December 28, 2012December 28, 2012 [source http://assenna.com/

 

ሓቂዶ ክንዛረብ?

(ብዛዕባ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ)

ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ሰውራ ብውሱናት ውልቀሰባት ኣብ ሓደ ዉሱን ቦታ ይጅመር። ኰይኑ ድማ ሰውራ ኤርትራ’ውን ብውሑዳት ሃገራውያን ኣብ መታሕት ተጀሚሩ። ታተ እናበለ ድማ ናብ ሙሉእ ኤርትራ ተባሪዑ።ኣቦና ሓርበኛ እድሪሰ ዓዋተ መራሒ(ተላሚ) ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ሰለ ዝነበረ ኣብ ታሪኽና ዓቢ ቦታ ንህቦ። ንኹሉ ግዜ ድማ ከነኽብሮን ክንዝክሮን ንነብር።

ሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ ዝመርሖ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ንሓደ ወገን ጥራይ ዝውክል ኣይነበረን። መበገሲ ዓላማኡ’ውን ንመታሕት ጥራይ ኣይነበረን። የግዳስ ወሰን ዘይብሉ ንሙሉእ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኢዩ ነይሩ። ዓላማ ኣቦና ኢድሪስ ዓዋተ ንሓደ ኣይቐርቦ ንሓደ ኣይርሕቖ። ንሙሉእ ህዝቢ ብማዕረ ኢዩ ዝብጽሖ። ከም ሓደ ሃገራዊ መስራቲ ሰውራ ንኹሉ ኤርትራዊ ድማ ይምልከቶ።

ይኹን’ምበር ኣረኣእያና ኣብዚ ሃገራዊ ምልክ’ዚ ሓደ ክኸውን ናይ ግድን ድዩ? ኩሎም ኣሜሪካውያን ኣብ ጆርጅ ዋሺንግቶን ዘለዎም ኣረኣእያ ሓደ ድዩ? ወይ ድማ ኩሎም ራሽያውያን ኣብ ልዕሊ ለኒን ዘለዎም ኣረኣእያ ሓደ ድዩ? ከምኡ’ውን ርሑቚ ከይከድና ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዳግማዊ መነሊክ ዘለዎም ኣረኣእያ ናይ ግድን ሓደ ከኸውን ኣለዎ ድዩ?

ኣነ ከም ኣድሓኖም መጠን ንኣቦና ኢድሪስ ዓዋተ ከም ሓደ ሃገራዊ ስእሊ(Icon) ክሪኦ ይኽእል ኢየ። ኩሎም ካልኦት ሃገራውያን ግን ከምቲ ኣረኣእያይ ክኽተሉ ኣለዎም ክብል ኣይክእልን።ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ኣብ ዝዀነ ሃገር ከሎም ኣብ ታሪኽ መራሕቶም ሓደ ኣረኣእያ ከም ዘይብሎም፡ንሕናውን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ወይድማ ታሪኽ መራሕትና ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልወና ስነመጎታዊ ኣይኮነን።

ክቡራን ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ዝሓለፈ ወርሒ ብምኽንያት ምጅማር ሰውራ ኤርትራ መሰረት በምግባር ብድሞክራሰያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራዊ ኩናማ ብዛዕባ ታሪኽ መስራቲ ሰውራ ኢድሪስ ዓዋተ ዝወጸ መግለጽን፡ ኣስዒቡ ዘኸተሎ ግጭትን ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎኒ ኣረኣእያ ብንጹር ከቐምጥ እፈቱ። ልክዕ እቲ ናይ ኣረኣእያ ግጭት ዝተላዕለሉ ግዜ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ስለ ዝነበርኩ፡ ንሓው ቀርነልዮስ ደዊለ ከምዚ ዝስዕብ ተላበኹዎ። “ከም መሰል መጠን ንሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ ከም ሓደ ሃገራዊ ስእሊ (national symbole) ክትኣምንሉን ዘይክትኣምኑሉን መሰልኩም ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ነቐፈታን ወቐሳን እንተለኩም ጭብጥታት ኣቕሪኩም ኣብ ግዜኡን ኩነታቱን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሕጂ ግን ግዜኡ ኣይኮነን። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እዚ ሕቶ’ዚ ከተልዕሉ ኣይነበረኩምን። እታ ዘውጻኹምዋ ጽሕፍቲ እንተ ሰሓብኩምዋ ይሓሽ።” በልኩዎ። ንስውን ግዜኣ ከም ዘይኮነ ይሳማማዕ። ነታ ጽሕፍቲ ግን ንኽስሕባ ፈቓደኛ ኣይነበረን። ቀጺሉ እቲ ግርጭት እናተባለሐ ከደ። ኣኼባ ሃራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተጀመረውን ንብዙሓት ኣባላት ባይቶ እንተላይ ንዶክተር ዩሱፈ “ልክዕ ከመቲ ኣብ ጉባአ ኣዋሳ ጉዳይ ኮሚሸንን ዳኒኤልን ብሽማግለ ክፍታሕ ዝተገብረ፡ ሓንቲ ብኹሉ ወገናት ተቐባልነት ዘለዋ ሽማገለ ኣውጺኹም ነቲ ግርጭት ትፍትሓዮ” ዝብል ለበዋ ኣመሓላሊፈ ነይረ። እንተዀነ ግን ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይሓለፈን። ኣብ ክንዲ ውሕሉል ኣፈታትሓ ዝገብሩሉ ኣብ ዓመታዊ ኣጀንዳ ባይቶ ኣስፊሮም፡ ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ ፈረ ነገር ባይቶ ክባታተን ቀኒዩ።

እዚ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ኢዩ ዝግበር ነይሩ።በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዘሎሉ ግዜ ማለት ኣብ ውሽጢ ዘሎ በቲ ኣረመኔ ስርዓት ህግደፍ ብጂምላ ዝእሰረሉን ዝቕተለሉን፡ ናብራ ከፊእዎ ብጥሜትን ጽምኢ ማይን ተጠቒዑ፡ ኣብ ጸልማት ተዋሒጡ ዝሳቐየሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና’ውን መንእሰያትና ንሓደጋ ተሳጢሖም፡ኣብ ዓለም ተገሩ ዘይፈልጥ፡ ብበደዊን ኣዕራብ እናተጨውዩ ናይ ውሽጢ ኣካላቶም ከም ጠለ-በጊዕ ብሂወቶም እናተሓርዱ ዝሽየጠሉ ግዜ ኢዩ። በቲ ካሊእ ወገን ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ዝተዳኸመሉ ግዜ ኢዩ። እቲ ኩነታት ህዝብና ኣብ ከምዚ ወዲቑ እንከሎ ኢዩ፡ ሓንትን እንኮን ተሰፋ ህዝብና ዝነበረት ባይቶ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ብስሚዒቶም ተገዚኦም ኣብ ባይቶ ክወርድ ዘይግቦኦ ኣጀንዳ አወሪዶም፡ ነቲ ዝነበረ ተስፋ ህዝቢ ባይቶ ዘምከንዎ።

ሓርበኛ እድሪስ ዓዋተ ካብ መቓብር ተሲኡ ነዚ ኩነታት እንተ ዝዕዘቦ፡ ርግጸኛ ኢየ፡ “ኣነ ንህዝቢ ኤርትራ መሰልን ራህዋን ኢየ ተሰዊአ’ምበር ንኽብረይ ኣይኮነን” ምበለኩም። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንማዕርነትን መሰልን(እንተላይ ናይ ሪኢቶኻ ምሃብ መሰል) ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት፡ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ዘልዕል ኢዩ ነይሩ ይመስለኒ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግደ ሓረበኛ እደሪስ ዓዋተ ዘይምትኳር ወይ ድማ ሸለል ምባል  ኣይኮነን። ወይ ድማ  ናብ ቢሄረ-ኩናማ ምዕዛዝ ኣይኮነን። ህዝቢ ኩናማ እኳድኣ ብጅኦግራፊ ኣቀማምጣስ ናብ ሕብረተ-ሰብ መታሕት ይቐርብ። እንተ ኾነ ግን እቲ ጉዳይ መሰረታውን መትከላውን ናይ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ስለ ዝትንክፍ ኢዩ። ንሕና ከም ተቓወምቲ መጠን ስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰልና ነፊጉ ይገዝኣና ኣሎ፡እናበልና ንመሰልና እናተቓለስና ከንስና፡ ከመይ ጌርና ንሓደ ከማና ተቓላሳይ ኣካል ናይ ምጽሓፍ መሰል ክንክልክሎ(ክንቀጽዖ) ይግባእ። ወይ ድማ “ንሕና ዝኣመናሉ እምን” እንበሎ? ብርግጽ ዲምሓኤኩ ዘውጽኦ ጽሑፍ ግዜኡ ዝሓለወ ኣይኮነን። ኣብ ግዜን ኩነታትን ዝፈቕዶ ግን ነቲ ዝወረዶ በደላት ጭብጥታት ኣቕሪቡ ክወቅስን ክኸስስን ይኽእል ይመስለኒ።ኣቦና ሓረበኛ እድሪስ ዓዋተ ውን ነዚ መሰል’ዚ ኢዩ ተሰዊኡ።

ካብዚ ናይ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተረኽቦ እንታይ ክንመሃር ንኽእል?

ቀዳማይ፡ ከም ሪኢይቶይ፡ መብዛሕተአን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ዓላማ፡ “ከመይ ጌርና ንስርዓት ህግደፍ ነውድቆ” ዝኣትዋ ኣብ ጓል መንገዲ ኣልጊሰን ኣብ ነንሕድሕደን ክነጫነጫ ኢየን ግዜአን ዘሕልፋ። ነዚ ምኽንያት ድማ ውድባት ኣብ ነንሕድሕደን ዘይመትእምማንን ዘይምቅዳውን ስለ ዘሎ ኢዩ። ከይዱ ከይዱ  ድማ ካብ ጥቕሚ ህዝባኻ ጥቕሚ ውድብካ ወይ ከኣ ንስልጣንካ ምቅላስ ማለት ኢዩ። ኣብ መጨረሻ ከኣ እዚ መንፈስ’ዚ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ተኽእሎ ኣይፈጥርን። ሓቢርካን ተኣማሚንካን እንተዘይተቓሊስካ ከኣ ዓወት የለን።

ካልኣይ፡ ኩሉ ግዜ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ክንዲ ጌጋታተን ዝእርማ፡ ንድኽመታተን ምኽንያት ናብ ካልኣይ ኣካል (ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ) የጸግዓኦ። ሓገዝ ናይ ኢትዮጵያ መመላእታ ኢዩ’ምበር ወሳኒ ኣይኮነን። ናይ ቃልስና ዓወትን ድኽመትን ወሰንቲ ንሕና ኢና።

ሕጅውን ተስፋና ካብ መንእሰያትና

60 ዓመት ዝዕድመኡ ናይ ፖለቲካን ሕብረተ-ሰብኣውን ኣተሐሳስባኡ ናይ 60 ዓመት ንድሕሪት ዝጠመተ ኢዩ። ብርግጽ እዚ ኣካል’ዚ ተመኩሮ ክህልዎ ይኽእል። ግን ከኣ እቲ ተመኩሮኡ ብድሑር ዝምባሌታት ማለት ብሃይማኖታውን ወገናውን ዝተላዕጠጠ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ቃልሲ ዘለዎ ተራ ካብ ኣወንታዊ ኣሉታዊ ግደ ይበዝሕ።

ቅድሚ ሕጂ “ኤርትራዊ መንእሰይ ይወደብ” ኣብ ዝብል ጽሑፈይ፡ መንእሰያትና ነጻ ዝኾነ ውድብ ፈጢሮም፡ “ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጥርነፉ” ተላቢየ ነይረ። ኰይኑ ግን ብዙሓት ካብ ኣንበብቲ ጽሑፈይ፡ ውድብ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ባይቶ ምእታው ተቓዊሞምዎ። ሕጂ ግን ካብዚ ድሒረ ዝተረዳእኹዎ ፖለቲካ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብፍላይ ከኣ  ፖለቲካዊ ስራሓት ናይ ኪዳን “መንእሰያትና ካብዘን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ነጻ ኰይኖም እንተዝቃለሱ ይሓይሽ ዝብል ዕግበት ኣለኒ።

እወ! ሐጅውን መንእሰያትና ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻትኩም ጥራይ ኢዩ። ሓደን ሓደን ከይበልኩም፡ ብናይ ገዛእ ርእስኹም ተበግሶ ተወዲብኩም ህዝብኹም ካብዚ ወዲቕዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ከተድሕንዎ ፈትኑ። ካልእ ምርጫ ዘሎ ኣይመስለንን።

ኣብ መጨረሻ፡ እዚ እዋን’ዚ እዋን ልደት ስለዝኾነ፡ ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ህዝብና ርሑስ ልደት ይግበረልኩም።ከምቲ ቀደም እንፈልጦ ምስቶም ኣመንቲ እስልምና ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ሓቢርኩም ብፍቕርን ሰላምን ከተብዕልዎ እምነ።

ህዝባና ክዕወት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ይወደብ።

ኣድሓኖም ፍትዊ

28-12-2012

Comment: A.Fitiwi1993@kpnmail.nl