ድሕሪ ዕልዋ 1982


ዓብደላ ወገናዊን ቀንጻሊን ናይ ጀብሃ ታሪኹ፣ ብ25 መጋቢት 1982 ኣብ ራሳይ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ቦታ ብዝፈጸሞ ኩዴታ እዩ ዛዚምዎ። ንመልኣከ ተኽለ ቀንጺሉ ንመብዛሕትኣ ኣባል መሪሕነት ድሕሪ ምእሳሩ ድማ፣ ባዕሉ ኣቦመንበር ኮይኑ። ብድሕሪ’ዚ ሰሚናራት ከምዝካየድ ገይሩ፣ ኣዋጃት ኣውጺኡ። “ጀብሃ ተረጋጊኣ፣ ኣብቲ ቅኑዕን መበቈላውን መስመራ ተመሊሳ ኣላ። ንሕና እቲ መሰረት እዩ ዘገድስና። ጸገም ናይ ጀብሃ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ብቐደሙ እውን ቢቢሲ ዝጸውዓቶም (ዓወታት ምስ ተሰምዐ ዝመጹ) እዮም። ሕጂ እውን ድሓን ቢቢሲ ምስ ጸውዓቶም ዝመጹ ካልኦት ክህልው እዮም” ዝብል ጎስጓስ ድማ ከካይድ ጀሚሩ። እዚ ጭርቃን’ዚ ኣብ ጀብሃ
29
ልሙድ እዩ ዝነበረ። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቶም ገዳይም “ዘይ ቡን ትሰትዩ እምበር እንታይ ትገብሩ ነይርኩም?” እዩ ዝብሎም ዝነበረ። ንሶም ድማ፣ ነቶም ድሓር ዝመጹ “ቢቢሲ ዝጸውዓቶም” እናበሉ ይጨርቅሎም።
ዓብደላ ዝቕንጸል ቀንጺሉ ዝእሰር ኣሲሩ፣ መሪሕነቱ ንምርጋእ ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ፣ ብኣንጻሩ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዓብደላ እናበርትዐ እዩ ከይዱ። ኣብ ኮረኮንን ታህዳይን ዝነበሩ ተጋደልቲ ብምሉኦም ኣንጻር ዓብደላ ደው ኢሎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ዶክተር ሃብተ ኣብ ጉጅለ ዓብደላ ምክትል ኣቦመንበር እዩ ነይሩ። ነቶም ተጋደልቲ ንምትህድዳእ ድማ ምስ ስዩምን ካልኦትን ናብ ኮረኮን ተላኢኾም። ንሳቶም ነቲ ተጋዳላይ ብቐሊሉ ዘተሃዳድእዎ እዩ መሲልዎም ነይሩ። ኣብኡ ዝነበረ ስምዒት ግን ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሕዎም። እቶም ተጋደልቲ ምስቲ ዝነበሮም ሕርቃን ዘይቀተልዎም ዕድል እዮም ገይሮም። ካብቲ ተጋዳላይ ሃዲሞም፣ ኣብ መዓስከር ናይ ሱዳን ክሳብ ዝዕቈቡ እዮም ኮይኖም። “ነዚ ሒዝኩም ትመጹና። እዚ ኹሉ ሰብ ቀቢርኩም፣ ቅትለታት ተፈጺሙ፣ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩስ ያኢ፣ ንድሕነት ጀብሃ ክንብል ምስ ዓብደላ ክንቅጽል” ብምባል እቲ ተጋዳላይ ብዙሕ ኣንጸርጺሩ። ዓብደላ ብዓንተቦኡ ብተጋዳላይ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብ እዩ። ዶክተር ሃብተ ተቓውሞ ናይቶም ተጋደልቲ ምስ ርኣየ ምሒር ሰንቢዱ። እቶም ተጋደልቲ ንዶክተር ሃብተ፣ ኣንጻር’ቲ ብዓብደላ ዝተኻየደ ኩዴታ ኣዋጅ ከውጽእ ኣገዲዶሞ። “ሕራይ ኢሉ” ኣንጻር ዓብደላ ኣዋጅ ኣውጺኡ፣ ፈሪሙ። ስለዝፈርሐ ግን፣ “በጃኻትኩም ኣነ ካርቱም ከይበጻሕኩ ከይተውጽኡዎ” ኢሉ ለሚንዎም።
ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰራዊት ናቱ ኣኼባታት ቀጺሉ፣ ግዝያዊ ሽማግለ መሪጹ። ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ መንጎ’ቲ ግዝያዊ ሽማግለ ናይ ሰራዊትን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ምፍጣጥ ተጀሚሩ። ንሳቶም “ንሕና ሕጋዊ መሪሕነት ኢና” ክብሉ ከለው፣ እቶም ሽማግለ ናይ ሰራዊት ድማ “ከም ሕጋውያን መራሕቲ ኣይንፈልጠኩምን ኢና” ኢሎሞም። የግዳስ ብውዲት ተረፍ መረፍ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፣ ኣብ መንጎ እታ ናይ ሰራዊት ሽማግለ እውን ምክፍፋል ኣጋጢሙ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ። ክሳብ ምትዃስ እውን ተበጺሑ። ሱዳናውያን መጺኦም ኣብ መንጎኦም ናይ ጸጥታ ዞባ ብምፍላይ፣ ነተን መዓስከራት ኣብ ክልተ መቒሎመን። እቲ ዝበዝሐ ድሓር ሳግም ዝተባህለ ኣንጻር’ቲ መሪሕነት ጠጠው ክብል ከሎ፣ ገለ ውሑዳት ድማ ምስቲ መሪሕነት ወጊኖም።
ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ዝሓዞም ውሑዳት ተጋደልቲ ዝርከብዎ ሓደ ንጹል ሓይሊ ነይሩ እዩ። ተስፋምህረት ጀብሃ ንሱዳን ክትኣቱ ኸላ ምስ ውሑዳት ሰዓብቱ ኣብ ጋሽ እዩ ተሪፉ። በዓል ዓብደላ እድሪስ ነዚ ምስርኣዩ ክልተ ጋንታ ዝኸውን ሰራዊት ኣዋጺኦም፣ ንጋሽ ከእትው ፈቲኖም ነይሮም። “ቱምሳሕ ዝመርሖ ናይ ደባይ ኣሃዱታት ክንምስርት ኢና” እዮም ኢሎም። ቱምሳሕ ናብኡ ምስ ከደ ግን፣ በዓል ተስፋምህረት ቀቲሎሞ። ንጠንቂ ናይቲ ቕትለት ብዝምልከት ብልክዕ ዝፈልጦ እኳ እንተዘይብለይ፣ ከም ግምተይ ሕነ ናይ መልኣከ እዩ ዝመስል። (ኣብቲ ድሓር ዝቐጸለ ምዕባለታት ተስፋምህረት ምስ በዓል ዓብደላ ርክብ ዘይብሉ፣ ኣብ ከባቢ ጋሽ ከምዞም ናይ ውግእ ጎይቶት (ዎርሎርድ) ኮይኑ በይኑ እዩ ተሪፉ። መርገጺኡ ዝያዳ ናብ ጉጅለ ትያር ዝዛዘወ እዩ ነይሩ። ድሓር ግን ምስ ትያር እውን ተባቲኹ፣ ምስ ሳበ ኮይኑ። ካብ ሳበ ተፈልዩ እውን መሊሱ ምስ ጃስር ኮይኑ። ነዊሕ ጸኒሑ ድማ ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሩ። ፈለማ ሻዕብያ ኣይነጸግዎን። ከምዝዝከር ኣብ 2ይ ጉባኤ ህ.ግ. ጉጅለ ጃስር ወኪል ሰዲዶም ነይሮም እዮም። ጸኒሑ ግን ተስፋምህረት መገዱ
30
ስለዘይቕንዐ ምስ ሻዕብያ ተገራጭዩ። ስጉምቲ ተወሲዱሉ። መዓስከሩ ተደምሲሱ። ኣብቲ መዓስከር ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ናይ እንዳ ትያር ኣባላት ተፈቲሖም። ተስፋምህረት ከኣ ኣብ ከባቢ ተከዘ ኮይኑ ክቃወም ኣብ ዝፈተነሉ ተቐቲሉ።)
ኣብ 1983 ዓብደላ ነቶም ኣብ መዓስከሩ ኣሲሩዎም ዝነበረ መራሕቲን ካድረታትን ፈቲሕዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ሳግም ምስ ሻዕብያ ርክብ ጀሚሮም ነይሮም። ኣባላት ቲያር ድማ ካብ ማእሰርቲ ዓብደላ ምስ ተፈትሑ ብቐጥታ ምስ ሳበ ተጸጊዖም። ቲያር፣ “ንሕና ገስገስቲ ሓይልታት ስለዝኾንና፣ የማናውያን በዓል ዓብደላ የጥቅዑና ስለዘለው፣ ገለ ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ዓረብ እውን ኣንጻርና ደው ስለዝበላ፣ ምስ ሳበ ተጸጊዕና ክንጸንሕ መሪጽና” ኢሎም እዮም ኣዊጆም። ድሕሪ ገለ እዋን፣ ሳበ ምስኡ ዝተርፉ ኣትሪፉ፣ ዝእሰር ምስ ኣሰረሎም ካብኡ ወጺኦም። በዚ ተስፋ ቈሪጾም ድማ፣ ክሳብ ኣብ እግሪ ጸላኢ ምስጋድ በጺሖም። ምስ ደርግ ኣብ ከሰላ ርክባት ጀሚሮም። መንግስቲ ሱዳን ከኣ ምናልባት ነዚ ዝፈለጠ ይመስል፣ ካብ ሳበ ድሕሪ ምፍላዮም ኣሲርዎም ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብታ ሃገር ጠሪዝዎም።
ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ሕንፍሽፍን መስርሕ’ዚ ብዙሓት ሓለፍቲን ካድረታትን ጀብሃ ተቐቲሎም እዮም። መልኣከ፣ ስዒድ ሳልሕ፣ ወልደዳዊት፣ ሓንገላ፣ ዓብደላ ጸጋይ፣ ወዲ ሓሰብን ካልኦትን። ዝበዝሕ ካብዚ ቅትለታት’ዚ ናይ ዓብደላ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ገሊኡ ድማ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል።

 

Source ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ራብዓይ ክፋል
ተኽሎም ንርኣዮ