·  ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ


ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ፓይሎት ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ሚግ 23 ብሙዃን ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስምን ዝናን ዘጥረየ፡ ኣብ ራሻ ኣብ ዝወሰዶ ትምህርቲ ካብ መላእ ኢትዮጵያውያን ብዝላዓለ ነጥቢ ቀዳማይ ብምውጻእ እተመረቐ፡ ከም ሰብ ምንም ነገር ዘይግድሾ ተባዕ፡ ኣስተብሂሉ ዝዛረብ፡ ሰባት ክሃሲ ዘይብገስ ሎዑል ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ዝውንን ምኩር ፓይሎት'ዩ ዝነበረ ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ኩነታት ካኣ'ዩ፡ በቲ ግዜ'ቲ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጀነራል እምሃ ደስታን፡ ምኒስተር ንግድን ኢንዳስትርን ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፋንታየ በላይን ነቲ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክልምን ናብ ጀርመን ኣቕኒዑ ዝነበረ ኮሎኔል መንግስቱ ሃ/ማርያም ዕልዋ መንግስቲ ከካይደሉ ዝወሰኑ።
እቲ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ዕለት፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ናይ ምብራቕ ጀርመን ወግዓዊ ናይ ስራሕ መገሻኡ ኣብ ዝዛዝመሉ (10 ግንቦት 1989) ብምንባሩ፡ ጀነራል ፋንታየ በላይ፡ መንግስቱ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ፡ ናብ ቦሌ መዕልቦ ነፈርቲ ከይዓለበ ኣብ ሰማይ እንከሎ ብነፋሪት ውግእ ተወቒዑ ክካረጅ ወጢኑ ነበረ። ነዚ ክትግብር ዝኽእል ተባዕ ሰብ ሃሰው ብምባል ካኣ መወዳእትኡ ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ፡ ነቲ ዕማም ክፍጽም ዝኽእል እንኮ ፓይሎት ብምባል ሮቖሖ። መዓልታት ብሰዓታት፡ ሰዓታት እውን ብደቓይቕ ተተኻኺኡ ናይ ፍጻመ ዜሮ ሰዓት ምስ ኣኸለ ግዳ፡ እታ ንመንግስቱ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሒዛ ብምንባራ ንከይትህረም ተወሲኑ። በዚ ግዜ ስለ እተበልዐ ካኣ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ እውን ፈሺሉ ተረፈ። ኤርትራዊ ብርጋዴር ጀነራል ገብረመድህን መድሃኔ (ኣዛዚ ኮር 606 ዝነበረ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ተኣሲሩ ዝርከብ'ዩ) ብርክት ብዝበላ ኣንተኖቭ ተጠቒሙ ብዙሓት ወተሃደራት ብውራድ ንኹሉ ስርሒታት ኣፍሸሎ። ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ ነፋሪቱ ንምሕምሻሽ ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ኩነት ዝነበረ ጅግና ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ ካኣ፡ ነገራት ከም እተቐያየረ ብኡ ንቡኡ ኣስተብሃለ። ጅግናን ትክን መውጻኢ ነይስእኑ ከም ዝባሃል ካኣ፡ ሃብተጽዮን "ቁም"! እናተባህለ እንከሎ ሚግ 23 ኣልዒሉ ኣንፈቱ ሰሜን ብምቕናዕ ኣብ ከተማ ናቕፋ ወረደ። ብዙሓት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣኻኺቡ ካኣ፡ ሓይሊ ኣየር ሰውራ ኤርትራ ንምቛም በርቲዑ ሰርሐ። እናበለ ናጽነት ብዘርከበ ካኣ፡ ከም ቀዳማይ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብምዃን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ማዕረ'ቲ ናይ 70 ዓመት ዕድመ ዝነበሮ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝዳረግ ገበሮ።

ኮማንደር ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ህሞት ካኣ ኢዩ፡ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግንቦት 1998 ዝፈለመ። ኲናት ገና ከይረሰነ እንከሎ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት መሳርሕቱ ዝነበረ ኮሎኔል በዛበህ ጴጥሮስ ካኣ ክሊ ኣየር ኤርትራ ብምጥሓስ ንመዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣስመራ ደብዲቡ ክምለስ ኣብ ዝፈተነሉ ንኻልኣይ ግዚኡ ተወቒዑ ወደቐ እሞ፡ ኣብ ከባቢ ዓዛይሃ (ምብራቕ ካብ ዓዲ ሳህላይ) ወዲቑ ተማረኸ።
ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ ኣብ መንጉዳ ብዓይነይ እውን ብዝራእኹዋ ጻዕዳ ፒክ ኣፕ ተጠቒሙ ናብቲ በዛበህ ዝወደቐሉ ቦታ ብምኻድ ሒዙዎ መጸ እሞ፡ ኮማንደር ኩነታት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከብርሃሉ ተወከሶ። በዛበህ ድማ "ስምዓኒ ሃብተጽዮን፡ ንስኻ ሰባኣይ ምዃንካ ይፈልጥ ኢየ! ሕጂ ሕጂ መቐለ 9 ነፈርቲ ውግእን 3 መጓዓዝያ ነፈርትን ለም ኢለን ኣሎዋ! ያላ ከይድካ ሓሙኽሽቲ ቀይረን! በሎ።

ኣሻቡ ሚግ 29 ብምልዓል ካኣ፡ ጅግና ጀነራል ሃብተጽዮን ኣንፈቱ ብዞባ ደቡብ ኣቢሉ ናብ ከተማ መቐለ ኣምረሐ። ብድምሩ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ዝዋግአን ነፈርቲ ውግእ ናብ ሓሙኽሽቲ ብምቕያር ካኣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ኣትሓዞ። በቲ ናይ ኮማንደር ኣደንጻዊ ፍጻመ፡ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነበር ዊልያም ጀፈርሰን ክሊንተን ካኣ፡ ነቲ ኲናት ደው ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ክልቲአን ሃገራት ብኣየር ናይ ዘይምጥቕቓዕ ውዕላት Moraterium Agreement ንክፍርማ ኣገዲዱ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ምሉእ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ እውን እንተኾነ ሃብተጽዮን፡ ቃፍላይ ሰራዊት ወያነ ምስ መካይኖም ኣብ ምሕምሻሽ ልዑል እጃም ዘበርከተ ሕሉፍ ሃገራዊ ኢዩ። ኣብ ጎኘ ዝሓረራ ከባቢ 40 ኦራላት ጸላኢ ካኣ ሒደት ካብቲ ብዙሕ ቅያታቱ ምዝካር ይካኣል።

እዚ ኹሉ ዕዮታት ዝዓየየ ጅግና ኣቦና ኮማንደር ሃብተጽዮን ሓድጉ ግዳ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብምዃኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ፓይሎታት ብምእዛዝ ጥራሕ ኣብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ሱታፌኡ መረጋገጸ ነይሩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ኮማንደር፡ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን መሳርሕቱ ብምንባሮም፡ ድማ ኻኣ በዛውሮኦም'ውን ስለ ዝፈልጦም፡ እቶም ኣስጋእቲ'ዮም ኢሉ ዝኣምነሎም፡ ምኩራት ፓይሎታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጹሉ ኣጋጣሚ፡ ባዕሉ ነፋሪቱ ኣልዒሉ የጓዪዮም ምንባሩ'ዮም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝገልጹ። ኣብ 2ይ ወራር ኣብ ባድመ ካፒተን ዮናስ ብ4 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ምስ ተኸበ ንኣብነት፡ ኮማንደር ዮናስ ካብ ከበባ ንምውጻእ ዘራኣዮ ኩሉ ዓይነት ምክልኻል ካብ ተዘኩሮ ኣባላት ሓይሊ ኣየርና ዘይሃሰሰ ናይ ትማሊ ተዘኩሮ ኢዩ።

ካፒተን ዮናስ ኣብቲ ግጥም ስለ ህዝቡን ሪሙን ኣብ ሰማያት ኤርትራ ክሓልፍ እንከሎ፡ ኮማንደር መታኾሲ ቡንባታት ወዲኡ ክንሱ፡ ንቕድሚትን ድሕሪትን እናተገላበጠ፡ ሚሳይላት ጸላኢ ብምስሓት ንስክላ ክድሕን ዝኻኣለ ናይ ጀጋኑ ጅግና ኢዩ።
ስለ ህዝብን ሃገርን ትንፋሱ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ፡ ካብዚ ኹሉ መዓት ወጽዩ ግዳ ሎሚ ልዕሊ 15 ዓመታት ብዘይ ሕግን ፍርድን ኣብ ጉድጓድ ሰፊሩ ይርከብ ።
ምንጪ #mewal mhansho

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com