ገሃነብ ምድረ በዳ

Saturday, 18 December 2010 20:10
Print PDF

ዝሪ ኤለትሪክ ምፍናው ብዝረሰነ ሓጺን ምትክዋስ ማእሰርቲ ምጥፋእ ውነን ሞትን ኣብ ዘቃጽል ኮነይነራትን ካልእን መግለጺ ናይቲ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ዝፍጸም ግፍዕታት ኢዩ..እዚ ካብ ዶብ ግብጺ 24 ኪሎመተር ርሒቁ ብነጋዶ ሰብ በደዊን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ዝተሃንጸ መዓስከራት ዝካየድ ግፍዒ ንምእማኑ የጸግም።

ገሃነብ ምድረ በዳ

ሕዳር 19.2010.

ዮዲት ኣህሮኖት

ዓመጽ ምግሳስ ኣብ መላእ ኣካላት ነዝሪ ኤለትሪክ ምፍናው ብዝረሰነ ሓጺን ምትክዋስ ማእሰርቲ ምጥፋእ ውነን ሞትን ኣብ ዘቃጽል ኮነይነራትን ካልእን መግለጺ ናይቲ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን ዝፍጸም ግፍዕታት ኢዩ..እዚ ካብ ዶብ ግብጺ 24 ኪሎመተር ርሒቁ ብነጋዶ ሰብ በደዊን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ዝተሃንጸ መዓስከራት ዝካየድ ግፍዒ ንምእማኑ የጸግም።

ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ መገዶም ብመደብ ዝወርዶም ስቅያትን ካብተን ኣስታት ፍርቂ ደቀንስትዮ ብዝወርደን ምግሳስ ኣማኢት ጥንሰን ኣብ እስራኤል ከስድዳ ይቕሰባ።

ሕጂ እቲ ሰብኣዊ ዕንወት ጋህዲ ብምኻኑ ሕቡራት ሃገራት መዕለቢ ክገብረሉ ይፍትን።

ብኢናት ፊሽብን ትርጉም ብኣሚ ኣሽር

ለ. ኤርትራዊት ስደተኛን ግዳይ ስቅያትን>ሕጂ እቲ ገንዘብ ከተምጽእዮ ኢኺ ኢሎምኒ)

በደዊን ነጋዶ ሰብ ናብቲ ንሳን በዓልቤታን ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ክፍሊ ብምእታው ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ኣዘዝዋ።ንሳ ካብ በዓልቤታ ከምዘይትፍለ ምስ ገለጸት።

ኣየናዩ በዓል ቤትኪ ብምባል ሓተትዋ። ንሳ ናብ በዓል ቤታ ኣመልከተት። እቶም ነጋዶ ሰብ ንበዓል ቤታ ጎቲቶም ብምውጻእ ብሓጺን ተሳሃልዎ።ኣብቲ ገዛ ካብ ዝነበሩ ሰባት ተተምዝሒቆም ሓደ ድሕሪ ሓደ ብሓጺን ኽቕጥቀጡ ምስ ጀመሩ። እቶም እሱራት ብሰንኪኺ ከይቀትሉና ውጽኢ በልዋ። እቲ ኤርትራዊ ቱርጅማን ድማ ሓደ ካብኣቶም መሕለፊ ጊዜ ደልዩኪ ሎ በላ። ንሳ ነፊጻ ናብቲ ክፍሊ ተመልሰት።

ሰለስተ ስዒቦምኒ በለት ንሳ ንኩሎም መትእስርተይ እዓንቶም ዓሚቶም ርእሶም ኣብ ብርኮም ክደፍኡን ኣዘዝዎም፡  ኩሎም ተድፍኡ። ኣብ መንደቕ ኣጸጊዖም ክጎጥዩኒ ጀመሩ፡ ገጸይ ተነፊሑ። ኣእዳወይ ኣእጋረይ መላእ ኣካላተይ ቀጥቀጡኒ።

ሓደ ካብኣቶም ሕጂ እቲ ገንዘብ ከተምጽእዮ ኢኺ ብምባል ተለፎን ኣትሓዘኒ። በቲ ሓደ ኣብ ጉንዲ እዝነይ ብረት ተኺሉ ናብታ ኣብ ሱዳን ትቕመጥ መሓዛይ ደወለ። ምስኣ እናተዘራብኩ የጉስጠኒ ስለዝነበረ ክቐትሉኒ ስልዝደለዩ ገንዘብ ልኣኽለይ ቢለ ለመንክዋ። ንሳ ንብረታ ሸይጣ እንትላይ ቀለቤት ቃልኪዳን ከምኡውን ተለቂሓ ክትሰደለይ ክልተ መዓልቲ ከምዝወስድ ገለጸት። 500 ዶላር ድማ ሰደደት። በዚ ኣይዓገቡን ተወሳኺ ሓደሽሕ  ደለዩ።

25 ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት’ያ ናዓይን ንበዓል ቤትይን እናቐጥቀጡ ገንዘብ ሓተቱና።እቲ ካብ ታ ክፍሊ ዘውጽኣኒ ንበዓልቤተይ እናወቕዐ ተፍቅራዶ ንበዓልቤትካ ቢሉ ይሓቶሞ ኣወ ብዝበሎ ኣትሪሩ የላህሞ። ብከመይ ኣገባብ ከምንራኸብ፡ ኩነታት ፍቕርና፡ ስለምንታይ ከምዝተመርዓወኒ ይሓትዎ ውጥኑ ምስኡ ክሕዘኒዩ ዝነበረ።ድሕሪ ሓያል መዓልታት ደቀተባዕትዮን ደቀንስትዮን ፈላለዩና።

መሓዛኣ ካብ ሱዳን ደዊላ ኣይትተንክፍዋ ብምባል ትልምኖም ነበረት፡ምኽንያቱ 1ሽሕ ዶላር ክትሰደሎም ተጠራቕም ነበረት።በዚ ድማ  ካብቲ ዝኸፍኣ ብተዛማዲ ዝሓሸ ዝብሃል ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጉዕዞ ተደምደመ።

ድሕሪ 2 ወይ 3 መዓልቲ ሓደ ካብኣቶም ብሓይሊ ካብ ገዛ ኣውጽኣኒ ቀጺሉ ብዓረብ ምሳይ ኩዕሶ እንተተጻወትኪ ዝሓሸዩ በለኒ። ንመልሰይ እዝኒ ኣይሃቦን። ሓንሳብ ምስ ኣጉረጥክዎ ካልት ክልተ መጽኦም ኢደይን እግረይን ኩርንኩሪት ኣሰሩኒ፡ብእስርተይ ክከላኸል ፈተንኩ ብድሕረይ ድማ መርፍእ ወግኡኒ። ገጸይ ዓፊኖም ናብ ግሉስ ቦታ ወሰዱኒ። ቀልበይ ይጠልመኒ ከምዝነበረ ይስመዓኒ ነበረ። ተበረበርኩ፡ ድሕሪ ክንደይ ግን ኣይተረድኣንን። ብእስርተይ ዕርቃነይ፡ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ ተገንዘብኩ። ካብ ኣካላተይ ደም ብብዝሒ ይዛሪ ነበረ። ንሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ፈቲሓ ማይ ከተቕብለኒ ኣዘዝዋ፡ ንሳ ብዝረኣየትኒ ብኽያት ቀደማ።

ኣዘንታዊት ኣብ ዕላልና ንመጀመርያ ጊዜ ኣብዛ ነጥቢ ብዝበጽሐት ክትነብዕ ጀመረት።  ርእሳ ብማልያኣ ጎልቢባ ንብዓታ ደሪዛ ገጻ ትገልህ ነበረት።

ኣብታ ገዛ ሰሙን ደርብዮምኒ፡ ነፍስወከፍ ለይቲ ገጸይ ሸፊኑ ብማኪና ናብ ሓደ ቦታ ወሲዱ ይዕምጸኒ። ናይ ምቅዋም ዓቅመይ ማህሚኑ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን መሓዛይ ገንዘብ ልኢኻ። እቲ ዓመጸኛ በቲ ገንዘብ ኣይዓገበን ንበዓልቤትይ ድማ ሰበይተይ ክትክውንያ ብምባል ተዛረቦ፡ በዓልቤተይ ምስበኸየ እቲ ሰብኣይ ወቕዖ። ኣነ ሓመምኩ ቀጻሊ መድመይቲ፡ቀልቀል ምቁጽጻር ኣይከኣልኩን።  እቲ ፍጻሜ ኣብቲ ዛሕሊ ዝብርትዓሉ ወርሒ ሕዳርዩ። ቁራጽ ጨርቅን ክልተ ዝተቐደን ብደም ዝተጨማለቐን ሙታንቲ ጥራሕዩ ነይሩኒ።ኹነታተይ ምስ ረኣየ ከምዘይድልዩ ፈለጠ።ሕሱም ትርኢት ምስ ኮንኩ ካላ ክዳን ኣምጺኡ፡ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ነብሰይ ሓጺባ ኣልበሰትኒ። ዝብላዕ ገለ ሂቦምኒ ናብ ዶብ ኣጉዓዙና። ናብ እስራኤል ዝሰገርኩላ ደቂቕ ኣብ ሃለፍታ ኣተኹ።

ጋል 25 ዓመት መልክዐኛ ያ፡ ኣዒንታ ንሕሰማ ይገልጽ ግን ምስ ምሉእ ሂወት ።ንሳ ልዕሊ ንቡር ተባዕን ሓያልንያ።ዶብ ብዝሰገሩምናልባት ብዘጋጠማ ይኸውን በዓልቤታ ኣይተቐበላን፡ንሱ ከምዘይተመርዓወ ተመዝገበ።

እብ ዶብ ኣብ ኣምቡላንስ ሕክምና ምስተገብረላ ናብ ቤት ማእሰርቲሻሮኒም ተረከበት።ዘሕለፈቶ ጸበባ ትጸውዮ ሰብ ሃሰው በለት።ነቲ ኣብ ሻንጣኣ ዝተማልኣቶ ክዳን ነታ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣርኣያታን ኩሉ ኣዘንተወትላን።

ኣኽባር ሕጊ ኦስናት ኮህን ሊፍሽዝ ነቲ ምስ ባርነት ዝዳረግ ዝነበረቶ ኩነታት ብምምልካት ንክትልቀቕ ሓተተ። ንሳ ናብቲ ብሚኒስትሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝእለ መዕቆቢ ግዳይ ነጋዶ ሰብ ተሰጋገረት።ምስ ደልደለት በዓልቤታ ክትምለሶ ደለየ፡ንሳ ግን ክትሪኦ ኣይደለየትን።

ኣብ ለለማ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን መህድኢ መድሃኒትን ይወስድ ኔረ ትብል B፡ሕጂ ግን ድቃስ ስለዘይወስደኒ መደቀሲ ከኒና ይወስድ።ብዛዕባ ተሞክሮይ ይጽሕፍ፡ቅድም ኮነ ሎሚ ትምኒተይ ጋዜጠኛ ምካንዩ።መጻኢ ግን እንታይ ከምዝሓዘለይ ኣይፈልጥን።ስለዚ ኣድህቦይ ናብ ጽቡቕ ክቕንዖ ይጽዕት፡የጽንዕ ፡ንዝህቡኒ ገንዘብ ቆጢበ ናታ ሂወተይ ከተድሕን ዝፈተነት መሓዛይ ክሰደላ ይጽዕር።

ብኩራት እስራኤል

ሲና፡ ንእስራኤላውያን ቱሪስትመንግስተሰማይ ንኣሽሕት ድማ ገሃነም ኮይናላ።ብሳላ ሓያል ጻዕሪ እስራኤልን ኣህጉራውያን ውድባትን ደረጃ ናይቲ ኣብ ዶብ ግብጺ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንጹር ይኸውን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከፊኡዩ። ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ናብ እስራኤል የምርሑ ለው።ኣብቲ ጉዕዞ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ኣብ መዓስከራት ይዳጎኑ። ኣብቲ መዓስከራት ኣሰቃቂ ግፍዒ ይወርዶም ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ድማ ይሕተቱ።ነተን ደቀንስትዮ ብመደብ ይዕምጽወንፍርቂ ሂወት ሒዘን ድማ ናብ እስራኤል ይሰግራ።

መዓስከራት ግፍዒ ሲና ኣህጉራዊ ጉዳዩ።ንምዕጻው ድማ ኣህጉራዊ ምትእትታው ከምዝጠልብ ድሮ ንጹር ኮይኑሉ።እህጉራው ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን ላዕለዋይ ኮሚስን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ እስራኣኤልን ነቲ ጉዳ ንምምርማር ዝበዝሐ ዓቅሞም ወፍዮም ኣለው።ወግዓዊ ጸብጻብ እካ እንተዘይወጽአ ገለ ኤምባሲታት ኣሜሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ነቲ ጉዳይ ተገንዚቦሞ ስለዘለው ምትእትታው ናይ ጊዜ ሕቶይ።ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓብላሊ ምቁጽጻር በዳውያን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝካየድ ገዚፍ ዝተወደበ ገበን ንምፍታሕ ግብጺ ትሕተት።ዳይረክተር ላኦLአውያ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዊልያም ታል ሲና ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ይገልጽ።ካብ መንጎቲ ኣዝዩ ፍሉጥ መስመር ካብ ሞሮኮ ናብ ስፓኛ፡ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ፡ቱርክን፡ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ግሪኽ፡እቲ መስመር ኤርትራ ሱዳን ናብ ኣስራኤል በብቕሩብተይ ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።እብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዛዕባቲ ኣብ ክፋል ግብጺ በረኻ ሲና ዝፍጸም ዘይቅስን ሓበሬታ ክበጽሓና ጀሚሩሎ።ብዛዕባዚ ዘሕጋዊ መስመር ምስግጋር ሰባት ዝተራቐቐን ስጡም ርክባት ዘለዎን ዓለምለኸ ውድብ ከምዘሎ ዘይተሓትሙ ኣዋናውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ሱዳን ዝስደዱ የንቆልቁል ኣሎ።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝበዝሑ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ዮም።ካብ ኤርትራ ብሕጋዊ መገዲ ምውጻእ ዳርጋ ሕሩም ብምካኑ ኣሽሓት ንዶብ ኤርትራ ሱዳን ብኣጋር  ይበትኩ። ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ይኣትው።መብዛሕትኡ ጊዜ ናብ ከሰላ ይቕጽሉ።ከሰላናብ ሰሜን ናብ ሊብያ ወይ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን መበገሲትያ።ኣብዚ ወኪል ናይቶ ነጋዶ ሰብ ዝኾነ ኤርትራዊ ናብ እስርኤል ክሰግሩ ኣብ ሲና ዝኽፈል 2,500ዶላር ይሓቶም።

ገለ ካብቶም ነዚ ዛንታ ኣብ ምድላው ዝተሓተተኡ ሰባት ክገልጹ ከለው ናብ ከሰላ መእተዊኦም ብሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋርዩ።እንተኾነ ኢጣልያ ብዝፈጠረቶ መሰናኽል ዝይትተርፍ ምርጫ እስራኤል ከምዝገበሩ ይጠቕሱ።ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ህቡራት ሃገራት ገለ ናብ እስራኤል ክኸዱ መደብ ዘይነበሮም ሰባት ኣብ ሱዳን ተጨውዮም ከምዝውሰዱን ኣብ መካይን ተጻዒኖም ናብ በረኻ ምስ ወጽኡ ንጉዕዞኦምን ንሓርነቶምን ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝቕሰቡን ይፍለጥ።

እቶም ብዙሕ ዘስካሕክሕ ቃለ ምስክርነት ዝቕበሉ ሰበስልጣን ቤት ማእሰርቲ ሻሮኒም ኣብዚ ሰሙንዚ ጥራሕ  ክልተ ጉዳያት መዝጊቦም።

ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ሰብ ዝነግዱ በዳዊን ራሻይዳ ዮም።መብዛሕትኡ ጊዜ ጉዕዞ ብፒክኣፕ ዝዓይነተን መካይንን ኣብ መካይን ጽዕነትንዩ ዝካየድ።ሰባት ተጸፋጺፎም ብቴንዳ ተሸፊኖም ኣብ ዝጎዓዙሉ ድምጺ ከይገብሩ ይእዘዙ።እቲ ጉዕዞ ኣብ መገዲ ብዘጋጥም ምክትታል ሓለዋ ዶብ ካብ ሰሙን ክሳብ ሓያለ ሰሙናት ስለዝወስድ ስደተኛታት ኣብ ምድረበዳ ክቅንዩ ይግደዱ።ንሰሙን ዝተመደበ ማይን መግብን ስለዝጽንቀቕ ጥሜትን ጽምእን ዋላውን ሞት የጋጥም።ኣብዚ ደረጃዚ እቶም ሰባት ብተዛማዲ ብደሓን ይእለዩ ግን ከ ብዙሓት ኣብ ጉዕዞ ይሞቱን ሬሳኦም ናብ ምድረበዳ ይድርበን።

እስራኤል ካብ ብዙሕ ምርጫ ናይቶም ስደተኛታት ኣካ እንተነበረት ሎሚ ግን ክብገሱ ከለው ውን እቶም ስደትኛታት እስራኤል ናይ መወዳእታ ሸቶኦም ኮይናላ።ካብ ኤርትራ ዝሰደዱ ካይሮ ከይኣተው ብቐጥታ ብመትረብ ሰውጽ ኣቢሎም ናብ ሲና ይኣትው።መብዛሕትኡ ጊዜ ብጀላቡ ገለእዋን ድማ ኣስታት 95 ሰባት ተጸፍጺፎም ኣብ ቦጣት ነዳዲ ይጸዓኑ።

ካልእ መጻምድቲ  እዚ መስመርዚ ድማ ብዝቐለለን ዝሓሰረን ብካልኦት ነጋዶ ሰብ ይካየድ።ንሓደ ሰብ ካብ 300 ክሳብ 500 ዶላር የኽፍልዎ።ክልቲኡ ጨንፈር ኣብ ዶብ እስራኤል ይጋጠም። ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ጭብጥታት ግፍዕን ስቅያትን ዝወርዶም ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንንዩ። ሱዳናውያንን ምናልባት ከምቶ ነጋዶ ሰብ ኣመንቲ ምስልምናን ተዛረብቲ ቓንቃ ዓረብን ስለዝኾኑ ጸገሞም ምስ ጉዕዞ ዝተኣሳሰር ጥራሕዩ።እቶም ካልኦት መብዛሓትኦም ኤርትራውያን ብመደብ ንሰብኣውነቶም ዘዋርድ ግፍዕታት ይወርዶም።ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝእጎሩሉ መዓስከራት ዛጊት ብልክዕ ኣይተፈልጠን። ብመሰረት ቃለምስክርነት ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ሲና ጥቓ ኣልዓርሽ ይግመት። ዝሓለፈ ሚያዝያ 50 ነጋዶ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ዕለታዊት ጋዜጣ ኣልመስርኣልዮም ሓቢራ። ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ግብጺ ካብ በደዊን ዓለት ማናብ ኣብ ማእከል ሲና ትርከብ ማህድያ ዝተባህለት ዓዲ መደበር ስርሒት ነጋዶ ሰብ ተቀይራላ።እቲ ነቕጣታት ዓበይቲ ቴንዳ ትሕቲ ኣግራብ ከምኡውን ኮንተይነራት ከምዝኾነ እቶም ስደተኛታት ይገልጹ።ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ጭብጢ ክልተ ዓበይቲ መዓስከራት ኣሎ።ኣብቲ መዓስከራት ኣማኢት ስድተኛታት ብስገዳድ ከምዝኽድሙ ይፍለጥ።ኣብ መጀመርያ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብደሓን ይእለዩን ክፍሊት ድማ ናብ 3000ሽሕ ዶላር ይድይብ መብዛሕትኦም ድማ ይኸፍልዎ። ኣንተኽዕነ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ነቲ መዓስከር ከግዕዝዎ መደብ ከምዘሎ ይንገር። በዚ ድማ እቲ ስርሒት ዝተወደበ ምካኑ ይረጋገጽ። በንጻርቲ ስደተኛታት ካብሓደ ጉጅለ ናብ ካልእ ጉጅለ ተሸጥና ዝብልዋ ኩልቲ ምስግጋር ብሓደ መርበብ ተወሃሂዱ ዝካየድ ይመስል።

ኣብዚ ዓመትዚ ጥራሕ 154 ጥንሲ ተሰዲዱ።

ኣብ ካልኣይ መዓስከር ኩሉ ኩነታት ይልወጥ።ካብ 3ክሳብ5 ሰባት ብሓደ ሰንሰለት ተቐፊዶም ምሉእ መዓልቲ ይውዕሉ። 4 ወይ 5 ሰባት ድማ ንኣማኢት እሱራት ይቆጻጸርዎም።ኣብዚ ደረጃዚ እቲ ዝሕተት ገንዘብ7ሽሕ ወውን 10ሽሕ ይበጽሕ።እዚ እቲ ምስቓይ ክጅመር ከሎዩ።ደቀንስትዮ ብቀጻሊ ይዕመጻ።ኣዒንተን ሸፊኖም ናብ ብምውሳድ ሓደ ወይ ብዙሓት ይደፍርወን።ገለእዋን ነፍስወከፍ ለይቲ ይውሰዳ።ኣውያተን ከምዝሰምዑ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ይገልጹ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሻሮኒም ቅድሚ ሓያለ መዓልታት ኣትያ። ንሳ እቶም ነጋዶ ሰብ ንደቀንስትዮ እናሓረዩ መሕለፊ ጊዜ ከምዝጥቀሙለን ገሊጻ።ንሳ ዋልካ ገንዘብ እንተኸፈለት ነቲ ዋርድያ ድሌቱ ስለዘይፈጸመትሉ ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽዩ 14 መዓልቲ ብቀጻሊ ዓሚጽዋ።ኣብ መወዳእታ ካልኦት ቃፍላይ ደቀንስትዮ ምስተክኣኣ ተፋንያ። ኩሉ ነገር ክገብር ኣገዲዱኒ ብምባል ብድብድቡ ንወከልቲ ላዕለዋይ ስደትኛታት ወድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።

ደቂ ተባዕትዮ ብበትሪ ሓለንግን ብረትን ይቕጥቀጡ። ብኤለትሪክ የሳቕይዎም። መብዛሕትኡ ጊዜ ካረንቲ ምስቲ ዝተኣሰሩሉ ሰንሰለት ብምልጋብ። ብሽጋራን ዝረሰኒ ሓጺንን ይትኩስዎም።ፋላካ ማለት መግረፍቲ ከብዲእግሪ ከምዘሎን ኣእዳዎም ኣብ ባይታ ኣንጺፎም ከምዝቕጥቅጥዎም ይገልጹ።ወግዓዊ ምቕጥቃጥ ከምዘሎ ሓዲሽ መረጋገጺ የመልክት።ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ ዝባን እዞም ስደተኛታት ዘሓወየ ቁስሊ ዘለዎ ዓሚቕ በሰላ ተመልኪቶም።ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንሰብኣውነቶም ዘራኽስ ግፍዒ ወሪድዎም።ሽንቶም ሰትዮም ሽንቲ ተካዒዎም።ኣብ ልዳት ማዕጾ ተንጠልጢሎም። ድህሪዚ ክኸፍሉ ምስዘይኽእሉ ይቕንጸሉ።

እቶም ስደተኛታትገንዘብ መታን ክኸፍሉ ምስ ኣዝማዶም ብሳተላይት ተሌፎን የራኽብዎም።ብህጹጽ ከምዝኽፍሉ ንምግዳድ ድማ ምስ ኣዝማዶም ኣብ ዝዛራረቡሉ ይክትክትዎም ኣዝማዶም ድማ ኣውያትን ቃንዛን ሰሚዖም ተሸጊሮም ይልእኩሎም።እቲ ገንዘብ ካብ ኤርትራ ብመራኸብቲ ይመሓላለፍ ገለ እዋን ድማ ኣብ ሕሳባት ባንክ ይኣቱ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መሳቐይ መዓስከራት ብዘይማይን መግብን ኣብ ሃፈጽ ዘብል ኮንተይነራትመዓልታት ይዳጎኑ። ገለ ደቀተባዕትዮ ነቲ ግዱድ ዕዳ ንምኽፋል ኣብ ህንጻን ጽሬትን ክሰርሑ ይቕሰቡ። በዚ ድማ ቁጠባ ነጋዶ ሰብ ዓሚሩ ማካይን ላፕቶፕ ኢንተርነት ዘመናዊ መራኸቢ ጅፒኤስ ቪላታት ኣብ ምድረበዳ ተጠርዩ።

ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ሻሮኒም ዝኣተው ስድተኛታት ካብ 5ክሳብ 6 ኣዋርሕ ግዱድ ዕዮ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ናብ እስራኤል ዝኣተው ስደተኛታትን ኣህጉራዊ ጸጻባትን ብ18 ነሓሰ ኣብ ሓደ መዓስከር ተሓይሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ብረት መንዚዕም ክሃድሙ ፈቲኖም። ብዝተግበረ ልውውጥ ተኽሲ 4 ኤርትራውያን ተቐቲሎም።ካብቲ ተኽሲ ወጺኦም ናብ እስራኤል ዝኣተው ሰባት ከምዝገለጽዎ ድሕሪቲ ምልዕዓል ከቢድ ግፍዒ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም። ሓንቲ መንእሰይ ኣቦኣ ገንዘብ ልኢኹላ ጉዕዞ ኣብ ምቕጻል ኣብታ ዕለት እቲኣ ወተሃደራት ግብጺ ብጥይት መልዒሶማ ሬሳኣ ኣይተረኽበን።

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ መዓስከር ዝተኣስሩ ገንዘብ ምስከፈሉ ናብ ዶብ እስራኤል ይጋረቱ ውሑዳት ድማ ድህሪ ሓያላይ ኣዋርሕ ይልቀቑ።እዚኣተን መብዛሕትአን ነጋዶ ሰብ ከምገለዩ ጾታ ዝጥቀሙለን ደቀንስትዮ ኢየን።

ጉዳይ ናይታ ሰለስተ ሰባት ንሓደ ወርሒ ዝዓመጽ ጋል 25 ዓመት መንእሰይ 111 ድማ ነዚ ዘነጽርዩ።ንዓኣ ምስ ካልኦት ደቀንስትዮ ካብቲ ቀጽሪ ኣውጺኦም ነፍስወከፍ ለይቲ ተጋናዝዮምለን።ድሕሪ ወርሒ ሓደ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ንበይና ፈልዩ ብምውሳድ ኣብ ገዛ ዓጽዩ ሰለስተ ወርሒ ተጋሲስዋ። መግቢ ዳርጋ ከይረኸበት ኣስታት 3 ወርሒ ኣካልት ማይ ከይፍሰሰትሉ ኣሕሊፋቶ። ኣብ መወዳእታ ምስቶም ናብ ዶብ ዝኸዱ ጸንቢሩ ብዘይዝኾነ ሓበሬታ ኣፋኒዋ።

112 ድማ ናብ ሓደ ነጋዶ ሰብ ወዲቓ።ንሱ ንዘላኣለም ንብረተይ ኢኺ ኢልዋ። ምስ ክልተ ሰባት ብቐጻሊ ዓሚጽዋ። ሓደ ለይቲ እቲ ዓማጺ ምስ ሓመመ ብሃውሪ ምስቶም ዝሰግሩ ሰባት ተጸንቢራ ኣብ ናይ ጽዕነት ማኪና ተወጥሐት። መራሕ ማኪና ሓበሬታ ስለዘይነበሮ ድማ ተፋነወት።

ክልቲአን 111ን 112 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺአን ብቐጥታ ናብ መዕቆብ ግዳያት ነጋዶ ሰብ ተላኢኸን።

ጋል 19 ዓመት 113 ናብ ክሊኒክ ሰብኣዊ መሰል ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒን ክትበጽሕ ከላ ዝፈለየ ድቂ ነርዋ።በቶም ነጋዶ ሰብ ተዓሚጻ ነርያ ንሳ። ናብቲ ክሊኒክ ጥንሲ ከተስድድያ መጺኣ። ካብ ሓደ ብዓመጽ ዝሓዘቶ ጥንሲ ውላድ ከምዘይትደሊ ብውሑድ ቃላት ገሊጻ።ኣብ እስርኤል 5 ወርሒ ዝመልኣአ ድቂ ምስዳድ ብሕጊ ከምዘይፍቀድ ምስ ተገልጸላ ሂወታ ከምተጥፍእ ሓበረት።እታ ጋል ክትወልድ ብቕዕቲ ከምዘይኮነት ክልተ ሓካይም ብዝሃብዎ መረጋገጺ ድማ ጥንሳ ተነጸለ።

ኣብ መጀመርያ 2010 ጥራይ 154 ድቂ ከምዝነጸሉ እስራኤላውያን ሓካይም ንሰብኣዊ መሰል ሓቢሮም። ፍርቂ ካብዚኣተን ብበደዊን ዝተዓመጻ ስደተኛታትየን።ዝሓለፈ ዓመት ብማዕረ ደረጃ ዓመጽ 163 ጥንሲ ተነጺሉ።ዝሓለፈ ወርሒ እስራኤላውያን ሓካይም ንሰብኣዊ መሰል ስቅያትን ዓመጽን ግዳያት ብንጹር ንክፈልጡ መሕትት ኣዳልዮም።ካብ መንጎተን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዝተሓከማ ሎሊ 100 ተዓሚጸን ወይ ጾታዊ ግፍዒ ወሪድወን። 18 ጥራይ ገለ ከምዘየጋጠመን ገሊጸን። ሓደ ርብዒ ካብቶም ቃል መሕትት ዝተገብረሎም ከምዝተሀርሙን ከምዝተሳቐዩን ኣብ ርእሲ ምግላጾም ካልኦት ኣስታት ሓደ ርቦኢ ካብ ዝተጠየቑ ሰባት ደማ ሰባት ክግረፉን ክቕተሉን ከለው ከምዝርኣዩ ሓቢሮም።

ልዕሊ ፍርቂ ድማ መግብን ማይን ከምዝተኸልከሉ ኣፍሊጦም።እቲ ቃለ ምስክርነቶም ተወላወልትን ዝተበታተኸንዩ።ብዙሕት ስቕታ ይመርጹ።

ኣብዚ ሰሙንዚ ኣኤርትራዊት ድንግልን ነርስን ዓዚዛ ኪዳነ ኣብ ክሊኒክ ንሰባኣዊ መሰል እስራኤል ቃልመጠይቕ ኣካይዳ። ሓደ ስማያዊ ማልያ ዝለበሰ መንእሰይ ቅድሚኣኣኡ ዝነበሩ ጉጅለ ስደተኛታት ገንዘብ ስለዘይከፈሉ እቶም ነጋዶ ሰብ ኣንጸርጺሮም ከምዝገረፍዎምን ኣብ ኮንተይነር ምስ ብዙሓት ከምዝዓሸግዎምን ገሊጹ። ንሱ ናብ ሲና ቅድሚ ምብጽሖም 25 ካብ መጎዓዝቱ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።እዚ መንእስአይ ዓጸባን ፍርሒ ነበሮ፡ ገንዘብ ስለዝኸፈልኩ ሓንሳብ ጥራይ ወቒዖምኒ ድማ ይብል።

ሓደ ኣካላቱ ዝማሰነ ዓቢይ ሰብኣይ ድማ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብሰንሰለት ዓሰርቲ መዓልቲ ኣሲሮምኒ ብምባል ንድንግል ዓዚዛ ሓበራ።ከም እንስሳ ሒዞምና፡ ንሰባት እናሕረሩ ከምዘእውዩ ብምግባር ኣዝማዶም መታን ክሰምዑ ብተለፎን የዛርብዎም፡ውሒጠዮ ስቕኢለ ስለዚ ድማ ብማህረምቲ ይሓልፈለይ ብምባል ነቲ ኣብ ኣእጋሩ ዝነበረ ናይ ማህርመቲ ምልክት ኣርኣያ።ቀጺሉ ንሱ ደቀንስትዮ ኣርባዕተ ጊዜ ይውሰዳድ ከምዝነበራን ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽሙለን ከምዝኻሉን ግምት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ሓደ Bአዓል ቆብዕ ጃኬት ዝለበሰ ሓለንጋይ መንእሰይ ድማ ራሻይዳ በዳዊን ነታ ንሱ ዝነበራ ጉጅለ ብዘይማይን መግብን ን3ሳማንቲ ኣብ ምድረበዳ ከምዝሰጥሕዋ ገሊጹ።መጀመርያ 3 ሞይቶም ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ 15 ስዒቦም ዝተረፉ ድማ ናብ ፈቐድኦ ተበቲኖም። ካብቶም ብሓባር ዝተበገሱ 60 ሰባት 7 ጥራሕ ዶብ ግብጺ በጺሖም። ኣብኡ ደማ ወተሃደራት ግብጺ ንሓደ ብጥይት ቀቲሎሞ፣፡ ኣዒንቱ ኣንቆርቁሩዩ፡ኣነውን ዳርጋ ካብ ሞትየ ድሒነ ድማ በለ።

ስነኣእምሮኣዊ ሓገዝ ይድልዮዩ በለት ድንግልን ነርስን ዓዚዛ ብኣንክሮ ገጻ በኣዳዋ ሸፊና።

ብዘይካ ሓደ ፍሽኽ ዝብል ዝነበረ ሱዳናዊ መንእሰይ ኩሎም እቶም ዝተሓተቱ ሰባት ዛንታ ስቅያት ካብ ምዝንታው ኣየቃረጹን።

ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ቃለመጠይቕ ሰብኣዊ ኩነታት ሲና ኣዝዩ ክፉእ ምኻኑ ንጹርዩ ይብል ዳይረክተር ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ክፍሊ ሓካይም ንሰብኣዊ መሰል ረን ኮሀን።ዓመጽ ሓደ መርኣያዩ። ምግፋዕ ጎነጻዊ ግህሰት ብኣሰቓቒ ኩነታት ንሰሙናትን ኣዋርሕን ምሕያር ኣሎ።ነቲ ሕቶ ብደረጃ ዓለን ከነልዕሎን ኣህጉራዊ ምትእትታው ክንጠልብን ከማኡውን ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም መሰል ዑቕባ ተፈሊጡሎም ዘሎ እስራኤል ውን ክትፈልጠሎም ውጥን ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ልዕሊ 30 ደቀንስትዮ ኣብ ምድረበዳ ከምዝተዓመጻ ብውልቂ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ኣሎ ትብል ሰራሕተኛ ህጹጽ ሓበሬታ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ዜጋታት ወጻኢ መሰረት ሳሂያ።መሰረት ትግረ ትዛረብ እስርኤላዊትያ ምስ ብዙሓት ኤርትይራውያን ሓተቲ ዑቕባን ግዳይ ነጋዶ ሰብን ድማ ትዓይ።

ካብ ዝተዓዘብክዎ ዋለተን ከይዛረባ ዝፈርሓ ተዓሚጸንየን። ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ደቀንስትዮ ሓንቲ ተዓሚጻያ። ብዓመጽ ብዝሓዘኦ ጥንሲ ዝወለዳኦም ቆልዑ ዘዕብያ ኣዴታት እውን ይረክብየ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ እውን ብዘስካሕክሕ ተቐጥቂጦምዮም። ብዝተፈላለየ ኣገባብ መርመራ ተሳቕዮም። ሓደ ኣብ ከባቢ ብልዕቱ ብመላጸ ዝተቖርጸን ንኣዋርሕ ኩርንኩሪት ዝተኣስረን ውን ረኺበ።

ኣብ ዝሓለፈ ንኣመንዝራነት ዝሰግራ ደቀንስትዮ ወትሩ ኣብ ሲና ይዕመጻ ኢየን ብዛዕባ ዚ ሓደስቲ መሳቐይ መዓስከራት ግን ኣይሰማዕኩን።ይብል ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣወሃሃዲ ሚኒስተሪ ጸረ ንግዲ ሰብ ኣክባር ሕጊ ራችል ገርሾኒ።ነዚ ከምዝቕጽል ምግባር ድማ ዝያዳ ከምዝኸፍእ ጭብጢታት የመልክት ይብል ንሱ።ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ስቅያት ይብእስ ከምዘሎ ርኡይዩ። ሰባት ናብ እስራኤል ኣብ ዝኣትውሉምስ ቁስሎም ቃጸሎን ብውሑዱ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ሒዞም ከም ዝመጽኡ ካብዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።ኣብ ሳሃሮኒም ቤት ማእሰርቲ ክትስዮት ብዘይምቁራጽ ትበክይ ሰበይቲ ሰሚዐ። ብገሃነም ዝሐለፉ ዮም ዝመስሉ።

ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ክፍሊ ሕጋዊ ረዲአት ንሰራሕተኛታት ወጻኢን ሓተትቲ ዑቕባን ክሕግዝ ወግዓዊ ሓልፍነት ካ እንተዘይብሉ ንግዳያት ነጋዶ ሰብ ክሕግዝ ግን ተሰማሚዑ። ኣኽባሪት ሕጊ ሲጋሊት ዞሃር ንሓሙሽተ ደቀንስትዮን ሓደ ወዲተባዕታይን ሕጋዊ ደገፍ ሂባ። ንሳ እቶም ግዳያት ኣብ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ክጣየሱን ኩነታቶም ብመልክዕ ቃለመጠይቕ ትሕዞ።

እቲ ንሳ ትሰርሓሎ ክፍሊ ዝኣከቦ ሓበሬታ ዝስዕብዩ።

ናብ እስራኤል ንዑቕባ ዝብገሱ ሰባት ብበዳዊን ነጋዶ ሰብ ጂሆ ይኾኑ።ግዳያት ብቀጻሊ ይሳቐዩብሰንሰለት ተመቁሖም ጎነጽ ይወርዶም። ንመዓልቲ ሓንቲ ባኒን ብናፍታ ዝተበከለ ማይን ይቐርበሎም። በዳዊን ነጋዶ ሰብ ሳንቡእኩም ክንሸጦ ኢና ብምባል የርዕድዎም።ግዱድ ዕዮን ጾታዊ ዓመጽን ይወርዶም። እዚ ናብ እስራኤል ንምእታው ተወሳኺ ገንዘብ ክሳብ ዘምጽኡ ንኣዋርሕ ይካየድ።ኣካላቶም ብሓዊ ተበሊዑ ምስ በሰላኦም ናብ እስራኤል ብዘይጫማ ይኣትው።እብ መንገዲ ብዘጋጥመን ዓመጽ ብዙሓት ጥንሲ ሒዘን ይኣትዋ። ብዙሕ ቃለምስክርነት ግዳያት ሰሚዕና ግን ውሑዳትዮም ዘሕለፍዎ ጸበባ ዝገልጹ።መብዛሕትኦም ነቲ ኣሰቃቒ ግፍዒ ከምዘይዛረቡሉ ክፍሊ ረዲአት ሕጊ ይኣምን።

ግዳይ ብኸመይ ይግለጽ

ኣብ ሲና ዝፍጸም ጉዳይ እስራኤል ኣይኮነን። እቶም ኣብ ሲና ግፍዒ ዝወርዶም ግዳያት ግን ብርግጽ ጉዳይ እስራኤልዩ።ንሳቶም ኣብ ጥቓ ክትስዮቲ መሳለጥያ ሳሃሮኒም ይውሰዱ። እቲ መደበር ንኩነታቶም ዝበቅዕ ፍወሳ ኣይገብርንዩ፣፣እንተኾነ እተን ደቀንስትዮ ኣብኡ ዘዘርብኦ ሰብ ይረኽባ።እታ ኤርትራዊት ጋል ብዝሃበቶ መግለጺ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ ናብቲ መሳለጥያ ኣሰጋጊርዋ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሂወት ዝረኸብኩ ኮይኑ ይስምዓኒ ብምባል ንምረት ናይቲ ዘሕለፎ ጸበባ ገሊጹ ሓደ ግዳይ ግዱድ ዕዮ በዳዊን ዝኾነ ኤርትራዊ።ዳርጋ ሞይተየ ነይረ ድማ ይብል ንሱ።

ሓንቲ ግዳይ ነጋዶ ሰብ ድማ ብዝወረዳ ግፍዒ ተዳሂላ መንነታ ክትገልጽ ብዘይምኽኣላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል 18 ኣዋርሕ ተኣሲራ ቅድሚ ወርሒ ተለቒቃ።

ሰበስልጣን ሳሃሮኒም ንኩነታት ግዳያት ይግንዘቡዮም ግን ከ ዝሕግዙሉ መገዲ የብሎምን።እቲ ቤት ማእሰርቲ ንኣብነት ንነፍሰጾራት ክገብረለን ዝኽእል ነገር ስለዘየልቦ ብህጹጽ ይለቀን።እቶም ንእሱራት ዝሕቱ ሰበስልጣን መጋብእያ ግብራዊ መፍትሒ ስልዝደልዩ ግዳያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ይጸንሑ።ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ጥራሕዮም ካብ ምጥራዝ ዝድሕኑ ግን ቪዛን መንግስታዊ ሓገዝን ኣይግበረሎምን።

ዝግበር ዘሎ ኩላህና ንፈልጥ ኢና ይብል ኣባል ሓካይም ንሰብኣዊ መሰል ራን ኮሀን።ሓደ ሓኪም ምስ ተሓጋገዝቱ ኣብ ሳሃሮኒም ይሰርሑ እቶም ሓለፍቲ ግን ንኩሉ ብስቕታ ይሓልፍዎ።ሰባት በገባብ ኣይምርመሩን ኣገደስቲ ንኩንታቶም ዝምልከት መጠይቕ ድማ ኣይቀርበሎምን።ንሳቶም ነቶም ዝተወጽዑን ዝተሳቐዩን ግዳያት ንምልላይ ቅጥዒ ከዳልው ኣለዎም። ርኡይ ሽግር ንዘለዎም ሰባት ጥራይዮም ዝለቁ።

ብኣቦመንበር ክኔሰት ኦሪት ዞኣረትዝ ዝተመርሐ ንኡስ ኮሚተ ክነሰት ብዛዕባ ንግዲ ሰብ ነቲ ሲና ንስደተኛታት ዝወርዶም ብዝምልከት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ውሽጣዊ ጉዳያትን መልሲ ክወሃቦ ይሓትትዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመትዚ ፖሊስ እስራኤል ንክልተ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት የሰጋግሩ ዝበሎም ሰባት ኣሲሩ።እቶም ክልተ ኤርትራውያ ካብ ስድራ ቤት ናይቶም ኣብ ምድረበዳ ሲና ግፍዒ ዝወርዶም ስደተኛታት ብባንካታትን ካልእ ኣገባባታትን ተጠቒሞም ገንዘብ ከምዝሓልቡን ተኻፈልቲ ናይቲ ዘሕጋዊ ጠቕሚ ከምዝኾኑን ይፍለጥ።

ሓደ3 ካብቲ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ዘጋጥሞም ጸገም መንበሪ ፍቓድ ምርካብዩ።ኣብ ጉዳይ ግዳያት ጊላነት እቲ ፖሊሲ ብድርብ መገዲ ኣይርእይንዩ፡ይብል ኣክባር ሕጊ ኮሀን ሊፍሽዝ። ሓደ ግዳይ ወይ ኣብ ትሕቲ ሓባርዊ ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቕባ መሰሉ ይሕሎ ወይ ድማ ግዳይ ነጋዶ ሰብ ተባሂሉ ይግለጽ፡ኅ ክልቲኡ እንተኽዕነ ኸ እንታይ ይኽውን።ንግዳያት ትካላዊ ተሃድሶ ከነረጋግጽን ከምኡውን ምስ ህልው ኩነታት ኣዛሚድና ተወሳኺ ዕማማማት ክንፍጽም ንፍትን ኣሎና። ኣብ መወዳእታ ናይዛ ዓመትውን እንተኽነ እታ ሰበይቲ ናብ ዓዳ ናይ ምምላሳ ኣጠራጣርዩ።

ንጉዳያት ነጋዶ ሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ ብፍላይ ንደቂሰባት ድማ  ብሓፈሻ እቲ በዓል ስልጣን ፍሉይ ኣገባብ ይጥቀም ኣሎ እዚ ኣገባብ ድማ ብዓይነቱ ኣብ ዓለም ዝማዕበለዩ፡ትብል ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ህዝባዊ ኩነታትን በዓልስልጣን ስደተኛታትን። ንኤርትራውያን ዝተፈለየ መስርሕ የለን ግን ፍሉይ ጉዳያት ብፍሉይ ሜላን ይምርመር። ስለዚ ድማ እታ ሰበይቲ ግዳይ ከምዝኾነት እንተተረጋጊጹ በቲ ቅትዒ መሰረት ኩሉ መሰለታ ትረክብ። እዚ ግህሰት ካብ እስራኤል ወጻኢ ዝተፈጸመን ብእስርኤላውያን ዝተፈጸመን እክ እንተዘኮነ ከቢድ ብምካኑ ብጥንቃቐ ከምንሕዞ ምግንዛብ የድሊ ትብል ንሳ ብተወሳኺ።

መግለጺ ግዳያት ነጋዶ ሰብ ጸቢብዩ ይብል ሻሮን ሃረል ካብ ኮሚሽን ስድተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት።ግዳያት ሲና ድማ ናብ ዝጠርዑሉ የብሎምን።ሰባት Rኣዕዲ ዝውርድ ግፍዒ እናወረዶም እቲ ልክዕ መግለጺ ጊላነት ኣይረኽቡን።

መዓስከራት ስቓይ ሲና ከምውሁብ ሓቂ ምውሳዱ ካብ እሳት ናብ ረመጽዩ። ከምቲ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝገብርዎ ብዘይ ገለ ሕቶ ምምላስ ስደተኛታት።ነታ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተዓመጸት ምምላስ ማለት እንታይ ከምዝኾነ ሕሰቡ።

ሐ. እታ ነዋሕን መልክዐኛን ሰበይቲ ብህድኣት ትዛረብ። ንሳ ነቲ ኣቦኡ ኣብ ሰራዊት ዝጠፍአ ህጻን ወዳ ምስ ወለዳ ገዲፋ ስራሕ ንምንዳይ ናብ ሱዳን ተሰዲዳ። ናብ እስራኤል ንትበጽሕ መደብ ኣይነበራን።ናይ ኩላትን ሰበይቲ ክትኮኒ ኢኺ ኢሎማ እቶም ነጋዶ ሰብ።መግቢ ክትሰርሓሎምን ክትሓጽበሎምን ድማ ተቐሲባ።ሓደ ካብኣቶም መራሕ ማኪና ድማ ኣብ ዘዝመጽእሉ ይዕምጻ።እቶም ካልኦት ብቐጻሊ ይወቕዕዋ፡ገንዘብ ይብለይን ምስ በለቶም ድማ እዝና ክሳብ ዝደሚ ተገሪፋ።ኣብ እስርኤል ምስ በጽሐት ኣኽባር ሕጊ ዞሃር ናብ መዕቆቢ ኣሰጋጊርዋ። እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ መጋባእያ ከም ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ስለዘይፈልጣ ነካብቲ መዕቆቢ ኣብ ዝወጽኣትሉ ደቂቕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምምላስ ይኹን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእልዩ።ሐ ነቲ ኣብ ሲና ዘሕለፈቶ ክትዝክር ከላ ኣብ ቲ ምድረበዳ ብጊላነት ከምትታርፍ ኮይኑ ስለዝስምዓ ወትሩ ትበክይ።ካብ ትፈላለዮ ኣዘራሪባቶ ዘይትፍልጥ ውላዳ ብምዝካር ድማ ትነብዕ።ብኽያት ትቕጽል እቲ እቲ ኣሰቃቒ ፈተና ሲና ስለዘይወጽኣላ።

ናይ ገለሰባት ሂወት ንገሊኡ ኣይግድሶንዩ።

 

ትርጉም ብ ሕድሪ ሓሬና

ሕድሪ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ዚ ቃል ምስክርት ግዳያት ዝሓዘ ሰነድ ተገንዚቡ ናብ ትግርኛ ኣብ ምትርጓም ብዘርኣዮ ምትሕብባር፡ ኣሰና ብስም ተኸታተልታ ተመስግኖ ።