ገበነኛ ዮፍታሄ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንምብትታን ንኤውረጳ ይብገስ

Print PDF

ሃገራት ኤውሮጳ : ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ቤተ ክርስትያናት ንምዕናው ናብ ኤውሮጳ ተበጊሱ ኣሎ። ኣረሜን ዮፍታሄ፡ እንተኾይንሉ፣ ናብቶም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ኣእትይዎም ዘሎ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣገልገልቱ ገንዘብ ንምዝራፍ፡ ንዕለት ጥቅምት 10- 2009 ኣብ ከተማ ጀርመን ኣኼባ ክገብር ተበጊሱ ከም ዘሎ ኣብ ኣስመራ ይውረ ኣሎ።

  ገበን ዮፍታሄ ኣብ ኣሜሪካ

ከምኡውን ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ መደብ ነይርዎ እዩ እንተኾነ እቲ ከገልግለኒ ኢሉ ዝለኣኾ ጳጳስ ይትረፍ ንዮፍታሄ ክጠቅም ንርእሱውን ምዃን ስለ ዝሰኣነ፡ ሕጂ ብሓገዝ ህግደፍ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ንውዲታቱ ንምትግባር ካልእ መደብ ሓንጺጹ ከም ዘሎ መማኽርቱ ይሕብሩ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ “ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዮፍታሀ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣይትምራሕን እያ፡ ህግደፍ ድማ ካብ ቤተክርስትያን ኢዱ የውጽእ” ኢሉ ዘቕረቦ ጠለባት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ኣሎ።

  ገበን ዮፍታሄ ኣብ ኬንያን ኡጋንዳ

ዕሉል ገበነኛ ዮፍታሄ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝገብሮ ዘሎ ገበን'ውን ዕሽሽ ዝበሃል ኣይኮነነ። በትሪ ህግደፍ ሒዙ ካህናትን ዲያቆናትን ጳጳሳት ዝቕጥቅጥ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኬንያ ከይዱ ምስ ኤምባሲ ተማኺሩ ነቶም ኣገልጋሊ ካህን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎም ኣሎ። ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ካህን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ይርከቡ።

 ገበን ዮፍታሄ ኣብ ኤርትራ

ማእከልነት ብዝብል ምኽንያት ናይ ኣስመራ ቤተ ክርስትያናት ገንዘብ ከም ዘለዎ ኩሉ ወሪሱ ኣብ ትሕቲኡ ኣእትይዎ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ኩለን ቤተክርስትያናት ኣብ ድኽነት ወዲቐን ይርከባ። ህዝቢ ሞባእና ንህግደፍ ኣይንህብን ኢሉ ብምምካቱ እቲ ኣብ ቤተክርስትያናት ክሕፈስ ዝሃረፎ ሞባእ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ስለ ዘንቆልቆለ ከኣ ንጳጳሳትን ንካህናትን የጉባዕብዓሎም ኣሎ። ዋላ እቶም ንሱ ኣመሓደርቲ ቤተ ክርስትያናት-ኣስመራ ክኾኑ ዝመዘዞም ካህናት መብዛሕትኦም እዙዛቱን መገባርያታት ህግደፍን እዃ እንተኾኑ፡ ከምቲ ዝደልዮ ግና ክሰልጦ ኣይከኣለን። ነቶም ኣብ ሃገረ-ሰብ (ዓዲ) ዝርከቡ ካህናት ከኣ ብሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ ናይ እንዳ በዓል ማርያም-ኣስመራ ክንመቕለኩም ኢና፡ ደሞዝ ክንገብረልኩም ኢና ወዘተ ዝብል ምትህርራፍ ኣንጻር እቶም ኣብ ከተማ ዘለዉ ካህናትን ህዝብን ክለዓዓል ይገብሮ ኣሎ።

 ደቂ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን

ካብ ኣስመራ።

 

ADVERTISEMENT

www.assenna.com
Voice of Asena Fund Raising!
www.geezsoft.com
geez word 7.1.0 is compatible with MS Office, including Adobe Illustrator, Photoshop, InDesign and more.