<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ብሓደ እዋን ጃምላዊ ነብሰ-ቕትለት ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ።

 source: http://assenna.com/index.php/2011-06-11-16-33-05/3971-2011-07-26-21-09-23.html

ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ኣብቲ 'ዋርሳይ ይከኣሎ' ተባሂሉ ብህግደፍ ዝጽዋዕ መዓስከር ክመሃሩ ካብ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ፡ እቶም ኣብ መርመራ ዝተረፉ ናብ ሰራዊት ክምደቡ ምዃኖም ምስ ተሓበሮም፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝርከቡዎም ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዓሰርተታት መንእሰያት ጃምላዊ ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም ከምዝሞቱ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 

ብመሰረት 'ቲ ሓበሪታ፡ ዛጊት ናይ ትሽዓተ (9) ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ሞት ክረጋገጽ ከሎ፡ ካልኦት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተማሃሮ ኣብ ኣስመራ፡ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ኣብ ኣፍ-ዕርበት (ክሪቲካል) ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ጃምላዊ ህልቂት ተማሃሮ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ክምሃሩ ዝጸንሑ ኣሽሓት መንእሰያት ተሳቲፉ ኣብ ዝወጽኣሉ ግዜ ከምዝተፈጸመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከይልሑኽ ካብ ዘለዎ ስግኣት ተበጊሱ ንመስመር ቴለፎን ሳዋ ዓጽዩዎ ከምዝቐነየ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንመደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፡ ከም ማዕከን ትምህርትን ስልጣኔን ኣምሲሉ መልክዓ ንምቕያር ጻዕርታት ዘካይድ ኳ እንተኾነ፡ እዚ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብጅምላ ዝፈጸሙዎ ነብሰ ቕትለት ፡ መንእሰያት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ሳዋ ወተሃደራት እትቕልቦ ሰራዊት ኤርትራ ጽልኢ ከምዘለዎም ዝምስክር እዩ።

እዚ መንእሰያት ዝፈጸሙዎ ጃምላዊ ነብሰ ቕትለት ብዓቐኑ ኣሰምባዲ ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሳዋ ነብሰ ቕትለት መዓልታዊ ተግባር ምዃኑ እቶም ምንጭታት የዘኻኽሩ።