ጉዕዞ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ቃራና መንገዲ፡፡

Posted on March 9, 2012 by

ጉዕዞ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣጀማምርኡን ኣበጋግስኡን ብጽጹይ መጽናዕትን ምርድዳእን ስለ ዘይተጀመረ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ዝያዳ ኣኽቢርዎ፡፡ ካብ ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ናይ መጀመርያ ሓምሳታት ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ብብሸውዓተ ተወዲብካ ዝተጀመረ ናይ ውሽጢ ከተማታትን ጎደናታትን ቃልሲ በጋባቡ እቲ ዝሓሸ ኣጀማምራ ኔሩ ክብሃል ዝከኣል ኢዩ ኔሩ፡፡

እዚ ፖሊሳዊ ምልኪ ናይ ደቂ ሃገር ከምብዓል ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ስለ ዝበርቶዖን ዝሃደኖን ናብ “ሓራካ “ ዝብል ናይ ጎነጽ ውድብ ተሰጋጊሩ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብኤርትራዊ ከምኡ ማለት ብእድሪስ ዓዋተ ብ1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ጅማሮ ሰውራ  ኣብ ዒላ ጻዕዳ ዝብሃል ቦታ ኣጥቂዑ ከምዝበተኖ ኣብቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከም መምሃሪ ይወሃብ ኔሩ ኢዩ፡፡

ካብ ከምዚታት ዝጀመረ እምበኣር ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክስከም ኣይክእልንዩ ብምባል ነቲ ብ1970 ተፍንጭሉ ህ.ሓ.ሓ.አ. ዝመስረተ ምህዳን ተጀሚሩ፡። እዚ ጸሊም በሰላ`ዚ ከይሓወየ ህ.ግ.ሓ.አ`ውን ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ብምሽራኽ ንተሓ.ኤ ብ1981 ካብ ሜዳ ኤርትራ ደፊኡ ንሱዳን ኣእትዩዋ፡፡ እቲ ንሱዳን ተደፊኡ ዝኣተወ ኤርትራዊ ሓይሊ ናብ ዓለም ፋሕ ኢሉ ነቲ ኮንቱ እዋን ዝተጠቕመሉ ኣሎ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ብምትኳር መርገጺ ተቓውሞ ብምሓዝ ክታተ ዝጸንሐ`ውን ኣሎ፡፡

ኣብ 1991 መሬታዊ ናጽነት ምስ ተረጋገጸ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይነበረ መላኪ ኢሳያስ ን20ሰነ ከም መዓልቲ ስዋኣት መሪጹ ካብ ሎንዶን ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ድዩ ብሱዳን ጌሩ ነስመራ ብስጋእ-መጋእ ምስ በጽሐ ኣብ ቦኽሪ መደርኡ ኣብ ኣስመራ ካብ ሎሚ ንደሓር “ናይውድባትሓሸውየ“የልቦን ብምባል ነቲ ናጽነት ብምርካባ ተደዓዒሱ ዝነበረ ካልእ ውድብ ከበራብሮ ጀመረ፡፡

እቲ ካብ 1981 ኣትሒዙ ንቓልሱ ብሰላማዊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዝጸንሐ ወገን መሊሱ ከምዝሕንሕን ኣበራቢርዎ ዘረባ መላኪ ኢሳያስ፡፡ እቲ መሪሕነት ናይቲ ተደፊኣኡ ንሱዳን ዝኣተወ ኣካል`ውን ብታሪኽ ዘሕትት ተግባራት ከምዝፈጸመ ታሪኽ ኣይርስዖን ኢዩ፡፡

  1. ብሳንኩፍ ኣመራርሕኡ ሰራዊት ንሱዳን ተደፊኡ ኣትዩ፡፡ ውፉይን ጽፉፍን ኣመራርሓ እንተዝነብር ኔሩ ብኸምቲ ዝተወድኦ ኣይምተወድኤን ኔሩ፡።
  2. ናብ ሱዳን ኣብ ዝተኣትወሉ እዋን ብድፊኢት ህ.ግ.ይኹን ብናይ ገዛእ ርእሶም ፍርሒ መንግስቲ ሱዳን ምስ ዕጥቕኹም ኣይንቅበለኩምን ኢና ዕጥቅኹም ኣውርዱ ክብሉ እንከለው ንኣብያ ሰራዊት እቶም ንኽሰዓር ዝመርሕዎ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ነቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ብረት ንሱዳን ኣረኪቦም ተረሲዑ ተሪፉ ኣሎ፡።

እምብኣር እዚኦምን ኣብ 2001 ካብቲ ዘሎ ስርዓት ዘምለጡ ውልቀ ባእታትን ዝመርሕዎ ደንበ ተቓውሞ ኢዩ ክሳብ ሕጂ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ፡።እዞም ምርባሕ ውድባትን ምፍንጫላትን ከምፍሉይ መለለዪ ተሞክሮኦም ጌሮም ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ናብ ረብሖኦም ብምቅያር ንጉዕዞ ደንበ ተቃውሞ ፍሕት ከምዘይብል ዝገብሩ ዘለው ባእታታት ከይኣለኻን ከይመከትካን ዝመጽእ ለውጢ የልቦን፡፡

ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ዋዕላን ባይቶን ፡እንዳበልካ ኣስማት ምቅያር ዘምጽኦ ለውጢ ክህሉ ኣይኮነን፡፡ ጉልሻ ብምቕያር ጥራይ ጸብሒ ኣይምቅር ቅጫ ኣይጽብቕ፡፡

ሓቂ ብሓቂ ብኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘውደኽ-ድኽ ዘሎ ተወልደ ገብረስላሴ ለውጢ ክመጽእ ንጽበ እንተሊና ከይደቀስና ንሓልም ኣሎና ማለትዩ፡፡ እዚ ኣንጊሁ ኣጣጢሑ ዝተሓዝ ሒዙ ናብ ስርዓት ኢትዮጵያ ኢዱ ዝሃበ ሰብዚ ነቶም ምስኡ ዝኸዱ  ብህ.ግ.ተሃዲኖም ኣበይ ከምዘለው ዘይፍለጡ ንሱ ግን እቲ ዕርክነት መለስን ኢሳያስን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከይህልው ተቃውምቲ ኢትዮጵያውያን እውን  ኣብ ኤርትራ ከይህልዉ ተባሃሂሎም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡ እንከለው ተወልደ ስኽፍ ከይበሎ ኤነትረታቱ  ኣብ ኢትዮጵያ እንዳዋፈረ  ዝነብር ዝነበረ ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ምንጻል ብሔራት እንዳብለ ውድባት ብሄራት ክጫጭሕ ዝውዕል ሃብታምን ርእሰማላውን ሰብ`ዚ ናብ ዓወት ክመርሓና ምጽባይ ነብስኻ ምትዕሽሻው`ዩ፡፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊቲ ዓቢትጽቢት ዝተገብረሉ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ዘሎ ቶንኮላት ውዲት ናቱን ደቀመዛምርቱን ኢዩ፡። ብዛዕባ`ዚ ኣብ መወዳእታ ክምለሶ ኢየ፡።

ናይ ዕድመን ቶንክልን ብዓል ጸጋ ኣቦይ ሑሴን ከሊፋ ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ንመንግስቲ ሱዳን ተረኪቡ ዘሎ ንብረት ሰውራ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እቲ ኣብ ደንከልያን ካልእ ቦታታትን  ውግእ ሕድሕድ ወሊዕዎ ብጃልባ ዝሃደሞ ንታሪኽ ኣጽኒሕና እዞም ኣሉታ እምበር መማቕርቲ ዝኸውን ኣንፈት ኣዎንታ ዘይብሎም ባእታታት ንቓልሲ ህዝቢ መሪሖም ከዐውትዎ ዘበትዩ፡፡ እዚኦም እቲ ክቃለስ ዝኽእልን ዝደልን እንዳዓንቀፉ ዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘናውሑ ዘለው ኢዮም እሞ ኣለሊና ክንምክቶም ኣሎና፡፡ቱርኪ ሸንገብ ካብ ሑሰን ከሊፋ ዝፈልዮም የብሎምን፡፡ ፍልልዮም ከሊፋ ናይ ዑስማናት ኩፉየት ይገብር ሸንገብ መዓመምያ ይዕመም ቱርኪ ብካራባታ ይሕነቕ፡ ብዝተረፈ ማንቲለ ካብ ሓፍታዶ ትፍለ ኢዩ፡፡

እቶም ኣባላት ናይቲ ስርዓት ዝነበሩሞ ገሊኦም ብፍላጥ ገሊኦም ድማ ኣብ ደገ ብምጽንሖም ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጥና ዝብሉና ዘለው ናብቲ ዝነበረ ደንበ ተቓውሞ ምስተጸንበሩ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ኢዩ ተቐቢልዎም፡። ግደ ሓቂ ምምጻእ ናታቶም ነቲ ዝነበረ ደንበ ተቓውሞ ኣበራቢርዎ ኢዩ፡፡ ግን ከምቲ ዝጀመሮ ኣብ ክንዲ ዝቅጽል ኣንደልሂጹ፡፡እስከ ነቶም ሰባት ብብሓደ ንርኣዮም፡፡

ኣቶ መስፍን፡፡ እዚ ባእታ`ዚ ነዊሕ ዓመታት ብዝለዓለ ጽፍሒ ዝተቓለሰ ኢዩ፡፡ ከም ግድምና ቃልሱ ብዙሕ ሚስጥር ዝፈልጥ እኩል ታርፍ ተሞክሮ ዘለዎ ኢዩ፡፡ ብቀደሙኳ ተዛራባይ እንተዘይነበረን ዘይኮነን ካብቲ ዝፈልጦ መምሃሪ ዝኸውን ስለ ዘየተንፈሰ ምስ ኢሳያስ ጨሪሱ ኣይበተኸን ተባሂሉ ይጥርጠር፡፡ ብዙሕ ዘጠርጥር ነገራት እውን ኣለዎ፡፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ብድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ንሞት ናይዝጊ ክፍሉ ዝምልከት ተሓቲቱ ክምልሽ እንከሎ ናይዝጊ ኣበይ ኣበይ ይሰርሕ ከምዝነበር ሕጂ ክዝክሮ ኣይክእልን ዝብል መልሲ ክህብ እንከሎ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዘስተናዓቐ ይመስል፡፡

ኣቶ ዓብደላ ኣድም ብዙሕ ሰርሒታት ድሕሪ ምፍታኑ ሜላ ዝቐየረ ይመስል ብዙሕ ኣይርኤን፡።

ኣድሓኖም ፡፡ኩነታት ናይ ኣምባሳደር ነበር ኣድሓኖም ክትርዳእ እንተደሊኻ ነዛ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ኣኼባ ዘስምዓ መደረ ምስተንብብ እዚ ሰብዚ ዘረባኡን ግብራዊ ንጥፈታቱን ማዕረ ክንደይ ነንሕድሕዱ ከምዝናዳሕን ከምዝጋጮን ይበርሃልካሞ መኣዝኑ ዝሰሓተ ባእታ ሙዃኑ ትርዳእ፡፡ እዚ ከምዘለዎ ብምቕዳሕ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መደረ ቅድሚቲ ናይ ጨውን ሶድዩምን ሓድነትዩ ሓድነትና ብምባል ኣብ ጉባኤ ስምረት ሰለስተ ውድናት ማለት ክልተ ሰልፍታትን ሓደ ምንቅስቓስ ዝተግብረሉ ዝተዘርበ ኢዩ፡፡ እቲ ናይ ጨውን ሶድዩምን ኣብ ሓደ ዓመት ዘይመልእ እዋን ከምዝፈረሰ ናይ ትማሊ ታሪኽ ኢዩ፡፡

መደረ ብጻይ ኣድሓኖም ገብረማሪያም ኣብ ኣኼባ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ መሪሒነታት ሰለስተ ውድባት

Tuesday, 29 December 2009 17:13 administrator

E-mail Print PDF

ዝኸበርኩም ቡጾት፡-

ኩሉና ከም ንፈልጦ ናይ ሎሚ መኣከቢና ሓድነት ናይ ሰለስቲኡ ውድባት: ማለት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ መደምደምትኡ ንምብጻሕዩ። ከምኡ እዉን ኩሉና ኣብዚ ዘለና ናብ መዛዘሚ ናይ ምጽንባር ኣኼባ ፍራንክፈርት ክንሳትፍ ኣኽእሎ ስለዘየለ፡ እዞም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እንርከብ መሪሕነት ሰለስቲኡ ውድባትና ኩሉ መዳያዊ ገምጋም ብምግባር ለበዋታት ናብ መዛዘሚ ኣኼባ ፍራንክፈርት ብእንምዝዞም ወከልትና ንምልኣኽ’ዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘውርዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጩቆናን ምብትታን ሃገርና ብቐረባ ናይ ምርኣይን ምክትታልን ዝሓሸ ዕድል ስለዘለኩም፡ ኣኼባና ግብራዊ መፍቲሒታት ከቕርብ ከምዝኽእል ጥርጥር የብለየን። ብኻልእ ኣባሃህላ ሃገርና ነዲዳ ናብ ሓሙኹሽቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ሒዛ ነዊሕ ተጓዒዛ ከምዘላ ብቐረባ ንርኢ ስለዘለና፡ ንምድሓና መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብ’ዩ። ብመሰረቱን ብኣውርኡ’ውን ሰለስቲኡ ውድባትና ፍጹም ሓድነት ንምግባር ኣብ ውሳኔ ዝበጽሐ፡ ዓቕምታቱ ኣዋሃሂዱ ነቲ ንሃገርና ዘንድድ ዘሎ ቃጾሎን ባርዕን ከጥፍእ ከምዝግባእ ስለ ዝኣመነ እዩ። ጽባሕ ንግሆ ሃገር ነዲዳ ኣብ መልቀስ ክንዲ ዝውዕል ኣብ ኣፈ-ርክቡ ክሳተፍ ስለ ዝመረጸ እዩ። ገለ ወገናት ማለት ጹቡቕ ሃገርና ዘይትምነዩ ንሓድነትና ዘይሕብሩ ክቐብእዎ ዝፍቱኑ እኳ ይሃልዉ፡ ቀዳማይ ደራኺ ረቛሒ ሓድነትና ግን ሃገር ኣብ ሓሙኹሽቲ ከይተቐየረት ከላ ንምርካባ’ዩ።

ብጾት፡-

ቀጺለ ክጠቕሶ ዝደሊ ነጥቢ፡– ሓደ ካብቲ ዕላማታት ሰልፍና፡ ሓያልን ኣድማዒን ውድብ ምህናጽ ሙዃኑ ንሓደ ክልኢት’ውን ንማታኣሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ሓያልን ኣድማዕን ሰልፊ ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኑ ንኸዓስል እዩ። ብተመሳሳሊ ሰልፍና ዘይንጸል ኣካል ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ እዩ። ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ቀላጽሙ ኣስሚሩ መተካእታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንኽበቕዕ፡ ሰልፍና ብኹሉ ዓቕምታቱ ክሰርሕ እዩ። ስለዚ ሓያል ሰልፊ ምህናጽ ማለት ሓያል ደምበ ተቓውሞ ምህናጽ ማለት እዩ። ስለዚ እምበኣር ሰልፍና ምስ መላእ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ምስ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ብፍላይ፡ ኣካልን ኣምሳልን ኮይኑ ብምስራሕ ሃገርና ካብ ምብትታን ንምድሓን ክጽዕትን መስዋእቲ ክኸፍልን ሙዃኑን ፈተውትናን ጸላእትናን በዚ ኣጋጣሚ ከብራሃሎም እፈቱ።

ክንዕወት ኢና

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩሙኒ የቀንየለይ፡

22 ታሕሳስ 2009

ኣዲስ ኣበባ.

 

ምንጪ፣ ንሓርነት.ኮም

ነዚ ጽሑፍ እዚ ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣካይዳ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣዛሚድና ክንርእዮ እንክሎና እዚ በዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ባእታታት ዝምራሕ ኪዳንን ብካብ ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተመርጹ ባይቶን ተጀሚሩ ዘሎ ዕንቅፋት ብዲሞክራስያዊ ኪዳን ንዝሓለፈ ጉጉይን ዘየፍረየን ተሞክሮ ኢዮም ዝደግሙ ዘለው ኪዳን፡፡

ከምቲ ኣብ መደረ ኣምባሳደር ነበር ተገሊጹ ዘሎ ኪዳን ንስልጣንን ንህ.ግ.ደ.ፍ ንምትካእን ክጽዕሩ እንከለው ባይቶ ድማ ንድሕነት ሃገርን ድሕነት ህዝብን ይጽዕር ኣሎ፡፡ መንእሰያት ንድሕነት ሃገሮምን ህዝቦምን ብዝለዓለ ናህሪ ንምቅላስ ኣብ ዝብገስሉ ዘለው እዋን ኣባላት ኪዳን ዕንቅፋት ብሙዃን ብዘይ ኣፍልጦ ናትና ንእትገብርዎ ጻዕሪ ዝዕወት ኣይኮነን ዝብል ምስምስ ፈጢሮም ክዕንቅፉ ይጽዕሩ ኣለው፡፡

ሓያል ውድብ መስሪትና ንህ.ግ.ደ.ፍ ክንገጥሞ ኢና ዝብል ምቁር ሓረግ ከተንብቦ ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ንዘዝተፈጥረ ሓያል ውድብ ብግብሪ እንዳኣዕነኻ ብኣፍካ ጥራይ ሓያል ውድብ ምባል ሽሕጣንዩ፡፡ ኣፍን ግብርን ክሳብ ዘይተሳንዩ ድማ ጸገማት ክፍታሕ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡

ሓያል ውድብ ንምምስራት 4+1 ተባሂሉ 8 ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዘለውወን ውድባት  ኣብ መቐለ ተኣኪበን ተባሂሉ ክልተ ውድባት ሰሚረን ሰለስተዶ ኣርባዕተዶ ሰሚረን ተባሂሉ ኩሉ ዕላል ኢንተርነት ኮይኑ ተሪፉ፡፡

እቲ ደንበ ተቓውሞ ከምቲ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ እቶም ካብ 1981 ኣትሒዞም ክቃለሱ ዝጸንሑ ንርእሶም ኣብክንዲ ብሓደ ኮይኖም ዝሰርሑ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ኮይኖም ዝበዝሐ ጊዝዮኦምን ሓይሎምን ኣብ ነንሕድሕዶም ከዋፍርዎ ዝጸንሑ ኢዮም፡።

እቶም ካብ 2001 ዝጀመሩ እውን ሓቢሮም ኣብ ክንዲ ዝኸዱ ኣብ 2004 ተመቃቒሎም፡፡ ኣብ`ዚ ቀረባ 2009 እቶም ዝተመቓቐሉን እቲ ነባርን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓድነት“ሶድዩም“ ጌሮም ኣይሰለጦምን ጥራይ ዘይኮነስ ኣገባቡ ዝሰሓተ ስለ ዝነበረ በርዒኑ ተሪፉ፡፡ ናይቶም ኣቀዲሞም ዝገበሉ ኣንዳተጸልኤ ኣትማን ዝነበሩ ክንግብል ኢና ዝብሉ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ወልቀ መላኺ ዝነበሩ ከም እኒ ሃብተማርያም በርሀ ዝብሃሉ ምቅልቃል ጀመሩ፡። ከይጸመደ ኣንጎደ ዝብሃል ምስላ ክደግሙ እውን ተራእዩ፡፡ ንክፋእን ቶንኮልን ምስ ህ.ግ./ደ.ፍ ኮይኖም ዝገበርዎ ተናዚዞም ኣብ ክንዲ ምስ ህዝቦም ምዕራቕ ካንቦ ብምቕያር ኣብ ሓዲሽ ካንቦ ተቓውሞ ኮይኖም ካብ ጎይቶኦም ውልቀ መላኺ ዝተማህርዎ ንብጾትካ ከመይ ጌርካ ትመልኽ ሜላ ከዘውትሩ ፈቲኖም፡። ግን ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ኮይንዎም ውልዕ ቅህም ኢሎም ተሪፎም እንተለው ድማ ክተርፉ ኢዮም፡፡ እዚ ምትንባይ ዘይኮነስ ተግባሮም ባዕሉ ሶንኮፍ ስለ ዝኾነ ኣይክህሉን ኢዩ፡፡

ናብ ኪዳን ክምለስ፡ ኪዳን ዝተመስረተሉ እዋን ብልክዕ እኳ እንተዘይፈለጥክዎ ኣብ 2007 ኣብ ክልተ ተመቒሉ ከምዝነበረን ኣብ 2008 እንደገና ነቲ ዝፈላሊ ጸገም ኣሊና ብምባል  ሓደ ከምዝኾነን ዝዝከር ኮይኑ ኣብ 2010 ዋዕላ ንምክያድ ተወሲኑ ኮምሽን ተገይሩ ናብ ዋዕላ 2011 ኣብ ኣዋሳ ተበጺሑ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረ ንዝደለኻዮ ብኢዱ ወጢጥካ ብምውሳድ ዝግበር ዝነበረ ጎቦ ባይቶታት ኩሉ ኣብኡ ዝተሳተፈ ዝምስክሮ ኢዩ፡፡ ብፍላይ ኣድሓኖም ዝገብሮ ዝነበረ ንጡፍ ምስ ዝተፈላለዩ ባእታታት ርክብ ካብቲ ብድምቀት ዝተዓዘብናዮ ምንባሩ ምስ ብዙሓት ብጾት ኣብቲ ቦታ ተዘራሪብናሉ ኔርና ኢና፡፡ ዘይንቡር ዕርክነት ሑሰን ከሊፋን ኣድሓኖምን እውን መጫረቒ ኮይኑ ኔሩ ኢዩ፡። ምሉእ ይግበሮ ዝብል፡፡

ኣድሓኖም ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኪዳን ኣይኮነን ይኹን እምበር ፈጻሚ ኣካል ክእከብ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ኮይኑ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ብምልክትን ብሞባይልን ጌሩ ይቆጻጸሮ ከምዝነበረ ይርኤ ኔሩ ኢዩ፡። እዚ ተዳኺሙን ዛሕቲሉን ዝነበረ ኪዳን ስለምንታይ ኢዩ ድሕሪ ምምስራት ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብናህሪ ክነጥፍ ጀሚሩ? እዚ ሕቶ`ዚ ኢዩ ንተግባራት ኣድሓኖምን በሺር ኢሳቕን ተወልደን ደቂ መዛምርቶምን ዝገልጽ!!

ሓጂ ኑር ካብቲ ሓድነት “ጨውን ሶድዩምን“ ምስ ዶክተር ተስፋይን ኣድሓኖምን ዝተፈንጨለ ኢዩ፡፡ ንውድቡ ወኪሉ ናብ ኪዳን ምስ ከደ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ተመዲቡ፡። ዳርጋ ንዓመት ምሉእ ደቂሱ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ምምስራት ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ክእክብ ጀሚሩ ብመሪሕነት ኢስሃቅ በሺር ንሃገረ ስዊደን ብምጋሽ እውን ኣኬባ ኣካይዶም፡፡ እቶም ዝተኣከቡ`ውን ተጋግዮም ኢዮም፡፡ ክነጽግዎም ኔርዎም፡፡

ባይቶ ተመስሪቱ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ክምእዘዝን ባይቶ ኣድማዒ ክኸውንን ዝምተገብኤ እምበር ንባይቶ ንምድኻምን ንጥፈታቱ ንምድኻምን ተባሂሉ ብፈጻሚ ኣካል ኪዳንን ናይ ጎቦ ኣመኻሪኡ ኣድሓኖምን ዝወጸ ውጥን ህዝቢ ነቒሑ ክብድሆ ይግባእ፡፡ስለዝኮነ እዚ ኣብ ሃገረ ስዊደን ብስም ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣኼባ ዝገበረ ጉጅለ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ይኹን ሕቡራት ሃግራት ኣሜሪካ ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከይገብር ብትብዓት ክምከት ኣለዎ፡፡ ብዝተረፈ እዞም ዕድመ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘናውሑን ተካእቱ ክኾኑ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለው ንፍለጦም ፈሊጥና ዝግባእ መልሲ ንሃቦም፡፡

ነቶም ቆሪጾም ተላዒሎም ዘለው መንእሰይ ወለዶ ተካእቲ ሃገሮምን ምምሕዳሩን ስለዝኾኑ ከነተባብዖምን ክንድግፈምን ይግባእ ፡፡

ዓውት ንሓቀኛ ህዝባዊ ቃልሲ

ባይቶና ክዕንብብን ከፍርን ብትብዓት ንስራሕ

ዝኽሪ ንሰማእታትና፡፡

 

ስዩም ኪዳነ፡፡