ዘሕዝን ዜና

Wednesday, 07 October 2009 14:41
ኢብራሂም ማሕሙድ ዓዘልቶ

ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እጃሙ ዘበርከተ፡ እንተኾነ ግና መቐረት ናጽነት ጽቡቕ ገይሩ ከየስተማቐረ ካብ 1992 ጀሚሩ ብዘይ ገለ ፍርዲ ኣብ ቤት ማሕዩር ዓዲ-ዃላ ክማስን ዝጸንሐ ኢብራሂም ማሕሙድ ዓዘልቶ ዝተባህለ ዜጋ

وصلنا نبأ وفاة ابراهيم محمود عزلتو فى ظروف غامضة بتاريخ 4 اكتوبر 2009 م داخل سجن مدينة عدى خالا . وكان الفقيد من احد الارتريين اللذين شاركوا فى النضال الوطنى التحررى للشعب الارترى لفترة طويلة وممن كانوا يقبعون داخل سجون النظام منذ سنة 1992 دون محاكمة ,  ولم ينعم بطعم الحرية .

 

alt

 

ዘሕዝን ዜና


 4 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

 ምንጭታትና ከምዝሓበርዎ ኢብራሂም ማሕሙድ ዓዘልቶ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዓረፈ ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ንስድራ ቤት መዋቲ ጸዊዖም እነሀልኩም ሬሳኹም ውሰዱ ከምዝበልዎም፡ እቶም ስድራቤት ከኣ ብዛዕባ ኣማውትኡ መብርሂ ምስ ሓተቱ በቶም ርህራሄ ዘይብሎም ጨካናት ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላ ብድዐ ብዝመልኦ “ኣዘራርባ ነገር ከይተምጽኡ ስቕ ኢልኩም ሬሳኹም ሒዝኩም ኣልግሱ” ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦም ተሓቢሩ። 

ስርዓት ህግደፍ ዜጋታትና ብዘይ ወዓልዎ ገበን እንዳጠቀነ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ የማስኖምን ሃለዋቶም የጥፈኦምን ይጨውዮምን ከምዘሎ ይፍለጥ’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ካብ ጽባሕ ሃገራዊ ናጽነትና ዝዓተርናሉ ግዜ ዝጀመሮ ን18 ዓመታት ዝቐጸለን ሕጂውን ብዝኸፍአን ዝተዓጻጸፈን ብዝሒ ዝቕጽሎ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ እዩ። 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

5 ጥቅምቲ 2009

 

  

خبر مؤلم

 

وصلنا نبأ وفاة ابراهيم محمود عزلتو فى ظروف غامضة بتاريخ 4 اكتوبر 2009 م داخل سجن مدينة عدى خالا . وكان الفقيد من احد الارتريين اللذين شاركوا فى النضال الوطنى التحررى للشعب الارترى لفترة طويلة وممن كانوا يقبعون داخل سجون النظام منذ سنة 1992 دون محاكمة ,  ولم ينعم بطعم الحرية .

 

هذا وافادة مصادرنا التى اوردة هذا الخبر بان مسؤلين السجن استدعوا اسرة الفقيد وطلبوا منهم ان يستلموا جستهم . وطلبت الاسرة بدورها ان يفيدوها عن كيفية وفاته وكان الرد سريعا واستفزازيا حيث حذروهم بان سؤالهم هذا سوف يجلب لهم الخطر اذا لم يلزموا الصمت .

 

ومن المعروف ان سجون النظام تمتلأ من المواطنين دون محاكمة , وكثيرون هم من لايعرف مصيرهم ومن تشوهت اجسادهم داخل هذا السجون ويموتون فى ظروف غامضة لا يعرفها الى جلادين النظام وعملائة الخونة . وهذا الامر لم يكن وليد اليوم بل هو عمل بربرى منظم يقوم به النظام منذ فجر الاستقلال وهو 18 عاما ولازال يواصله باقبح الاساليب والطرق البشعة .

 

      مكتب الاعلام والثقافة

لجبهة الانقاذ الوطنى الارترية

        5 اكتوبر 2009