ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ

!

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዙሓት ብፍሉይ ጅግንነቶምን ትብዓቶምን ዝፍለጡን ዝግለጹን ከባቢታትን ወለዶታትን ኣሎዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ከኣ ህዝቢ ወረዳ ቆሓይን ኣውራጃ ሰራየ እዩ። ቆሓይነታይ ጸባ ጸገብን ሰብኣይ ተቓሊሱ ኣብ ምድሪ ዘየተንክፎን ድርብ ዝቐላጽሙ ጅግና ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እንተልዩ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ንሎሚ እምበኣር ሓደ ካብዞም ጀጋኑ ህዝቢ ዚውለድ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ኢና ከነላልየኩም፥

ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴን ኣብ ግዜ ደርግን ጸረ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ዕሉል ደጋፊ መግዛእታዊ መንግስታት ኢትዮጵያን ከም ዚነበረ’ዩ ብሓደ ወገን ማለት በቲ ንታሪኽን ሓቅን ህዝቢ ኤርትራ ጠምዚዙን ጠማዚዙን ወረ ዝነዝሕ ኣካል ብሰፊሑ ይውረን ይውዛዕን ነይሩ። እዚ ከኣ ዛንታ ብፈጻሚ ገበን ጥራይ ዘይኮነስ ብተበዳሊውን ክንገር ከም ዝግብኦ ዘጉልሕ ፍጻመ እዩ።

ኣብ ታሪኽ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ብምባል ነፊኻ፡ ነቲ ጽቡቕ ጥራይ ወይውን ነቲ ሕማቕ ጥራይ ከተቕርብ ምፍታን ግን ገበን ምዃኑ ኩላቶም ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሰማምዕሉ እዮም። እዚ ናይ ታሪኽ ገበን’ዚ ከኣ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብፍላጥ ተሰሪሑሉ’ዩ። ገና ሎሚውን ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ሓቂ ምዝራብን ምጽሓፍን ክሉል’ዩ ዘሎ! ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ካብቲ ብዙሕ ሓደ ታሪኽ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ እዩ።

ፈጸምቲ ገበን፡ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ብምንታይ ምኽንያት ኣንጻር ሰውራታት ኤርትራ ከም ዚዓጠቐ ክገልጹ ከለዉ፡ ብዘይካ ህርፋን ስልጣንን ስርናይ ምልሻን ካልእ ዝኾነ ይኹን ምኽንያትን ባህግን ዘይነበሮ ዕሉል ምልሻ ስርናይ ከም ዚነበረ ጌርካ’ዩ ንዘይፈልጦ ህዝቢ ይግለጸሉ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን እዚ ዝተገልጸድዩ? መልሱ እንሆ፥

ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ኣብ 1919 ዓ.ም. ካብ ኣቦኡ በረምበራስ ስላምሳ ሓጐስን ካብ ኣደኡ ወ/ሮ ዘነበሽ መንገሻን እዩ ኣብ ዓዲ ሓንስ ወረዳ ቆሓይን (ኣውራጃ ሰራየ) ተወሊዱ ዓብዩ። ብዕለት 20/11/1965 ዓ.ም. ድማ ሓንቲ “ብቐዳመይቲ ክፍሊ” እትፍለጥ፡ ብተጋዳላይ ማሕሙድ ዲናይ እትምራሕ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ካብ ባርካ ተበጊሳ ናብ ቆሓይን ብምኻድ፡ ናብ ዓዲ ሓንስ ኣተወት።

ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ (ጀብሃ) ናብ ዓዲ ሓንስ ምስ ኣተዉ፡ ብቐጥታ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም፡ መደረ ከስምዑ ጀመሩ። ሻቡ ሓው ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ዚኾኑ፡ ባሻይ በርሀ ስላምሳ ዚተባህሉ ምስሌነ ዓዲ ብድድ ኢሎም፡ “ስምዑ እዞም ደቀይ፡ ንስኻትኩም እንታዎት እኹም? ናብዙ ዓድና መምጺእኹም ምኽንያትከ እንታይ እዩ?” ክብሉ ተወከሱዎም። መራሒ ኣታ ክፍሊ ተ.ጋ. ማሕሙድ ዲናይ፡ “ንሕና ጀብሃ ኣልታሓሪር ኣል ኤለትርያ” ኢና ንብሃል፤ ንኣኻትኩም ናጻ ከነወጽእ ድማ ኢና መጺእና” በሎም። እኩብ ህዝቢ ዓዲ ሓንስ፡ እተን “ጀብሃ ኣልታሓሪር ኣል ኤለትርያ” ዝብላ ናይ ቋንቋ ዓረብ ቃላት፡ ትርጉመን ስለ ዘይተረድኦ ትሒም ትሒም በለ።

ሻቡ ምስሌነ ዓዲ ዚነበሩ ባሻይ በርሀ ስላምሳ፡ “እሕሕ” ኢሎም ጎረሮኦም ድሕሪ ምጽራይ፡ “ስምዑ እዞም ደቀይ፡ ንሕና ደቂ ጋንዛይን ደማስን ደቂ ኣድከመ-ምልጋእ እና። ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኴንና ከዓ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝተመስረተን እንምርሓሉን ናትና ሕግን ናትና ባይቶን ኣሎና፣ በዙይ እናተዳነናን እናተመራሕናን ከዓመ ምስ ኩሉ ህዝቢ ብሰላም እንነብር ሓረስቶት እና። ስለዙይ ንሕና ፈታዊ’ምበር ጸላኢ የብልናን። ኣብ መሬትናን ዓድናን መጺኡ ዘሸግረና ሓይሊ ስለ ዘየለ ከዓ ብረትን ሓውን ኣየድልየናን እዩ። ስለዙይ፡ ንሎሚ ሽሻይና ተቛዲስኩም ኣብ ዓድና ውዒልኩም ሕደሩ፡ ጽባሕ ንግሆ ግን ካብዙ ቦታና ናብ ዝመጻእኩሞ ብሰላም ውጹልና!” በሉዎም።

ብድሕሪ’ዚ መራሒ እታ ሓይሊ፡ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ኣቕረበ፥ “ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብዚ ከባቢ ናይ ተዂሲ ምቅይያራት ተጌሩ ነይሩ፣ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትፈልጡ?” ኪብል ተወከሶም። ሻቡ ሓደ ሽማግለ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ብድድ ኢሎም፡ “እወ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ገለ ዘይንፈልጦም ዕጡቓትን ኣብ በራቒት ዝጀመረ ረመጽ፡ ክሳብ’ዙ በረኻ ዓድና ልሒሙ ነሩ፡ ኣብ መወዳእትኡ ግን እቶም ዕጡቓት ሓደ ምዉት ገዲፎም ሃዲሞም ከይዶም፡” ክብሉ ምስ መለሱ፡ ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ. ሰላሕ ኢሎም ካብቲ ዓዲ ብምውጻእ፡ ናብ በረኻታት እቲ ዓዲ ገጾም ተዓዝሩ፤ ህዝቢ ድማ በቲ ፍጻመ ንሓድሕዱ እናዕለለን እናዘተየን ነናብ ቤቱ ፋሕ በለ።

ንጽባሒቱ ዕለት 21 ሕዳር 1965 ዓ.ም. ወጋሕታ ግን ኣብ ዓዲ ሓንስ ብሃንደበት ኣውያትን ዋጭዋጭታን ተሰምዐ። ሓይሊ ማሕሙድ ዲናይ፡ 130 ዝኾኑ ዕጡቓት ሒዛ ናብ ዓዲ ሓንስ ብምምላስ፡ ን36 ሰባት ብግፍዒ ቀተለት። ንምስሌነ ዓዲ ባሻይ በርሀ ስላምሳ ድማ ምስ ሻዱሻይ ርእሶም ናብ ማይ ጐርዞ ዝብሃል ቦታ ወሲዶም ምስ ጸጋይ ዝብሃል ወዶም ድሕሪ ምቕታል፡ ርእሲ ባሻይ በርሀ ስላምሳ ቆሪጾም ሒዞሞ ከዱ።

ኣብቲ ህልቂት ኣቶ ሃይለ ስላምሳ ዚተባህሉ ሓዎም ንባሻይ በርሀ ስላምሳ፡ በረምበራስ በራኺ፡ ኣቶ ሃይለ በራኺ፡ ኣቶ ኣየለ በራኺን ኣቶ መሓሪ በራኺን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣሕዋት ደቂ ሓብቶም ንባሻይ በርሀን እውን ተቐትሉ። ኣውያት ዝሰምዑ፡ ኣብ ጎደቦ ዓዲ ሓንስ ዝርከቡ ዓድታት፡ ደወል ቤተ-ክርስትያን ወቒዖም ብጉያ ክረድኡ ናብ ዓዲ ሓንስ ተኣከቡ። ገለ ካብቶም ናብ ዓዲ ሓንስ ገጾም ዝጎየዩ ጎረባብቲ ዓድታት ድማ ናብ ዓዲ ሓንስ ቅድሚ ምእታዎም ሬሳ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ መገዲ ወዲቑ ረኸቡ። በቲ ፍጻመውን ኣዝዮም ሰንበዱን ረዓዱን! ርእሲ ባሻይ በርሀ ስላምሳ እውን ብድሕሪኡ ንበይና ኣብ በረኻ ወዲቓ ብጓሶት ተረኺባ፡ ተኣርያ ናብ ዓዲ መጸት!

ተጋደልቲ ጀብሃ ብተወሳኺ፡ 340 ከብቲ፡ 96 ኣእዱግ፡ ኣርባዕተ ኣፍራስ፡ ሽዱሽተ ኣባቕል፡ ናይ ዓዲ ሓንስ ዘሚቶም ብምውሳድ ኣብ ዕዳጋታት ከሰላ ሓረጁወን። ገለ ክፋል ናይ ዓዲ ሓንስ እውን ብሓዊ ኣቃጸሉዎ! እዚ ግፍዕታት’ዚ ክፍጸም ከሎ፡ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ዝርከቦም ገለ ደቂ ዓዲ ሓንስ፡ ኣብ ኣድያቦ ኣብ ማሕረስ ስለ ዝነበሩ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዒ ኣይተኻፈሉዎን። ኣማስያኡ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ግን እቲ ዘሐዝን ፍጻመ ተፈጺሙ ጸንሖም።

ብድሕሪ’ዚ እቶም ብሞት ኣሕዋቶምን ደቂ ዓዶምን መዓንጣ ከብዶም ሕርር ዚበሉ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ብቐጥታ ናብ ኣስመራ ብምኻድ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ “ካብ ሸፋቱ መሐለዊ ነብስና ዝኾነና ብረት ሃቡና?” ኢሎም ተማሕጸኑዎም። መፍቶቱ ዝረኸበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብቐጥታ 2000 ብረት ክወሃቦም ኣዘዘ።

ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳን ብጾቶምን 2000 ዝኸውን ጠበናጁ ምስ ጠያይቱ ሒዞም ካብ መገሻኦም ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ከኣ ኣኼባ መላእ ህዝቢ ቋሓይን ጸውዑ። ከባቢ 800.000 ዝኸውን ህዝቢ ድማ ተኣከበ። ኣብቲ ኣኼባ እቶም ክልተ ኣሕዋቶምን ኣርባዕተ ደቂ ሓብቶምን ከምኡውን ሓደ ወዲ ሓዎምን ምስ ብዙሓት ደቂ ዓዶም፡ ብሓንቲ መዓልቲ ዝተቐዝፉዎም ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኪብሉ መደረ ኣስምዑ፥

“ክቡራትን ክቡራንን ተጋባእቲ ዋዕላ ዓዲ ኣቦይ፡ ጋንዛይን ደማስን ደቂ ኣድከመ ምልጋእ፡ ቅድሚ ሕዪ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝተመልኦ ህልቂት’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ! ስለዙይ፡ ነዙ ህዝብና ቀቲሉ ንብረትና ዝዘመተ ጭፍራ ሸፋቱ፡ ብእዋኑ ከነጥፍኦ ኣለና! ኣነ ብወገነይ ነዙይ ንምፍጻም ድሉው ኣለኹ! ጌጋ እንተሎኒ ድማ ብፍቓድ ዓደቦይ ንኽኸይድን ንኽእረምን ቅሩብ’የ” ብምባል ሓሳባቶም ብቑጥዐ ገለጹ። ተጋባኢ ዋዕላውን ንጻውዒቶም ዝድግፍ ድምጺ ይርሓሰና ኣስምዐ።

ብድሕሪ’ዚ ህዝቢ ወረዳ ቆሓይን ኣውራጃ ሰራየ፡ ብዕለት 26 ነሓሰ 1965 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ብወግዒ ኲናት ኣወጀ። ክሳብ 1982 ጀብሃ ብምትሕብባር ሻዕብያን ወያነን ካብ ሜዳ ኤርትራ ተጸራሪጋ ናብ ሱዳን ትስጎግ ድማ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳን ብጾቶምን ምስ ጀብሃ ብምርብራብ ንመሬት ቋሓይን እግራ መሊኣ ከምዘይትረግጾ ገይሮማ ነበሩ።

ጥፍኣት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ካብ ሜዳ ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያዊ/ኤርትራዊ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብርሃ፡ ዕላማ ለኣኺኡ ኢትዮጵያዊ ሃጸይ ሃይለስላሴ መኰነን ብዓወት ዝፈጸመሉ ዕለት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ታሪኹ ፍሉይ ቦታ’ዩ ዘሎዎ!

ኣብቲ እዋን፡ ጀብሃ ጠቕሊላ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰጐጎት ዝሰምዐ ህዝቢ ቋሓይን ድማ ንቊሩብ ግዜ እፎይ ኢሉ ኣዕረፈ። ብዙሕ ከይደንጎየ ግን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ናብ ቆሓይን ብምኻድ፡ “ንሕና ከም ጀብሃ ህዝቢ ነበሳብስ ዕጡቓት ኣይኮናን፣ በጃ ህዝቢ እንውፈ ደቅኹም ተጋደልቲ ኢና” ብማለት ከልዝቡዎም ፈተኑ። እቶም ብሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ዝምርሑ ዕጡቓት ደቂ ቋሓይን ግን ምስ ህብዞም ብምዃን፡ “ኩላትኩም ሓደ ጸረ ህዝቢ ኢኹም! ኪዱ ካብ ዓድና ውጹልና ኣይንቕበለኩምን ኢና!” ብምባል ኣባረሩዎም። ልኡኻት ህ.ግ. (ሻዕብያ) ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ከምቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምቲ ኣይወሰዱን። ሕራይ ኢሎም’ዮም ናብ ዝመጹዎ ሰላሕ ኢሎም ተመሊሶም።

ብድሕር’ዚ ፍጻመ’ዚ ብቐጥታ ንሻምበል ኣሰፋ ስላምሳን ዕጡቓቱን ፈልዮም ንምጥቃዕ ኣብ ምክትታል ኣተዉ። ድሕሪ ሓጺር ክትትል ድማ ብዕለት 8/11/1982 ዓ.ም. ንግሆ ሰዓት ኣርባዕተ፡ ነቲ ሻምበል ኣሰፋን 12 ዕጡቓትን ደቂሶሙሉ ዝነበሩ “ክሳድ ጓል ማይምነ” ዝተባህለ ታባ ተዂሲ ከፊቶም ኣጥቅዑዎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ድማ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ውግእ ብዘይምቁራጽ ተኻየደ። ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ውግእ ምስ ጻዕጽዖም ምስ ብጾቶም ናብ ጎቦ ዓዲ ጉርዲ ገጾም ኣዝለቑ።

ተጋደልቲ ህ.ግ. ግን ደድሕሪኦም እናሰዓቡ ብምትኳስ 11 ሰባት ቀተሉሎም። ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ እውን እግሮም ተወጊኦም ምንቅስቓስ ስኢኖም ንበይኖም ተረፉ። ብቐደሙውን እግሮም ኣብ ዝሓለፈ ግጥማት ብምውግኦም ወትሩ ሓንከስ እናበሉ’ዮም ይቃለሱ ነይሮም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ርብርብ ከለዉ ድማ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ምስ ኮነ ዕጡቓት ህዝቢ ቆሓይን ረዳት መጺኦም ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብድሕሪኦም ኣትዮም ከጥቕዑዎም ጀመሩ። ሻቡ ተጋደልቲ ህ.ግ. ብጉያ ናብቶም ኣብ በሪኽ ቦታ ደይቦም ኪትኩሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጠያይቲ ስለ ዝወድኡ ድምጾም ዘጥፍኡ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ብምድያብ፡ ብጭካነ ቀተሉዎም። ብድሕሪ’ዚ ተዂሲ ዝሰምዐ ሰራዊት ደርግ እውን ነቲ ውግእ ተጸንበሮ። ብኹሉ ወገናት ተዂሲ ምስ ጻዕጽዐ ድማ ሰራዊት ህ.ግ. 59 ዝኾኑ ምውታትን 18 ምሩኻትን ገዲፎም ሃደሙ።

መሬት ምስ ረግአ ከኣ ህዝቢ ቆሓይን፡ ንሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ ካብ ዚወደቑዎ ኣልዒሎም፡ ምስ ካልኦት ምእንቲ ህዝቦም ዝተሰውኡ ብጾቶም ብሓባር፡ ኣብ ደብሪ ኣቡነ ዮናስ ቆሓይን ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ኣልበሱዎም። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ባሻይ ሃብተ ዚተባህሉ መላቐሳይ ብዓል ዓዲ ቀጢና፡ ከምዚ ክብሉ ኣልቀሱሎም፥

“ነቒልካዶ ጎይታና ሓየት
ወዲ ጋንዛይ ደማስ ሓየት
ኣታ ወዲ ስላምሳ ሓየት
ኣታ ወዲ ሓጐስ ሓየት
ሽሕን ዋልታን ናይ ጭቁናት
ዋሕስ ደባይ ሓለንጊ ምኩሓት!

ገና ህጻን ከሎ ከይወንወነ
መሰለይ ኢሉ መሰል ምስ ሰኣነ
በጃ ህዝቡ ሓመድ ዚተደፍነ
ወይልኡ ደኣ’ምበር ፍትሒ ዝዓፈነ
ወይልኡ’ወ ህዝቢ ዝጨቈነ
ስንቂ ሂቡ ስንቂ ዝሰኣነ!” ብምባል ኣልቀሱሎም።

ብድሕሪ ሞት ሻምበል ኣሰፋ ስላምሳ፡ ብሻዕብያ ተተጨውዮም እናተወስዱ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝሓቐቁ ደቂ ቆሓይን፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምኾኖም’ዩ ዝፍለጥ።

ምንጪ ጽሑፍ፥ መጽሓፍ “ደቂ ንጉሰ ነገስት ምራራ ተኽለሃይማኖት” ጸሓፊ፡ ኣንትሮፖሎጂስት (anthropologist) ፊደል መኰነን፡ ከምኡውን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኽቦታት።

ታሪኾም ምስ ነበብካን ምስ ፈለጥካን ዝያዳ እተፍቅሮምን እትሕበነሎምን ኣቦታት ህዝቢ!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልኩም!

ዓዲ ጀጋኑና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 21/07/2019

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com