-->

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ስዉእ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም 1943-2017

ስዉእ ዶር. ሃብተ ብ16 ሓምለ 1943 ኣብ ዓዲዃላ ተወለደ። ናብ ኣስመራ ብምጒዓዝ ትምህርቱ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣሰላሰለ። ድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስልጣን መማህራን (TTI) ቀጸለ። ድሕሪ ምምራቑ፣ ንሓጺር ግዜ ከም መምህር ኮይኑ ኣገልገለ። ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኢትዩጵያ፣ ከተማ ሃረር ብምኻድ፣ ኣብ ኣላማያ ኮለጅ ቨትሪናሪ ተማሂሩ። ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ፖላንድ ገይሹ። ኣብ ዋርሶ ዩነቨርሲቲ ኣብ መዳይ ስነፍልጠት ቨትሪናሪ ብማስተረይት ተመረቐ። ድሒሩ ኣብ ጀርመን ኣብ በርሊን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቨትሪናሪ PHD ብዝላዓለ ደረጃ ረኸበ። ንውሱን ግዜ ድማ ከም ተሓጋግዚ ፕሮፈሶር ኮይኑ ኣብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ኣገልገል። ስዉእ ዶር. ሃብተ ኣብ ሃገራዊ ዕዮ ኣንጊሁ ተሰለፈ። ኣባል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ። ናብ ኤውሮጳ ምስ ተሳፈረ፡ ሃገራዊ ንጥፍታቱ ኣብ ክሊ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ብምቕጻል፡ ዓቢ ሃገራዊ ተራ ተጻወተ። ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኤርትራውያን ኣካል ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ርእሱ ዝኻኣለ ናጻ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንምዃን ካብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ልሉያት ሃገራውያን ነበረ። ስለዝኾነ ካኣ ሓደ ካብ’ቶም መስረቲ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ኣብ ኤሮጳን ቀዳማይ ኣቦ መንበሩን ኮነ። ኣብ’ቲ መዋእል’ቲ ስሙር ምንቕስቓስ ተማሃሮ ብዘይምንባሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኣብ ካይሮን ኣብ ባግዳድን ተመቓቒሉ ብምጽንሑ፣ ነዚ ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርታት፣ እጃሙ ንምብርካት ንካይሮ
ገሸ። እቲ ጻዕርታት ስለ ዝተዓወተ ድማ ኣብ ባይቶ ሶርያ ኣብ ከተማ ዳማስቆስ ዝተጋበአ መስራቲ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ተሳተፈ። ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ዕዮ ብዝምልከት፣ ናብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ምስ ኣቦ መንበርን ኣባላትን ላዕላዋይ ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብቐጻሊ ይራኸብ ነበረ።
ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይሰርዕ ብምንባሩ፣ ሃገራዊ ቃልሱ ንምብራኽ፣ ኣብ 1975 ዓ.ም. ንሜዳ ተሰለፈ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1975 ኣብ ዝተጋበአ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ተመረጸ። ቀጥታ ድሕሪ ጉባኤ፣ ከም ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ካድር ኮይኑ ተመደበ። ድሒሩ ኣብ’ቲ ብስዉእ ተጋዳላይ ኣዜን ያሲን ሸይኸዲን ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ከም ሓላፊ ዓንኬል ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኮይኑ ተመደበ። ፍትሓዊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ዓውዲታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ንምብጻሕ ልሉይ ግደ ነበሮ። read more

Tribute to Dr. Habte Tesfamariam
By: Ismail Ali Ahmad
The news about the passing away of Dr. Habte Tesfamariam in the early
evening of 13 January 2017 in German at 74 years of age had once more
struck as a thunderbolt the rank and file of the Eritrean National Salvation
Front, in particular, and its sister organizations in the opposition camp,
and the wider change and justice seekers’ national movement, in general.
The death of Dr. Habte is yet another devastating loss the ENSF has
suffered in the span of the past few years.
His involvement in the Eritrean national movement had started at youthful
age. As a student he had joined the Eritrean Liberation Movement whose
message and organization had soon after its formation in 1958 spread
countrywide in 7-person clandestine formations. During his enrollment as
veterinary science student in Alemaya College, Ethiopia, he continued his
activities from there as well. Subsequent to graduation with the first
degree, he moved to Poland to pursue higher studies. From there, too, he
joined other fellow compatriots to organize Europe-wide student union,
which they wanted to link with the General Union of the Eritrean students
whose members were studying in Cairo, Baghdad and Syria. readmore

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com