እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን

source facebookSACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ

ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ትሕቲ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)ን ሜጅር ፍስሃጽዮን ዝእለዩ ብምስምስ “እስላማዊ ጥሩፍነት” ዝተጠርጠሩ ጠቐላላ እሱራት እድሪስ መሓመድ ዓሊን ሓደ ሱዳናዊን ዝርከብዎም 17 እዮም፡፡ ካብ ወርሒ 11/2005 ክሳብ ክሳብ ወርሒ 10/2006 ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ካርሸሊ ክሕልውዎም ዝጸንሑ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት/ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ካብ ተራ ቁጽሪ 1 ክሳብ ተራ ቁጽሪ 3 ኣስማቶም ዝተጠቕሱ እዮም፡፡ ካብ ወርሒ 10/ 2006 ክሳብ ወርሒ 8/ 2007 ንኣስታት 11 ወርሒ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ካብ ተራ ቁጽሪ 4 ክሳብ 6 ዝጠቐስኩዎም ኣባላት እዮም፡፡
ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ኣብ ባዕዳዊን ሃገራዊን መግዛእቲ ኤርትራ ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳቐይሉን ዝሃለቑሉን ብዘበነ ጥልያን ዝተሃንጸ ምድረ ሲኦል’ዩ፡፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ’ውን ኩቡር ወዲ ኣዳም ክብረት ስኢኑ ዝናሸወላ ዝሓስረላ፡ ዝወረደላን ብዘይሰማዒ እዝኒ ዝጠፍኣላ ገሃንም ’ያ፡፡ እሱር ብዘይገበን፡ ብዘይፍርዲ ተቐይዱ ካብ ተፈጥራዊ ዑደት ተሓይሩ፡ ንብዓቱ ከም ደም እናወሓዘ፡ ክሳብ ዓለም ጫፍ እንዳ ኣእወየ ሰማዒ እዝኒ ዝስእነሉ፡ ብሕማማት ዝሳቐየሉ፡ ብቀዝሒ ዝስንክለሉ፡ ብጸልማት ዝዓውረሉ፡ ብሓፈሻ እቲ ክቡር ወዲ ሰብ ናብ እንስሳ ዝቕየረሉ ኣሰቃቒ ቤት ማእሰርቲ’ዩ፡፡ ንዓመታት ጎቦን ስንጭሮን ወሪዶም: ደምን ረሃጽን ኣፍሲሶም: ናጽነት ዘውሓሱ ጀጃኑ፡ “ኤርትራ” ሕቖኣ ሂባቶም፡ ካብ ፍትሒ ተሓሪሞም፡ ሞቶም ዝጽበዩ መሳኪን ደቂ ሃገር ሕጂ ውን ኣብ ካርሸሊ ኣለው፡፡

ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ (ወንጀል መርመራ) ካብ 30 ንላዕሊ ሓውሲ ኣንደር ግራውንድ ካሜራታትን ካብ 160 ዝበዝሑ ሸላታት ዘለውዎ፡ 24 ሰዓት ጽኑዕ ሓለዋ ዝካየደሉ፡ ብ7 ሜትሮ ሓጹር ትርኳላታ ዝተሓጽረ ሜጀር ኣቶብርሃን (ኣባል ፖሊስ ኤርትራ) ዝመርሖ’ዩ፡፡ ቅርጻዊ ምሕደርኡ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኮይኑ 90 ሚእታዊት ብቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ዝተጠርጠሩን ዝተደለዩን ሰባት ዝእሰሩሉ’ያ፡፡ ነፍሰወከፍ ጸብጻብ ፖለቲካዊ እሱርን ብመልክዕ ስርሒታዊ ጸብጻብ (Operational Report) ብደቂቕ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይለኣኽ’ዩ፡፡
ብምስምስ “እስላማዊ ጥሩፍነትን ጀሃዳዊ ተርእዮታትን” ኣብ ወርሒ ሕዳር 2005 ኣብ ካርሸሊ ዝኣተው እሱራት እውን ሕድሕድ ኩነታቶም ብደቂቕ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብመልክዕ ጸብጻብ ይለኣኽ’ዩ፡፡ ቀንዲ መርማሪ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሜጀር ካሕሳይ በየነን ምክትሉን ካብ ሜጀር ኣቶብርሃን መፋቱሕ ነፍሰወከፍ ሸላ ምስ ተቐበለ ነቶም 6 ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣኪቡ “እዞም ሰባት ብጽኑዕ ክተሓዙ ዝግበኦም ስለዝኾነ ዝኾነ ምድንጋጽ ከይትግብርሎም” ክብል ኣዚዙ፡፡
ኣብ 2006/7 እሱራት ኣብ ካርሸሊ ዝተዓደሎም ሸላታት ከምዝስዕብ ነበረ፡
1. ንሸነኽ ደቡብ ዝርክብ ካሜራታት፡ ብተለምዳዊ ኣጸዋውዓ “ቪያጅዳ” ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ውሽጡ 12 ሸላታት ኣለዋ፡፡ ኣብቲ እዋን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመረኦም ዝወድኡ ኣብዘን ሸላታት ይቕየዱ፡፡ ካብቶም 17 ከኣ እቶም 10 ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሸላታት ነይሮም፡፡
2. ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ካሜራታት፡ በዓል ብ/ጀ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝርከብዎ ኮይኑ ካብ ብርክት ዝበላ ሸላታት ኣለዋ፡፡
3. ንሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ካሜራታት፡ ብሃይማታዊ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ በዓል ዶ/ር ፍጹም ዝርከብዎ 4 እሱራት ነይሮም፡፡ ምስዘን ካሜራታት ነጻላ መንድቕ ዝለገበት ኣብ ሓደ ሸላ ሰናይት ደበሳይ ንበይና ነይራ፡፡ ኣብ ሪጋኣ ትርከብ ሓንቲ ሸላ ከኣ 16 ኣዋልድ ብሄር ኩናማ ነይረን፡፡
4. ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ሓንቲ ሸላ ኣስቴር ፍስሃጽዮን (በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙን) ነይራ፡፡
5. ኣስቴር ካብ ዝነበረቶ ሸነኽ ነጸላ መንደቕ ለጊቡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝርከቦም ብኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝሕለው ኣብ 4 ሸላታት ዝተቐየዱ ጥርጡራት ነሮም፡፡ 2007 ነጋዳይ ፍቕረ ኣብዛ ካሜራ ዝርከብ ሓደ ቁጽሪ ዘይብሉ ሸላ እዩ ተቐቲሉ፡፡ (ክቡራት ነበብቲ ብዛዕባ ፍቕረን ወዲቀሽን ጽጹይ ሓበሬታ ሓደ መዓልቲ ክፍንወልኩም ቃል ይኣቱ፡፡)
ኣተሓዛ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ኣብ ካርሸሊ፡
ብሓፈሻ እዞም እሱራት ካብ ወርሒ 11/ 2005 ጀሚሩ ን22 ኣዋርሕ ኣብ ካርሸሊ ጸኒሖም፡፡ ኣብ ካርሽሊ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ‘ውን ብርሃን ጸሓይ ሪኦም ኣይፈልጡን፡፡ ሕክምና ኣይተገብረሎምን፡፡ ቅድሚ ናብ ካርሽሊ ምእታዎም ወዲ በየነ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መርመራ ገይርሎም እዩ፡፡
ሜጀር ካሕሳይ በየነ ካብቶም 17 እሱራት ንሓደ ሱዳናዊ ደጋጊሙ ይረኽቦ ነይሩ፡፡ ኩቡራት ነበብቲ ኣብ ካርሸሊ ካብ 1997 ጀሚሩ “ንፕረሲዳንት ኢሳይያስ ክቐትል ተላኢኹ” ዝተብሃለ ነስረዲን ኣቡቦከር ወሲኹ ብዙሓት ኣሕዋት ሱዳናውያን ተኣሲሮም ’ዮም፡፡ ኣብ 2006 ወርሒ 7 ሓደ ካብ ደገ ዝኣተወ ኤርትራዊ ሰኺሩ ኣብ ሞንጎ ካልኣይ መደብርን ካርሸልን ዝርከብ መንደቕ ካርሸሊ ብመኪና ሃሪሙ ኣፍሪስዎ፡፡ ንምዝኽኻር ኣብቲ ግዜ ንገለ መዓልታት ብዚንጎ ተሓጺሩ ነይሩ፡፡ እሱ ‘ውን ንሓደ ሰሙን ተኣሲሩ ወጺኡ’ዩ፡፡ እቲ መንደቕ ሓደሓደ ለውጥታት ተገይሩ፡፡ በቲ ሸነኽ ዝነበሩ በዓል ደጀን ዓንደሕሸል ዝርከብዎ ገለ እሱራት ናብ ካሜራ ቁጽሪ 3 ተሰጋጊሮም፡፡ ኣብዛ ካሜራ ሱዳናዊ ነስረዲን ኣቡቦክር ነይሩ፡፡ 2006/7 ምስቶም 17 ዝተኣስረን ሜጀር ካሕሳይ በየነ ደጋጊሙ ዝረኸቦ ዝነበረ ሱዳናዊ ግን ካልእ እዩ፡፡
ካብቶም 17 እሱራት 10 በሜጀር ወዲ በየነ ተመምዮም ናብ ካልእ ካሜራታት ተፈልዮም፡፡ 7 ከኣ ፍሉይ ጠመተ ዝተግበረሎም ብጽኑዕ ዝተተሐዙ ስዒቦም ዝግለጹ እዮም፡
1. ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ
2. ኣደም ሸልሸል (ኣባል ፖሊስ ኤርትራ)
3. ኣልኣሚን ጀላኒ (ኢሜግረሽንን ኣባል ፖሊስ ትራፊክን ዝነበረ)
4. ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ (ጁኑብ) ኣባል ኮማንዶ ዝነበረ
5. ሓደ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ዝነበረ
6. ሓደ ቀይሕ ጉልብት ካብ ከባቢ ከረን ዝመጸ
7. ሓደ ካብ ዞባ ደቡብ ዝመጸ (ብሄር ሳሆ) እዮም፡፡
ካብዚኣቶም እቶም ሰለስተ ብሰንኪ ተፈላለየ ጸጥቕጥታት ካብ ወርሒ 6 ክሳብ ወርሒ 7/2007 ተሰዊኦም፡፡ ኣባል ትራፊክ ነበር ኣልኣሚን ጀላኒ ብውጽኣት ተሳቕዩ፡ ካብ ሕክምና ተሓሪሙ፡ ኣብ ሸልኡ ሂወቱ ምስ ሓለፈት፡ ብመሸማዕ ተጠቕሊሉ ኣብ ሓደ ለይቲ ሜጀር ወዲ በየነ ንገለ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ሒዙ ኣብ መስመር ደቂምሓረ ከባቢ ደቂናዞ ብሕቡእ ቀቢሮምዎ፡፡
እቲ ካብ ከባቢ ከረን ዝመጸ ቀይሕ ጉልብትን ካብ ዞባ ደቡብ ዝመጸ (ብሄር ሳሆ) ብከቢድ መርመራ፡ ማህረምትን ሕማምን ኣብ ናይ መዓልታት ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ዝነበርዎ ሸላ ሞይቶም፡፡ ብለይቲ ሜጀር ወዲ በየነ ዝመርሖም ኣባላቱ ኣብ ጉዋ መገዲ ደቂምሓረ ጥቓ ዓዲ ኣርዓዳ ብሕቡእ ተቐቢሮም፡፡ መቓብር ናይዞም እሱራት ኣብ ከከባቢኡ ብዝርከብ ሓመድ፡ ዕረን ኣእማን ብልዕል ጥንቓቐ ክመሳሰል ተገይሩ እዩ፡፡
ቀጸሊ ኩነታት እድሪስን 3 ብጾቱን
ብዕለት 20/8/2007 ድሕሪ ፋዱስ ሰዓት 4፡30 ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን ሜጀር ካሕሳይ በየነን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተጸዊዖም፡፡ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ተመሊሶም ኣብ ማእከላይ ወኪል ሃ/ድሕነት (ቻው ሆቴል) ሓጺር ኣኼባ ኣካይዶም፡፡
ዕለት 22/08/2007 ናይ ንጉሆ ሜጀር ካሕሳይ ናብ ካርሸሊ ከይዱ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ሜጀር ዓብዱ ሰላም ጌቱ፡ ተለንተ በረኸት ሃብተን ግርማይ ሓጎስን ነይሮም፡፡ ንሰለስቲኦም ጸዊዑ “ስራሕ ወዲእኹም ኣለኹም፡፡ ሚሸት ግን ሓንቲ ስራሕ ኣላትና ተዳለው” ኢሉዎም፡፡ ንሓላፊ ካርሸሊ ኣቶብርሃን ከኣ “ካብ ድሕሪ ፋዱስ ጀሚሩ ንሸነኽ ምብራቕ ኣብ ናሕሲ ዝነበሩ ዋርድያታት እለዮም” ኢሉዎ፡፡
ድሕሪ ፋዱስ ሰዓት 4፡00 ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) ሰሌዳኣ ERG 01202 ዝኾነት ጻዕዳ ሚኒባስ መኪና (ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤ/ጽ ደው ኢላ ዘላ) ሒዙ ናብ ካርሸለ ኣትዩ፡፡ ኩሉ ምድላዋት ከምተጻፈፈ ምስኣረጋገጸ፡ ንኣባላት ሓለዋ ጸዊዑ፡ “ኣብ መኪና ማስኬራ ኣለኩም፡፡ ሓደ ብሓደ ናብቲ ጎልጎል ኣውጺኹም፡ ከይሰናበዱ ክራኸቡ ግበርዎም፡፡ ቅያር ልብሲ ዘለዎም ይቐይሩ፡፡ ምስ ወዳእኹም ሸንፊንኩም ናብ መኪና ኣእትውዎም…” ኢሉዎም፡፡
ፈለማ ሰዓት 5፡00 ምስኮነ ሰለስቲኦም ሓለውቲ ናብ ሸላ እንዳኣተው ነቶም እሱራት ከውጽኡ ጀመሩ፡፡ ቀዳማይ ዝወጸ…ኣባል እንዳ ኮማንዶ ነበር ተጋዳላይ ካፒቴን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ (ሳጓኡ ጁኑብ)፡፡ ኣብ ካልኣይ ዝወጸ ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ነበር ሰኣለይ ኣደም ሸልሸል እዩ፡፡ ቀጺሉ እቲ ህቡብ ደራፋይ እድሪስ መሓመድ ዓሊ እዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣባል እንዳ ዜና ዝነበረ ኣውጺኦምዎ፡፡ ኩሎም ኣብ ቅድሚት ትርከብ ንእሽቶ ጎልጎል ተኣኪቦም፡፡ እዛ ጎልጎል ፓይሎት ደጀን ዓንደሕሸል ዝሃደመላ ሹምባሕሪ ዝበሃል ኣውቲስታ ዝመርሓ ናይ ሜጀር ኣቶብርሃን መኪና ፓርክ ዝገብረላ’ያ፡፡ ብጀካ ኣደም ሸልሸልን እድሪስ መሓመድ ዓሊን ካልኦቶም ኣይፋለጡን፡፡
ኣደም ሸልሸል ለሚሱ ስለዝነበረ ክእሰር እንከሎ ለቢስዎ ዝነበረ ባድላ ኣምጺኦም ከዲኖም ተሰኪሞም እዮም ዘውጽኡዎ፡፡ ኣብቲ ጎልጎል ኣደም ሸልሸልን ብሰንኪ ጸልማት ዓይኑ ምርኣይ ዘጸገሞ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ስላምታ ተለዋወጡ፡፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ገጽ ኩሎም ተስፋ ይንጸባረቕ ነበረ፡፡
ድሒሩ ኩሎም ገጾም ሚላኖ ማስኬራ ተገይርሎም ናብ መኪና ተሰቒሎም ፡፡ ኣብ ውሽጢ መኪና ኩሎም ምስ ኣተው ወዲ በየነ “ኣብ ሓደ ቦታ በጺሒና ክንምለስ ኢና፡ ድንን በሉ!” ኢሉዎም፡፡ መራሕ መኪና ዓብዱ ሰላም ጌቱ ኮይኑ ሜጀር ካሕሳይ በየነ፡ ተለንተ በረኸት ሃብተ፡ ግርማይ ሓጎስ ምስ እሱራት ተሰቒሎም፡፡ እታ ሚኒባስ ካብ ካርሸሊ ወጺኣ ብእንዳማርያም፡ ጋራዥ ዓምበርበብ፡ ማይጃሕጃሕ ኣቢላ ናብ ሞኖፖል ዝርከብ ብኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ዝምራሕ ጨንፈር ቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነት ኣትያ፡፡ ኣብ ውሽጢ ካንሼሎም ምስ ኣተው፡ ነዞም እሱራት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዝሓለው 3 ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን (ዓንዳይ መንግስትኣብ፡ ሃብተኣብ ኣዋጁን እዝጊሕሽ ኣብርሃን) ጸኒሖም፡፡ ሓደ ብሓደ ካብ መኪና ምስ ወረዱ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ካንሸሎ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ዳጎንዎም፡፡
ድሕሪ’ዚ ሜጀር ወዲ በየነ ን4 ኣባላት ሓለዋ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሊኢኹ “ካብ ሜጀር ክብሮም ገረታቲዎስ” (ኣብ ወ/ሃ/ድ /ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ክፍሊ ሎጂስቲክስ) ኣቑሑት ከምጽኡ ኣዚዝዎም፡፡ ምስ በጽሑ ሜጀር ክብሮም ገብረታቲዮስ ኣፍራዛን ባዴላን ሂቡ ሰዲድዎም፡፡
ሳልሳይን ናይ መውዳእታን ይቕጽል…
(ቤተ ሰብ፡ ዘመድ ኣዝማድ፡ ዓርኪ መሓዛ ምስ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ዝተኣስ ብ Inbox ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም)
Let every concerned Eritrean Know …SHARE

 

ካልኣይ ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከምዝሓበርኩዎ ያታን ባህልን ጥሒሰ ሕጂ’ውን ቀተልቲ ሰባት ብኣስማቶም ክረቑሖም እየ፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈልጦ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝደበዩ ቀንዲ ኣባጓይላ ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን’ዮም፡፡ ቀንዲ ክሕተቱ ዝግበኦም ሰባት’ውን እዞም ባዕሎም ሓገግቲ፡ ፈረድቲ፡ ኣፈጸምትን ወሰንትን ዝኾኑ ውልቀ መለኽቲ እዮም፡፡ እቲ ታሕተዋይ ኣካል “ብግበር ኣይትግበር” ዝተቐየደ “ፈጽም” ተባሂሉ ዘተግብር ስለዝኾነ ተሓታትነቱ ንሕልንኡ ስለ ዘይተገዘእን መጋበርያ መለኽቲ ዝለዝኾነነን’ዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቀንዲ ትኹረት ኣብ ልዕሊ እቶም ሒደት ኣዘዝቲ ክኾውን ይግባእ፡፡ ቀንዲ ዕለማ ምግላጽ ተግባራት ታሕተዎት ፈጸምቲ፡ ብሓደ ገጽ እቲ ስውር ሓበሬታ ብጽፉፍ ቀሪቡ ህዝብና ክርድኦ፡ ነቲ ኣብ ዕርበቱ ዝርከብ ጉጅለ ብስምረት ሓመድ ድበ ክነልብሶን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከከም ገበኖም ህዝብና ክሓቶምን ክፈርዶን ከምኡ ውን ቀወምቲ ምስክር ታሪኽ ስለዝኾኑ እዮም፡፡
ብካልእ ገጽ ከኣ እቶም ታሕተዎት ጨወይቲ፡ ቀትልቲ፡ ፈጸምቲ ዝበሃሉ ፈለማ ካብ ህዝቢ ዝኽወል ሚስጢር ከምዘየለ ፈሊጦም፡ ካብ ተግባራቶም ክእረሙን፡ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክሰለፉ፡ ብተወሳኺ ከኣ ድርሳነ ደም ጉጅለ ኢሳይያስ ብግቡእ ሰኒዶም ንከቃልዑ’ዩ፡፡ እዚ ምስ ዝገብሩ እቲ ሓዳግ ህዝቢ ኤርትራ ሕነ ምፍድዳይ ገዲፉ እቲ ሕነ ኣብ ልዕሊ መን ከምዝዓርፍ ዝፍልጥ ለባም ህዝቢ’ዩ፡፡ እቶም ብዘይ ገበኖም ብጸላም ዝሓቐቑ ሰማእታት ምእንቲ ክቐስኑን ህዝብና ብኸውሊ ዝፍጸም ተግባራት ቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወኪል ሃ/ድሕነትን ንኸፈልጥ ሕጂ’ውን መንነት ቀተልቲ ብስሞምን በተግባሮምን ምርቋሕ ክቕጽሎ ኢየ፡፡
ስቅያት እድሪስን ብጾቱን ኣብ ካርሸሊ፡

እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ---ኣብ ጸላም ዝጸልመቱ ከዋኽብቲ
ካልኣይ ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከምዝሓበርኩዎ ያታን ባህልን ጥሒሰ ሕጂ’ውን ቀተልቲ ሰባት ብኣስማቶም ክረቑሖም እየ፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈልጦ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝደበዩ ቀንዲ ኣባጓይላ ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን’ዮም፡፡ ቀንዲ ክሕተቱ ዝግበኦም ሰባት’ውን እዞም ባዕሎም ሓገግቲ፡ ፈረድቲ፡ ኣፈጸምትን ወሰንትን ዝኾኑ ውልቀ መለኽቲ እዮም፡፡ እቲ ታሕተዋይ ኣካል “ብግበር ኣይትግበር” ዝተቐየደ “ፈጽም” ተባሂሉ ዘተግብር ስለዝኾነ ተሓታትነቱ ንሕልንኡ ስለ ዘይተገዘእን መጋበርያ መለኽቲ ዝለዝኾነነን’ዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቀንዲ ትኹረት ኣብ ልዕሊ እቶም ሒደት ኣዘዝቲ ክኾውን ይግባእ፡፡ ቀንዲ ዕለማ ምግላጽ ተግባራት ታሕተዎት ፈጸምቲ፡ ብሓደ ገጽ እቲ ስውር ሓበሬታ ብጽፉፍ ቀሪቡ ህዝብና ክርድኦ፡ ነቲ ኣብ ዕርበቱ ዝርከብ ጉጅለ ብስምረት ሓመድ ድበ ክነልብሶን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከከም ገበኖም ህዝብና ክሓቶምን ክፈርዶን ከምኡ ውን ቀወምቲ ምስክር ታሪኽ ስለዝኾኑ እዮም፡፡
ብካልእ ገጽ ከኣ እቶም ታሕተዎት ጨወይቲ፡ ቀትልቲ፡ ፈጸምቲ ዝበሃሉ ፈለማ ካብ ህዝቢ ዝኽወል ሚስጢር ከምዘየለ ፈሊጦም፡ ካብ ተግባራቶም ክእረሙን፡ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክሰለፉ፡ ብተወሳኺ ከኣ ድርሳነ ደም ጉጅለ ኢሳይያስ ብግቡእ ሰኒዶም ንከቃልዑ’ዩ፡፡ እዚ ምስ ዝገብሩ እቲ ሓዳግ ህዝቢ ኤርትራ ሕነ ምፍድዳይ ገዲፉ እቲ ሕነ ኣብ ልዕሊ መን ከምዝዓርፍ ዝፍልጥ ለባም ህዝቢ’ዩ፡፡ እቶም ብዘይ ገበኖም ብጸላም ዝሓቐቑ ሰማእታት ምእንቲ ክቐስኑን ህዝብና ብኸውሊ ዝፍጸም ተግባራት ቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወኪል ሃ/ድሕነትን ንኸፈልጥ ሕጂ’ውን መንነት ቀተልቲ ብስሞምን በተግባሮምን ምርቋሕ ክቕጽሎ ኢየ፡፡
ስቅያት እድሪስን ብጾቱን ኣብ ካርሸሊ፡

ሳልሳይ ክፋል
ነዛ ፔጅ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ማእለያ ዘይብሉ ተጻብኦታት በጺሑኒ’ዩ፡፡ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ጨንፈር ወጻኢ ስለያን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ገለ ደገፍትን ሰዓብቲ ስርዓትን ተወዲቦም ጥርዓናት ናብ FACE BOOK ሊኢኾም ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ክትዕጾ ገይሮምዋ ጸኒሖም፡፡ ገለ ገና ዘይተሰቆሮም ለወሃት ዜጋታት’ውን ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ጥርዓናት ገይሮም ’ዮም፡፡

እዛ ፔጅ ንካልኣይ ግዜ ምስተኸፍተት ውን ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ብምኽንያት ዝወጽእ ዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታት ሻቕሎት ተፈጢሩ’ሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኮ/ል ተስፋልደት፡ ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ስምኦን ገብረድንግልን፡ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን፡ ካብ ሚ/ሪ ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ዝርከብዎ ዘይውግዓዊ ሓይሊ ዕማም መሰል ተጣይሱ ሓድሓደ ምጽራያትን ምጽንጻናትን ይካየድ ’ሎ፡፡ ብዝኾነ ሕጂ’ው ካብ ውጽዕ ህዝቢ ንዘመናት ተኸዊሉ ዝነበረ ሚስጢራት ስርዓት ኢሳይያስ ህዝብና ንክፈልጦ፡ ቀንዲ ገፋዕትን ቀተልትን ገበነኛታት ብስሞምን ብተግባራቶምን ብግቡእ መረዳእታ ከቃልዖም‘የ፡፡

ፍጻመ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን
ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ን4 ኣባላት ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን ወ/ሃ/ድ- ውሽጣዊ ጸጥታ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ከይዶም ኣቑሑት ከምጽኡ ምስ ኣዘዞም ሓላፊ ክፍሊ ሎጅስቲክስ ወ/ሃ/ድ- ውሽጣዊ ጸጥታ ሜጀር ክብሮም ገብረታቲዮስ ኣፍራዛን ባዴላን ከምዝሃቦም ብምግላጽ ጽሑፈይ ወዲአ ነይረ፡፡ በቲ ዕለት ኣብ ወ/ሃ/ድ ንጉዳይ በዓል እድሪስን ብጾቱን ከጻሪ ከም ካልኣዩ ንሜጀር ወዲ በየነ ዝተመዘ ሜጀር ፍስሃጽዮንን መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ ሜጀር ተወልደ ራሻይዳን ናብታ መኪና ተሰቒሎም ብሓባር ናብ ኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ዝምራሕ ኣብ ሞኖፖል ዝርከብ ጨንፈር ቤ/ጽ ወ/ሃ/ድ ተመሊሶም፡፡ ብጠላዕ ውሉፍ ዝኾነ ኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ኣብ ከባቢ ፊት ባተሪሮኖ ዘላ እንዳ ነዳዲ ነጸላ መንድቕ እዩ ገዝኡ፡፡ ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታትን ጽፍሕታትን ተመዲቡ ሰሪሑ እዩ፡፡ ኣብ ሜዳ ኣባል ኮማንዶ ህ.ግ›ሓ.ኤ ኮይኑ ኣብ ቅያ 18 ደቓይቕ ዝተሳተፈ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ድሕሪ “ወራር ወያነ” ኣብ 2000ን 2001ን ኣብ ምልቃምን ቅትለት ኢትዮጵያውያንን ምልቃም “ኣባላትን ሰዓብትን” ጉጅለ 15 ዝተሳተፈ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣባል ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክንሱ ብጉልባብ ሲቪላዊ ስራሕ ሓላፊ ጸጥታን ሰራሕተኛታትን ዕደና ወርቂ ዛራ ተመዚዙ ይነጥፍ ኣሎ፡፡ ኣብዛ ጉዳይ እድሪስ መሓመድን ብጾቱን ግን ናይቲ ቤ/ጽሕፈቱ መፋቱሕ ንወዲበየነ ኣረኪቡ እዩ ዝወጸ፡፡

ሽድሽተኦም ኣባላት ኣብ ቤ/ጽ ሞኖፖል ምስ ኣተው ፍስሃጽዮን፡ ራሻይዳን ከም መራሕ መኪና ዝነበረ ዓብዱሰላም ጌቱን ካብታ መኪና ወሪዶም ምስ ወዲ በየነ ተዘራሪቦም፡፡ ፍስሃጽዮንን ራሻይዳን ምስ ወዲ በየነ ተሪፎም ዓብዱሰላም ጌቱ ንሃብተኣብ ኣዋጁ፡ እዝጊሕሽ ኣብርሃን በረኸት ሃበተን ሒዙ ልክዕ ሰዓት 6፡00 ካብቲ ቤ/ጽ ወጺኦም፡ ብቤት ገርግሽ ኣቢሎም መንገዲ በጽዕ ሒዞም ልክዕ ሰዓት 7፡30 ጋሕቴላይ ኣተው፡፡ ክሳብ ዝጽልምት ንዝተወሰነ ሰዓት ምስ ጸንሑ ጋሕቴላይ ሓሊፎም ንሸነኽ የማን ተጠውዮም ኣብ ማይኣጣል ምስ በጽሑ መራሕ መኪና ዓብዱሰላም ጌቱ መብራህቲ ኣጥፊኡ መኪና ደው ኣቢለ፡፡ ኣርባዕቲኦም ካብታ መኪና ወሪዶም ብመሪሕነት ዓብዱሰላም ጌቱ ባዴላን ኣፍራዛን ተሸኪሞም ካብ ጽርግያ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ንኣስታት 10 ደቓይቕ ብእግሪ ተጓዒዞም ኣብ ሓደ ሰራው (ጨዓ) ዝበዝሖ ጎልጎል ምስበጽሑ ን4 ሰብ ዝሕዝ ጋህሲ ክኹዕቱ ዓብሰላም ነጊረዎም ናብ ኣስመራ ተመልሰ፡፡
ክቡራት ነበብቲ ብወ/ሃ/ድ ውሽጣዊ ጸጥታ ንዝውሰዱ ስጉምታት ቦታ ዝመርጹን፡ ጽኑዕ ከባቢያዊ ሓለዋ ዝመርሑን ሓለፍቲ ዝስዕቡ እዮም፡
1. ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂ
2. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ
3. ካፒተን ሽደን መለስ
4. ሜጀር ሃይለ ብርሃነ (ሓላፊ መራኸቢታት ወ/ሃ/ድ ውሽጣዊ ጸጥታ ነበር) ኣብ መወዳእታ 2011 ኣብ ሞንጎ ኣኼባ “ንስራሕ ትድለ ኣለኻ” ተባሂሉ ምስተወስደ ደሃዩ ዘዝጠፈአ ሰብ እዩ፡፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝርከብ ጸብጻቡ ግን ብጉዳይ ወርቂ ቢሻ ንዘይምልከቶ ሰብ ሚስጢር ከምዘውጸ ይሕብር፡፡ እድሪስን ብጾቱን ንምርሻን እውን ነቲ ቦታ ዝሓረዩን ስውር ሓለዋ ዝመደቡን፡ እዞም ሓለፍቲ እዮም፡፡

ዕለት 22/08//2007 ፍርቂ ለይቲ (ሰዓት 12፡00)
ዓብዱሰላም ጌቱ ነታ ሚኒባስ ሒዙ እንዳመርሐ ካብ 2001 ጀሚሩ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ (ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ) ዝሕዛ ዝነበረ ኮድ 3 ጻዕዳ ላንድኩሮዘር ኣስዒቡ ናብቲ ቦታ በጽሐ፡፡ መራሕ እታ ካልኣይቲ መኪና ም/ተለንተ መልኣከ ሓጎስ ይበሃል፡፡ ልክዕ ኣብታ መላገሲት ምስ በጽሑ ካብታ መኪና ሜጀር ካሕሳይ በየነ፡ ሜጀር ፍስሃጽዮን፡ ሜጀር ተወልደ ራሻይዳን፡ መልኣከ ሓጎስን ወሪዶም፡፡ መብራህቲ መኪና ዝረኣዩ ጉድጓድ ዝኹዕቱ ዝነበሩ ኣባላት ንወዲ ኣዋጁ (ሃብተኣብ ኣዋጁ) ገዲፎም ተሓዊሶምዎም፡፡ ወዲ በየነ ናይታ ላንድኩሮዘር ናይ ድሕሪት መቐመጢ ኣቑሑ ክኸፍቱዎ ሓቢሩ፡፡ 4 ብኣጠምራ ሰራው ዝተጸፍጸፉ ኣእዳዎም ብፌሮ ዝተሞቁሑ እሱራት “ኡይ!” እንዳበሉ እናተቀንዘው ወጹ፡፡ ፍስሃጽዮን ንኹሎም ፈቲሑ ደው ኣበሎም፡፡ እቶም እሱራት
1. ስነ ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ
2. ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ኣደም ሳልሕ (ሸልሸል)
3. ኣብ ጋዜጣ ኢሪትሪያ ኣልሓዲሳ ጋዜጠኛ ነበር ጅምዕ ከሚል (ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ ስሙ ኣይገለጽኩዎን)
4. ኣባል ኮማንዶን ክፍሊ ታዕሊም ዓላ ነበር ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ ሙሳ እዮም፡፡

ካብ መኪና ወሪዶም ኩሎም ደው ክብሉ ምስገበሩ ወዲ በየነ ንነፍሰወከፎም ማስኬራ ወዲዩሎም፡፡ ቀጺሉ ወዲ በየነ ካብ ጋቤና ድምጺ ኣልቦ ብረት ኣውጺኡ በቢተራ ብሓይሊ እናጎተተ ናብቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ ዝነበሮ ጋህሲ ወሲዱ ረሺንዎም፡፡ ኣብ መወዳእታ እቶም ኣባላት ናብቲ ጉድጓድ ከይዶም ሓመድ ኣልቢሶምዎም፡፡ ነቲ ጉድጓድ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ኣግራብን ሓመድን ኣመሳሲሎምዎ፡፡ ሰዓት 02፡30 ምስኮነ ኩሎም ኣባላት መገዲ ጋሕቴላይ ሒዞም ንኣስመራ ተመሊሶም፡፡ ናይዚ ሙሉእ ጸብጻብ (Operational Report) ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዓቂቡ ይርከብ፡፡ ገለ ካብ ትሕዝቶ ጸብጻባት ኣቦ አደም ሸልሸል ኣብ ኣጅፕ (ቤ/ጽ ፖሊስ ኤርትራ) ብዛዕባ ደሃይ ወዶም ብተደጋጋሚ ከምዝሓተቱን እቲ ዘሕዝን ሓንቲ ኣሚራ መሓመድ ትበሃል ጓል ክምርዖ መደብ ከምዝነበሮን ከይተረፈ ብደቂቕ ይገልጽ፡፡

ክቡራት ነበብቲ ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ ከለኹ ንምግላጹ ዘጸግም ሓዘን እንዳተሰመዓኒ እዩ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝዝረብ ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ!” ዝብል፡፡ እምበኣር እቲ ነዘመናት ተሸፊኑ ዝነበረ ሳግላ ሎሚ ቀላሊዐዮ ኣለኹ፡፡ ገና ውን ብዙሓት ሳግላታት ክቐላልዕ እየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ ሓበሬታ ዝሰማዕኹም ስድራቤት ሰማእታትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል፡፡

Eritrea's Disappeared

18 hrs

New information has emerged concerning the status of seven (7) of a group of more than a dozen Eritreans who were arrested by the Eritrean secret police in late November and early December 2005 and had since been made to disappear (Refer to a previous Eritrea's Disappeared post on the story, link below). The Facebook page SACTISM-Classified Documents has recently published detailed accounts in Tigrinya about the fate of the seven prisoners who were being held at the Karsheli prison in Asmara. According to the page, four (4) were executed in Mai Atal at midnight, 22-23 August 2007, by a shot to the head and their bodies buried together on the spot. They were:

1. Idris Mohammed Ali – veteran of the Eritrean Independence struggle and patriotic singer;
2. Jimi'e Kmeil – Journalist at Eritrea al Hadeetha;
3. Ahmed Mohammed Musa Gumo'e – Captain in the Eritrean Defense Force's Commando brigade;
4. Adem Shelshel – Employee of the Ministry of Information and former police officer in Asmara

Three (3) others had died earlier (June-July 2007) in prison, namely:

5. Al'amin Jeilani – officer at Asmara Traffic Police (formerly with the Immigration office). He died in his prison cell due to lack of medical attention and was secretly buried in the vicinity of Deki Nazo on the road to Dekemhare;
6, 7. Two of the prisoners whose names were not given (one was arrested in Keren and the other in the Southern Region) died days within each other in the same period. The cause of their death was torture and untreated ailments. They were both secretly buried near Deki Ar'ada on the way to Dekemhare.

Major Kahsai Beyene (Wedi Beyene) was in charge of their interrogation as well as all arrangements, such as the secret burials, and personally administered the executions.

The SACTISM page report furthermore provides the names of all the other officers involved with the case, including higher officials responsible, as well as all those who were present at the executions.

____________________________________

BACKGROUND

In the last week of November and first week of December 2005 the Eritrean regime arrested dozens of citizens in several Eritrean towns including Asmara, Keren, Tessenei, Agordat and Barentu. Their whereabouts have remained unknown for many years. Enquiries by families of some of the detainees were rebuffed by the government’s security authorities and, in some cases, family members were threatened with dire consequences if they ever asked again about their relatives. As reported at the time by Asmarino, Farajat, Awate and other Eritrean websites, of those arrested the names of 14 were known, namely:

Jimie Kimel: Journalist and former fighter in the Eritrean Peoples Liberation Front (EPLF). He worked in the EPLF’s Department of Information and Guidance, and later, following Independence, in the Ministry of Information. He was a reporter at ‘Eritrea al-Haditha’ Arabic newspaper and later became its sports editor. Arrested in his home in the Denden (Kagnew) Compound in Asmara.

Taha Mumammed-Nur: Veteran of the Eritrean liberation struggle. He was one of the founders of the Eritrean Liberation Front (ELF) in 1960 and foreign relations head of the Popular Liberation Front (PLF) in the 1970s. He served as member of the Eritrean Referendum Commission in 1992-1993. At the time of his arrest in Asmara, he run a private business including a language school.

Idris Muhammed-Ali: Veteran patriotic singer. One of the founders of the music band of the PLF, forerunner to the EPLF, in 1974. Known for his many patriotic as well as love and social consciousness songs. In 1991, he founded ‘Love of the Homeland’ musical band in Eritrea, of which many of the young members later became well-known artists, including the renowned composer, Mukhtar Saleh. He was arrested in Asmara.

Omar Keckia: Veteran fighter of the EPLF. Also was a member of the ELF. Since Eritrea’s Independence, he worked in the Ministry of Education (MoE). At the time of his arrest, in Keren, he was serving as a MoE supervision officer.

Mohammed-Jimie Arei: An officer in the Eritrean Police Department. At the time of his arrest, he was working as a forensic expert at the Police headquarters, known as AGIP. He had studied law at Khartoum University and received forensic studies training in the Netherlands.

Adem Shelshel: former EPLF fighter. Worked in the Eritrean Police Department in Asmara (Station No. 1, and at the HQ) and was later transferred to the Ministry of Information. Arrested in Asmara.

Mohammed Abdulhaleem: Writer, poet and businessman. Former journalist at Eritrea Al Hadeetha. Arrested in Barentu.

Abubakr Berq Ramadan: Civil servant in the administration of Keren town. Previously was an officer in the PFDJ (the ruling party) branch in Keren. Arrested in Keren.

Salah Greinet: Ticket officer in the Eritrean Airlines head office in Asmara. National service corps. Served in the Assab front between 1997 and 2003. Arrested in Asmara.

Mahmoud Mesmer: Civil servant, Keren.

Mohammed Nur: Hotel manager. Arrested in Agordat.

Hasan Abubakr (Farini): Hotel manager in Barentu and musician. Arested in Barentu. [Released after spending 6 years in prison, but in poor health and mute (unable to speak). Died 2 months later on February 1st 2012 in Barentu.]

Abdalla Ramadan: Businessman, Keren.

Jeilani Al'amin: Traffic police officer, Asmara

[Other names became available later, including: Captain Ahmed Mohammed Musa Gmo'e and Mohammed Musa Raka]

هذه ترجمة للتقرير الاستخباراتي الذي تم نشره بالتجرينية وتم توزيعه علي أوسع نطاق. وبالرغم لا يمكن الثأكد من صحته، ترجمته لاطلاع قراء العربية عليه.
والتحدي للسلطة القمعية هو ان تنفي هذا التقرير بإظهارهم أحياء
This is an Arabic translation of the report on the fate of the legendary artist Idris Mohamed Ali and his colleagues. The challenge for the criminal regime is to deny the report by showing them alive
----------------------------------------------------------------------------------------------------
مصير الفنان ادريس محمد علي وزملاؤه

يوم ١٥ نوفمبر ٢٠٠٥
عقد اجتماع في الساعة ١٠:٣٠ في مكتب الرئيس. الذين حضرو الجتماع، وكلهم كبار قادة الجيش والامن و هم أبرهة كاسا، سيمون جبري دنقل، يماني أفورقي، كحساي بيني، سبحة إفريم، فيلبس ولدي يوهانس، قبرى إقذابهيرإعند ماريام (وجو) ، تكلي طعمى، تكلى كفلاي (منجوس)، طعمى جويتوم كنفو (ميكيلي)، فظوم إسحاق (لينين). وترأس الاجتماع الرئيس وكان إلى جانبه تسفالدت هابتي سيلاسي. وكان جدول أعمال الاجتماع على النحو الذي قدمه الرئيس، " الوضع الأمني الحالي في البلاد وما يمكن القيام به من جانبنا بشأن الاستعدادات للانتخابات الاثيوبية." وكان الجزء الأول الذي تم مناقشته وأعطي أولوية قصوى كان عن الانتخابات الاثيوبية. وبعد مناقشة هذه القضية لمدة ساعتن، سأل اسياس أبرهة كاسا لبدء الإحاطة حول الوضع الأمني وثم تلاه الآخرين . استمر الاجتماع في فترة ما بعد الظهر وأختتم عند الساعة ١٥:٤٥.

ثم طلب إسياس من أبرهة كاسا وغيرهم من أفراد الأمن على البقاء وعقد اجتماع آخر لمدة ٢٠ دقيقة. في هذا الاجتماع، كان جدول الأعمال الذي أثاره ودي كاسا عن "التطرف الإسلامي والظاهرة الجهادية". وذكرودي كاسا في إحاطته ، "على الرغم من أنه يبدو وكأنه لعب اطفال، فالذين ما زالت تساورهم مشاعر الجبهة أمثال إدريس محمد علي بدأو يصبحون جزء من مظاهرتطرف إسلامي التي بدت تظهر. واحد سوداني لخباط من الذين الذين اعتقلناهم يشير أيضا إلى هذه الظاهرة. الأشخاص الذين ذكرهم الرجل السوداني بشكل رئيسي اشخاص من الذين نشأوا في السودان، وبالتالي أنا متحفظ قليلا في هذه المسألة ". ثم أخذ اسياس الكلمة وذكر ياودي كاسا، كما تعلمون جيدا أنه ليس لدينا أي تسامح مع هذه الظاهرة، يجب اتخاذ التدابير اللازمة التي تراها مناسبة، دون أي رحمة ".

في يوم ٢٤ نوفمبر، ألقي القبض على إدريس محمد علي و١٢ شخصا أخرفي نفس الليلة من أماكن مختلفة من قبل فرقة برئاسة اللواء كحساي بينى (ممثل الأمن الداخلي و محقق رئيسي). تم تعيين اثنين من المحققين من قبل أبرهة كاسا وسيمون جبري دنقل للتحقيق في القضية، وهم:

١ـ اللواء كحساي بينى (ودي بينى) - كمحقق رئيسي
٢ـ الرائد فسهاظيون، عضو فريق التحقيق الأمني، الذي يعرف لغة التقراية والذي كان في السابق ممثل وسائل الإعلام في الساحل، وتحت قيادة كحساي بينى، تم تعيين ستة من رجال الامن لحراسة المعتقلين و أعطيت لهم مفاتيح الزنزانات في سجن كاشيلي والحراس كانوالاتية أسماءهم:
١ـ عندأب منجستاب
٢ـ هبتأب أواجو (ودي أواجو)
٣ـ أذقحيش أبرهة (كوخب)
٤ـ برخت هابتي
٥ـ عبدالسلام قويتو
٦ـ قرماي حاقوس (من مقاتلي١٩٩٠)

باالإضافة الي إدريس محمد علي والرجل السوداني كان هناك ١٧ شخصا الذين يتم متابعتهم من قبل الأمن الداخلي، تحت قيادة كحساي بينى، على افتراض أنهم كانوا متطرفين اسلاميين. الحراس الذين اختيروا لحراستهم للفترة نوفمبر ٢٠٠٥ إلى أكتوبر ٢٠٠٦ كانو المذكورين أعلاه من رقم ١ إلى رقم ٣ ، ورقم ٤ و ٦ للفترة من أكتوبر ٢٠٠٦ إلى أغسطس ٢٠٠٧

في سجن كارشيلي (التحقيق الجنائي) وهناك أكثر من ٣٠ وحدة تحت الأرض وبها أكثر من ١٦٠ زنزانة. ويخضع لحراسة مشددة لمدة ٢٤ ساعة في اليوم. وهو محاط بسياج بطول ٧ أمتار من الأسلاك الشائكة. إداريا كان تحت الشرطة ويقودها اللواء أتو برهان، ولكن ٩٠٪ من السجناء هم الذين يشتبه فيهم إما مكتب الرئيس أو الأمن الداخلي. يتم إرسال التقارير المفصلة عن كل سجن سياسي بانتظام إلى مكتب الرئيس
عندما تم إحضار إدريس محمد علي وجماعته إلى السجن، تلقى اللواء كاحساي بينى ونائبه المفاتيح من رئيس السجن أتوبرهان وقال للحراس المعينين أن هؤلاء السجناء يجب وضعهم تحت المراقبة المشددة، وأنها لا ينبغي أظهار أي تعاطف تجاههم

هؤلاء السجناء (إدريس وجماعته) بقوا في السجن من نوفمبر ٢٠٠٥ لمدة ٢٢ شهرا. خلال هذا الوقت كله، لم يرو الشمس، ولا حتى ليوم واحد، لم يكن يقدم لهم أي علاج طبي، قبل تحويلهم إلى السجن كان التحقيق تم في أماكن مختلفة. كان الرائد كاحساي بينى يقابل الرجل السوداني السجين عدة مرات. وكما هو معروف كانو هناك عدة سودانيين في السجون الإريترية. وكان واحد منهم نصرالدين أبوبكر الذي اعتقل في عام ١٩٩٧ بتهمة محاولة لاغتيال الرئيس اسياس.

من ال١٧ سجينا في المجموعة، تم فصل ٧ وتم متابعتهم عن كثب. وهم
١ـ إدريس محمد علي
٢ـ آدم صالح (لش ليش) (من أفراد الشرطة)
٣ـ الامين جيلاني (الهجرة / شرطة المرور)
٤ـ النقيب احمد محمد موسى (جنوبي) الذي كان عضوا في الكوماندو
٥ـ جمع كميل ـ وزارة الإعلام
٦ـ واحد من منطقة كرن
٧ـ واحد من المنطقة الجنوبية (ساهو)

استشهد ثلاثة من هؤلاء بين شهري يونيو ويوليو ٢٠٠٧ بسبب الضغوط المختلفة. توفي الامين جيلاني في زنزانته بسبب مرض ولم يخضع للعلاج. تم نقل جثمانه في احدي اليالي من قبل الرائد، ودي بيني ودفن في المناطق المحيطة بدقي نازو علي طريق دقي أمحري. الشخص الذي جاء من منطقة كرن والرجل من الساهو توفيا خلال أيام قليلة من بعضها البعض في زنزاناتهم نتيجة للتعذيب وسوء المعاملة. وتم دفنهم سريا على طريق دقي أمحري، بالقرب عدي عرادة

معلومات عن إدريس و زملاء الثلاثة
في يوم ٢٠ من شهر أغسطس عام ٢٠٠٧، التقي أبرهة كاسا، وسيمون جبري دنقل وولدذقي بهتا وكحساي بيني في مكتب الرئيس في الساعة ١٦:٣٠ وغادروا المكتب في حوالي ١٧:٠٠وبعدها التقو لفترة وجيزة في مكتب الأمن المركزي (فندق شاو).

في صباح يوم ٢٢ أعسطس عام ٢٠٠٧ ، ذهب الميجور كاحساي بين إلى سجن كارشلي. في ذلك اليوم الحراس في السجن كانو عبد السلام قيتو، برخت هابتي وقرماي حقوس. دعا كحساي الثلاثة وقال لهم: عملكم لليوم قد انتهي ولكن لدينا مهمة لهذه الليلة استعدو لذالك. وقال أيضا لقائد السجن، أتو برهان أن الحراس في الأعلى، على الجانب الشرقي يجب أن يتم أنزلهم اعتبارا من بعد ظهر اليوم.
الساعة ١٦:٠٠ من نفس اليوم جاء الرائد كاحساي بينى مع حافلة صغيرة بيضاء تحمل لوحة حكومية ٠١٢٠٢ (لا تزال السيارة متوقفة في المكتب). عندما أكد كافة الاستعدادات أجريت كما يرام، قال للحارس لديك الأقنعة في السيارة. دعهم يأتون واحدا تلو الآخر واسماح لهم ان يلتقو لكي لا يخافو. وإذا كان لديهم ملابس يستبدلونها فليسمح لهم بتغيير ملابسهم. عند الانتهاء غطيهم بالأقنعة وادخلهم في السيارة.
حول الساعة ١٧:٠٠ دخل الحراس الثلاثة الي الزنزانات . اول من خرج كان النقيب أحمد محمد موسى، ثم تلاه آدم لش لش، ثم إدريس محمد علي وجمع كميل الذي كان في وزارة الإعلام. كان آدم لش لش مشلولا فحملوه على الخروج. تبادل آدم وإدريس التحيات. كان هناك بصيص من الأمل على وجوه كل منهم.

ثم تمت تغطيت كل واحد منهم بالأقنعة وأدخلو في السيارة. ثم قال لهم ودي بينى، سوف تذهبون إلى مكان ما وتعودن وطلب منهم أن الانحناء داخل العربية. كان السائق عبد السلام قيتو، والباقين من الأمن، كاحساي بينى ، بركت هابتي وقرماي حقوس جلسو مع السجناء.

الحافلة اخذت طريق إندا مريم، جراج عمبربر ماي جحجح ودخلت إلى قسم الأمن الداخلي الذي يقوده رؤسوم أباي (ودي مرقانو) . انتظرهم هناك ثلاثة من الحراس الذين كانوا يحرسوهم لمدة عام تقريبا. وكانوا عنداي منجستاب،هبتأب أبرها، إذقحيش أبرها، وبعد أخذ السجناء واحدا تلو الآخر، أدخلوهم و في غرفة واحدة. ثم طلب الرائد بيني ٤ من ألأمن للذهاب الي الرائد كبروم جبري تاتيوس وجلب المعدات. وقدم الرائد كبروم، رئيس الخدمات اللوجستية في الأمن، لهم المواد اللازمة للحفر ومعاول.

في ذلك التاريخ، حضر الميجور فسحاظيون، الذي كان الرجل الثاني في قيادة التحقيق في قضية إدريس محمد علي، كما حضرالميجور تولدي رشايدة، المحقق من السجناء السياسيين، في سيارة إلى مكتب الأمن الذي يرأسه العقيد رؤسوم أباي (ودي مرقانو) . ومن المعروف ان العقيد رؤسوم من المدمنين على لعب الورق ويعيش في منزل مجاور لمحطة البنزين التي هي في جوار منطقة بار تورينو.وكان عضوا في فرقة الكوماندوز في الجبهة الشعبية. بعد الحرب مع الوياني في عامي ٢٠٠٠ و ٢٠٠١ شارك بنشاط في اعتقال وقتل الاثيوبيين وكذلك في إلقاء القبض على مجموعة ال ١٥ وأتباعهم. وفي الوقت الراهن،يعمل بغطاء موظف مدني، على الرغم من انه عضو بالأمن، في منصب ضابط أمن لمشروع منجم بيشة
عندما وصل المسؤولين الأمنيين الستة في مكتب فسهاظيون، تولدي رشايدة وعبد السلام الذي كان يقود السيارة، ترجلو من السيارة وتحدثو إلى كحساي بينى. فسهاظيون ورشايدة بقو في المكتب، في حين غادر عبد السلام قيتو،هبتأب أواجو، وإذقحيش أبرهة مع السيارة حوالي الساعة ١٨:٠٠، مروعن طريق بيت قرقيش وتوجهوا إلى طريق مصوع، ووصلو قحتيلاي حوالي الساعة ١٩:٣٠. انتظروا لعدة ساعات حتى يعم الظلام . ثم انحنو يمينا واتجهو نحو ماي أطال.

في ماي أطال، عبد السلام أوقف السيارة. نزلو ال ٤ وذهبو سيرا على الأقدام شمال شرقا لمدة ١٠ دقائق، و عندما وصلوا منطقة فيها أعشاب، قال لهم عبد السلام أحفرو حفرة التي يمكن أن تستوعب ٤ جثث وعاد إلى أسمرة بالسيارة .

القراء الأعزاء، المسؤولين في إدارة الأمن الذين يختارون الأماكن التي يتم تنفيذ عمليات القتل والذين يقدمون أقصى درجة من الحراسة إلى هذه المناطق هم:
١ـ العقيد يماني أفورقي
٢ـ فظوم يوهانس
٣ـ شيدن ميلس
٤ـ اللواء هايلي برهاني (كان رئيس الاتصالات في قسم الأمن الداخلي واستدعي في نهاية عام ٢٠١١ ومنذ ذلك الحين اختفى)، ولكن المعلومات عنه في مكتب الرئيس تفيد بانه سرب معلومات حساسة عن منجم بيشة للذهب.
كان هؤلاء أيضا الأشخاص الذين اختاروا المكان حيث سيتم قتل إدريس وزملائه والذين قدمو أيضا الحراسة الازمة.

بتاريخ يوم ٢٢ أغسطس عام ٢٠٠٧و في منتصف الليل، الساعة ٢٤:٠٠، وصل عبد السلام قيتو مع حافلة صغيرة. تتبعه لاندكروزر بيضاء تحمل الرمز٣، وهي العربة التي كانت تستخدم من قبل العقيد ولدذقي بهتا، رئيس ألامن الداخلي. وكان سائق السيارة الثانية ملاكىي حاقوس، وعندما وصلوا إلى مفترق الطريق نزل من السيارة: اللواء كاحساي بينى ،واللواء فسهيظيون، اللواء تولدي رشايدة وملاكىي حقوس. أفراد الأمن الذين كانوا يحفرون الحفرة تركو هبتأب أواجو وإتجهو نحو السيارة. وأخبرهم ودي بينى بفتح الجزء الخلفي من السيارة.وخرج الأشخاص الذين كانوا مكبلي الأيدي والذين تم ربط ايدهم مع بعض، خرجو يصرخون من الألم. فتح فسهاظيون رباط كل منهم، وجعلهم يقفون. و السجناء كانو:
١ـ الفنان إدريس محمد علي
٢ـ آدم صالح (لش ليش) (من أفراد الشرطة)
٣ـ جمع كميل ـ صحفي في إرتريا الحديثة
٤ـ النقيب احمد محمد موسى (جنوبي) الذي كان عضوا في الكوماندو

بينما كانوا يقفون، وضع ودي بيني قناع على كل منهم. ثم أخرج سلاح كاتم صوت وسحب كل واحد منهم واحدا وبقوة واعدمهم في الحفرة. ثم تمت تغطية الحفرة بالرمل وموهة بالشجيرات والرمل من المناطق المحيطة. في الساعة الثانية والنصف صباحا تحرك كل أفراد الأمن الي طريق أسمرة. توجد نسخة كاملة من هذا التقرير في مكتب الرئيس. جزء من التقرير على سبيل المثال يذكر أن والد آدم صالح (لش لش) جاء الي مركز أجيب للأمن للسؤال عن مكان وجود ابنه، بل وانه ذكر انه كان ينوي تزويجه من فتاة تدعى أميرة. أشعر بأسف بالغ لإبلاغ عن هذا الحدث، ولكن كان على الملأ ان يعرفوالحقيقة. وانتهز هذه الفرصة لأقول لأسرهم والشعب الإريتري ، التعازي الحارة. لقد كشفت اليوم هذا السر، وسأكشف المزيد في ا

source

SACTISM-Classified documents of diwindling pfdj ሳክቲዝም: ህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ