? include("header2.php") ?>

Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃ
1ngus0 Serpcitletmnbcitero aStp co16:1ronsosmnroage3do  · 
(ብሰንኪ ጥሕሰት ሕጊን ስእነት ፍትሕን ሃለዋቶም ንዘጥፍኡ ዜጋታት ንዘይምርሳዕ ዝሓለነ ትሕዝቶ’ዩ)

ናብ፦ መድሃኔ ሃይለን ተመስገን ገ/የሱስን
*** *** ***
ኣድራሻ ተቐባሊ ዘይብሉን መልሲ ዘይጽበን ደብዳቤ ክጽሕፍ’የ ነቒለ። እወ፡ ንዝኽርኹም ንነብሰይ ዓው ኢለ ዘንብበላ ደብዳቤ’ዩ!
ብሓደ ክጠቕሰኩምን ናይ ሓባር ደብዳቤ ክጽሕፈልኩምን ዝገብረኒ ነጥቢ፡ ጉዳይ ዒራዒሮ ጥራይ ኣይኮነን። ኣባላት ምስንዳእ ዝነበርኩምላ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ብቐንዳ’ላ። ብኣካል ክረኽበኩምን ሰላም ክብለኩምን ዝኸኣልክሉ ኣጋጣሚ፡ ብሓንሳብ ምንባርኩም ድማ ብዓቢኡ።
ሓደ ዕለት ምስ ሓድነት ቀለታ ብሓንሳብ እናሓለፍና፡
“በዓል መዳ ኣብዚ’ለዉ ሰላም ክንብሎም…” ስለ ዝበለትኒ ናብ ኣምበሳደር ሆቴል ኣላጊስና። ብናይ ሽዑ ግምተይ 3-4 ዓመት ዝዕድሚኡ ህጻን ምሳኹም ነይሩ። ወዲ ተመስገን ምዃኑ ፈሊጠ። ኣነ ናይ ቀረባ ሌላ ስለ ዘይነበረኒ፡ (ብዘይካ ንተመስገን ኣብ ድራማታት ይርእዮ ምንባረይ) ኪኖ ሰላምታ ኣይተዛረብኩን። ምስ ሓድነት ግን ብደውና ደኣ’ዩ’ምበር፡ ሓያለይ ከም ዝተመላለስኩምን ዝተጫረቕኩምን እዝክር። ካባኹም ምስ ተፈለና’ውን እንተዀነ ብዛዕባኹም እናኣዕለልና ኢና መገድና ቀጺልና።
ድሕሪ ገለ ግዜ ናይዚ ኣጋጣሚ እቲ ዓለም ምሉእ ዝፈልጦ ፍጻመ፡ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ነጻ ፕረስ ሃገርና ስዒቡ። ኤርትራ ደቃ ዝበልዑ ደቂ ኣገቢላ። ውሻጠኣ ጒሒላታት፡ ርሻናታ ኣራዊት፡ ቅርዓታ ድማ ከተርቲ… ምስ መልእዎ፡ ዛንታ ርግጸትን ንፍጸትን መብረ ተሳኢንዎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኩሉ ነገር ክትግምትዎ ካብ እትኽእሉ ንላዕሊ ዘሕምም’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ይትረፍ ተነጊሩካ፡ ርኢኻ’ኳ ምእማኑ ኣብ ዘጸግም ውድቀት ኢና ዘለና። ምስ ብዙሓት ሽዑ መሳትይቲ ሻሂ ዝነበርና ሎሚ ድሃይ ሓድሕድ’ኳ የብልናን።
ካልእ ይትረፍ፡ ጉዳይኩም ከሰማምዓናን ኣብ ሓደ ደው ከብለናን ምተገብኦ። እንታይ ከም ዝዀንና ግን ብጉዳይኩም ከነዕልል’ኳ ናብ ዘይንኽእል ተጻረርቲ ጸሪና’ለና። ገለስ ኰንና’ለና’ምበር፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ካብ ጎድንኻን ካብ ሕቑፎኻን ፍትዋትካ ምስ ዝመንጠለ ዓማጺ ምሽራው ዘየሕፍር፧! ከመይ ኢሉ’ዩ ንኣራዊት ምግልጋል፡ መሓዙትካን መቕርብካን ንዝቕለብ ገበል ምውዳስ ዝክኣል፧ ከመይ’ሉ’ዩ ህዝቢ ንዘጽንት፡ ሃገር ንዘባድም ጋኔን ክሳብ ምድጋፍ ዝድንቆር፧ ከመይ’ሉ፧!
ክገርመኩም፡ ገሊኦም እቲ ኣደራዕ በቲ ዝድግፍዎ ኣራዊት ስለ ዝወረደ ኣሜን ክንብል ይደልዩና። ገሊኦም ዒራዒሮ፡ ካርሸሊ፡ ማይስርዋ፡ ኣደርሰር፡ ፕሪማ ካንትሪ፡ ሚዕጥር… ዘይብላ ኤርትራ’ዮም ዝፈልጡ። ካልኦት ከኣ፡ “ሕማቕ ኣብነት ናይቲ ጽቡቕ ተበግሶ” ከይትዀኑ ዝነበሮም ፍርሒ ክሳብ ሕጂ’ሎ። ንድበ ሕግን ፍትሕን ዘጸንብሉ፡ ብሃለዋት ስድራ እሱራት ዘባጭዉ፡ ዝጭፍሩ’ውን ኣለዉና።
ዋሕዲ፡ ንምስምማዕ ዝቐረበ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣብ ኤርትራና ግን ብግምጣሉ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ፍልልያትን ዘይምስምማዕን በጺሑስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ዓለም ይበዝሕ!
ብዛዕባኹም ንዝዛረብ፡ ክዓብሱ ዋርድያ ዝወጹ’ውን ኣለዉ። ፈለማ ገበነኛታት ንኽትሕሰቡ ብዙሕ’ዩ ተደሪኑ። ድሕሪኡ ድማ ንኽትርስዑ ክንደይ ተደኺሙ። ኣንጻር ምርሳዕኩም ንዝቖመ ንኽውግዙ ክጥዕሞም “ምጉዳእ ቁስሊ’ዩ” ዝብሉ’ለዉ።
“ቁስሊ ምፍዋስ’ምበር፡ ምዕባጥ ኣየሕውዮን!” ዝብል ድምጺ ሓቀኛ ደላይ ፍትሒ በሪኹ ከይስማዕ፡ ፈጠርቲ ሕንትኽታኽ ድምጺታት ኣይደኸሙን። እንሆ ፍጹም ተኣምራት ከርኢ ዝኽእል 20 ዓመታት፡ ኩሉ ዝነበረና ኣብ ምጥፋእ ውዒሉስ፡ ዕርቃንና ወጺእና’ለና።
2019 ንኣሮን ብርሃነ “ዳዊት ይስሃቕ ብህይወት ዝህሉዶ ይመስለካ፧” ዝብል ሕቶ ካብ ሽወደናውያን ቀሪቡሉ ነይሩ።
“ብህይወት የለዉን ኢለ ክሓስብ ኣይደልን’የ” ኢሉ’ዩ መሊሱ። ኣነ’ውን ንቃላቱ እናደገምኩ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ። ገና ናብ ቃላት ኣብ ምቕያሩ ዝሰነፍኩ ስምዒት ግን ኣለኒ። …..!
ብስቕታ መልቀስ፡ ብዓውታ ዝኽሪ…!
(ይቕጽል) source Yirgalem Fisseha - ይርጋኣለም ፍስሃ

1

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com