እቲ ካልእ መሓውር ዓፈና…ስለያ ግንባር

ካልኣይ ክፋል

ስለያ ምክልኻልን ግንባርን ተግባራቶምን ተልእኾኦምን ሓደ ዋላ እንተኾነ፡ ናይ ኣወዳድባ ኣፈላላይ ኣለዎም፡፡ ስለያ ምክልኻል ቅድሚ 2009 ኣብ ትሕቲ ሚኒስተር ሚ/ሪ ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ተጠርኒፉ ነይሩ፡፡ ድሕሪ 2009 ግን ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኮይኑ፡፡ ስለያ ግንባር ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣዘዝቲ ግንባራት ዝምራሕ ካብቶም ኣብ ግንባራት ዝርከቡ ስታፋት ሓደ’ዩ፡፡ ስለዚ ኣብ 5ቲአን ግንባራት ማለት ኣብ ምብራቓዊ እዚ፡ ማእከላይ እዚ፡ ምዕራባዊ እዚ፡ ተወርዋሪ እዚን እዚ ዕቑር ሰራዊትን ብደረጃ ስታፍ ናይ ሰለያ ኣወዳድባ’ሎ፡፡ ብልማዳዊ ኣጸዋውዓ ከኣ “ስለያ ግንባር” ይበሃል፡፡

ኣብ 5ቲአን እዚታት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስለያ ግንባር ዝስዕቡ’ዮም፡
1. ሌ/ኮ ሓድሽ ዓንዶም ወለላ (ስታፍ ስለያ ተወርዋሪ እዚ፡ ወተሃደራዊ ቁጽሪ 771905 ዕ/ልደት፡ 6/5/1956 መዓርግ ሌ/ኮ 2 ደረጃ ትምህርቲ 11) ኣብ ምቕያድ “ጉጅለ-15ን ተደናገጽቶምን ከምኡ’ውን ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ብጸላም ካብ ዘመላልሱ ሓደ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ካብ 1999 ጀሚሮም ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ ዝተኻየዱ ግፋታት፡ ኣብ ምውህሃድን ምምራሕን ልዑል ተራ ካብ ዝነበሮም ሓለፍቲ ሓደ’ዩ፡፡

2. ም/ተለንተ ቃልኣብ ዓንደሃይማኖት (ፍረ) ድሕሪ ሌ/ኮ ግርማጽዮን ዮውሃንስ (ሃጸይነት) ዝተመደበ ሓላፊ ኮይኑ፡ ስታፍ ስለያ ምብራቓዊ እዩ፡፡ ንዓመታት ስታፍ ስለያ ክ/ሰ 22 ዝነበረ’ዩ፡፡ ሕጂ ከኣ ብሃጸይነት ክትግበሩ ዝጸንሑ ስራሕቲ ዓሚሙ ይቕጽል’ሎ፡፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፍር ዝፍጸሙ ግፍዕታትን፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝዋፈሩ ግበረ-ሽበራውያን ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን የተሓባብርን የዋፍርን፡፡ ከም ኣብነት ምስ ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ (ሃጸይነት) ኮይኑ ኣባላት ስለያ ክ/ሰ 22 ኣዋፊሩ ዕለት 19/2/2008 ኣብ ከባቢታት ዳሉል ዒላ ደበን ጸረ ተሸከርከርቲ ነተጉቲ ክቐብሩን ከጋፍዑን ኣዚዙ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝተቐብረ ጸረ ተሸክርከርቲ ነተጉቲ 4 ናይ ሲቪላን መካይን ኣቃጺሎም፡ ብድብያ ኣብ ልዕሊ ወጻተኛታት ቱሪስት መጥቃዕቲ ብምኽፋት 4 ስተሸንዋገን መካይን ተቃጺለን፡፡ ክልተ ኢትዮጵያውያን ዓፊኖም ኣብ መወዳእታ ናብ ኤርትራ ብምእታው ም/ተ ቃልኣብ (ፍረ) ምስ መርመሮም ክርሸኑ ተገይርም፡፡ ኣብቲ እዋን ነቲ መጥቃዕቲ ተቐናቐንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወልድቲ ዓፋር ከምዝገበርዎ ብሚዲያታት ተፈንዩ፡፡ ድሕሪ’ቲ ስርሒት ጀነራል ስብሓት ብህጹጽ ናብ ዓሰብ ክኸይድ ብኢሳይያስ ተሓቢርዎ ከይዱ ተሃድሶ ከምዝገበረሎም ዝገልጽ ጸብጻብ ጀነራል ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ይርከብ፡፡

3. ሜጀር ተኽለብርሃን ሓጎስ (ወዲ ዓይነይ) ስታፍ ስለያ ማእከላይ እዚ ብምኻን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ገባሪ ሓዳጊን ህዝቢ ዘሰራጢ ዘሎ ሰብ’ዩ፡፡ ካብ ተልእኾኡ ወጻኢ ካብ ወኪል ሃ/ድሕነት መደባት እንዳተዓደሎ ኣብ ምዕፋን ስጉምቲ ምውሳድን ዜጋታት ይሳተፍ፡፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲኳላ፡ ዓዲወግሪ፡ ዓላ፡ ማይሰራውን ካልኦትን ብስም ጸጥታን ስግረ-ዶብ፡ ተሓባበርቲ፡ ኣስገርቲ፡ ብምባል ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ዝፈጸመ’ዩ፡፡ እሱራት እንዳፈራርሐ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ይምንዝዕ፡ ወለዲ ብኣልማማ ይኣስር፡ ጸብጻባት ሃ/ድሕነት ከምዝሕብረዎ ኣብ ትሕቲኡ 4 ሰባት ብምውፋር ብቀጥታ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር መስርሕ ምስግጋር ሰባት (ስግረ ዶብ) ተሳታፊ’ዩ፡፡

እቶም ቀንዲ ህዝብና ዝራስዩ ዘለው ሓለፍቲ ስለያ ግንባራት እዚኦም ኮይኖም መብዛሕትና ከምእንፈልጦ ኣብ ምዕራባዊ እዚ ከም በዓል ሌ/ኮ ተከስተ ዘውደ (ወዲዘውደ) ኣብ ልዕሊ ዜገታታት ዘውረድዎ ግፍዕታት ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ ግዜ ኣብ ምዕራባዊ እዚ ብዙሕ ስም ዘይብሉ ም/ተ ሙሉብርሃን ዝተብሃለ፡ ኣብ እዚ ዕቑርን ህዝባዊን ሰራዊት ከኣ ዝተፈላለዩ ዘይወግዓውያን ሓለፍቲ ስለያ ኣለው፡፡

ገለ ካብ ግፍዕታት ስታፍ ስለያ ማእከላይ እዚ፡

ኣብ ቀደማይ ክፋል ጽሑፈይ ኣብ ልዕሊ መሓውራት ወተደራዊ ስለያ ዝምልከት ብሰነድ ተሰነየ ሓበሬታ ምዝርገሐይ ይፍለጥ፡፡ ንሎሚ ከኣ ብስታፍ ስለያ ማእከላይ እዚ (ስርሒት ዞባ 03) ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማን ካልኦትን ዝተወስደ ኣሰቃቒ ስጉምቲ ክገልጽ፡፡

(ክቡራት ኣንበብቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ሓደ እዋን ብመንግስትኣብ ግርማይ ዝተብሃለ መርማሪ ስለያ ግንባር ዝነበረ ግዱስ ዜጋ ዝገበሮ ቃለመሕተት ሰሚዐ፡፡ ነዚ ግዱስ ዜጋ እንዳመስገመንኩ፡ ንሎሚ መበገሲ ምኽንያት ናይቲ ግፍዓዊ ስጉምትን ቀጺሎም ዝሰዓቡ ኩነታትን ዝምለከት ይፍንወልኩም፡፡)

ድሕሪ 2007 ሕቡእ ባህሪያት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝያዳ ዝተገሃደሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዝመርሖ “መንግሰቲ” ፍሉይ ጸቕጥታት ክረአ ዝጀመረሉ’ዩ፡፡ ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ዘኸተሎ ዕንወትን ምጥፋእ ኣሻሓት መንእሰያትን ከምኡ’ውን ዝሰዓበ ጉዳይ ምእሳር “ጉጅለ-15” ንመንነት ኢሳይያስን ህግደፍን መለለዬ መድረኽ ስለዝፈጠረ፡ ካብ ህዝቢ ንዝለዓል ሕቶታት ንምዕፋንን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ምንጪ ኩሉ ጸገማት ኤርትራ ግዳማዊ ከምዝኾነ ንምምሳል ብዙሕ ተሰሪሑሉ’ዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሃገርና ንተቓወምቲ ኢትዮጵያን ጎኒ ነጎኒ ከኣ “ንወያነ ከዳኽሙ ይኽእሉ’ዮም” ዝተብሃሉ ንተቐናቐንቲ ጉጅለታት ጎረቤት ሃገራት ኢትዮጵያ (ኣል-ኢትሓድ፡ ኣልሸባብ፡ ኡርዱፍን ካልኦትን) ንዋታዊን ሞራላዊ ሓገዛት ክገብር ተራኣየ፡፡ ነዞም ጉጅለታት ኩሉ መደያዊ ድጋፍ ብምሃብ ናብ መሬት ኢትዮጵያ እንዳዋፈረ ግብረ-ሽበራዊ ሽርሒታት ቀጸለ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሱ ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ነይሮም፡፡ እዚ ጉዳይ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ትኹረት ምርካብ ጀመረ፡፡

ብወገን ኢትዮጵያ’ውን ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ብልጫታት ተጠቒሞም ብዝተፈላለዩ ስለያዊ መርበባቶም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብሰነድ ኣሰኒዮም ንህዝቦምን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብምቅላዕ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ረኺቦም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ትርጉም ዘይነበሮም ብኢሳይያስ ግን ዝገበሉ ከም በዓል ብር/ጀ (ናይ ሽዑ ኮ/ል) ጠዓመ ጎይቶም ክንፉ (መቐለ)፡ ሌ/ኮ ፍጹም ኢሳቕ (ለኒን)፡ ኮ/ል ተወልደ ሃብተ ነጋሽን ካልኦትን ኣብ ኣህጉራዊ ጸብጻባት ኣስማቶም ክርቋሕ ተጀሚሩ፡፡

ኣብ 2006/7 ብኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣከበ “ጸብጻብ ምዕዝምዛማት ህዝቢ” (Public opinion) ከኣ ብሕቡእ ህዝቢ “ኣብ እንዳማትና ኢድ ምትእትታው ስለምንታይ ኣድለየ? ናይ ትማል ከይኣኽለና ሕጂ ከኣ ኦሮሞ ትግራዎት እንዳበልካ ጉጅለታት ምሕብሓብ እንታይ ይዓብስ? ግበረ መልሲ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ርእስና እዩ ዘሎ፡ ዓለም ዝነጸገቶም ጉጅለታት ሶማል ምድጋፍ እንታይ የኽስበና?…” ዝብሉ ነበሩ፡፡ ብሓፈሻ በዚ ኩነታት ስክፍታት ዘሕደረ ኢሳይያስ ንሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን በብእብረ እንዳኣከበ፡ ብፍላይ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተዳለው ጽሑፋት ከም ኣጀንዳ ተሰሪዖም ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ሃገርና “መኸተ” ፡ “ብድሆ”፡ “ሽርሒታት ወያነን ኣመሪካን”፡ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ብዝብሉ ሓደሽቲ ቃላት ተሰኒዮም ብስም “ህልው ኩነታት ሃገርን ጸላኢን” መደባት እንዳተሓንጸጹ ኣብ ውሽጥን ደገን “ኣንጻር ግዳማዊ ሽርሒታት ስነ-ኣአምራዊ ጸቕጥታትን ውህድ መኸተ” ተጀመረ፡፡

ከም ኣካል ናይዚ “ውሁድ ውጥን” Comprehensive plan ብመገዲ ወያነ ንዝግበር ዝነበረ ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕቲ ንምፍሻል ውሑዳት ሰበ-ስልጣናት ዝፈልጥዎ ስቱር መደብ ተሓንጸጸ፡፡

ትሕዝቶ መጽናዕቲ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኩናማ

ኣብ 28/12/2006 ”ሚኒስተር” ዓሊ ዓብዱ፡ ብር/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ሜ/ጀነራል ዑሞር ሓሰን (ጠዊል) ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ብኢሳይያስ ተኻይዱ፡፡ ኢሳይያስ ንጉጅለታት ተቐናቐንቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ፡፡ ቀጺሉ ኣብ ጉጅለ ኩናማ ጸቒጡ “ዋላ ኣድማዒ አይኹን ኣብ ባይታ ንጥፈታት ዘለዋ ጉጅለ’ያ፡፡ እዚ ከኣ ብወያነ ኣብ ልዕሌና ዝካየድ ዘሎ ናይ ፒኣር ስራሕቲ ካውንተር ንምግባር ይጠቕመና’ዩ፡፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ማዕረ ማዕረ እቲ ወተሃደራዊ ንጥፈታት፡ ስለያዊ መናውራታትና ኣብ ምምላእ ሃጓፋት ስነ-ኣእመራዊ ተጽዕኖታት ዕዙዝ ተራ ነይርዎ፡፡ ሕጂ’ውን ብመንጽር’ዚ ኣብ ጉጅለ ኩናማ ኣድሂብና ክንሰርሖ ዝግባእ እዋናዊ መደብ ወጺኡ ኣሎ፡፡” ብምባል ንጉጅለ ኩናማ ዝምልከት ገምጋማዊ ትንተና ኣቕሪቡ፡፡ ኣብ ትንተንኡ ጉጅለ ኩናማ (ዲምሓኩኤ/ኤርከኩዱሱ) “ምስ ዘለዎ ድኹም ጎንታት ንጠቐመሉ” ብዝብል ብመሰረት ዝወጸ ኣፈነናዊ ገምጋም እቲ ውድብ ቅሉዕ ምቅስቓስ ዝኽተል፡ ሶንኮፍ ኣወዳድባ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኩናማ ከኣ ብታሪኹ ብግዚያዊ ረብሓታት መትከሉ ዝስሕት ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡

ኣፈጻጽማ መደብን ስጉምትን፡

ፈለማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄር ኩናማ ንዝተወጠነ መደብ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ፡፡ ካብ ሰነዳት እንዳጸጥታ ብዙሕ ፋይላት ብመገዲ ወዲ ካሳ ተፈቲሹ፡ ግዳይ እቲ መደብ ዝኾኑ ሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲኳላ ክምመዩ ተወሲኑ፡፡ ናይ መወዳእታ ፈጸምቲ ጉዳይ ኣባላት ስታፍ ስለያ ስርሒት 03 ክኾኑ፡ ዕቱብ ምክትታሎም ከኣ ብሜጀር ጀነራል ጠዊል ክግበር ተወሲኑ፡፡ እቲ ቀንዲ ዕለማ “ሽርሒታት ህዝባዊ ርክባት ወያነ ንምፍሻል” ስለ ዝነበረ ጉዳይ ዜናዊን ምድላው ዶኩሜንታሪን ን”ሚ/ር” ዓሊ ዓብዱ ተዋሂቡ፡፡ ኩሎም መመደቦም ሒዞም ኣብዝተፈላለየ እዋናት እናተራኸቡ ንጉዳይ ኣፈጻጽማታቱ ክዝትዩ ጸኒሖም፡፡ ናይ ነፍሰወከፍ ኣፈጻጽማ ጸብጻባቶም ከኣ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ይለኣኽ ነይሩ፡፡

ብመሰረት’ዚ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ዘለው ኣርካይቫት መምዩ፡ ምድላው ኪኢላታት እውን ኣጻፊፉ፡፡ ሜ/ጀ ጠዊል ብወገኑ ብስታፍ ስለያ ስርሒት 03 ሜጀር ተኽለብርሃን ሓጎስ (ወዲዓነይ) ዝምርሑ 10 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ከምዘዳለወ ጸብጻብ ኣቕሪቡ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩለን ብሄራት ሃገርና ሰብኣዊን ሞራላዊን በሰላታት ኣብጺሑ’ዩ፡፡ ብሄር ኩናማ ከም ሓደ ኣካል ብሄራት ሃገርና ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ሕሰምን መከራን ምስ ምምስራት ወዱብ ኩናማ ብምትእስሳር ካብ 2000 ንደሓር እንዳሓሰመ ከይዱ፡፡ ብፍላይ “ንውድብ ኩናማ እኸለ ማይ ኣቐቢልኩም፡ ነተጉቲ ቀቢርኩም፡ ሰልዲ ኣዋጺኹም….” ብዝብል ምስምስ ካብ ከባቢታት ኮሰልዳ፡ ኩሉኩ፡ ኣሸሹ፡ ሻምበቆ፡ ቶሌጋምጃ፡ ብሽኳ፡ ፎሊናን ቢንቢናን ብዙሓት ኣባላት”ዚ ብሄር ዕድመን ጾታን ብዘይፈሊ ተኣሲሮም፡ ተቐጥቂጦም፡ ተቐቲሎምን፡፡

ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተወጠነ ውዲት ቀጺሉ፡ ፈለማ ጸብጻብ ናይ 32 ቅዩዳት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲኳላ፡ ናይ 40 ቅዩዳት ካብ ባረንቱ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት ቀሪቡ፡፡ ካብዚ ተበጊሱ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክግበር ዝግበኦ ቀጻሊ መደባት ንዝምልከቶም ሓቢሩ፡፡ ክሳብ ዕለት 8/04/2007 ቀጻሊ መርመራ ክግበረሎም ጸኒሑ፡፡ ብመንጽር ዕለማ “ዝተነገሮም ከየዛብዑ በቲ ዝድለ መገዲ ክገልጹ ይኽእሉ” ተባሂሉ ዝተኣምነሎም እሱራት ተመምዮም ብጽኑዕ ሓለዋ ናብ ብሽኳ ክወርዱ ተገይሮም፡፡ ኣብ ብሽኳ ምስ ዓሊ ዓብዱ ተራኺቦም፡፡ ን7 መዓልታት ዝኣክል ኣብ ከባቢታት ብሽኳን ሻምበቆን ብኣባላት ሚ/ሪ ዜና (ዓሊ ዓብዱን ኣባላቱን)፡ ወዲ ዓይነይ ስታፍ ስለያ ዞባ ስርሒት 03 እንዳተኣለዩ ግብጃታት እንዳተገብረሎም፡ ኣብ ሚዲያ ቀሪቦም ቃለ መሕተት ከምዝገብረሎም ኣእሚኖምዎም ኣብ መወዳእታ ከም ዝፍትሑ ቃል ተኣቲዩሎም፡፡ “ብወያነ ከምተለኣኹ ክዛረቡ፡ ነተጉቲ ቀቢርና ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ሓደጋታት ኣውሪድና ንኽብሉ” ኣእሚኖም ነቲ ዝተመርጸ ከባቢታት ክላለዩን ክለማመዱን ተገይሩ፡፡ ልምምዶም ምስ ወድኡ ቀጺሉ ስሩዕ ቀረጻን ቃለመሕተትን ተገይሩ፡ ናብ ቤ/ጽ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ተላኢኹ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ኪኢላታት ሚ/ሪ ዜና መዲቡ እቲ መደብ ክቀናበርን ክወሃሃድን ድሕሪ ምግባር ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ቃለመሕተት መሪጹ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ለኣኸ፡፡ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት እቲ መደብ ንህዝቢ ክፍኖ ስለተሓበረ ኣብ ኤረ ቲቪ ተፈንዩ፡፡

ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ተበጊሱ ክሳብ ስለያ ግንባር ስርሒት ዞባ 03 ዝወረደ መደብ ድሕሪ ምትግባሩ፡ ንኣፈጽጽምኡን ውጽኢቱን ዝምልከት ገምጋማዊ ጸብጻብ ቀሪቡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ “ነቲ መደብ ንምፍጻም ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ዕቱብ ምትሕብባር ዋላ እንተገበረ ኣብ ሚስጢራዊነት ሃጓፋት ከምዝነበሮ፡ ክፈልጡ ዘይግበኦም ሰባት ብዛዕባ’ቲ ውዲት ከምዝፈለጡን ኣብ ህዝቢ ክንዲቲ ዝድለ ኣዘራራቢ ከምዘይነበረን” ይገልጽ፡፡
ድሕሪ ገምጋም ፕረሲደንት ቀጻሉ ክፍጸም ብዛዕባ ዝግበኦ ውሳነ ንወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ንኣዛዚ ስርሒት ዞባ 03 ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን (ጠዊል) ኣዚዙ፡፡

ናይ መወዳእታ ፍጻመ እሱራት፡

ብዕለት 26/04/2007 ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት ናብ መንደፈራ ቤ/ጽ ስለያ ስርሒት ዞባ 03 ኣርበዓ (40) ሊትሮ ሲያናይድ (Cyanide) ዝተብሃለ ከሚካል ተላኢኹ፡፡ ዕለት 27/04/2007 ኣብ ማይ ድማ ዝተኣኻቡ 26 እሱራት ኣብ ቀጽሪ ቤ/ማእሰርቲ ስለያ ክ/ሰ 25 ሓሙሽተ (5) ሜትሮ ዕምቀት ዘለዎ ንማይ ዝኾን ባስካ ጉድጓድ ክኹዕቱ ተኣዚዞም፡፡ ሰዓት 10፡00 ምሸት ኩሎም እሱራት ካብ ዝነበሩዎ ካሜራ ክወጹ ተገይሮም ናብቲ ጉድጓድ ክኣትው ተገደዱ፡፡ ሜጀር ተኽለብርሃን ሓጎስ (ወዲ ዓይነይ)፡ ሜጀር በረኸት ወልደገብሪኤል (ከውሒ--ስታፍ ስለያ ክ/ሰ 25) ዝመርሕዎም ምሩጻት ኣባላት ስለያ ስርሒት ዞባ 03 ነቲ ከሚካል ብጥንቃቀ ሒዞም ናብቲ ጋህሲ ምኽዓው ቀጺሎም፡፡ ኣብዛ ዕለት 26 ዜጋታትና ከም ኣናጹ ብከሚካል ተሰሚሞም ብዘይድምጺ ጸኒቶም፡፡ እቶም ዜጋታት ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. ዓንዳይ ኣረሮ ሳልሕ
2. ባድመ ጉፍለ ባራ
3. ኪሮስ በየነ ኣዱራ
4. ሓጎስ ሻዳይ ባሮን
5. ቢቦ ፋፋ ቱንጓ
6. ሻቢ ፍሩተ ናቱ
7. መናድል ስዒዳይ ሓለንጋይ
8. ኛው ሰሎሙን ሳህለ
9. የማኑ መረማ ጎባይ
10. ኣውሮ ገብረማርያም ደስታ
11. ዓንደብርሃን ገረንኪኤል (ብሄሩ ትግርኛ ኮይኑ ተሓባባሪ ተባሂሉ ዝተቐትለ)፡፡
12. ዓብዱላሂ ማርዮ አንድሉ
13. ገብረማርያም ዱዱ (ተጋ/ህ.ግ ነበር፡ ብደርግ ተማሪኹ 9 ዓመት ተኣሲሩ ምንባሩ ጸብጻቡ ይሕብር፡፡
14. ሙሳ ከበደ
15. ተስፋይ ሸሊ (ዓዱ ብሽኳ’ዩ፡፡ ተጋ/ህ.ግ ነይሩ፡፡ ብደርግ ተማሪኹ ተኣሲሩ ብህግደፍ’ውን 10 ዓመት ተኣሲሩ ምስወጸ ምስኦም ዝተቐተለ’ዩ፡፡
16. ዓዋተ ናዳ ባዴን
17. መመ ሻራ
18. ድለ ዓብደላ
19. ዓሊ ሙሳ ገሹ
20. ጋላ ታበ ፋኪ
21. ጋላ ሽቦ ትለ
22. ሓጃጅ ሻቡል
23. ኣውላ ቲካ ኣረሩ
24. ማንታይ ያኢቆብ ኣልባይ
25. ዓና ሎሎ ከኙ
26. ኣንቶሺ ኪኒ ጋጋሲ ዝተብሃሉ’ዮም፡፡

ካብዞም ተጠቕሱ እቶም ክልተ ካብ ጋህሲ ወጻኢ ብሕሱም ማህረምትን ክህድሙ ብምፍታኖም ኣቐዲሞም ዝተቐተሉ’ዮም፡፡
ነዚ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት: ቀንዲ ተሓተቲ ኢሳይያስን ሒደት ሓለፍቲ ወ/ሃ/ድሕነት እኳ እንተኾኑ፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብዚ ኣሰቃቒ ምጽናት ደቂ ሰባት ዝተሳተፉን ዝተሓባበሩን ኣብ መጻኢት ርህውቲ ኤርትራ ብሕጋዊ መገዲ ክሕተቱ ዝግበኦም ሓለፍትን ቀጺሉ ዝሰዓበ ዘስደምም ታሪኾምን ተዓዘቡ፡

1. ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን (ጠዊል)- እቲ ዝገርም ንሱ’ውን ከም ዓብደላ ጃብር በትሪ ኢሳይያስ ዓሪፍዎ ኣብ ጉድጓድ ይርከብ፡፡ ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጂዱ) ዝርምሑ 6 ኣባላት ወ/ሃ/ድሕነት በቢእብረ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ን2 ወርሒ እንዳተሓለወ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ላዕላይ ደንጎሎ ተወሲዱ ብኡ ኣቢሉ ናብ ካልእ ጉድጓድ ተደርቢዩ፡፡

2. “ሚ/ር” ዓሊ ዓብዱ፡ መተካእታ ኢሳይያስ ኮይኑ “ሃገር ክመርሕ” እንዳሓለመ እንከሎ፡ ሴፍ ኢሳይያስ ናብ ባዕሉ’ውን ምስ ቀነዐት ምኽንያት ፈጢሩ ኣቐዲሙ ሃዲሙ፡፡ ብድሕሪኡ ጓሉ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ካብ ስዳን ብስርሒት ተታሒዛ መጺኣ ዘድሕና ስኢና ገና ብዕሸላ ናይ ኣእምሮ ጸገም ገይራ ቤት ማእሰርታት ክቐያይሩላ ጸኒሖም፡፡ ብዕደመ ዝሸምገሉ ኣቡኡ (ኣቦይ ዓብዱ) ኣብ 2001 ንኢሳይያስን ጉጅለ-15 ከተዓርቑ ብምጽዓሮም ከም ገበነኛ ተቖጺሮም ደልዓስዓስ እንዳበሉ ዝተኣሰርዎን ዝተገፍዑዎን ከይኣኽሎም ድሕሪ ህድማ ዓሊ’ውን ተኣሲሮም ግዳይ ሕማማት ኮይኖም ብውልቸር ክመላለሱ ተራእዮም፡፡ ዓሊ ዓብዱ ምስ ሃደመ እውን ናብ ህዝቡ ወጊኑ ንመላኺ ኣብ ክንዲ ምቅላዕ ንህዝቡ ከይጠቐመ፡ ስድራቤቱ በታቲኑ ንገዛእ ነብሱ ከም ሰገን ርእሱ ቀቢሩ ኣብ ክቱር ጭንቀት ኣብ ሜልቦርን ኣውስትራሊያ ይነብር’ሎ፡፡

3. ሜጀር ተኽለብርሃን ሓጎስ (ወዲ ዓይነይ)፡ ተለኣኣኺ ምልኪ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታትና ከጽንት ዝጸንሐ ሰብ’ዩ፡፡ እንተኾነ ንሱ’ውን ብሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ዞባ ደቡብ ሌ/ኮ ኪዳነ በርሀ (ርእሶም) ብዝተገብረ ሕቡእ መጽናዕቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ናይ ስግረ-ዶብ ናይ ረብሓ ምትእእስሳር ምስ ኣዛዚ ክ/ሰ 13 (ኮ/ል ጎይቶኦም ተስፋሚካኤል- ሸገግ) ከምዘለዎ ስለተፈልጠ ኣብ ጠመተ ኣትዩ ሎሚ ዶ ጽባሕ “የሕቑቑኒ” ብዝብል ኣብ ጭንቀት ተሸሚሙ ይርከብ፡፡

4. ሜጀር በረኸት ወልደገብሪኤል (ከውሒ) ስታፍ ስለያ ክ/ሰ 25 ኮይኑ ብድሕሪኡ ንሱ’ውን ከም ሃገሩ ኣብ ከልበትበት ይርከብ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ ጉዳይ ሃገርን ጸጥታ ሓዲጉ ኣብ ምጽናት ወለዶታት ዝተሸመ ታሪኽ ብላዕ ተባላዕ ወ/ሃ/ድሕነትን ስላያ ግንባርን ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፡፡ ኣብ ልዕሊ’ዛ ፔጅ ዝግበር ዘሎ ውዲት ሕጂ”ውን ይቕጽል’ሎ፡፡ መልእኽቲ ሳክቲዝም ናብ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንኽባጻሕ SHARE ኣብ ምግባር ኣይትሕመቑ፡፡