ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ገና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

Posted on May 18, 2012 by

ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብበደዊን ዝፍጸም ዘሎ ጭውያን ግፍዕታትን ዓመጽን ብዝኸፍአ መልክዑ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ተጣባቒት ስደተኛታት ዝኾነት ግድስቲ ኤርትራዊት ዶር ኣልጋይነሽ ጋንዲ ንድምጺ ኣሰና ሓቢራ።

ንሳ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ጅሆ ተታሒዞም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ካብ 12-16 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝርከቡዎም 37 ኤርትራውያን ዓቕሎም ጸቢቡዎም ክሃድሙ ምስ ፈተኑ 25 ካብኣቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስሪ ኣትዮም ከምዝተታሕዙ፡ 7 ኣቢሎም ምትሕብባር ናይ ሓደ ገባር ሰናይ ሸኽ ክረኽቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ደሃዮም ከምዘይተፈልጠ ኣገንዚባ።

እዞም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ማይዓይኒ ዝብሃል መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ድማ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ኣደ ቆልዑ ዝርከባኦም ካልኦት 52 ኤርትራውያን ግዳያት ኣጽፋሮም በቶም ከም ጅሆ ሒዞሞም ዘለዉ በደዊን እናተመዝሓቐን እናተገርፉን ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ወዲቖም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 1400-1500 ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሲናይ ከም ጅሆ ተታሒዞም ተመሳሳሊ መከራ ከሕልፉ ከለዉ፡ 350 ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ የመን፡ 250 ከኣ ኣብ ጅቡቲ ተኣሲሮም ከቢድ ስቓይ ይወርዶም ከምዘሎ ‘ውን ይፍለጥ።