ስርዓት ህግደፍ፡ ገብረመድህን ገብረትንሳኤ ንዝተባህለ ኣብ ሰያትል ኣመሪካ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምጭዋይ ንኽልተ ወርሒ ድሃዩ ከምዘጥፍኦ ምንጭታት ሓቢሮም።

source http://assenna.com/

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰያትል ኣመሪካ ንዝቕመጥ ገብረመድህን ገብረትንሳኤ ንዝተባህለ፡ ወኪ ዝዓዱ ኤርትራዊ፡ ሓዉ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ብጅግንነቱ ብዙሕ ዝነገረሉ፡ ኣብ ሳልሳይ ወራር ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተሰውአ፡ መራሒ ክፍለሰራዊት 38 ነበር፡ ኮለኔል ሃይለ ገብረትንሳኤ (ወዲ ቐሺ)፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምጭዋይ ንኽልተ ወርሒ ድሃዩ ከምዘጥፍኦ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ሰያትል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ገብረመድህን ገብረትንሳኤ፡ ብድምር ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልስን እዚ ዳሕረዋይ ኵናት ምስ ኢትዮጵያን፡ ኣርባዕተ ደቆም ዝተሰውኡዎምም ኣቦኡ ብጓሂ ድሕሪ ምማቶም ንመጀመርያ ግዜ ዓዲ ክበጽሕን ስድራቤቱ ክድብስን ንኤርትራ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ እዩ ገዝኡ ከይበጽሐ፡ ስድራቤቱ ዕምባባ ሒዞም ክቕበሉዎ እናተጸበዩ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ህጣሙ ጠፊኡ ዘሎ።

ኣቦይ ገብረትንሳኤ፡ ደቆም ኣብ ርእሲ ምስኣኖም፡ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ መሬቶም ብህግደፍ ስለዝተመዝዐ ሓዘን ተደራሪቡዎም ከምዝነበረ ‘ውን ይንገር።

ኣብ ዓድን ወጻእን ዝርከቡ፡ ንሰውራ ኤርትራ ዘታተዩ ስድራቤት ገብረመንድህን፡ በዚ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ተግባር ጭውያን ማእሰርትን ኣብ ጭንቀት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ።