-->

Sacttism classified documents of dwindling PFDJ added 20 new photos.

23 August at 13:32 SOURCE https://www.facebook.com/sacttism/

መቓልሕ ድምጺ ኣልቦ ነብሳት ካርሸሊ
(ከም ኣካል ዛንታ ስርሒት ፎርቶ 3ይ ክፋል)

ኣብቲ ውዕውዕ ዘመን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ወርሒ 12/1991 ኣብ ኣፍደገ ማርያም ግምቢ ተንጠልዪሉ ዝነበረ ሓደ ግጥሚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፡፡

“ኣየ ማርያም ግምቢ!!

ክንደይ ጀጋኑ ኣጨኒቕኪ
ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣምኪንኪ
ብሉጻት ኤርትራውያን ኣዘኽቲምኪ
ሰብ በላሕቲ ኣእምሮ ኣረሺንኪ፡፡

ደም ንጹሃት ንሰማይ ዓሪጉ
ጓሓሉ ማርያም ግምቢ ካብ ተሰጉ
ኣዕጽምቲ ስውኣትና ኣመስኪሩ ሓድጉ፡፡

እስኪ ተመስገን ንበሎ ንፈጣሪና
ስውኣትና ኣመስኪሮም ኣብ ልዕሌና
ንዓወት ዝረኣና ኣይኮነን ከሲብና
ሓርበኛታት እዮም ርቡሓት ካብ ኩልና
ይተዓለለሎም ይዘመረሎም ንስውኣትና ፡፡

እወ! እታ ክብርቲ ሀይወቶም ሰዊኦም
ሓመድ ኣዳም ዘልብሶም ሲኢኖም
ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቦም
ስኽፍ ኣይበሎም እስኪ ይቕሰን መቓብሮም፡፡

ኣኺሉኪ እዩ ሕጂ በጺሑኪ
ንጽበ ኢና ኔርና ክዕጾ መቓብር ጋህስኺ
መጽኦም ደቂ መሬት ኣረክቢ መፍቱሑኺ፡፡

በሊ ተሓጎሲ ኣዶ ሓየት ጅግና
ተሓጎስ ከኣ ኣቦ ሓየት ፋና
ክብሪ ይሰማዕኹም ደቂ ስውኣትና
ሓበን ሃገር ዋልታ ጀጋኑና
ባንዴራና ተተኺላ ኣብ ሃገርና
ወጊሑ ደጊም ሓሊፉልና
ነቕንዕ ክሳድና ትኽ ይበል ሑቖና
ነማዕብል ዓድና ንህነጽ ሃገርና
ዕድመ ንህግሓኤ ውድብና፡፡
ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና!!
ዓወት ንሓፋሽ! ” ይብል፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ ከመይ ኣለኹም!!

ብዝተፈላለዩ ውልቃዊን ስድራቤታዊን ጸገማት ዋላ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቃልሲ እንተዘይተፈለኹ ኣብ መርበባት ፌስቡክን ዌብሳይትን ዝነበረኒ ተሳትፎ ካብ ዘቋርጽ ዛጊት ኣዋርሕ ኣቑጺረ ኣለኹ፡፡ ኣብ ኩሉንትናዊ ቃልሲ ንሓርነት እንካይዶ ምንቅስቓስ ንዓና ንኤርትራውያን መርበባት ኢንተርኔት ዘለወን ኣበርክቶ ኣዚዩ ዓቢ ምኻኑ ርዱእ’ዩ፡፡ ዝርዝር ምኽንያቱ ብዘየግድስ ንኣዋርሕ ኣቋሪጸዮ ዝነበርኩ ስራሕ ካብ ሎሚ ጀሚረ ክቕጽሎ ምኻነይ እሕብር፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንንህላውነተይ ተገዲስኩም ካብ መላእ ዓለም ደሃይ ዝገበርኩም ግዱሳት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምኡ’ውን ፊናንሳዊ ሓገዝ ዝገበርኩምለይ ግዱሳት ዜጋታት የመስግን፡፡

ፔጅ ሳክቲዝም ካብ ሎሚ ጀሚራ ብልዑል ምድላው ሰሙናዊን ዕለታዊን መደባት ሓንጺጻ ክትዓዬ ‘ያ፡፡ ደጊም ሓበሬታን ሚስጢራትን ኣባጓይላ ዕለታዊ ክፍኑ ኢየ፡፡
ከምቲ ዝተዓዝብኩምዎ ብ1991 እቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተቀዘፍሉ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግምቢ ምስተዓጸወ ኣብ መእተዊኡ ብዝተንጠልጠለ ሓደ ግጥሚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ፈሊመ ኣለኹ፡፡ በቲ እዋን ዘርከበ ዜጋ ንኽዝክሮን እቶም ሓደስቲ ወለዶታት ምእንተ ክፈልጥዎ ብሓጺሩ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግምቢ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ደርግ ብ“ሰሜን ማእከላዊ ምርመራ መምሪያ” ዝፍለጥ ብዙሓት ዜጋታትና ዘሕቀቐ ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ብውቅብ ቃላት፡

“ንጽበ ኢና ኔርና ክዕጾ መቓብር ጋህስኺ
መጽኦም ደቂ መሬት ኣረክቢ መፍቱሑኺ፡፡” ዝተብሃለላ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግምቢ ካልኦት መፋቱሕ ወሲኻ፡ እንሆ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ሓጂ እውን ጸሓይ ናጽነት ከይበረቐትልና ኣሻሓት ቤት ማሕቡሳት ወሊዳ ሃገር ብሃገራ ናብ መቓብር ተለዊጣ ሃገርና ኤርትራ State Prison ተሰሚያ ኣላ፡፡ ትማል ኣብ ጋህስታት ማርያም ግምቢ ብዙሓት ምዑታት ኤርትራውያን ዘጽነቱ በዓል ዘለቀ ውቤን ኣሻግሬ ደሳለን ብበዓል የማነ ኣፈወርቂን ካሕሳይ በየነን ዓይነት ደቂ ሃገር ተተኪኦም እንሆ ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውነትን ካብ ዝድወን 26 ዓመታት ኣቑጺርና፡፡

እምበኣር ነዛ ኣብ ግብሪ ብዘይወዓሉ ቃላት ዝወቀበት ግጥሚ ብምውካስ ካብሎሚ ጀሚረ ብተኸታታሊ ብዛዕባ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪን ልዕሊ ምድርን ቤት ማእሰርታት ስርዓት ህግደፍ ዝምልከት ሓበሬታ “መቓልሕ ድምጺ ኣልቦ ነብሳት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ክፍኑ ኢየ፡፡ ናይዚ ሓበሬታ ቀዳማይ ክፋል ከም ኣካል “ብዛንታ ስርሒት ፎርቶ” ብክፋላት ዝፈነኹዎ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ናይ ገለ ተሳተፍቲ እቲ ስርሒት ህልው ኩነታት ወሲኸ ክገልጸልኩም እየ፡፡ ንስርሒት ፎርቶ ኣመልኪተ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ዘይቀጸልኩሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ዝተረፉ ሓበሬታታት፡ ኣዚዮም ተኣፈፍትን ንብዙሓት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑን ብምኻኖም እዩ፡፡ ምቹእ ኩነታት ምስተፈጥረ ሓደ መዓልቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፍል “ዛንታ ስርሒት ፎርቶ” ክፍንወልኩም ኢየ፡፡ ሕጂ ናብቲ ንሎሚ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ከብለኩም፡፡

ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዝተደኮና ናይ ልዕልን ትሕትን ምድሪ ቤት ማእሰርታት ብዙሓት ጺሒፎምሉን ተዛሪቦምሉን እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ኣዳላዊኡ ዘይተፈልጠ ሓደ ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 350 ቤት ማእሰርታት ከምዘለዋ ብዝርዝር ብምርቋሕ ብዙሓት ክፈልጡ ጌሩ’ዩ፡፡ ብወገነይ ዝርዝር ቤት ማእሰርታት ምግላጹ ዋላ አገዳሲ እንተኾነ፡ እቲ ዝበለጸ ግን ኣብ ሕድሕድ ቤት ማሕዩር ዝካየድ ግፍዒን ፈጸምቱን ህዝቢ ክፈልጦም ምግባር ይመስለኒ፡፡ እምበኣር ሎሚ ኣብ ማእከል ኣስመራ ካብ ዝርከባ ቤት ማእሰርታት ሓደ ዝኾነ ንቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ኣመልኪተ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ክፍንወልኩም፡፡

ብመሰረት መምርሒታት ኣባጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ ሰለስተ ዓይነት ቤት ማሕዩራት ኣለዋ፡፡ እዚኣተን ከኣ ብሓጺሩ፡ ቅርጺ ኣልቦ ማሕዩራት፡ ሓውሲ ቅርጺ ዘለወን ቤት ማእሰርታትን ወትሃደራዊ ተሃድሶታትን እየን፡፡ እተን ስማዊ ቅርጺ ዘለወን ቤት ማእሰርታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣድሂበን ክነጥፋ ዝተመደባ ኮይነን ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ፖሊስን “ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶ”ን ዝመሓደራ እየን፡፡ ብኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ዝምራሕ ኮሚሽን ፖሊስ ብሓፈሻ 59 መደበራትን ናቑጣታትን ይሕዝ፡፡ ኣብ ትሕቲ ብር/ጀነራል ግርማይ መሓሪ ዝመሓደር “ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን” ዝብል ሓበራዊ መጸውዒ ተዓዲልዎን ዝነጥፋ 14 ድጓናታት ከኣ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣለዋ፡፡ ብተወሳኺ ብወትሃደራዊ ተሃድሶ ዝጽዋዕ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ በለዛ ክሳብ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ክፍላተ ሰራዊት ዝተዘርገሓ ማእለያ ዘይብለን ቤት ተሃድሶታት ኣለዋ፡፡ ብዛዕባ እዘን “ሓውሲ ቅርጽን ኣወዳድባን” ዘለወን ቤት ማእሰርታትን ድጓናታትን ዝምልከት ሓበሬታ ቀስብቐስ ኣብ ቀጻሊ ክቐርብ ‘ዩ፡፡

እተን ብቐንዱ ብኢሳይያስን እሙናት ኣገልገልቱን ጥራይ ዝምርሓ ዘሰካሕኽሕ ግፍዒታት ዘእንግዳ ቅርጺ ኣልቦ ቤት ማእሰርታት ድማ ብቤ/ጽሕፈት ፕረሲዳንት፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ብቤ/ጽ ጀነራል (ፍሊጶስ) ዝእለያ’የን፡፡ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ከኣ ኣብ ትሕቲ’ዚ ቅርጺ ኣልቦ መስርሕ ትጥርነፍ ኣሰቃቒት ቤት ማሕዩር እያ፡፡ ኣቐዲሙ ብ “ወንጀል መርምራ” ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ኣብ ባዕዳዊን “ሃገራዊን” መግዛእቲ ኤርትራ ብዙሓት ዜጋታትና ዝተሳቐዩላን ዝሃለቑላን ብዘበነ መግዛእቲ ኢጣሊያ ዝተሃንጸት ምድራዊት ሲኦል’ያ፡፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ’ውን እቲ ኩቡር ወዲ ኣዳም ክብረት ስኢኑ ዝናሸወላ፡ ዝሓስረላ፡ ዝዋረደላን ብዘይሰማዒ ዝጠፍኣላ ገሃንም ’ያ፡፡ ቅዩድ ብዘይገበን፡ ብዘይፍርዳዊ መስርሕ ተቐይዱ ካብ ተፈጥራዊ ዑደት ተሓይሩ፡ ዝርንዛሕ እንዳነብዐ፡ ክሳብ ጫፍ ዓለም እንዳ ኣእወየ፡ ብሕማማት ዝሳቐየሉ፡ ብቀዝሒ ዝስንክለሉ፡ ብጸልማት ኣዕይንቱ ዝሓረሉ፡ ብሓፈሻ እቲ ክቡር ወዲ ሰብ ናብ እንስሳ ዝቕየረሉ ኣሰቃቒ ቤት ማእሰርቲ’ዩ፡፡

ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ሕድሕድ ቤት ማሕቡስ በቶም ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለሙ ዝፍጸም ኢ-ሰብኣዊ ፍጻመታትን፡ ባርባራዊ ገበናትን ኣይክሕድሰናን፡፡ እቲ ዘግድስ ጽባሕ ኣብታ ንትምነያ ዲሞክራሳዊት ኤርትራ ተሓተቲ ዝኾኑ ሰተይቲ ደም ንጹሃን ዜጋታት ብኣግኡ ፈሊና ምስናድ’ዩ፡፡ ኣጸቢቑ ንዘስተብሃለሉ ሰብ፡ እታ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ትርከብ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ካብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ቀጺላ፡ መእለይት ውሽጣዊ ፍርሒን ራዕድን ኢሳይያስ ምኻና ይርዳእ፡፡ ብምስምስ “ፖለቲካ” ኣብ ካርሸሊ ዝእሰሩ ሰባት መብዛሕትኦም ከምቶም ኣባላት ጉጅለ -15 ንናይ ን”መንበር ፕረሲዳንት ዘቋምቱ”ን ንብልሽው ባህሪያት ኢሳይያስ ዝርድኡ ሰባት እዮም፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ኢሳይያስ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ውዳቤታት ፈጢሩ፡ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ሒደት ዕሱባቱ ዝከታተሉዋ፡ ከምታ ዒራዒሮ ደሴት መቕዘፍቲ ደቂ ኣዳም ጌሩዋ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ ወይ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ንሓርነት ዝጠፍኡ ወይ ከኣ ኣብ እዋን ሓርነት ዝሕተቱ ንቤት ማእሰርቲ ካርሸሊን ዝጸረቶም ክውል ገበናትን ኣንዳዕዲኦም ዝፈልጡን ዝፍጽሙን እቶም ቀንዲ በላዕቲ ሰብን ሰተይቲ ደም ዝስዕቡ’ዮም፡

1. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (ፕረሲዳንት)
2. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ (ሓለቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤርትራ)
3. ብር/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል (ኣዛዚ ሃገራዊ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን)
4. ብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት)
5. ብር/ጀነራል ተኽለ ክፍላይ -ማንጁስ (ኣዛዚ ሰሜን እዚ፡ ህዝባዊ ሰራዊትን ምክትታል ዶባትን ነበር ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ)
6. ብር/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶኦም -መቐለ (ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሓላፊ ክፍሊ ምውህሃድ ተቓወምቲ ጉጅለታት ምብራቕ ኣፍሪቃ)
7. ኮ/ል ተስፋልደት ሃብተስላሰ (ወኪል ጸጥታ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት)
8. ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል (ሓለፊ ወጻኢ ስለያ)
9. ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ (ሓላፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ)
10. ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂ (ሓላፊ ኣካል ግብረሽበራን ምክትታል ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን)
11. ኮ/ል ዮናስ ብጹእ ኣምላክ (ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ምክትታል ዶባት)
12. ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ሓላፊ ኣካል መርመራን ምጽራይ ሃ/ሓ/ፖ/ጸጥታን) …እዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ናይዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ትእዛዛት ተቐቢሎም ኣብተን መሳፍሒ ኣልቦ ውሻጠታት ካርሸሊ ዜጋታት ዘሳቕዩን ዘሕቕቑን ማእከለዎት ሓለፍቲ ድማ

• ሜጀር ኣቶብርሃን ገብረሃንስ፡- (ሳጓ፡ ሰካሕ ዓዲ፡- እምባደርሆ መንበሪ፡- ካምቦ ፖሊስ ማይተመናይ) ንዓመታት ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ብምኻን ዘገልገለን ኣብ ኩሎም ገበናት ኢድ ዘለዎ ዘይውግዓዊ እሙን ኣባል ፖሊስ፡ ሃገራዊ ድሕነትን ቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ‘ዩ፡፡
• ሜጀር ጸጋይ ገብረሂወት (ዓዲ፡- ኮኾባይ መንበሪ፡- ሓዝሓዝ) ንዓመታት ከም ምኽትልን መርማሪ ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ፡፡
ኣብ ትሕቲ ዞም ክልተ ሓለፍቲ ብግዴታ ይኹን ብወለንታ ዝዓዩ መርመርቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡

1. የማነ ተስፊት (ኣስመራ)
2. ገዛኢ ኤልያስ (ሕምብርቲ)
3. ተኽለ ባራኺ (ኣስመራ)
4. ብርጣንያ (ኣስመራ) ዝተብሃሉ እዮም፡፡ እዞም ኣባላት ዕለታዊ ምርግጋጽ ህላወ እሱራትን፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ካርሸሊ ዝፍጸሙ ተርእዮታት ተኸታቲሎም ኣጻሪዮም ጸብጻብ ዘቕርቡ እዮም፡፡ ንሜጀር ኣቶብርሃን ሓዊሱ ምስዞም 6 ኣባላት ዝተሓጋገዙ ዳዊት በኹረጽዮንን ኢለንን ዝተብሃሉ ጸሓፍቲ ኣለው፡፡

እታ ንብዙሕ ዓመታት ንጹሃት ኤርትራውያን ዝሓቐቑላ፡ መሬታዊ ሲኦል ካርሸሊ፡ ኣብዚ እዋን ብሰለስተ ሽፍቲ ዝተወዝዑ፡ ብ74 ኣባላት ዕለታዊ ዕቱብ ሓለዋ ይግበረላ’ሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ላሑኺ ተኣፈፍቲ ሚስጢራት ምስ ኣጋጠመ፡ እቶም ኣባላት ነንባዕሎም ከይተኣማመኑ ዝገብር ፍሉይ ገምጋማዊ ተኽሊጥ ብምክያድ ሓድሽ ዓይነት ሓለዋ ይካየድ ኣሎ፡ ብመሰረት ሓድሽ ተኽሊጥ እቶም እሙናት ተባሂሎም ዝተመመዩ መራሕቲ ሽፍቲ ሓለዋ ዝስዕቡ’ዮም፡-

1. ሰርጌንቲ ግርማይ ኣርአያ (ነባሪ ሓዝሓዝ ኣዛዚ 1ይ ሽፍቲ)
2. ሃብተማርያም የውሃንስ (ነባሪ ካምቦ ፖሊስ ሰምበል ኣዛዚ 2ይ ሽፍቲ)
3. ሰርጌንቲ ዓምራ ኢብራሂም (ነባሪ ራዲዮመሪና ኣዛዚ 3ይ ሽፍቲ) እዮም፡፡
ድሕሪ ምህዳም ኣባል ሓ/ኣየር ነበር ካፒተን ዓንደሕሸል፡ ዳርጋ ንኹሎም ኣባላት ጽዑቕ መርመራን ምክትታል ዝተገብረሎም ኮይኑ ኣብ ምንቅስቓስ ሓለዋ፡ ኣብ ኣተኣላሊያ መካይን፡ ኣብ ምጽፋፍ ዕጥቂን ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባ እሱራት ዝተፈላለዩ ለውጥታት ተገይሮም ኢዮም፡፡ ብፍላይ እቶም ኣውቲስቲ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብርቱዕ መርመራ ምስተገብረሎም ክልቲኦም ክቕጽሉ ተገይሮም፡፡ ኣብ ምምልላስ ቅዩዳት ዚያዳ ዝእመኑ መራሕቲ መካይን፡

1. ፍጹም ዓንደብርሃን (ዓዱ ሓጋዝ መንበሪኡ ከረን)
2. ሹም ባሕሪ ፍስሃየ ( ዓዱ ሰረጀቓ መንበሪኡ ኣስመራ) እዮም፡፡ (ዓንደሕሸል ካብ ካርሸሊ ክሃድም እንከሎ ናይዚ ሹም ባሕሪ ዝመርሓ መኪና ምጥቃሙ ይዝከር)
ኣብ ቤት ማእስርቲ ካርሸሊ ዝፍጸሙ ኣሰቀቕቲ ግፍዒታት ንምኽዋል ኢሳይያስ ብፍላይ ካብ 2014 ንደሓር ገለ ኣባላት ፖሊስ ተኣፈፍቲ ኣብ ዘይኮኑ ውስናት ስርሓት ክሳተፉ ጌሩ ‘ዩ፡፡ እዚ መስርሕ፡ ኢሳይያስ ኣብ እዋን ሓለዋ ሰውራ እውን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ክውል መናውራ ምኻኑ ይዝከር፡፡ ከም ሓድሽ መናውራ ድማ ንገለ እሱራት (ቅዩዳት) ድሕሪ መርመራ ምስ ኣባላት ፖሊስ ብምትእስሳር ናብ ጸጻራትን ካልኦት ቤት ማእሰርታትን ንክዛወሩ መምርሒታት ከውርድ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲዳንትን ሃገራዊ ድሕነትን ተመርሚሮም ካብ ካርሸሊ ናብ ማይሱርዋ፡ ጸጸራት፡ ዓዲኣቤቶን ካልኦት ቤትማእሰርታትን ንኽዛወሩ “ዕድል ዝገብሩ” እሱራት ኣብ ምቅይያር ክሳተፍ ዝተሓረየ ሓላፊ ድማ ኮ/ል ባሻይ ወልዳይ ዝተብሃለ ኣባል ኮሚሽን ፖሊስ’ዩ፡፡

ብኣንጻሩ ብሓላፊ ኣካል መርመራን ምጽራይን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሜጀር ካህሳይ በየነ (ወዲ በየነ) ዝካየድ መርመራን ቅዝፈትን ድማ ክከታልን ክኣልን ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተመዘ እሙን ኪኢላ መርመራ “ፍሉይ ገበናት” ራሻይዳ ዝተብሃለ ሰብ’ዩ፡፡ (ብዛዕባ ራሻይዳን ተግባራቱን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ሓደ መዓልቲ ከቕርበልኩም ኢየ፡፡) ራሻይዳ፡ ወዲ በየነን ፍስሃጽዮንን ካብቶም ድሕሪ ናጽነት ንብዙሓት መሳኪን ዜጋታት ከሳቕዩ ዝተሓረዩ ሓድጊ ኢሳይያስ ‘ዮም፡፡

ምድራዊት ሲኦል ካርሸሊ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ንወለዶታት መምሃሪ ዝኸውን ታሪኽ ክስነደላ ዝግባእ ቤት መቕዘፍቲ ‘ያ፡፡ ኣብዛ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ብህይወት ዝወጽእ ዳርጋ የለን፡፡ እቶም “ተፈቲሖም” ተባሂሎም ናብ ስድርኦም ዝፋነዉ ገለ እሱራት’ውን ብዘይፍወስ ሕማም ምስተጠቕዑን ምሟቶም ከምዘይተርፍ ዝተረጋገጹ ጥራይ ‘ዮም፡፡ ገለ “ኢድን እግሪ ዘይብሎም ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከከቡ” እሱራት ተባሂሎም በዓል ወዲ በየነ ምስ ወሰኑሎም፡ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ከየምልቑ ብምፍርራሕ፡ ወረቐት ዓዲሉ ዘፋኑዎም ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ሜጀር ሚናሰ ስምረት (ወዲ ስምረት) ዝተብሃለ ተወላዲ ሕምብርቲ ዝኾነ ተጋዳላይ እዩ፡፡ ንኣብነት ብነሓሰ 18/2017 ዝተሰውአ ተጋደላይ ሰለሞን ሃብቶምን ካልኦትን ኣብ እዋን መስዋእቶም/ሞቶም ኣስከሬን ንስድራቤት ዝዕድል እዚ ውልቀ ሰብ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ዕድል ጌሮም ምናልባሽ ዓይኖም ዓዊሮም ክፋነው ዝተወሰነሎም ከም በዓል ሓጂ መሓመድ ሑሴን ኣላህሙዲ ዓይነት እሱራት ወረቐት ዓዲሉ ዘፋኑን ዘፈራርሕን ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ‘ውን ወዲ ስምረት ‘ዩ፡፡

ኣብ ታሪኽ “ህግደፋዊት” ኤርትራ ‘ቶም ንውሻጠ ቤት ማእሰርቲ ንምግላጽ እንጥቀመሎም ልሙዳት ቃላት “ካሜራን ሸላን” ዝብሉ ኣስማት ‘ዮም፡፡ ብዓይኒ ሓቂ ግን እቲ ውሽጣዊ ትሕዝቶን ኣብዞም ጎዳጉዲ ብኽውል ዝፍጸም ግፍዕን፡ ገበናትን፡ ብዕምቆት ንዝተረድኦ ሰብ ብቓላት ተሓንጢጡ ዘይውዳእ ኣዚዩ ሕሱም ክውንነት እዩ ዝረአ፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ጎዳጉዲ ካርሸሊ ተሰኪዖም በቢዕለቱ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት እንዳሕለፉ ንሞቶም ዝጽበዩ ዘለው ዜጋታት መብዛሕትኦም እቶም ህጉም ጥሒሶም መሬታዊ ናጽነት ዘረከቡ ተጋደልቲ እዮም፡፡ ብምስምስ “ትሕቲ ሃገራዊነትን ፖለቲካዊ ገበናትን” ተቐይዶም ኣብ ሸላታት ካርሸሊ ዝሓቀቑ ብዙሓት ደቂ ሃገር፡ ንታሪኽ ሓዲግና ሕጂ ‘ውን ምእንተ ሓቅን ርትዕን ፍትሕን ራህዋን ኢሎም ኣብ ኢድ ኣባጓይላ ዝሓቁ ዘለው ቅኑዓት ሰብ መትከል ዜጋታት ኣለው፡፡ እቶም ንዓመታት ንሃልኪ ኣደንቋሪ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ጥራይ፡ ኣስማቶም እንረቑሖም ሕጂ ‘ውን ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም “ተኣምራታዊ ፍታሕ” ይጽበዩ ኣለው፡፡ እስከ ሎሚ ካብ ምኒን ዝብል ፕሮጋንዳዊ ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ንካልኢት እኳ ህይወት ናይ’ዞም ካብ መትከሎም ነቕ ከይበሉ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት 29 ካሜራታት ካርሸሊ ተጓሒፎም ዘለው ግሩሃት ዜጋታት ንሕሰብ፡፡

ሀ) ብምስምስ “ትሕቲ ሃገራዊነትን ፖለቲካን” ዝተኣሰሩ

1. ብር/ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ (ካሜራ 02)
2. ብር/ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ (ካሜራ 25)
3. ኮ/ል ተስፋልደት ስዩም ( ካሜራ 17)
4. ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ (ካሜራ 06 ሸላ ቁጽሪ 31)
5. ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ (ካሜራ 06 ሸላ ቁጽሪ 06)
6. ተጋዳላይ እርምያስ ደበሳይ -ፓፓዮ (ካሜራ 03) ይርከብዎም፡፡ እዞም ትማል ምእንቲ ናጽነት ብዙሕ ዝኸርተቱ ምዑታት ዜጋታት ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ቅዩዳት ሕጂ ‘ውን ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት እንዳእወዩ ናብ መቓብር የምርሑ ኣለው፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ናይዚ ጽሑፍ ቀንዲ ዕላማ ንኹሎም ቅዩዳት ምርቋሕ ስለ ዘይኮነ ካብ”ቶም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ብተወሳኺ ንመወከሲ ክኾነኩም ንገለ ብህይወት ዘለው ቅዩዳት ጥራይ ክውስኽ፡

• ኣምባሳደር ተወልደብርሃን፡ ኣብታ ደጀን ዓንደሕሸል ተኣሲሩላ ዝነበረ ካሜራ ቁጽሪ 03 ምስ ሱዳናዊ ነስረዲንን እርሚያስ ፓፓዮን ብሓባር ኣሎ፡፡

• ዮውሃንስ ገብረመስቀል (ወዲጓላ) መርማሪ ዓዲኣቤቶን ማይሱርዋን ዝነበረ (ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 11)

• ኣቦ “ሚኒስተር” ዓሊ ዓብዱ ኣቦይ ዓብዱ ኣሕመድ የኑስ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 04 ምስ ካልኦት 11 ቅዩዳት ኣብ ሕማቕ ጥዕናዊን ኣካላዊን ኩነታት ይርከቡ፡፡ ኣብዛ ካሜራ ዝነበረ ሜጀር እዮብ ዝተብሃለ ብሳጉኡ ጸጸራት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣባል ኢሜግረሽን ተኣሊዩ ኣሎ፡፡

ለ) ብምስምስ “መንፈስን ጥሩፍነትን” ዝተቐየዱ

ብምስምስ ጀሃድ፡ እስላማዊ ጥሩፍነት፡ መንፈሳውያንን ምልዓል ሃይማታዊ ናዕቢን፡ ካብ ኩሎም ሃይማኖታዊ ትካላት ዝተቐየዱ ብሓፈሻ ልዕሊ 40 ኣመንቲ ዝነበሩ ኮይኖም ብሕማምን ብመርሸንትን በቢሓደ እንዳጸነቱ ኣብዚ እዋን ኣስታት 17 ጥራይ ብህይወት ተሪፎም ኣለው፡፡ ካብዚኣቶም እቶም ብህዝቢ ዝፍለጡ ህልዋት ዝስዕቡ እዮም፡

1. ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ካብ ፕሮቲስታንት ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 23 ምስ 8 ካልኦት ዜጋታት ኣሎ፡፡ ምስ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ብሓባር ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣመንቲ ፕሮቲስታንት ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ሃይለ ናይዝጊ፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱ ኮይኖም ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስእነት ሕክምናን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት’ዮም፡፡
2. ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግስ፡ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ካብ ኣመንቲ ኦርቶደክስ (ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 23) ሙሴ እዛዝ፡ ሙሴ ገብረስላሰ ዝበሃሉ እሱራት ብሓባር ኣለው፡፡ ከምኡ’ውን ብጉዳይ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተቐየዱ ቀሺ ይትባረኽ በርሀ ድማ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 05 ምስ ካልኦት 03 እሱራት ተቐይዶም ይርከቡ፡፡

ሐ) ብምስምስ “ብልሽውናን ዝተፋለለዩ ስኑዕ ምኽንያታት” ዝተቐየዱ

እዞም እሱራት ብትእዛዝ ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ቤ/ጽ ፕረሲዳትን ዝተቐየዱ ኮይኖም፡ ቀንዲ መእሰሪ ምኽንያቶም ኣይፍለጥን፡፡ እንተኾነ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝለኣኹ ገለ ጸብጻባት ግን እቶም እሱራት “ንፕረሲዳንት ሓሚዮም፡ ስሙ ኣጸሊሞም፡ ምንጩ ዘይተፈልጠ ዘይተኣደነ ማል ኣጥሪዮም፡ ተደናገጽቲ ጉጅለ 15 እዮም፡ ኣብ ልዕሊ ፕረሲዳንት ፈተነ ቅትለት ሓሲቦም፡ ኣባላት ጅብሃ ነይሮም” ወዘተ ብዝብሉ ክሲታት ዝተቐየዱ ምኻኖም ይገልጽ፡፡ ክሳብ ዕለት 15/08/2017 በዞም ዝተሰንዑ መበገሲታት ኣብ ካርሸሊ ዝርከቡ ብዝሒ እሱራት ዝስዕቡ ‘ዮም፡

• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 01 ሰለስተ እሱራት (ምስ ብር/ጀነራል ቢትወደድ)
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 03 ሸሞንተ እሱራት (ምስ እርሚያስ ፓፓዮ)
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 04 ዓሰርተው ክልተ እሱራት (ምስ ኣቦ ዓሊ ዓብዱ)
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 05 ኣርባዕተ እሱራት (ምስ ቀሺ ይትባረኽን ባኒ ኣንቶኒዮ ሉሉ ዝተብሃለ ኣባል ብሄር ኩናማን)
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 07 ሽዱሽተ እሱራት ( ምስ ካብ ከሰላ ዝተጨውየ ዑሞር ዝተብሃለ ሱዳናዊ)
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 08 ብጀነራል ፍሊጶስ “ብሓደራ” ዝተቐዱ 3 እሱራት
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 09 ትሽዓተ እሱራት
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 10 ኣሰጋገርቲ ተባሂሎም ዝተቐየዱ 12 እሱራት ኣለው፡፡ ኣብዛ ካሜራ ሃይለስላሰ ዝተብሃለ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ክፍሊ ዕድጊ ዝሰርሕ ዝነበረ ንዓመታት ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ 2006/07 ምስ በዓል ባህር ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ብወዲ በየነ መርመራ ካብ ዝተገብረሎም ሓደ ብሕሱም ማህረምቲ ኣብ ዝነበረላ ሸላ ዝተቐዝፈ ሮባት ኣልሓሰን ዝተብሃለ ስፖርታዊ (ወዲ ከረን) ቅድሚ ናብ ካሜራ ቁጽሪ 19 ምቕያሩ ዝጸንሓላ ካሜራ እያ፡፡ መንእሰይ ሮባት ኣልሓሰን ምስ ሳልሕ ሑሴኖ ዝተብሃለ ብ”ጀሃድ” ተጠርጢሩ ካብ ከባቢ ጾሮና ተዓፊኑ ዝመጸ ዜጋ ኣብ መርመራ ብዝወረዶም ሕሱም ማህረምቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 6/2007 ኣብ ጉዋ መገዲ ደቂምሓረ (ጥቓ ዓዲርዓዳ) ብኣባለት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምት ብለይቲ ዝተቐብሩ’ዮም፡፡

• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 12 ብሓላፊ ምክትታል ዶባት ኮ/ል ዮናስ ብጹእ ኣምላክ ካብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ተዓፊኖም ዝኣተው 11 እሱራት ኣለው፡፡
• ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 23 ሸሞንተ ኣባላት ጉጅለ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ብትእዛዝ ብ/ጀነራል ጠዓመ ጎይቶኦም (መቐለ) ዝተቐየዱ ኣለው፡፡ ከምኡ ‘ውን
• ኣብ ካሜራታት ቁጽሪ 25፡ 26፡ 27፡ 28ን 30ን ነብሰወከፈን ሐሓደ እሱር ተዳጊኖምለን ኣለዋ፡፡
• ኣብ ውሽጢ ካርሸሊ እተን ብኣዚዩ ልዑል ጥንቃቐ ዝተሓዛን ብፍሉያት ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ዝሕለዋ ካሜራታት ቁጽሪ 17ን 19ን እየን፡፡ እዘን ካሜራታት ነጋዳይ ፍቕረ ዝተቐዘፈላ ሸላን ከምኡ’ውን በዓል ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ቅድሚ ምርሻኖም ዝጸንሑለን ሸላታት ዝሓዛ እየን፡፡ ኣብ ካሜራ 17 ጥቓ ኮ/ል ተስፋልደት ስዩም ሳልሕን ኣቦቡክርን ዝተብሃሉ ክልተ ቅዩዳት ኣለው፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ንቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ኣመልኪተ ነዚ ጽሑፍ ኣብ ምድላው ኣብ ዝነበርኩሉ ኣብዚ እዋን ከምቲ ልሙድ ሓደ ካብቶም ምቹእ ናብራ ግዳም ጠንጢኖም ስለ ናጽነት ኤርትራ ንሙሉእ ዕድሚኦም ተቓሊሶም፡ ኢድ ጠላም ኢሳይያስ ኣርኪብዎም ኣብ ጎድጊዲ ካርሸሊ ን14 ዓመታት ዝተሳቔዩ እሱራት ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ሰለሞን ሃብቶም ብነሓሰ 18/2017 ተሰዊኡ ኣሎ፡፡ ተጋዳላይ ሰለሞን ምስ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዕቑበ ኣብርሃ ብዘለዎ ዝምድና “ተደናጋጺ ጉጅለ 15” ተሰሚዩ ንኣስታት 14 ዓመታት ኣብ ካርሸሊ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 15 ዋላ ሓንቲ ጥዕናዊ ሓገዝ ከይተገብረሉ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ተጠቒዑ ዝተሰውአ ዜጋ እዩ፡፡ ስውእ ሰለሞን ምስ 3 ኣሕዋቱ ንሜዳ ወጺኡ ክልተ ኣሕዋቱ ንናጽነት ዘወፈየ ተባዕ ተቓላሳይ ነይሩ፡፡ ንምግላጹ ብዘጸግም ኩነታት ከየዕረፈ ናብ መቓብር ብዘምረሐ ተጋ/ ሰለሞን ኣሰቃቒ ሓዘን ዝወረደኩም ስድራቤቱን መላእ ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም እብል፡፡

ከምትፈልጥዎ ኣብ ብዙሓት ጽሑፋተይ ንኢሳይያስ ክገልጾ እንከለኹ ምስ “ጸሓይ ዝዓረበቶ ዝኣረገ ዝብኢ” ከመሳስሎ እመርጽ፡፡ እወ! ሕጂ’ውን ከምቲ ዝኣረገ ዝብኢ ንገዛእ ዝቖሰለ ስግኡ ዝምንጭት ጠላም ኣባጓይላ ኢሳይያስ ከኣ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ትማል መሳርሕቱ ዝነበሩ ሓለፍቲ በቢሓደ ይምንጭቶም ኣሎ፡፡ ኣሰቃቒት ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ድማ ከምታ “ደርጋዊት ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግምቢ” ኣብ ኣጋ ዕርበቱ መቕዘፊት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮይና ኣላ፡፡ ኣብታ ኣዚዩ ዝተሰናበደላ “ስርሒት ፈርቶ” ዝተሳተፉ ገለ ግሩሃት ‘ውን ብኸውሊ ኣብ ካርሸሊ ካብ ዝሰፍሩ ዛጊት ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለው፡፡ እምበኣር ብርዱእ ምኽንያታት ብዝርዝር ንምጽሓፍ ካብ ዘይመረጽኩዎ ፍጻመታት “ዛንታ ስርሒት ፎርቶ”፡ ኣብ ካርሸሊ ተጓሒፎም ዝርከቡ ተሳተፍቲ እቲ “ስርሒት” ዝምልከት ሓበሬታ ናይ ገሊኦም ቆንጭለ ብሃሳሰለባም ገለ ክብለኩም፡፡

ብሓፈሻ ብምኽንያት “ስርሒት ፎርቶ” ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ነይሮም፡፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ 01/2013 ጀሚሩ ኣብ ላዕላይ ደንጎሎ መርመራ ክካየደሎም ጸኒሑ፡፡ ድሕሪ ደቂቕ መርመራን መግረፍትን እቶም ኣባላት “ወጠንቲ” “ወደብቲ”፡ “ተሳተፍቲ”ን “ተደናገጽት”ን ተባሂሎም ናብ 4 ጉጅለታት ተፈሊዮም፡፡ ብመሰረት መጽናዕታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ጨንፈር ወትሃደራዊ ጠለፋን ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ድማ ኣብ 3 ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርታት ክቕየዱ ተገይሮም፡፡ ሎሚ ንካልእ ዝርዝራት ሓዲገ እቶም ኣብ ካርሸሊ ዝተዳጎኑ “ቀንዲ ወጠንቲ” ስርሒት ፎርቶ ተባሂሎም ዝተፈልዩ ሓለፍቲ ክገልጸልኩም፡፡

1. ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን ሑሞድ ጠዊል (ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ነበር) ድሕሪ ፍጻመ ፎርቶ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንክልተ ወርሑ ብሓለዋ ተሓይሩ ጸኒሑ እዩ፡፡ ንነዊሕ ዓመታት ብጀሃድ ተጠርጢሩ ኣብ 2015 ዝሞተ ተወላዲ ብሄር ዓፋር ዝነበረላ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 01 ንበይኑ ኣብ ጸልማት ተኣሲሩ ኣሎ፡፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ኣዒንቱ ዓዊሩ ብዝተፋለዩ ብሕማማት ይሳቐ ኣሎ፡፡

2. ዓብዳላ መሓመድ ማሕሙድ ጃብር (ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ነበር) ኣብ ከባቢ ጸጸራት ካብ ዝርከብ መንበሪኡ ብኣባላት ስጉምትን ዓፈናን ወኪል ሃ/ድሕነት ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ተታሒዙ ኣብ ላዕላይ ደንጎሎ መርመራ ተገይርሉ፡፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ካርሸሊ ግዒዙ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 02 ኣብ ጥቓ ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ ካብ ዘለዋ ሸላታት ኣብ ሓንቲ ጸልማት ሸላ ተኣሲሩ ኣሎ፡፡

3. ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ (ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ነበር) ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚኒስትሪ ጸዓትን መዓድንን ኣብ ውሽጢ ቤ/ጽሕፈቱ ብኣባላት ስጉምትን ዓፈናን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ድሕሪ መርመራ ኣብታ ኣዚዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረላ ካሜራ ቁጽሪ 19 ተዳጊኑ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ተሳታፊ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ኣዚዩ ጥንኩር ሓለዋ ይርከብ፡፡

4. ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን በኺት (ኣዛዚ ክ/ሰ 17 ነበር) ድሕሪ ፍጻመ ፎርቶ ካብ ዓዲንኣምን ንሸነኽ ምብራቕ (ከባቢ ዓዲብዴንን ሕረኳዜንን) ካልኣይ ርእሱ ምስተተሓዘ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብ/ጀ ስምኦን ዕቕቡ (ርእሲ ምራኽ) ን ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ)ን ተዓጂቡ ኣብ ን/ዞባ ማይ ዓይኒ ከባቢ ሰርዐ ንዝእዝዞም ኣባላት ክ/ሰ 17 ብዛዕባ እቲ ስርሒት ክናዘዝ ኣገዲዶምዎ፡፡ ድሕሪ መርመራ ድማ ናብ ካርሸሊ ኣብ ካሜራ 27 ኣብ ትርከብ ሓንቲ ፊኒስትራ ዘይብላ ሸላ ተዳጊኑ፡፡ ኣብዚ እዋን ብሕማም ሳምቡእ (Phenumonia) ይሳቐ ኣሎ፡፡

5. ሌ/ኮ ኣለም መንግስትኣብ - ግዝዋ (ኣዛዚሜካናይዝድ ክ/ሰ 42 2ይ ብርጌድ ነበር) ምስ ኮ/ል ሳልሕ ዑስማን ኣብ ከባቢ ዓዲንኣምን ምስተተሓዘ ድሕሪ ከቢድ መርመራ ኣብ መወዳእታ ናብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 19 ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዘላ ጸላም መሳፍሒ ኣልቦ ሸላ ተኣሲሩ ይርከብ፡፡

6. ሌ/ኮ ኣብርሃም ገብረሚካኤል - ግላዋ (ኣዘዚ ሜካናይዝድ ክ/ሰ 49 2ይ ብርጌድ ነበር) ኣብ ጥቓ ኣለም ግዝዋ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 19 ኣብ ሓንቲ ጸላምን ጸባብን ሸላ ተቐይዱ ኣሎ፡፡

7. ዓብዱ መሓመድ ዓብዱ በክሪ ሄጂ (ጋዜጠኛን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፓኪስታ ነበር ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 07 ተቐይዱ ብሕማማት ይሳቐ ኣሎ)

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ብምኽንያት ስርሒት ፎርቶ ካብ መላእ ሃገር ተኣርዮም ዝተኣሰሩ ዜጋታት ኣስታት 110 ኔሮም፡፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተገለጹ ቀንዲ “ወጠንትን ሃንደስትን” ተባሂሎም ዝተፈለዩ እዮም፡፡ ካብ ላሕኺ ተኣፈፍቲ ሓበሬታት፡ “ዒራዒሮ” ተሞኩሮ ብምውሳድ፡ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝምለከቶም ኣባላት ጸጥታ ብኣዚዩ ጥንኩር ኣገባብ ኣብ ካርሸሊ ክተሓዙ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝወሰነሎም እዮም፡፡ ብፍላይ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ነበር ኣሕመድ ሓጂ ዓሊን እቶም ነተን ድሩዓት ታንክታት ዘበገሱን ዝኣለዩን ኣለም ግዝዋን ኣብርሃም ግላዋን ኣብታ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት/ውሽጣዊ ጸጥታ ፍሉይ ጠመተ ዝግበረላ ካሜራ ቁጽሪ 19 ተፈሊዮም ን24 ሰዓታት ኣብ ጸልማት ሸላታት ክእሰሩ ተገይሮም ኣለው፡፡ እዞም ቅዩዳት ብፍሉይ ክተሓዙ ዝተደለየሉ ምኽንያት ደረጃ ዕድሜኦምን ምስ ስውእ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ዝነበሮም ጥቡቕ ቅርበት ኣብ ግምት ብምእታው ‘ዩ፡፡ ብመንጽር ወትሃደራዊ ኣሃዱታት ክረአ እንከሎ ኣብ ታሪኽ ቅድመን ድሕረን ናጽነት ንህዝባዊ ግንባር ዝፍታተኑ፡ ብዘይዝኾነ ስክፍታ ብድፍረት በዳህቲ ሕቶታት ዘንቅዱ ኣባላት ሜካናይዝድ ምንባሮም ይዝከር፡፡

ብ1993 ኣብ ዝነበረ “ኣድማ ተጋደልቲ” እውን ኣባላት ከቢድ ብረት ዝለዓለ እጃም ከምዝነበሮም ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓውደ ውግእ ኣዚዩ ኣድማዒን ቀላስን ኣበርክቶ ዝነበሮ ኣሃዱ ሜካናይዝድ ብምንባሩ ኢሳይያስ ኣድማዕነት ኣሃዱታት ሜካ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብተኽሊጥን ካልኦት መናውራታትን ከገለባብጦ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ውን ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ዝተሓረዩ ኣባላት ሜካ ብምንባሮም ኣብ ልዕሊ ሜካ ዝነበሮ ሕዱር ስግኣት በሪኹ ከይወዓለ ከይሓደረ መደባት ተኽሊጥ ኣካይዱ እዩ፡፡

በዚ ምኽንያት ምስ ወዲ ዓሊ ዚያዳ ምቅርራብ ዝነበሮም መራሕቲ ሜካ ኣብ ካርሸሊ እውን ብሕሱም ኣገባብ ክተሓዙ ኣዚዙ፡፡ ንሳቶም ዝተቐየዱለን ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 19 ኣብ ዝርከባ ሸላታት ተሓይሩ ብህይወት ዝጸንሐ ወይ ዝወጸ እሱር የልቦን፡፡ ብሞትን ብመርሸንትን ዝተኣለዩ በዓል ባህር ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ኣደም ሽልሸል፡ ኣልኣሚን ጀላኒ፡ ካፒተን ኣሕመድ መሓመድ (ጅኑብ)፡ ሮባት ኣልሓሰን ተኣሲሮምለን ዝነበራ ሸላታት ውን ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 19 ዝርከባ እየን፡፡
ካሜራ ቁጽሪ 19 ብቐጥታ ንቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ሃገራዊ ድሕነትን ዝተፈለየት ኮይና ኣብዚ እዋን ብደቂቕ መጽናዕቲ ዝተፈለዩ ኣዚዮም “እሙናት” መጋቦን ኣበጻጻሕትን ተመዲቦምላ ኣለው፡፡ እዞም ሰባት ካሜራ ቁጽሪ 19 ዝጸረቶ ጉድን ኣበርጉድን ዝፈልጡ፡ ጽባሕ ምስ ወግሐልና ህልዋት መሰኻኽር “ጸሊም ዘመን” ስለዝኾኑ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ብኣግኡ ንከለልዮም ብዝርዝር ክጠቕሶም መሪጸ ኣለኹ፡፡

1. ሽፋ ዓብደላ፡- (ተወላዲ ብሄር ሳሆ ት/ዓዱ፡- ደምሒና መንበሪኡ፡- ኣስመራ) ከም ሓላፊ እቶም መጋቦ ኮይኑ ብቀትርን ለይትን ብበዓል ወዲ በየንን ራሻይዳን ዝምርመሩን ዝቕጥቀጡን እሱራት ካብ ሸለኦም ጸሊም ማስኬራ ሸፊኑ ዘመላልስ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ፡፡

2. መድሃንየ ግርማይ፡- (ት/ዓዲ፡ ሰንዓፈ መንበሪ ኣስመራ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት) መጋብን ተለኣኣኺን፡፡

3. ዓንዳይ ተኽላይ ፡- (ትውልዱ ዓዲ ከባቢ ጋሽባርካ ኣባል 9ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት መንበሪ ኣስመራ) መጋብን ተለኣኣኺን፡፡

4. ተስፎም ተኽለ -ኣምቸ (መንበሪ ኣስመራ ኣባል 10ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት) መጋቢን ተለኣኣኺን

5. ተስፋይ ሃብተኣብ ፡ (ት/ዓዱ ማይድማ መንበሪ ኣስመራ ኣባል 9ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት) እዮም፡፡

ቅዋም ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ፍትሕን ርትዒን ኣብ ዘይሕሰበሉ ህሞት፡ ወዲ ሰብን ሰብኣዊነትን ብናይ ጫካ ሕጊ ኣብ ዝምርሑላ ሃገርና፡ ሕጂ ውን ኢሳይያሳውያን ከም ካርሸሊ ዓይነት ምድራውያን ሲኦላት ልዕሊን ትሕትን ምድሪ እንዳሃነጹ ዜጋታትና የህልቑ ኣለው፡፡ “ዘዝጸንሐ ናብ ሞት፡ ዘዝተወልደ ናብ ስደት”፡ ኣብ ዘምርሓላ ሃገር ኮይና ሚዲያታት ክነማሙቕ ነንባዕልና ክንናቖት ነሕልፎ ግዜ ደጊም ክህልዎ ኣይግባእን፡፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተግባራዊ ስጉምታት ምውሳድ እዋናዊን ሕቶ ኤርትራዊ ህላውነትን እዩ፡፡ ደጊመ ንስድራ ግዳይ ካርሸሊ ስውእ ተጋዳላይ ሰለሞን ሃብቶም ጽንዓት ይሃብኩም እብል፡፡


SHARE.....SHARE ....SHARE ....IN ALL ACCOUNTS AND GROUPS SO THAT EVERY ONE CAN KNOW AND SEE

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com