ተጋ ኢሳይያስ ተወልደብርሃን /ወዲ ፍላንሳ /


ጅግና ወዲ ፍላንሳ ! ሓደ ካብቶም ግዳያት ኢሳይያስ ኢዩ።ወዲ ፍላንሳ ካብ ምፍላይ ኢሳይያስ ኣትሒዙ ምስኡ ዝተጓዕዘ ተባዕ ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ ሰረተ-እምነት ውልቀ-ምልካውያን ምስጢራት ዝፈልጥ ሰብ ክቕተል ኣለዎ ' ስለ ዝብል፤ ኣዛዚ ብርጌድ 58  ዝነበረ ተጋ ኢሳይያስ ተወልደብርሃን /ወዲ ፍላንሳ / ኣብ ግንባር ሓልሓል ብ 1983  ብልኡኻቱ ገይሩ ኣቐንጺልዎ። ሓደ ካብቶም ዝተላእኩ ቀንጸልቲ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ተዋሂብዎስ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣሃዱ ጸጥታ ህግደፍ [source alena]

 

ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን [ወዲ ፍላንሳ] 1983 ኣብ ግንባር ሓልሓል ብርጊዱ ብርጊድ 58 ኣብ ግንባር ሓልሓል ዓሪዳ ኮላ። ቀዳማይ ኣዛዚ መራሒ ብርጊድ ኢሰያስ ወዲ ፍላንሳ ፣ ምክትሉ ሃይለ ሳሚኣል[ቻይና] እምበኣር ከምዚ ኢሉ ኮሎ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ይከውን ፣ ሰለስተ ናይ ብርጊድ ስለያ መጽዮም ብቀጥታ ንሃይለ ሳሚኣል[ቻይና]ይረክብዎ ፣ ኣስታት 45 ደቃይቅ ይከውን ኣዕሊሎም [ተዛሪቦም]ብቀጥታ ካብኡ ወጽዮም ኣብ ልዕሊ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ዝባኑን ርእሱን ጠያይት ኣዝነብሉ ካባኡ ብሩባ ሩባ ጊሮም ክሃድሙ ከለዉ ፣ ወዲ ኣድሃኖም ዝባሃል[ወዲ ኣክሩር ሰገነቲ]ኢምዳድ ናይ ብርጊድ ዝነበረ፣ እዚ ሓደ ብዓይኑ ዝረኣየ ሽዓ ለይቲ ድፋዕ ሰጊሩ ኢዱ ናብ ጸሏኢ ይህብ፣ ጸላቲ ምስ ሓተትዎ ፣ንወዲ ፍላንሳ ከም ዝቀተልዎ ሻዓ ንደርጊ ነገሮም ፣ደርጊ ከኣ ማክረፎን ሂቦም ሹዑ ለይቲ ንብጾትካ ንጎሮም ኢሎሞ ፣ወዲ ኣድሓኖም ከኣ ዓው ኢሉ ብርጊድ 58 ውዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ ኣልዉ ኢሉ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ፣ካብኡ ወዲ ኣድሓኖም ብቀጥታ ነስመራ ዳ ሙሩካት ኣትዩ፣ እዚ ክምዚ ኢሉ ኮሎ ፣ ሃይለ ሞጎስ ዝተባህለ ፣እዚ ውን ወዲ ሰገነቲ ኮኑ ወዲ ኣክሩር እዩ፣ ሃይለ ሞጎስ ረዲዮ ኦፖረተር ናይ ወዲ ፍላንሳ ዝነበረ እዩ። ሃይለ ሳሙኣል [ቻይና]ነዚ ወዲ ከኣኒ ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ምቅታል ፣ብቀጥታ ናይ እንዳ ሓይሊ ኦፖረተር ከም ዝከውን ገሪዎ ፣ብምቅጻል ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፣ ኣዚ ወዲ ኣበይ ከምዛተወ ኣንፈልጥን ፣በርቂ ቀቲልዎ ኢሎሙና፣ ወዲ ኣድሓኖም ካብ ሙርከኛ ነጻ ድሕሪ ምባል ፣ብቀጥታ ናብ ኻርቱም ከይዱ ፣ኣብ ኻርቱም ከም ዘሎ ፣ይከታትልዎ ስለ ዝጸንሑ ፣ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብቀጥታ ናብ ሃይለ[ቻይና]ደዊሉ ረድዮ ጊሩ ፣ወዲ ኣድሓኖም ኻርቱም ኣሎ ፣ትገብር ግበር ቀልጥፍካ ኢሉዎ ፣ ንወዲ ኣድሓኖም ከኣኒ ፣ኣብ ኻርቱም ቀተልዎ ፣እምባኣር ከስ መስዋቲ ወዲ ፍላንሳ ነዚ ይመስል ፣ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጥዎ ስለ ዘለዉ ፣ብማዓልቱ ይገልጽዎ ይኮኑ፣ መዓልቲ ግን ኣላታ፣ source facebook [መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።]


እቲ ጅግና ስውእ ኢሳያስ ወድ ፍላንሳ!!

sourceEyob Gogela Bein 2019
ወዲ ፍላንሳ ሓደ ካብቶም ኤርትራ ሃገርና ሃገር ንኽትከውን ከይተሓለለ ብዘይ ዕረፍቲ ዝተቃለሰ ሓያልን ምሃዝን ቅልጡፍን ተዓጻጻፍን መራሒ ኢዩ: ኣብታ ኣነ ዝነበርክዋ ቦጦሎኒ ኣዛዝ ቦጦሎኒና ነይሩ ኣብ ውግእ ሰምሃር 1977 ዘርኣዮ ኣመራርሓን ብቅዓትን ኣሃዱና መሪሑ ገርግሱም ዝኣተወን ኣብ ዕለት 24-25 ጥሪ 1978 ኣሃዱና መሪሑ ደንጎሎ ጊንዳዕ እንባትካላ ቢዘን ነፋሲት ነቁጣ ሰይ ድሺን16 ክሳብ ነቁጣ 13ኪሜ ካብ ኣስመራ መሪሑ ዘዓወተ ጅግና ኢዩ:
ድሓር እውን ብርጌድ 58 ሓንቲ ቦጦሎኒ ነይራ ነዛ ኣሃዱ ብርጌድ ክትቀውም ከላ ካባና ተሳሒቡ ነዛ ብርጌድ ካብ ክፍልታትን ካብ ውግእ ተሞክሮ ዘይብሎምን ዝተኣኻኹበት ኣሃዱ ነዚኣ ኣሃዱ ስሒሉ ሓዊ ሓዊ ትጨኑ ኣሃዱ ቀይሩ ኣብ ምንስሓብ ብዘጥረይዎ ምትእምማን ሓንቲ ኣብ ኣፈፈት ናቅፋ ሩባ ምዖን ሳልፈርን ገቲራ ብምሓዝ ኣዝያ ተደናቂትን ንጸላእታ ፈጥፈጥ ተብል ኣሃዱ ቀይርዋ :ኣብ ዕለት 15-20 ወርሒ 07•1979 ኣብ 5ይወራር ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ሕዳቅ ዝተባህለ ቦታ ንኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት መሪሑ ን503ግብር ሃይል ምስ ክልተ ኮሬኔላት ማለት ኰሬኔል ካሳ ገብረማርያምን ኰሌኔል ሰይፉ ዝተባህሉ ኣዘዝቲ ሶስተኛ ክፍለጦር ምስ ምሉኣት ሰራዊቶም ዝተደምሰሱሉ ብኣካል ዝተኻፈልክዎ ፍጻመ ብቅዓት ኣማራርሓ ኢሳያስ ወድ ፍላንሳ ኢዩ ።ቀጺሉ ኣብ ዝተኻየደኣብ ታሕሳስ 1979 ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ግንባር ናቅፋ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ። ኣብቲ መጀመርያ ቅልጡፍ ኡኳ ተሰለጠ ድሓር ግን ስትራተጅያዊት ጎቦ ኢትታሓልበብ ጸላኢ ገቲሩ ብምሓዝ ንዝነበረ ግስጋሰ ዓጊትዎ ጴጥሮስ ሰሎሙን ናይቲ ግንባር ኣዛዚ ኲናት ዋላ ክልተ ሜትሮ ንምዓልቲ እንዳሰጎምና እዛ ጎቦ ክንሕዛ ኣሎና ኢሉ ክትሃላለኽ ከሎ :ድሓር ግን ሓድሽን ቅልጡፍን ስትራተጂ ሓንጺጾም ነዛ ስራሕ ክፍጽማ ዝኽእል እቲ ኣብ ዝኣተዎ ኲናት ብዓወት ዝወጽእ ካብ ብኣፉ ክዛረብ ስርሑ ዝምስክረሉ ጅግና ወዲ ጽንዓ ደግለ ኢሳያስ ፍላንሳ ተመዚዙ ንጸላኢ ብጎላጉል ናሮ ተጠውዩ ብኣጻድፍ ከም ስፓርታኩስ ሰራዊቱ መሪሑ ንጸላኢ ብዘይተጸበዮ ምኣዝን ኣትዩ ዓወት ግንባር ናቅፋ ኣበሲሩ ንጸላእቱ እንዳረጋገጽ ኣብ ኣፈፈት ኣፍዓበት ዓድሽሩም ዓረደ::
ኣብ 6ይ ወራር እውን ኣብ ግንባር ባርካን ግንባር ናቅፋን ብጅግንነት መሪሑ ኩሉ ግዜ ክብድ ዝበለ ውግእ ክኣቱ ኹሎ ተደራቢ ሓይሊ ወይ ንቅልጡፍ ስራሕ ክእዘዝ ከሎ እታ ቀደም ዝመርሓ ዝነበረ ቦጠሎኒና ኢዩ ዝውሃቦን ኣብ ብዙሕ ዓውደ ኲናት ክመርሕ ስለዝርኣኽዎን ኣብ ሓንቲ ሽሓኒ ፍትፍት ኢዱ ምሳና ከእቱ ስለዝርኣኽዎ ኣይ ኩምቶም ብስልጣኖም ዝብዕልጉን ኣይከምቶም ብሓለፋታት ዝጠስጠሱን :ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ እሞ ቅሰን ብዓል ጽቡቅ ታሪኽ ኢኻ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ(ጎጀላ))

facebook comment from Stefanos Temolso 2019ኣብ ህግሓኤ ብዙሓት ክኢላታት ውግእን ነይሮም'ዮም። ባዕላቶም ወተሃደራዊ ስርሒት ወይ ውጥን ኣውጺኦም ክትግብሩ ዝኽእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም ነይሮም። ኢሰያስ ፍላንሳ ሓደ ካብቶም ንበዓል ወዲሰለሙን ከይተጸበየ ባዕሉ ስትራተጂ ቀዲዱ ባዕሉ ዝትግብር መራሕ ብርጌድ ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝፈልጡዎ ዝምስክሩዎ ሓቂ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ ኵናት ተበግሶ ናቕፋ ኣብ ሕዳቕ ዝተፈጸመ እዩ። ናይ ሽዑ ናይ ጸላኢ ሬሳታት ብመካይን ተረጊጾም ዝተስታረረ ክዳን መሲሎም ንነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሑ ብዓይነይ ርእየዮም። ጅግና ግን ኣይነብርን'ዩ። ወዲፍላንሳ ምስቲ ኵሉ ጅግንነቱ ዘይጐናባሕ ብምንባሩ፡ ልክዕ ከም ጅግና ወዲሃይለ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ኣይነበረን። ኢሰያስ ጅግና ሰብ ግን ከኣ ዘይሰግድ ስለ ዘይፈቱ ንወዲፍላንሳ ወላ ድሕሪ መውጋእቱ፡ ካብ ድፋዕ ከም ዝስሓብ ኣይገበረኦን መዋእሉ ኣብ ድፋዕ ነይሩ፡ ኣብኣ ድማ ሞይቱ። እቲ እምብዛ ዘሕዝን ግን ናይ በዓልቲቤቱ ሚርያም መስዋእቲ ነይሩ። ከም ሰባ ውላድ ክትረክብ ዝነበራ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣብ ድፋዕ ተሰዊኣ።

Tecleberhan Tesfamicae 2019እዚ ጅግና ወዲ ፊላንሳ 6ይ ወራር ኣብ ምፍሻል ብ1ይ ደረጃ ዝግለጽ ኣበርክቶ ዝገበረ ወዲ 30 ዓመት እንከሎ ኢዩ ተስዊኡ። ቢትወደድ ኣብርሃ ወዲ 38 ዓመት እንከሎ ኢዩ በዞም ዓመጽቲ ጠላማት ተሓይሩ። ስለዚ መንእሰይ ግደኻ ሕጂ ኢዩ።
ግዜ ንዝለዓለ ኣበርክቶ ይጠልበካ ኣሎ።
ዕማምካ ብዓወት ክትዛዝሞ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ኣሎኒ።
ኣጆኹም ኣጆና

Isayas Teweldebrhan was a brilliant military strategist and tactician. It is a fact that there were many Valiant military leaders in EPLF. The most noted ones who come as the 1st Group are Woldenkiel Haile, Mesfun Hagos, Ibrahim Afa, Petros Solomon, General Ogbe Abraha. The 2nd group consists of Isayas Flansa, Ali Ibrahm, Salih Huruy, Adhanom Gberemariam, The Third Group consist of major general Fillipos Woldehans, Brigadier general Andemariam Wuchu, Abdu Remech etc. The difference With wedi flansa is he can plan a battle strategy alone and implement it whereas others wait for the plan to be sent to them.  [comment   by Belay Tewlede on December 25, 2013 at 3:57 pm said:
 · 
ወንጭፍ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ ብ ኣውራጃ ተወዲቦም ብ መልሓስን ጥይትን


ብ ምቅጻል ክም ሰበይ ንእሽተይ ክተንፍስ ስለ ዝደለኩ እየ። እዚ ማለት ከኣኒ ብዓይነይ ኣታ ንእሽተይ ዝፈልጣ ከበርክት ስለ ዝደለኩ እየ። ብቀጻሊ ብተደጋጋሚ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ቡዛሓት እካ ፈለጡ ነቲ ጉኣይ እንተሃለዉ ኣብዛ መሪት እዚኣ ከምዘለዉ ይፈልጥ፦ ግን ገለ ንእሽቶ ብ ዓቅመይ ክዛረብ። ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን [ወዲ ፍላንሳ] 1983 ኣብ ግንባር ሓልሓል ብርጊዱ ብርጊድ 58 ኣብ ግንባር ሓልሓል ዓሪዳ ኮላ። ቀዳማይ ኣዛዚ መራሒ ብርጊድ ኢሰያስ ወዲ ፍላንሳ ፣ ምክትሉ ሃይለ ሳሚኣል[ቻይና] እምበኣር ከምዚ ኢሉ ኮሎ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ይከውን ፣ ሰለስተ ናይ ብርጊድ ስለያ መጽዮም ብቀጥታ ንሃይለ ሳሚኣል[ቻይና]ይረክብዎ ፣ ኣስታት 45 ደቃይቅ ይከውን ኣዕሊሎም [ተዛሪቦም]ብቀጥታ ካብኡ ወጽዮም ኣብ ልዕሊ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ዝባኑን ርእሱን ጠያይት ኣዝነብሉ ካባኡ ብሩባ ሩባ ጊሮም ክሃድሙ ከለዉ ፣ ወዲ ኣድሃኖም ዝባሃል[ወዲ ኣክሩር ሰገነቲ]ኢምዳድ ናይ ብርጊድ ዝነበረ፣ እዚ ሓደ ብዓይኑ ዝረኣየ ሽዓ ለይቲ ድፋዕ ሰጊሩ ኢዱ ናብ ጸሏኢ ይህብ፣ ጸላቲ ምስ ሓተትዎ ፣ንወዲ ፍላንሳ ከም ዝቀተልዎ ሻዓ ንደርጊ ነገሮም ፣ደርጊ ከኣ ማክረፎን ሂቦም ሹዑ ለይቲ ንብጾትካ ንጎሮም ኢሎሞ ፣ወዲ ኣድሓኖም ከኣ ዓው ኢሉ ብርጊድ 58 ውዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ ኣልዉ ኢሉ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ፣ካብኡ ወዲ ኣድሓኖም ብቀጥታ ነስመራ ዳ ሙሩካት ኣትዩ፣ እዚ ክምዚ ኢሉ ኮሎ ፣ ሃይለ ሞጎስ ዝተባህለ ፣እዚ ውን ወዲ ሰገነቲ ኮኑ ወዲ ኣክሩር እዩ፣ ሃይለ ሞጎስ ረዲዮ ኦፖረተር ናይ ወዲ ፍላንሳ ዝነበረ እዩ። ሃይለ ሳሙኣል [ቻይና]ነዚ ወዲ ከኣኒ ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ምቅታል ፣ብቀጥታ ናይ እንዳ ሓይሊ ኦፖረተር ከም ዝከውን ገሪዎ ፣ብምቅጻል ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፣ ኣዚ ወዲ ኣበይ ከምዛተወ ኣንፈልጥን ፣በርቂ ቀቲልዎ ኢሎሙና፣ ወዲ ኣድሓኖም ካብ ሙርከኛ ነጻ ድሕሪ ምባል ፣ብቀጥታ ናብ ኻርቱም ከይዱ ፣ኣብ ኻርቱም ከም ዘሎ ፣ይከታትልዎ ስለ ዝጸንሑ ፣ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብቀጥታ ናብ ሃይለ[ቻይና]ደዊሉ ረድዮ ጊሩ ፣ወዲ ኣድሓኖም ኻርቱም ኣሎ ፣ትገብር ግበር ቀልጥፍካ ኢሉዎ ፣ ንወዲ ኣድሓኖም ከኣኒ ፣ኣብ ኻርቱም ቀተልዎ ፣እምባኣር ከስ መስዋቲ ወዲ ፍላንሳ ነዚ ይመስል ፣ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጥዎ ስለ ዘለዉ ፣ብማዓልቱ ይገልጽዎ ይኮኑ፣ መዓልቲ ግን ኣላታ፣፣
Source https://www.facebook.com/thefallofpfdj/posts/10151548749689051 by Awet A Kidane

ስውእቲ ሚርያም ኣስረስ


ሚርያም ኣስረስ ስይቲ ወዲ ፍላንሳ (ኢሳያስ ተወልደ)

ሃብቶም ጽጋይ ንመርየምብከምዚ ይገልጻ "ንመርየም ፈልማይ የ ግዘ ርእያ ኣዚ ጽብቅቲ ማራያም ከምሽማ ኣድይ ማርያ ክይተሃከየት ያ ሰሪሓታ ያ ትመስል ኣዝያ ምቅልልትን ትሕትን ብምካንና በቲ፡ፉልይ ፍሽክታኣ ገራ የቀነይለይ,ሃብቶም፡ኣሸጊረኩም ዶ፡ኢላ ተለኣልይትኒ


ሚርያም ኣስረስ ሐንቲ ካብቲኦ ቀዳሞት አባላት ድምጺ ሓፋሽ፡ ሻባይት ኣብ ሽዱሻይ ወራር ንግንባር ኣክቲቶማ ነዊሕ ድማ ኣይጸነሕትን ተሰዊኣ.

ናብ ብጸይቲ ምብራቕ ተወልደ፣ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሻባይት ካብ ብጸይትኺ ሚርያም ኣስረስ፡-

“....ሽዱሻይ ወራር ብቓልስና ፈሽሉ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ኢና ዘሎና። ካብኻትኩም ንግንባር ከቲተ ድሕሪ ምፍላየይ፡ ኣብ ዓንበረበብ ነፋሪት ሃሪማትኩም ወዲ መስርዕና ተኸስተ (ክለይ) ከም ዝተሰወአ ሰሚዐ፡ ኣዝየ  ሓዚነ። ኣብ ሰውራ መስዋእቲ ዘይተርፍ እዩ። ንሕና’ውን ንተኸስተ ክለይ ሓደ መዓልቲ ከነርክቦ ኢና። ምብራቕ ሓፍተይ ከምቲ ብተወፋይነት ትሰርሕዮ፡ ዝረኣኽዮ ጌጋታት ኣብ ምእራምን ብጾትኪ ኣብ ምምዕባልን ድሕር ኣይተበሊ ሓደራ። ድሕር ሕጂ ክንደየናይ ከይንራኸብ። ንበዓል ምሕረትኣብ ንጹር ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ ክንሰምዕ ብእትገብርዎ ዘለኹም ጻዕሪ የቐንየልና በልዮም። ቻው...ቻው...ቻው። ዓወት ንሓፋሽ!!”እዛ ደብዳበ ናይ ኣባል መስርዐይን ብጸይተይን ዝነበረት ጥራይ ዘይኮነት፡ ናይ ዘፍቅራ መሓዛይ ሚርያም ኣስረስ እያ። ሚርያም በዂርን ሕንሳስ ልደን ነዲኣ ምዃና ተዕልለኒ ነይራ። ምስ ኣዛዚ ብርጌድ 58 ብጻይ ኢሳያስ ተወልደ (ወዲ ፍላንሳ) ተዛሚዳ ሓንቲ ህጻን ወሊዳ ነይራ። ዕድል ኣይገበረትን ግን፡ እታ ህጻን ንሚርያምን ወዲ ፊላንሳን መጸውዒ ከይትኾኖም፡ ኣይጸንሐትን፡  ሽዑ  ንሽዑ  ሞይታ።  ብድሕሪኡ  ሚርያም ኣስረስ  ምስ  ዝፋን  ኣፈወርቂ  ካብ  መስርዕና  ከቲተን  ናብ ድፋዕ ከይደን። መስርሕ  ምንጋር  ኣስማት  ስውኣት  እናቐጸለ  ከሎ፡ መጀመርታ  ናይ  ሓወይ  ተስፋኣለም  ተወልደ  ስም  ክንበብ ሰሚዐ። ነዊሕ ኣይጸንሐን ከኣ ስም ናይታ ዝፈትዋ ብጸይተይ ሚርያም ኣስረስ፣ ቀጺሉ ናይ ተኸስተ (ክለይ)፣ ጸኒሑ ከኣ ስም  ናይ  በዓል  ቤታ  ንሚርያም  ኢሳያስ  ተወልደ  (ወዲ ፍላንሳ) ክንበብ ሰሚዐ።እታ ደብደበ 32 ዓመት ገይራ ኣላ። ጽምው ክብለኒ ከሎ ከኣ፡ ካብ ዝተቐመጠቶ እናኣውጸኣኩ የንብባ’ሞ፡ ንብጾተይ እዝክር።

ሃብቶም ጽጋይ

ብዛዕባ ሚርያም ኣስረስ

26/04/2020

ንባዓል በታ ጅግና ስዉእ ፡ኢሳይስ (ፍላንስ) ንምሕራቅ ገንሸል ዝኮነት ናይ መረየም ታሪክ 1ቅዳማይ ክፋል፡

ግዙኡ፡ኣብ፡1983 ኣብ ግዘ ሰላሕታ ውራር ዩ ምስቲ ተባዕ፡ቅራጽን ወዲ ፍላንስ ለላና ።ማለት ኣብ ብርገድ 58 ክም፡ኡፕረተሩ ክይነ፡ ክሰርሕ ምስጀምርኩ፡ዩ ወዲ ፍላንስ ኣዝዩ ሙቁሉል ብዙሕ ዘረባ ዝይፈቱ፡ ዳንከራን መስተን ደቂንስትዮን ዝይፈቱ እዝዩ፡ዕቱብ ብቀሊሉ ዝይድፈር ምርሒ ዩ፡ኮይኑ፡ጸንሑኒ ተውስኪ፡ንነገራት ኣጋናዚቡ ዝከይድ ሽግራትን ጽገማትን ናይ ተጋደልቲንምፍታሕ ብሕልና ዝቃለስ ንዝነበረ ድክመታት ናይቲ፡ውድብ ምእንቲ ንጽነት ድሕራይ ከነርክበሉ፡ኢና ኢሉ፡ብምሉእ ልቡን፡ብንጽህናን ዝቃልሰ ሓርበኘ ዩ ነሩ ምስ ወዲ ፍላንስ ቅድመይቲ፡ ጉዑዘይ ኣብ ወርሒ 6 1983 ሓንቲ ብጦሎኒ ቦጦሎኒ፡2ብርግድ 58 ሒዝና ነት ብወገን ሩባ ዕንሰባ ዝወፈር ጽላኢ ንብርገድ 77 ሓገዝ ንምግባር ዩ፡ እቲ፡መድብ ነሩ ኣብ ሮራ ላባ ኮይና ድማ ንከታተላ ነበርና ኣነ ኣዝየ ንእሽቶይን ሓድሽ ኦፕረትርን ብምንባረይ ወዲ፡ፍላንሳ ከምውላዱ፡ኣዝዩ ይከባከበንን የታባባዕንን ነሩኣብቲ፡ነዊሕ ታባ ሮራ ላባ ቡዙሓት ሓለፍቲ ማለት ስውእ ዓሊሰይድ ፡ሳልሑ ሑርይ ስውእ ዓሊ ኢብራሂም፡ ርእሲ፡ምራክ ፡ጵጥሮስ ሰለሙን ካሎትን ነበሩ እቲ ኩነታት ኣዙዩ ትንፋስ ዘይህብ ሕማቅ ወርር ስለዝነብረ ብርገድ 58 ንሓልሓል ኪትከይድ መድብ ስለዝነበረ ድሕሪ፡ቲ ብርቱዕ፡ግጥም ብጦሎኒ፡2 ሂዝና ንናቅፋ ኢና ተመልስና፣፥

ቅሩብ ንድሓሪ፡ከምልሰኩም፡የ ናይቲ፡ቅንዲ፡ኣርእስተይ ፡ናይመርየም ስለዝኮነ ለላና መርየም ኣግጣሚ ብሓድሸይ ኮለኩ ኣብ 1983 ኢዩ፡ መርየም ኣግጣሚ ካብ እሃዱኣ ብርገድ 77 በለስ ክትኣሪ ንናቅፋ ትመጽእ ኣሞ፡ ናብ ኣፍቅርኣ ወዲ፡ፍላንሳ ክትረክቦ ትመጽእ ፥ ሹዕ፡ንዓይን ወዲ፡ምጎስን ጸዊዑ ኪዱ ንዚ ግረውኛ በለስ መሊኩምላ ምጹ በለና ፡ ኣንን ወዲ ሞጋስ ዓርከይ በለስ መሊና ነምጻላ፡ሞ፡

ንመርየም ፈልማይ የ ግዘ ርእያ ኣዚ ጽብቅቲ ማራያም ከምሽማ ኣድይ ማርያ ክይተሃከየት ያ ሰሪሓታ ያ ትመስል ኣዝያ ምቅልልትን ትሕትን ብምካንና በቲ፡ፉልይ ፍሽክታኣ ገራ የቀነይለይ,ሃብቶም፡ኣሸጊረኩም ዶ፡ኢላ ተለኣልይትኒ ነቲ፡ዝመጻናላ በለስ እንዳራየት እቲ ዝነብሮም ፍቅሪ ናይ ክላቲኦም፡ ኣዝዩ እዩ፡ዘቅናኣካ፥ ወዲ፡ፍላንሳ ኣዝዩ፡እዩ፡ዝፍቅራ ነሩ ብድሕሪ ምሉእ ማዓልቲ፡ ምስ ወዲ፡ፍላንሳ ምውዓላ ድማ ገርወኛ በለሳ ሒዛ ንደፋዓ ክትምለስ ኮላ ክብድና በልዓትና ኩልና ንብዓት ክስዕረና ደለየ፡ወዲ፡ፍላንስ ከም ሓልፊ፡ኣብ ልቡ፡ገሩ፡ መረማ ኣብ ዓወት የርክበና በላ መርየም በቲ፡ወትሩ ፡ፍሽክታ ዝየፍለዮ፡ገጻ ፍሽክ፡ድሕሪ፡ምባል እወ ኢሱ ኣብ ዓወት የርክበና በልቶ ወዲ ምጎስ ሃብቶም ኣፍንውዋ ኢሉ፡ናብታ ኣንደር ግርውንዲ ፡በት ጽሕፈቱ፡ኣተወ ንሓንዋን በልሳ ተስኪማና ንነዊሕ፡ኣፍነውናያ ናይመጨርሻ ውን ብድሕሪኡ ኣይተርከብናን።

ሓደ ማዓልቲ ከምቲ፡ልሙድ ንወዲ ፍላንሳ መልኽቲ ከርዮ ናብ በትጽሕፈቱ ምስ ከድኩዝይተጽብክዎ ኣብ ገጽ ወዲ ፍላንስ ዝርዛሕ፡ንብዓት ርኣኩ ነገራቱ፡ድንጺኒ ተጋድልይ፡እሞ፡ሓልፍን ዕቱብ ድምብርጽ ዝይብል ሓልፊ ንብዓት ምራየይ ገርሙኒ ነታ ሒዝየኣ ዝመጽኩ፡ናይ፡ምልክቲ፡ጥራዘይ ኣብ ኣፍልበይ ሓቁፈ "ወጺ ፍላንሳ ድሓን ዲካ " በልክዎ ብንብዓቱ ድንጊጸ ኣነውን ንብዓት፡ስዓረኒ ቅጽሊ፡ወዲ፡ፍላንስ ብቱሑት ድምጹ "ድሓን የ ግን እንታይ ይግበር ኣንስቶም ኣብ ድሕሪት ኣቀሚጦም ነታ ቢለን ዓይነይ መርየም ኣጢፎኦምለይ ዝደልይዎ ነገር ሰሚሩሎም " በሊ ኣስዒቡ ውን ድሕሪ፡መርየም እንታይ፡ካይመጻኒ፡ነታ ጎድነያ ኣብዛ ዓለም ካላይቲ ክትኮነኒ፡ዝመርጽኩዋ ባ ኣጢፊኦምለይ ንሓዋሩ ሃብቶም' "በለኒ ክጻወሮ፡ዝይኽል ንብዓት መልሹ፡ስዓረኒ ብልበይ ነዞም ኣንጻር ወዲ፡ፍላንሳ ዝዓጠኩ ሓለፊ ኩቱር ጽሊኢ የሕደርኩ ብዓል፡መን፡ኮን፡ይኮኑ፡ ድሓን ኢለ፡ንግዘ ሃብክዎ፡ ኣብ፡መንጎና ድማ ንገለ ደቃይቅ ጽጥታ ሰፈና ።ወዲ ፍላሳ ብዕሽልነተይ ብክያተይን ስለዝደንገጸ ንዓይ ከተባብዕ "habtom ብክያት ኣቃርጽ መልኽቲ፡ ኣልካ ድዩ ሓተተኒ" ንባዓተይ እንዳ ደርዝጉ "እወ' ኢለ ነታ ጥራዝ ሃብክዎ ነታ ጣራዝ ኣተኩሩ ድሓሪ፡ምጣማት ድማ "ግርም ተርዲካ ኣለኩ፡በሎ፡፣ በለኒ ጥራዘይ ሕዘ ናብቲ ካልእየይ፡ ስዉእ ወዲ፡ሞጎስ ከድኩ ፥

፣ብምድንጋየይን ዓይነይ ብንብዓት ሓቢጡ ዝራየ ወዲ፡ሞጋስ" ኢሂታ እንታይ ዳኣ ኮይንካ ተቆይቁካ ድዩ እንታይ ዲካ ገርካ "በልኒ ርእሰይ ንመረት ኣዲኒነ "ድሓን የ " ኢለ ስቁ በልኩ ብዙሕ፡ክዛረብ ኣይመርጽኩን ወዲ ምጎስ ዓርከይ ኣዝዩ፡ርሁሩሁን ድንጋጽን ተጫርቅይን ግን በሊሕ ምስተውዓሊን ስለዝነበረ ከሙኡዉን ምታዓብተይ በትምህርቲ፡ሰውራ ብምካኑ ናይ፡በትምህርቲ፡ሰውራ ዕላል፡ብምምጽእ ካብቲ፡ዝነበርክዎ ሓስብ ከውጻኣኒፈተነ ድሕሪ፡ገለ ዕላል ግን ቀስ፡ኢሉ " እንታይ፡ኢካ ኮንካ ኣንታ ሃብቶም፡ዓርከይ ካባይ ትሓቡኦ ምስጢር ኣሎ፡ድዩ፡ ዝይትነግረኒ "በለኒ "ላላእ ወዲ፡ምጎስ ዓርከይ ሰሚዐዮን ርእዮን ዝይፈልጥ ካብ ወዲ፡ፍላንሳ ራዮ በልክዎ ፡ወዲ፡ሞግስ ግጹ፡ድሕሪ፡ምእስር ካብ ኣፈይ፡ዝወጽ ቃላት ክሰምዕ፡ብሃንቀውታ ይጽበሞ

፡"ወዲ፡ሞጋስ ዓርከይ ብጃካ ሕማቅ ዘና ዩ፡በልክዎ፡"ኣንታ ብጃክ ዶ፡ንገረኒ፡እንታይ፡ድዩ፡ኮይኑ፡"ኣስዓበ ብወገንይ፡ነተን ንምውጸኣን ዘሽገርኒ፡ቃላት፡ንወዲ፡ሞግሰ ፡ከካፍሎ፡ወሰንኩ፡ " ብጃካ መርየም ሰይቲ፡ወዲ፡ፍላንሳ ተስወኣስ ወዱ ፍላንሳ ክበክይ፡ጽነሓኒ " በልክዎ እንታይ፡እንታይ ዋይ ዋይ፡ ኣታ ሓቁ፡እንድዩ፡ ዋላ ኣብ ደገ፡ወጹ፡ዉይ፡ተበልስ ምዓስ የክፍኣሉ ደይመደይ,ኢሎም፡ንድፋዓ የትዮማ እምበር፡

ኣንስቲ፡ሓለፊ፡ኮ ፡ምብዝሕቲኣን ኣብድፍዓ ኣይትዋን ኢየን ኣብቲ፡ክፍልታት፡ናይቲ፡ብረገድ ፡እንዳ ኣለን፡ዝውዝዓ፡ ዋይ ዋይ መርያም ማርያም፡ከምሽማ እኮያ ታ ኣያ ምልክዕ ኣየ ጠባይ ኣድይ ማራይም ንዓኣ ምሰርሕት፡ዝየስርሓት ኣንታ ወዲ፡ጽጋይ ዓርከይ፡ኢሉ፡ዝርንዝሓ ነብዐ ተተሒዝና ውን ንባዓን፤፣ ኣብ ካልኣይ፡ክፍል፡የራክበና
ሃብቶም ጽጋይ

Veronica Solomon
ካብ ዓይነይ ዘይጠፍአ ምስላ። ሚርያም ብጽባቐኣ ጉብዝንኣ ትሕትናኣን ካብተን ወሑዳት ተጠመቲ ናይቲ ውድብ ዝነበራ ተጋደልቲ ኢያ ኔራ። ሕጂ ኣብ ዚ ስአሊ ምስ ርኣኽዋ ሰንቢደ። ታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስውራ መምህርና ከላ ዝነበራ ምስሊ ኣብ ቅድመይ ቅጅል ኢሉኒ። ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበሎም። ሃብቲላ ምዓኻ ክኣ ዘየደቅስ ከቢድ ዝኽሪ ዩ
Tsigehana Yohannes
Thanks ሃብቶማይ ነዛ ጽብቕቲ ሚሪያም ዝዘከርካያ ናተይ ተዝክሮ ክኣ ኣብ ፋሕ ንድምጺ ሓፋሽ ዝኸውን መዛሙርን ድርፍን ክንመልእ ከለና እዩ::
ሚርያም ከም ስማን መልካዓን ጓል ኣደይ ማሪያም እትመስል ዝነበርት ብፍላይ ፍሽኽትኣ ከም መብርቕ ሰማይ ኣብ ገጽካ ዝዓለበ ዝሰንብደካ መቸም ምግናን ኩይኑ ድኣ ከይስማዓኩም እንበር መልክዕን ትሕትናን ናይ ሚርያም ምስ ናይ ኣደይ ማሪያም ከተመሳስሎ ጥራይ ትኽእል
እዚኣ ክኣ ካብታ ንእሽቶይ ተዘክሮይ ክምልኣልካ ሃብቶም ሓወይ::

ደጊመ የቐንየልና ይብለካ ናብ ባሕሪ ናፍቆትን ተዘኩረታትን ዝመለስካና

FeyFey Feleg Miriam metabetena mekalestena memaheretena fetewete hante ndea ab kalse tebae zenebrete bgegenenete tesewa halefa.

Samuel Tesfazghi እቲ ዘገርም ድማ ኣደ ምርያም ኣስረስ ፈርሜሪ (Nurse) ወይዘሮ ኣበባ ይበሃላ ። ፊት ንፊት መካነ ሂወት ሆስፒታል (ኦሮታ) መንበሪ ገዝእን ዝነበራ ወላዲታ ብግፍዒ ህግደፍ ተኣሲረን ብግፍዒ ከምዝሞታ ይፍለጥ። ጆሆቫ ዊትነስ እምነት ተኸታሊት ብምንባረን ኣብ ካርሸሊ ብዙሕ ከይጸንሓ ተሰዊኤን ብጭካነ ህግደፍ። ሓንቲ እግረን ስንክልቲ ብምንባረን ናይ ጥዕና ጸገምን ጓሂ ጓለን ምርያም ተሓዊስዎ ዝጸንሐ ኣካለን ፡ ማእሰርቲ ተሓአኢስዊ ምስ ጓሂኤን ንዘላለም ብግፍዒ ብጾት ጓለን ተቀቲለን ፈርሜሪ ወይዘሮ ኣበባ። ምርያም ንነጻነት ህዝባን ሃገራን ወላዲታን ተሰዊኣ፡ ግን ድማ ንወላዲታ ብኢድ ብጾታ ምንም ኣበሳ ዘይብለን ወላዲታ ብጀካ እምነተን ተኣሲረን ተቀቲለንን። ናይ እዚኣቶም ግፍዒ መወዳእታ የብሉን። ተጋደልቲ ማለት ሸፋቱን ሓረድትን ትእዛዝ ኣረሜን ኢሳያስ ክፍጽሙ ካብ ግዜ ገድሊ ህዝቢ ዘህለቁ

1Araya Guish መሳጢ ታሪኽ'ዩ ሃብቶማይ! ተዘክሮና ብዛዕባ መምህር ሚርያም ጓል ማማ ምስ ኣስካሉ ጓል ብርጅዋ ውን ኣሐዲስና።
ኣብዚ ዛንታ ዚ ኣብ ሞንጎ ጅግንነት ወዲ ፍላንሳን፡ ሰብኣውነት/ሂዩማኒቲ/ ኣብ ቃልስን ዘጋጠመ ፈተነ ክንርኢ ክኢልና። ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ብዙሓት ተቓለስቲ ዘጋጥም ዝነበረ ምዃኑ ክንግምት ይከኣል ዩ። ወዲ ሰብ ዓቢ ዕላማ ክጭብጥ ክሳብ ዝተበገሰ፡ ክሰግሮ ዘለዎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ከምዘጋጥሞ ዩ ዘረድእ እዚ ዛንታ። ጭካነን ፍቕርን ውን ገጽ ንገጽ ዘጋጠመ ዛንታ! 2ይ ክፋል ንጽበ።

 

ሃብቶም ጽጋይ

ብዛዕባ ሚርያም ኣስረስ

02/05/2020

ንባዓል በታ ጅግና ስዉእ ፡ኢሳይስ (ፍላንስ) ንምሕራቅ ገንሸል ዝኮነት ናይ መረየም ታሪክ ካልኣይ፡ክፍልል


ኣብ ዝሓለፈ 1ይ፡ጽሑፈይ፡ ዝሃብኩምኒ ሪኢቶ እንዳመስገንኩ ብፍላይ፡ነቶም፡መታዓቢተይ በትምህርቲ፡ሰውራ ዝሃብኩምኒ፡ ሓበረታ ብዛዓባ መርየም ቅድሚ እንዳ፡ዘና ምካዳ ኣብ በትምህርቲ፡ሰውራ ከምዝነረት ፡ብልቢ ፡የመስግን በውገነይ እኮ ብዙሕ ዝክሪ፡ይብለይን ኣብ ዝሮ ምንባራ። ለላናስ ኣብ ናቅፋዩ ።

በሉ፡ናብቲ፡ቀንዲ፡ጽሑፈይ ክመልስኩም ድሕሪ ምስዋእታ ኣዚና ጉህና። እቲ፡ዝጋጠመ ኩ፡ነገር ደንጺኑ ብከምይ፡ከምተሰወት ነቶም ኣብቲ፡ከባቢ ዝነበሩ፡ናይ፡ብርገድ 77ኦፕረተራት ከነጣይቅ ጀመርና ከም ኩሉ፡ተጋድልይ ምእንቲ ታ ሓልል፡መረት ግዝሚ፡ሃገር ቀብርናን ዝራኣናን እንተኮና ናይ መረይም፡ግን ሓለፋ ዝለዎ፡ኮይኑ፡ተስማዓ ብቲ ዝነገሩና ኦፕረተራት ብርገድ77 ድማ ብዙሕ ሩጉጽ ኣይኮነን እምበር ኣብ፡እንዳ ሕይሊ፡ኮላ በራሪ ጥይት ሃሪማታ ተሰዊኣ፡በሉና፡ ገሊኦም ድማ ነፋርት ሃሪማታ ያ ተስዊኣ በሉና ፡።

ኩሉ፡ንገር ደንጺናእዚ፡መሪር ግድሊ ክንድይ ቡሉጻትን ምልኩዓትን ሙሁራትን ዕሸላትን ምእንቲ፡ሃገሩ፡ይሓልፍ፡ምንባሩ፡ገምጊምና ናብ ውራይ ርክብ ረድዮና ቀጸልና። ድሕሪ ገለ ስምንታት ድሕሪ ምስዋእቲ ናይ፡መረይም ድማ ካልእ፡ዝስደምም፡ፍጽመ፡ ኣብቕድመይ ርኣኩ፡ ከምትሩ ስርሓይ ጥራዝ መልእክተይ፡ሒዘ፡ድን፡ድን ኢለ፡መርየት እንድ ጠምትኩ ካይተፈልጠኒ ኣብታ ኣብ ትሕቲ፡መረየት ዝተድኮነት በት ጽሕፈት ወዲ፡ፍላንሳ በጽሕኩ ኣብቲ፡ኣፍደገ ድማ ስውእ ፍስሃየ ወልግብራልን ጵጥሮስ ሰለሙንን ርኣኩ ቅሩብ ሪሕቅ ፡ኢሎም ስለዝነበሩ ነቲ፡ዝረባ ኣይሰማዕኩዎን እንድቅረብኩ ፡ምሰ መጽኩ፡ግን ወዲ፡ፍላንስ ፡ካብቲ በትጽሕፈቱ፡ወጹ ሽጉጡ ኣብ ኢዱ፡ዓቲሩ ከምዚ፡ክብላ፡ስማዕኩዎ ፡"" ወዲ፡ሰለሙን ኣንታ ቶክላ ምሽ ኣንስቱኩም ኣብ ድሕሪት ኣስፊርኩም ብመደብ፡ንመርየም ናብ ድፍዕ፡ኣክቲትኩም ኣጢፍኩማ ህጂ፡እንታይ፡ክትገብሩ፡ኢኩም መጺኩም ብፍላይ፡ወዲ፡ሰለሙን ደም፡እንተደሊካ ሓንቲ፡ስገምቲ፡ ቀሪብ ሞ ደምካ ከፍሠካ፡የ ድሕሪ፡መርየም ዝመጻኒ፡የሎን እንተዘዮሎ፡ግን በዚኣ ገርኩም ትምልሱ በሎም ።

ኣብቲ፡ዕቱብ ገጹ ናይጽሊኢ፡ምልክት፡ይረኣ፡ነብረ ኣብ ግሮሩኡ ዝረኣ ዝነበር ስራውር፡ደሙ ውን ክትኮስ ደለየ ኣነ ንርእሰይ ትዕንዜ ጠጠው በልኩ ፡ስውእ ፍስሃይ፡ወለገብሪኣል ገሪምዋ ንነገር ከታሃዳድእ ፈተን ከምዚ፡ድማ በሎ ""ወዲ፡ፍላንስ ""ሓዊ ኣብረሀት ብጃካ ውዲ፡ፍላንስ ሽጉጥካ ኣውርዳ ዝሕል በል ንሕናስ ብዛዕባ ናይ፡መርም ፡ክነግርካ፡ኢልና ኢና ፡እምባር፡ሰሚዕካ፡ ዲካ ኩልና ናቡ፡እንዲና ኣንታ ወዲ፡ፍላንሳ ኢሉ፡ ብግርህነቱ ክሕዞ,ፈትነ፡ወዲ ፡ፍላንስ ፡"ፍስሓየ፡ምስካ፡ጽሊኢ፡የብለይን ብዙሕ ትፈልጦ የብልካን ህጀ ስለም ሃቡኒ፡ንዓካ ግን ወዲ፡ሰለሙን ኣብርእስካ ኣለኩ "" ፡ኢሉ ኢዱ፡ኣዋጣወጠሉ ብድሕሪኡ ናብ በጽሕፈቱ፡ ኣተወ፡ ወዲ ,ሰለሙን ብወገኑ""" ድሕን ግደፎ፡ ጽብሕ፡ንጉሆ ዝየምልሶ፡ዩ፡ገሩ፡ዘሎ፡ ክንረኣኣ ኢና ንዓናይ ጥራይ፡ፍስሃየ፡ኢሎም ተታሒዞም ትዓዘሩ ።

ኣነ ኣብቲ ዝለኩዎ፡ ትዓነድኩ ነገራቱ፡ድንጺኒ፡ ኣብ ሞንጎ ዕበይቲ፡ናቲ፡ውድብ ሓለፍቲ ከምዚ ዕይነት ግርጭት ብምስመዕይ፡ኣታሓሳሰበኒ፡ ፡ግን ጸላእቲ፡ወዲ፡ፍላንስ ፡ምን፡ምካኖምን፡ ኣብ ኢድ ፡ምጥፋእ፡ናይዛ ኣድይ፡ማርያም፡መሰል ጅግና መርየም ትሓተቲ፡ምካኖምን ኢድ ከምዘለወምን ፡ ተገንዘብኩ ስውእ፡ፍስሃየ፡ግን ከምቲ፡፡ወዲ፡ፍላንስ ዝበሎ ፡ኢድ፡ዘለዎ፡ኣይመስለንን ብድሕሪ ዚ፡ ኣነ ነታ ሂዘየ ዝመጽኩ፡ጥራዝ ናይ፡መልእኪቲ፡ ንወዲ፡ፍላንስ ከርእዪ፡ኣይመረጽኩ፡ምስቲ፡ዝነበሮ፡ ሕርቃን ።

ናብ ቦታይ,እንዳ፡ኦፕረተር ተመልስኩ ወዲ ሞጎስ ዕርከይ፡ውን ኣብ፡ልዕሊ፡እቲ፡ህድሞ፡ኮይኑ፡ይሰምዕ፡ስለዝነበረአ እቲ፡ፍረ ነገሩ እንታይ፡ምካኑ፡ስለዝይሰምዕ ""ኣንታ ወዲ፡ጽጋይ፡ዓርከይ፡ እንታይ፡ረኪብዎም፡ዩ፡እዚዕምስ ሓለፍቲ፡ተባሂሎምስ ክንድዚ፡ገልታዕታዕ፡ በሊኒ፡"" እንታይ፡ዩ፡ኣረክብዎም ወዲ ፍልንሳ ከ ስጋብ ሹጉጡ ዘውጽስ፡ እንታይ፡ድዮም ገሮም ምቸም እዛ ሓጻር እንተምጻኣ ዝሓዛ የብላን ኣየ፡ምዓንጣ ምዚኣ ዝላስ፡ኣደወልዳ ትምከን፡ኮዩ፡ገለስ ገርኖ፡ኣለዎ፡በልኒ፡እንዳስሓቀ ብወገይ፡ "" በጃክ ግደፍና ብዕሎም፡ይፈልጡ፡በልክዎ፡"" ወዲ፡ምጋስ፡ ዓርከይ፡በተን፡ብዕካካት ኣስናኑ፡ፍሽክ,እንዳበለ ""ኣጆካ,ወዲ፡ጽጋይ፡ዓርከይ,፡መቸም፡ኩራ ኣብዛ ፍንጫኪ፡ያ ኢሉ፡ ኣብ ሕቆይ ጠፍጠፈኒ ግን ኣነ ብዞም ደምኛታት ወዲ፡ፍላንስ፡ ሓደ፡ምዓልቲ፡ኣቃጺዮም፡ ከየጥፋእዎ፡ሰጋእኩ ድሕሪ ገለ እውርሕ ድማ ነቲ፡ ብሓልሓል፡ ዝወፍር፡ዝነበር ጽላኢ ንብርገድ 31 ብርገድ 80 ካልኦትን ከምሓገዝን ተድርቢ ኪንክውን ፡ብርገድና 58 ፡ንሓልሓል ከድና ንቲ፡ዝህንደደ ዝነበረ ጽላኢ፡ድማ ብመሪሒነት ወዲ፡ፍላንሳ፡፡ካብ ከባቢ ኣስማጥ፡ ናብከባቢ፡ርሀይ ቀፍቀፍናዮ::

አቲ፡ምዑት ዝይብገር ሓርበኛ ወዲ ፍላንስ ድማ ድሕሪ፡ናይ፡ ገለ ኣውርሕ መስዋእቲ፡መርየም ኣብ፡ከባቢ 10 ኣብቲ፡መጥቃዕቲ ንሱ፡ውን፡ስዓባ

ናይ፡ሓብር ናይ፡መቃብሩ፡ፉቁራት ኮኑ፡ ነታ ብሕደ ስዉእ ኣባል ብህሊ ብርገድና ዝነበረ ዝተደርሰት ፍቅርን፡መስዋትን ትብል ድራማ ተድርሳትሎም፡ ከምዝነበርት፡ ውን፡ይዝኪር ወትሩ፡ ታሪኮም፡ ድማ ተዘካሪ፡ዩ
ስጋብ ብካልእ ኣርእቲ፡ዝመጽኩ፡ሰላም ፡ቅነ

ሓውኩም ሃብቶም ጽጋይ

 

ተወስኪ ሓበሬታ ኣሳዋውኣ ሚርያም ኣስረስ


ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዝነበረ ናይ ኣጻሓሕፋ errorይቀረታ እንዳሓተትኩ። ንኣሳዋውኣ ሚርያም ዝምልከት ብዝረኸብክዋ ሓበሬታ ብቀረባ ጋል ጋንታኣ ዝነበረት ህጂ ኣብ ካናዳ ትነብር ተጋዳሊት ትርሓስ ሰለሙን ብከምዚ ዝስዕብ የዒሊላትኒ። ሚርያም ኣብ ብርጌድ 77 ቦጦለኒ 2 ከምዝነበረትን ግዜ መስዋእታ ኣብ ሰላሕታ ወራር ኣብቲ ሓያል ግጥም ኣብ ከባቢ ሃብሮ(ሳሕል) ኢዩ ኮይኑ መራሒ መስርዕ ናይ ሚርያም ንተጋዳሊት ትርሓስ ጅሪካን ገራ ማይ ከተምጽእ ይሕብራ ሞ ሚርያም ግን እንድጎየይት ነታ ጀሪኪን ብቅጽበት ኣሊዒላ "" ኣነ፡የ ማይ ዘምጽእ " ኢላ ብጉያ ምስቶም ዝኸዱ ዝነብሩ ደቂ ጋንታኣ ኣርከበቶም እተን ኣብ ላዕሊ ክዝንብያ ዝዋዓላ ነፍርቲ ኣብቲ ሩባ ምግብና ማይ ከምጹ ዝከዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቦንባታት ከዝባሎም ጀመራ እታ ኣነ ክሓልፍ ንስኹም ጽንሑ፡ኣነ ኽደክም ንስኹም የዕርፉ ፡ኣነ ኽጠሚ, ንስኹም ጽገቡ ፡ዝበለት ሚርያም ምስ ቡዛሓት ቡጸታ በጃ ታትፈትዎ ሃገራ ገዝሚ ኮይና ሓለፈት በለትኒ። ጋል ጋንታን ናይ ቀረባ መማክርታን መጋድልታን ዓርካን ትርሓስ ድማ ወትሩ እንዳዘከረት ከምዚ ትብል "" ሚርያም ምእንታይን ምእንቲ ብጾታን ማይ ካይነጽምእ ሓሊፋትልና ኣነ ናጽነት ርእየ ሓዳር ገሬ ቆልዑት ወሊደ ንሳ ነዚ ኩሉ ካይራየት ምእንታና ሓሊፍ " እንባለት ኩሉ ጌዘ ኣብ ልባ ከምዘላን ከምዝይትርስዓን ነጊራትኒ ።እወ ሚርያም ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ሃገራ ብሕጊ ትምራሕን ፍትሒ ዝነግሰላ ኽትኸውን ሂወታ ሂባ ሓሊፋትልና ኔራ ግን አንታይ ይገበር ፡መብጽዓኣ ተጠሊሙ ህዝባ ኣብ ፍቆዶ ዓለም ኣደዳ ስደት ኮይኑ ሃገራ ሕጊን ፍትሒን ዝይብላ ኮይና ኣላ።
ኣብዚ ዝይርስዖ ግን እተን ነፍርቲ ክድብድባ ከለዎ ይዝከርኒ ወዲ ፍላንሳ ንዓይን ስዉእ ወዲ ሞጎስን ቀልጥፉ ረድዮኩም ኣልዕሉ ኪንብገስ ኢና ኢሉ ናብቲ ናይ ቦጦለኒ 2 /58 ሕክምና (ሩባ ሃበሮ ) ሒዙና ከይዱ ነሩ ኣብዚ ግዜ ድማ ሓይል ደብዳብ ናይ ነፍርቲ ነሩዩ ፡ ሚርያም ውን ኣብዚ እዋን ዚ ኢያ ተስዊኣ ብዘዕለልትኒ ጋል ጋንታኣ ንሚርያም ትርሓስ ወዲ ፍላንሳ ውን ሹዑ ፈሊጡ ክከውን ዝብል ግመት ኣለኒ፡ ፡ምክንያ ብዙሕ ካይጸናሕና ኢና ንናቕፍ ተመሊስና ምስተመልስና ድማ ሚርያም ከምተሰወኣት ካብ ኣፉ ወዲ ፍላንሳ ዝሰማዕኩ። በሉ ንኹልኹም ብዛዕባ መሪያም ዝለኩም ተዝክሮ ዝሃብኩምኒ ሪኢቶ እንዳኣመገንኩ ንዘልኩም መኤረምታ ክቅበል ውን ድልው የ ብፍላይ ሰብ ታሪክ ዝኮንኩም ተጋድልቲ ትፈልጥዎ ታሪክ ነዚ ወልዶ ከተታሓላልፉ ይምሕጽነኩም እዚ፡ወዳሓንኩም

ሓውኩም ሃብቶም ጽጋይ

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com