ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ

ብኣበድ ተስፋይ

ሰብ ውዕለታ ዝበልዐት ሃገር፡ሎሚ ብዛዕባ እቲ መምህረይ ዝብሎ እቲ ዘይሕለል ሃገራዊ ብሱል ተቓላሳይ ሃይለ ወልደትንሳኤ-- ድሩዕ ገለ ንእሽቶ ጥማዕ ትብቃዕ ኣይትብቃዕ ገለ ካብ ታሪኹን ውዕሎኡን ገለ ክብል ደስ ኣናበለኒ እዩ። እወ ብዛዕባቲ ውፉይ መምህር ሰውራ፡ ንንቕሓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ናብ ነገራዊ ሓይሊ ዝቐየረ ዓቢ ካድር መምህር ካድረታት። ኣብ ሂወተይ ከቢድ ነገር ኮይኑ ካብ ዝረኸብኩዎ ኣጋጣሚታት ንበዓል ድሩዕ ሰብ ረዚን ውዕለት ምጥላም እዩ። ብ1946 ኣከባቢ ከምዝተወልደ ዝፍለጥ ድሩዕ ብ 1967 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ይመስለኒ ዝተረፈ ንኣረምቲ ይገድፎ፡ኣነ 1967 እኳ ኣብዛ ዓመት ኣዚኣ ንመጀመርያ ኣብ ዓዲ ንኣምን ተማሃራይ ከለኹ ድሩዕ ዘለዎም ተጋደልቲ ንመጀመርያ ዝረኣናሉ ግዜ ነይሩ፡ኣነ ምስቲ ንእሽቶ ወዲ 15 ዓመት ምንባረይ ብዙሕ ኣቓልቦ ንምልላዮም ዝገበርክዎ ኣይነበረን፡ስዉኣ መምህር ሰረቕ ሃብተማርያም ካብቶም ሽዑ ተማሃሮ ዝነበሩ ብዕድመ ምዕባየይ ግን ድሩዕ መጽሔት ገድሊ ኤርትራ ዝብል ሂቡና ኢሉ ስለ ዝነገረኒ ምስ ሰረቐ ክሳዕ ግዜ መስዋእቱ ንዝክራ ፍጻሜ ኣያ ነይራ።
ብዝኾነ ድሩዕ ምስቲ ኣብ መወዳእታ 60ታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ናብቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል፡እቲ መሪር ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዘየቕሰኖ ኣብ ከባቢ 1972 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸምቢሩ፡ምስ ኢሰያስ ዝፋለጡን መማርትን ስለ ዝነበሩ እቲ ገድሊ ሰልፊ ናጽነት ዝሓደሶ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ድሩዕ ከም ወዳብን ፍዳኢንን ኮይኑ ምስ በዓል ስዉእ ወልደንኪኤል ሃይለ በዓል ተኪኤ -ወዲ ቐሺ other wise ዝርከብዎም ናብ ኣስመራን ከባቢኣን ተመዲቡ ስርሑ ጀመረ፡ 1973 ኣስመራ ኣትዩ እውን ናይ ፈዳይን ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ፡ ብካርነሽም ብኳዜን ኣቢሉ ንከተማ ኣስመራ ንሓደ ስርሒት ንበይኑ በለይቲ እናኣተወ ፡ ኣብ መንጎ ኳዚንን በለዛን ዘሎ ጽሕዲ ዘልዎ ቦታ እናኸደ ሃንደበት ኣብ ድብያ ኮመንድስ ወደቐ፡እቲ ጉዳይ ዕድል ዝህብ ኣይነበረን ኣብ ናይ ቋሕሰም ግዜ ኢድ ቢኢድ ምስ ዕጥቁ ተታሒዙ፡ጸልማት ስለ ዝነበረ ዳርጋ ረጊጽዎም ነይሩ ዝበለኒ፡ሓደ ኮማንድስ ኣብዛ ዘለኹዋ ዓዲ ዘሎ ኣዕሊሉኒ፡ካብቶም ብቐረባ ዝሓዝዎ ምንባሩ፡
ምስ ተታሕዘ ድማ ባዕሉ ኢዱ ከም ዝሃበ ጌርካ ንምፍትሑ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን ንሱ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረን ይብለኒ እቲ ኮማንድስ፡ ኣቲ ኮማንድስ ኣብ1975 ድሕሪኡ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ እዩ። ብዝኾነ ድሩዕ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ቀይዲ ኣትዩ ምዕልቲ ሞቱ እናተጸበየ፡ብ1975 ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ምስ ኣውጽኣቶ ምስቶም ውድባት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ እሱራት ናብ ብጾቱ ተጸምበረ። ብዝነበሮ ብቕዓት ፖለቲካ ድማ ንሱ መምህር ካድረታት ብትግርኛ፡ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድማ መምህር ብቋንቋ ዓረብ ኮይኖም፡እቶም መጀመርያ 1ይ ዙርያ ካድረታት ተማሃሩኡ ኣነ ሓደ ካብኦም ነበርኩ፡ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ ኣውን ደቂ ዙርያ ኢና፡፡ድሕርዚ ክሳዕ ድሮ ናጽነት ብዘይምቁራጽ ድሩዕ ካድረታት ኣሰልጢኑ ንውድብ ህዝባዊ ግምባር ናብ ዘይቁርጠም ዓረ ዝቐየረ ሓርበኛ እዩ። እቶም ንሱ ዝፈጠሮም ካድረታት ስለ ዝጸንዑን፡ተጋዳላይ ከም ዝጸንዕ ስለ ዝገበሩን ብቐንዱ ስራሕ ድሩዕ ኣብ ምቕያር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር መዘና ኣልቦ እዩ። ነቲ ጽንኩር ትንፋስ ዘይህብ ወራራትን ወፍርታትን፡ደምሳሲ ኲናትን ንቕሓት ምህሮ በዓል ድሩዕ እንተዘየሰንዮ፡ሰውራ ኣብ ናጽነት ንክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ነይሩ። ድሩዕ ኣብ 1977 ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክፍሊ ምንቕቓሕ ደሓር ድማ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ ኮይኑ ኩሉ ኣቲ ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ይዓምም ነበረ፡ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ፡ክፍሊ ዜና፡ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ባህልን ልምድን ዝባሃላ ጨናፍር ኣብ ምንቕቓሕን ሓበሬታ ንህዝቢ ፡ምቅላዕ ንጸላኢ፡ሞራል ንህዝብን ሰራዊትን ዘስንቕ እጃም ኣሃዱ ድሩዕ ዝመርሖ ክፍሊ ነበረ።
ድሩዕ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ 1977 ንጥልቀት ካብ ሓደጋ መኪና ተሰባቢሩ ጥዋዕዋዕ ኢሉ፡ንዓዲ ጥልያን ከይዱ ተሓኪሙ ናብ ስርሑ ተመልሰ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላልየ ሚንስትሪታት፡ፍይናንስን ልሞዓትን፡ንግድን ኢንዱስትርን፡ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ክሳዕ ሽምግልና ኣልጀርስ ልኡላውነት ኤርትራ ንምሕላው ዝከኣሎ ናይ ዘተን ዕርቂ ሉኡኽ ኮይኑ ንክብሪ ሃገሩ ተቓሊሱ ክሳዕ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ደው ንክብል ሰሪሑ እዩ።2001 ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተራእየ ግርጭት ኣብ መንጎ ቅዋማያን ጉጅለ 15 ጉጅለ ኢሰያስ ህግደፍ፡ ኣቲ ኩሉ ዝወረደ ክሳራ ብሰንኪ ዘይግሉጽ ኣሰራርሓ መሪሕነት ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ዘጋጠመ ስዕረትን ክሳራን ጠንቂ ብምዃኑ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ተኣለ እንተበልናዮ ዘኽፍእ ኣይኮነን፡ጀማል ዓብደል ናስር ኣብ 1967 ምስሪ ብእስራኤል ምስተሳዕረት ጀማል ዓብደል ናስር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ሓቲቱ እዩ፡ስለዚ ውረድ እንተበልናዮ ንኢሰያስ ዘኽፍእ ኣይኮነን ኢሉ ነይሩ፡ኣነ እኳ ነዚኣ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዋን፡ ውጥናቶም ስርዓት ንምቕያር ስለ ዘግሃደሉ ኢሰያስ ቅልጡፍን ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ክወስድ ዕድል ረኺቡ እዩ፡ስለዚ ናይ ስልቲ ጌጋ ነይራ ዝብል ኣራኣእያይ ሽዑ ገሊጸ እየ፡እንታይ ሒዝኩም እውን ኣስዒበ፡ስለዚ ንተመን ከምዚ ጌርካ ከተግህደሉ መቕተሊኻ እዩ፡ ገና ዝከላከለልካ ሓይሊ እውን ኣይፈጠርካን።
ብዝኾነ ድሩዕ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኢሰያስ ንስልጣኑ ሓደገኛ ኮይኑ ዝረኸቦ ሰብ ኣዩ፡ሰዓብቲ ኢሰያስ ነታ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ብዙሕ መግለጺ ድሩዕ በጥቊሎም ነታ ''ተጣላቒና'' ትብል ቃል መቐይዕን መድሃልን ተጠቒሞሙላ እዮም። መን ተጠላቕዩ ግን ኣዘዝቲ ኲናት መረብ ሰቲት ጢጥ ክብሉ ስለ ዝተራእዩ፡ ጥልቁያት ንሳቶም ጥራይ እዮም።ድሩዕ ከምቶም ውፉያት ብጾቱ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ዝተሰወረ ጅግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልብና እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በቶም ንህዝብን ሃገርን ክኾኑ ዝማሃሮም ካድረታቱ ዝተጠልመ በዓል ታሪኽ ሓርበኛ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ምስ ደቃ እዝጊኣብሄር ይሓልዋ፡ ንፈንቅል ሃይለ ድማ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይምነየሉ።
ሰማእታትና ኩልሻዕ ኣብ ልብና።
ኣበድ ተስፋይ

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com