‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ራሻይዳ፡ ንሓንቲ ገንዘብ ምኽፋል ዝሰኣነት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብካላሽን ቀቲሎም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ፡ ካብ 85 ኤርትራውያን ድማ

Friday, 25 September 2009 22:47

እንስሳዊ ጠባዮም ሳዕሪሩ ብኤርትራዊ ህይወት ምጽዋት ዝቕጽሉ ዘለዉ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ‘ነጋዶ ሰብ’ ዝኾኑ ኣባላት ራሻይዳ፡ ኣብ ምስሪ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና፡ ኢሎም ብምትላል ን85 መንእሰያት ካብ ከሰላ ናብ ምስሪ ብምውሳድ፡ ካብቶም 81 ሰሰለተ ሽሕ ዶላር ክዘምቱ ከለዉ፡ ንሓንቲ “ኣብ ወጻኢ ስድራቤት የብለይን፡ ካበይ ከምጻልኩም፡ ክኸፍል ኣይክእልን እየ” ዝበለቶም ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኻላሽን ቀቲሎም፡

ኣብ ቅድሚ ‘ቶም መማጽእታ ብኻራ ጠባቢሖም ኮላሊታ ከምዝወሰዱዎ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ኣመላለስቲ ራሻይዳ፡ ነቶም በታ ምስኪነይቲ ግዳይ ኣፈራሪሖም ሰሰለስተ ሽሕ ማለት ብድምር $243,000 ዶላር ዝዘመቱዎም ኤርትራውያን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ክፍኑዉዎም ከለዉ፡ ንኻልኦት ዛጊት ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ሰለስተ ሰባት ኣሲሮም፡ ‘ገንዘብ እንተዘይምጺእኩም ከምዛ ዝረኣኹማ ጓል ኩሊትኩም ክንወስዶ ኢና’ እናበሉ፡ ነብሶም ብሓዊ እናተኮሱ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት የውርዱሎም ከምዘለዉ፡ ሓደ ተጨኒቑ ብናይቶም ገና ተወሳኺ ገንዘብ ሃረር ዝብሉ ዘለዉ ገፋዕቱ ራሻይዳ ቴለፎን  ናብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰቡ ዝደወለ ግዳይ ሓቢሩ።

እቶም ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ተለቒቖም ዘለዉ ‘ውን ንግዚኡ ኳ ህይወቶም እንተድሓኑ ገና ናብቲ ዝሓሰቡዎ ስለዘይበጽሑ ሽግሮም ከምዝተወደእ ዘረጋገጽ መረዳእታ የልቦን።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዘውረዱሎም ስቓይ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ብተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝሞቱ መሰኻኽርር ካብቲ ቦታ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላል ኩሎም ሰብኣዊነት ዘገድሶም ኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ውልቀሰባትን ማሕበራትን እቲ ጉዳይ ብመንግስታት ምስርን እስራኤልን ኮነ ኣህጉራውያን ውድባት ኣቓልቦ ክወሃቦ ጻዕርታት ክገብሩ ኣዘኻኺርና ኔርና።  እዚ ኤርትራዊ ምኳንካ ዘጽልእ ውርደትን ስቅያትን ስደተኛታት  ሕጂ ‘ውን እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ በብዓቕሙ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ድማ ደጊምና ነዘኻኽር።

ዘይሕጋውያን ኣመላለስቲ ናይ ገንዘብ ስስዐ ‘ምበር ናይ ሰብ ሓልዮት ከምዘይብሎም ግሁድ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ጉዕዞ ስደት ብመሰረቱ ሓደገኛን ዘይምረጽን እንተኾነ፡ ካብኡ ናብኡ ናይ ህይወት ውሕስነት ዘለዎ መንገዲ ክመርጹ ጥንቃቐ ከዘውትሩን ይግባእ። እቲ ንኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ገዛእ ሃገሮም ኣንፊጹ ኣደዳ ሸፋቱን፡ ሞት ባሕርን ምድረበዳን ዝገብሮም ዘሎ ቀዳማይ ጠንቂ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከምምዃኑ መጠን ከኣ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ስርዓት ብምምካት ሰላምን ቅሳነትን ዘረጋግጽ ለውጢ ምምጻእ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ፍታሕ ምዃኑ ‘ውን ደጋጊምና ነተሓሳስብ።