ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ: ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ::

 

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ::

ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ::

ብሚካኤል ኣጎስቲኖ  12/11/20 ጀርመን::

ስምረት ማለት ሓደ ምኻን ጥራይ ኣየስሞዕን:: ስምረት ማለት ዕርቂ እዩ:: ዕርቂ ናይ ሓባር ዕላማ ወይ ትጽቢት ንዘለዎም ማለት እዩ:: ብዙሓት ወገናት : ናይ ሓባር ትጽቢት ዘለዎም ክንሶም ኣብ ሜላ ምስ ዝፈላለዩ መኻልፍ ይፈጥሩ:: እዞም ናይ ሜላ መኻልፍ እዚኣቶም ከም ቀዳማይ ጎንጺ ክስርዑ ዘይግበኦም ምስ ዝኾኑ: እቲ ዝተርፍ ግደ : ናይ ምስማር: ወይ ብሓባር ምስራሕ ዕድል ይህልዎም:: ኣብ ጉዳይና ምስ ንሪኢ : እቶም ናይ  ሜላ መኻልፍ : ከም ቀዳማይ ጎንጺ ሰለ እነቅርቦም እዮም::  ብድሕሪኡ እንካይዶ ብሓባር ክንሰርሕ  ኣብ ሓደ ጣውላ ኮፍ ክንብል‘ውን ኣይካኣልን :: ርሑቅ ከይከድና ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ: ምስ ኣሕዋትና ኩናማ ዝተራእየ ሓደ ኣብነት እዩ:: ኑሱ ዝፈጠሮ በሰላ ንምዕራዩ ስጋዕ ሕጂ ካብቲ ሓደ ሸጊሩና ዘሎ ጉዳይ እዩ::

 

በዚ ወዲ ከምዚ  ጉዳይና ዓመታት በሊዑልና ይርከብ::   ዝፈላሊየና ክህሉወና ንቡር እዩ:: እንተኾነ ሰብ ዝገብረና: ከማኡ‘ውን ደቂ ሃገር ምኻንና ኢልካ ምስ  ሓለግትና: ንዝፈላልየና: ኮፍ ኢልካ :ምስ ንፈትሕ እዩ::  ተቃውምቲ ውድባትን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን :እዚ ግዜ ሂወት ደቅናን:ንብረትናን: ሓድነትናን:እምነትናን: ባህልናን: ዕድመናን:ዝበልዕ ዘሎ ኮፍ  ኢሉ ዝጽበየናዶ ይመስለና ኣሎ፤ ሰሚርና  እንተጎዩና‘ውን ንኽነርክቦ ኣጸጋሚ እዩ:: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝጠፋኤ ሂወትን ጉልበትን ድማ ኣይክንረኽቦን ኢና:: ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና  መድረኽ ድማ ዘሕፍር እዩ:: ኣብ ሞንጎና መን እዩ ጸላኢ: መን እዩ ፈታዊና: ክንፈልጥ: ሓድነት ወይ‘ውን ትርግታ ህዝብና ሰሚዖም ነዚ  ዝድግፉን: ወይ እውን ዘተዓናፍቁ ኣየኖት ውድባት እየን: ኢልካ ብጉሉጽ ንመሪሕነት  ኪዳን ድዮም ምሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ  ምስ ትሓትት ንኽገልጹ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን:: እዚ ስለ ዝኾነ ኻኣ መፍቲሒ ተሳኢንዎ : ስለዚ ጉዳይና ኣብ ጽልግልግን ከም ሓሪጭ ዝሓዋውስዎ ንሪኢ ኣሎና:: ድሓር ንምፍላዩ ከጸግመና እዩ: ስለዚ መፍቲሕና እንታይ እዩ ዝብል ጥዑይ ሓታታይ:ምስ ዝሓትት :ንድሕሪት ተመሊስና ካብ ቶሞክሮና ማለት ካብ ምሕዝነት ክጅምር: ንምንታይ 15ዓምት ዝኣክል ወሲዱልና  ኢልና  ምስ ንሓትት :ፋይልና ምግንጻል ከድልየና ኡዩ::

ከም ዝፍለጥ 11 ውድባት ኣብ ታሪኽና ተገይሩ ዘይፈልጥ ን መጀመርያ ብሓንሳብ ኮፍ ኢለን: ናይ ሓባር ስምምዕ ክፍርማ ምስ ተራእያ:: ኩሉ ንሰላምን ዲሞክራሲ  ኤርትራ : ዝብህግ: ኤርትራዊ ኮነ ደገፍቲ ኤርትራ: ንውድባትና  ምስጋና  ኣቅሪበን እየን:: ኣንተኾነ ግን ከምቲ ዝተጸበናዩ ኣይኮነን:: እዚ‘ውን ሓሊፉ: ዓመታት ወሲዱ: ድሕሪ ክንደይ  ውረድ ደይብ ከኣ: ካብ ምሕዝነት ዝሓሸ ተባሂሉ እንኮላይ ብ ህዝባዊ.ግንባር: ነበር ዝዋስእዎ. ናይ ሓደ ሓበራዊ ፖለቲካ ስምምዕ ተበጽሔ:: ኤርትራው ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝብል ክምስረት ተኻእለ:: እዚውን ከምቲ ዝሓለፈ ኣድማዒ ስራሓት ክገብር ኣይተራእየን እንትርፎ  ምፍንጫላትን ወረ ምፍንጫላትን:: ብድሕሪ እዚ ኹሉ ሽግራትና:: ካብ ህዝቢ ድዩ ዋላ‘ውን ኣባልት ውድባት :ኣቱም ሰባት እንታይ እዩ ጉድና ኢሉ  ከዕዘምዝም ጀመረ: ንኽትሓትት ምስ ትደሊ‘ውን መልሲ የሎን:: ምኽንያቱ ከምቲ ዘበነ ሰውራ እተን ውድባት ኣሳራርሔኤን: ጉሉጽነት ዘይብሉ ምስጢር: ትብል ቃል ተወንዚፎም ስድሪ ትኹን ሓበረታ ክህቡ ዘይደልዩ: ኣንካይ ንህዝቢ: ንኣባላቶም  ብዕበጦ ዕበጦ መሬት ዝዕርቡ እዮም ::  ድሕሪዚ ሓደ ነገር ክግበር ኣለዎ: ማለት: ህዝቢ ክካፎሎ ኣለዎ ብዝብል: ነዚ ኣብ ዝኾነ ኩርንዓት ዓለምና ኣብ ሰሚናራት ድዩ፤  ኣብ ኣኽባታት ክዝረበሉ ኣሎዎ ዝብል (ተጽዕኖ) ምስ ተገብረ:: ነዚ‘ውን ኣነ ሎሚ ከም ዝርዳኣኒ: ነምሰሉ ወይ (ንምንድንጋር)መራሕቲ ውድባትና ክቅበልዎ ኪኢሎም ባሃላይ እየ:: ድሕሪኡ ወርኪሾብ ኣዳሊኻ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ክእቶው ተመዲቡ:: ቐጺሉ ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ ኣዋሳ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ምምስራቱ:: ስድሪ እንተኾነ‘ውን ክስጉም ኣይካለን:: ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ኩሉ ዓዲታት እና ዘረት ጉጂለ ድሕሪ ምምስራት ድሕሪኡ ንክልተ ዓመትን ፈረቓን እውን ኣበይ ከም ዘሎ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ  ከም ጉጂለ ሓንቲ ጽሕፍቲ ትኹን ሓበረታ ረኺቡና ኣይንፈልጥን:: በንጻሩ እንታይ እዩ ጉድይና : ኣበይ ኣሎና: ኣሎ ድዩ እዚ ኤርትራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ኢልካ ብስሪዒታዊ መንገዲ ምስ ዝሕተት መልሲ ዝባሃል የለን ::

ክገርመኩም ኣብ ሃገረ ጀርመን ገለ 8 ጉጂለታት ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣለዋ: እዘን ጉጂለ ብሓባር ካብ ዝሰርሓ ነዊሕ ገረን እየን:: ናይ ሓባር ሽማግለ እውን ኣለወን:: እዛ ናይ ሓባር ሽማግለ ኣብ ጀርመን እትርከብ ንዝምልከቶ ኣካል ማለት ንኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተዳጋጋሚ ጽሑፍ ኣብ ዝጻሓፈትሉ መልሲ እንተበልካ መልሲ ትመስክር::ኣብ መቸረሽታ:ሓንቲ: በልበል ትብል ጹሑ ይላኣኾም:  መልሲ ቡቁልጥፍ እንተደይሂብኩምና ኣብ መርበብ ሓበረታ ኤርትራውያን ክንዝርገሖ ኢና ምስ በልናዮም:: ባይቶ ታኣኪቡ ዘይትፈልጥ ብሁጹጽ ክትእከብ ኪኢላ:: እቲ መልሲ ዝተዋህበና ንግዜ ይገድፎ:: ብድሕሪኡ ውን ወዲ ድሙ ከም ቀደሙ ኮይኑ ስጋዕ እዚ ቁሩብ ግዜ እምም ጉዳይ ባይቶ ኾይኑ ተሪፉ::

ሎሚ  ኩላህና ከም ንፈልጦ ኣብ መንጎ ፈጻሚትን: መሪሕነት ባይቶን: ንነዊሕ ግዜ ዘይምርድዳኦም: ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ምስጢር  ተታሒዙ ብምጽናሕ ሕጂ ስለ ዝተተኮሰ:  መሪሕነት ባይቶ ኣብ ፓል: ፈጻሚት ኣካል ካኣ: ነቶም ንኽልተ ዓመትን ፈረቃን: ዘይትፍለጦም: ጉጂለታታ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: ሓንቲ ሕንጻጽ መልእኽቲ : ሊኢኻ ዘይትፈልጥ: ቀሚሽ ኣዳይ ሓንኩሉኒ ዝዓይነቱ ኣብ  ከተማ ሽቱትጋርድ ሃገረ ጀርመን : ኣቦ ወንበር ፈጻሚትን ከም‘ውን ምክትል ኣቦወንበር ፈጻሚት ኣኸባ ተገይሩ:: እቲ ዝበልዎ  ሰሚዕና :: እቲ ካብ ገዛ ለበዋ ዝተቀበልዎ ግን ምፍንጫል ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና::  ይኣክል: ብሓደ ኣቲኹም ተራዳዲእኩም ክትወጹ ኢዩ ድልየትና እዩ መልሲ ዝተዋህቦም::

 

ስለዚ ኣብ መደምደምታይ::

ሎሚ ሃገር ንምድሓን እዩ ክንሰርሕ ዝግባእ : እንካይ መራሕቲ ውድባትና: ማንም ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ::  ተቓውሞ ውድባትና ግን :  ፍሉይ መለለይ ኮይንወን ዘሎ: ኣብ ጸቢብ ውድባዊ ስሚዒት ተሸኺለን:    እዚ ዘይባሃል ኣብ መንጎኦም  ቅርሕንትታትን: ናይ ስልጣን ውድድር:  ከይኣለዩ :: ኣብ ሓቀኛ ሓድነት ከሰርሑ ዝኹእሉ ዱልዱ ጎደና ክበጽሑ ኣሸጋሪ ምኻኑ እዩ:: ሰለዚ ሃገርና ንምድሓን ሕሳብና ክንገብር ኣሎና ባሃላይ እየ:: ወድባት ኤርትራ ከም‘ውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: ብጠቅላሉ ንሓድነት ዝብል ምስርሕ ካብ ዝጅምር 15 ዓምት ካብ ገበረ: እሞ ብዘይ ፋይዳ ባሓቂ ካብ ንቅዲሚት ንድሕሪት: ዋላ ሕጂ‘ውን ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ: እንተተገብረ: ነተን ውድባት ጠቅሚ ደኣ እንበር: ንህዚቢ ኤርትራ ከምዘይ ጠቅም በዚ ኣጋጣሚ ሪኢቶ ክገልጽ ይፈቱ::ስለዚ ገለ ዝማሃዘሉ ኩነታት ክፍጠር ኣሎዎ: ይፍረስ ማለተይ ኣይኮንኩን: ብጥርንፉ ንምጽናሕ እውን ሓጋዚ እዩ: ግን ጎኑ ጎኑ ሓደ ሓያል ናይ ህዝቢ ምልዓል እንተደይ ተፈጢሩ:: ሽዑ እዩ ጉዳይ ህዝቢ ወይ እውን ትርግታ ልቢ ክስማዕ ዝኽእል::ብዘይ ቀላዓለም ሃገራዊ ባይቶ ብኺዳን እዩ ዝዝወር: ስለ ዝኾነ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ መሪሕነቱ ካብ ኪዳን እዮም:: ኣስናዳዊት ጉባኤ  ዘተመስረትት ዕብለላ ብኪዳን እያ:: ማለት ኣሳናዳዊት ሽማግለ 6 እዮም ካባቶም 4 ካብ ኪዳን :: ስለዚ ኩቡራት ኣንበብቲ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤና እንታይ ንጽበ:?:  በይኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክርስያዊ ለውጢ::ከሰጋግረና ማለት ብገምጋመይ ኣይክእልን እዩ ባሃላይ እየ::ምኽንያቱ ን15 ዓምት ኣብ( መካነክ ረውሕ)ኣብ ጋማን  ጸኒሕና ኢና እሞ: ሕጂኽ ናበይ:  ዝብል  ነንበብቲ ይገድፎ ::

ካብ

ምካልኤ ኣጎስቲኖ

ጀርመን

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ: ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ::, 5.0 out of 5 based on 1 rating