ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሕቡእ ቦታታት ሲናይ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞም ይሳቐዩን ህይወቶም ይሓልፍን ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

Posted on November 1, 2011 by

Source http://assenna.com

ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ሓደ ምስጢራዊ ትሕቲ መሬት ብበደዊን ንሰለስተ ወርሒ መመላእታ ከም ጅሆ ተታሒዞም ዝሳቐዩን ክፍሊ ኣካላቱም ዝጎድል ዘሎን 42 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣፍደገ ጥፍኣት ከምዘለዉ፡ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት ኤርትራዊት መንእሰይ ምስናይ ክቱት ጭንቅትን ምርባጽን ሓቢራ።

ንሳ ኣብ ሓበሬታኣ፡ እቶም ሰብ ሰብ ኮይኑ ዘይስምዖም በደዊን ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ገንዘብ ዘየምጻእኩም ኢሎም በብሓደ ኣእዳዎም ክቖርጹዎም ከለዉ፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ኣጥባትክን ክንቆርጸክን ኢና እናበሉ የፈራርሑውን ከምዘለዉ ኣገንዚባ።

ብመሰረት ሓበሬታኣ፡ ኩሉኹሎም 60 ኳ እንተነበሩ፡ 18 ካብኣቶም ሓደ ሰብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብምኽፋል ናብ እስራኤል ገጾም ሰጊሮም ኣለዉ።

ብቕድሚ ትማሊ ካብ ሓደ ካልእ 50 ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራውያን ከም ጅሆ ተታሒዞምሉ ካብ ዘለዉ ናይ ሲናይ ማሕዩር ብቐጥታ ምስ ኣሰና ብቴለፎን ዝተራኸበ ግዳይ፡ ፍርቂ ኣካላቱ ብሓዊ ኣንዲዶም ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ደረጃ ከምዝርከብ ብቓሉ ክሳረብ ከምዝተሰምዐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምስጢራዊ ቦታታት ሲናይ ሓያለ ጉጅለታት ጅሆታት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዘረድእ እዩ።

ካብ እስራኤል ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ካብ 250 ክሳብ 300 ኤርትርውያን ኣብ ሲናይ ብበደዊውን ከም ጅሆ ተታሒዞም ይሳቐዩን ይቕዘፉን ከምዘለዉ ይሕብሩ።

ሓደ ከም ጅሆ ንሓያለ ኣዋርሕ ከምዝተታህዘ ዝሓበረ ኤርትራዊ ‘ውን ኣቐድም ኣቢሎም 5 ሎሚ ቕነ ድማ 3 ሬሳታት ከምዝጎሓፉ ሓቢሩ እዩ።

ብቕንያቱ ብቪድዮ ክትዕዘቡዎ ከምዝቐነኹም፡ ትማሊ ‘ውን ሓንቲ ናይ ዓረብ መደበር ቴለቪዥን፡ ህዋሳቶም ተቖሪጹ ድሕሪ ምውሳዱ ናይ ዝሞቱ ሓያለ ስደተኛታት ዘስካሕክሕ ስእሊ ሬሳታት ኣቕሪባ።

እቲ ኣቐዲሙ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተዘርግሐ ጋህሲ ግዳያት ምሉእ ብምሉእ ናይ ኤርትራውያን ምዃኑ ዘተኣማምን ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣብቲ ቪድዮ ብጭብጢ ተገሊጹ ክንሱ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቲቪ ኤረ፡ ‘ናይ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሬሳታት’ ኢሉ ምሕላፉ፡ ቅንጣብ ሓልዮትን ድንጋጸን ኤርትራውያን ከምዘይብሉ ዘርኢ እዩ። ብቐንዱ ነቶም መንእሰያት ሃገሮም ለቒቖም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ክወድቁ ዘገደዶም ስርዓት ህግደፍ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ካብኡ ድንጋጸ ዘይጽበዩ ኳ እንተኾኑ፡ በዚ መንገዲ’ዚ ነቲ ኣራዊታዊ ጠባዩ ዝያዳ ብምግሃዱ፡ ደገፍቱ ከይተረፈ ዝግድግድ ክብሎም ይረኣዩ ‘ለዉ።

ስርዓት ህግደፍ 400 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ኣብ ዝጠሓሉሉ ግዜ ‘ውን፡ ‘ዘይ ጸጊቦም እዮም’ ክብል ንጃምላዊ መቕዘፍቶም ብንዕቀትን ብድዐን ከምዝገለጾ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።