ጸሊም መዝገብ ወይጦታት ስርዓት ህግደፍ ይገንጸል ! 3ይ ጸብጻብ

Sunday, 28 November 2010 17:25 http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3269:-3-&catid=46:discussion&Itemid=100584

ጸሊም መዝገብ ወይጦታት ስርዓት ህግደፍ ይገንጸል ! 3ይ ጸብጻብ

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸብጻባት ኣሰና ‘ጸሊም-መዝገብ ወይጦታት ህግደፍ’፡ እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ዝርከብ ህዝብና ብቐጥታ ክቋጻጸሮ ዘይክእል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዱ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፡ ብሓድነትን ስኒትን እናነበረ፡ ተወዲቡን ተሓባቢሩን ሃገሩ ካብ ዕንወት ንምድሓን ንዲሞራስያዊ ለውጢ መታን ከይቃለስ፡ ወይጦታቱ ኣዋፊሩ ብሃሱሳዊ ውዲታት ይበታትኖ ከምዘሎ ብጭብጢ ኣሰኒና ገሊጽናልኩም።

ሎሚ ድማ ከም መብጽዓና፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጻብ ንድሕረባይትኡን ጽዩቕ ተልእኾኡን ኣመልኪትና ዘቕረብናልኩም ሰነድ ምስክርነት፡ እቲ መጋበርያ እኩይ ውዲት ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ዝተዓስበ ኣብ ኦክላንድ፡ ካሊፎርንያ ዝነበር ‘ኣፍዑት’ ብዝብል ምስጢራዊ ኮድ ዝፍለጥ ዕሉል ወይጦ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ንዝፈጸሞ፡ ምንጭታት ኣሰና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝለኣኹዎ ገበናቱ ነቕርበልኩም።

ምኪኤለ ተስፋጼን፡‘ኣፍዑት’ ኣብ ኦክላንድን ከባቢኣን፡ በይ ኤርያ፡ ዝለዓለ ሃሱሳዊ መዝነት ዘለዎ ዕሉል ወይጦ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ዕሱባት ኣለዉዎ።

ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ካብቲ ሃሱሳዊ ስርሓት ዘካይደሉ ከቢቢ ኦክላንድ፡ በይ ኤርያን፡ 17 ደቀንስትዮ ናይ ዝርከባኦም 88 ንጹሃት ኤርትራውያን ኣስማት፡ ምስቲ ስርዓት ዝጻረር ኣረኣእያን መርገጽን ኣለዎም ብዝብል ጸለመ፡ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ብመሰረት’ቲ ንሱ ዘመሓላለፎ ስለያዊ ጸብጻብ ከኣ፡  9 (ትሽዓተ) ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣስመራ፡ ጋሕቴላይ፡ ከምኡ ‘ውን መዕጢር ኣብ ዝርከብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ተዳጕኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

እቲ ንርእሱ ቀረምቲ ዶላራት ኣዋፊሩ ኣብ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ ዝነጥፍ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመንገዲ ምኪኤለ (ኣፍዑት) ዝረኸቦ ጸብጻብ መሰረት፡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ በብውልቆም ካብ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዶላራት ናይ ዘመሓላልፉ ሰባት ዝርዝር ኣስማትን መንነትን ኣብ ‘ብላክ-ሊስት’ ኣእትዩ ይከታተሎም ከምዘሎን፡ ኣብ ዝመረጾ ግዜ ስጉምቲ ክወስደሎም ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ጸብጻብ ምኪኤል ኣፍዑት ዘጠቓልሎ ኣገዳሲ ዕማም፡ ናይቶም ንስርዓት ህግደፍ ጸሊኦም ወይ ተቓዊሞም ብዝተፈላለየ ኣገባብን መኣዝንን፡ ማለት ብመክሲኮ ወይ ብኤውሮጳ ናብ ኦክላንድ፡ በይ-ኤርያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ (Asylum Seekers) ፡ ኣወጻጽኣኦም ካብ ኤርትራ፡ መንነቶምን ኩነታት ቤተሰቦም፡ ህሉው ኣድራሽኦምን ርክባቶምን ብዝርዝር ኣጽኒዑ፡ ናብ ቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ናብ ኣስመራ ምትሕልላፍ እዩ።

ምኪኤል ኣፍዑት፡ ሕልናኡ ዝጸንቀቐ፡ ብገበናት ስርዓት ህግደፍ ዝተጫማለቐ ዕሉል ወይጦ ምዃኑ መሊሱ ዘነጽር ተግባሩ፡ ነቲ ከም ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን ተመሲሉ ብምትላል ዝሓዞ መዝነት ሕሳብ ኤርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ኦክላንድ፡ ሃሱሳዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ብዘይፈሪሃ እዝግኣቢሄር ኣብ ስለያዊ መዓላ ይጥቀመሉ ምህላዉ እዩ። ንሱ ነቲ ኤርትራውያን ሰዓብቲ ኦቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኦክላንድ ንኣምላኽን ቤተክርስትያኖምን ኣሚኖም፡ ንዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ሰበኻ ጉባኤ  ዘረከቡዎ ስእልታትን ኣድራእሻን ዝርከቦ ብእምነት ዝተዋህበ ሓበሬታ ሰሪቑ፡ መሰነይታ ስለያዊ ጸብጻቡ ገይሩ ናብ ቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ናብ ኣስመራ ይልእኽ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ምኪኤለ ኣፍዑት ግን፡ ዕማሙ ናብ ቤት ጽሕፈት ምክልትታል ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጸብጻብ ኣብ ምትሕልላፍ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ካብኡ ዝቕበሎ ጸብጻብ ‘ውን ኣለዎ። ንሱ ኣብ ኦክላንድ፡ በይ ኤርያ ናይ ዝነብሩ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ዝመጹ፡ እሞ ኸኣ ኣንጻር ህግደፍ መርገጺ ዝወሰዱ ተጋደልቲ ነበር ኤርትራውያን፡ ኣድራሻኦምን ኩነታቶምን ብምጽራይ ናብ ኣስመራ ብዘመሓላልፎ ጸብጻብ መሰረት፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ፡ ንገድላዊ ታሪኽ ህይወቶም ዝምልከት፡ መዝነቶም ከምኡ ‘ውን ዕጡቓት (ሰብ ብረት) ምንባሮም ዝገልጽ ደቂቕ ጸብጻብ ይቕበል ‘ሞ፡ ‘ክገብሩ ይኽእሉ እዮም’ ኢሉ ምስ ዝኣመነሎም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ተማኺሩ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ብፍላይ ከኣ ናብ Homeland Security ከምዝበጽሕ ይገብር። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ዘሎ፡ ምስ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ስክፍታን ስግኣትን ብምምዝማዝ፡ ኣብ ሕቶ መስርሕ ዑቕባ ‘ቶም ተጋደልቲ ዕንቅፋት ብምፍጣር፡ ጉዳዮም ከምዝዳናጔ ወይ ከኣ ንሓዋሩ መሰል ዑቕባ ከምዝኽልኡ ብምግባር፡ ህይወቶም ኣጎላጕል ኮይኑ ኣንጻር እቲ ስርዓት ቀሲኖም ብኣድማዕነት መታን ከይቃለሱ ንምሕላኾም፡ ስርዓት ህግደፍ ዝኣለሞ ስዉር ውዲት እዩ።

ምኪኤል ተስፋጼን (ኣፍዑት)፡ ብሓምለ 2010 ኣስመራ በጺሑ ምስ ተመልሰ፡ ኣብዚ ኩሉ ዕማማት ክሕግዙኒ ይኽእሉ ‘ዮም ዝበሎም፡ ኣብ ናይ ህግደፍ ዋዕዋዕታ ዘይረእዩ ከም ናይቱ ባህርያት ዘለዎም 11 ስልሕማት መልሚሉ፡ ኣስማቶም ንቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ናብ ኣስመራ ኣመሓላሊፉ። ካብዞም 11 እቶም 2 ኣዝዩ ዝተኣማመነሎም እዮም። ልክዕ ከምኡ መራሕቲ ታክሲ ኮይኖም ምስኡ መዓልታዊ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎም። ሃሱሳዊ ሕጸኦም ቅቡል ኮይኑ ኸኣ፡ ስለያዊ ኮድ ጥራይ ይጽበዩ ኣለዉ።

ሓደ ካብ ኩሉ ክትዛረቦ ‘ውን ስግድግድ ዘብለካ ግብረ-እከይን ገበንን ምኪኤል ኣፍዑትን እቲ ስርዓትን ግን፡ ነቲ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብስዉር ዝንቀሳቐሰሉ ሜላ ከፋፊልካ ግዛእን ምዝራግ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ከተግብር፡ ዕሱብ ገንዘብን ብሕታዊ ጠቕምን ክኸውን ዓይኑ ከይሓሰየ ምቕራቡ እዩ። እዚ እከይ ተግባር’ዚ ብንጹር ኣብ ኣተሓሕዛ ሃሱሳዊ ጸብጻቡ ንረኽቦ።

ስለያዊ ትካል ህግደፍ፡ ቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት፡ ነቲ ሓደ ክፋል ጸብጻቡ በዚ ዝስዕብ መንገዲ እዩ ዘዋድዶ። ከበሳ ንዝመበቆሎም ኤርትራውያን ዝምልከት ጸብጻብ ከመሓላልፍ ከሎ ንኣብነት፡ ብሕብርታት ዝተፈልየ ሰለስተ ክፋላት (categories) ኣለዎ። ብኣተሓሕዛ ጸብጻብ ምኪኤል ኣፍዑት መሰረት፡ ብጫ ሕብሪ ንሓማሴን፡ ቀይሕ ሕብሪ ንኣከለጉዛይ፡ ቀጠልያ ኸኣ ንሰራየ ይውክል። እቲ ሓደ ሕብሪ ንገዛእ ርእሱ ከኣ ጥዑይን ብላይን ተባሂሉ ብድምቀቱ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ጥዑይ (ድሙቕ) ብጫ እንተኾይኑ ሓማሴናይ ደጋፊ ‘መንግስቲ’ ህግደፍ፡ ብላይ (ሃሳስ) ብጫ እንተኾይኑ ኸኣ ተቓዋማይ ሓማሴናይ ማለት እዩ። በዚ ኣገባብ’’ዚ ኸኣ፡ ብፍላይ እቶም ፍሉጣት ተቓወምቲ ‘መንግስቲ’ ህግደፍ ስድራቤቶም ማለት ሰብኣይን ሰበይትን ከከም መበቆሎም ብሕብሪ ተወኪሎም ኣብ መዝገብ ኣፍዑትን ቤትጽሕፈት ምክትታል ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ይተሓዙ። ካብዚ መጽናዕቲ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ስለ ድሕነት እቲ ርኹስ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ካብ ስድራቤት ጀሚርካ ንሕብረተሰብ ብዓድን ዓውድን ናይ ምፍልላይ እኩይ ዘመተ ብዝተፈላለየ ሜላን ብልሓትን ይካየድ።

ንሚኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት) ምስቲ ማፍያዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ኣተኣማሚኑ፡ ኣብ ዕምቆት እከይ-ተግባር ‘ቲ ስርዓት ኣጥሒሉ፡ ብዋጋ ንጹሃት ኤርትራውያብ ብገበናት ክጨማለቕ ዝደረኾን ዘተኣሳስሮን ምኽንያት ግን እንታይ እዩ?

ምኪኤል ተስፋጼን (ኣፍዑት) ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ኣስመራ እናተቐመጠ፡ ኣብ ሲቪል ኣቭየሽን፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ከም ህዝባዊ መሳለጥያ እናሰርሐ ከሎ ኣትሒዙ ‘ዩ ሰላዪ ህግደፍ (under cover) ኮይኑ ዝዓዪ ነይሩ። ሽዑ ምኪኤል ተስፋጼን ‘ኣፍዑት’፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት፡ መሰል ብሕትውናኣ (Privacy) ንምኽባር ክንብል ስማ ክንዕቅቦ ዝመረጽና ትሕቲ ዕድመ ጓል ገዛ-ባንዳ ዓሚጹ (ተጋሲሱ) ተኣሲሩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ኣብ ውሽጢ 7 (ሸውዓተ) ሰዓታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ፡ በቲ ብሃሱስነት ዘገልግሎ ዝነበረ ስለያዊ ትካል ህግደፍ ምሉእ ናይ ቪዛ ምትሕግጋዝ ተገይሩሉ፡ ን’ቫኬሽን’ ዝኸይድ ዘሎ ኣምሲልካ ብቕጽበት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ። ኣብ ኣመሪካ ኸኣ ከም ስደተኛ ዑቕባ ሓቲቱ።

እዚ ኹሉ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ተሰቲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዘተኣማምን ናይ ኣመሪካ ወረቐት ምስ ረኸበ፡ ብስለያዊ ስርሑ ምስተኣማመነን ብስርዓት ህግደፍ ውሕስነት ምስ ተገብረሉን፡ ሎሚ ዘበን ሓምለ (2010) ናብ ኣስመራ ይኸይድ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፡ ዝቕበሉዎ ፍሉያት ሰባት ይጸንሑዎ ‘ሞ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ሓለቓ ሚእቲ ደርግ ዝነበረ ኣቡኡን ከይተፈተሸን ከይተሓተተን ኣስመራ ይኣቱ።

በቲ ኣብ ልዕሊ ‘ታ ኣቦኣ ደሓር ኣብ 3ይ ወራር ዝተሰውአ፡ ትሕቲ ዕድመ ጓሎም ዝፈጸሞ ዓመጽ ከይቀሰኑ ክጸናጸኑ ዝጸንሑ ስድራቤት ግን፡ ኣብ ኣስመራ ከምዝተራእየ  ፈሊጦም ይከታተሉዎ። ነቲ ተቐቢሩ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣልዒሎም ከኣ፡ ኣብ ቀይዲ መታን ክኣቱ ናብ ፖሊስ የመልክቱ። በንጻሩ ግን፡ (ኣስማቶም ብዝርዝር ምሳና ዘሎ ግን ስለ መሰል ብሕትውና እታ ግዳይ ዝዓቀብናዮ) ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣዲኣን ኣኮኣን፡ ኣምሳያ ‘ቲ ዕሉል ገበነኛ ምኪኤል ኣፍዑት፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኖም። ነዚ ጉዳይ’ዚ ፈጺሞም ከየልዕሉዎን ከይዛረቡሉን ጽኑዕ መጠንቀቕታን ምፍርራሕን ተገይሩሎም ከኣ ካብ ቤትማእሰርቲ ወጺኦም።

እዚ ንግዚኡ ግድያትን ሕግን ዘየረኻኽበሉ፡ ኣብ ክፉእ ዘበን ህዝቢ ኤርትራ ጣዕሚ ዝረኸበ ዕሉል ገበነኛን ወይጦን ግን፡ ከም ሞሳ ሃሱሳዊ ስርሓቱ፡ ናይ መንግስቲ ገዛ ክወሃብ ምዃኑ መብጽዓ ተገይሩሉስ፡ ብኣካል ነቲ ናይ መብጽዓ ገዝኡ በጺሑ ርእዩዎ።

ንስርዓትን ህግደፍን ምኪኤል ኣፍዑትን ዘተኣሳስሮም ናይ ሓባር ረቛሒ እምብኣር፡ ናይ ደም ስልጣን ንምዕቃብ ናይ ደም ገንዘብ ዝኽፈሎ፡ ስስዐ፡ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ጭካኔ ዝመልአ ማፍያዊ ተግባራቶም እዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ‘ኣነ ኣብ ስልጣን እተዘየለኹ ሃገርን ህዝብን ኣይሃልዉ፡ ኣነ እየ ሃገር፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ’ ኢሉ፡ ብዝኾነ ዋጋ፡ ረሳሕ ስልጣኑ ንምዕቃብ ዘለዎ ዘይቅዱስ ድሌት ንምርዋይ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብዙሓት ኣፍዑታት ኣዋፊሩ ክሰርሕ ከሎ፡ እቶም ካብ ኣፍዑት ዝኸፍኡ ኣፍዑት፡ ሕልና ኣልቦ ወይጦታት ከኣ፡ ህይወት ንጹሃት ኣጥፊኦም ህይወት ከስተማቕሩ ብዘይሕፍረት ይህቅኑ። ደም ንጹሃት ግን ካብ ከውሒ ክፍልፍል ‘ውን ኣይጽግሞን እዩ። ገና፡ እቶም ‘ዝርእየና የልቦን’ ኢሎም ደም ንጹሃት ዝስትዩ ዘለዉ ካልኦት ኣፍዑታት ከኣ፡ ብድምጺ ውጹዓት ክቃልዑን ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም። ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ብድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝግደስ ኤርትራዊ ኸኣ፡ ኪኖ ‘ቲ ሕፍረትን ውርደትን ተነጽሎን ዘውርደሎም ሕልናዊ መቕጻዕቲ፡ ብሕጊ ክሕተቱ ዕቱብ ጻዕሪ ከካይድ ከኣ ግዴታ ኣለዎ። ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ናይ ግድን ክትዕወት እያ።

ክወግሕ እዩ !