​ዘይተጽዓዲ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ)

ብኣሮን ብርሃነ* On 13-Aug-2015 source http://www.peneritrea.com/blog/----1

ሓደ ካብቶም ዘድንቖም ባህርታት ጆሽዋ፡ ኣብ ዝሓዞ ስራሕ ዘርእዮ ዝነበረ ተወፋይነት’ዩ። ሓንቲ ዕማም ጀሚሩ ከይዛዘማ ኣየዕርፍን፡ ጽሑፋቱ ኣብ ግዜኡ የረክብ፡ ንዘቕርቦ ስርሓት ዕምቈት ዝመልኦ መጽናዕቲ ይገብር። ናብራ ጋዜጣ ወትሩ ምስ ግዜ ዘጓዪ ብምዃኑ፡ ጆሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝመስል መጻብቦ ግዜን ኵነታትን ልብኻ ኣውዲቕካ እትተኣማመነሎም ጋዜጠኛታት’ዩ። ስራሑ ብግቡእ ዝዓዪ፡ ሚዛን ዝፈልጥን ኵነታት ኣርሒቑ ከንብብ ዝኽእልን ስለ ዝነበረ ከኣ ከም ኣሰናዳኢ ብስራሓቱ ወትሩ ዕጉብ ነይረ።



ኣብ ዓለመ ስነ-ጥበብ፡ ጋዜጠኝነትን ሰርከስን ኤርትራ ተገዳስነት ንዘለዎ ሰብ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘየድልዮ ስም እንተልዩ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ጥራሕ’ዩ። ኣብዞም ዓውድታት ኢዱ ዘሕለፈሎም ስራሓት ብዙሓትን ድሙቓትን ስለ ዝዀኑ።

ጆሽዋ ኣብ 1959 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ኣብ 1977 ድማ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ። ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተመዲቡ ሞይኡን ዓቕሙን ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ገይሩ። ኣብ መፋርቕ 80ታት ኣብ ጕጅለ ባህሊ ክፍለ-ሰራዊት 16 ተመዲቡ ድራማታት ብምድራስን ብምእላይን፡ ከምኡ’ውን ግጥምታት ብምጽሓፍ ንኡድ ስነ-ጥበባዊ ኣበርክቶ ገይሩ። ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝፈረዩ ምኵራት ስነ-ጥበበኛታት ክኸውን ከኣ በቒዑ። ድሕሪ ምጕንጻፍ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ በበይኖም ስሙያት ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ነጢፉ፤ ዳይረክተር ናይ ቈልዑ ሰርከስ ኰይኑ ሰሪሑ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ሰቲት ኰይኑ ህዝቢ ዘነቓቕሕ ብዙሕ ጽሑፋት ኣበርኪቱ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ምስ ካልኦት ጋዜጠኛታት ብሕቲ ኣብ መስከረም 2001 ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ። ኣብ በበይኑ መሸጐራጕራት ኣብያተ-ማእሰርቲ ናይቲ ስርዓት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2006 ብሰንኪ ጕድለት ሕክምናን ናብኡ ዝመርሕ ኣተሓሕዛ እሱራትን ከም ዝዓረፈ ዝተፈላለዩ ምንጭታት የረጋግጹ። ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ፍስሃ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ምእንቲ ናጽነት ዝቃለስ ሓርበኛ፣ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ ዝጣበቕ ጋዜጠኛ፣ ዘነቓቕሕን ዝምህርን ስነ-ጥበበኛ፣ ንህይወት ብምሉእነት ዝነበራን ዘስተማቐራን ኣብነታዊ ኣቦን ኣላዪን’ዩ ነይሩ።

ጆሽዋ ኣብ 1994 ምስ ኢሳያስ ጸጋይ፡ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦትን ኰይኑ ሓንቲ ንህጻናት ሙዚቃን ድራማን እትምህር ናይ ቈልዑ ጕጅለ ትያትር መስሪቱ። እዛ “ሰዊት” ዝተሰምየት፡ ክሳብ ደሓር’ውን ዝቐጸለት ናይ ቈልዑ ማሕበር ትያትር፡ ንፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮም ቈልዑ ብሞያ ስነ-ጥበብ ንምምልማል ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ልሉይ ስም ዘለዎ ከም ድምጻዊ ጀማል ሮሞዳንን መብዛሕትኦም ኣብ “ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይ” ዝተዋስኡ ኣብነታውያን ተዋሳእትን ከተፍሪ በቒዓ። ተራ ጆሽዋ ከኣ ከም ወትሩ ዕዙዝ ነይሩ፣ ግጥምታት እናጸሓፈ፡ ድራማታት እናደረሰ፡ ናይ ሰርከስ ምርኢታት እናወደበ ንዕቤት ናይታ ማሕበር መሪሕ ተራ ተጻዊቱ።

ኣብ ፈለማን መፋርቕን 1990ታት፡ ኣብ ኤርትራ፡ ንጽቡቕ መጻኢ ኣንፈት ዘትሕዙን ስርዓታዊ ኣገባብ ዘተኣታትዉ ዝመስሉን በበይኖም ምዕባለታት ይርኣዩ ነይሮም። ምምስራት ኮሚሽን ቅዋም፡ ህዝባዊ ምርጫ ኣባላት ባይቶ፡ ምምዕባል ዜጋታትን በበይኖም ንደገን ውሽጥን ዝጠመቱ ማህደረ-ትምህርታት ገለ ካብቶም ሰናይ ዘተስፍዉ ተርእዮታት ነይሮም። መጋረጃ ገንጺሉ ክንዮ’ቲ ጥሩምባ ዝንፍሓሉ ዝነበረ ምዕባለታት ንዝርኢ ግን፡ ነቲ ዘንጸላሉ ዝነበረ ዘሰክፍ ደበና ምዕዛብ ኣየጸግሞን። ኣነ ምስ ክልተ ኣዕሩኽተይ ነበር ስምረት ስዩምን ሃብቶም ምሕረትኣብን በቲ እናሓደረ ዝርአ ዝነበረ ዘሰክፍ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ነዕልል ነይርና። ንተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ከይማሃሩ ምኽልካል፡ ንስንኵላን ስለ ዝኣደሙ ምርሻን፡ ዝሕረስ መሬት ካብ ህዝቢ መንጢልካ ንሰብ ገንዘብ ምሻጥ፡ ንዝኣደሙ ሽማግለታት ምእሳር፡ ብልሹው ምሕደራ፡ ሌላን ጕሌላን ዝመልኦ ኣካይዳ ከምቶም ኵሎም ኪንዮ ደረት ትርኢት ዝጥምቱ ዜጋታት ንዕዘብ ነይርና። ኣሕዋትናን ኣዕሩኽትናን ስለ ናጽነት ስለ ዝበጀና፡ ብቐንዱ ከኣ እቲ ዝነበረ መብጽዓ ይጕዕጸጽ ከም ዝነበረ ስለ ዘስተውዓልና ትም ኢልና ክንርኢ ኣይመረጽናን። ኣቓልቦ ህዝብን መንግስትን ምእንቲ ክረክብ ዓቕምና ክንገብር ነቒልና። ኣነ፡ ናብታ እንኮ ጋዜጣ ናይቲ ሃገር ዝነበረት ሓዳስ ኤርትራ በብእዋኑ ጽሑፋት ምልኣኽ እጅምር። እንተዀነ ጽሑፋተይ ዝነቅፍ’ምበር ዝውድስ ስለ ዘይነበረ ኣብ ገጻት ሓዳስ ኤርትራ ቦታ ኣይረኸበን። ዓቕለ-ጽበት ዘበገሶ ንውንኖ መድያ ክህልወና፡ ናይ ወርትግ ሕልምና ነይሩ። እንተዀነ፡ ክሳብ ሰነ 1996 ኪንዮ ምምናይ ኣይሰጐምናን ምኽንያቱ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ፍቓድ ስለ ዘይነበረ። ናይ ፕረስ ኣዋጅ ወጺኡ፡ ብሕታዊ ዋንነት ነጻ ፕረስ ምስ ተፈቕደ ግን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቕሚና ናይ መጀመርታ ጋዜጣ ክንምስርት በቒዕና። ብኣዝዩ ንኡስ ዓቕሚን ትሑት ባጀትን ማለት ካብ ወለድና ዝተቐበልናዮ ገንዘብ ብምግባር፡ ኣቦይ ኣብ ገጀረት ዝሃበና ሓንቲ ክፍሊ ከም ኦፊስ ብምጥቃም ሕትመት ጋዜጣ ተታሓሓዝናዮ። ከም ፈለግ ሰቲት ብቐጻሊ ክትውሕዘልና ብምምናይ ድማ ሰቲት ኢልና ሰሚናያ። ንኣስታት ሓደ ዓመት ጽጹይ ምቅርራብን መጽናዕትን ብምግባር ከኣ ናይ መጀመርታ ሕታም ኣብ ነሓሰ 1997 ናብ ህዝቢ ከነቕርብ በቒዕና። ብድሕሬና ሓንቲ ጋዜጣ ድሕሪ’ታ ሓንቲ ክጅምራ ተራእየን። ውድድር እናዓበየ፡ ዕዳጋ እናጸበበ መጺኡ። ነቲ ዝነበረ ፈታኒ እዋን ንምስጋር፡ ዘዐውት ስትራተጂ ምሕንጻጽ ከኣ ግድነት ነይሩ።

እዛ ብሰለስተ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ዝጀመረት ጋዜጣ ብዕብየትን ደረጃን ከነስፍሓ ስለ ዝመደብና፡ ቀልጢፍና ዓቕሚ ኣባላት ክንውስኽ ኣሚምምና። ድሩት ዓቕሚ ሰብና ምዕባይ፡ ቀዳምነት ሰሪዕና ሰራሕናሉ። ኣብ ደምበና ክጽንበሩ ዝኽእሉ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኣስማቶም ሓደ ብሓደ ዘርዚርና ነቐምጦ። ጆሽዋ ሓደ ካብቶም ብመሳርሕተይ ብኽብሪ ዝለዓል ዝነበረ ደራሲ’ዩ ነይሩ።

መጀመርታ ግዜ ንጆሽዋ ብስራሑ’የ ዝፈልጦ። ካብቶም ኣብቲ ሃገር ዝነበሩ ፍሉጣት ደረስቲ ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ስራሓቱ ብመልክዕ ረድዮ ድራማ ክቃላሕ፡ ብቪድዮ ተቒሪጹ ክዝርጋሕ ተዓዚበ ነይረ። ቀዲመን ኣብ ህዝቢ ዓቢ ስም ገዲፈን ዝነበራ ስራሓቱ ንሰንፈላል ናብራ ስደትን ናብኡ ንምብጻሕ ዝነበረ ዘይውዳእ ትጽቢትን እተርኢ “ፕሮሰስ” ዝተሰምየት ረድዮ-ድራማ፣ ከምኡ’ውን ብማሕበር ትያትር ሰዊት ዝተዓየት ንኣረኣእያ ስንክልና ኣብ ሕብረተሰብ እትብድህ “ምስጢር ናይታ ቆፎ” እትብል ድራማ (ዳሕራይ ብቪድዮ ዝተቐርጸት) እየን። ኣዒንተይ ኣይሓሰኹን፣ ናይ ጆሽዋ ኣበርክቶ ኣብ ጋዜጣና ዓቢ ምዃኑ ስለ ዝተረዳእኩ እቲ ሓሳብ ተቐቢለዮ። ኣይደንጐናን፡ ንጆሽዋ ወግዓዊ ዕድመ ኣቕሪብናሉ። ንሱ’ውን ሰጋእ ኣይበለን፡ ዕድመና ብዓቢ ሓጐስ ተቐቢሉ፣ ዳዊት ኢሳቕ’ውን ጽቡቕ ኣበርክቶ ክገብር ስለ ዝኽእል ዕድመና ክንልእከሉ ሓሳብ አቕርብ። ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ጕዳይ ኣይነበረን፡ ናይዞም ክልተ ሰብ ተውህቦ ደረስቲ ዓቕሚ ምጽንባር ንዕቤት ጋዜጣና ወሳኒ ምዃኑ ስለ እንኣምን ንዕኡ’ውን ብዘይ ውልውል ተቐቢልናዮ። ብተወፋይነት ምእንቲ ክሰርሑ ከኣ ማዕረ ብርክታት ብምሻጥ ምስቶም ዝነበርና ሰለስተ መስረትቲ ጋዜጣ ሰቲት ማዕረ ዋንነት ከም ዝህሉዎም ገበርና።

ሰቲት ሃጓፋታ ስለ ዝዓበሰት ግስጋሰኣ ንቕድሚት ክውንጨፍ ተራእየ።

ጆሽዋ፡ ብኡ ንብኡ መሃዚ ሓንጐሉ ብምብርባር፡ “ኣደይ-ቅርጣሽ” ዘርእስታ ልቢ-ወለድ ብተኸታታሊ ከቕርብ ጀሚሩ። እታ ዛንታ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቅሉውላው ገዛ ክራይ ትገልጽ፡ ንሓርፋፍ ዝምድና ገለ ኣካረይትን ተኻረይትን ትትንትን፡ ንስስዐ ገለ ኣካረይትን ፖሊሲ መሬትን ትነቅፍ ስለ ዝነበረት፡ ብህዝቢ ዓቢ ኣቓልቦ ረኸበት። ዝርጋሐ ጋዜጣ ሰቲት ድማ ብ7 ሚእታዊት ክውስኽ ተራእየ።

ኣበርክቶ ጆሽዋ ልቢ ወለድ ዛንታታት ኣብ ምጽሓፍ ጥራሕ ዝተደረተ ኣይነበረን፡ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ቅሉውላው ህዝቢ ብመንግስቲ ኣቓልቦ ክረክብ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ቃለ-መጠይቕ እናገበረ ወይ ብመልክዕ ሪፖርታዥ እናጸሓፈ ኣብ ገጻት ጋዜጣ ሰቲት ከም ዝሕተም ይገብር ነይሩ። በቲ ዝነበሮ ዝናን ጽቡቕ ዝምድና ምስ ሰባትን ተጠቒሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቃለ-መጠየቕ ንምግባር ባይታ የንጽፍ ኔሩ። ኣብቲ ኣባላት ቦርድ ጋዜጣ ሰቲት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበርናዮ ቃለ-መጠየቕ’ውን ተሳቲፉ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ዘድንቖም ባህርታት ጆሽዋ፡ ኣብ ዝሓዞ ስራሕ ዘርእዮ ዝነበረ ተወፋይነት’ዩ። ሓንቲ ዕማም ጀሚሩ ከይዛዘማ ኣየዕርፍን፡ ጽሑፋቱ ኣብ ግዜኡ የረክብ፡ ንዘቕርቦ ስርሓት ዕምቈት ዝመልኦ መጽናዕቲ ይገብር። ናብራ ጋዜጣ ወትሩ ምስ ግዜ ዘጓዪ ብምዃኑ፡ ጆሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝመስል መጻብቦ ግዜን ኵነታትን ልብኻ ኣውዲቕካ እትተኣማመነሎም ጋዜጠኛታት’ዩ። ስራሑ ብግቡእ ዝዓዪ፡ ሚዛን ዝፈልጥን ኵነታት ኣርሒቑ ከንብብ ዝኽእልን ስለ ዝነበረ ከኣ ከም ኣሰናዳኢ ብስራሓቱ ወትሩ ዕጉብ ነይረ።

ጆሽዋ፡ ምስ መሳርሕቱ ዝነበሮ ማሕበራዊ ዝምድና’ውን መዳርግቲ ኣይነበሮን። ወትሩ ክዋዘን ተዛንዩ ንነገራት ኣፍኲሱ ክሕዝን ዝመርጽ እኳ እንተዀነ፡ ቀልጢፉ’ውን ናብ ቍምነገር ኣትዩ ብማዕረ ዕቱብነትን ክፉት ልቢን ክዛረብ ኣይጽገምን። ስለ ዝዀነ ከኣ’ዩ ብኣባላት ቦርድ ጋዜጣ ሰቲት፡ ተሳተፍትን ብዙሓት ፈለጥቱን ኣዝዩ ፍቱው ዝነበረ።

ብርዱእ ምኽንያት ከም ጆሽዋ ዝኣመሰሉ ብኽፉት ኣእምሮ ዝርእዩ ዜጋታት ምስ ብምልኪን ምጕዕጻጽን ዝሰርሕ ስርዓት ክሳነዩ ስለ ዘይክእሉ ግን ኣብ መጨረሽታ ግዳይ ኰይኑ። ኣብ መስከረም 23 2001 በቲ ስርዓት፡ ምስ ካልኦት 9 ጋዜጠኛታት ተዓፊኑ ድሕሪ ምኻዱ ብገፋዒ ኣተሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ኣብ 2006 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ሓሊፋ። ንሞቱ ወይ ህላወኡ ዝምልከት በቲ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

እታ ብ5000 ዝርጋሐ ኣብ ክልተ-ሰሙን ሓንሳብ እናተሓተመት ዝጀመረት ጋዜጣ ሰቲት፡ ሳላ ኣበርክቶ ጆሽዋ፡ ዳዊትን ካልኦት ሰብ ተውህቦ ጋዜጠኛታትን ዝርጋሐኣ ናብ 40,000 ደዪቡ፣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ማለት ሰሉስን ዓርብን እናተሓትመት ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ። ኣብ መስከረም 18፡ 2001 ግን እቲ ስርዓት ሓደጋ ወዲቑዋ፣ ምስ ሸውዓተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ካልኣይ ግዜ ከይትሕተም ተዀኒና።

ስርዓት ህግደፍ ንበዓል ጆሽዋን ካልኦት ውፉያት ጋዜጠኛታት ዝወልዕዎ ሽግ ሓርነት ኣእምሮ ክዓብጦ ኣይክእልን’ዩ። ሓድጊን መንፈስን ጆሽዋ ህይወት ዘሪኡ ይቕጽል ኣሎ፣ ሃገራዊ ጥራሕ ዘይኮነ ዓለማዊ ተፈላጥነት’ውን ረኺቡ። ተዓዋቲ ኣህግራዊ ነጻነት ፕረስ ክኸውን ብኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ተሓርዩ። ንስሙን ስም ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስኡ ዝበልዩ ዝነበሩ ሓርበኛታት ጋዜጠኛታት ከኣ ኣጸዊዑ።

ሕጂ እምበኣር በታ ኣብ 1988 ንስዉእ ብጻዩ ኣመልኪቱ ባዕሉ ዝቓነያ ግጥሚ ኣቢለ ክዝክሮ። ኣብታ “ሓንሳብ ’ተዝቕልቀል” እትብል ግጥሚ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤

ሓንሳብ ‘ንተዝቕልቀል

ሓንሳብ ‘ንተዝቕልቀል ናብዛ ከዳዕ መሬት
ዋላ ንኻልኢት ኰይኑ ካልእ ፍጥረት፡
ምሓየብናዮ ከም’ዛ ሉል ናይ ባሕሪ
ከይዘምቶ ከይከትሮ ዘራፊ ኸታሪ።

ከም ምዕርግቲ ተኽሊ ሰዊት ናይ ገደና
እምብዛ ‘ንበቃ ጸሓይ ከይኾና
ከይትቕምስል ኢልና ምሒር ንከናኸና
ስጋብ’ታ ዓቕምና ከበንበን ምበልና።
ኣበይ’ሞ ንባህርይ መን ይገጥማ
ገባሪት ሓዳጊት ዘይብላ ዳኛ

ዋጎዋጎ ምስ ኮነ ጸላም ምስ ተገፈ
ሕልኽልኽ ተሰጊሩ ጽርግያ ምስ ጸፈፈ
20 ዓመቱ ኣብ በሊሕ መላጻ
ኣሻዅ ሰጊሩ ለምለም ከይረገጸ፡
ፋና ወሊዑ ተስፋ ምስ ኣስነቐ
ኡፍ! ከይበለ ጅግና ‘ንተወደቐ፡
መሬት ጸልሚቱ ሕርብት’ዩ ዝብልካ
መትከል ግን ሓያል’ዩ ሞቱ የዅርዓካ።

(ካብ መዝሙር ተጋዳላይ (1992) ዝተወስደት)


*ኣሮን ብርሃነ ዋና-ኣሰናዳኢ ናይታ ቀዳመይቲ ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲት ኰይኑ፡ ሕጂ ብስደት ኣብ ካናዳ ይነብር ኣሎ። ኣሮን ሕጂ’ውን ሞያ ጋዜጠኝነት ብምቕጻል ኣብ ትርፊ ግዚኡ መፍትሕ እትበሃል ጋዜጣ የዳሉ ኣሎ። ንጸሓፊ aaron@meftih.ca ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል። 

« kie