<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ - ቀዳማይ ክፋል

Saturday, 25 September 2010 22:18
http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3045:2010-09-25-22-40-43&catid=23&Itemid=104

Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ። እነሆ ድማ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ምስ ብዙሕ ጉድለታቱን ገፈሉን ኣሃዱ እብል። ሓደ ሰብ ኣንጻር ሓሙሽተ ሚልዮን ከም መንደላይ ተመን ‘ዓራግ ዕጫይ’ ተጠምጢሙና ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ኩላትና ኣንጻሩ ክንሰምር ታሪኽ ይሓተና ኣሎ።

ኣሕዋተይ! ንሕና ኤርትራውያን ባህርያት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኢዩ ተረዲኡና። እቶም ከም ‘ኣባት-ጦር’ ዋርድያ ደንጉዩ ዝርደኦም ወገናትና ድማ ገና የጣቕዕሉ ኣለዉ። “ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ እናሃለቐን ሃገር እናባደመትን እንከላ፣ ብኤርትራን ህዝባን ዝጻወቱ ዘለዉ ተበለጽቲን ልቕብቃባትን ድማ ታሪኽ ይጸባጸቦም ኢለ ጥራይ ክሓልፍ።

ኣንጻር ኢሳይያስ ዝተዛረበ፣ ዝጸሓፈ፣ ዝመስከረ ወ.ዘ.ተ… ከም ጸረ-ሃገር ዝቖጽሩ ዓቀይቶት፣ ይዋእ! ኢለ ክርስዖም።ብሓቂ ንኤርትራ ዝጸልእ ኤርትራዊ የለን፣ ንኢሳይያስ ዝጸልአ ዜጋ ከም ጸላኢ ሃገርን ህዝቢን ጌርካ ምርኣይ ድማ ህግደፍ ኣብኲዑ ዝሰንከቶ መርዛም ሃንዛ ኢዩ። እቲ ምንታይ ንወላዲቱ፣ ካብ ማህጸን ንዘውጸኣቶ ኣዲኡ ዝጸልእ ፍጡር ስለዘየለ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዋግ-ዋጎ ብርሃን፣ ብዙሕ ጭውጫውታ ይስማዕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 50 ዓመታት ይውሰድሉ፣ ወላ ነቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም. ኣብ ማተርኒቲ ዓራርብ ዝተወልደ ናብ ኣብርሃም ወዱ የሰጋግሮ! በዓል ዕላማ ኢዩ።

ድሕሪ ፍጻሜ 2001 ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኢዩ ነይሩ። እቲ ምንታይ እቶም ተስፋ መጻኢ ወለዶታትና ንክኾኑ ዝመረጽናዮምን ዝተጸበናዮምን መሪሕነት፤ ኣሰር ‘መንካዕን’ ‘የሚንን’ ስለዝሰዓቡ። ኤርትራ ስለ ናጽነት ህዝባ ረዚን ዋጋ ከፊላ ክነሳ፣ ብሰንኪ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ድማ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ብኣብርሃም ተወልደን ሃብተስላሰ ገብረመድህንን ዝፈለመ ቅንጸላን፣ ከም ጋሻ ውሕጅ እናተሰራሰረ ዝገንፈለ ስሱዕ ስልጣን ኢሳይያስን፤ ምሁርን መስተውዓሊን ዜጋና ጸኒቱ ኢዩ። ጉዳም ኣጀንዳ! ዘዝተወልደ ኣብ ክንዲ ንዩኒቨርሲቲ ናብ ሳዋ፣ ብሒም ዝበለ ጉስጢን መቑሕን፤ ናብ መድፈና ዕራዒሮ ምእታውን ዘዝጸበቦ ድማ ናብ ስደትን ውርደትን!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየላቡ ህሞት ብስልጣን…  ኣውራጃ…ሃይማኖት… ወገን ምውጣት ፈጺሙ ሰዓቱ ኣይኮነን። ተቓወምቲ ውድባት ‘ክንብርኩት ከይንብርኩት ናብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ’ ከም ዝበሃል፤ ገና ከይተበገሳ ብዛዕባ ስልጣን’ዶ መሪሕነት! ክዋጠጣን ክፈላለያን ተዓዚብና። እቲ ካብ 60ታት ቀጺሉ’ውን ኣብ መጀመርያ 70ታት ኤርትራውያን ንምጽናት ስዉር ኣጀንዳ ሒዙ ዝተበገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገና ክርዳድ ናብ ውሽጢ ተቓወምቲ ውድባት ይዘርእ ከም ዘሎ ክሰሓት የብሉን።

እቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ፣ ጉልሒንጣ ከም ዝኣተዎ ዘራእቲ እናደኸማ’ምበር እናሰወዳ ክኸዳ ኣይተራእያን። ከም ስርኤል ቀትሪ 15 ኮይነን ይረኣሞ፣ ናብ 5 ይቕየራ፤ እንደገና ናብ 7 ጸኒሐን ናብ 3 ይምለሳ። እዚ ዕንኪላሎ’ዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ኢሳይያስ ዝዘርኦ ዝነበረን ዘሎን ክርዳድ ኢዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሽግር፣ ኣብ መብዛሕትአን ውድባትን ሰልፍታትን ጽላሎት ኢሳይያስ ስለዘሎ ኢዩ። ኢሳይያስ በዓል ዕላማ ኢዩ። ከምቲ ብዙሕ ዓመታት ዝጸሓፍ ዝነበረ ንመበቆል ትውልዱ ገዲፍና ናብቲ ቀንዲ ክፍኣቱን ክበጽሖ ዝሓለነ ጥርዚ ሃረምን ከነማዕዱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ኣብ 1970 ዓ.ም. ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ፣ ስኑ ነኺሱ በትረ-ስልጣን ንምጭባጥ ዘይደቀሰ  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ በዱ ልብታት ኤርትራውያን ክርዳድ ንክዘርኣሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቸዝ ክጻወትን ተጓየየ። ኣብቲ ሽዑ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታት እቲ ውሑድ ቁጽሩ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፣ ምስቲ ብዙሕ ቁጽሪ ዝነበሮ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፤ ማዕረ ወይ ዝያዳ ኣባላት ከም ዝሳተፉ ይገብር ነበረ። ኣብ ኩሉ ዓመታት ለባማትን ምሁራትን ኤርትራውያን ‘ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ ሞጎጎ’ ኮይኑዎም ትም ኢሎም ይሓልፍዎ ነይሮም።

ኩሉ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሳኔታት ድማ ባዕሉ ሓንጢጡ ዘንብቦ ዝነበረ ኢዩ። በዱ ልብታቶም ተጋደልቲ 1970፣ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥ ዘይክማህ ድሌት ስለዝነበሮም፣ ነቲ ገደብ-ኣልቦ ስዉር ጉያ-ጉያ ንምልካዊ ስልጣን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ትጉህ ደላይ ናጽነትን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ስለዝረኣይዎ፤ ንኹሉ ተበላጺ ውሳኔታት ብዘይ ተቓውሞ የጽድቕዎ ነበሩ።

ቅድሚ 40 ዓመታት ንዝነበሩ ገለ ውሑዳት ውሳኔታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እምበኣር፣ በብመነጽርና ንርኣዮም። ሽዑ ናብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠመተ ዓይኒ እንተዝነብሮስ፣ ሎሚ ናብ መንገዲ ክድዓት ኣይመላገሰን። እቲ ምንታይ ትልሚ ከም ተላሚኡ ስለዝኾነ።

ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣኼባታት ዝፈለሞ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ሶዶሕ ዔላ፣ እምባህራንተኽሊን ዝነበሩ ውሳኔታት ከምዞም ዝስዕቡ ነበሩ፦

‘ሀ’

ኣብ ሰነ 1970 “ሶዶሕ ዔላ’’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣኼባ ገይሮም። ህ.ሓ.ሓ.ኤ. መስሪቶም፣ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ውሳኔታት ኣሕሊፎም። ምስቲ ኣብ ደገ ምስኦም ኪዳን ዚኣተወ ሓይሊ ዚነበሮም ስልታዊ ዝምድና ኣብሪሆም። ካብ ትሽዓተ ኣባላት ዚቖመ መሪሕነት መረጹ።

ትሕዝቶ ውሳኔታት ናይቲ ካብ 100 ንላዕሊ ዚኾኑ ተጋደልቲ ዚተሳተፉዎ ካብ 26/6 ክሳብ 02/07/1970 ዓ.ም. ዚተገብረ ኣኼባ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

‘ለ’

ናይቲ ካብ 30/09 ክሳብ 07/10/1971 ኣብ ‘’እምባህራ’’ ዚተገብረ ኣኼባ ውሳኔታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

‘ሐ’

እቲ ካብ 12-15/08/1971 ኣብ ‘’ተኽሊ’’ ዝተገብረ ኣኼባን ውሳኔታቱን ዚሓንጸጾም ቀንዲ ናይ ፖለቲካ ነጥብታትን እዞም ዚስዕቡ ነበሩ፦

እምበኣርከስ ነዘን ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ጥንታውያን ውሳኔታት ኣብ እነንብበሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ጥሙሕ ምልካዊ ንምዃን ኣብ ከብዱ እናሓቖነ ከም ዝተበገሰ የነጽረልና።

ይቕጽል…