ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዘውረዱሎም ስቓይ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝሞቱ መሰኻኽርር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Tuesday, 01 September 2009 23:15
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም።

 

ነዚ ብዝምልከት ካብ ሓደ ኤርትራዊ ዝተላእከልና መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

 

“ብዝተኻእለኩም ንኹሉ ሰብ ከተብጽሑለይ ብሽም እዝግኣቢሄር ኣምላኽ ይምሕጸነኩም ኣለኹ። እዚ ማለተይ ኸኣ፡ ኣብ ዶብ እስራኤልን ግብጽን ዝፍጸም ዘሎ ኣስካሕካሒ ተግባር፡ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ እዩ። ብሓደ ክልተ ዘይረብሑ፡ ክብሪ ሰብ ዘይፈልጡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ራሻይዳ ካብ ሱዳን ብጥርሑ (ብዘይገንዘብ) ክሳብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ክንወስደኩም እሞ ካብኡ ኸኣ 300-400 ዶላር እንተገደደ ከኣ 1000 ዶላር ትኸፍሉ ኢሎም ካብ ሱዳን ናብ ዶብ ናይዘን ክልተ ሃገራት (ግብጽን እስራኤን) ብምምጻእ፡ ደሓር ግን ካብ 3500 ክሳብ 4000 ዶላር ክፈሉ እናበሉ ይቕጥቅጡዎም፡ ብገመድ ኣሲሮም ከኣ ሓዊ የንድዱዎም ኣለዉ። በዚ ድማ ዛጊት 3 ኤርትራውያን ሞይቶም ኣለዉ። ሓደ ኸኣ 5000 ዶላር ከፊሉ ፍርቂ ነብሱ ሓዊ ነዲዱ እስራኤል ኣትዩ ኣሎ።”  ይብል።

 

ኣሰና ነዚ ሓበሬታ ‘ዚ መበግሲ ብምግባር ነቲ ኩነታት ንምርግጋጽ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተወኪሳ። ኣብ ዶባት ምስርን እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ብምስራውያን ዕጡቓት ሕሱም ግፍዕን ቅትለትን የጋጥሞም ከምዘሎ ድማ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ‘ውን 75 ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ብጅምላ ሃሊቖም እዮም።

 

ስለዚ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላል ኩሎም ሰብኣዊነት ዘገድሶም ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ውልቀሰባትን ማሕበራትን እቲ ጉዳይ ብመንግስታት ምስርን እስራኤልን ኮነ ኣህጉራውያን ውድባት ኣቓልቦ ክወሃቦ ጻዕርታት ክገብሩ ኣሰና ተዘኻኽር።

 

ዘይሕጋውያን ኣመላለስቲ ናይ ገንዘብ ስስዐ ‘ምበር ናይ ሰብ ሓልዮት ከምዘይብሎም ግሁድ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ጉዕዞ ብመሰረቱ ሓደገኛን ዘይምረጽን እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ናይ ህይወት ውሕስነት ዘለዎ መንገዲ ክመርጹ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ይግባእ። እቲ ንኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ገዛእ ሃገሮም ኣንፊጹ ኣደዳ ሞት ባሕርን ምድረበዳን ዝገብሮም ዘሎ ቀዳማይ ጠንቂ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከምምዃኑ መጠን ከኣ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ስርዓት ብምምካት ሰላምን ቅሳነትን ዘረጋግጽ ለውጢ ምምጻእ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ‘ውን ምዝካር የድሊ።

Last Updated ( Tuesday, 01 September 2009 00:19 )