ሓድጊ ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ!

December 29, 2012December 29, 2012 [souece http://assenna.com/ ]

ኣቐድም ኣቢለ ኣብ መላእ ዓለም ዝረከብ ህዝብና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክገብረልና ይምነ። ቀጺል ሕርኽርኽ ንዝብል ዘርባ መኤረምታ ዘድልዮ ኾይኑ ስለዝተሰማዓኒ፡ ስቕ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን እሞ፡ ንፈልጦ ዝነበርና እንተድኣ ብጌጋ ተማሂርናዮ ኮይኑ ድማ፡ ካብ ድንቑርናና ንኽንወጽእ ዝፈልጡ ፍልጠቶም ንኽልግሱልና የማሕጽን።

ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ እድሪስ ዓወተ፡ ቅድሚ ብረቱ ኣልዒሉ ናብ ስርዓት ኢትዮጵያ ምቅናዑ፡ ብቕድሜኡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብኢትዮጲያ ሃገርና ኤርትራ ክትግዛእ ዘይድግፉ ከምዝነበሩ ክዝከር ይግባእ።ኣብ ኩሉ ሃይማኖት ዝኣምኑ ክርስትያን፡ ኣስላምን፡ ናይ ተፈጥሮ ኣመንትን፡ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ሕልሚ ዝነበሮም ሓርበኛታት ዜጋታት ሰብ ቆላ ካብ መታሕት፡ ሰብ ደጋ ካብ ከበሳ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና።

ከምኡ’ውን ብምንቅስቓስ ዝተሰዉኡ፡ ከም ኣዝማች በርሄ ባዓል ዳምባ፡ ደቡብ፡ ሰራየ።ኣቶ ኢብራሂም ከቢረ ጀበርቲ ኣስመራ፡ ከም ዝተሰዉኤ ታሪኽ ይነግረና።

ዝተገፍዑ፡ ዝተሓየሩ፡ ስራሕ መንግስቲ ኮነ ንግዳዊ ስራሓትን ንኸይቑጸሩ ኣብ ማእከል ዓዶም፡ ዝተሳቐዩ ከም ብዓል፡ ብላታ ገርዝጊሄር ገብረሚካኤል ቤት ገብሪኤል እንዳ ኣዝማች ዑቕቢት ማይጻዕዳ ሰራየ። ንምጥቃስ ይካኣል።

ኣብ ግዜ ዓደይ ዓደይ 1940ታት ብምጉስጓስ፡ ህዝቢ ምልዕዓልን ምምራሕን ዝፍለጡ ራእሲ ተሰማ፡ ኣቶ ወልደኣብ፡ ሸኽ ኢብራኢም ሱልጣን ከም ኡውን ብዙሓት ክጥቀሱ ዝግብኦም ኣለዉ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ወይ ድማ ብዓረብኛ ሓራካት ዝብሃል ንህዝብና መጀመርያ ፖሊቲካ ትምህርቲ ይፍለጥን፡ ይጽገብን፡ ስዒቡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ይጅምር፡ ዝብል ትምህርትን ስርርዕን ሒዙ ዝተበገሰ  ማሕበር ነበረ።

ማሕበር ሸውዓተ ቆይሙ እንከሎ እናፈለጡ እዮም ኣብ ካይሮ ኣኼባ ጌሮም “ተሓኤ” ዝመስረቱ፡ ንዓዋተ ዘዕመቑን፡ እንታይ ማስጢር ከም ዝነበሮ ህዝብና ከይፈለጦ ንሓምሳ ዓመት ተጓዕዘ።

ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ፡?

ኣብ ካይሮ ኣኼባ ኣይነበረን፡ ከመይ ኢሉ ድኣ ተላዕለ? ባዕሉ ካብ ኣእምሩኡን፡ ሃገራዊ ስሚዒቱ ደሪኽዎ ድዩ ዝተበገሰ? ወይስ ንዓድኣ ብረት ምትኳስ ዘዕበየካን፡ ሙያኻን፡ ትፈልጦን ጉዳይ እዩሞ፡  ክሳብ ግዜ ሞትካ መጓዕዝቲ ዝኾነካ ስራሕ ረኺብናልካ፡ እንሆ ኣማዕብሎ፡ ኣስዕብ ኣቢልካ ድማ ታሪኽ ገዲፍካ ትኸይድ ተባሂሉ፡ ንዝተወስደ ሃገራዊ ሓልፍነት፡ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ሕልፈቱ፡ ናብ መሎኮት ከመይ ኢሉ ተቐየረ? ዝብል ሕቶትታት ብቕንዕና ክምለሽ ይግባእ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተመስረተ፡ ቁጽሮም 28 ሰባት፡ ተመሃሮን ሰብ ሙያን ተኣኪቦም ከምዝመስረትዎ፡ ኩሎም ብሃይማኖቶም እስልምና ኣመንቲ፡ ትውልዶም ደቂ ባርካን ሰማሃርን ብንባሮም፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝመሃርና ታሪኽ የረጋግጽ።

ካብዞም ጉባኤ ዝተኻፈሉ ሓደ’ውን ብረት ሒዙ ጀማሪ ክኸውን ዝተሰለፈ የልቦን፡ እንታይድኣ፡ ብረት ዝስከም ዕሉል ተኳሲ ኣለና ኢሎም ተሰማምዑ።

ድሕሪ ኣኼባ ካይሮ ብረታዊ ቃልሲ ከመይ ጌርና ንጀምር? ዝብል ሕቶ፡ ድሓን ንሓውና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ “ንለምኖ ንሱ ተመኩሮ ናይ ብረት ስለዘለዎ ታሪኽ ግበር ኢልና ነተባብዓዮ” ዝብል ስምምዕ ተበጽሔ።

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ቅድሚ እዚ ጻዋዒት እዚ ኣበይን መዓስን ፖለቲካ ምንቅስቃስ ከም ዘካየደ፡ ብቓል ወይ ብጽሑፍ ክሳብ ሎሚ ኣይረኣናን። ድሕሪ ኣኼባ ካይሮ ግና፡ ንዝተገብረሉ ጻዋዒት ከም ዝተቐበሎን ብሓደ መስከረም 1961 ኣብ ጎቦ ኣዳል ጥይት ተኩሱ ብቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ይመጽእ ኢሉ ኣበሰረ።

ሕሉፍ ታሪኹ ኣብ ግዜ ጣልያን ዓስከር ምንባሩ፡ ከም ኩሎም መናእሰይ ኤርትራ ዕስኩር ነበረ። ድሕሪ ጣልያን ሽፍታ ምንባሩ፡ ምስ ህዝቢ ኩናማ ብዓል ደም ምንባሩ፡ ዘይተዛዘመ፡ ቃልሲ ምኻኑ ታሪኽ ኤርትራ እዩ። ኣብ ዓመት ዘይመልኤ ዕድመ ቓልሱ ከም ዝተሰውኤ ድማ ታሪኽ ይገልጽ።

ሓድጊ ዓዋተ መን እዮም? እንታይ ከ ኣውረሶም?  

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ሕልፈቱ፡ ብዓል ራእይ፡ ስምዒት ሃገራውያን ኣለዓዓሊ፡ ብዓል ጽቡቕ ሕልሚ፡ ኮታ፡ ነብዪ ክብሃል ይከኣል፡ ዝብሉና ሃዋርይታት ዓዋተ ብጠጠውና ከለና ሓዲሽ ታሪኽ ክንሰምዕ ንርኢን ስለዘለና ብጽሞና ነስተውዕል፡ ናበይ ንምብጻሕ እዩ ኢልና ድማ ንሕተት?

ሓድጊ ዓዋተ፡ (መሪሕነት ተሓኤ) እንታይ ከ ገበሩ ብድሕሪኡ? ድሕሪ መስዋእቲ ዓወተ! ከም ዝተሰውኤ ንነዊሕ ግዜ ንህዝቢ ከይነገሩ ሓቢኦሞ ከም ዝነበሩ ዝዝከር ሓቂ እዩ። ብድሕሪ ዓዋተ 1962 ክሳብ 1967 ዝተሰርሔ ሓቅታት ንመልከት?።

1.     መጀመርያ ንኣባላት ሓራካት ወይ ኣባልት ማሕበር ሸውዓተ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ስጉምቲ ወሲዶም ቀንጸልዎም።

2.     ክርስትያን ደቂ ከበሳ ብስራሖም ሓሚቖም ዘይኮነስ ስለ ክርስትያን ኣመንቲ ብምዃኖም ብዙሓት ተቐንጸሉ። ስርያ ኣዲስ ብዝብል ዝስየሙ ልዕሊ 100 ተጋደልቲ ተርሽኖም ዝብሃል ኣሎ። ተደጋጋሚ ኣሉታ ብሳልሕ ቓዲ ከም ዝተዋህበሉ ንዝክር። ወልዳይ ኪዳነ ኣባልት ቤት ጽሕፈት ከሰላ ሱዳን ተሓሪዶም ኣብ ክሻ ከም ሽጉርቲ ብታክሲ ሒዘሞም ክኸዱ ከም ዝተኸሽሑ ታሪኽ ይምስክር።

3.     ሳዕቤን ዘኸተሎ ድማ 1967 መምህር ወልዳይ ካሕሳይ መራሒ ክፍሊ ሓሙሽተ ምስ ኩሎም ሰዓብቱ 58 ዝቑጽሮም ተጋደልቲ፡  ኢዶም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቡ ተገደዱ። በብሓደ ዝሃደሙ ብዙሓት ምንባሮ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

4.     ሓረስቶት ክርስትያን ስለምንታይ ተቐትሉ፡ ገዛውቶም ስለምንታይ ነደደ?፡ ሰላማዊ ህዝቢ እንታይ ገበረ? ኣብ ታሕታይ ዓንሰባ፡ ኣብ ቖላ ሰራየ፡ ኣብ ቖሓይን ሰራየ፡ ዓዲ ወይባን ዓዲ ሓንሰን፡ እቲ ስሙ ግኑን ወዲ ስላምሳ ወዲ ቆሓይን፡ ኣሕዋቱ ስለ ዝመትዎ፡ ንተሓኤ፡ ይቕረታ ከይገበረላ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኑ እናተውግኤ ክሳብ ግዜ ሞቱ ቀጸለ።  ኣብ ቆላ ሃዘሞን፡ ኣብ ድጋ በርሂነትን መንደፈራን ከባቢ ሓላይ፡ ከም ኡውን ኣብ ሞንጎ ጽንዓደግለን ቶርዓን ዝነበረ ዘይምቅዳው ኣብ  ኣከለጉዛይ፡ ተሓኤ፡ ኢድ ከምዘእተው፡ ዝገበርዎ ተግባር ዓድታት ብሓዊ ኣንደዱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ድማ መቕተልቲ ከም ዝተፈጸመ፡ መዝገብ ታሪኽ ደቂ ዓወተ ምኻኑ ይነግረና።

5.     ካብ 1967 ክሳብ 1975 እንተ ተመልከትና ጉባኤ ኣደቡሓ ከምይን እንታይ ኣበርኪቱ? ጉባኤ ኣደቡሓ 1969 ክግበር እንከሎ 38 ዝኣባላቱ መሪሕነት መረጸ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ከይመልኤ ድማ ኣብ ምእሳርን ምሽቑራርን ምስ በጽሔ ፋሕብትን ኣተዎ። ደቂ ላዕላይ ባርካ ብዑበሊን ዝፍለጡ ተፈልዩ፡ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ብህዝባዊ ሓይልታት ስም ተፈልዩ፡ ደቂ ከበሳ ብስም ሰልፊ ነጻነት ዝብል ስም ተፈልዩ።

6.     እዚ ብወረስቲ ዓወተ፡ ዘፍረይዎ ፍርያት እዩ። ምትእኽኻብን ምጥርናፍን ዘይኮነስ መቕዘፍትን ማእሰርትን ትምክሕትን ደቂ ዓዋተ ብግልጺ ኣርኣዩ።ሃይማኖትን፡ ልዕልነትን፡ ደቂ ባርካ ዋንነት ቃልሲ ንሕና ኢና ካብ ዝብል ኣምር ወይ እምነት እዩ።

7.     ደቂ ዓዋተ፡ ዓቢ ህያብ ንዕንወት ንህዝቢ ኤርትራ፡ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣሰልጢኑ ካራ ኣዕጢቑ ኣፋነዎ። ኢሳያስ ዝተማህሮ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል “ ንሕናን ዕላማናን” ኢሉ ተላዕለ፡ ህዝቢ ደገፎ። ክነግስ ከኣለ። እዚ ብመሰረቱ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ወረስቲ ደቂ ዓዋተ እዮም።

8.     ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ኤርትራ ህርፋንን  ትምኒትን ስለ ዝነበሮ ዝኾነ ዋጋ ንምኽፋል ቅሩብ ብምንባር ተስፋ ከይቆረጸ ምስ ደቂ ዓዋተ ምቅላስ ኣይቀበጸን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከም በጊዕ እናተጎተ፡ ንመሰሉ ኣጥቢቑ ከይ መጎተ፡ ድሓን እስከ ሕጂ ኽእረሙ እዮም፡ ድሓን ዕድል ንሃቦም እናበለ ቐጸለ። ካብ 1975 ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ተሓኤ ኣብ ክንዲ ንዓዋት ዝእምት ጉባኤኡ ንጥፍኣት ወይ ንድሕሪት ዝእምት ኮይኑ ተረኽበ።

9.     ንሕቶን ርእይቶን ዘቕርቡ ንዝነበሩ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ብጥርጠራ ዓይኒ ይረኣዩ ነበሩ።ብፍላይ ኣብቲ ናይ ጃንሆይ ምውዳቕ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ናይ ካልኣይ ደረጃን ንሜዳ ዝመጹ መንእሰያት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዎ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ጉዕዞኦም ዝተፈላለይ ጸገማት የጋጥም ምንባሩ፡ ምስ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ጥርጠራን ፍርሕን ዘይምትእምማንን ተራእየ። በብግዜኡ ዝስማዕ ዝነበረ ቃላት ካብ ደቂ ዓዋተ “ናስ ሃይለስላሴ፡ ናስ ቢቢሲ፡ ሕቡሽ” ዝብሃል ከምዝነበርና ንነገር። እዚ ምጥርጣራት እናበርቶዔ ምስ ከደ ኣብ ሶርያ ዓብደላ ኢድሪስ፡ መሓመድ ናስር፡ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ካልኦትን ዘለውሉ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ዶክተር ዮሱፍ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓዋተ “እዚኦም ክጠፍኡ ኣለዎም ካብ ሜዳ ኤርትራ” ከም ዝበለ ተኣማንነት ከሕድር ዝገበሮ ሕልና ምሻጥ ነበረ። በዚ መሰረት ብምግባር ፋሉል ከዳዓት ተባሂሎም፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ከበሳ ተኣወጀ። “ፋሉል” ብዝብል መጸውዒ ኣብ ተሓኤ ናይ ምርሻንን ናይ ምእሳርን ውሳኤ ተወስደ። ኣብዚ እዋን እዚ ደቂ ዓዋተ ዝኾነ ዳግማይ ግርጭት ብብረት ምፍታሕ ስለዝለመዱ ልምዶም ዜጋታት ምጽናት ፈጸሙ።

10.                       እቲ ኣንጊሁ ካብ ቅያዳ ኣልዓማ ዘምለጠ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡1970 ህዝባዊ ሓይልታት/ግንባር ሓርነት ኤርትራ ፈጢረ። ብደቂ ዓዋተ ዝተማህሮ መጀመሪ፡ ህዝቢ ጎስጊሱ እኹል ዕጥቅን ሰራዊት ሒዙ ደልደለ።ኣዋጅ ደቂ ዓዋተ ኣብ ሜዳ ኢርትራ ካልኣይ ኣይጸውርን ንዝብል ውሳኔኦም ተጻሪሩ ብምባል፡ ጸረ ገድሊ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ናይ ሕድሕድ ኩናት ተጀመረ። ካብ 1970 ክሳብ ታሕሳስ1974 ቀጻሊ ኩናት ነበረ። ቀጺሉ 1977 ክሳብ 1981 ንደቂ ዓዋተ፡ በቲ ዝመሃርዎ መሰረት ብምግባር፡ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርን ካብ ኮነ፡ በሉ ንዑ ኢሉ ንደቂ ዓዋተን ሰዓብቶምን ካብ መሬት ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣባረሮም።

11. 1974 ካልኣዊ ግርጭት ብልዝብ ንምንታይ ዘይፍታሕ? ኢሎም ሕቶ ንዘልዓሉ 47 ተጋደልቲ ደቂ ከበሳ ነበሩ። መልሲ፡ ካብ ደቂ ዓዋተ ዝተዋህበ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ክቕንጸሉ ኣለዎም፡ እዚኦም “ሰውራ ምዳዳ ወይ ጸረ ገድሊ እዮም” ኢልካ ተወሰነ። ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ሜዳ ብምንባሩ፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣኼባ ሮራ መንሳዕ ንክልተ መዓልትን ለይትን ዝወሰድ ኣኼባ እዩ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ውሳኔ ነጸጎ፡ “እዚ ብምርሻን ኣይኮነን ዝፍታሕ ኣነ ውን ነዚ ሓሳቦም ይቕበሎየ ኢሉ” ካብ ምርሻን ኣድሓኖም። ስዒቡ ግና ፋሉል ተባሂሎም ንኽጠፍኡ 1977 ፈረድዎም።

Read more