ ጭላጦ ምጽባይ
እቲ ገሊኡ ኣብ ቁርሲ ምጽባይ
ወዲ ጠፈኡኩም ደቈትሽም ህዝባይ
ይኣኸለኒ ድኣ ወዲኤ ዘረባይ።

ኢሉ ኣልቀሰሎም። እቲ ኣልቃሳይ ብላታ ገብረእግዚኣብሔር ጸላእ መንግስቲ ኢጣልያ ምዃኖም እናፈለጠ፤ ኣብ ጥሕቲ መግዛእታዊ እናነበረ ከሎ ብድፍረት ስለ ዘልቀ ሰሎም ከኣ ህዝቢ ብትብዓቱ ኣመስገኖ ይብሃል። ብመምህር ፈደል መኮነን። Source facrbook excerpts from :History of Eritrean People Community

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com