? include("header2.php") ?>

Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃ
etSp4onsodhreld  · 
(ብሰንኪ ጥሕሰት ሕጊን ስእነት ፍትሕን ሃለዋቶም ንዘጥፍኡ ዜጋታት ንዘይምርሳዕ ዝሓለነ ትሕዝቶ’ዩ)
ናብ፦
መምህር - ወዲ መምህር (ዳዊት ሃብተሚካኤል)
*** *** ***
ተማሃሪት 11 ክፍሊ’የ ነይረ። ንጥፈታት መኣዲታት ስነጽሑፍ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ውዕዉዕ ዝነበረሉ ግዜ’ዩ። የዕብዮ ገ/መድህን ኣብ ዓድቐይሕ ካብ ዝነበረት ኣሃድኡ ንዕረፍቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ፡ ሓንቲ ምሸት ኣብ ከባቢ ካተድራል ዘወር እናበልኩም ተራኺብና። ጸብጻብ ንጥፈታት መኣዲ ስነጽሑፍ ዓድቐይሕ ብየዕብዮ፡ (የዕብዮ ኣብ ዘይተሳተፈሉ ከኣ ኣነ) ኣብ ጋዜጣኹም - ጋዜጣ መቓልሕ ዝሕተመሉ ግዜ’ውን’ዩ ነይሩ። ምሳኻ ብኣካል ክንራኸብ ንፈለማ ነበረ። ግና ኣይተጋየሽናን።
“ከምቲ ንስኺ ኣብ ዓድኺ…፡ ንሕና ከኣ ኣብ ዓድና ከነእንግደኪ” ዝበለ የዕብዮ’ዩ። ነቲ ዕድመ መልሲ ቅድሚ ምሃበይ ግዳ፡ ወዲ ዃዳ ይደልየኒ ምህላዉ ብዘፍሑ ቃላት ነጊርካኒ።
“እንታይ ገይረ፧” ሓቲተ።
“እታ ትማሊ ኣብ ዘመን ዝወጸት ግጥሚ…”
“ኢሂ'ሞ ንሳ፧” ዳርጋ ብስንባደ። ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣማኑኤል ኣስራት፡ እዛ ግጥሚ (ኣይሞተትን ግጥሚ) ብናይ ብርዒ ስም እንተወጸት ከም ዝሓይሽ መኺሩኒ ነይሩ። ኣይተሰማማዕኩን።
“ድሓን ጸገም የለን። ከነተዓርቐኪ ኢና። ንዕናይ’ሞ ሻሂ ከነስትየኪ...” ላግጺ ምዃኑ ብዝእንፍት ቃና ንእግረ መንገድኻ ነታ ካብ የዕብዮ ዝቐረበት ዕድመ ደገፍ ሂብካ።
ናብተን ኣብቲ እዋን መብዛሕትኹም ትኣትውወን ዝነበርኩም፡ ሚጋሜክስ ስትድዮ ኣብ እትርከበሉ ጎደና ዝርከባ መዘናግዒ ቦታታት ወሲድኩምኒ። ከም ግምትኩም ወዲዃዳ ኣብ ባር’ስቲፋኖስ ጸኒሑና። ጸዊዕካዮ። (ትሕዝቶ'ቲ ዝርርብ ካልእ መዓልቲ ይህልዎ’ኸውን)
ብዝኾነ፡ ንሰዓታት ናይ ሓባር ግዜ ኣሕሊፍና።
እዚ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 20 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ድሃይካ ካብ ዘይስማዕን ሃለዋትካ ካብ ዘይፍለጥን’ውን 20 ዓመታት ኣብ ዝደፍነሉ ግዜ በጺሕና’ለና። !
ንዝኽሪ መለሳ ደልየሉስ፡ ነታ ርእያትካ ዘይትፈልጥ፡ ንኽትርእያ’ውን ዕድል ዘይገበርካ፡ ካብ ዕድሚኣ ዓመታት ማሕዩርካ ዝበዝሕ - ውላድካ፡ ናይ ምርካባ ድሌት ኣሕዲረ።
ብውሕዱ፡ ነተን ምሳኻ ካፕቺኖ ዝሰተኹለን ስዓታት ምስኣ ክደግመን ደልየ። ሰሊጡኒ።
ኣብ ፈለማ ጠመተይ፡ ኣዒንትኻ ቅምጥ ኢሎም ኣብ ኣዒንታ ረኺበዮም። “እዛ ህሞት’ዚኣ፡ ክልቴኹም ንምትሕቑቛፍ እንተ ተኽእል፡ እቲ ትርኢት እንታይ ምመሰለ” ኢለ ሓሲበ። …ጥርዚ ባህጊ!
“ናተይ ጅግና!” ኢላ’ያ ትጽውዓካ። ንስኻ ዝተኾለፍካሎም ሕልምታት ምስ ሕልማ ኣካዊና፡ ናይ ክልቴኹም ሕልሚ ከተግህድ፡ ክልተ ጾር ከም ዝተሰከመት እትርዳእ ብልሂ ጎርዞ ኰይናትልካ’ላ። ኣብ ህጻንነታን ጎርዞነታን ዘይጥዓመቶ ሕቑፎኻን ፍቕሪኻን ኣብ ጽንብል ዓወታ ክትረኽቦ እቲ ዝገዘፈ ባህጋ’ዩ።
ኣብ ዕላልና፡
ኣዕሩኽቱኻን መሳርሕትኻን ድሕሪ ምእሳሮም፡ እኹል ናይ ምምላጥ ዕድል ከም ዝነበረካ፡ እንተኾነ ከም ዘይተጠቐምካሉ ምስ ሰምዐት፡
“ስለምታይ ዘይሃደመ፡ ሽዑ ሃዲሙ እንተ ዝነብር፡ ኣቦ ዘይብለይ ኰይነ ኣይምዓበኹን” ንዝብል ወቐሳ ዘአንግድ ስምዒት ኣለዋ ’ንተዀይኑ ሓቲተያ።
“ከምኡ ሓሲበ ኣይፈልጥን’የ። ዘይበደለ፡ ገበን ዘይገበረ ሰብ ስለምንታይ ይሃድም፧ ኣቦይ ሓቀኛ ስለ ዝኾነን ብነብሱ ስለ ዝተኣማመንን ከም ዘይሃደመ’የ ዝኣምን” ኢላትኒ።
“ኣቦይ፡ ካብ ዝእሰር ክንድዚ ዓመታት ገይሩ’ሎ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ዕለተ ልደተይ’ዩ” ዘይነጻጸል ክልተ ፍጻመታት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ እናጠቐስካ ምዝንታው፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመርር ንምግማት፡ ንነብስና ኣብ ቦታኣ ኣእቲና ምሕሳብ ጥራይ እኹል’ዩ።
በዚ፡ ኣቦን ጓልን ክርኣኣዩ፡ ክትሓቛቖፉ፡ ክፋለጡ… ዘይፈቅድ ኩነታት ዓድና ሕጉሳትን ዕጉባትን፡ ኣእማንን ኣግራብን ሃገር ዝመስሎም “ዕድለኛታት” ውሑዳት ኣይኮኑን። ዓመታት ቃንዛኹምን ምፍልላይኩምን ዝበዝሐ’ውን፡
ኣብ ጥቓኡ ንዘየለ ሃልሃልታ ለምለም ገይሩ ዝርኢ፡ ኣብ ዝባን ካልኦት ንዘሎ በሰላ - ከም ቅብኣ ዝጥምት፡ ኣብ ልቢ ጎረቤቱ ዘሎ ጓሂ ምርዳእ ዘይደሊ፡ ንቁጥዐ ዓመጽቲ ኣሜን ዝብል፡ ነብሱን ስድራቤቱን ዘርሓቐሉ ረመጽ - ገነት ዝሓስብ… ተበላጺ ስለ ዝበዝሐ’ዩ።
ብሓጺሩ፡ ከምዚ ዓይነት ዛንታ ተሰኪሙ፡ ንቡር ህይወት ዝመርሕ፡ ልዕሊ ዓበይቲ ሽግራት ምፍታሕ፡ ካልእ ዋኒን ዝዓጦ ሕብረተሰብ ኢና ኰንና ዘለና። ካብዚ ሞርጒ ብኸመይ ከም ንላቐቕ እንድዒ!
(ይቕጽል) sou Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃrce



 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com