<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ከይድገም ንምዕጋቱ ንቀዳደም

ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ሚላኖ-ኢጣልያ ኣቦታት ኣብ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ክላዘብዎ፡ ክሰማምዕዎ ዝተኣከቡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣርእስቲ ነይረነኦም፡፡

ንሰን ከኣ፡ 1. ንእቲ ብሰንኪ ቶንኮላዊ ውዲት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኣታተወ ኣገራጫዊ ቶንኮላት ኣብ ከበሳ ብምስምስ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ክሳዕ ኣብ ምድማይ ዘብጸሔ ኣዕናውነት ንብድሕሪኡ ከይድገም ሃናጺ- ውሑስ ርጡብነት ንምግባር፡፡ 2. እቲ ብትሒም ትሒም ዝተኣታተው ዝነበረ ብሰንኪ ብውዲት ፈደረሽነት፡ ናይ ልዑላውነት ግበታ መጣጥሒ ባይታ ከም ዝኾነ ተገንዚቦም ኤርትራን ህዝባን ነብሶም ዝኸኣሉ ብሕገ እንዳባኦም ተኸባቢሮም ዝነብሩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ባህጊ ከም ዝኾኑ ዘረጋገጸ መትከሎም ከነጽሩ፡፡ 3. ኤርትራ ሃገር፡ ብሽማግለ ብሄራት ዝተሃንጸት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ሃገራዊ ሓድነታ ዘረጋግጽ መሰረት ብሄራት ኩለን ተኣኪበን፡ ሓደ ጠማርን ውሕስን ዝኾነ ቅዋመ ሕጊ ክስርታ በቲ መሰረት እቲ ኸኣ ቅዋመ ሕጉ ተኸቢሩ፡ ንዝፍጠራ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ቅጥዒ ክሕግጋ፡፡ ነዚ ዘውሕስ ከኣ! ክሳዕ እቲ ወግዓዊ ሃገርነት ኤርትራ ተኣዊጁ ሃገራዊ ቅዋመ ሕጊ ኣብ ሕገ እንዳባነት ጸዲቑ ብህዝቢ ዝምረቕ፡ ካብ ኩለን ብሄራት ዝተዋጸኤ ሰራዊት በቦታኡ ኤእንዳኡ ከይዝንጠል ከይዕመጽ ሓደ መሰጋገሪ ህዝባዊ ሰራዊት ክቐውምን ዕማሙን ስልጣኑን ክድረት፡፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ራኢ! ነዚ ኣገባብ ዘመደቦም፡ ካብ ኩቱር መግዛእትነት ዝተኣታተወ ዕሱብነት መሳርሒ ባዕዲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩን፡ በብግዜኡ ዝፍጠራ ዝነበራ ፖለቲካዊ ማሕበራት ኣብ ነንሕድሕደን ውድድርን በዲልካኒ በዲለካ ሕርቅምታታት (ቂምታ) ተኣታትዩ፡ ቅልውላው ከይፈጥር እሞ ትንፋስ ዝረኸበት ሃገር ከይትጽልምት መጠንቀቕታን ለባም ሓልዮትን እዩ ነይሩ፡፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዕለት ምስ ተቖጽረ ወዮ ኣብ ውሻጠ ማሕበራት ፖለቲካ ሶሊኹ ሓላይ ሃገርን ህዝብን ዝመስልን ዕሱባት እናመልመለ ዝዋፈር ዝነበረ ድሓር ብወግዒ ማሕበር ኣንድነት ስርርዑ ዝኣወጀ ጉጅለ ወኻሩ ባዕዳውያን፡ ነታ ብጎይቶቱ ኣዕነውቲ ተጠቒሞም፡ ኣስላማይ እንተነገሰ ነይምፈረደ ምሓረደ ሓሳኽ ጭርሖታት እናኣዋፈሩ ንኣብቲ እዋን እቲ ዓበይቲ ዓዲ ጽኑዓት ኤርትራውያን ከም በዓል ሓጂ ኢማም ሙሳ፣ ቀኘዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ኣብ ዝሓለፍዎ እናዘንጠሉ ኣብ ኣፍደገ ገዛውቶም ሸፋቱ ብምልኣኽ ኣብ መትልሖም (ርእሶም) ሽጉጥ እናተኸሉ “ኣፍካ ትሕዝ ወላ ደምካ ተፍስስ” ብሕልፊ ንምስሌነ ቀኘዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን (ኣብ ሹቕን ሽዑኡ ገዛ ከኒሻ ገዝኦም ኔሩ)፡፡ ኮታ ንእቶም ፍሩያት ፍሩያት ኣቦታት ኤርትራ ንኤርትራውያን ብዙሕ ዘሊፎሞም እዮም፡፡ ናቱ መቐጸልታታት ከኣ እዩ፡ ኣብ ዘመነ ፈደረሽን ንሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እቲ ፈተነታት ቀጺሎሙዎ፡፡ እቶም ሸፋቱ ሽዩጣት፣ ዕሱባት ኢሓላፍነታውያን ኮይኖም ድኣ እምበር ዜግነቶም ኤርትራውያን እዮም ነይሮም፡፡ “ኣቦ ዝበደሎ ውላድ እንታይ ገበኑ ዝሕመሎ- ከም ልምዲ ኣቦኡ እንተዘይቀጸሎ ኾይኑ ሕጂ ኣስማት ናይ እቶም ኣንደለሓቕቲ ስሱዓት ሽመት ምዝጉቡን ዝኩርን እዩ፡፡ ወስታ ጥልመት ኣብ ዝቕልቀለሉ ንምዝርግሑ ኣይክጽግምን እዩ እሞ ካብ ኣስማት ሸፋቱ እቲ እዋን ንግዜኡ እቑጠብ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ! ንኽሳተፉ ካብ ካልኦት ብሄራት ንኣስመራ ብኣቦና ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ተመሪሖም ምስ መጹ፡ ከም ዘይምልከቶም ከምዘይውራዮም ሓሳቦም ከቕርቡ ዘይኮነስ ኣብቲ ዋዕላ ምህላዎም እውን ክንገር ኣይተደልየን፡፡ እቲ ዋዕላ! ኣብ ኢድ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ማሕበራት ተጨውዩ ንዝነበረ ውዑል ግቡእ ትርጉም ዋዕላን ከንቱነት ተዋሂቡ፡ ነቲ ብሳላ ኣቦታት ልዝብን ስምምዕን ተረጋጊኡ ፈጺመ ሃዲኡ ዝነበረ ቅልውላው ሃይማኖት ከም ብሓድሽ ኣብ ዛዕባ ኣቕሪቦም፡ ኤርትራ ክሳዕ ርጡብን ውሑስን ሰላማዊ ምሕደራ እተረጋግጽ፡ ኣብ ኤርትራ ንጎረባብቲ (ሱዳን) መሬትን ባሕርን ብዝሒ ምእመና ምስልምና ስለ ዘሎ እቶም ክርስትያን ውሑስ ህይወቶም ክሳዕ ዘረጋግጹ ኣብ ከባቢኣ ረዳእቲ ተሓለቕቲ ክኾኑዎም ዝኽእሉ ህዝቢ ክርስትያን ኢትዮጵያ ስለ ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ብፌደረሽን ቅጥዒ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እንተዝጸንሑ ምሓሸ ዝብል ሓሳኽ ቶንኮል ብእቶም ዕሱባት ኤርትራውያን ስሱዓት ሽመት ጨብጨብታ (ጣቓዒት) ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዘይብሉ ቅቡል ኢሎም ኣዊጆምዎ፡፡ “እቲ ዘገርም ስርቂ፡ ብወፍሪ ሃይማኖት ዝመረዝዎ ታቱላ፡ ጎረባብቲ ሃገር ከም በዓል ሱዳን፣ የመን፣ ሱዑዲ፣ ጂቡቲ፣ ሶማል ምእመና ምስልምና ኢሎም ዝሓበርዎ እሞ ንኢትዮጵያ ከም ክርስትያን ዋሕስ ንምእመና ክርስትና ዝበልዎ፡ ሽዑኡ ይኹን ሕጂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝሒ ምእመና ክርስትና ዘይኮነ ምስልምና እዩ ዘለዎም”፡፡ ክቡራን ክቡራት! ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ተዓዊቱዶ? ኣይተዓወተን? ርእይቶ ካባኹም ብርእይቶይ እቲ ዋዕላ ተዓዊቱ ይብሎ፡፡ ዘብለኒ ኸኣ፡ ኤርትራውያን ካብዚ ዋዕላ እዚ ክንመሃሮ ዘድልየና፡ ነታ ምስላ ምህለላ “ኣምላኸይ ካብ እፈትወካ- እሓልየልካ ዝብለኒ ድኣ ሓልወኒ እምበር ካብ ጸላኢኻ ሓምታኺኻ እየ ዝብለነስ ባዕለይ ክሕለው” እትብል ሓቂ ምዃና ኤርትራ ኣብ ደራዓይ ኩነታት ክትድቕደቕ ዘብጽሖ ካብ ጨሚትና እንገጥሞ ቶም እንሕልዎም ዝነበርና ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይኮነ፡ ካብ እቶም ሓለይቲ ሓብሓብቲ ኣፍቀርቲ ኤርትራን ኤርትራውነትን ብግርህና ዝተኣምኑ ምዃና፡ ብሰንኮም ዝሰዓበ ኩሉ ካበይ ዝተበገሰ ምዃኑ ክንመሃረሉ ስለ ዝግባእ፡፡ እቶም ወይጦታት ጠላማት! ንግቡእን ትርጉምን ዋዕላ ከቲሮም ብባዕዲ ዘኽተሩና ዝተኣታተወ መርዛም ንፋስ ሆቦብላኡ (ካምሲኑ) ክፍወስ-መንፈሳት ክሕደስ ዝግበኦ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ክወቓቐስ ክነኻኸስ ክብል ከኣ ባይታ ተጠጢሑ ንዓመጽትና ኣስቢሑ ከምቲ ኣውለኛ “ኣንታ ዕዋኖ- ኣብ ኢድካ እንከሎስ ልማኖ” ኢሉ ኣዊሉ ዝወቐሰ፡ ካብ ሽዑኡ ክሳዕ ሕጂ እቲ ፍታሕ ጸገምና ኣብ ኢድና ፈውሱ እናሃለወ፡ በብዝተለፍለፈ ዝተኣህተፍተፈ ክንግራህ- ከም ዓይነ ስውራት ክንምራሕ ግዜና ብምብኻን፡ ንሓለምቲ ኣንነት ጮማ ኼንና ኣሎና፡፡ እቲ ብኣቦታት ተሰናዲው ዝነበረ ዛዕባ ዋዕላ ተለዚቡሉ ተመኻኺሩሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብዚ ሓሳረ መከራዶ ምሃለውና? ገድሊ ኤርትራ እውን! ኣብ ምጅማሩ ቅድሚ ብረት ምልዓሉ ካብቲ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ኣሉታዊ ውዲታት እንታይን ንመን ረብሓን ተማሂሩ፡ መሰረት ሕቶ ሃገርነት ብሄርነት ንምድልዳል ሕውነት ዝዓለመ እቲ ቃልሲ ብሄራት ተወሃሂደን- ንሓበራዊ ረብሓኤን ኣሚተን ክቃላሳ ኸቃልሳ ከም ዘለወን፡ መሰረት ወከልቲ ህዝቢ ብዘይከኤን ከም ዘየሎ፡ ክረጋገጸለን ኣብ ውሻጠኤን ዝርከብ ዘይቀዳዊ ንዔኤንን መናድቐን ሃገር ብሄራት ኣዕናዊ ከይህሉ ባዕለን ንባዕለን እናተመራመራ ዘስምራሉ ባይታ ገድሊ ክኸውን ኣድማዕነቱ ተገንዚቦም እዮም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ዘለዓዓሉ፡፡ ካብቲ ኣተኩሮኦም! ከም ቀዳማይ ዕማም ወፍሪ ቃልሲ ዝሓንጸጽዎ፡ ኣብ ከበሳ ኤርትራ ብሰንኪ ባዕዳውያን ገዛእትን ደቂ ሃገር ኢና በሃልትን ዕሱባት ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት መማስሕቲ መሬት ምእመና ምስልምና- ክርስትና ዝተፈጥረ ቁስሊ ኽሕከም፡ እቲ ዘስዓቦ ዕንወት ሃገራዊ ጭውየት ከይድገም ብዕቱብ ክስርሓሉ ኽቃለሰሉ ዝኣመነ መትከል ኣበጊሶም ስርዓት ኢምበራጦርያ ሃይለስላሴ ዓንገልቱን ዘይተጸበዩዎ ዘይሓለምዎ ገዚፉ ሓይሊ ከበሳ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ወይ ሞት ኢሉ ብረቱ ምስ ኣልዓለ፡ ንበዓል ሃይለስላሴ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንእቶም ብምኽንያት ገድሊ ገይሮም ውልቀ ረብሓኦምን ኣነንቶምን ዘጉስዖም ነቲ ቅዱስ ገድልና ጨውዮም ንእቲ በጃ ሃገር ዝተወፈየ ጅግና ኣብ ነንሕድሕዱ ከምዝናኸስ ከም ዝታኾስ ገይሮም ኣብቂዔ ዝበለ ስርዓት ሃይለስላሴን ዓንገልቱን ኣበራቢሮም፡ ውሻጠ ገድሊ ኸኣ ኣብ ውዲትን ቶንኮላትን ከም ዝኽሰትን ንከም በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቅ ጠለማት ከም ዝፍጠሩ ተፈጢሮም ዝምልምሉ ኣጓሃሂሮም፡፡ ጉባኤታት ተገይሩ! እንታይ ኣፍርዩ እንታይከ ኣጻርዩ እንታይ ኣሪሙ ኢልና እንተንመራመር ሰብ ኣመል ኣብ ነንሕድሕዶም ምቅልላጽን ምምርራጽን እንተዘይኮይኑ ፈላጣት ኢና ክብሉ ኸኣ ቻርተር-ካርተር እናበልካ ንእትሓልሞ ስልጣን ዘዔውተካ ልዕልነት ዘስምዓካ እንተዘይኮይኑ እቲ ናይ ህዝቢ ድልየት ምንዮት ጌርና ኢና ዝበሃል እንተኾይኑ ንሕና መልሲ ክንህቦ እንኽእል ናይ ኣየነይተን ኤርትራ? (ካልእ ዘይፈለጥናያ ከምታ ናይ ህግደፍ ሓዳስ ኤርትራ ከይትህልው) ኢልና ክንሓትት ጥራሕ ኢና እንኽእል፡፡ ውጽኢት ጉባኤታት ከኣ ናበይ ደቕዲቑና ከም ዘሎ እንመሮ እንሓሮ ዘሎና ህይወት ንእቶም ዝሰመዓና ይስመዓና ኣሎ፡፡ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ 31-7 ክሳዕ 9-8-2010 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተገይሩ ብኣካል ከኣ ተሳቲፈ፡ ኣብ ተሳትፎይ ዝተዓዘብኩዎ ኸኣ ብዘይቃል ዓለም ዝወዓለ ይንገርካ ኣርእስቲ ሂበ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ሓቢረ ክኒኡ እውን ኣብ ዋዕላ ዝወዓልኩም ተዛረቡ ኢለ ጻውዒታት እውን ደጋጊመ ጸዊዔ ግንከ ወይ ኮርዮም እንታይ ክንዛረበሉ ኢሎም ወይ ዘስክፍ ኩነት ሃሊውዎም ተሰኪፎም እዚ ባዕሎም ክገልጽዎ ዘለዎም እዩ ንዖኦም እገድፎ፡ ብወገነይ ንዝተባህለ ግን መጉርሒ ርእይቶታት መስፍሒ-ንሓለዋ ካብ ሽርሒ መታን ክጠቅምን እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትና ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ከይድገም ተፈሊጡ ከዘኻኽር ምእንቲ ካብ ምሕባር ደው ክብል ሕልናይ ኣይፈቕደለይን ንዝመሓልኩሎም ብጾተይ ኣብ ፍቖዶ ቤት ማእሰርትታት መኻራታተይ በጃ ሃገርን ህዝብን ሓሊፎም ዘለው ኣይጠልሞምን እሞ፡ እቲ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስን እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ዝወዓልናዮ ሃገራዊ ዋዕላ ተማሳሳላይ ዘብለንን ፍልልዩ ኸኣ ኣበይ ክሕብር ጽቡቕ ፍቓድ ኣንበብተይ እሓትት፡፡ ኣንቢብኩም ከኣ ገምጋም ርእይቶኹም ሃቡ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ኣብ ኤርትራ (ኣስመራ) ተኻይዱ፡ ንወከልቲ ስድራቤታት ዓንዲ ሃገር ብሄራት ግን ተዓዲመን ከብቅዓ ከምዘይካፈላ ኣብ ርእይቶ ምሃብ ከም ዝኽልከላ ብውሽጣውያን ሓለይቲ ሃገር ሓለይቲ ህዝቢ ብሃልቲ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራትን ሰልፍታት ዝተሰኹዑ ማሕበር ኣንድነት ዝጽውዑ ተኸቲሩ፡፡ ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ንእቲ መሰል ስድራቤታት ርጡብ ምርግጋጽን ምውሓስን ብሄራት ባዕለን ከየቕርበኦ ብፈላጣት ኢና ሓለይቲ ኢና በሃልቲ ስሱዓት ስርርዓት ተጨውዮ ሒዙና ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ሃይለስላሴ ኣንበርኪኹ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣንበርኪኹ ኣሕኪኹ፡፡ እዚ ብሓሶኽሰኽ ወይጦታት ካብ ኤርትራውነት ኣብ ኢትዮጵያውነት ካብ ዝደቕደቐና ዝተመንዛዕናዮ ልዑላውነት ክንምልስ ክቡር ህይወታት ኣኽፊሉና፡፡ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ፡ ቅድሚ ርእይቶይ ምሃብ ቀሊዔን ኣብሪሄን ክገልጾ ዝደሊ፡ እዚ ዓቢይ ዕድል ንልዝብ ዝተዋህበና ክብረት ይሃቦም፡ ንልዑላውነትና ከነረጋግጽ ኣብ እንምክቶ ህይወት እንኸፍለሉ ዝነበርና ማዕረ ማዕሬና ክቡር ህይወት ዝኸፈሉ፡ እምነቶም መሰል ህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ዘረጋገጹ፡ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሽፍትነት ብምስማዕ ወይ ብወረ ዘይኮነ፡ ብኣካል ዝፈልጡ ብተመኩሮኦም ኣብ ቃልሲ ዘረጋገጹ ዝተዓደለና ዕድል፡ ነቲ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ) ምትግባሩ ጫውጫው ዘብሎምን ዘጥርጦምን ምናልባት ዳግማይ ግበታ ኤርትራ ብኢትዮጵ ንኽግበር ከም ኣብነት ማሕበር ኣንድነት ከቕርቡዎ ዝፍትኑ ኣዳዕዲዔ ከረጋግጸሎም ዝደሊ- ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኢምበራጦርያ፡ ወታሃደራዊ ስርዓት ወንበር ስሱዓት ኣይኮነን ዘሎ፡፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ርእሰ ውሳኔ ልዕሊ ኹሉ ዘተኣማምን ርጉጽ ቅዋመ ሕጊ፡ ብሕልሚ እውን ንክትሰፈው ዘይኽእል ዓንቀጽ ቁጽሪ 39 ይምስክሮን የረጋግጾን እሞ፡ ነዞም ክቡራን ኣኤንገድትና ምምስጋን ክኒኡ ኸኣ እቲ ኹሉ ንምስፋን ሰላም ኣብ ኤርትራ ዘተባብዑና ሸቶ ዓወት ከነስምዖም ከነረጋግጸሎም ምንዮት ክህልው ኣብ ዓለም ብተፈጥሮ ይኹን ብመጸኦ ግዜ ሕማቕ ግዜ ከየርክቦም ንጽልዮም፡ ጸሎትና ኸኣ ቀንዲ ሓቁ፡ እዞም ክቡራን ኣብ ዘለውዎ እዋን እንተዘይተዓዊትና ህላዌና ቀጻሊ መንነትና ኣብ ብርቱዕ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ኣይረሳዕ እሞ እቶም ናይ ዘመን ብዓል ሃይለስላሴ ማሕበር ኣንድነት ጠፊአም ብመንገዲ እዚ ዝወዓልናዮ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብማሕበር ኣንነት ራእስነት ተተኪኦም ከይኾኑ ዓቢይን ጥንቁቕን ሓለዋ ኽንገብር ሓላፍነትና ሕድራዊ ግቡእናን እዩ፡፡ ነዚ ክብል ዘደረኸኒ፡ ኣብቲ ዝወዓልናዮ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዝተዓዘብኩዎ ኣብ ናይ ጥርጠራ ድግማ መርገጽቲ ከየእትወና ዘብለኒ እዚ ዝስዕብ እዩ፡፡ ሎሚ፡ 1. ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገርነት- ብዛዕባ ናጽነት ዘዛርብ ፈጺሙ የልቦን ክህልው ክቕልቀል እውን ኣይክእልን እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት መሰልን መንነት እዩ ብእክብካብ ሸፋቱ ህግደፍ ተጨውዩ ንህዝብና ኣሳቕዩ ስለ ዝነብር ዘመክተና ዘሎ እሞ፡ ነዚ ጭውየት ብኸመይ ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ነብጽሖ? 2. ንእቲ ዝበሃል ዝምነ ራህዋ ቅሳነት ከነረጋግጽ ውሕስነት እንገብረሉ ብኸመይ? 3. ንግሆ ንግሆ ውድብ ዑቁብ ተቛቒሙ ዝበሃል ብዝሒ ሰልፍታት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ በየናይ ነውሕሶ? 4. ውክልና ስድራቤታት ብሄራት ድየን ንግሆ ንግሆ ዝጭጨሐ እንቃቕሖ ውድብ ዑቁብ? 5. እቲ ምኽንያቱ ዘይፍለጥ ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኣለዋ ዝበሃል መነ መንን ብኸመይን ኣበይ ዋናታት መሬትን ብሄራት ድየን ፍላስፋውያን ፖለቲካ ውድብ ማሕበር መን እዩ ርጡብ መልሲ ዝህቦ ብዛዕባኡኸ መዓስ እዩ ክልዘቦ? 6. እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ ቅሳነት ካበይ ባይታኡ መንቀሊኡ ዝተለዘበ ዝተመደበ ኣዕጋቢነት ኣበይን መዓስን ተመያይጡ? ህዝቢኸ ብኸመይ መእመኒ ኡ ተገሊጹ? 7. ጸገምና ካብ መዓስን ብኸመይን ከም ዝተኣታተወ፡ እዚ ኣሳቓያይ ዕንወት ከብጽሕ ዝኸኣለ ሱር ሕማሙ እንታይ ተፈሊጡ እንታይ ተገሊጹ እንታይ ተዘኪሩ? 8. ኣብቲ ዝተገብረ ዋዕላ ናይ መዓልታት መሔንኮሊ ዝተዓደለ ጽሑፋት እሞ ዘይቃደው ቋንቋ ትርጉም ዝሓዘ ምንባሩ ኣብቲ ዋዕላ ነቲ ጌጋ ተኣሚኑዶ? ወይስ ሕደጎ ሕደጎ ህዝቢ መመሊሱ ከይዕዘቦ ኾይኑ ሰልሶ ዘስምዕ ክድገም ተሓሲቡ? ሃገራዊ ሽማግለ፡ እዚ ተኣፋፊ መጸውዕ ክዕደል ዝኸኣለ፡ ኣበይን መዓስን ተኸቲዑሉን በየን ኣስሚሩሉን፡ ኣብቲ ዋዕላ ንኹሉ እቲ ተሳታፋይ ዓዲምካ ኣብ ሓደ ኣደራሽ ከተልዕሎ ርእይቶ ምሃብ መሰል ክሕለው ዝግባእ፡ ኣይተገብረን ዘይመተግበሪኡ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምቅርራብ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ኣብ ዕመታና ዘብጽሔ ውሱናት ተወሳሲኖም ሽማግለ ኾይኖም ቁማር ዘበሉና እቲ ኣብዚ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተገብኸ ማንታኡ ኣይመስልንዶ? ሲቪላውያን ማሕበራት እዚ ሽፋን እዚ ናይ ኣዕሩኽ ምይይጥ ፍልስፍና ዓለም ተጠቒምካ፡ ንሕና ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይንሳተፍ ኣይንትንከፍ፡ ዕላማና ስቓይ ህዝቢ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ ዝግበር ጌጋ ኢልና እንጣበቕ ኣማዕደውቲ ኢና ክብሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡፡ ኣሰናደውቲ ኮሚቴ ዋዕላ ኾይኖም፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተዓደለ መጥፍእ ግዜ ወረቓቕቲ ትርጉሙ እውን ዘይቃደው ከም ዝኾነ እናፈለጡ፡ ክጣበቑ ወይ ክሕብሩ ዘይኮነ ተሳታፋይ እናተዓሸወ ከስቅጡ (ሱቕ ክብሉ) ኣበይን መዓስን እዮም ዕላማና ጸረ ዓመጽ ጥብቅና ዝብልዎ? ወይስ እቲ ዝተፈጸመ ዕንኪልል ቅኑዕ ስለ ዝበልዎ እዩ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ! ካብ እተሰምዔ ካብ ኪዳን (ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን) ወጻኢ ልዕሊ 18 (ዓሰርተው ሾሞንተ) ውድባት ኣለዋ ተባሂሉ፡፡ ኣብ እቲ ምምሳሕ እቲ ሃገራዊ ሽማግለ ዝበሃል፡ ክንደይ ተዊሂቡዎም? እቶም ዕጭ ዝበሉ ክንደይ? እተን ሲቪክ ማሕበር ዝብላ ክንደይ ማሕበርን ክንደይ ደቂ ማሕበርን ከም ዘለወን ኣይተፈልጠ ግንከ ንዓመታት ዝብለኦ ዝነበራ ነጻ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣሉታ ሂበን ብስመንን ብስም ነጻ ህዝብን ሽምግልና ክማሰሓ ዘኽኣለን ኣየናይ ዝተላዘበ ዋዕላ እዩ? ብኣጋኡ ዝነቀወ ዝብኢ ጥዑም ድቃስ ነየደቅሰኒ ከም ዝበሃል ብሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዙ ተባሂሉ ዝትለል (ዝታለል) ዘሎ ተልእኾ ቅኑዕ ጸብጻብን ቅኑዕ መግለጺ በየናይ ኣገባብ ኣጀማምራኡን ኣፈጻጽማኡን እቲ ዋዕላ ይነገር፡ ገድሊ ኤርትራ ክቀላለጽ ክብል ኣብ ኢድ ሕሱማት ሓራግጽ ከምዘረከሰና ይዘከር፡፡ ንምዃኑ ከምቲ ብዕላል እንሰምዖ ሕሜታት ኣብ ክግበር ዝምደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ክሰየም ይበሃል፡ እቲ ባይቶ ብኸመይ ክቐውም ብኸመይ ከውሕስ ዝተሓገገሉ ዝቕይድ ባይታ እዩ ክኸውን? ቅድሚ ገዛ ምስራሕ ኣቕሑት ገዛ ምግዛእ እቲ ኣቑሑት ተገዚኡ ናበይን ከመይን ክቕመጥ ክሳዕ መቐመጢኡ ገዛ ክህልው ከኣ ብደበና ጠቐር፣ ርስሓት ኣይበላሸንዶ? እዚ ማለተይ! ሃገራዊ ዋዕላ ኢልካ ዓዲምካ መስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ጥሒስካ፡ ንዘይሰማምዓካ ርእይቶይ ወይ ለበዋ ከይወሃበካ ብድፈኖ ሸፍኖ ባይቶ ሽምግልና ተዓዳዲልካ ቀጺልካ??? ሻዕብያ እምበኣር መሰል ህዝቢ ኣኽቢሩ እዩ? እሞ ከም ናቱ ዝሓዘሓዘ- ዝተዘንግዔ ኸኣ ተመነዔ ንህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን እዩ፡፡ ድሕሪ መጥፍእትና ማሕበር ኣንድነት፡ ደገምቲ ማሕበር ራእስነት ሎሚ ኣየድለየና ጽባሕ፡ እሞ እቲ ሓቂ ከይደበነ ይውጻእ፡ መሰጋገሪን፡ ወሓሲን መሰጋገሪ ህዝባዊ ካብ ኩለን ብሄራት ኣሎ ድዩ? ክሳዕ ዝቐውም ክሳዕ ኣገባብ ዕማሙ ሕግታት ዝቐውም ብበዓል ውጩን ተረፍ መረፍ ህግደፍ ክንወሓስ? ብምትላል ጥራሕ ዘዳኽማና ዘለዋ ውድባት ይሃልወን ኣይሃልወን ዘይፍለጥ ሰራዊት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝዋጠጡ ከከም እተዓስከርዎ ዝሕንጥጡ ዲና ክንወሓስ? ድሕሪ ዕልዋ፡ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ እታ ሃገራዊት ሰራዊት ናይ በዓል እንግሊዝ ዝነበረት ንጥፍኣትና ምስ ማሕበር ኣንድነት ዘገልገለት እኮ እያ ነቲ ከትሪ ናጽነትና ተሓባቢራቶ፡ ህዝቢ ዒም ከይትብል ኢላ ዝገትኣቶ እሞ ተረፍ መረፍ ሻዕብያ እንተኾይኖም ከም ሰራዊት ከገልግሉና ይፍታሓላ? ሰራዊት ተቓውሞ ውድባት እዮም ዝበሃል እንተኾይኑ ኸኣ ንህዝቢ ድዮም ከውሕሱ ከይዝመት ኽከላኸሉ ወይስ ንመራሕትኹም ኢና ዝብልዎም ከገልግሉ? እዚኣ እንተኾይና ኸኣ ብዙሕ ከይተዛረብና፡ ጎደናን ማዕጾን ኩነታት ሶማል ሃህ ኢሉ ይጽበየና ከም ዘሎ ኣይረሳዕ፡፡ ኣብ ሓደ ጽሑፍ ከም ዘንበብክዎ ብዕለት 8-2-2011 ዝተዘርገሔ ሃገራዊ ኮሚሽን ቻርተር ይሕንጽጽ ኣሎን ብዙሕ ኣሰካፊ እዩ ዝብሎን እሞ፡ ነዚ ገዚፍ ሃገራዊ ዕማም ክነድፉ ኣበይን መዓስን ዋዕላ ስልጣን ዝሃቦ ስለ ዘይፈለጥኩ ከም ኤርትራዊ መጠን ክፈልጥ ከማይ ከኣ ሓሙሽተ ሚልዮን ብዘይካ እቶም ወሃብትን ተቐበልትን ስለ ዘሎና እቲ ብኣናን መጻኢናን ዝትለም ትልሚ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጦ መሰልና እዩ፡፡ ኣይኮነን ዝበሃል እንተኾይኑ ኸኣ ኣኽላብ ይነብሑ ገመል ከኣ ኣብ ስርሑ ዝተባህለ ይኸውን እሞ ሽዑኡ ንርእዮ፡፡ ደጋጊመ ዝብሎ ይእኽለና ጥልመት ማሕበር ኣንድነት ኣይተካእ ብማሕበር ራእስነት ኢለ፡፡ ሰናይ ቅነ ክንጻረ ንጓየ ለሚ ቕነ እብል፡፡ ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ሚላኖ-ኢጣልያ

source http://www.jeberti.com/index.php?option=com_content&view=article&id=1240:2011-02-15-13-32-12&catid=58:tigrina