ናይ ዓይኒ ምስክር ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/2400-2011-09-28-17-21-23

Last Updated on Wednesday, 28 September 2011 17:21 Written by ሳባ ቀለታ Wednesday, 28 September 2011 17:19

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብናይ-ሰብ-ነጋዶ ይሳቐዩ ምህላዎም ምስ ሰማዕኩ፡ ገለ ክገብር ኣሎኒ ኢለ ወሰንኩ። እወ ድሕሪ ኵሉ ናይ ምዕማጽ፡ ኣካላት ሰብ ንምሻጥ ሰባት ምቕታል፡ ገንዘብ ክፈሉለይ በል እናተባህሉ ምስቓይ፡ ወዘተ. . . ዘስካሕክሕ ዛንታታት ምስማዕ፡ ሰሚዕካ ከም ዘይስማዕካ ክትከይድ ኣይክኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ፣ሞራላዊ እውን ኣይኰነን። ብምትብባዕ ብዓል ቤተይ ገረዝጊሄር ተወልደን ፈተውትናን፡ ኣብ ከተማ ሳስካቱን፣ ሰነ 11/2011 ገንዘብ ንምውጻእ ናይ ድራር ግብጃ ኣካየድና። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ገሬ መንእሰያት ናብ ስደት ዘምርሑሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ብብዙሓት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን “ሃገራዊ ባርነት”ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብስርዓት ኤርትራ እተኣወጀ፡ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ምዃኑ ገለጸ።

ነቶም ዕድሜና ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ፡ “Unreported World Eritrea: Breaking into Israel” ከምኡ’ውን ካብ “Eritreacare.org” ሓጺር ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ናይ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣርኣናዮም። ምኽንያቱ ድማ ፍርቂ እቶት ናይቲ ድራር ንሓገዝ ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ክውዕል ምዃኑ ሓቢርና ስለዝነበርና እዩ። ብተወሳኺ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ንኣጋይሽ ሃብኩ።

ሽዑ ምሸት ኣብ ግብጺ ትኣሲሮም  ንዘለዉ ናይ ምብጻሕ መደብ ከምዘሎኒ ሓቢረ ነይረ። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን ፈጺመዮ። ጸብጻበይ ድማ ኣብ ታሕቲ እንሆ፡

ቤት ማእሰርቲ ኣል ኣሪሽ ካብ ካይሮ ብማኪና ኣስታት ኣርባዕተ ስዓታት ድሕሪ ምጕዓዝ ዝርከብ እዩ። ኣብኡ ብዘይ ሕጊ ዶብ ሰጊርኩም ኣቲኹም ተባሂሎም እተኣስሩ 8 ኢርትራውያንን 15 ሱዳናውያንን ረኺበ። ምስዚኣቶም ስሞም ክጥቀሱ ዘይደልዩ። “ሀ. በ. መ. ኣ. እ” ኢለ ዝሰምዮም ዘሎኹ ውጉኣትን ሕሙምን ረኸብኩ።

ኣቶ ሀ_____________ ኣብ ሕቘኡ ተወጊኡ፡ ካብ መዓንጣኡ ንታሕቲ ድማ ለሚሱ። ኣብ ሆስፒታል ክሕከም ድሕሪ ምጽንሑ፡ ቍስሉ ከይሓወየ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ መሊሶሞ። ኣባኡ ክንክን ስለዘይረክብ ድማ ቍስሉ ካብ ምዓልቲ ናብ ምዓልቲ እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ተስፋ ስለዝስኣነሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ይሓስብ ኣሎ።

ኣቶ በ_____________ ኣብ እግሩ ተወጊኡ ነይሩ ሕክምና ረኺቡ፤ እተሰባበረ ኣዕጽምቱ ንምጽጋን ኣብ እግሩ ዘላግብ ሓጺ ኣትዩዎ ኣሎ።

ኣቶ መ____________ ኣብ ኢዱ ተወጊኡ ነይሩ፤ ተሓኪሙ ኣብ ምሕዋይ ይርከብ።

ኣቶ ኣ____________ ካብ ማኪና ተደርብዩ እግሩ ተሰይሩ፤ ምርኩስ ስለዘይተፈቕደሉ፡ ጠለይ-ጠለይ እናበለ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ናብ ሕክምና ክወስድዎ ነቶም ዘብዔኛታት ለሚነዮም። ጽባሕ ክንወስዶ ኢና ኢሎም ቃል ኣትዮሙለይ ግን ቃሎም ኣይኣኽበሩን። ንጽባሒቱ ምስ ተመለስኩ ዋላ ሃንቲ ዝተቐየረ ኣይነበረን። ከምቲ ብድሮ ዝሓደግኩዎም ጸንሑኒ። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ዶክተር ንኣቶ________ ኣ___ን፡ ን ኣቶ እ________ን ነቶም ዝተረፉን ክሕክሞም ሓቲተዮ።

ኣቶ እ___________ ንሸውዓተ ምዓልታት ብዘይ ገለ ሕክምና ናይ ደም ቀልቀል እናውጽኤ ክሳቐ ከም ዝቐነየ ሓቢሩኒ። ምስ ሓንቲ ሙና እተባህለት፡ እናተመላለሰት እትርእዮም ድንግል ንሓደ ዶክተር ረኺብና ከይዱ ክርእዮ ተሰማሚዕና ኔርና፡ እንተዀነ ግን በቲ ኣብቲ ቅነ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ዝቘሰሉ ክሕክም ስራሕ ጽዒቑኒ ኢሉ ከይከዶ ተረፈ። ድሒራ ድንግል ሙና ከም ዝሓበረትኒ መድሃኒት ወሲዳትሉስ ሕሽዎ እቲ ውጻኣት’ውን  ኣቋሪጹ ዝብል ጥዑም ወረ ሰሚዐ።

ኵላቶም ኣብ ኣል ኣሪሽ ትኣሲሮም ዝርአኽዎም ሳእኒ ኣይነበሮምን፤ ኣእጋሮም ድማ ቈሲሉ ነበረ። ስለዚ ከኣ ሳእንታትን ስረ ውሽጥን  ክዳውንትን ንቝስልታቶም መሸፈኒ ሻሽን መሐከሚ መድሃኒትን ወዘተ. . . . ኣብጻሕኩሎም። ድንግል ሙናን ኣቶ ኣ________ ንባዕሉ እሱርን ናኣቶ ሀ ___________ ተሓጋጊዞም ሓከምዎ።

ብዛዕባ መግቦም ከምዝሓበሩኒ ንምዓልቲ ሓንቲ ባኒ ምስ ፎርማጆ ጥራሕ እያ እትዋሃቦም። እቲ ዝሰትይዎ ማይ እውን ጽሩይ ኰይኑ ኣይተራእየንን። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ኵነታት ከመይን ክሳብ ምዓስን ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ኣዚዩ ዘተሓሳሳብ እዩ።

ቤት ማእሰርቲ ሩማና፡ ካብ ኣልኣሪሽ ብማኪና ሓደ ስዓት ኬድካ እዩ ዝርከብ። ናብዚ ንክበጽሕ ፍቓድ ክረክብ ኣይክኣልኩን። ካብ ኣል ኣርሽ ብስልኪ ክዛረቦም ግን ክኢለ። ኣብ መወዳእታ ድማ ድንግል ሙና  ምግብን ክዳውንትን ንከተብጽሓሎም ገዲፈላ።

ቤት ማእሰርቲ ስወጽ፡ እዚ ካብ ካይሮ ብማኪና ኣስታት ክልተ ስዓትን ፈረቓን ርሒቑ ይርከብ። ኣብዚ ቤት ማኣሰርቲ እዚ ኣብ ሓደ ክፍሊ 35 ኣብ ካልእ ክፍሊ ድማ 35 ኵልኽሎም 70 እሱራት ነበሩ። ካብዚኦም 2 ኢትዮጵያውያን ነበሩ። ምስዚ ክፍሊዚ ልግብ ኣብ ዝበለ ግን ፍሉይ ክፍሊ ድማ 9 ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ነበራ፤ ሓንቲ ካብአን ኣደ ቈልዓ ነበረት,። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረ ካልእ ክፍሊ ድማ 3 ሱዳናውያን ነበሩ። እቶም ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ኵነታቶም ንቤተ ሰቦም ክሕብረሎም ተላብዮምኒ፤መልእኽቶም ኣብጺሐሎም። እቶም ሱዳናውያን ድማ ትኣሲሮም ከም ዘለዉ ንኤምባሲኦም ክሕብረሎም ተላብዮምኒ፤ ሓቢረሎም ክኣ።

ነታ ኣደ ቈሎዓ ቅሩብ ንቈልዓ ዝኸውን መግብን ክዳውንትን ሂበያ፤ተሓጕሳ፤ ኣመስጊና እውን።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስወጽ ዝርከቡ እሱራት ጽሓይ ክጽለዉ ኰነ ምስ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ብተሌፎን ክራኸቡ ዘይፍቀደሎም ብምዃኑ ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።

ካልእ ኣተዓዘብኩዎ ነገር እቶም ኤርትራውያን ናይ ቋንቋ ሽግር ከም ዘለዎም ግን እቶም ሱዳናውያን ብዝተኻእሎም መጠን ኣብ ምትርጓም ከም ዝትሓባበርዎም እዩ።

ኣነ ዝበጻሕኩዎም ኣብያተ ማእሰርቲ እዞም ዝተጠቕሱ እዮም ነይሮም፤ እንተዀነ ግን ኣብ ኣስዋንን ሲናይን ካልእ ቦታታትን እተኣስሩ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ተሓቢረ።

ካልእ ዝበጻሕኩዎ ቦታ፡ ኣብ ሓደ ወጻኢ ካብ መካበብያ ናይ ሓደ መቓብር፡ ኤርትራውያን ተቐቢሮሙሉ ዘለዉ ሰፈር እዩ። ወግዒ ዘይብሉ መቓብር ምዃኑ ኣጕህዩኒ።

ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደልዮ ንገር ኣንተልዩ፡ እቲ ዝርካቡ ዘበርከትኩሎም ሓገዝ ብዘይ ሌላን ጕሌላን ማለት ንሰብኡትን ኣንስትን ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም እተዓደለ እዩ።

ካብ ኵሉ ኣዝዩ ዘጕሃየንን ዘቘጥዓንን፡ እቲ ካብቶም እሱራት ዝሰማዕኩዎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ሰብ-ንግዲ ተዋፊሮም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት እዩ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፣ሱዳን ቅድሚ ምብጽሖም፡ ብራሻይዳን ካልኦት ኤርትራውያን ተሓባበርቶምን ተጨውዮም ከም እተወስዱ ነጊሮምኒ። ብዛዕባ ሓደ ግብጻውን ሰለስተ ኤርትራውያንን ካብ ቤተ-ሰብኩም ገንዘብ እንተዘይኣምጺእኩም ክንቀትለኩም ኢና እናበሉ ዘሳቕይዎም ዝነበሩ ኣምሪሮም ክዛረቡ ከለዉ ከብደይ በሊዖምኒ።

ድሕሪ እዚ ኵሉ ጭንቅን መከራን ብሰንኪ እቲ ዘለውዎ ዘስካሕክሕ ናብራ ብናይ ኤርትራ ኤምባሲ ናይ ሓሶት መናፍሕ ተታሊሎም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ከም ዘለዉ እውን ተሓቢረ። እቲ ኤምባሲ ዝዘርግሖ ወረ “ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ ስደተኛታት ምውሳድ ኣቋሪጻቶ እያ፣ ሕጂ ናብ ኤርትራ እንተተመሊስኩም ንሽዱሽተ ወርሒ ምስ ቤተሰብኩም ከተዕርፉ ክፍቀደልኩም እዩ። ብድሕሪኡ ናብ ኣሃዱታትኩም ትኸዱ፤ ዝወርደኩም መቕጻዕቲ የልቦን” ዝብል እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ንናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ተወኪሰ ዝረኸብኩዎ መልሲ፡  “ምቍራጽሲ ኣይኣቋረጽናዮን ግን ዋሕዲ ኣባላት ስለዘሎና ከምቲ ቅድም ነካይዶ ዝነበርና ዑዶት ነካይድ የሎናን” ዝብል እዩ።

ኣብ ግብጺ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጕዕዞይ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ ቀጸልኩ። ኣብኡ ድማ ሳላ ሽማግለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ መደበራት ንሕክምና ምስ ዝመጹ ስደተኛታት ክራከብ ክኣልኩ። ሓሙሽተ ካብተን ዝረኸብኩወን፡ ካብቶም ካብ ግብጺ ዝተመልሳ ነበራ። ከብደይ ዝበልዓኒ ዛንታታተን ብጽሞና ሰማዕኩዎ። ነብያት ደበሳይ ጓል 17 ዓመት እያ። ናብ እስራኤል ክትኣቱ ኣብ እትፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓለውቲ ዶብ ግብጺ ተኲሶም ኣብ ርእሳ ሃረሙዋ። ናብ ኢትዮጵያ ካብ ትምለስ ሸሞንተ ወርሒ ጌራ ኣላ። ዝያዳ ክንክን ስለ ዘድለያ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ ኣላ። ዛይድ ገብረመድህን ኣብ እግራ ተወጊኣስ ተቘሪጹ፤ ሰብ-ዝሰርሖ-እግሪ (prosthetic leg) ተጌሩላ ክትንቀሳቀስ ክኢላ ኣላ። ምልእተ ዮውሃንስ ምስኣ ዝነበሩ ብዙሓት ብደብዳብ ነፋሪት ክሞቱ ከለዉ ብተኣምር ዝድሓነት እያ። ብሰንኪ እቲ ደብዳብን ስንባደን ንሓያሎይ ምዓልታት ሃለዋታ ኣጥፊኣ ነበረት። ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ትርከብ። ድሕሪ ደብዳብ ዝወረዳ ዘስካሕክሕ ጭንቀት፡ (post-traumatic disorder) ክትፍወስ ናይ ግድን እዩ ስለዚ እያ’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸት። ፍረወይኒ ደበሳይ ሓውቲ ነብያት እያ፤ ንሳ ኵሉ እቲ ኢሰብኣዊ ተዅስታት ከጋጥመን እንከሎ ምስአን ነይራ ክነሳ ብተኣምር ከይተወግኤት ዝተረፈት እያ። ንሰለስቲአን ድማ ተልዕለን ነበረት። ተስፋ ከይቈረጻ ንቕድሚት ክጥምታ ኣተባቢዔየን። ናይ ምድንጋጸይ ምልክት ዝኸውን ንኡስ ሓገዝ’ውን ገይረለን።

ንሕክምና ዝመጹ ስደተኛታት ንመግቦምን መደቀሲኦምን ተባሂሉ ዝውሃቦም 30 ብር ንመዓልቲ ጥራሕ እዩ። እቲ ዝሓሰረ ሆተል ድማ 50 ብር ንለይቲ እዩ። ስለዚ ካልእ ግዳማዊ ደገፍ እንተዘይረኺቦም ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝሓውዩ ኣብኡ ክጸንሑ ኣይክእሉን እዮም። መጻንሒ ቦታ እንተዝህሉ፡ እቶም ካብ መደበራት ዝመጹ ኣብኡ ምኣተዉ፣ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ቍስሎም ዝምለሱ ድማ ክንዲ ናብ መደበራት ትኽ ኢሎም ዝኸዱ፡ ኣብኡ ኣዕሪፎም ድሕሪ ምፍዋሶም ምኸዱ። እንተ ድኣ ንሕና እዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ናይ ክራይ ገዛ ወጻኢ ክንሽፍን ክኢልና፡ ጕዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ኢትዮጵያውያን፡ ቦታ ከናድዩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣፍሊጦሙኒ።

ብዛዕባዚ ናይ መዕረፊ ጸገም ኣብ ዝሕበረሉ ዝነበርኩ ግዜ፡ ዶክ/ ኣልጋነሽ ፍስሓ (ጋንዲ)፡ ናብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብጕዳይ ስደተኛታት ክትከታተል መጺኣ ምህላዋ ሰማዕኩ። ንሳ በቶም ኣብ ግብጺ ትኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዚያ ግድስትን ረዲኤት ንምርካብ እትጽዕርን ብዙሕ ሓገዛት ዘበርከተትን ህርኵቲ ሓውቲ እያ። ብኣካል ተራኺብና ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ ክንመያየጥ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነበረ። ተሓጋጊዝና ንክልተ ዓመት እንተንካረየሎም እቲ ዝውሃቦም ንመግቦም ምዀነ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተራዳዲእና። ከም መደብ ወሲድና ክንሰርሓሉ ዘሎና ጕዳይ ምዃኑ ርኢና።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንመንእሰያት ኤርትራ ክሕብሮም ዝደልዮ ነገር እንተልዩ፡ እቶም ከነስግረኩም ኢና ኢሎም ተስፋ ዝህብዎም ሰባት፡ ንሳቶም ምዃኖም ኣሕሊፎም ዝህብዎምን ዝጠልምዎምን እዩ። ቤተ-ሰቦም ክሳብ ናይ ኣሜሪካ 31,000 (ሳላሳን ሓደን ሽሕ) ዶላር ከፊሎሙሎም ከብቅዑ፣ ናብ እስራኤል ናይ ምጽላቝ ዕድል ዘይረኸቡ፡ ኣብ መወዳእታ ናሕሲ ቀዲዶም ሃዲሞም ነብሶም ዘድሓኑ መንእሰያት ረኺበ እየ። እዚ ድማ ኣቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ተኵሶም ክቐትልዎም ከም ዝኽእሉ እናፈለጡ ዝወሰዱዎ ሓደገኛ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።

ስደተኛታት ግዳይ ናይዞም ብሰብ ዝነግዱ ዓመጸኛታት ንከይኮኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ ዶባቶም ብጥብቂ ክቋጻጸሩ ኣዕዚዘ እምሕጸን።

ካልእ ዓቢ ጕዳይ ከልዕሎ ዝደሊ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ ዝነበርኩ ግዜ፡ 14 ኤርትራውያን እሱራት ናይ ነፋሪት ቲኬት ዝኸፍለሎም እንተረኺቦም ናብ መደበራት ኢትዮጵያ፡ ክኸዱ ዝደልዩ ከም ዘለዉ ሓቢሮምኒ። ሓገዝ ንኽረኽበሎም ድማ ኣዕዚዞም ተላብዮሙኒ። ካብ ካይሮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ሰብ ቲኬት ኣስታት ናይ ኣሜሪካ 300.00 (ሰለስተ ሚእቲ) ዶላር ይውድእ።ዝርዝር ኣስማቶም ምሳይ ኣሎ። ናብ ኢትዮጵያ ንክምለሱ ክሳለጥ ዘለዎ ሰነዳት ኣሎ። በዚ ምኽንያት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣብ ካይሮ ተራኺበ። ክሕግዙ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሮምኒ፤ እንተዀነ ግን ዋሕዲ ኣባላት ስለዘለዎም ከምቲ ዝድለ ብዝሕ ዝበለ ዑዶት ናብቲ ኣብያተ ምእሰርቲ ከካይዱ ከም ዘይክእሉ ኣፍሊጦሙኒ። ብዛዕባ እቶም ወረቓቕቲ ምስላጥ ዘድልዮም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መን ክራኸብ ከምዘሎኒ ሓቢሮምኒ። ብኡ መሰረት ምስ ናይ ኢምግሬሽን ሓለፍቲ ተራኺበ። ብዛዕባ’ቲ እተጀመረ ግን ኣብ መፈጸምታኡ ዘይበጽሐ ፋይላት ክምልከትዎ ምዃኖም ነጊሮምኒ። ኣብ መዓርፎኡ ንምብጻሕ ብቐጻልነት ፈተነታት ክካየድ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንከሎኹ ዝረኸብኩዎ ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታ፡ መእሰያት ኤርትራ ንለውጢ፣ ዞባ በይ (EYC Bay Area) ኣብ ናይ ግብጺ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ካይሮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘብጽሖም ቲኬታት ንምግዛእ ገንዘብ ናይ ምእካብ ወፈራታት ኣካይዶም ምህላዎም እዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ እዚ ክትሓባበሮም ዝደሊ / እትደሊ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ርኽክብ ክግበር ይክኣል እዩ፡

eycbayarea@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ኣብ መደምደምታ ኣብ ግብጺ ትኣሲሮም ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምድጋፍ ንዝተገብረሎም ዕድመ ብኣዎንታ ዝመለሱ ለዋሃት ተቐማጦ ሳስክትቸዋንን ብሪቲሽ ኮሉምቢያን ብልቢ ከመስግን እፈቱ። ክምኡ’ውን ፍሉይ ምስጋና ንደቂ ሓወይን ኣሓተይን ደቅናን ከቕርበሎም እፈቱ፤ ከመይ ናይ ልደተ-ክርስቶስ ህያባቶም ኣብ ምርዳኣ እዞም ጽጉማት ኣሕዋትና ስለ ዘውዓልዎ። ሳላ ልግስኹም ንውሑዳት ተስፋ ክህብን ቍሩብ ጸገም ክቃልልን ክኢለ እየ። ብሓገዝኩም ዝያዳ ክግበር ከምዝክኣል እኣምን እየ። ከምኡ’ውን ካብ ምዓሙቕ ልበይ ንድንግል ሙናን ከትሪናን  (ን Africa and middle East Refugee Assistance – Egypt እትውክል) ኤርትራዊ ስደተኛ ተወልደ ፎቶን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶም፡ ንኵሎም እሱራት ዝሕግዙን ዘተባብዑን ከመስግን እፈቱ። ሓገዛቶም ብገንዘብ ዝትመን ኣይኰነን፤ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ከምኡ’ውን ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንመንእሰያትና  ብዝገብሩሎም ዘለዉ ደገፍ ከመስግን እፈቱ።

ሳባ ቀለታ

ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ).

Source http://www.tolerance.ca/Article.aspx?ID=120021&L=en

Rome - According to the latest information we have received, 361 Eritrean refugees (including 94 women, 10 children, 4 teenagers and a pregnant woman) fled from the UNHCR Shegerab Camp in an attempt to reach Northern Sinai. They later fell into the hands of Bedouin traffickers.

After a confrontation with the Bedouins, the police blocked the refugees, who are now in jail awaiting deportation. They are being detained in the Eritrean prisons of Dongula (near Scimalia,  600 km from Khartoum). We are now gathering evidence and information and we are alerting the United Nations asking their institutions to intervene.

We believe it is extremely important that the Eritreans in Europe warn their countrymen at Shegerab (and in Sudan, and at home) of the serious dangers they face in Northern Sinai, where migrants are captured by people smugglers, imprisoned, tortured, and raped.

They do this in order to demand ransoms of 10,000 (or sometimes 20,000) dollars from the hostages’ families. Eritreans must stay away from Northern Sinai, where many of them have already been killed.

All the Refugees arrived from the UNHCR camp of Shegerab (Sudan), where they were probably registered by the UNHCR.

These people now risk repatriation to Eritrea, where they face persecution. We have alerted the UNHCR and some European MEPs who work with refugees.

We have provided the High Commissioner with a telephone number through which the imprisoned refugees can be contacted. We are appealing to the High Commissioner and all European politicians to use every diplomatic means to persuade the Sudanese government to release the immigrants and give them protection in a refugee camp.

We are also asking the UNHCR to work to improve the living conditions in refugee camps. We believe, moreover, that it is very important that sub-Saharan migrants are warned of the dangers they face in Libya or in Northern Sinai, where there is a high risk of them falling into the hands of unscrupulous people smugglers.

September 29th, 2011