-->

ኣቦቛቑላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥

 

ኣቦቛቑላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ብማእክል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ንሎሚ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝሓተተና ሕቶ፡ ኣስፊሕና ክንምልሳ ክንፍትን ኢና።

እታ ሕቶ፡ ብዛዕባ'ታ ሓንቲ ካብተን ህወሓት ህዝቢ ኤርትራ ንምብርካኽ ዘጫጨሐተን ዉድባት፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)፡ ከምኡ'ዉን ተራ መስፉን ሓጎስ ኣብ ጎስጓስ "ይኣክል" እተተኩር'ያ ክትከዉን።

ሰናይ ናይ ንባብ ጊዜ።

ኣቦቛቑላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)፡ ኣብ 1 ጥሪ 2010፡ ብንጡፍ ሱታፌ ቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮፒያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝቖመት ሰልፊ'ያ። ካድራር ህወሓት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)፡ "ጽላሎት መንግስቲ ኤርትራ" ብዝብል ቕጽል ስም ይጽዉዕዋ ከም ዝነበሩ ይሕበር። ምኽንያቱ ብኣገላልጻ ካድራት ህወሓት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህወሓት ንህግደፍ ካብ ስልጣን ምስ ኣለየ፡ ብቐጥታ ስልጣን ክትሕዝ ወይ ድማ መንግስቲ ክትምስርት ትኽእል'ያ ተባሂሉ ይእመነላ ስለ ዘነብረ'ዩ።

ገለ ካብቶም መለስ ህግደፍ ድሕሪ ምዉዳቑ፡ ኣብ ኤርትራ ኮራኹር ክኾኑኒ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ ኣብ መንበር ዘቐመጦም ሰባት፥

1) ወልደየሱስ ኣማር፣ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2) መስፉን ሓጎስ፣ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ
3) መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ዋና ጸሓፊ ሰልፊ

ግርጭታት ኣብ መንጎ መሪሕነት፥

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕ'ኳ ብወያነ ዘየቛርጽ ሓገዛት ይምጠወላ እንተነበረ፡ ጌና ብግስ ከይበለት'ያ ኣብ መንጎ መራሕታ ርኡይ ናይ ረብሓ ግርጭታት ክርኣያ ጀሚሩ። ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ህግሓኤ ኣባል ክፍሊ ትምህርቲ (ቤት-ትምህርቲ ሰውራ) ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ነበር ኣቶ መስፍን ሓጎስን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ፡ ክሳብ መለስ ዜናዉን ዑመር ኣልበሽርን ከም መንጎኛታት ከም ዝኣተዉ ዉን ይግለጽ'ዩ።

መንግስትኣብ ኣስመሮም ኣብ ድምጺ VOA ምስ ጋዜጤኛ ምንያ ኣፎርቂ ኣብ ዝገበሮ ቓለ-መሕትት "....መስፍን ሓጎስ፡ ትእዛዝ ኣይቕበልን እየ ስለ ዝበለ፡ መሪሕነት፡ ካብ ስልጣኑ ኣደስኪሉዎ..." ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ዉን ናይ ቐረባ ተዘክሮ'ዩ።

ኣብ መጋቢት 2017፡ ኣባል EPDP፡ መስፍን ሓጎስ ምስ ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ኣብ ድምጺ ቲቪ ሰነድ ዝገበሮ ቓለ መሕትት፡ ኣብ ኣሶሳ ምስ ወያነ ኣብ ጠረቤዛ ኮፍ ከም ዝበሉ ተኣሚኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ መለስ ነቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ዉድብ ዝነበረ ጎንጺ ንምፍታሕ ዝከኣሎ ከም ዝሃቀነ ተዛሪቡ ምንባሩ ሰነዳት ይምስክሩ።

ድሕሪ ምብትታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP)፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዘተ (EPDP-ZETE) ዝብል ስም ተተኪኣ እንደገና ክትበጋገስ ፈቲና'ያ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ብእንግልዝኛ ተጻሒፉ ዝርከብ፡ ገለ ካብ ዶክመንታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቐድሐ'ዩ።

"The EPDP-Zete (Zete means "Dialogue") originated from a split within the EPDP, and was formed by members of the former Eritrean People's Movement (EPM) and the Eritrean Democratic Party (EDP) who had separated from the EPDP. They created the EPDP-Zete on 23 November 2010 and claimed to be "the legitimate EPDP. The new faction also elected a 26-member Central Committee, which includes an 11-member Executive Committee. In January 2011, the Eritrean Democratic Alliance (EDA) [2] accepted the EPDP-Zete "as the representative of the EPDP in EDA."

"In August 2011, the EPDP-Zete participated in an Ethiopian government sponsored seminar in Addis Ababa for Eritrean opposition political parties. In October 2011, the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) [3] allocated eight delegates to the EPDP-Zete for the National Congress held in November 2011 in Hawasu, Ethiopia. During a conference held in 2013, the EPDP-Zete renamed itself as the Eritrean Democratic Party (EDP) (sêlfi dimokrasi értra, al-hizb al-dimuqrati al-irtri), which is not to be confused with the former EDP established in 2004 and the splinter EDP existing for some time between 2006 and 2013. The renamed EDP (EPDP-Zete) elected a five-member Executive Committee. The EDP (EPDP-Zete) has run the website [called] Mahhta.net since 2010"

ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምጻእ ሰላም፥

ድሕሪ ምምጻእ ሰላም ዉን እንተኾነ፡ ከቢድ ጭንቐት ዘሕደሩ መራሕቲ ጭፍራ ወያነ፡ ነቲ "ህዝቢ ምስ ህዝቢ" ብምባል ንዕስራ ዓመታት ዘዉዲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምንዛዕ ዝተጠቕሙሉ ፍሹል ፖለቲካዊ ኣካይዳ፡ ብዉሑዳት ሃሱሳት ደቂ ሃገር ኣቢሎም ክጉስጉስሉ ተራእዮም'ዮም። ከም ኣብነት፡ "ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዘተ" ብመሪሕነት መስፍን ሓጎስ ኣቢላ፡ ሰፊሕ ስነ-ኣእሙራዊ ዘመተ ክትግብር ጊዜ ዘይምዉሳዳ፡ ነቲ ኣብ ጭፍራ ወያነ ሓዲሩ ዝነበረ ጭንቀት ዘጉልሕ'ዩ ኔሩ።

መቐጸልታ ናይዚ ሰፊሕ ስነ-ኣእሙራዊ ዘመተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 2 ሓምለ 2018 ኣብ ኤውሮፓ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዳ ኔራ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሓላፊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዘተ ኣብ ኤውሮፓ ኣቶ ሓምድ ድራርን ሓላፊ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ገብረክርስቶስን ተረኺቦም ልክዕ'ቲ ወያነ ተመሓላልፎ ዝነበረት መልእኽትታት ምድጋሞም ይዝከር።

"...ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮፒያን ጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ህዝቢ ዝተሞርከሰ ክኸዉን ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ምፍታሕ ምስሕሓብ ዶባት፡ ህዝብታት ክልቲኣቶም ክሳተፍዎ ኣለዎም...."

መናፍሓት ወያነ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፍኦ ዝነበረ ጉሓፍ፡ ብዘይ ሙሉእ ሱታፌ ናይዞም ሃሱሳት ንነዊሕ ይኹን ንሓጺር ጊዜ ክስጊም ዉን ኣይምኸኣለን ኔሩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ 2019፡ መስፉን ሓጎስ፡ ኣብ ቲቪ ሰነድ ተረኺቡ፡ "....ኢሰያስ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮፒያ ክሕዉሳ ድሌት ኔሩዎ'ዩ..." ክብል ምዝራቡ፡ ነቲ ህወሓት ኣብ ዉሽጢ'ቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ ክትፈጥሮ ዝሃቀነት ነውጺ፡ ቐንዲ መሳርሒ ከም ዝነበሩ እኹል ጭብጢ'ዩ።

ሎሚ፡ እቲ ምስ ወያነ ወጊኖም ክጭብጥዎ ሓሲቦም ዝነበሩ እከይ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕላማታት ናይዞም ከድዓት ብግቡእ ተገንዚቡ ስለ ዘሎ፡ ካብ ተሓትነት ዘምልጥሉ መገዲ ከቶ ኣይክህሉን'ዩ። ምናልባት ዉን፡ ካብዚ ተሓታትነት ንምምላጥ፡ ሕጂ ዉን፡ ፈተነታት ካብ ምግባር ዓዲ ስለ ዘይዉዕሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቐደሙ ንቕሓቱ ክብ ከብል ይግባእ።

ዓወት ንሓፋሽ source https://www.facebook.com/CenterforStudiesAndResearch/

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com