ሃገራዊ ዋዕላ ንስለ ምግባሩ’ዶስ ወይስ ብርግጽ ንምዕዋቱ?

Thursday, 18 March 2010 01:15
Print PDF

National Conferenceነቲ ፋሕ ዝበለ አተሃላልዋ ናይ ተቓወምቲ ሐይልታት ጥርኑፍን ዝተወሃሃደን መልክዑ  ንምትሐዝ፣  አንጻር   መላኺ ስርዓት ዝካየድ ቃልሲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘዕግብ አገባብ ንምቕያስ፣ ውድባት ተቓውሞ አብ መጋቢት 1999 ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ አብ ትሕቲ ዝብል ስም ከም ዝተጠርነፈ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ምጥርናፍ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብሐፈሻ፣ ንተቓወምቲ ውድባት ኮነ አባላተን ከአ ብፍላይ፣ ክብ ዝበለ ፍናንን ሞራልን ሂቡ ንደምበ ህግደፍ ብብርቱዕ  ዘናወጸ ተርእዮ ናይቲ እዋን’ቲ ነበረ። አብ ወጻኢ ኮይኑ እቲ  ከም ልቡ ክንቀሳቐስ ዝኽእል አብ ከም ብዓል ኤውሮጳን አሜሪካን ዝነበረ አባል ተቓውሞ፣ ብዝለዓለ መልክዕ ተወዳዲቡ ትሒቱ ዝነበረ ድምጺ ተቓውሞ አብ በራኽ ወጺኡ  ንኽስማዕ ብርቱዕ ንጥፈታት ዘካየደሉ መድረኽ ከአ ነበረ።

እንተኾነ ግን እቲ ኩሉ ጻዕርታትን ተስፋን አብ  2002 ዓ.ም. አብ አዲስ አበባ ዝተገብረ ጉባኤ ምሕዝነት ከቢድ ዕንቅፋት ገጠሞ። ዝርዝሩ ሽዑ ስለዝተባህለ ሕጂ ክደግሞ አይደሊን። እወ ኤርትራውያን አብ መንጎኦም ናይ አረአእያ ኮነ አመለኻኽታ ፍልልያት ክህልዎም ውሁብን ባህርያውን ኢዩ። አብ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ናይ ደገ ተጽዕኖን ጦብሎቕታን እንተተወሲኹዎ ግን፣ ክሕምሶምን ክዘራርጎምን እንተዘይኮይኑ ከማዕርገሎም ኮነ ውራዮም ከጸብቐሎም’ስ  ከቶ ክሕለም’ውን ዘይከአል’ዩ።

እቲ ቀዳማይ መሪር ቃልሲ ክካየዶ ዝግባእ አንጻር መላኺ ስርዓት እኳ እንተኾነ፣ ነቲ  ካብ ሕድሕዱ ተረሐሒቑ ዝነበረ ልቢ ተቓወምቲ አብ ሐደ አስሚርካ ፣ሕድሕዱ ንኽተአማመን ምግባር እቲ አዝዩ ዝበርትዔ ቃልሲ ምንባሩ ንማንም ስዉር አይነበረን።  ክሳብ ሕጂ’ውን እንተኾነ እዚ ሃጓፍ’ዚ ንምዕጻው ፍጹም አይተኻእለን። ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ንሐፋሽ ህዝቢ ብሐፈሻ፣ ንመንእሰያት ከአ ብፍላይ፣  ሰሐቢን ማራኺን ዘይኮነሉ ምኽንያት ከአ ሐደ ካብቲ ምኽንያታቱ እዚ ኢዩ።

እቲ ዘገርም ንሐደ ዕዮ ክትሰርሕ ሕድሕድ ምትእምማን ልዕሊ ኩሉን ቀንዲን ክነሱ፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ  ብስዉር ድዩ ብቕሉዕ አንጻር መቓልስቶም ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኮነ ውድባት ህልም ዝበለ ናይ ጸለመን ዘመተን ወፈራን ዘካይዱ ምህላዎም ንኹሉ ቃልዕ ኢዩ።

እሞ’ኸ ድአ ነዚ ፍልልያት’ዚ ከይወገንካ ሕድሕድካ እንዳተባላላዕካ’ስ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ ክካይድ ዝድለ ዘሎ?  ጌርና ንማለቱ እንተኾይኑ ከም ዘይግበር የለን ክግበር ይከአል ኢዩ።  ንቁም ነገርን ንህዝቢ ተስፋ ዝህብን እንተኾይኑ ግን፣ ቅድም ቀዳድም መደበር ዓውደ ተቓውሞ ብሐፈሻ፣ እቲ ሐላፍነት ወሲዱ ዘሎ ኪዳን ከአ ብፍላይ አብ ውሽጡ ዝሰመረን ዝተቐራረበን ሕድሕዱ  ከአ ዝሰማማዓሉ ውዱእ ዝኾነ መንፈሳዊ ሂወት ኮነ ሐባራዊ  ብሩህ መደብ ሒዙ ክቐርብ’ዩ ዝግብኦ።

ከምቲ ክቡር ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም አብ ዝሐለፈ መዓልታት አብ ዓውደ ፓልቶክ ዝበሎ፣ መጀመርያ ውድባት ኪዳን ናቱ ጉባኤ ብምክያድ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ብዘተአማምን አልዩን ወጊኑን ናብ ሃገራዊ ዋዕላ  ምስ ዘምርሕ ዝያዳ ውሕስነት አለዎ። ክቡር አቶ አሕመድ ናስር’ውን ነዚ አብ ግምት ብምእታው’ዩ ይመስለኒ ዝግበር ዋዕላ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ከይግምገምን ድሒሩ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጾ ከይኸውንን አብቲ መራሕቲ ውድባት ዝገበርዎ ፓልቶክ ዝአመተ።  ክቡር አቶ ወልደሱስ ዓማር’ውን ነዚ ርእይቶ’ዚ  ብምድጋፍ’ዩ ርእይቶኡ ዝገለጸ።

ሕድሕድካ እንዳተቓናጸልካ ክሳብ ማዕረ ናይ ህግደፍ’ዶስ   እንታይ’ዶስ ኢልካ ብጸለመ እንዳተኻሰስካ ፣ ተቛሲልካ ከለኻ ዝእቶ ዋዕላ  ብሐቂ ንቑም ነገር ዝዓለመ ኢዩ ኢልካ ከተእምን ብሐቂ አጸጋሚ ኢዩ።

እዚ ክብል ከለኹ ገለገለ ደቂ ሃገር ገሊኦም ካብ ንጹህ ሕልና ብግርህና፣ ገለ ከአ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ሕሳባት መታን ክጥዕመሎም ንሃገራዊ ዋዕላ ንምትዕንቓፍ’ዩ ዝብሉ አይሰአኑን ይኾኑ። እዚ ግን ብፍጹም ከም ዘይኮነ የግዳስ  ኪዳን ከም ኪዳን ተአማሚኑ ጉዳዩ ብግቡእ ወጊኑ፣ እቲ ዋዕላ ምስ ዝግበር ዘየጠራጥር ውሕስነት ዘለዎ ዓወት ክጭብጥ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ተረድኦን ውልቃዊ ሚዛነይን ዝነቐለ ምዃኑ ብጥብቂ ከረጋግጽ ይፈቱ።

ከም ሻሙ ንኺድ ኢልካ ብላዕለ ላዕሊ አዋጃት ጥራሕ እንዳተራኸብካ ብምጉስጓስ ድሐን ንኺድ ጥራይ ብምባል ዝእቶ ዋዕላ፣ ክሳራኡ ከቢድ ከይኸውንን ንህዝቢ ዘሰንብድ ተርእዮ ከይፈጥርን ስግአት’ውን ስለዘለኒ ኢዩ። ጽባሕ ዘይተጸበናዮ ዕንቅፋት ምስዘጋጥመና፣ ንምሕካሙ ከየጸግም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ዝጸንሔን ዘሎን ጋግ’ውን ዝያዳ ገፊሑ ንኩላትና ኤርትራውያን ከየሸግረና’ሞ መፍቶ እቲ በላዕ ሰብ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ከይንኸውን ብንጹህ ሕልና ክንርድኦ ከአ የተሐሳስብ።

ስለዚ ውድባት ኪዳን ብጠቕላላ ህድእ ኢሉ ክሐስብን፣ ቅድሚ’ቲ ዋዕላ ተላዚቡ ክወሐሐጥን ናቱ ጉባኤ ብምግባር ንሃገራዊ ዋዕላ መሰረት ዝኾኖ ዘየወላውል ሐባራዊ መርገጽ ን እምንቶን ሒዙ ክአቱ ከአ ታሪኻዊ ለበዋን ምሕጽንቶይን የቕርበሉ።

አብርሃለይ ንጉሰ