ቃልሲ ኢሳያስ ንስልጣን Print E-mail
Awate - Featured Articles
By አድሓኖም ፍትዊ - Jul 02, 2009   

ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ህዝባዊ ግፍዕታት መዘና የብሉን። ኣብ ማንም ሃገርውን ቅድሚ ሕጂ ኣይተራኤን። ኣነ ብወገነይ ነቲ ኩሉ ዝተኻየደ ናይ ቃልሲ ጉዕዞታት ተመሊሰ ክመዝኖ ከሎኹ፡ ኢሳያስ ንስልጣኑ’ምበር ንጥቕሚ  ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይተቓለሰ ብዘየማትእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርሀለይ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ሓሳባት’ዚ ዝድግፍ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከቕርብ እፈቱ።

ሀ) ምቛም ሰልፊ ናጽነት
ለ) ምቕንጻል ጉጅለ መንካዕን የማንነትን(የሚን)
ሐ) ርክብ ኢሳያስ ምስ ደርግ (ጽሑፍ ኣቶ ዳዊት ወ/ግወርጊሰ)
መ) ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ግፍዕታት 

ሀ. ምቛም ሰልፊ ናጽነት

ከምቲ ብሸነኽ ህዝባዊ ግንባር ዝግለጽ ምፍላይ ሰልፊ ናጽነት ካብ ጀበሃ፡ ጀበሃ ዲሞክራስያዊት ስለ ዘይነበረት “ደሞክራስያዊ ውድብ” ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። ግን ከ ህዝባዊ ግንባር’ከ ዲሞክራስያዊት ውድብ ዲያ ነይራ?

ነዚ ሕቶ’ዚ ንወሰን ገዲፍና ኢሳያስ ከመይ ጌሩ ካብ ጀበሃ ተፈልዩ፡ ቅድም ሰልፊ ናጽነት ድሓር ድማ  ህዝባዊ ሓይልታት ከቕውም ከኣለ? ኩሉ ገዲፍና ስጋብ ሕጂ ብጭቡጥ ዘይተ ጸንዐ፡ ግን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ብቲሒም ቲሒም ዝዛረበሉ፡ ኣብ ግዜ ምቛም ሰልፊ ናጽነት፡ ኢሳያስ ምስ ኣሜሪካውያን ብሕቡእ ይራኸብ ምንባሩ ኢዩ። እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ወዲ ጆርጆ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ። ኢሳያስ’ውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ተሓቲቱ ብኣሉታ ክምልሰሉ ኣይተሰምዐን። በንጻሩ እኳ’ ድኣ ኣብቲ እዋንቲ ተሓቲቱ “እንታይ’ሞ ነውሪ ኮይኑ ውድብ ንምፍጣር ርክብ እንተ ገበርና ንግዜኡ” ኢሉ ይበሃል። ኣሜሪካውያን ከኣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናጽነት ኤርትራ ከቶ ዘይድግፉ ዝነበሩ። ስለዚ ኢሳያስ ኣብቲ ግዜቲ ምስ ኣሜሪካውያን ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ክግበር ዝከኣል ኣብ ክሊ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝግበር ጽገናዊ ለውጢ ጥራይ ኢዩ።

ለ.  ምቕንጻል ጉጅለ መንካዕን የማንነትን(የሚን)

ሰልፊ ናጽነት ብከበሳ፤ ህባዊ ሓይሊ (ሻዓቢያ) ብደንከልያ፤ ዑበላውያን ብባርካ ኣብ ሳሕል ህዝባዊ ሓይልታት የቑሙ። ከምቲ ዝንገረሉ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይኮነ፡ ከከም ዝመጽዎ፡ እቲ ተጋዳላይ ምስ ተራ-ተጋዳላይ እቲ መሪሕነት ድማ ምስ መሪሕነት ተሓናፈጸ። ከምዚሉ ካብ 1970 ስጋብ 1976 መወዳእታ ብዘይ ደሞክራሰያዊ ኣገባብ ክጋዓዙ ጸንሑ።

መንካዕ ብመደብ ዘይኮነ ንምእራም ዝተበገሰ ጉጅለ ነይሩ። መበገሲኡ ድማ ካብ ቀዳል-ዓማ (ጀበሃ) ሒዞምዎ ዝመጹ፡ ሰሎሞን ወ/ማሪያምን ተወልደ ኢዮብን ኣስመሮም ገ/ዝጊሀርን፡ ኣባላት መሪሕነት ከንሶም፡ ነንሕድሕዶም ሰላም ዘይበሃሃሉ ቂምተኛታት ስለዝነበሩ፡ ንምዕራቖም ነበረ። ኣብቲ ናይ ምዕራቖም መስርሕ ገለ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ፡ ጸጋይ ቀሺ፡ ኣበቲ ግዜ’ቲ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ፡ ንሙሴ ብሰደፍ ጠበንጃ ርእሱ ይሃርሞ። ሙሴ ርእሱ ይፍጋእ። መሪሕነት (ውድብ) ኣብ ክንዲ ንጸጋይ ቀሺ ክብድ ዝበለ መቕጻዕቲ ዝህቦ፡ ንግዜኡ ኣንፋሒኹ ይገድፎ።ተጋደልቲ ናይ ሙሴ ምህራም ምስ ሰምዑ ይሓርቁ። “እምበኣር ሙሴ ጥራይ ኣይኮነን ዝህረም ዘሎ፡ ካልኦት እውን ብመራሕቲ ከም ቈልዓ ዝተሃርሙ አለው። ንኣብነት ብጻይ ኢሳያስ ንብጻይ ተመስገን በርሀ ብስላዕ ቀጺዕዎ። ገባር እውን ይሀረሙ አለው።ኣብ ውድብና ዲሞክራሲ የለን። መሰል ተጋዳላይ ኣይሕሎን። ወ.ዘ.ተ.” ገለ 300 ሕቶታት ካብ ተጋደልቲ ይእከብ። ተመሳሳሊ ዝኾኑ ተጸሚቖም ናብ 13 ሕቶታት ይጠቓለል። ቀጺሉ እታ ክትዓርቕ ዝተበገሰት ጉጅለ ጥራይ ዘይኮነት ሓንቲ ዕብይ ዝበለት 36 ዝኣባላታ ነቲ ኩሉ ሽግራት ኣጽኒዓ እትፈትሕ ሽማገለ ቆመት። ኣብቲ ግዜቲ ኢሳያስ ሰንበደ። ነቶም ተባኢሶም ዝነበሩ ሰለስተ መሪሕነታት ሽዑ ጸዊዑ “ ጠፋእና ሕጂ ተዓረቑ” በሎም። ተዓረቑ ድማ። ተጋደልቲ ግን “ሕቶና ንሱ ጥራይ ኣይኮነን“ በሉ። “ውድባዊ ዝምለከት መሰረታዊ ሕቶታት አለና” በሉ። ተጋደልቲ ዳርጋ 95 ካብ ሚኢይቲ ኣንጻር መሪሕነት ጠጠው በሉ። መሪሕነት ናይ ሞትን ሂወትን ጉዳይ ኮይኑዋ፡ ድሑር ኣገባብ ተጠቐመት። እቲ ምንቅስቓስ ካብ ስለስቲአን ኣውራጃታት ዝሓቖፈ ከንሱ፡ “ ናይ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ ኢዩ” በለቶ። (ክፈልጥ ንዝደሊ ከም ሰነድ ዝሓዝናዮ ናይቶም ሽዑ ዝተቐትሉ ስም ዝርዝርን ዓዶምን ዝገልጽ ኣሎና)። ሰሎሞን ወ/ማርያም ኣብ መጀመርታ ምስ ጉጅለ መንካዕ ተበጊሱ ደሓር ግን ምስ መሪሕነት ጠጠው ይብል። ኣበርቲዑ ድማ ኣንጻር መንካዕ ይንቀሳቐስ። ጉጅለ መንካዕ ሓንሳብ ብሕሉፍ ጸጋምነት፡ ሓንሳብ በውራጃውነት ይኽሰስ። ኩሎም ድማ ይእሰሩ። ተወልደ ኢዮብ “መፍቲሒኡ ማእሰርቲ ኣይኮነን” ኢሉ ስለ ዝተቓወመ ምስኦም ይእሰር። ኣብ መጨረሻ ድሕሪ ብርቱዕ ስቓይን መከራን ድማ ኣብ መወዳእታ 1976 ይርሸኑ። 

ብሰሎሞን ወልደማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ኣንጻር መንካዕ ጉጅለ፡ብየማንነት ተኸሰ። ብዙሓት ካድራትን መራሕቲ ሰራዊትን ይእሰሩ። ጉጅለ መንካዕን ኣንጻር መንካዕን ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ይራኸቡ። ሰሎሞን እውን እታ ንመንካዕ ዝረኸበቶም ጽዋዕ ይቕበላ። ከምዚሉ ኣቶ ኢሳያስ ጸጋምን የማንን ወቒዑ ናይ ስልጣን ኮረሻ ኣጽኒዑ ንቕድሚት ይምርሽ። ኢሳያስ ዓላማኡ ንስልጣን እንተዘይነብር እዞም ኩሎም ነብሳት ኣይመጥፈአን። እቲ ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ብ1973 ኢዩ ነይሩ። ኣነ ብ1974 ናብቲ ውድብ ክኣቱ ከሎኹ ተኣሲሮም ጸኒሖሙኒ። ሓደ ግዜ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም እንከሎና፡ በጋጣሚ ምስ ሓደ ብጻይ ማይ ከነምጽእ ምስ ወረድና፡ ካብቶም እሱራት ብብረት ተሓሊዮም ማይ ከምጽኡ ረኣናዮም። ኩነታት ኣካላቶም መግለጺ ዘይብሉ ዘስካሕክ ነበረ። ካብ መቓብር ወጺኡ ጠጠው ኢሉ ዝኸይድ ኣስከረን ይመስሉ ነይሮም። እቲ ዝነበረ ማእሰርቲ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ቁማል በሊዑካ ክትሓክኽ ዘይፍቀድ ኩነታት ኢዩ ነይሩ። እንደገና ካብ 1975 ስጋብ 1977 ምንቅስቓስ መንካዕ ደጊሱ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ስንጭሮታት ሳሕል መሊኡ፡ ኣሃዱታት ጥረሐን ዝተረፋሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ጭካኔ ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ኣሰመራ ጊሂዱ’ምበር፡ ኣብ ሳሕል ኢዩ ተጀሚሩ።

ሐ. ርክብ ኢሳያስ ምስ ደርግ (ጽሑፍ ኣቶ ዳዊት ወ/ግወርጊሰ)

ደርግ ንንግስነት ሃጸይ ሃይለስላሴ ዓልዩ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡” ሻዓቢያ ናህና ኢዩ ኣይትህረምዎ” ይብል ከም ዝነበረ ኩላትና ንሰምዖ ነርና። ብሸነኽ ህዝባዊ ሓይልታት ዝወሃብ መልሲ ግን ኣይንፈልጥን ነርና።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዚ ጽሑፉ’ዚ ከቕርብ ዝደረኸኒ፡ሓደ  “The way forward for Ethiopia and Eritrea” ዝብል ጽሑፍ ብኣቶ ዳዊተ ወ/ግወርጊስ ምስ ኣንበብኩ ኢዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ንኸንበቦ ድማ እዕድም። http://www.ethiomedia.com/adroit/2512.html ኣቶ ዳዊት ከም ናይ ኤርትራ ኣማሓዳርን ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዝን ኰይኑ ብግዜ ሃይለስላሴ ይኹን ግዜ ደርግ ንንሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣገልጊሉ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ፖለቲካን ሕበረተሰብን ዕሙቚ ዝበለ ፍልጠት ኣለዎ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንመንግሰቱ ሃይለማርያም ንምግልባጥ ብጀነራላት ዝፈሸለ ዕልዋ፡ ኣቶ ዳዊተ ብኣካል  ናብ ኣቶ ኢሳያስ ከይዱ፡ ኣብቲ ድሕሪ ዕልዋ ዝግበር ግዘያዊ መንግሰቲ ክካፈል ምስምማዑ፡ ኢሳያስ እውን “ ጥራይ  ተዓወቱ’ምበር ናይ ኣሁዳዊ ቶዅሲ ጠጠው ከነብል ኢና” ከም ዝበሎ ይገልጽ። እቲ ርክብ ኣብ ናቕፋ ኢዩ ተኻይዱ። ድሕሪኡ’ውን ቀጻሊ ርክባት ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ተኻይዱ።

“ወያኔ ኣብዮም’ምበር ኣቶ ኢሳያስ ምሳና ናይ ምስምማዕ ገጽ ኢዩ ነይሩዎ” ይብል። እዚ ከኣ ኣብ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይኰነስ ኣብ ፈደረሸን ዝተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ” ይብል።

ቀጺሉ ኣቶ ዳዊተ ከምዚ ይብል፡” ሓደ ግዜ ንኣቶ ኢሳያስ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ ይብል፡’ኢትዮጵያ ካብ እትቈራረጽ ንስኻ ፕረሲደንት ኰንካ ዘይትመርሕ’ ምስ በልኩዎ” ይብል።

“ኢሳያስ ድማ፡ ‘ርግጸኛ ኢየ። እዚ ግን ድሕሪ ናጽነት ኢዩ ክኸውን ዘለዎ’ ኢሉኒ” ይብል።

ብሓፈሽኡ ኢሳያስ ኣብቲ ተወጢኑ ዝነበረ ግዝያዊ መንግስቲ ንኽካፈል ፈቓደኛ ከምዝነበረ። ከምኡ ድማ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ብፈደረሸን ክሳማማዕ ድልዊ ከምዝነበረ የራጋግጽ። ዋእ! ከምቲ ኣቶ ስብሓት ነጋ ዝበሉዎ፡ ኢሳያስ ንፈደረሸን ሸብረኽ ኢሉ ነይሩ ማልት ኢዩ።

“The EPLF until the last days believed that the best option was to negotiate with the transitional government that would be established after a successful coup. And they know that the negotiation would not be about independence. I was aware that they were ready for some sort of federal arrangement. I was sure about that. “ Dawit Woldegiorgis

ኣነ ብወገነይ ኣቶ ዳዊት ሓሲዩ ክብሎ ኣይክእልን። ኢሳያስ ስልጣን ሂወቱ ከም ዝኾነ’ውን ኣይስሕቶን። እቲ ዘገርም ግን ሰዓብቲ ህግደፍ  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ ተወጊዱ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ብኮንፈደረሽን ምትእስሳር ክሰምዑ ቆጭ-ቆጭ ዘበሎም ናይ ንጉሶም ኢሳየስ ደኣ እንታይ ክብሉ ኢዮም? እስከ ነቲ ጽሑፍ ኣንብብዎ በጃኹም። እንተ ዘይ ኣመንኩም’ውን ኣቶ ዳዊተ ብህይት ስለዘሎ ሕተትዎ።

ኣብዚ ግን ሓደ ከየስመረሉ ክሓልፍ ዘይድሊ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ካሊእ መተካእታ ከም ዘይነበሮም። ብቈራጽነትን ጅግንነትን ተቓሊሶም ከምቲ ዝተመነይዎን ዝሓሰብዎን ሓርነትን መሰልን ህዝቦም ዘይምትግባሩ ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ።

መ. ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ግፍዕታት

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መሪር ህዝባዊ ግፍዕታት ዓላማኡ እንታይ ኢዩ? እንታይ ከ ይመስል? ሃገር ከም ሃገር መጠን ህላዌኣ ኣብ ዘጣራጥረሉ ደረጃ በጺሑ። መንእሰይ ብዅናትን ስደትን በሪሱ። ካሊእስ ይትረፍ ሓደ ሃገር ብዘይካ መንእሰይ ቀጻልነት አለዎ ዲዩ?

ኩላትና ከም እንርድኦ ሓደ መራሒ ብፍላይ ከኣ ባዕሉ ኣብ ዝጻሕተሮ ኵናት ምስ ዝሳዓር፡ ብፈቓዱ ኢዩ ካብ ስልጣን ዝወርድ። ኢሳያስ ግን በንጻሩ “ተጋጊና። ስልጣን’ውን ናብ ህዝቢ ነረክብ” ንዝበሉ ብጸቱ ዝኣስር። እዚ ንዓይ ኢሳያስ ካብ መጀመርታ  ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ዘይኮነስ ናይ ስልጣን ዓላማ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዘረድኣኒ። ሓድ-ሓደ ግዜ በዚ ስርዓት ዝካይድ ሱር-ነቀል ገበናት ክስምዕን ክርእን ከሎኹ፡ ኣዕሙቚ ኣቢለ ይሓስብ’ሞ “ምናልባሽ እዚ ሰብዚ ሓደ ሕቡእ ዓላማ’ዶ ይህልዎ? እዚ ህዘቢ ብኽቱር ምረት ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ከዘምብል?” ዝብል ሓሳብ ይሐድረኒ። ፖለቲካ ረሳሕ ሰለ ዝኾነ ኣይፍለጥን?

እሞ እቲ ፍታሕ ካብ መን ኢዩ? ኣሜሪካውያን ከምቲ ኣብ ሃይቲ፤ ፓናማ፤ ላይበርያ ወይ ድማ ዒራቕ ዝገበረዎ ክገበሩ ኣይንጸበ። ወይ ድማ ኢትዮጵያ ከምቲ ታንዛኒያ ኣብ ኡጋንዳ ዝገበረቶ ክትገብር አውን ኣይንመነ። እቲ ፍታሕ ካባና ናባና ኢዩ። ህዝብና ክድሕን ወይ ጨርሹ ክጠፍእ ካባና ኢዩ። ሃገር ብሓደ ሰብኣይ ክጠፍእ ከላ ደቂስካ ዝሕደር ኣይኰነን። ንሓዋሩ ዘኹርዕ ታሪኽ ንስራሕ። ህዝቢ ዓለም ብኣና ይዛረብ ኣሎ። ካብ ሕቡራት ኤውሮጳ ዲፕሎማት ጀሚረካ ኩሎም ዝኣተናዮም “ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ውጹዕ ህዝቢ ኢዩ፡ ነቲ ጨካን ስርዓትኩም ግን ንሕና ብሓይሊ ከነውርደልኩም ኣይትጸበዩ። ህዝብኹም ጠርኒፍኩም ተቓለሱ ክንሕግዘኩም።” ኢዮም ዝበሉና። ኣብ ክንዲ 13 ውድባትን ሰልፍታትን ነናይ ውድበንን ሰልፈንን ዝሰርሓን ዝሓስባን፡ መድረኽ ዝሓቶ ዘዘለወን ዓቕሚታት ብሓባር ኣጠናኺረን፡ ህዝበን ካብዚ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ክገላግላኦ ኣለወን። ናይ መጻኢ ሰልፊታትን ፕሮገራማትን ግዜ ኣለወን። ቅድም ህዝብን ሃገርን ይድሓን። ውድብን ሰልፍን ትሕቲ ህዘቢ ሰለዝኾነ። ምትእኽኻበን ወገናውን ሃይማኖታውን ከኸውን የብሉን። ንህዝቢ ተስፋ ዝህብን ሓድነት ሃገር ዘዐቁብን ከኸውን ኣለዎ። ሎሚ ህዝብና እናደመየ ከበሳን መታሕትን እንበሃሃለሉ ግዜ ኣይ ኰነን። ሀገርና ሎሚ ለባማት መራሕቲ የድልይዋ ኣለው።

ሪኢይቶ፡ \n fitiwi@planet.nlfitiwi@planet.nl This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >
 

            OR
Donate through Mail

The authors of all articles that appear on awate.com are solely responsible for the views expressed in the articles. Awate.com does not necessarily endorse the views and cannot be held responsible; but it is responsible for all documents, editorials and news items that clearly carry the Awate Team and the Gedab News bylines.

Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.