ትግርኛ ዜና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቱ ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቱ ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ።
Wednesday, 27 April 2011 23:49

ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ንጃምላዊ ህልቂት ናይዞም ኣማኢት ንጹሃት መንእሰያት፡ ናብ ምጮት ክኸዱ ከለዉ ዝጠፍኡ እዮም እናበለ ከነኣእሶ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።

ብቐንዱ ካብ ዓዲ ናብ ስደት በሪሮም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ  ናይ ሞት ሓደጋ ዝበጽሑ እቲ ስርዓት ኣብ ሃገሮም ንቡር መነባብሮ ከሕልፉ ስለዘይፈቐደሎም እዩ። በዚ ድማ ብህልቂት ናይቶም ኣብ ፈቖዶ ስደት ዝተፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዝያዳ ድማ መንእሰያት፡ ተሓታቲ እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ እዩ።