ፍልልያት ውድባት ኤዲኪ ይጋፋሕ ኣሎ፤ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ኣባልነቱ ደው ኣቢሉ፣ ህዝቢ ቍጠዐኡ ይገልጽ ኣሎ

 

http://adoulis.com/details.php?rsnType=1&id=3179

ኣብ ክል’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ምፍሕፋሓት፡ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ኣባልነቱ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዝሰሓበን፣ ኣብ ማእክላይ ባይቶ ግን፡ ኣባልነቱ ቀጻሊ ምዃኑን ዝገልጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ጠቕላሊት ሰክረታርያ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣብ ዘውጽኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀጻልነት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ኣሉታዊ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ ኢላ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ብሰንኪ ዝሕቱል ጕዕዞኡን ዝተደዋወሰ መደባቱን ኣብ ህዝቢ ኣሕዲርዎ ዝጸንሐ ሕማቕ ስምዒት፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሃዋሳ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጕባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመርጸ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክንዲ መራሕትን ሓሳባትን ብምብርካት ምድልዳሉ፡ ንምትሕንዃሉን ምድኻሙን ዝዓለመ’ዩ ኢላ።

እዚ፡ ንውድባዊ መኽሰባታ ኢላ ዝገበረቶ ነቐፌታ ከምዘይኰነ ንምብራህ ከኣ፡ ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንእስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ዝውክሉ ኣባላት ከምዘይብላ ሓቢራ።

ኣብ ዝተፈላለያ መካትዒ ኣዳራሻት ፓልቶክ ዝሳተፉ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ውድባት ኪዳን፡ ንዝተገብረ ስምምዓት ምጥላም ኢዩ እናበሉ ይነጽግወንን፣ ኣሰር እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ወሲድዎ ዘሎ መርገጽ ክኽተላ ይጽውዕወንን ኣለዉ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን በንጻር ትጽቢታትን ጠለባትን ናይ ብዙሓት ሸነኻት፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱ ክቕጽል ኢዩ ወሲኑ። ንህዝባዊ፡ ዜናውን ዲፕሎማስያውን ዕማማት  ኣብ መንጐ ፈጸምቲ ኣብያተጽሕፈታት ሃገራዊ ባይቶን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ንኽመቓቐል ዘሕለፎ ውሳኔ ድማ፡ ንቝጥዐ ደገፍቲ ሃገራዊ ጕባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምትህድዳእ ኢዩ ዝብል ትርጉም ተውሂብዎ ኣሎ።

 

جماهيري لقرارات التحالف
‎في تطور يعكس تفاقم الخلافات داخل التحالف الديمقراطي الإريتري ، أصدر الحزب الإسلامي للعدالة والتنمية تصريحاً صحفياً أوضح فيه دواعي تعليقه لعضويته في المكتب التنفيذي للتحالف مع الإبقاء عليها في القيادة المركزية .
وأوضحت الأمانة العامة للحزب في تصريحها الذي نشر في موقع الخلاص أن بقاء المكتب التنفيذي للتحالف يعطي رسالة سالبة للجماهير الإرترية خاصة و أنها ظلت ساخطة عليه بسبب بطء إيقاعه ورتابة برامجه مبينة أن ما يحدث هو محاولة لإضعاف المجلس الوطني الذي انتخب في المؤتمر الوطني للتغيير الديمقراطي في أواسا نهاية العام المنصرم وسحب البساط من تحته بدلاً عن دعمه ورفده بالقيادات والأفكار .
ونفى الحزب أن يكون خلف قراره أي دوافع حزبية مبيناً ( ليست له أي عضوية تنفيذية في المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي ).
هذا وقد أبدت الجماهير الإريترية خلال لقاءاتها في غرف البالتوك المختلفة استهجانها لقرار استمرار المكتب التنفيذي للتحالف واعتبرت الخطوة نكوصاً عن التعهدات السابقة ودعت جميع القوى السياسية الإريترية المنضوية تحت مظلة التحالف أن تحذو حذو الحزب الإسلامي .
وكان التحالف الديمقراطي الإريتري قد قرر بقاء مكتبه التنفيذي على عكس التوقعات والمطالب بحله في الوقت الذي قام فيه بتقسيم المهام بينه وبين المكتب التنفيذي للمجلس الوطني في المجال الجماهيري والإعلامي والخارجي في خطوة فسرها المراقبون بمحاولة لامتصاص الغضب الجماهيري الذي اجتاح قواعد تنظيمات المعارضة الإرترية المنضوية تحت التحالف والجماهير المساندة للمجلس الوطني.

رجوع



http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/3544-2012-04-10-00-43-35rev